ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ዓንቀጽ መጽናዕቲ 29

“ምስ ዝደክም፡ ሽዑ እየ ዝብርትዕ”

“ምስ ዝደክም፡ ሽዑ እየ ዝብርትዕ”

ምእንቲ ክርስቶስ ኢለ፡ ብድኻም፡ ብጸርፊ፡ ብስእነት፡ ብመስጐጕትን ብጸገምን ባህ ይብለኒ እዩ።”—2 ቈረ. 12:10

መዝሙር 38 ኬበርትዓካ እዩ

መላለዪ *

1. ሃዋርያ ጳውሎስ ብግልጺ እንታይ ኢሉ እዩ ተኣሚኑ፧

ሃዋርያ ጳውሎስ ሓድሓደ ግዜ ድኻም ይስምዖ ኸም ዝነበረ ብግልጺ ተኣሚኑ እዩ። ሰብነቱ ‘ይምህምን’ ከም ዘሎ፡ ቅኑዕ ንምግባር ቃልሲ ኸም ዘለዎ፡ ከምኡ ድማ የሆዋ ንጸሎቱ በቲ ንሱ ዚጽበዮ መገዲ ወትሩ ኸም ዘይምልሰሉ ተኣሚኑ እዩ። (2 ቈረ. 4:16፣ 12:7-9፣ ሮሜ 7:21-23) ብዘይካዚ ድማ፡ ተጻረርቱ ኸም ድኹም ገይሮም ከም ዚርእይዎ ገሊጹ ኣሎ። * ኰይኑ ግና፡ ብሰንኪ ኣሉታዊ ኣረኣእያ ኻልኦት ወይ ብሰንኪ ድኻሙ፡ ዘይረብሕ ኰይኑ ኣይተሰምዖን።—2 ቈረ. 10:10-12, 17, 18

2. ብመሰረት 2 ቈረንቶስ 12:9, 10፡ ካብ ጳውሎስ እንታይ ኣገዳሲ ትምህርቲ ኢና እንመሃር፧

2 ጳውሎስ ሓደ ኣገዳሲ ትምህርቲ ተማሂሩ እዩ፦ ሰብ ደኺሙ ኽነሱ፡ ብርቱዕ ኪኸውን ይኽእል እዩ። (2 ቈረንቶስ 12:9, 10 ኣንብብ።) የሆዋ ንጳውሎስ፡ “ሓይለይ ብድኻም እዩ ፍጹም ዚኸውን” ኢልዎ እዩ፣ እዚ ኸኣ፡ ሓይሊ የሆዋ ነቲ ንጳውሎስ ዚጐድሎ ብርታዐ ይምልኣሉ ማለት እዩ። ፈለማ ግና፡ ተጻረርቲ ኺጸርፉና ኸለዉ ስለምንታይ ክንርበሽ ከም ዘይብልና እስከ ንርአ።

“ብጸርፊ . . . ባህ ይብለኒ እዩ”

3. ስለምንታይ እዩ ብጸርፊ ባህ ኪብለና ዚኽእል፧

3 ዋላ ሓዴና ኺጽረፍ ዚፈቱ የሎን። እንተዀነ ግና፡ ጸላእትና እንተ ጸሪፎምና፡ እቲ ዚብሉና እውን እምብዛ እንተ ኣተሓሳሲቡና፡ ተስፋ ኽንቈርጽ ንኽእል ኢና። (ምሳ. 24:10) ተጻረርትና ንዚጸርፉና ጸርፊ ደኣ ብኸመይ ኢና ኽንርእዮ ዘሎና፧ ከም ጳውሎስ፡ ‘ብጸርፊ ባህ ኪብለና’ ይኽእል እዩ። (2 ቈረ. 12:10) ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ፡ ጸርፍን ምጽራርን፡ ናይ ሓቂ ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ምዃንና ዜርኢ ምልክት እዩ። (1 ጴጥ. 4:14) የሱስ፡ ሰዓብቱ ኸም ዚስጐጉ ተዛሪቡ እዩ። (ዮሃ. 15:18-20) ኣብ ቀዳማይ ዘመን፡ ከምኡ እዩ ዀይኑ። ኣብቲ ግዜ እቲ፡ እቶም ብባህሊ ግሪኽ እተጸልዉ ሰባት ንክርስትያናት ከም ዘየስተውዕሉን ድኹማትን ገይሮም እዮም ዚርእይዎም ነይሮም። ኣይሁድ ድማ ከም ሃዋርያ ጴጥሮስን ሃዋርያ ዮሃንስን ንዝኣመሰሉ ክርስያናት ከም “ዘይተማህሩ ተራ ሰባት” ገይሮም እዮም ዚርእይዎም ነይሮም። (ግብ. 4:13) ክርስትያናት ድኹማት እዮም ዚመስሉ ነይሮም፣ ፖለቲካዊ ጽልዋ ዀነ ወተሃደራዊ ሓይሊ ኣይነበሮምን፣ ካብ ሕብረተ ሰብ ከም እተነጸሉ ጌርካ ድማ እዮም ዚርኣዩ ነይሮም።

