ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ዓንቀጽ መጽናዕቲ 27

ብዛዕባ ርእስኻ ኻብቲ ዚግብኣካ ኣዕዚዝካ ኣይትሕሰብ

ብዛዕባ ርእስኻ ኻብቲ ዚግብኣካ ኣዕዚዝካ ኣይትሕሰብ

“ነፍሲ ወከፍ ኣብ መንጎኹም ዘሎ፡ ብዛዕባ ርእሱ ኻብቲ ዚግብኦ ኣዕዚዙ ኸይሓስብ፡ የግዳስ፡ . . . ብልብምና ኺሓስብ . . . እብሎ ኣለኹ።”—ሮሜ 12:3

መዝሙር 130 ይቕረ በሃልቲ ንኹን

መላለዪ *

1. ብመሰረት ፊልጲ 2:3፡ ትሕትና እንተ ኣልዩና፡ ምስ ካልኦት ጽቡቕ ርክብ ዚህልወና ስለምንታይ እዩ፧

የሆዋ ወትሩ ንዓና ዝሓሸ እንታይ ምዃኑ ኸም ዚፈልጥ ስለ እንኣምን፡ ንስርዓታቱ ወትሩ ንሕልዎ ኢና። (ኤፌ. 4:22-24) ብትሕትና ተደሪኽና ድማ ንፍቓድ የሆዋ ኻብ ናትና ነቐድምን ንኻልኦት ካብ ርእስና ኣብሊጽና ንርእን ኢና። ከም ውጽኢቱ ኸኣ፡ ምስ የሆዋን ምስ ክርስትያናት ብጾትናን ጽቡቕ ርክብ ኣሎና።—ፊልጲ 2:3 ኣንብብ።

2. ሃዋርያ ጳውሎስ እንታይ እዩ ተኣሚኑ፧ ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣኸ እንታይ ኢና ኽንርኢ፧

2 እንተ ዘይተጠንቂቕና ግና፡ በቶም ኣብ ናይ ሰይጣን ዓለም ዘለዉ ዕቡያትን ጥቕሚ ርእሶም ዜቐድሙን ሰባት ክንጽሎ ንኽእል ኢና። * እዚ ነገር እዚ ነቶም ኣብ ቀዳማይ ዘመን ድ.ክ. ዝነበሩ እውን ዜስግኦም ሓደጋ እዩ ነይሩ ኪኸውን ዘለዎ፣ ከመይሲ፡ ሃዋርያ ጳውሎስ ንሰብ ሮሜ፡ “ነፍሲ ወከፍ ኣብ መንጎኹም ዘሎ፡ ብዛዕባ ርእሱ ኻብቲ ዚግብኦ ኣዕዚዙ ኸይሓስብ፡ የግዳስ፡ . . . ብልብምና ኺሓስብ . . . እብሎ ኣለኹ” ኢሉ ጽሒፉሎም እዩ። (ሮሜ 12:3) ጳውሎስ ብዛዕባ ርእስና ኽንሓስብ ከም ዚግባእ ተኣሚኑ እዩ። ኰይኑ ግና፡ ትሕትና እንተ ኣልያትና፡ ብዛዕባ ርእስና ሚዛናዊ ኣረኣእያ ኽንሕዝ ንኽእል ኢና። እዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ብትሕትና እናተደረኽና ብዛዕባ ርእስና ኻብቲ ዚግባኣና ኣዕዚዝና ኽንሓስበሉ ዘይብልና ሰለስተ መዳያት ትገልጽ። እዚ መዳያት እዚ ድማ፡ (1) ሓዳርና፡ (2) ዝረኸብናዮ ፍሉይ መሰላት ኣገልግሎት፡ (3) ንማሕበራዊ መራኸቢ እንጥቀመሉ መገዲ እዩ።

