ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ዓንቀጽ መጽናዕቲ 35

ነቲ ኻልኦት ኣብ ጉባኤ የሆዋ ዘለዎም ቦታ ኣኽብረሎም

ነቲ ኻልኦት ኣብ ጉባኤ የሆዋ ዘለዎም ቦታ ኣኽብረሎም

“ዓይኒ ንኢድ፡ ‘ኣይደልየክን’ ክትብላ ኣይትኽእልን እያ፣ ወይስ ርእሲ ንኣእጋር፡ ‘ኣይደልየኩምን’ ኪብሎም ኣይክእልን እዩ።”—1 ቈረ. 12:21

መዝሙር 124 እሙናት ንኹን

መላለዪ *

1. የሆዋ ንነፍሲ ወከፍ እሙን ኣገልጋሊኡ እንታይ ሂብዎ ኣሎ፧

የሆዋ ንነፍሲ ወከፍ እሙን ኣገልጋሊኡ ኣብ ጉባኤኡ ቦታ ሂብዎ ኣሎ። ግደና በበይኑ ዓይነት እኳ እንተ ዀነ፡ ኵላትና ኣገደስቲ ኢና፡ ኵላትና እውን ናይ ካልኦት ደገፍ የድልየና እዩ። ሃዋርያ ጳውሎስ ነዚ ኣገዳሲ ትምህርቲ እዚ ኽንግንዘብ ይሕግዘና እዩ። ብኸመይ፧

2. ብመሰረት ኤፌሶን 4:16፡ ንሓድሕድና ኽንከባበርን ብሓባር ክንዓይን ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

2 ኣብታ ናይዛ ዓንቀጽ ቀንዲ ጥቕሲ ተመዝጊቡ ኸም ዘሎ፡ ዋላ ሓዴና ንኻልእ ኣገልጋሊ የሆዋ፡ ‘ኣይደልየካን’ ክንብሎ ኣይንኽእልን ኢና። (1 ቈረ. 12:21) ኣብ ጉባኤ ሰላም ኪሰፍን እንተ ዀይኑ፡ ንሓድሕድና ኽንከባበርን ብሓባር ክንዓይን ኣሎና። (ኤፌሶን 4:16 ኣንብብ።) ብሓድነት ሓቢርና እንተ ዓዪና፡ ጉባኤና ብፍቕሪ ትዓብን ትህነጽን እያ።

3. ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ እንታይ ክንርኢ ኢና፧

3 ኣብ ጉባኤ ንዘለዉ ኻልኦት ክርስትያናት ኣኽብሮት ከነርእየሉ እንኽእል ገለ መገድታት እንታይ እዩ፧ ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ሽማግለታት ከመይ ገይሮም ንመሸማግልቶም ኬኽብርዎም ከም ዚግባእ ክንርኢ ኢና። ድሕሪኡ፡ ኵላትና ንዘይምርዑዋት ኣሕዋትናን ኣሓትናን ከመይ ጌርና ኸም እነኽብሮም ክንርኢ ኢና። ኣብ መወዳእታ ኸኣ፡ ነቶም ንቛንቋና ዘይመልክዎ ሰባት ከመይ ጌርና ኸም እነኽብሮም ክንርኢ ኢና።

