ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ዓንቀጽ መጽናዕቲ 39

ንክርስትያን ኣንስቲ ደግፈን

ንክርስትያን ኣንስቲ ደግፈን

“እተን ዜበስራ ኣንስቲ ዓብዪ ሰራዊት እየን።”—መዝ. 68:11

መዝሙር 137 እሙናት ኣንስቲ፡ ክርስትያን ኣሓት

መላለዪ *

እተን ኣብ ዕዮ ንጡፋትን ቀናኣትን ዝዀና ኣሓትና፡ ኣብ ኣኼባታትን ኣብ ኣገልግሎትን ኣብ ክንክን ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽን ይሳተፋ፣ ንክርስትያናት ብጾተን እውን ይግደሳሎም (ሕጡብ ጽሑፍ 1 ርአ)

1. ኣሓት ንውድብና እንታይ ደገፍ እየን ዚህባ፧ ግናኸ፡ ብዙሓት ኣሓት እንታይ ብድሆታት እዩ ዜጋጥመን፧ (ኣብ ገበር ዘላ ስእሊ ርአ።)

ኣብ ጉባኤ ብትግሃት ዚዓይያ ብዙሓት ኣሓት ምህላወን፡ ብዙሕ የሐጕሰና እዩ። ንኣብነት፡ ኣብ ኣኼባታትን ኣብ ኣገልግሎትን ይሳተፋ እየን። ገሊአን ንኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ይከናኸና፡ ንክርስትያናት ብጾተን እውን ብሕታዊ ተገዳስነት የርእያ እየን። ልክዕ እዩ፡ ብድሆታት የጋጥመን እዩ። ገሊአን ንኣረጋውያን ወለደን ይኣልያ እየን። ገሊአን ከኣ ካብ ኣባላት ቤተ ሰበን ተቓውሞ የጋጥመን እዩ። ገሊአን ድማ ንደቀን ብትግሃት እናናበያ ብዘይ ሰብኣይ ዜዕብያ ወለዲ እየን።

2. ስለምንታይ ኢና ንኣሓት ደገፍ ክንህበን ዘሎና፧

2 ስለምንታይ ኢና ንኣሓት ደገፍ ክንህበን ዘሎና፧ ምኽንያቱ ዓለም ንደቂ ኣንስትዮ ዚግብአን ኣኽብሮት ኣይትህበንን እያ። ብተወሳኺ ድማ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ንዓታተን ክንድግፈን የተባብዓና እዩ። ንኣብነት፡ ሃዋርያ ጳውሎስ ነቶም ኣብ ጉባኤ ሮሜ ዝነበሩ ክርስትያናት፡ ንፌቤን ሓንጐፋይ ኢሎም ኪቕበልዋ ኼተባብዖም ከሎ፡ “ብዜድልያ ዘበለ እውን ደግፍዋ” ኢልዎም እዩ። (ሮሜ 16:1, 2) ጳውሎስ ፈሪሳዊ ስለ ዝነበረ፡ ኣብቲ ዝዓበየሉ ባህሊ፡ ደቂ ኣንስትዮ ኣትሒትካ ይርኣያን ይግፍዓን ነይረን እየን። ክርስትያን ምስ ኰነ ግና፡ ንየሱስ ኪመስሎ፡ ንደቂ ኣንስትዮ እውን ብኣኽብሮትን ብለውሃትን ኪሕዘን ጀሚሩ እዩ።—1 ቈረ. 11:1