4. እቶም ቀዳሞት ክርስትያናት ነቲ ተጻረርቲ ብዛዕባኦም ዝነበሮም ኣሉታዊ ኣረኣእያ ብኸመይ እዮም ምላሽ ሂቦምሉ፧

4 እሞኸ እቶም ቀዳሞት ክርስትያናት፡ እቲ ኣሉታዊ ኣረኣእያ ተጻረርቲ ደው ኬብሎም ፈቒዶምዶ፧ ኣይፋልን። ንኣብነት፡ ሃዋርያ ጴጥሮስን ሃዋርያ ዮሃንስን ንየሱስ ብምስዓቦምን ትምህርትታቱ ብምንጋሮምን ዚመጽእ መስጐጕቲ ኸም ክብሪ እዮም ቈጺሮምዎ። (ግብ. 4:18-21፣ 5:27-29, 40-42) እቶም ደቀ መዛሙርቲ ዜሕፍር ምኽንያት ኣይነበሮምን። ከመይሲ፡ እቶም ትሑታት ቀዳሞት ክርስትያናት ንሰብኣዊ ሕብረተ ሰብ፡ ካብ ዝዀነ ተጻራሪ ዚበልጽ ሰናይ ነገር ገይሮም እዮም። ንኣብነት፡ ገሊኦም ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ክርስትያናት ዝጸሓፍዎ ብድራኸ መንፈስ እተጻሕፈ መጻሕፍቲ፡ ክሳዕ ሕጂ ንሚልዮናት ሰባት ሓገዝን ተስፋን ይህብ ኣሎ። እታ ዝሰበኽዋ መንግስቲ ኸኣ፡ ሕጂ ቘይማ ኣላ፡ ኣብ ቀረባ ግዜ እውን ንዅሎም ደቂ ሰብ ክትገዝኦም እያ። (ማቴ. 24:14) ብተነጻጻሪ ኺርአ ኸሎ፡ እቶም ንክርስትያናት ዝሰጐጕዎም ዓበይቲ ፖለቲካውያን ሓይልታት ነበረያ ነበረ ዀይኖም ኪተርፉ ኸለዉ፡ እቶም እሙናት ደቀ መዛሙርቲ ግና፡ ሕጂ ኣብ ሰማይ ነገስታት ኰይኖም ኣለዉ። ብዘይካዚ፡ እቶም ተጻረርቶም ሞይቶም እዮም ዘለዉ፣ ብትንሳኤ እንተ ተንሲኦም እውን፡ ተገዛእቲ እታ ንሳቶም ዚጸልእዎም ክርስትያናት ዝሰበኽዋ መንግስቲ እዮም ኪዀኑ።—ራእ. 5:10

5. ብመሰረት ዮሃንስ 15:19፡ ህዝቢ የሆዋ ዚንዓቑ ስለምንታይ እዮም፧

5 ሎሚ ህዝቢ የሆዋ ዘበለና፡ ዘየስተውዕሉን ድኹማትን ተባሂልና ንንዓቕን ንጽረፍን ኢና። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ፡ ምስ ኣረኣእያ እቶም ኣብ ዙርያና ዘለዉ ሰባት ኣይንሰማማዕን ኢና። ትሑታትን ዓቃላትን እዙዛትን ክንከውን ንጽዕር ኢና። ዓለም ግና ንዕቡያትን ንምኩሓትን ንዓለወኛታትን እያ እተድንቕ። ብተወሳኺ ኸኣ፡ ኣብ ፖለቲካ ኣይንኣቱን ኢና፣ ምስ ናይ ዝዀነት ሃገር ወተሃደራዊ ሓይልታት እውን ኣይንሓብርን ኢና። ብዓለም ኣይንቕረጽን ኢና፣ ስለዚ፡ ካብ ካልኦት ለጠቕ ከም ዝበልና ገይሮም እዮም ዚርእዩና።—ዮሃንስ 15:19 ኣንብብ፣ ሮሜ 12:2