ኣብ ሓዳርካ ትሕትና ኣርኢ

3. ኣብ ሓዳር ግጭታት ዚልዓል ስለምንታይ እዩ፧ ገሊኦምከ ነቲ ግጭታት ብኸመይ ኪፈትሕዎ ይጽዕሩ፧

3 የሆዋ ንመውስቦ፡ ንሰብኣይን ንሰበይትን ዜሐጕስ ኪኸውን ኢሉ እዩ ፈጢርዎ። ፍጹም ሰብ ስለ ዘየልቦ ግና፡ ግጭታት ይፍጠር እዩ። ስለዚ ድማ፡ እቶም ዚምርዓዉ ኣብ ስጋኦም እተወሰነ ጸበባ ኸም ዚህልዎም ጳውሎስ ጽሒፉ ኣሎ። (1 ቈረ. 7:28) ገሊኦም ምስ መጻምድቶም ብቐጻሊ ይብኣሱ እዮም፣ ስለዚ፡ ሓዳሮም ጠሪሱ ኸም ዘይሰምር ይድምድሙ ይዀኑ። ብዓለም እንተ ተጸልዮም ከኣ፡ እንተ ተፋትሑ ኸም ዚሓይሽ ተቐላጢፎም ይሓስቡ እዮም። እቲ ልዕሊ ዅሉ ዜገድስ፡ ንርእሶም ዚጥዕሞም ነገር ከም ዝዀነ ይሓስቡ እዮም።

4. እንታይ ኢና ኽንገብር ዘይብልና፧

4 ሓዳርና ጠሪሱ ኸም ዘይሰመረ ጌርና ኽንሓስብ የብልናን። ንፍትሕ መሰረት ዚኸውን ቅዱስ ጽሑፋዊ ምኽንያት ምንዝርና ጥራይ ምዃኑ ንፈልጥ ኢና። (ማቴ. 5:32) እቲ ጳውሎስ ዝጠቐሶ ጸበባ ኼጋጥመና ኸሎ፡ ብትዕቢት ተደሪኽና፡ ‘ካብዚ ሓዳር እዝስ ዜድልየኒ ይማልኣለይዶ ኣሎ፧ ዚግብኣኒ ፍቕሪ እረክብዶ ኣለኹ፧ ምስ ካልእ ሰብ ዝያዳ ሓጐስ ምረኸብኩዶ፧’ ኢልና ኽንሓስብ የብልናን። ከምዚ ዓይነት ሕቶታት ንሓትት እንተ ዄንና፡ ኣብ ርእስና ነተኵር ከም ዘለና ኣስተብህል። ጥበብ እዛ ዓለም እዚኣ፡ ዋላ እውን ንሓዳርካ ዜፍርስ ይኹን፡ ልብኻ ዚብልካ ኽትስዕብን ንዓኻ ዜሐጕሰካ ኽትገብርን እዩ ዚመኽረካ። ጥበብ ኣምላኽ ግና፡ “ንጥቕሚ ኻልኦት እውን እምበር፡ ንጥቕሚ ርእስኹም ጥራይ ኣይትጠምቱ” እዩ ዚብል። (ፊል. 2:4) የሆዋ ንሓዳርካ ኽትብትን ዘይኰነስ፡ ክትዕቅብ እዩ ዚደልየካ። (ማቴ. 19:6) ብቐዳምነት ብዛዕባ ርእስኻ ዘይኰነስ፡ ብዛዕባኡ ኽትሓስብ እዩ ዚደልየካ።

5. ብመሰረት ኤፌሶን 5:33፡ ሰብኣይን ሰበይትን ንሓድሕዶም ብኸመይ ኪተሓሓዙ ኣለዎም፧

5 ሰብኣይን ሰበይትን ንሓድሕዶም ብፍቕርን ብኣኽብሮትን ኪተሓሓዙ ኣለዎም። (ኤፌሶን 5:33 ኣንብብ።) መጽሓፍ ቅዱስ፡ ኣብ ምቕባል ዘይኰነስ፡ ኣብ ምሃብ ከነተኵር ይምህረና እዩ። (ግብ. 20:35) እንታይ ባህርይ እያ ንሰብ ሓዳር ፍቕርን ኣኽብሮትን ኬርእዩ እትሕግዞም፧ ትሕትና እያ። ትሑታት ዝዀኑ ሰብኡትን ኣንስትን፡ ጥቕሚ ርእሶም ዘይኰነስ፡ “ጥቕሚ ኻልእ” እዮም ዚደልዩ።—1 ቈረ. 10:24