ንመሸማግልትኻ ኣኽብሮት ኣርኢ

4. ሽማግለታት እንታይ ኣብ ሮሜ 12:10 እተመዝገበ ምኽሪ ጳውሎስ እዮም ኪስዕቡ ዘለዎም፧

4 ኵሎም ሽማግለታት ጉባኤ ብናይ የሆዋ መንፈስ ቅዱስ እዮም ተሸይሞም። ኰይኑ ግና፡ ነፍሲ ወከፎም በበይኑ ውህበታትን ክእለታትን ኣለዎም። (1 ቈረ. 12:17, 18) ገሊኦም ሓደስቲ እተሸሙን ብዙሕ ተመክሮ ዘይብሎምን ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም። ገሊኦም ከኣ ብሰንኪ ዕድሚኦም ወይ ጥዕናኦም ዓቕሞም ድሩት ኪኸውን ይኽእል እዩ። እንተዀነ ግና፡ ዋላ ሓደ ሽማግለ ንመሸማግልቱ፡ “ኣይደልየካን” ዝዓይነቱ መልእኽቲ ኼመሓላልፈሉ የብሉን። ኣብ ክንዳኡስ፡ ነፍሲ ወከፍ ሽማግለ ነቲ ኣብ ሮሜ 12:10 እተመዝገበ ምኽሪ ጳውሎስ ኪስዕቦ ኣለዎ።—ኣንብብ።

ሽማግለታት ንዘረባ መሸማግልቶም ተጠንቂቖም ብምስማዕ፡ ከም ዜኽብርዎም የርእዩ (ሕጡብ ጽሑፍ 5-6 ርአ)

5. ሽማግለታት ንመሸማግልቶም ከም ዜኽብሩ ብኸመይ የርእዩ፧ ከምኡ ኺገብሩ ዘለዎምከ ስለምንታይ እዮም፧

5 ሽማግለታት ንዘረባ መሸማግልቶም ተጠንቂቖም ብምስማዕ፡ ከም ዜኽብርዎም የርእዩ እዮም። ምናዳ ኣብቲ ብዛዕባ ኸቢድ ጕዳይ ንምምይያጥ ኣካል ሽማግለታት ዚእከቡሉ እዋን ከምኡ ኺገብሩ ኣለዎም። ስለምንታይ፧ ናይ 1 ጥቅምቲ 1988 ግምቢ ዘብዐኛ (እንግሊዝኛ) እንታይ ከም ዝበለት እስከ ንርአ፦ “ክርስቶስ ብመንፈስ ቅዱስ ኣቢሉ ንኣእምሮ ዝዀነ ኣባል እቲ ኣካል ሽማግለታት ኪመርሖ ኸም ዚኽእል፡ እቲ ሽማግለ እውን ንዝዀነ ዅነታት ወይ ንዝዀነ ኣገዳሲ ውሳነ ዜድሊ መጽሓፍ ቅዱሳዊ ስርዓት ኬምጽእ ከም ዚኽእል ሽማግለታት ይፈልጡ እዮም። (ግብሪ ሃዋርያት 15:6-15) ኣብ ውሽጢ እቲ ኣካል ሽማግለታት፡ ዋላ ሓደ ሽማግለ ንብሕቱ ጥራይ ዚውሃቦ መንፈስ የብሉን።”

6. ሽማግለታት ብሓድነት ኪዓይዩ ዚኽእሉ ብኸመይ እዮም፧ ከምኡ ኺገብሩ ኸለዉኸ ጉባኤኦም ብኸመይ ትጥቀም፧

6 ንመሸማግልቱ ዜኽብር ሽማግለ ኣብ ኣኼባ ሽማግለታት ወትሩ ፈለማ ኺዛረብ ኣይፍትንን እዩ። ነቲ ምይይጥ ኣይዕብልሎን እዩ፡ ርእይቶኡ ወትሩ ትኽክል ከም ዝዀነ ገይሩ እውን ኣይሓስብን እዩ። ኣብ ክንዳኡስ፡ ርእይቶኡ ብትሕትና እዩ ዚገልጽ። ንሓሳባት ካልኦት ተጠንቂቑ ይሰምዕ እዩ። ልዕሊ ዅሉ ድማ፡ ኣብ ቅዱስ ጽሑፋዊ ስርዓታት ተመርኲሱ ንምምይያጥን እቲ “እሙንን ኣስተውዓልን ባርያ” ንዝሃቦ መምርሒ ንምስማዕን ድሉው እዩ። (ማቴ. 24:45-47) ሽማግለታት ንዚለዓል ጕዳያት ብፍቕርን ብኣኽብሮትን ምስ ዚመያየጡሉ፡ ናይ ኣምላኽ መንፈስ ቅዱስ ኣብኡ ይህሉ፡ ነታ ጉባኤ ዜደልድል ውሳነታት ኪገብሩ እውን ይመርሖም እዩ።—ያእ. 3:17, 18