6. የሆዋ ብህዝቡ ኣቢሉ እንታይ ይዓምም ኣሎ፧

6 ዓለም ብዛዕባና እትሓስቦ ብዘየገድስ፡ የሆዋ ንዓበይቲ ነገራት ይጥቀመልና ኣሎ። ኣብ ታሪኽ ሰብ ካብ ኵሉ ዝዓበየ ዕዮ ስብከት ይዓምም ኣሎ። ሎሚ ኣገልገልቱ ኣብ ምድሪ ብብዝሒ ትርጉምን ዝርጋሐን ቀዳምነት ዝሓዛ መጽሔታት የፍርዩ ኣለዉ፣ ብመጽሓፍ ቅዱስ ገይሮም ከኣ ንሚልዮናት ሰባት ህይወቶም ኬመሓይሹ ይሕግዝዎም ኣለዉ። እዚ ዅሉ ዜደንቕ ዕማማት እዚ ሳላ እቲ ድኹማት ብዚመስሉ ሰባት ገይሩ ብርቱዕ ተግባር ዚገብር የሆዋ እዩ ኺርከብ ተኻኢሉ። ንሕና ብደረጃ ውልቀ ሰብ ግና ከመይ ኢና፧ ምእንቲ ኽንብርትዕ፡ የሆዋ ብውልቀ ሰብ ይሕግዘና ድዩ፧ ከምኡ ዚገብር እንተ ዀይኑ፡ ካብቲ ሓገዙ ምእንቲ ኽንጥቀም እንታይ ክንገብር ኣሎና፧ ካብቲ ሃዋርያ ጳውሎስ ዝሓደጎ ኣብነት፡ ትምህርቲ እንረኽበሉ ሰለስተ ነገር እስከ ንርአ።

ኣብ ብርታዐኻ ኣይትወከል

7. ካብ ጳውሎስ እንምሃሮ ሓደ ትምህርቲ እንታይ እዩ፧

7 ካብ ጳውሎስ እንምሃሮ ሓደ ትምህርቲ እዚ እዩ፦ ንየሆዋ ኸተገልግል ከለኻ፡ ኣብ ብርታዐኻ ወይ ኣብ ክእለታትካ ኣይትወከል። ብሰብኣዊ ኣረኣእያ፡ ጳውሎስ ዚሕበነሉን ኣብ ርእሱ ዚውከለሉን ምኽንያት ነይርዎ እዩ። ጠርሴስ ኣብ እትብሃል፡ ርእሲ ኸተማ ሓንቲ ኣውራጃ ሮሜ እዩ ዓብዩ። ጠርሴስ ብልጽግትን ውርይቲ ማእከል ትምህርትን እያ ነይራ። ጳውሎስ ከኣ ብዙሕ ተማሂሩ ነይሩ እዩ፣ መምህሩ ድማ ገማልኤል ዚብሃል ሓደ ኻብቶም ሽዑ ኣዝዮም ክቡራት መራሕቲ ኣይሁድ እዩ ነይሩ። (ግብ. 5:34፣ 22:3) ኣብ ሓደ እዋን፡ ጳውሎስ ኣብ ማሕበረ ሰብ ኣይሁድ ጽልዋ ነይርዎ እዩ። “ብኣይሁድነት ካብ ብዙሓት መሳቶይ ዝዀኑ ደቂ ዓደይ ዝያዳ ዕቤት እገብር ነይረ” ኢሉ እዩ። (ገላ. 1:13, 14፣ ግብ. 26:4) ግናኸ፡ ጳውሎስ ኣብ ርእሱ ኣይተወከለን።