ትሑታት ሰብ ሓዳር ብስኒት ሓቢሮም ደኣ እዮም ዚዓይዩ እምበር፡ መቐናቕንቲ ኣይኰኑን (ሕጡብ ጽሑፍ 6 ርአ)

6. ካብቲ ስቲቨንን ስተፋኒን ዝሃብዎ ሓሳባት እንታይ ትምሃር፧

6 ሳላ ትሕትና፡ ብዙሓት ክርስትያናት ሰብ ሓዳር ኣብ ሓዳሮም ዝያዳ ሓጐስ ረኺቦም እዮም። ንኣብነት፡ ስቲቨን ዝስሙ ሰብኣይ፡ “ስኒት እንተ ኣልዩካ፡ ብሕልፊ ጸገማት ኬጋጥም ከሎ፡ ብሓባር ትዓዪ ኢኻ። ‘ንዓይ ዝሓሸ እንታይ እዩ፧’ ኢልካ ኣብ ክንዲ እትሓስብ፡ ‘ንዓና ዝሓሸ እንታይ እዩ፧’ ኢልካ ትሓስብ ኢኻ” ይብል። ስተፋኒ ዝስማ ሰበይቱ ድማ ተመሳሳሊ ስምዒት እዩ ዘለዋ። ንሳ ኸኣ፡ “ምስ ተጻራሪኡ ኺነብር ዚደሊ ዋላ ሓደ የልቦን። ግጭት ኪልዓል ከሎ፡ ነቲ ጸገም ነለልዮ፡ ንጽሊ፡ ምርምር ንገብር፡ ከምኡ እውን ንዛራረበሉ ኢና። ኣብ ልዕሊ ሓድሕድና ዘይኰነስ፡ ኣብቲ ጸገም ኢና መጥቃዕቲ እንፍኑ” ትብል። ሰብኡትን ኣንስትን ብዛዕባ ርእሶም ካብቲ ዚግብኦም ኣዕዚዞም ዘይሓስቡ እንተ ዀይኖም፡ ብሓቂ ይጥቀሙ እዮም።

ንየሆዋ “ብዅሉ ትሕትና” ኣገልግሎ

7. ሓደ ሓው ፍሉይ መሰል ኣገልግሎት ኪውሃቦ ኸሎ፡ እንታይ ኣረኣእያ እዩ ኺህልዎ ዚግባእ፧

7 ንየሆዋ ብዝዀነ መገዲ ምግልጋል፡ ከም ክብሪ ኢና እንቘጽሮ። (መዝ. 27:4፣ 84:10) ሓደ ሓው ፍሉይ መሰል ኣገልግሎት ንምስካም ገዛእ ርእሱ እንተ ኣቕሪቡ፡ እዚ ዚንኣድ እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ እውን፡ “ሓደ እኳ ሓላዊ ኪኸውን እንተ ተመጣጢሩ፡ ሰናይ ግብሪ ይምነ ኣሎ” ይብል እዩ። (1 ጢሞ. 3:1) ሓላፍነት ምስ ተቐበለ ግና፡ ብዛዕባ ርእሱ ኻብቲ ዚግብኦ ኣዕዚዙ ኺሓስብ የብሉን። (ሉቃ. 17:7-10) ሸቶኡ ንኻልኦት ብትሕትና ምግልጋል ኪኸውን ኣለዎ።—2 ቈረ. 12:15