ንዘይምርዑዋት ክርስትያናት ኣኽብሮት ኣርኢ

7. የሱስ ብዛዕባ ዘይምምርዓው እንታይ ኣረኣእያ ነይርዎ፧

7 ሎሚ ኣብ ጉባኤ፡ ሰብ ሓዳርን ስድራ ቤታትን ኣለዉ። ብዘይካዚ ግና፡ ብዙሓት ዘይምርዑዋት ኣሕዋትን ኣሓትን እውን ኣለዉ። ነዞም ዘይምርዑዋት ብኸመይ ክንርእዮም ኣሎና፧ የሱስ ብዛዕባ ዘይምምርዓው እንታይ ኣረኣእያ ኸም ዝነበሮ እስከ ንርአ። የሱስ ኣብ ምድራዊ ኣገልግሎቱ ኣይተመርዓወን። ግዜኡን ቈላሕታኡን ኣብ ዕዮኡ ኸም ዜተኵር እዩ ገይሩ ነይሩ። የሱስ፡ ሓደ ክርስትያን ኪምርዖ ወይ ከይምርዖ ኸም ዘለዎ ኣይመሃረን። ገሊኦም ክርስትያናት ከይተመርዓዉ ኺነብሩ ኸም ዚደልዩ ግና ገሊጹ እዩ። (ማቴ. 19:11, 12) የሱስ ንዘይምርዑዋት የኽብሮም ነይሩ እዩ። ንዘይምርዑዋት ከም ዝተሓተ ደረጃ ዘለዎም ወይ ገለ ነገር ከም ዚጐድሎም ገይሩ ኣይረኣዮምን።

8. ብመሰረት 1 ቈረንቶስ 7:7-9፡ ጳውሎስ ንክርስትያናት እንታይ ኪሓስቡሉ እዩ ኣተባቢዕዎም፧

8 ሃዋርያ ጳውሎስ ኣገልግሎቱ ኣብ ዚፍጽመሉ እዋን፡ ከም የሱስ ኣይተመርዓወን ነይሩ። ይኹን እምበር፡ ክርስትያን ኪምርዖ ኸም ዘይብሉ ኣይመሃረን። እዚ ብሕታዊ ጕዳይ ምዃኑ ይፈልጥ ነይሩ እዩ። ኰይኑ ግና፡ ጳውሎስ ንክርስትያናት፡ ንየሆዋ ኸይተመርዓዉ ኼገልግልዎ ዚኽእሉ እንተ ዀይኖም ኪሓስቡሉ ኣተባቢዕዎም እዩ። (1 ቈረንቶስ 7:7-9 ኣንብብ።) ብርግጽ እምበኣር፡ ጳውሎስ ንዘይምርዑዋት ክርስትያናት ኣይነዓቖምን። እኳ ደኣስ፡ ነቲ ዘይተመርዓወ መንእሰይ ዝነበረ ጢሞቴዎስ፡ ከቢድ ሓላፍነት ኪስከም ሓርይዎ እዩ። * (ፊል. 2:19-22) ስለዚ፡ ብቕዓት ሓደ ሓው ኪግምገም ከሎ፡ ምርዑው ምዃኑ ወይ ዘይምዃኑ ጥራይ ኣብ ግምት ዚኣቱ እንተ ዀይኑ ጌጋ እዩ።—1 ቈረ. 7:32-35, 38