ጳውሎስ ነቲ ናይዛ ዓለም ሓለፋታት ዚመስል ነገር ምስቲ ንክርስቶስ ምስዓብ ኬነጻጽሮ ኸሎ ኸም “ጐሓፍ” እዩ ቘጺርዎ (ሕጡብ ጽሑፍ 8 ርአ) *

8. ብመሰረት ፊልጲ 3:8፡ ጳውሎስ ነቲ ዝገደፎ ነገራት ብኸመይ እዩ ርእይዎ፧ ስለምንታይከ እዩ ‘ብድኻም ባህ ዚብሎ’ ዝነበረ፧

8 ጳውሎስ ነቲ ብመለክዒታት ዓለም ብርቱዕ ዚገብሮ ነገራት ተሓጒሱ ገዲፍዎ እዩ። መሕልፎ እኳ ደኣስ፡ ነቲ ኣቐዲሙ ዝነበሮ ሓለፋታት ዚመስል ነገራት ከም “ጐሓፍ” እዩ ቘጺርዎ። (ፊልጲ 3:8 ኣንብብ።) ሰዓቢ ክርስቶስ ንምዃን ከኣ፡ ዋጋ ኸፊሉ እዩ። ብህዝቡ ይጽላእ ነይሩ እዩ። (ግብ. 23:12-14) በቶም ከም ናቱ ዓይነት ዜግነት ዝነበሮም ሮማውያን ድማ ተዘቢጡን ተኣሲሩን እዩ። (ግብ. 16:19-24, 37) ብዘይካዚ፡ ጳውሎስ ዓቕሙ ድሩት ምዃኑ ይፈልጥ ነይሩ እዩ። (ሮሜ 7:21-25) ኰይኑ ግና፡ ተጻረርቱ ኼልምስዎ ወይ ገዛእ ጕድለቱ ኼልምሶ ኣብ ክንዲ ዚፈቅድ፡ ‘ብድኻም ባህ ኢልዎ እዩ።’ ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ፡ ምስ ዚደክም፡ ሽዑ እዩ ብርታዐ ኣምላኽ ኣብ ህይወቱ ኺዓዪ ዚርኢ ነይሩ።—2 ቈረ. 4:7፣ 12:10

9. ነቲ ወጽዓ ኸም ዝዀነ ጌርካ ዚሕሰብ ነገራት ብኸመይ ክንርእዮ ኣሎና፧

9 ካብ የሆዋ ብርታዐ ኽንረክብ እንተ ዄንና፡ ዘሎና ዋጋ ብኣካላዊ ብርታዐ፡ ብትምህርቲ፡ ብባህልና፡ ወይ ብስጋዊ ሃብትና ኸም ዚልካዕ ጌርና ኽንሓስብ የብልናን። ኣብዚ ነገራት እዚ ተመርኲሱ ኣይኰነን የሆዋ ዚጥቀመልና። ከም ሓቂ እኳ ደኣስ፡ መብዛሕትኦም ህዝቢ ኣምላኽ፡ ‘ብስጋ ጥበበኛታት፡ ሓያላት፡ ደቂ ዓበይቲ’ ኣይኰኑን። ኣብ ክንዳኡስ፡ የሆዋ “ንድኽመት እዛ ዓለም እዚኣ” እዩ ሓርዩ። (1 ቈረ. 1:26, 27) ስለዚ፡ እቲ ወጽዓ ኸም ዝዀነ ጌርካ ዚሕሰብ ነገራት፡ ንየሆዋ ንምግልጋል ዕንቅፋት ከም ዝዀነ ጌርካ ኣይትርኣዮ። የግዳስ፡ ኣጋጣሚ ኸም ዚኸፍተልካ፡ ማለት ብርታዐ የሆዋ ብኣኻ ኺዓዪ ዕድል ከም ዚኸፍተልካ ጌርካ ርኣዮ። ንኣብነት፡ ነቶም ብዛዕባ እምነትካ ጥርጣረ ኼሕድሩልካ ዚፍትኑ ሰባት እንተ ፈሪህካዮም፡ ንእምነትካ ኽትጣበቐላ ኸለኻ ትብዓት ምእንቲ ኽትረክብ ናብ የሆዋ ጸሊ። (ኤፌ. 6:19, 20) ምስ ከቢድ ጸገም ጥዕና ትቃለስ እንተ ኣሊኻ፡ ኣብ ኣገልግሎት ብእተኻእለካ መጠን ትሑዝ ንምዃን ዜኽእለካ ብርታዐ ምእንቲ ኺህበካ ንየሆዋ ለምኖ። ሓገዝ የሆዋ ብዝረኣኻ መጠን ከኣ፡ እምነትካ ኽትዓቢ፡ ንስኻ እውን ክትብርትዕ ኢኻ።