8. ካብ ድዮትሬፌስን ካብ ዑዝያን ካብ ኣቤሴሎምን እንታይ ንምሃር፧

8 መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ርእሶም ካብቲ ዚግባእ ኣዕዚዞም ንዝሓሰቡ ሰባት ከም መለበሚ ይጠቕሰልና እዩ። ድዮትሬፌስ ትሑት ስለ ዘይነበረ፡ ኣብታ ጉባኤ “ኣውራ” ኸም ዝዀነ ገይሩ ይሓስብ ነይሩ እዩ። (3 ዮሃ. 9) ዑዝያ ኸኣ ብትዕቢት ተደሪኹ የሆዋ ዘይመደበሉ ዕዮ ኺዓዪ ፈቲኑ እዩ። (2 ዜና 26:16-21) ኣቤሴሎም ድማ ንጉስ ኪኸውን ስለ ዝደለየ፡ ብተንኰል ተላዒሉ ደገፍ ህዝቢ ኺረክብ ጽዒሩ እዩ። (2 ሳሙ. 15:2-6) እዚ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ዛንታታት ብንጹር ከም ዚሕብሮ፡ የሆዋ በቶም ክብሪ ርእሶም ዚደልዩ ባህ ኣይብሎን እዩ። (ምሳ. 25:27) ውዒሉ ሓዲሩ፡ ትዕቢትን ትምክሕትን ናብ ውድቀት እዩ ዚመርሕ።—ምሳ. 16:18

9. የሱስ እንታይ ኣብነት እዩ ሓዲጉልና፧

9 ካብዞም መለበሚ ዚዀኑና ሰባት ብእተፈልየ ግና፡ የሱስ ዝሓደጎ ኣብነት እስከ ንርአ፣ “ንሱ ብመልክዕ ኣምላኽ ክነሱ፡ ማዕረ ኣምላኽ ኪኸውን ኢሉ ኺምንዝዕ ኣይሓሰበን።” (ፊል. 2:6) ድሕሪ የሆዋ ብኻልኣይ ደረጃ ዚስራዕ ስልጣን ዘለዎ እኳ እንተ ዀነ፡ ብዛዕባ ርእሱ ኻብቲ ዚግብኦ ኣዕዚዙ ኣይሓስብን እዩ። ንደቀ መዛሙርቱ ኸኣ፡ “እቲ ኣብ መንጎ ዅላትኩም ርእሱ ዜንእስ፡ ንሱ እዩ ዓብዪ” ኢልዎም እዩ። (ሉቃ. 9:48) ኣብነት የሱስ ብምስዓብ ትሕትና ምስ ዜርእዩ ፈለምትን ኣገልገልቲ ጉባኤን ሽማግለታትን ሓለውቲ ወረዳን ሓቢርካ ምግልጋልሲ ኸመይ ዝበለ በረኸት ኰን እዩ! ትሑታት ኣገልገልቲ የሆዋ ነታ መለለዪት ውድብ ኣምላኽ ዝዀነት ፍቕሪ ኣበርክቶ ይገብሩ እዮም።—ዮሃ. 13:35

10. ኣብ ጉባኤ ዘሎ ጸገማት ብግቡእ ይትሓዝ ከም ዘየሎ እንተ ተሰሚዑካ እንታይ ኢኻ ኽትገብር ዘሎካ፧

10 ኣብ ጉባኤ ጸገማት ከም ዘሎ እሞ እዚ ብግቡእ ይትሓዝ ከም ዘየሎ እንተ መሲሉካ እንታይ ኢኻ ኽትገብር ዘሎካ፧ ኣብ ክንዲ እተማርር፡ ነቶም ዚመርሑ ብምድጋፍ ትሕትና ኸተርኢ ትኽእል ኢኻ። (እብ. 13:17) ከምኡ ንምግባር ምእንቲ ኺሕግዘካ፡ ከምዚ ኢልካ ሕተት፦ ‘እቲ ጸገማት ክሳዕ ክንድቲ ዓብዪ ድዩ፧ ንምእራሙ ግዜኡ ድዩ፧ ንዕኡ ምእራም ቦታይ ድዩ፧ ከም ሓቂኸ፡ ሓድነት ድየ ኸስፍን ዝጽዕር ዘለኹ ወይስ ገዛእ ርእሰይ ክብ ከብል፧’

