ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ዓንቀጽ መጽናዕቲ 31

ነታ “ናይ ሓቂ መሰረት ዘለዋ ኸተማ” ዲኻ እትጽበ ዘለኻ፧

ነታ “ናይ ሓቂ መሰረት ዘለዋ ኸተማ” ዲኻ እትጽበ ዘለኻ፧

“ነታ ኣምላኽ ዝነዳፊኣን ዝሃናጺኣን ናይ ሓቂ መሰረት ዘለዋ ኸተማ እዩ ዚጽበ ነይሩ።”—እብ. 11:10

መዝሙር 22 መንግስትኻ ቘይማ—“ትምጻእ” ኢልና ንልምን

መላለዪ *

1. ብዙሓት እንታይ መስዋእትታት ገይሮም ኣለዉ፧ ስለምንታይከ እዮም ከምኡ ገይሮም፧

ሎሚ ዘለዉ ሚልዮናት ህዝቢ ኣምላኽ፡ መስዋእትታት ገይሮም እዮም። ብዙሓት ኣሕዋትን ኣሓትን ከይተመርዓዉ ኺነብሩ ወሲኖም እዮም። ምርዑዋት ሰብ ሓዳር ድማ ኣብዚ ግዜ እዚ ውሉዳት ከይወልዱ ወሲኖም እዮም። ስድራ ቤታት ከኣ ንህይወቶም ቀሊል ኪገብሩ ወሲኖም እዮም። ኵላቶም ነዚ ውሳነታት እዚ ብሓደ ኣገዳሲ ምኽንያት እዮም ገይሮምዎ፣ ንየሆዋ ንምግልጋል እተኻእሎም ኵሉ ኺገብሩ ይደልዩ እዮም። ብህይወቶም ዕጉባት እዮም፡ የሆዋ ነቲ ብሓቂ ዜድልዮም ከም ዜማልኣሎም እውን ይኣምኑ እዮም። እሞኸ ተስፋኦም ከንቱ ኪኸውን ድዩ፧ ኣይፋልን! ብዛዕባ እዚ ስለምንታይ ኢና ርግጸኛታት ክንከውን እንኽእል፧ ሓደ ምኽንያት፡ የሆዋ ነቲ ‘ንዅሎም እቶም ዚኣምኑ ኣቦኦም’ እተባህለ ኣብርሃም ስለ ዝባረኾ እዩ።—ሮሜ 4:11

2. (ሀ) ብመሰረት እብራውያን 11:8-10, 16፡ ኣብርሃም ብፍታዉ ኻብ ኡር ዝወጸ ስለምንታይ እዩ፧ (ለ) ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ እንታይ ክንርኢ ኢና፧

2 ኣብርሃም ብፍታዉ ነቲ ኣብ ከተማ ኡር ዝነበሮ ምሹእ ናብራ ሓዲጉ እዩ። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ፡ ነታ “ናይ ሓቂ መሰረት ዘለዋ ኸተማ” እዩ ዚጽበ ነይሩ። (እብራውያን 11:8-10, 16 ኣንብብ።) እታ “ኸተማ” እንታይ እያ፧ ኣብርሃም ነታ ኸተማ እቲኣ ኽትህነጽ ኣብ ዚጽበየሉ እዋን፡ እንታይ ጸገማት እዩ ኣጋጢምዎ፧ ንሕናኸ ኸመይ ጌርና ኢና ኸም ኣብርሃምን ከምቶም ኣብዚ ግዜና ኣብነቱ ዝሰዓቡ ሰባትን ክንከውን እንኽእል፧

እታ “ናይ ሓቂ መሰረት ዘለዋ ኸተማ” እንታይ እያ፧

3. እታ ኣብርሃም ዚጽበያ ዝነበረት ከተማ እንታይ እያ፧

3 እታ ኣብርሃም ዚጽበያ ዝነበረ ኸተማ፡ መንግስቲ ኣምላኽ እያ። እታ መንግስቲ እቲኣ ኸኣ፡ ብየሱስ ክርስቶስን በቶም 144,000 ቅቡኣት ክርስትያናትን እያ ቘይማ። ጳውሎስ ነታ መንግስቲ እቲኣ፡ “ከተማ እቲ ህያው ኣምላኽ ዝዀነት ሰማያዊት የሩሳሌም” ኢሉ ገሊጽዋ ኣሎ። (እብ. 12:22፣ ራእ. 5:8-10፣ 14:1) የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ኣብ ዝመሃሮም ጸሎት ድማ፡ እዛ መንግስቲ እዚኣ ኽትመጽእን ፍቓድ ኣምላኽ ከምቲ ኣብ ሰማይ ከምኡ ድማ ኣብ ምድሪ ኪኸውንን ጠቒሱ እዩ።—ማቴ. 6:10