ካብ ኣብነታት መጽሓፍ ቅዱስ ተምሃር

10. ኣብ እብራውያን 11:32-34 ኰነ ኻልኦት ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመዝገቡ እሙናት ሰባት ንዝሓደግዎ ኣብነት ከነጽንዖ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

10 ጳውሎስ ዕቱብ ተምሃራይ ቅዱሳት ጽሑፋት እዩ ነይሩ። ብዙሕ ጭቡጥ ሓቅታት ይፈልጥ ነይሩ እዩ፣ ተመክሮኦም ኣብ ቃል ኣምላኽ ተመዝጊቡ ኻብ ዚርከብ ኣብነታት እውን ተማሂሩ እዩ። ናብ እብራውያን ክርስትያናት ኪጽሕፈሎም ከሎ፡ ብዛዕባ እቶም ሓያሎ እሙናት ኣገልገልቲ የሆዋ ዝሓደግዎ ኣብነት ኪሓስቡ ተማሕጺንዎም እዩ። (እብራውያን 11:32-34 ኣንብብ።) ንሓደ ኻብዞም ኣገልገልቲ እዚኦም፡ ማለት ንንጉስ ዳዊት እስከ ከም ኣብነት ንውሰድ። ንሱ ኻብ ጸላእቱ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ፈተውቱ ኻብ ዝነበሩ እውን ምጽራር ኣጋጢምዎ እዩ። ብዛዕባ እቲ ዳዊት ዝሓደጎ ኣብነት ክንርኢ ኸለና፡ ጳውሎስ ብዛዕባ ህይወት ዳዊት ብምስትንታን እንታይ ብርታዐ ኸም ዝረኸበን ንሕና ንጳውሎስ ብኸመይ ክንመስሎ ኸም እንኽእልን ንግንዘብ ኢና።

ዳዊት ንጐልያድ ኪገጥመሉ ኸሎ፡ ነቲ ኣጸጋሚ ዚመስል ዝነበረ ዅነታት፡ ሓይሊ ኣምላኽ ኺዓዪ ናብ እተራእየሉ ኣጋጣሚ ለወጦ (ሕጡብ ጽሑፍ 11 ርአ)

11. ዳዊት ድኹም መሲሉ ዚርአ ዝነበረ ስለምንታይ እዩ፧ (ኣብ ገበር ዘላ ስእሊ ርአ።)

11 እቲ ብኣካላዊ መዳይ ሓያል ተዋጋኢ ዝነበረ ጐልያድ ንዳዊት ከም ድኹም ገይሩ እዩ ርእይዎ። ስለዚ፡ ርእይ ምስ ኣበሎ፡ ‘ብንዕቀት ኣናሽይዎ እዩ።’ ከመይሲ፡ ጐልያድ ካብ ዳዊት ብግዝፊ ዚበልጽን ዝሓሸ ኣጽዋር እተዓጥቀን ብዝሓሸ መገዲ ንውግእ ዝሰልጠነን እዩ ነይሩ። ዳዊት ግና ንውግእ ብግቡእ ዘይተዓጥቀ ተመክሮ ዘይብሉ ንእሽቶ ወዲ እዩ ነይሩ። ይኹን እምበር፡ ዳዊት ነቲ ድኻም ዚመስል ነገር ናብ ብርታዐ ቐየሮ። ብርታዐ ንምርካብ ናብ የሆዋ ተጸግዐ፣ ንጸላኢኡ ኸኣ ስዓሮ።—1 ሳሙ. 17:41-45, 50