ሓላፍነት ዘለዎም ኣሕዋት ብኽእለቶም ጥራይ ዘይኰነስ፡ ብትሕትናኦም እውን ይፍለጡ እዮም (ሕጡብ ጽሑፍ 11 ርአ) *

11. ብመሰረት ኤፌሶን 4:2, 3፡ ንየሆዋ ብትሕትና ኸነገልግሎ ኸለና እንታይ ፍረ ኢና እንረክብ፧

11 የሆዋ ንትሕትና ኻብ ክእለት፡ ንሓድነት ድማ ካብ ኣሳልጦ ንላዕሊ ኽብ ኣቢሉ ይርኢ እዩ። ስለዚ፡ ንየሆዋ ብትሕትና ኸተገልግሎ ዚከኣለካ ግበር። ከምኡ ኽትገብር ኸለኻ፡ ኣብ ጉባኤኻ ሓድነት ከተስፍን ኢኻ። (ኤፌሶን 4:2, 3 ኣንብብ።) ኣብ ኣገልግሎት ንጡፍ ኩን። ንኻልኦት ሰናይ እትገብረሉ መገድታት ኣናዲ። ንዅሉ ሰብ፡ እንተላይ ነቶም ሓላፍነታት ዘይብሎም ጽቡቕ ጌርካ ኣአንግዶም። (ማቴ. 6:1-4፣ ሉቃ. 14:12-14) ምስ ጉባኤኻ ሓቢርካ ብትሕትና ኽትዓዪ ኸለኻ፡ ካልኦት ንኽእለትካ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ንትሕትናኻ እውን ኬስተብህሉሉ እዮም።

ማሕበራዊ መራኸቢ ኽትጥቀም ከለኻ፡ ትሕትና ኣርኢ

12. መጽሓፍ ቅዱስ፡ ፈተውቲ ኺህልዉና የተባብዕ ድዩ፧ ግለጽ።

12 የሆዋ ምስ ፈተውትናን ምስ ኣባላት ስድራ ቤትናን ባህ ዜብል ግዜ ኸነሕልፍ ይደልየና እዩ። (መዝ. 133:1) የሱስ ጥዑያት ፈተውቲ ነይሮምዎ እዮም። (ዮሃ. 15:15) መጽሓፍ ቅዱስ ድማ ናይ ሓቂ ፈታዊ ምርካብ ዘለዎ ጥቕምታት ይገልጽ እዩ። (ምሳ. 17:17፣ 18:24) ንርእስና ምፍላይ ጽቡቕ ከም ዘይኰነ እውን ይነግረና እዩ። (ምሳ. 18:1) ብዙሓት ሰባት ብማሕበራዊ መራኸቢ ኣቢሎም ብዙሓት ፈተውቲ ኸም ዜጥርዩ፡ እዚ እውን በይኖም ከይፍለዩ ኸም ዚሕግዝ ይመስሎም እዩ። ኰይኑ ግና፡ ኣብ ኣጠቓቕማ እዚ ዓይነት መራኸቢ እዚ ጥንቁቓት ክንከውን ኣሎና።

13. ማሕበራዊ መራኸቢ ዚጥቀሙ ገሊኦም ሰባት ንጽምዋን ንጭንቀትን ዚቃልዑ ስለምንታይ እዮም፧

13 ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ እተለጠፈ ኺርእዩ ነዊሕ ግዜ ዜሕልፉ ሰባት፡ ከም ሓቂ ጽምዋ ኸም ዚስምዖምን ጭንቀት ከም ዜሕድሩን መጽናዕትታት ይሕብር እዩ። ስለምንታይ እዩ ኸምኡ ዚስምዖም፧ ሓደ ምኽንያት፡ ሰባት ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ነቲ ኣብ ህይወቶም ዜጋጥሞም ብሉጽ ነገራት፡ ማለት ናይ ርእሶምን ናይ ፈተውቶምን ናይ ዝኸድዎ ማራኺ ቦታታትን ብሉጽ ስእልታት ሓርዮም ስለ ዚልጥፉ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ነዚ ስእልታት እዚ ዚርኢ ሰብ ድማ፡ ብተዛማዲ ህይወቱ ተራ ኸም ዝዀነ፡ ካብኡ ሓሊፉ እውን ዜሰልኪ ኸም ዝዀነ ኺሓስብ ይኽእል እዩ። ሓንቲ 19 ዓመት ዝዕድሚኣ ክርስትያን ሓብቲ፡ “ካልኦት ኣብ ቀዳመ ሰንበት ጽቡቕ ግዜ እናኣሕለፉ ኣነ በይነይ ኣብ ገዛ ሰልክዩኒ ኽውዕል ከለኹ፡ ሓጐሰይ ኪጠፍእ ጀሚሩ” ትብል።