9. ብዛዕባ ምምርዓው ወይ ዘይምምርዓው እንታይ ክንብል ንኽእል፧

9 የሱስን ጳውሎስን፡ ክርስትያናት ኪምርዓዉ ኸም ዘለዎም ወይ ከም ዘይብሎም ኣይመሃሩን። እሞ ደኣ ብዛዕባ ምምርዓው ወይ ዘይምምርዓው እንታይ ክንብል ንኽእል፧ ናይ 1 ጥቅምቲ 2012 ግምቢ ዘብዐኛ፡ ከምዚ ዚስዕብ ብምባል ጽቡቕ ገይራ ገሊጻቶ ኣላ፦ “ክልቲኡ [ምምርዓውን ዘይምምርዓውን] ኸም ውህበት ኣምላኽ ጌርካ ኺግለጽ ይኽእል እዩ። . . . የሆዋ ነቲ ንጽል ኴንካ ዚንበር ናብራ፡ ከም ውርደት ወይ ከም ዜጕሂ ነገር ገይሩ ኣይርእዮን እዩ።” ነዚ ኣብ ኣእምሮና ብምሓዝ፡ ነቶም ኣብ ጉባኤና ዚርከቡ ዘይምርዑዋት ኣሕዋትን ኣሓትን ቦታኦም ከነኽብረሎም ኣሎና።

ነቶም ዘይምርዑዋት ካብ ዘሎና ኣኽብሮት ተላዒልና እንታይ ኢና ኽንገብር ዘይብልና፧ (ሕጡብ ጽሑፍ 10 ርአ)

10. ንዘይምርዑዋት ኣሕዋትን ኣሓትን ኣኽብሮት ከም ዘሎና ኸመይ ጌርና ነርኢ፧

10 ንስምዒታትን ንዅነታትን እቶም ዘይምርዑዋት ኣሕዋትናን ኣሓትናን ከም እነኽብር ከመይ ጌርና ነርኢ፧ ገሊኦም ዘይምርዑዋት ክርስትያናት ከምኡ ንምግባር ብሕታዊ ሸቶ ኸም ዝገበሩ ኽንዝክር ኣሎና። ገሊኦም ክርስትያናት ከኣ ኪምርዓዉ ዚደልዩ እኳ እንተ ዀኑ፡ ዚዀኖም ሰብ ግና ኣይረኸቡን። ገሊኦም ድማ መጻምድቶም ዝሞቶም ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም። ዝዀነ ዀይኑ፡ እቶም ኣብ ጉባኤ ዘለዉ ነቶም ንጽል ክርስትያናት ስለምንታይ ከም ዘይተመርዓዉ ኺሓትትዎም ወይ ‘ከነማጽኣልኩም’ ኢሎም ሓሳብ ኬቕርቡ ይግባእዶ፧ ገሊኦም ዘይምርዑዋት ክርስትያናት ከምዚ ዓይነት ሓገዝ ይሓትቱ ይዀኑ። ኰይኑ ግና፡ ዘይምርዑዋት ኣሕዋትናን ኣሓትናን ሓገዝ ከይሓተቱ ኸምዚ ዓይነት ሓሳብ እንተ ቐሪቡሎም እንታይ እዩ ዚስምዖም፧ (1 ተሰ. 4:11፣ 1 ጢሞ. 5:13) እሙናት ዝዀኑ ንጽል ኣሕዋትን ኣሓትን ዝሃብዎ ገሊኡ ሓሳባት እስከ ንርአ።

11-12. ንዘይምርዑዋት ክርስትያናት ብኸመይ ክንደቝሶም ንኽእል፧

11 ሓደ ኣብ ኣገልግሎቱ ኣዝዩ ንፉዕ ዝዀነ ዘይምርዑው ሓላው ወረዳ፡ ንጽል ምዃን ብዙሕ ጥቕምታት ከም ዘለዎ እዩ ዚስምዖ። ኣሕዋትን ኣሓትን ካብ ጽቡቕ ሓሳብ ተበጊሶም፡ “ስለምንታይ ዘይተመርዓኻ፧” ኢሎም ኪሓትትዎ ኸለዉ፡ እዚ ዚደቍስ ምዃኑ ገሊጹ ኣሎ። ኣብ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ዜገልግል ዘይምርዑው ሓው እውን፡ “ሓድሓደ ግዜ ኣሕዋትን ኣሓትን ንዘይምርዑዋት ሰባት ከም ዜደንግጹ ገይሮም ይርእይዎም እዮም። እዚ ኸኣ ንጽል ምዃን ውህበት ዘይኰነስ ጾር ከም ዝዀነ እዩ ዜምስሎ” ይብል።