4. ብመሰረት ዘፍጥረት 17:1, 2, 6፡ ኣብርሃም ብዛዕባ እታ ኣምላኽ ዘተስፈዋ ኸተማ ወይ መንግስቲ ኽንደይ እዩ ዚፈልጥ ነይሩ፧

4 እሞኸ ኣብርሃም ብዛዕባ መዋቕር መንግስቲ ኣምላኽ ብዝርዝር ይፈልጥ ነይሩ ድዩ፧ ኣይፋልን። ንሓያሎ ዘመናት፡ እዚ ዝርዝር ነገራት “ቅዱስ ምስጢር” ኰይኑ ጸኒሑ እዩ። (ኤፌ. 1:8-10፣ ቈሎ. 1:26, 27) እንተዀነ ግና ኣብርሃም፡ ገሊኦም ካብ ዘርኡ ነገስታት ከም ዚዀኑ ይፈልጥ ነይሩ እዩ። ከመይሲ፡ የሆዋ ኸምኡ ኢሉ ብንጹር ኣተስፍይዎ እዩ። (ዘፍጥረት 17:1, 2, 6 ኣንብብ።) ኣብርሃም ኣብቲ ኣምላኽ ዘተስፈዎ ተስፋታት ድልዱል እምነት ስለ ዝነበሮ፡ ነቲ ቕቡእ ወይ መሲሕ ርእይዎ ኺብሃል ይከኣል ነይሩ እዩ። ስለዚ ድማ፡ የሱስ ነቶም ብግዜኡ ዝነበሩ ኣይሁድ፡ “ኣቦኹም ኣብርሃም መዓልተይ ኪርኢ ተስፋ ምስ ገበረ፡ ባህ ኢልዎ፣ ርእይዋ ድማ ተሓጒሱ” ኺብሎም ክኢሉ እዩ። (ዮሃ. 8:56) እምበኣር፡ ኣብርሃም ዘርኡ ብየሆዋ እትድገፍ መንግስቲ ኸም ዜቝሙ ይፈልጥ ነይሩ እዩ፣ የሆዋ ነቲ ተስፋ እቲ ኽሳዕ ዚፍጽሞ ኺጽበ እውን ፍቓደኛ እዩ ነይሩ።

ኣብርሃም ኣብቲ የሆዋ ዘተስፈዎ ተስፋታት ከም ዚኣምን ብኸመይ ኣርእዩ፧ (ሕጡብ ጽሑፍ 5 ርአ)

5. ኣብርሃም ነታ ኣምላኽ ዝነዳፊኣ ኸተማ ይጽበ ኸም ዝነበረ ብኸመይ እዩ ኣርእዩ፧

5 ኣብርሃም ነታ ኣምላኽ ዝነዳፊኣ ኸተማ ወይ መንግስቲ ይጽበ ኸም ዝነበረ ብኸመይ እዩ ኣርእዩ፧ ቀዳማይ፡ ኣብርሃም ዜጋ ናይ ዝዀነ ምድራዊ መንግስቲ ኪኸውን ኣይደለየን። ዘላን ኰይኑ እዩ ዚነብር ነይሩ፣ ኣብ ሓደ ቦታ ኺሰፍርን ንዝዀነ ሰብኣዊ ንጉስ ኪድግፍን ፍቓደኛ ኣይነበረን። ብተወሳኺ ድማ፡ ናቱ መንግስቲ ኬቕውም ኣይፈተነን። ኣብ ክንዳኡስ፡ ንየሆዋ ይእዘዞን ተስፋኡ ኺፍጽመሉ ይጽበዮን እዩ ነይሩ። ከምኡ ብምግባሩ ኸኣ፡ ኣብ የሆዋ ዜደንቕ እምነት ከም ዘለዎ ኣርእዩ እዩ። ሕጂ እምበኣር፡ ገለ ኻብቲ ዘጋጠሞ ጸገማትን ካብ ኣብነቱ እንምሃሮ ትምህርትን እስከ ንመርምር።