14. ኣብ 1 ጴጥሮስ 3:8 ዚርከብ ምኽሪ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ምስ ማሕበራዊ መራኸቢ ብእተተሓሓዘ ብኸመይ ይሕግዘና፧

14 ማሕበራዊ መራኸቢ ንጽቡቕ ዕላማ ኼገልግል ከም ዚኽእል ዚከሓድ ኣይኰነን፣ ንኣብነት፡ ምስ ኣባላት ስድራ ቤትን ምስ ፈተውትን ንምርኻብ የኽእል እዩ። ገሊኦም ሰባት ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ዚልጠፍዎ ግና ገዛእ ርእሶም ክብ ንምባል ምዃኑስ ተዓዚብካዶ፧ እቲ ኼመሓላልፍዎ ዝደለዩ መልእኽቲ፡ “ርኣዩኒ” ዚብል ይመስል። ገሊኦም ከኣ ኣብ ትሕቲ ስእሎም ወይ ኣብ ናይ ካልኦት ስእሊ፡ ብዕሉግ ወይ ጽዩፍ ሓሳብ ይጽሕፉ እዮም። እዚ እውን ምስቲ ክርስትያናት ትሑታትን ዚደናገጹን ኪዀኑ ዚውሃቦም መተባብዒ ይጻረር እዩ።—1 ጴጥሮስ 3:8 ኣንብብ።

ኣብ ኢንተርነት እትልጥፎ ነገር፡ ትጅሃር ከም ዘለኻ ድዩ ዜምስል ወይስ ትሑት ምዃንካ፧ (ሕጡብ ጽሑፍ 15 ርአ)

15. መጽሓፍ ቅዱስ ንርእስና ኽብ ከይነብል ብኸመይ ኪሕግዘና ይኽእል፧

15 ማሕበራዊ መራኸቢ ትጥቀም እንተ ዄንካ፡ ከምዚ ኢልካ ገዛእ ርእስኻ ሕተት፦ ‘ኣነ ዝልጥፎ ሓሳባት፡ ስእልታት፡ ወይ ቪድዮታት፡ እጅሃር ከም ዘለኹ የምስል ድዩ፧ ንኻልኦት አቕንኦም ደዀን እኸውን፧’ መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ኵሉ እቲ ኣብ ዓለም ዘሎ፡ ትምኒት ስጋን ትምኒት ኣዒንትን መነባብሮኻ ርኣዩለይ ምባልን፡ ካብ ዓለም እምበር፡ ካብ ኣቦስ ኣይኰነን” ይብል እዩ። (1 ዮሃ. 2:16) ሓደ ትርጉም መጽሓፍ ቅዱስ ነታ፡ “መነባብሮኻ ርኣዩለይ ምባል” እትብል ሓረግ፡ “ኣገዳሲ መሲልካ ኽትርአ ምድላይ” ኢሉ ተርጒምዋ ኣሎ። ክርስትያናት ንርእሶም ክብ ኬብሉ ኣይደልዩን እዮም። የግዳስ፡ ነቲ፡ “ንሓድሕድና ብምትህልላኽን ብምቅንናእን፡ ርእሰ ውዳሰ ኣይንድለ” ዚብል ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ምዕዶ ይስዕቡ እዮም። (ገላ. 5:26) ትሑታት እንተ ዄንና፡ በቲ ንርእስኻ ኽብ ናይ ምባል መንፈስ እዛ ዓለም እዚኣ ኣይንጽሎን ኢና።

‘ብልብምና ሕሰብ’