12 ኣብ ቤት-ኤል እተገልግል ዘይምርዕውቲ ሓብቲ ኸምዚ ትብል፦ “ገሊኦም ኣስፋሕቲ፡ ኵሎም ዘይምርዑዋት ሰባት መጻምድቲ ይደልዩ ኸም ዘለዉ ወይ ኵሎም ዘይምርዑዋት ሰባት ንዅሉ ማሕበራዊ ምትእኽኻብ ከም መድለዪ መጻምድቲ ገይሮም ከም ዚርእይዎ እዩ ዚመስሎም። ሓደ ግዜ፡ ብስራሕ ናብ ካልእ ኽፋል እዛ ዓዲ ምስ ከድኩ፡ ኣኼባ ኣብ ዝነበረላ ምሸት ናብቲ ቦታ በጺሐ። እታ እተቐበለትኒ ሓብቲ ኸኣ፡ ኣብታ ጉባኤ ኣብ ናተይ ዕድመ ዝዀኑ ኽልተ ኣሕዋት ከም ዘለዉ ሓቢራትኒ። ከተማጽኣለይ ትጽዕር ከም ዘየላ ነጊራትኒ። ናብቲ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ምስ በጻሕኩ ግና፡ ጐቲታ ወሲዳ ምስቶም ክልተ ኣሕዋት ኣላልያትኒ። እዚ ንሰለስቴና ዜሕፍር ኵነታት እዩ ነይሩ።”

13. ሓንቲ ዘይምርዕውቲ ሓብቲ ብምንታይ ኣብነታት እያ ተተባቢዓ፧

13 ኣብ ቤት-ኤል እተገልግል ካልእ ዘይምርዕውቲ ሓብቲ ድማ ከምዚ ትብል፦ “ኣብ ኣገልግሎቶም ጽኑዓትን ትኩራትን ጥቕሚ ርእሶም ዚስውኡን ዕጉባትን ዓበይቲ ንጽል ፈለምቲ ኣሕዋትን ኣሓትን እፈልጥ እየ። ብዛዕባ እቲ ንጽል ኰይኖም ዚመርሕዎ ህይወት ሚዛናዊ ኣረኣእያ እዩ ዘለዎም፣ ከይተመርዓዉ ብምጽናሖም ካብ ካልእ ዝበለጻ ዀይኑ ኣይስምዖምን እዩ፣ ወይ መጻምድትን ስድራን ስለ ዘይብሎም እተወጽዑ ዀይኑ ኣይስምዖምን እዩ።” ጽባቐ ሓንቲ ጉባኤ ድማ እዚ እዩ፣ ኣኽብሮት ከም ዝረኸብካን ኣገዳስነት ከም ዘሎካን ኪስምዓካ ኣለዎ። ኪድንገጸልካ ዀነ ኪቕንኣልካ ኣይትደልን ኢኻ፣ ዕሽሽ ኪብሉኻ ዀነ ላዕሊ ኺሰቕሉኻ ኣይትደልን ኢኻ። እዚ እንተ ረኺብካ፡ ቦታኻ ረኺብካ ማለት እዩ።