3. የሱስ ንኣንስቲ ብኸመይ እዩ ዚሕዘን ነይሩ፧ ፍቓድ ኣምላኽ ንዚገብራ ኣንስቲኸ ብኸመይ እዩ ዚርእየን ነይሩ፧

3 የሱስ ንዅለን ኣንስቲ ብኣኽብሮት እዩ ዚሕዘን ነይሩ። (ዮሃ. 4:27) ብዛዕባ ኣንስቲ ዝነበሮ ኣረኣእያ፡ ከምቲ ናይቶም ብግዜኡ ዝነበሩ መራሕቲ ሃይማኖት ኣይኰነን ነይሩ። ሓደ መወከሲ መጽሓፍ ቅዱስ፡ “የሱስ ንደቂ ኣንስትዮ ዜናሹ ወይ ዜቈናጽብ ቃል ኣየውስአን” ይብል። ኰይኑ ግና፡ የሱስ ነተን ፍቓድ ኣቦኡ ዚገብራ ኣንስቲ ፍሉይ ኣኽብሮት ነይርዎ እዩ። ከም ኣሓቱ ገይሩ ይርእየን፡ ምስቶም ክፍሊ መንፈሳዊ ስድራ ቤቱ ዝዀኑ ሰብኡት እውን ብማዕረ ይጠቕሰን ነይሩ እዩ።—ማቴ. 12:50

4. ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ እንታይ ኢና ኽንርኢ፧

4 የሱስ ንመንፈሳውያን ኣሓቱ ንምድጋፍ ወትሩ ድሉው እዩ ነይሩ። ብዘይካዚ፡ የማስወን ነይሩ እዩ፡ ምእንታአን እውን ይዛረብ ነይሩ እዩ። ሕጂ እምበኣር፡ ንኣሓትና ብምሕላይ፡ ከመይ ጌርና ንየሱስ ክንመስሎ ኸም እንኽእል ንርአ።

ንኽቡራት ኣሓትና ነስተብህለለን

5. ገሊአን ኣሓት ካብ ሃናጺ ቕርርብ ኪጥቀማ ዜጸግመን ስለምንታይ ኪኸውን ይኽእል፧

5 ኵላትና ኣሕዋትን ኣሓትን ኣብ መንጎና ጽቡቕ ቅርርብ ኪህሉ የድልየና እዩ። ሓድሓደ ግዜ ግና፡ ኣሓት ከምዚ ዝበለ ጽቡቕ ቕርርብ ኣይረኽባን ይዀና። ስለምንታይ፧ ነዚ ዚስዕብ ሓሳባት እሞ ነስተብህለሉ። ሓንቲ ጆርዳን * ዝስማ ሓብቲ፡ “ንጽል ስለ ዝዀንኩ፡ ኣብ ጉባኤ ቦታ ዘይብለይ፡ ምሳታቶም እውን ክረዳዳእ ዘይክእል ኰይኑ ይስምዓኒ እዩ” ትብል። ኣገልግሎታ ንምስፋሕ ናብ ካልእ ቦታ ዝገዓዘት ክሪስቲን እትብሃል ፈላሚት ድማ፡ “ኣብ ሓንቲ ጉባኤ ሓድሽ እንተ ዄንካ፡ በይንኻ ዝዀንካ ዀይኑ ኺስምዓካ ይኽእል እዩ” ትብል። ገሊኦም ኣሕዋት እውን ከምኡ ኺስምዖም ይኽእል እዩ። ብሃይማኖት ኣብ እተኸፋፈለት ቤት ዚነብሩ ሰባት፡ ካብቶም ብስጋ ቤተ ሰቦም እተፈልዩ ዀይኑ እናተሰምዖም ከሎ፡ ጐድኒ ጐድኑ ድማ ካብ መንፈሳዊ ስድራ ቤቶም እተነጸሉ ዀይኑ ኺስምዖም ይኽእል እዩ። ብዘይካዚ፡ እተን ዓዲ ውዒል ዝዀናን እተን ንዝሓመመ ኣባል ስድራ ቤተን ዚኣልያን ኣሓት ጽምዋ ኺስምዐን ይኽእል እዩ። ኣነት ዝስማ ሓብቲ፡ “ንኣደይ ኣነ በይነይ ጥራይ ስለ ዝኣልያ፡ ናብ ዝዀነ ምትእኽኻብ ዚቐርበለይ ዕድመ ክቕበል ኣይክእልን እየ ነይረ” ትብል።