እንታይ ጸገማት እዩ ንኣብርሃም ኣጋጢምዎ፧

6. ኡር እንታይ ዓይነት ከተማ እያ ነይራ፧

6 እታ ኣብርሃም ዝሓደጋ ኸተማ፡ ብተዛማዲ ውሕስትን ስልጥንትን ምሽእትን እያ ነይራ። ንመከላኸሊኣ ዚኸውን ዓበይቲ ዕርድታትን ብሰለስተ ሸነኻ ቐጽረ ማይን ነይርዋ እዩ። ነበርቲ ኡር ብጽሕፈትን ብቝጽርን ክኢላታት እዮም ነይሮም። እታ ኸተማ ድማ ማእከል ንግዲ ነይራ ኽትከውን ኣለዋ፣ ከመይሲ፡ ኣብቲ ቦታ ብዙሕ ሰነዳት ንግዲ ተረኺቡ እዩ። ብዘይካዚ፡ ኣብታ ኸተማ፡ ብሕጡብ ተነዲቑ እተለሰነን ብኖራ እተለቕለቐን ናይ ውልቂ ኣባይቲ ነይሩ እዩ። ገሊኡ ኻብዚ ኣባይቲ ኸኣ ኣብ ዙርያ እተደልደለ ኣጸድ እተሃንጸ 13 ወይ 14 ኽፍልታት ነይርዎ እዩ።

7. ኣብርሃም ንየሆዋ፡ ንዕኡን ንቤተ ሰቡን ከም ዜዕቍቦም ኪኣምኖ ዝነበሮ ስለምንታይ እዩ፧

7 ኣብርሃም ንየሆዋ፡ ንዕኡን ንቤተ ሰቡን ከም ዜዕቍቦም ኪኣምኖ ነይርዎ። ስለምንታይ፧ ኣብርሃምን ሳራን ነቲ ኣብ ከተማ ኡር ኣብ ቤት ምንባር ዜምጽኦ ውሕስነትን ምሾትን ሓዲጎም፡ ኣብ መሮር ከነኣን ኣብ ድንኳን እዮም ኪነብሩ ጀሚሮም። ንኣብርሃምን ንቤተ ሰቡን ዜዕቍብ ረጕድ መንደቕ ወይ ዓሚቝ ቀጽረ ማይ ኣይነበሮምን። ኣብ ክንዳኡስ፡ ካብ ጸላኢ ንዚመጽእ መጥቃዕቲ ተቓሊዖም እዮም ነይሮም።

8. ኣብ ሓደ ግዜ፡ ንኣብርሃም እንታይ ጸገም ኣጋጢምዎ ነይሩ፧

8 ኣብርሃም ፍቓድ ኣምላኽ ይገብር ነይሩ እዩ፣ ሓደ ግዜ ግና፡ ንቤተ ሰቡ ዚኣክል ምግቢ ስኢኑ ነይሩ እዩ። ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ኣብታ የሆዋ ንኣብርሃም ኪኸዳ ዝነገሮ ምድሪ ብርቱዕ ጥሜት ኰነ። ብሰንኪ እቲ ጥሜት እቲ ኸኣ፡ ኣብርሃም ንቤተ ሰቡ ሒዙ ንግዜኡ ናብ ግብጺ ኺስደድ ወሰነ። ኰይኑ ግና፡ ኣብ ግብጺ ኸሎ፡ እቲ ገዛኢ እታ ሃገር ዝነበረ ፈርኦን ንሰበይቲ ኣብርሃም ወሰዳ። የሆዋ ንፈርኦን፡ ንሳራ ኺመልሳ ኽሳዕ ዜእምኖ፡ ኣብርሃም እንታይ ተሰሚዕዎ ኪኸውን ከም ዚኽእል እሞ ገምቶ።—ዘፍ. 12:10-19