16. ስለምንታይ ኢና ዕቡያት ክንከውን ዘይብልና፧

16 ዕቡያት ሰባት “ልብምና” የብሎምን፣ ስለዚ፡ ትሕትና ኸነማዕብል ኣሎና። (ሮሜ 12:3) ዕቡያት ሰባት ነግራማትን ተሃላለኽትን እዮም። ኣተሓሳስባኦምን ተግባራቶምን ንገዛእ ርእሶም ኰነ ንኻልኦት ይጐድእ እዩ። ኣተሓሳስባኦም እንተ ዘይቀዪሮም፡ ኣእምሮኦም ብሰይጣን ይዕውርን ይበላሾን እዩ። (2 ቈረ. 4:4፣ 11:3) ትሑት ሰብ ግና ብልብምና እዩ ዚመላለስ። ብብዙሕ መገዲ ኻልኦት ከም ዚበልጽዎ ስለ ዚፈልጥ፡ ብዛዕባ ርእሱ ሚዛናዊ ኣረኣእያ ኣለዎ። (ፊል. 2:3) ‘ኣምላኽ ንዕቡያት ከም ዚጻረሮም፡ ንትሑታት ግና ጸጋ ኸም ዚህቦም’ እውን ይፈልጥ እዩ። (1 ጴጥ. 5:5) ብልብምና ዚመላለሱ ሰባት፡ ንየሆዋ ተጻራሪኦም ኪገብርዎ ኣይደልዩን እዮም።

17. ትሑታት ንምዃን እንታይ ክንገብር ኣሎና፧

17 ትሑታት ንምዃን፡ ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ፡ “ነቲ ኣረጊት ስብእና ምስ ግብርታቱ ቐንጢጥኩም፡ ነቲ . . . ሓድሽ ስብእና ልበሱ” ዚብል ምኽሪ ኽንትግብር ኣሎና። እዚ ጻዕሪ ይሓትት እዩ። ብዛዕባ እቲ የሱስ ዝሓደጎ ኣብነት መጽናዕቲ ኽንገብርን ብእተኻእለ መጠን ኣስኣሰሩ ኽንስዕብን ኣሎና። (ቈሎ. 3:9, 10፣ 1 ጴጥ. 2:21) እዚ ጻዕሪ እዚ ግና ይኽሕሰና እዩ። ትሕትና እንተ ኣማዕቢልና፡ ናብራ ስድራ ቤትና ይመሓየሽ፡ ኣብ ጉባኤና ሓድነት ነስፍን፡ ንማሕበራዊ መራኸቢ እውን ብኣሉታዊ መገዲ ኣይንጥቀመሉን ኢና። ልዕሊ ዅሉ ድማ፡ በረኸትን ሞገስን የሆዋ ንረክብ ኢና።

መዝሙር 117 ሕያውነትን ሰናይን

^ ሕ.ጽ. 5 ሎሚ፡ ዕቡያትን ጥቕሚ ርእሶም ዚደልዩን ሰባት ኣብ ዝመልእዋ ዓለም ኢና እንነብር ዘለና። ኣረኣእያኦም ምእንቲ ኸይጸልወና፡ ክንጥንቀቕ ኣሎና። እዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ካብቲ ዚግብኣና ኣዕዚዝና ኽንሓስበሉ ዘይብልና ሰለስተ መዳያት ትገልጽ።

^ ሕ.ጽ. 2 መግለጺ ቓላት፦ ዕቡይ ሰብ ብዛዕባ ርእሱ ኻብቲ ዚግብኦ ኣዕዚዙ፡ ብዛዕባ ኻልኦት ከኣ ካብቲ ዚግብኦም ኣትሒቱ ይሓስብ እዩ። ስለዚ፡ ዕቡይ ሰብ ጥቕሚ ርእሱ እዩ ዚደሊ። በቲ ኻልእ ሸነኽ ግና፡ ትሕትና ጥቕሚ ኻልኦት ክንደሊ ትሕግዘና። ትሕትና ዘይምዅራዕ ወይ ዘይምዕባይ ማለት እያ።

^ ሕ.ጽ. 56 መግለጺ ስእሊ፦ ኣብ ኣኼባ ዞባ መደረ ዜቕርብን ንኣሕዋት መምርሒ ኺህብ ሓላፍነት እተዋህቦን ሽማግለ፡ ኣብ ኣገልግሎት ይሳተፍ፡ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ እውን የጽሪ።