ከም የሱስ፡ ንእሙናት ኣሓትና ፍቕራዊ ሓልዮት ከነርኢ ንኽእል ኢና (ሕጡብ ጽሑፍ 6-9 ርአ) *

6. ኣብ ሉቃስ 10:38-42 ተመዝጊቡ ኸም ዘሎ፡ የሱስ ንማርታን ንማርያምን ዝሓገዘን ብኸመይ እዩ፧

6 የሱስ ምስ መንፈሳውያን ኣሓቱ ግዜ የሕልፍ ነይሩ እዩ፣ ናይ ሓቂ ፈታዊአን እውን እዩ ነይሩ። ንኣብነት፡ ምስተን ዘይተመርዓዋ ነይረን ኪዀና ዘለወን ማርታን ማርያምን ዝነበሮ ምሕዝነት ንርአ። (ሉቃስ 10:38-42 ኣንብብ።) የሱስ ብቓላቱን ብተግባሩን ኣቢሉ ኸም ዘይስከፋ ገይርወን ኪኸውን ኣለዎ። ማርያም ከይተሰከፈት ኣብ እግሩ ተቐሚጣ እያ። * ማርታ ኸኣ ሓገዝ ማርያም ብዘይምርካባ ስለ ዝጐሃየት፡ ከይተሰከፈት ኣብ ልባ ዘሎ ንየሱስ ገሊጻትሉ እያ። ኣብቲ እዋን እቲ ድማ፡ የሱስ ንኽልቲአን ኣንስቲ ብመንፈሳዊ መዳይ ሓጊዝወን እዩ። ኣብ ካልእ ኣጋጣሚ፡ ንዓታተንን ንሓወን ኣልኣዛርን ብምብጻሕ፡ ከም ዚሓልየለን ኣርእዩ እዩ። (ዮሃ. 12:1-3) ስለዚ ድማ እየን ማርያምን ማርታን፡ ኣልኣዛር ከቢድ ሕማም ምስ ሓመመ፡ ሓገዝ ደልየን ንየሱስ ዝለኣኻሉ።—ዮሃ. 11:3, 5

7. ንኣሓትና ኸነተባብዓሉ እንኽእል ሓደ መገዲ እንታይ እዩ፧

7 ገሊአን ኣሓት፡ ኣብ ኣኼባታት ጥራይ እየን ምስ ክርስትያናት ብጾተን ግዜ ንምሕላፍ ኣጋጣሚ ዚረኽባ። ስለዚ፡ ኣብዚ ኣጋጣሚታት እዚ ሓንጐፋይ ኢልና ኽንቅበለንን ከነዛራርበንን ሓልዮትና ኸነርእየንን ኣሎና። እታ ኣቐዲማ እተጠቕሰት ጆርዳን፡ “ካልኦት ነቲ ዝህቦ ሓሳባት ኬስተብህሉሉ፡ ኣብ ኣገልግሎት ምሳይ ንምግልጋል ቈጸራ ኼትሕዙኒ፡ ወይ ብኻልእ መገዲ ሓልዮቶም ኬርእዩኒ ኸለዉ፡ ብዙሕ የተባብዓኒ እዩ” ትብል። ኣሓትና ኣብ ህይወትና ኣገዳሲ ቦታ ኸም ዘለወን ከነፍልጠን ኣሎና። ኪያ እትብሃል ሓብቲ፡ “ካብ ኣኼባ እንተ በዂረ፡ ደሓን እንተ ዀይነ ንምርግጋጽ ተክስት ከም ዝመጸኒ እፈልጥ እየ። እዚ ኸኣ ኣሕዋትን ኣሓትን ከም ዚሓልዩለይ የርእየኒ እዩ” ትብል።