9. ኣብርሃም ኣብ ስድራ ቤቱ እንታይ ጸገማት እዩ ኺጻወር ነይርዎ፧

9 ኣብርሃም ኣብ ስድራ ቤቱ ጸገማት ነይርዎ እዩ። እታ ዜፍቅራ ሰበይቱ ሳራ ውሉድ ኣይወለደትሉን ነይራ። ንሓያሎ ዓመታት፡ በዚ ብዙሕ ይጕህዩ ነይሮም እዮም። ሳራ ኸኣ ውሉዳት ምእንቲ ኺህልውዎም ኢላ ንኣብርሃም ሰበይቱ ኽትኰኖ ገረዳ ኣጋር ሃበቶ። ኣጋር ንእስማኤል ምስ ጠነሰት ግና፡ ንሳራ ነዓቐታ። እቲ ዅነታት እምብዛ ስለ ዝኸፍአ፡ ሳራ ንኣጋር ሰጐጐታ።—ዘፍ. 16:1-6

10. ምስ እስማኤልን ይስሃቅን ብእተተሓሓዘ፡ ኣብ ምንታይ ኣጋጣሚታት እዩ እቲ ኣብርሃም ኣብ የሆዋ ዝነበሮ እምነት እተፈተነ፧

10 ኣብ መወዳእታ፡ ሳራ ጠነሰት፡ ንኣብርሃም ድማ ይስሃቅ እተሰምየ ወዲ ወለደትሉ። ኣብርሃም ንኽልቲኦም ደቁ፡ ማለት ንእስማኤልን ንይስሃቅን ይፈትዎም ነይሩ እዩ። እስማኤል ንይስሃቅ ክፉእ ስለ ዝገበሮ ግና፡ ኣብርሃም ንእስማኤልን ንኣጋርን ኪሰድዶም ተገደደ። (ዘፍ. 21:9-14) ጸኒሑ፡ የሆዋ ንኣብርሃም፡ ንወዱ ይስሃቅ ኪስውእ ሓተቶ። (ዘፍ. 22:1, 2፣ እብ. 11:17-19) ኣብ ክልቲኡ እዚ ኣጋጣሚታት እዚ፡ ኣብርሃም ንየሆዋ፡ ነቲ ምስ ደቁ ብእተተሓሓዘ ዘተስፈዎ ተስፋ ኸም ዚፍጽሞ ኺኣምኖ ነይርዎ እዩ።

11. ስለምንታይ እዩ ኣብርሃም ንየሆዋ ብትዕግስቲ ኺጽበዮ ዝነበሮ፧

11 እዚ ዅሉ ኪኸውን ከሎ፡ ኣብርሃም ንየሆዋ ብትዕግስቲ ኺጽበዮ ነይርዎ እዩ። ንሱን ቤተ ሰቡን ካብ ኡር ኣብ ዝወጹሉ እዋን፡ ዕድሚኡ ልዕሊ 70 ዓመት ነይሩ ኪኸውን ኣለዎ። (ዘፍ. 11:31-12:4) ንሚእቲ ዓመት ዚኸውን ድማ፡ ኣብ ምድሪ ከነኣን ኮለል እናበለ ኣብ ድንኳን ይነብር ነይሩ እዩ። ኣብርሃም ወዲ 175 ዓመት ምስ ኰነ እዩ ሞይቱ። (ዘፍ. 25:7) ኰይኑ ግና፡ እቲ የሆዋ ነታ ምድሪ ንዘርኡ ኺህቦም ምዃኑ ዘተስፈዎ ተስፋ ኺፍጸም ኣይረኣየን። እታ ኸተማ፡ ማለት መንግስቲ ኣምላኽ ክሳዕ እትቐውም እውን ብህይወት ኣይጸንሐን። ይኹን እምበር፡ “ዕድመ ጸጊቡ” ኸም ዝሞተ እዩ ተገሊጹ እንረክብ። (ዘፍ. 25:8) ብዙሕ ጸገማት እኳ እንተ ኣሕለፈ፡ ድልድልቲ እምነት ነይራቶ እያ፡ ተሓጒሱ እውን ንየሆዋ ይጽበዮ ነይሩ እዩ። ስለምንታይ እዩ ኺጻወር ክኢሉ፧ ምኽንያቱ፡ የሆዋ ንኣብርሃም ኣብ ምሉእ ህይወቱ ኸም ፈታዊኡ ገይሩ የዕቍቦን ይከናኸኖን ነይሩ እዩ።—ዘፍ. 15:1፣ ኢሳ. 41:8፣ ያእ. 2:22, 23