12. ዳዊት እንታይ ካልእ ጸገም እዩ ነይርዎ፧

12 ዳዊት ድኹምን ብርታዐ ኣልቦን ከም ዝዀነ ገይሩ ኸም ዚስምዖ ዚገብር ካልእ ጸገም እውን ነይርዎ እዩ። ዳዊት ነቲ የሆዋ ንጉስ እስራኤል ኪኸውን ዝሸሞ ሳኦል ብተኣማንነት የገልግሎ ነበረ። ኣብ ፈለማ ኸኣ፡ ንጉስ ሳኦል ንዳዊት የኽብሮ ነበረ። ደሓር ግና፡ ሳኦል ብትዕቢት ተደሪኹ፡ ንዳዊት ኪቐንኣሉ ጀመረ። ስለዚ፡ ክፉእ ገበሮ፣ ሕሉፍ ሓሊፉ እውን ኪቐትሎ ፈተነ።—1 ሳሙ. 18:6-9, 29፣ 19:9-11

13. ዳዊት ነቲ ኻብ ንጉስ ሳኦል ዝወረዶ ግፍዒ እንታይ ምላሽ እዩ ሂቡሉ፧

13 ዳዊት ብንጉስ ሳኦል እኳ እንተ ተገፍዐ፡ ነቲ ብየሆዋ እተሸመ ንጉስ ግና ኣኽብሮት የርእዮ ነበረ። (1 ሳሙ. 24:6) ብምኽንያት እቲ ሳኦል ዚገብሮ ዝነበረ ኽፉእ ነገራት፡ ንየሆዋ ኣይወቐሶን። ኣብ ክንዳኡስ፡ ነዚ ኣጸጋሚ ፈተና ንምጽዋር ዜኽእሎ ብርታዐ ንምርካብ ኣብ የሆዋ ተወከለ።—መዝ. 18:1፡ ልዕለ ጽሑፍ

14. ጳውሎስ ምስ ናይ ዳዊት ዚመሳስል እንታይ ኵነታት እዩ ነይርዎ፧

14 ሃዋርያ ጳውሎስ ምስ ናይ ዳዊት ዚመሳሰል ኵነታት ኣጋጢምዎ ነይሩ እዩ። ጸላእቱ ኻብኡ ኣጸቢቖም ይብርትዑ ነይሮም እዮም። ብግዜኡ ዝነበሩ ሓያል ጽልዋ ዝነበሮም ብዙሓት መራሕቲ ይጸልእዎ ነይሮም እዮም። ብዙሕ ሳዕ እውን፡ ከም ዚዝበጥን ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኸም ዚድርበን ገይሮም እዮም። ጳውሎስ ከም ዳዊት፡ ፈተውቱ ኪዀኑ ኻብ ዚግብኦም ሰባት ሕማቕ ወሪድዎ እዩ። ገሊኦም ኣብ ክርስትያናዊት ጉባኤ ዝነበሩ ሰባት፡ ተጻሪሮምዎ እዮም። (2 ቈረ. 12:11፣ ፊል. 3:18) ጳውሎስ ግና ንዅሎም እቶም እተቓለስዎ ስዒርዎም እዩ። ብኸመይ፧ ምጽራር እናሃለወ ኽነሱ፡ ስብከቱ ደው ኣየበለን። ኣሕዋቱን ኣሓቱን ኬጕህይዎ ኸለዉ እኳ፡ ንዓታቶም እሙን እዩ ነይሩ። ልዕሊ ዅሉ ድማ፡ ክሳዕ መወዳእታ ህይወቱ ንኣምላኽ እሙን እዩ ነይሩ። (2 ጢሞ. 4:8) ነዚ ዅሉ ዓበይቲ ዕንቅፋታት ኪሰግር ዝኸኣለ፡ ብኣካላዊ ብርታዐኡ ዘይኰነስ፡ ኣብ የሆዋ ይውከል ስለ ዝነበረ እዩ።