14. ንዘይምርዑዋት ከም እነኽብሮም ብኸመይ ከነርእዮም ንኽእል፧

14 ዘይምርዑዋት ኣሕዋትናን ኣሓትናን ብዘይምምርዓዎም ኣብ ክንዲ እንድንግጸሎም፡ ኣብቲ ሰናይ ባህርያቶም ተመስሪትና እንተ ኣኽቢርናዮም የሐጕሶም እዩ። ከም እተወጽዑ ጌርና ኣብ ክንዲ እንርእዮም፡ ንተኣማንነቶም ከነማስወሉ ኣሎና። ከምኡ እንተ ጌርና፡ እቶም ዘይምርዑዋት ኣሕዋትናን ኣሓትናን፡ “ኣይደልየኩምን” ንብሎም ከም ዘለና ዀይኑ ኣይኪስምዖምን እዩ። (1 ቈረ. 12:21) ኣብ ክንዳኡስ፡ ከም እነኽብሮምን ኣብ ጉባኤ ዘለዎም ቦታ ኸም እንሕልወሎምን ኪስምዖም እዩ።

ቋንቋኻ ንዘይመልክዎ ክርስትያናት ኣኽብሮት ኣርኢ

15. ገሊኦም ኣገልግሎቶም ኬስፍሑ ኢሎም እንታይ ምትዕርራያት ገይሮም ኣለዉ፧

15 ኣብ ቀረባ ዓመታት፡ ብዙሓት ኣስፋሕቲ ኣገልግሎቶም ኬስፍሑ ኢሎም ካልእ ቋንቋ ኺምሃሩ ሸቶ ኣውጺኦም እዮም። እዚ ኣብ ህይወቶም ምትዕርራያት ኪገብሩ የገድዶም እዩ። እዞም ኣሕዋትን ኣሓትን እዚኦም ነታ ቛንቋኦም እትጥቀም ጉባኤኦም ሓዲጎም፡ ዝያዳ ኣስፋሕቲ መንግስቲ ኣምላኽ ናብ ዜድልዩላ ኻልእ ቋንቋ እትጥቀም ጉባኤ ግዒዞም እዮም። (ግብ. 16:9) ንረብሓታት መንግስቲ ኣምላኽ ንምድንፋዕ፡ ብብሕቶም እዮም እዚ ውሳነ እዚ ገይሮም። ነቲ ሓድሽ ቋንቋ ንምምላኽ ብዙሕ ዓመታት ዜድልዮም እኳ እንተ ዀነ፡ ብዙሕ ጽቡቕ ዕዮ ግና ይዓይዩ እዮም። እቲ ሰናይ ባህርያቶምን ተመክሮኦምን ነታ ጉባኤ ኼበርትዓን ኬጽንዓን ይኽእል እዩ። ነዞም ጥቕሚ ርእሶም ዚስውኡ ኣሕዋትን ኣሓትን ኣኽቢርና ኢና እንርእዮም።

16. ሽማግለታት ንኣሕዋት፡ ኣብ ምንታይ ብቕዓታት ተመርኲሶም እዮም ሽማግለታትን ኣገልገልቲ ጉባኤን ኪዀኑ ዚግምግምዎም፧

16 ኣካል ሽማግለታት ንሓደ ሓው፡ ቋንቋ ጉባኤኦም ስለ ዘይመለኸ ጥራይ ኢሎም ሽማግለ ወይ ኣገልጋሊ ጉባኤ ኪኸውን ካብ ምሕጻይ ድሕር ኪብሉ የብሎምን። ሽማግለታት ንሓደ ሓው ኣብቲ ሽማግለታትን ኣገልገልቲ ጉባኤን ኬማልእዎ ዚግባእ ቅዱስ ጽሑፋዊ ብቕዓታት ተመርኲሶም ደኣ እምበር፡ ኣብ ምልከት ቋንቋ ተመርኲሶም ኣይኰኑን ዚግምግምዎ።—1 ጢሞ. 3:1-10, 12, 13፣ ቲቶ. 1:5-9