ከመይ ገይሮም እዮም ኣገልገልቲ ኣምላኽ ከም ኣብርሃምን ሳራን እምነቶምን ትዕግስቶምን ዜርእዩ፧ (ሕጡብ ጽሑፍ 12 ርአ) *

12. እንታይ ኢና እንጽበ ዘሎና፧ ሕጂኸ እንታይ ኢና ኽንምርምር፧

12 ንሕና እውን ከም ኣብርሃም ናይ ሓቂ መሰረት ዘለዋ ኸተማ ኢና እንጽበ ዘለና። እንተዀነ ግና፡ ክትህነጽ ኣይኰንናን እንጽበ ዘሎና። መንግስቲ ኣምላኽ ብ1914 ቈይማ እያ፡ ንሰማይ እውን ምሉእ ብምሉእ ተቘጻጺራቶ ኣላ። (ራእ. 12:7-10) ግናኸ፡ ንምድሪ ምሉእ ብምሉእ ክትቈጻጸራ ንጽበ ኣለና። እዚ ኪኸውን እናተጸበና ግና፡ ምስቲ ንኣብርሃምን ንሳራን ዘጋጠሞም ዚመስል ብዙሕ ጸገማት ክንጻወር ኣሎና። እሞኸ ዘመናውያን ኣገልገልቲ የሆዋ ንኣብርሃም ኪመስልዎ ኽኢሎምዶ፧ ኣብ ግምቢ ዘብዐኛ ዚወጽእ ታሪኽ ህይወት፡ ሎሚ ዘለዉ ብዙሓት ሰባት ከም ኣብርሃምን ሳራን እምነትን ትዕግስትን ከም ዘለዎም ይሕብር እዩ። እምበኣር፡ ገለ ኻብዚ ታሪኽ ህይወት እዚ ንርአ፡ ካብኡ እንታይ ከም እንምሃር እውን ንመርምር።