8. ብምንታይ ካልእ መገድታት ኢና ንየሱስ ክንመስሎ እንኽእል፧

8 ብዘይካዚ፡ ከም የሱስ፡ ምስ ኣሓትና ግዜ ኸነሕልፍ ንኽእል ኢና። ምናልባት ብሓንሳእ እኽለ ማይ ንምጥዓም ወይ ንምዝንጋዕ ክንዕድመን ንኽእል ኢና። ከምኡ ኽንገብር ከለና፡ ነቲ ዝርርብና ሃናጺ ኽንገብሮ ንደሊ ኢና። (ሮሜ 1:11, 12) ሽማግለታት ከም ናይ የሱስ ዓይነት ኣረኣእያ ኺህልዎም ኣለዎ። ከይተመርዓኻ ምንባር ንገሊኦም ኣጸጋሚ ኪኸውን ከም ዚኽእል የሱስ ይፈልጥ ነይሩ እዩ፣ ኰይኑ ግና፡ ምምርዓው ወይ ውሉዳት ምውላድ ንነባሪ ሓጐስ ወሳኒ ዘይምዃኑ ንጹር ገይርዎ እዩ። (ሉቃ. 11:27, 28) ኣብ ክንዳኡስ፡ ንኣገልግሎት የሆዋ ቐዳምነት ብምሃብ እዩ ነባሪ ሓጐስ ዚርከብ።—ማቴ. 19:12

9. ሽማግለታት ንኣሓት ንምሕጋዝ እንታይ ኪገብሩ ይኽእሉ፧

9 ምናዳ ሽማግለታት ንክርስትያን ኣንስቲ ኸም መንፈሳውያን ኣሓቶምን ኣዴታቶምን ገይሮም ኪሕዝወን ኣለዎም። (1 ጢሞ. 5:1, 2) ቅድሚ ኣኼባ ወይ ድሕሪኡ ምስ ኣሓት ንምዝርራብ ድማ ግዜ ኺህልዎም ይግባእ። እታ ኣቐዲማ እተጠቕሰት ክሪስቲን፡ “ሓደ ሽማግለ ግዜይ እተዋጠረ ምዃኑ ስለ ዘስተብሃለ፡ መደበይ ከመይ ምዃኑ ኺፈልጥ ደልዩ። ንቕንዕናኡ ብሓቂ እየ ኣማስየሉ” ትብል። ሽማግለታት ወትሩ ግዜ ወሲዶም ምስ መንፈሳውያን ኣሓቶም ዚዛራረቡ እንተ ዀይኖም፡ ከም ዚሓልዩለን የርእዩ እዮም። * እታ ኣቐዲማ እተጠቕሰት ኣነት፡ ምስ ሽማግለታት ኣዘውቲራ ምዝርራባ ዘለዎ ሓደ ጥቕሚ ኸምዚ ኢላ ኣጕሊሓ ኣላ፦ “በዚ ኸምዚ፡ ኣነ ኣጸቢቐ ኽፈልጦም እኽእል፡ ንሳቶም እውን ኪፈልጡኒ ይኽእሉ። ደሓር፡ ኣጸጋሚ ፈተና ኼጋጥመኒ ኸሎ፡ ሓገዞም ደልየ ንምሕታት ኣይስከፍን እየ።”

ንኣሓት ኣማስወን

10. ኣሓትና ጽቡቕ ምእንቲ ኺስምዐን እንታይ ኪሕግዝ ይኽእል፧

10 ኵላትና ሰብኡትን ኣንስትን፡ ሰባት ንኽእለትናን ንዕዮናን ኬማስዉሉ ኸለዉ፡ ጽቡቕ ይስምዓና እዩ። በቲ ኻልእ ሸነኽ ግና፡ ክእለትናን ዕዮናን ዕሽሽ እንተ ተባሂሉ፡ ሕማቕ ይስምዓና እዩ። ኣቢጋይል ዝስማ ንጽል ሓብቲ ሓድሓደ ግዜ ዕሽሽ ከም እተባህለት ኰይኑ ኸም ዚስምዓ ኽትገልጽ ከላ፡ “ሓድሓደ ግዜ፡ ንእከለ ሓብቱ ወይ ጓል እከለ ጥራይ ተባሂለ እየ ዝርአ። ሓድሓደ ግዜ ድማ፡ ከም ዘለኹ እኳ ዘይርእዩኒ ዀይኑ እዩ ዚስምዓኒ” ትብል። ቀጺልና፡ ፓም ዝስማ ሓብቲ ዝሃበቶ ሓሳብ ነስተብህለሉ። ንሳ ንጽል ከላ፡ ንሓያሎ ዓመታት ሚስዮናዊት ኰይና ኣገልጊላ እያ። ደሓር፡ ንወለዳ ኽትኣሊ ኢላ ናብ ዓዳ ተመልሰት። እዛ ሕጂ ኣብ 70ታት ዓመት ዕድሚኣ እትርከብ ሓብቲ፡ ፈላሚት ኰይና ተገልግል ኣላ። ንሳ ድማ፡ “ካልኦት ከም ዜማስዉኒ ኺነግሩኒ ኸለዉ፡ ብዙሕ ይሕግዘኒ እዩ” ትብል።