17. ገሊኦም ስድራ ቤታት ናብ ካልእ ሃገር ምስ ገዓዙ እንታይ ሕቶታት እዩ ዜጋጥሞም፧

17 ገሊኦም ክርስትያናት ስድራ ቤታት ብሰንኪ ስደት ወይ ስራሕ ንምርካብ ናብ ካልእ ሃገር ግዒዞም ኣለዉ። ኣብ ከምዚ ዝበለ ዅነታት፡ ደቆም በቲ ቐንዲ ቛንቋ እታ ሓዳስ ሃገር ይምሃሩ ይዀኑ። እቶም ወለዲ ድማ፡ ስራሕ ንምርካብ ነቲ ቐንዲ ቛንቋ ኺምሃርዎ ይግደዱ ይዀኑ። ብቛንቋ ኣዲኦም እትጥቀም ጉባኤ ወይ ጕጅለ እንተላኸ፧ እቶም ስድራ ቤት ናብ ኣየነይቲ ጉባኤ ኪኸዱ ኣለዎም፧ ናብታ በቲ ቐንዲ ቛንቋ እቲ ዓዲ እትጥቀም ጉባኤዶ ወይስ ናብታ ብቛንቋ ኣደ እቶም ወለዲ እትጥቀም ጉባኤ፧

18. ምስቲ ኣብ ገላትያ 6:5 ዚርከብ ሓሳብ ብምስምማዕ፡ ነቲ ርእሲ ስድራ ቤት ዚገብሮ ውሳነ እነኽብሮ ብኸመይ ኢና፧

18 እቲ ርእሲ ስድራ ቤት ስድራኡ ናበየነይቲ ጉባኤ ኸም ዚኸዱ ኺውስን ኣለዎ። እዚ ብሕታዊ ጕዳይ ስለ ዝዀነ፡ ንስድራ ቤቱ ዝሓሸ እንታይ ምዃኑ ኣብ ግምት ኬእቱ ኣለዎ። (ገላትያ 6:5 ኣንብብ።) ነቲ ርእሲ ስድራ ቤት ዚገብሮ ውሳነ ኸነኽብሮ ኣሎና። ዝወሰነ ይወስን ብዘየገድስ፡ ንውሳነኡ ንቀበሎ፣ ነቶም ስድራ ቤት ከኣ ኣብ ጉባኤና ኣኽቢርና ንቀበሎም።—ሮሜ 15:7

19. ርእስታት ስድራ ቤት ብዛዕባ እንታይ እዮም ብጸሎት ኪሓስቡ ዘለዎም፧

19 ኣብ ካልእ ኣጋጣሚታት ድማ፡ ቋንቋ እቶም ወለዲ ኣብ እትጥቀም ጉባኤ ዜገልግሉ ስድራ ቤታት ኣለዉ፣ ደቆም ግና ነቲ ቛንቋ እቲ ኣይመልክዎን ይዀኑ። እታ ጉባኤ፡ ቋንቋ እቲ ዓዲ ኣብ ዚዝረበሉ ቦታ ትርከብ እንተ ዀይና፡ እቶም ውሉዳት ነቲ ኣብ ኣኼባታት ዚብሃል ምርዳኡ የጸግሞም እሞ መንፈሳዊ ዕቤት ምግባር ይሽገሩ ይዀኑ። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ፡ እቶም ውሉዳት፡ ቋንቋ ወለዶም ዘይኰነስ፡ ቋንቋ እቲ ዓዲ ኣብ እትጥቀም ቤት ትምህርቲ ይምሃሩ ይዀኑ። ኣብ ከምዚ ዝበለ ዅነታት፡ ርእስታት ስድራ ቤት ንደቆም፡ ምስ የሆዋን ምስ ሰባትን ኪቀራርቡ ንምሕጋዝ እንታይ ኪገብሩ ኸም ዘለዎም ብጸሎት ኪሓስቡሉ ኣለዎም። ወይ ንደቆም ነቲ ቛንቋ ኣዲኦም ኪመልኩ ኺሕግዝዎም ኣለዎም፡ ወይ ከኣ ደቆም ብንጹር ናብ ዚርድእዎ ቛንቋ እትጥቀም ጉባኤ ኺግዕዙ ኣለዎም። እቲ ርእሲ ስድራ ቤት ዝወሰነ ይወስን፡ እታ ዝሓረያ ጉባኤ ንዕኡን ንስድራ ቤቱን ኣኽብሮትን ፍቕርን ከተርእዮም ኣለዋ።