ንኣብርሃም ዝመሰልዎ

ቢል ዋልደን መስዋእቲ ንምግባር ፍቓደኛ ነይሩ እዩ፡ በረኸት የሆዋ እውን ረኺቡ እዩ

13. ካብ ተመክሮ ሓውና ቢል ዋልደን እንታይ ትምሃር፧

13 መስዋእቲ ንምግባር ፍቓደኛ ኹን። ንኸተማ ኣምላኽ፡ ማለት ንመንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ህይወትና ቐዳምነት ክንህባ እንተ ዄንና፡ ከም ኣብርሃም ክንከውን፡ ማለት ንኣምላኽ ባህ ከነብሎ ኢልና መስዋእቲ ንምግባር ፍቓደኛ ኽንከውን ኣሎና። (ማቴ. 6:33፣ ማር. 10:28-30) ቢል ዋልደን ዝስሙ ሓው ዝሓደጎ ኣብነት እስከ ንርአ። * ቢል ብ1942 ኣብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ኻብ ዚርከብ ዩኒቨርሲቲ ብምህንድስና ስነ ህንጻ ኺምረቕ ቍሩብ ምስ ተረፎ፡ ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኬጽንዕ ጀመረ። እቲ ንቢል ዚምህሮ ዝነበረ ፕሮፌሰር ከኣ፡ ድሕሪ ምረቓ ስራሕ ኪሕዝ መገዲ ጸረገሉ፣ ቢል ግና ነዚ ኣይተቐበሎን። ንኣምላኽ ብዝያዳ ኼገልግሎ ስለ ዝደለየ፡ ነቲ ዓለማዊ ስራሕ ኪሓድጎ ወሰነ። ድሕርዚ ነዊሕ ከይጸንሐ፡ ንወተሃደራዊ ኣገልግሎት መጸዋዕታ መጾ። ነቲ መጸዋዕታ ኸም ዘይቅበሎ ብኣኽብሮት ምስ ገለጸ ግና፡ 10,000 ዶላር ኪኸፍልን ሓሙሽተ ዓመት ኪእሰርን ተፈርዶ። ድሕሪ ሰለስተ ዓመት ድማ ተፈትሐ። ጸኒሑ፡ ኣብ ቤት ትምህርቲ ጊልዓድ ኪምሃር ጻውዒት ቀረበሉ፡ ኣብ ኣፍሪቃ ኸኣ ሚስዮናዊ ዀይኑ ኣገልገለ። ድሕርዚ፡ ኢቫ ንእትብሃል ተመርዓወ፣ ክልቲኦም ብሓባር ከኣ ኣብ ኣፍሪቃ ኣገልገሉ፣ እዚ ድማ ብዙሕ መስዋእቲ ዚሓትት እዩ ነይሩ። ኣብ መወዳእታ፡ ንኣደ ቢል ንምክንኻን ናብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ተመልሱ። ቢል ብዛዕባ ምሉእ ህይወቱ ኺዛረብ ከሎ ኸምዚ ይብል፦ “ብዛዕባ እቲ ኣብ ኣገልግሎት የሆዋ ዘሕለፍክዎ ልዕሊ 70 ዓመት ምልስ ኢለ ኽሓስብ ከለኹ፡ ኣዒንተይ ቅጽርጽር እዩ ዚብለኒ። ንዕኡ ምግልጋል ሞያይ ምእንቲ ኽገብሮ ስለ ዝመርሓኒ፡ ወትሩ አመስግኖ እየ።” ንስኻኸ ንናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ሞያኻ ኽትገብሮ ትኽእል ዲኻ፧

ኢለኒ ኣፖስቶሊዲስን ኣሪስቶተሊስ ኣፖስቶሊዲስን ካብ የሆዋ ብርታዐ ረኺቦም እዮም

14-15. ካብ ተመክሮ ሓውና ኣሪስቶተሊስ ኣፖስቶሊዲስን ኢለኒ ኣፖስቶሊዲስን እንታይ ትምሃር፧

14 ህይወትካ ሽግር ኣልቦ ኪኸውን ኣይትጸበ። እቶም ምሉእ ህይወቶም ንየሆዋ ንምግልጋል ዝወፈዩ እኳ ጸገማት ከም ዜጋጥሞም ካብ ኣብርሃም ክንምሃር ንኽእል ኢና። (ያእ. 1:2፣ 1 ጴጥ. 5:9) እዚ ኣብ ተመክሮ ኣሪስቶተሊስ ኣፖስቶሊዲስ ብኸመይ ከም እተራእየ እስከ ንርአ። * ኣሪስቶተሊስ ብ1946 ኣብ ግሪኽ ተጠምቀ፣ ብ1952 ከኣ ኢለኒ ንዝስማ ከምኡ ተመሳሳሊ ሸቶ ዝነበራ ሓብቲ ተሓጽየ። ኢለኒ ግና ሓመመት፣ ኣብ ሓንጐላ ጥረ ኸም ዘለዋ ድማ ተፈልጠ። እቲ ጥረ ወጸላ፣ ድሕርዚ ድማ ተመራዓዉ፣ እንተዀነ ግና፡ ነዊሕ ከይጸንሑ እቲ ጥረ ተመልሳ። ሓካይም ድማ ካልኣይ ግዜ መጥባሕቲ ገበሩላ፣ ድሕርዚ ግና፡ ኢለኒ ብኸፊል ለመሰት፡ ናይ ምዝራብ ጸገም እውን ኣጋጠማ። ይኹን እምበር፡ ሕማም እናሃለዋን ሽዑ ኻብ መንግስቲ መስጐጕቲ እናወረደን ክነሱ፡ ብቕንኣት ተገልግል ነበረት።