ነቶም ንክርስትያናዊ እምነትካ ዚፍትን ነገር ዜቕርቡልካ ሰባት፡ ብኣኽብሮትን ብለውሃትን ኣረድእዮም (ሕጡብ ጽሑፍ 15 ርአ) *

15. ሸቶኻ እንታይ እዩ፧ ከመይ ጌርካኸ ኢኻ ሸቶኻ ኽትወቅዕ እትኽእል፧

15 ንስኻኸ ኻብ ደቂ ኽፍልኻ፡ መሳርሕትኻ፡ ወይ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዘይኰኑ ቤተ ሰብካ ዚመጽእ ጸርፊ ወይ መስጐጕቲ ትጻወር ኣለኻ ዲኻ፧ ገሊኦም ኣብ ጉባኤኻ ዘለዉ ሰባት ሕማቕ ገይሮምኻ ድዮም፧ ከምኡ እንተ ዀይኑ፡ ንዳዊትን ንጳውሎስን ዘክሮም። “ነቲ እከይ . . . ብሰናይ ስዓሮ።” (ሮሜ 12:21) ሸቶኻ ኸምቲ ዳዊት ዝገበሮ፡ እምኒ ናብ ግምባር ሓደ ሰብ ወንጪፍካ ምእታው ኣይኰነን፣ የግዳስ፡ ቃል ኣምላኽ ኣብ ኣእምሮን ልብን እቶም ዚቕበልዎ ሰባት ምትካል እዩ። ሕቶታት ንምምላስ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እንተ ተመርኲስካ፡ ነቶም ሕማቕ ዝገበሩኻ ኸኣ ብኣኽብሮትን ብለውሃትን እንተ ሒዝካዮም፡ ንዅሉ ሰብ፡ እንተላይ ንጸላእትኻ ድማ ሰናይ እንተ ጌርካ፡ ነዚ ሸቶ እዚ ኽትወቅዕ ትኽእል ኢኻ።—ማቴ. 5:44፣ 1 ጴጥ. 3:15-17

ካብ ካልኦት ሓገዝ ተቐበል

16-17. ጳውሎስ እንታይ እዩ ኸቶ ዘይረስዐ፧

16 ሃዋርያ ጳውሎስ ወደ መዝሙር ክርስቶስ ቅድሚ ምዃኑ፡ ንሰዓብቲ የሱስ ዚሰጕጕ ተጻራፊ ሰብ እዩ ነይሩ። (ግብ. 7:58፣ 1 ጢሞ. 1:13) የሱስ ባዕሉ ድማ ነቲ ሽዑ ሳውል ተባሂሉ ዚፍለጥ ዝነበረ ጳውሎስ ኣብ ክርስትያናዊት ጉባኤ ዜውርዶ ዝነበረ መጥቃዕቲ ደው ኣቢልዎ እዩ። ከምኡ ንምግባር፡ ካብ ሰማይ ተዛሪብዎን ብዑረት ወቒዕዎን እዩ። ጳውሎስ ከኣ ኣዒንቱ ምእንቲ ኪኽፈታ ኻብቶም ዚሰጕጎም ዝነበረ ሰባት ሓገዝ ኪደሊ ነይርዎ እዩ። ካብቲ ኣዒንቱ ዝኸፈተሉ ሃናንያ ዚብሃል ወደ መዝሙር እተዋህቦ ሓገዝ ድማ ብትሕትና ተቐቢሉ እዩ።—ግብ. 9:3-9, 17, 18

17 ደሓር ጳውሎስ ፍሉጥ ኣባል ክርስትያናዊት ጉባኤ ዀይኑ እዩ፣ እንተዀነ ግና፡ ነቲ የሱስ ናብ ደማስቆ ኣብ እትወስድ መገዲ ዝሃቦ ትምህርቲ ኸቶ ኣይረስዖን። ወትሩ ብትሕትና እዩ ዚመላለስ ነይሩ፣ ነቲ ኻብ ኣሕዋትን ኣሓትን ዚውሃቦ ሓገዝ እውን ይቕበል ነይሩ እዩ። ንሳቶም “ዜበራትዕ ደገፍ” ከም ዝዀንዎ ይኣምን ነይሩ እዩ።—ቈሎ. 4:10, 11፡ እ.ጽ.።