ነቶም ሓድሽ ቋንቋ ዚምሃሩ ዘለዉ ኸም እነኽብሮም ብኸመይ ነርኢ፧ (ሕጡብ ጽሑፍ 20 ርአ)

20. ሓድሽ ቋንቋ ንዚምሃሩ ዘለዉ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ከም እነኽብሮም ከመይ ጌርና ነርኢ፧

20 ብምኽንያት እዚ ዅሉ እዚ እተጠቕሰ ነጥብታት፡ ሓድሽ ቋንቋ ኺምሃሩ ዚቃለሱ ኣሕዋትን ኣሓትን ኣብ ብዙሓት ጉባኤታት ኣለዉ። ንሳቶም ድማ ሓሳባቶም ምግላጽ የጸግሞም ይኸውን። ኰይኑ ግና፡ ክንየው እቲ ምልከት ቋንቋ እንተ ርኢና፡ ንየሆዋ ኸም ዜፍቅርዎን ኬገልግልዎ ኸም ዚደልዩን ንርኢ ኢና። ነቲ ጽቡቕ ባህርያት እቲ እንተ ርኢና፡ ነቶም ኣሕዋትናን ኣሓትናን ብዙሕ ክንፈትዎምን ከነኽብሮምን ኢና። ቋንቋና ስለ ዘይመለኽዎ ጥራይ፡ “ኣይደልየካን” ኣይንብሎምን ኢና።

ኣብ ቅድሚ የሆዋ ኽቡራት ኢና

21-22. እንታይ ዜደንቕ ክብሪ እዩ ተዋሂቡና ዘሎ፧

21 የሆዋ ኣብ ጉባኤኡ ቦታ ብምሃብ ብዜደንቕ መገዲ ኣኽቢሩና ኣሎ። ደቂ ተባዕትዮ ንኹን ደቂ ኣንስትዮ፡ ዘይምርዑዋት ንኹን ምርዑዋት፡ ብዕድመ ንኣሽቱ ንኹን ዓበይቲ፡ ንሓደ ቛንቋ እንመልኮ ንኹን ዘይንመልኮ፡ ኵላትና ኣብ ቅድሚ የሆዋን ኣብ ቅድሚ ብጾትናን ክቡራት ኢና።—ሮሜ 12:4, 5፣ ቈሎ. 3:10, 11

22 ነቲ ጳውሎስ ብሰብነት ገይሩ ኻብ እተጠቕመሉ ምሳሌ ዝረኸብናዮ ትምህርትታት ወትሩ ንተግብሮ። በዚ ኸምዚ፡ ነቲ ኣብ ጉባኤ የሆዋ ዘሎና ቦታን ካልኦት ዘለዎም ቦታን ብዝያዳ ኣኽቢርና ኽንርእዮ ኢና።

መዝሙር 90 ንሓድሕድና ንተባባዕ

^ ሕ.ጽ. 5 ህዝቢ የሆዋ ኻብ እተፈላለየ ድሕረ ባይታ እዮም መጺኦም፡ ኣብ ጉባኤ እውን በበይኑ ግደ እዩ ዘለዎም። እዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ንነፍሲ ወከፍ ኣባል ስድራ ቤት የሆዋ ስለምንታይ ከነኽብሮ ኸም ዚግባእ ተረድእ።

^ ሕ.ጽ. 8 ጢሞቴዎስ ንሓዋሩ ኸይተመርዓወ እንተ ጸኒሑ ወይ እንተ ዘይጸኒሑ፡ ርግጸኛታት ክንከውን ኣይንኽእልን ኢና።