15 ሓውና ኣሪስቶተሊስ ን30 ዓመት ንሰበይቱ ተኸናኺንዋ እዩ። ኣብቲ ግዜ እቲ ድማ፡ ሽማግለ ዀይኑ ኣገልጊሉ፡ ኣባል ኮሚተ ዓበይቲ ኣኼባ ዀይኑ ዓይዩ፡ ኣዳራሽ ዓብዪ ኣኼባ ኣብ ምህናጽ እውን ሓጊዙ እዩ። ድሕርዚ፡ ብ1987 ኢለኒ ኽትሰብኽ ከላ ሓደጋ ኣጋጠማ። ንሰለስተ ዓመት ውኖኣ ኣጥፊኣ ድሕሪ ምጽናሕ ከኣ፡ ሞተት። ኣሪስቶተሊስ ንዅሉ እዚ ተመክሮኡ በዚ ኸምዚ ገሊጽዎ ኣሎ፦ “ንብዙሕ ዓመታት ዘጋጠመኒ ፈታኒ ዅነታት፡ ከቢድ ብድሆታት፡ ከምኡውን ዘይተሓስበ ኣጋጣሚታት ንምስጋር እዚ ዘይበሃል ብርታዐን ሓቦን ኣድልዩኒ ኢዩ። ይኹን እምበር፡ የሆዋ ነዚ ጸገማት እዚ ንምስጋር ዘድልየኒ ሓገዝ ወትሩ ይህበኒ ኢዩ።” (መዝ. 94:18, 19) የሆዋ ነቶም መከራ እናኣጋጠሞም ክነሱ ምእንታኡ ኢሎም ዚከኣሎም ዚገብሩ ሰባት ብሓቂ ይፈትዎም እዩ!

ኦድሪ ሃይድ ኣብ መጻኢ ብምትኳር፡ ኣወንታዊ ኣመለኻኽታ ሒዛ እያ

16. ሓውና ናታን ኖር ንሰበይቱ እንታይ ምኽሪ እዩ ሂብዋ፧

16 ኣብ መጻኢ ኣተኵር። ኣብርሃም ኣብቲ የሆዋ ዚህቦ ናይ መጻኢ ዓስቢ እዩ ኣተኲሩ፡ እዚ ኸኣ ንጸገማቱ ኺሰግር ሓጊዝዎ እዩ። ሓብትና ኦድሪ ሃይድ፡ እቲ ቐዳማይ ሰብኣያ ዝነበረ ናታን ኖር ብመንሽሮ እኳ እንተ ሞተ፡ እቲ ኻልኣይ ሰብኣያ ዝነበረ ግለን ሃይድ ድማ ኣልዛይመርስ ብዚብሃል ናይ ምርሳዕ ሕማም እኳ እንተ ተጠቕዐ፡ ኣወንታዊ ኣመለኻኽታ ኽትሕዝ ጽዒራ እያ። * እቲ ሓውና ኖር ካብቲ መዓልቲ ሞቱ ሒደት ሰሙናት ኣቐዲሙ ዝበላ ነገር ድማ ሓጊዝዋ እዩ። ነዚ ኸተዘንቱ ኸላ ኸኣ ከምዚ ትብል፦ “ናታን ‘ድሕሪ ሞት እተረጋገጸ ተስፋ ስለ ዘሎና ድሕሪኡ ፈጺምና ኣይንሳቐን ኢና’ ብምባል ኣዘኻኸረኒ። ‘ኣርሒቕኪ ጠምቲ፡ ከመይሲ ዓስብኺ ኣብኡ እዩ ዘሎ’ . . . በለኒ። ኣብ ርእሲ እዚውን ‘ብስራሕ ትሕዝቲ ኹኒ፡ ህይወትኪ ንኻልኦት ኣብ ምሕጋዝ ኣውዕልዮ። እዚ ድማ ኣብ ህይወትኪ ሓጐስ ክትረኽቢ ኪሕግዘኪ እዩ’ በለኒ።” እዚ ብሓቂ ግብራዊ ምኽሪ እዩ፣ ንሰባት ሰናይ ንምግባር ትሑዛት እንተ ዄንናን ‘ብተስፋ እንተ ተሓጒስናን፡’ ብዙሕ ንጥቀም ኢና።—ሮሜ 12:12