11. የሱስ ነተን ኣብ ኣገልግሎት ዘሰነያኦ ኣንስቲ ኣኽቢሩ ኸም ዚርእየን ከመይ ገይሩ ኣርእዩ፧

11 የሱስ ነቲ ኻብተን “ብገንዘበን” ዜገልግላኦ ዝነበራ ንኣምላኽ ዚፈርሃ ኣንስቲ ዝረኸቦ ሓገዝ ኣኽቢሩ ይርእዮ ነይሩ እዩ። (ሉቃ. 8:1-3) ንዕኡ ናይ ምግልጋል ፍሉይ መሰል ኪህልወን ኣብ ርእሲ ምፍቃዱ፡ ዓሚቝ መንፈሳዊ ሓቅታት እውን ገሊጹለን እዩ። ንኣብነት፡ ከም ዚመውትን ከም ዚትንስእን ሓቢርወን እዩ። (ሉቃ. 24:5-8) ከምቲ ንሃዋርያቱ ንዚመጽእ ፈተናታት ዘዳለዎም፡ ነዘን ኣንስቲ እውን ነቲ ዚመጽእ ፈተናታት ኣዳልይወን እዩ። (ማር. 9:30-32፣ 10:32-34) የሱስ ኣብ እተታሕዘሉ እዋን ሃዋርያቱ እኳ እንተ ሃደሙ፡ ኣብ ጕንዲ ስቅያት ኪመውት ከሎ ግና ገሊአን ዚድግፋኦ ዝነበራ ኣንስቲ ኣብ ጥቓኡ ነይረን እየን።—ማቴ. 26:56፣ ማር. 15:40, 41

12. የሱስ ንኣንስቲ እንታይ ኣገዳሲ ዕዮ እዩ ሂብወን፧

12 የሱስ ንኣንስቲ ኣገዳሲ ዕዮ ሂብወን እዩ። ንኣብነት፡ ንኣምላኽ ዚፈርሃ ኣንስቲ እየን ትንሳኤኡ ብቐዳምነት ዝረኣያ። ነተን ኣንስቲ እቲአን ከኣ፡ ንሃዋርያቱ ብዛዕባ ትንሳኤኡ ኺነግራኦም ኣዚዝወን እዩ። (ማቴ. 28:5, 9, 10) ብመዓልቲ ጰንጠቈስጠ 33 ድ.ክ. ድማ፡ መንፈስ ቅዱስ ኣብ ዝፈሰሰሉ እዋን ኣንስቲ ነይረን ኪዀና ይኽእላ እየን። ከምኡ እንተ ዀይኑ፡ እተን ሓደስቲ ቕቡኣት ኣሓት ብኻልእ ቋንቋታት ናይ ምዝራብን ብዛዕባ “እቲ ዓብዪ ግብሪ ኣምላኽ” ናይ ምንጋርን ተኣምራዊ ኽእለት ተዋሂብወን ነይሩ ማለት እዩ።—ግብ. 1:14፣ 2:2-4, 11