18. ካብ ካልኦት ሓገዝ ምቕባል እንኣቢ ስለምንታይ ኪኸውን ይኽእል፧

18 ካብ ጳውሎስ እንታይ ክንምሃር ንኽእል፧ ምስ ህዝቢ የሆዋ ኽንሓብር ኣብ ዝጀመርናሉ እዋን፡ ብመንፈሳዊ መዳይ ሕጻናት ከም ዝዀንናን ብዙሕ ክንምሃሮ ዚግባእ ከም ዘሎናን ስለ እንፈልጥ፡ ካብ ካልኦት ሓገዝ ንምቕባል ድሉዋት ኔርና ኽንከውን ንኽእል ኢና። (1 ቈረ. 3:1, 2) ሕጂ ግና ከመይ ኢና፧ ንሓያሎ ዓመታት ንየሆዋ ኸነገልግሎ እንተ ጸኒሕና እሞ ብዙሕ ተመክሮ እንተ ኣጥሪና፡ ምናዳ ኣብ ሓቂ ኻባና ዝሓጸረ ግዜ ኻብ ዝጸንሐ ሰብ ሓገዝ ምቕባል ንኣቢ ንኸውን። ይኹን እምበር፡ የሆዋ ብዙሕ ግዜ ብኣሕዋትናን ብኣሓትናን ገይሩ እዩ ዜበርትዓና። (ሮሜ 1:11, 12) ካብ የሆዋ ብርታዐ ኽንረክብ እንተ ዄንና፡ ነዚ ሓቂ እዚ ኽንስሕቶ የብልናን።

19. ጳውሎስ ዕዉት ዝነበረ ስለምንታይ እዩ፧

19 ጳውሎስ ክርስትያን ድሕሪ ምዃኑ ዜደንቕ ነገራት ዓሚሙ እዩ። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ፡ ኣሳልጦ ኣብ ኣካላዊ ብርታዐ፡ ትምህርቲ፡ ሃብቲ፡ ወይ ማሕበራዊ ድሕረ ባይታ ዘይኰነስ፡ ኣብ ትሕትናኡን ኣብቲ ኣብ የሆዋ ዘለዎ ትውክልትን ከም ዚምርኰስ ይፈልጥ ነይሩ እዩ። እምበኣር፡ ኵላትና (1) ኣብ የሆዋ ብምውካል፡ (2) ካብ ኣብነታት መጽሓፍ ቅዱስ ትምህርቲ ብምውሳድ፡ (3) ካብ ክርስትያናት ብጾትና ሓገዝ ብምቕባል፡ ንጳውሎስ ንምሰሎ። ከምኡ እንተ ጌርና፡ ሽሕ ሳዕ ድኹማት ዝዀንና ዀይኑ እኳ እንተ ተሰምዓና፡ የሆዋ ኼበርትዓና እዩ!

መዝሙር 71 ሰራዊት የሆዋ ኢና!

^ ሕ.ጽ. 5 ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ሃዋርያ ጳውሎስ ዝሓደጎ ኣብነት ክንምርምር ኢና። ትሑታት እንተ ዄንና፡ የሆዋ ላግጺ ንምጽዋርን ድኻምና ንምስናፍን ዜኽእለና ብርታዐ ኸም ዚህበና ኽንርኢ ኢና።

^ ሕ.ጽ. 1 መግለጺ ቓላት፦ ብእተፈላለየ ምኽንያት ድኻም ኪስምዓና ይኽእል እዩ። ንኣብነት፡ ዘይፍጹማት ስለ ዝዀንና፡ ድኻታት ስለ ዝዀንና፡ ስለ ዝሓመምና፡ ወይ ብዙሕ ስለ ዘይተመሃርና፡ ድኹማት ከም ዝዀንና ኺስምዓና ይኽእል እዩ። ብተወሳኺ ኸኣ፡ ጸላእትና ብኣፋዊ ወይ ብኣካላዊ መጥቃዕቲ ኣቢሎም ኬዳኽሙና ይፍትኑ እዮም።

^ ሕ.ጽ. 57 መግለጺ ስእሊ፦ ጳውሎስ ብዛዕባ ክርስቶስ ንምስባኽ ኪኸይድ ከሎ፡ ነቲ ኣብ ናይ ቀደም ህይወቱ ፈሪሳዊ ኸሎ ዝነበሮ ነገራት ሓዲግዎ እዩ። እዚ ድማ ዓለማዊ ጥቕላላት መጻሕፍትን ክታብን የጠቓልል።

^ ሕ.ጽ. 61 መግለጺ ስእሊ፦ ሰራሕተኛታት ንሓደ መሳርሕቶም ልደቱ ኼብዕሉሉ ኸለዉ፡ ንሓደ ሓው ኣብኡ ኺጽምበሮም ጸቕጢ ይገብሩሉ።