17. (ሀ) ኣብ መጻኢ እነተኵረሉ እንታይ ጽቡቕ ምኽንያት ኣሎና፧ (ለ) ኣብ ሚክያስ 7:7 ተመዝጊቡ ዘሎ ኣብነት ምስዓብና ነቲ ናይ መጻኢ በረኸት ኽንረክብ ዚሕግዘና ብኸመይ እዩ፧

17 ሎሚ፡ ኣብ መጻኢ እነተኵረሉ ተወሳኺ ምኽንያት ኣሎና። ፍጻመታት ዓለም ኣብ ኣጋ መወዳእታ እዘን ዳሕሮት መዓልትታት ከም ዘለና ብንጹር ይሕብር ኣሎ። ኣብ ቀረባ እዋን፡ እታ ናይ ሓቂ መሰረት ዘለዋ ኸተማ ንዅላ ምድሪ ምሉእ ብምሉእ ክትቈጻጸር እንጽበዮ ትጽቢት ኬብቅዕ እዩ። ገለ ኻብቲ ሽዑ እንረኽቦ ሓያሎ በረኸት ከኣ፡ እንፈትዎም ሰብና ኻብ ምዉታት ኪትንስኡ ምርኣይ እዩ። ኣብቲ ግዜ እቲ፡ የሆዋ ንኣብርሃም ስለታ እምነቱን ስለቲ ትዕግስቱን ንዕኡ ዀነ ንቤተ ሰቡ ኣብዛ ምድሪ እዚኣ ዳግም ህያዋን ብምግባር ዓስቡ ኺህቦ እዩ። እሞኸ ሓንጐፋይ ኢልካ ንምቕባል ኣብኡ ኽትህሉ ዲኻ፧ ከም ኣብርሃም ንመንግስቲ ኣምላኽ መስዋእቲ ኽትገብር ፍቓደኛ እንተ ዄንካ፡ ጸገማት እናሃለወ ኽነሱ ኸኣ እምነትካ እንተ ሓሊኻ፡ ንየሆዋ እውን ብትዕግስቲ እንተ ተጸቢኻዮ፡ ኣብኡ ኽትህሉ ኢኻ።—ሚክያስ 7:7 ኣንብብ።

መዝሙር 74 ንዑ መዝሙር መንግስቲ ኣምላኽ ዘምሩ!

^ ሕ.ጽ. 5 እተተስፈወ ነገር ኪፍጸም ምጽባይ፡ ንትዕግስትና ኺፍትኖ፡ ኣብ ገሊኡ መዳያት ከኣ ንእምነትና ኺፍትኖ ይኽእል እዩ። ነቲ የሆዋ ዘተስፈዎ ተስፋታት ብትዕግስቲ ብዛዕባ ምጽባይ፡ ካብ ኣብርሃም እንታይ ክንምሃር ንኽእል፧ ገሊኦም ዘመናውያን ኣገልገልቲ የሆዋኸ እንታይ ሰናይ ኣብነት እዮም ሓዲጎም፧

^ ሕ.ጽ. 13 ተመክሮ ሓውና ቢል ዋልደን ኣብ ናይ 1 ታሕሳስ 2013 ሕታም ግምቢ ዘብዐኛ፡ ገጽ 8-10 ተሓቲሙ ኣሎ።

^ ሕ.ጽ. 14 ተመክሮ ሓውና ኣሪስቶተሊስ ኣፖስቶሊዲስ ኣብ ናይ 1 ለካቲት 2002 ሕታም ግምቢ ዘብዐኛ፡ ገጽ 24-28 ተሓቲሙ ኣሎ።

^ ሕ.ጽ. 16 ተመክሮ ሓብትና ኦድሪ ሃይድ ኣብ ናይ 1 ሓምለ 2004 ሕታም ግምቢ ዘብዐኛ፡ ገጽ 23-29 ተሓቲሙ ኣሎ።

^ ሕ.ጽ. 56 መግለጺ ስእሊ፦ ብዕድመ ዝደፍኡ ሰብ ሓዳር ጸገማት እናሃለዎም ክነሱ ንየሆዋ ብተኣማንነት የገልግልዎ። ኣብቲ የሆዋ ብዛዕባ መጻኢ ዘተስፈዎ ተስፋታት ብምትኳር፡ እምነቶም ይሕልዉ።