13. ሎሚ ክርስትያን ኣሓት እንታይ ይገብራ ኣለዋ፧ ነቲ ዚገብራኦ ዅሉ ዘሎና ሞሳኸ ኸመይ ጌርና ኸነርእየን ንኽእል፧

13 ኣሓትና ስለቲ ኣብ ኣገልግሎት የሆዋ ዚገብራኦ ዘበለ ዅሉ፡ ናእዳ ይግብአን እዩ። ገለ ኻብቲ ኣገልግሎተን፡ ህንጻታት ምህናጽን ምክንኻንን፡ ንጕጅለታት ቋንቋ ወጻኢ ምድጋፍ፡ ኣብ ቤት-ኤል ወለንተኛ ዄንካ ምግልጋል የጠቓልል። ኣብ ዕዮ ረድኤት ይድግፋ፡ ጽሑፋትና ኣብ ምትርጓም ይሕግዛ፡ ፈለምትን ሚስዮናውያንን ኰይነን እውን የገልግላ እየን። ኣሓትና ኸም ኣሕዋትና፡ ኣብ ቤት ትምህርቲ ፈለምትን ኣብ ቤት ትምህርቲ ወንጌላውያን መንግስቲ ኣምላኽን ኣብ ቤት ትምህርቲ ጊልዓድን ይምሃራ እየን። ብተወሳኺ፡ ኣንስቲ ንሰብኡተን፡ ኣብ ጉባኤን ኣብ ውድብናን ከቢድ ሓላፍነት ኪስከሙ ይሕግዛኦም እየን። እዞም ሓላፍነት ዘለዎም ኣሕዋት፡ ደገፍ ኣንስቶም እንተ ዘይረኽቡ ነይሮም ከም “ውህበት ሰባት” መጠን ምሉእ ብምሉእ ኬገልግሉ ኣይምኸኣሉን ነይሮም። (ኤፌ. 4:8) እሞ ደኣ ነዘን ኣሓት እዚአን ኣብ ዕዮአን ክትድግፈሉ እትኽእል መገድታት ክትሓስብዶ ትኽእል፧

14. ጥበበኛታት ሽማግለታት ነቲ ኣብ መዝሙር 68:11 ተጠቒሱ ዘሎ ሓሳብ ኣብ ግምት ብምእታው እንታይ እዮም ዚግበሩ፧

14 ጥበበኛታት ሽማግለታት፡ ኣሓት ብፍታው ዚዓይያ “ዓብዪ ሰራዊት” ከም ዝዀና፡ ከምኡ ድማ ንፉዓት ሰበኽቲ እቲ ብስራት ከም ዝዀና የስተውዕሉ እዮም። (መዝሙር 68:11 ኣንብብ።) ስለዚ፡ ሽማግለታት ካብ ተመክሮአን ምእንቲ ኺጥቀሙ ይጽዕሩ እዮም። እታ ኣቐዲማ እተጠቕሰት ኣቢጋይል፡ ኣብቲ ንሳ ዘላቶ ኽሊ ንሰባት ንምዝርራብ ዜኽእል ውጽኢታዊ መገድታት እንታይ ምዃኑ ኣሕዋት ኪሓትትዋ ኸለዉ ትተባባዕ እያ። “እዚ ነገር እዚ፡ የሆዋ ኣብ ውድቡ ቦታ ኸም ዝሃበኒ ኽርኢ ይሕግዘኒ እዩ” ትብል። ብተወሳኺ ድማ፡ እሙናትን ብሱላትን ኣሓት ንንኣሽቱ ኣንስቲ ኣብ ጸገማተን ብዙሕ ከም ዚሕግዛአን፡ ሽማግለታት የስተውዕሉ እዮም። (ቲቶ. 2:3-5) ብርግጽ እምበኣር፡ ኣሓትና ሞሳ ይግብአን እዩ!

ንኣሓትና ተዛረበለን

15. ኣሓትና ዚዛረበለን ሰብ ዜድልየን መዓስ ኪኸውን ይኽእል፧

15 ሓድሓደ ግዜ፡ ኣሓት ፍሉይ ብድሆ ኼጋጥመን ከሎ፡ ካልእ ሰብ ኪዛረበለን የድልየን እዩ። (ኢሳ. 1:17) ንኣብነት፡ ሓንቲ መበለት ወይ ሓንቲ ፍትሕቲ ሓብቲ፡ ካልእ ሰብ ኪዛረበላ ወይ ነቲ ሰብኣያ ዚዓይዮ ዝነበረ ዕዮ ኺዓይየላ የድልያ ይኸውን። ሓንቲ ብዕድመ ዝደፍአት ሓብቲ ንሰብ ሞያ ሕክምና ዚዛረበላ የድልያ ይኸውን። ኣብ ካልእ ቲኦክራስያዊ ፕሮጀክት እትዓዪ ፈላሚት፡ ከም ካልኦት ፈለምቲ ኣብ ኣገልግሎት ብዙሕ ዘይትርአ ብምዃና እንተ ተነቒፋ ምእንታኣ ዚዛረብ ሰብ የድልያ ይኸውን። ብኻልእከ ብኸመይ ንኣሓትና ኽንሕግዘን ንኽእል፧ የሱስ ዝሓደጎ ኣብነት እስከ መሊስና ንርአ።

16. ከምቲ ኣብ ማርቆስ 14:3-9 ተጠቒሱ ዘሎ፡ የሱስ ንማርያም ብኸመይ እዩ ተጣቢቑላ፧

16 የሱስ፡ ሰባት ንመንፈሳውያን ኣሓቱ ብግጉይ ኪርድእወን ከለዉ፡ ቀልጢፉ ይዛረበለን ነይሩ እዩ። ንኣብነት፡ ማርታ ንማርያም ምስ ነቐፈታ፡ ንማርያም ተጣቢቑላ እዩ። (ሉቃ. 10:38-42) ብዘይካዚ፡ ማርያም ሕማቕ ውሳነ ኸም ዝገበረት ጌርካ ምስ ተወቕሰት፡ ካልኣይ ሳዕ ተጣቢቑላ እዩ። (ማርቆስ 14:3-9 ኣንብብ።) የሱስ ንማርያም ውሽጣዊ ድራኸኣ ተረዲኡላ ነይሩ እዩ፣ “ንሳ ሰናይ ግብሪ ገይራትለይ እያ። . . . ዚከኣላ እያ ገይራ” ኢሉ ድማ ንኢድዋ እዩ። “እዚ ብስራት እዚ ኣብ ኵላ ዓለም ኣብ እተሰብኮ ዘበለ” ሰናይ ግብራ ኸም ዚዝንቶ እውን ተነብዩ እዩ፣ እዛ ዓንቀጽ እዚኣ ኸኣ ከምኡ እያ እትገብር ዘላ። የሱስ ነቲ ዓለምለኻዊ ስፍሓት እቲ ዕዮ ስብከት ምስቲ እታ ሰበይቲ ዝገበረቶ ሰናይ ግብሪ ኣተሓሒዙ ምጥቃሱ ብሓቂ ኣገዳሲ እዩ! እዚ ቓላቱ ኸኣ ንማርያም፡ ኣደዳ ግጉይ ፍርዲ ድሕሪ ምዃና ብዙሕ ኣጸናኒዕዋ ኪኸውን ኣለዎ!

17. ንኣሓትና መዓስ ክንዛረበለን ከም እንኽእል ዜርኢ ኣብነት ሃብ።

17 እሞ ደኣ ኣድላዪ ኪኸውን ከሎ ንመንፈሳዊ ኣሓትካ ትዛረበለን ዲኻ፧ ንኣብነት፡ ነዚ ዚስዕብ እሞ ሕሰበሉ። ገሊኦም ኣስፋሕቲ፡ ዘይኣማኒ ሰብኣይ ዘለዋ ሓብቲ ናብ ኣኼባ ብዙሕ ሳዕ ደንጕያ ኸም እትመጽእን ምስ ተወድአ ቐልጢፋ ኸም እትኸይድን ይዕዘቡ። ንደቃ ሳሕቲ ኸም እተምጽኦም እውን የስተብህሉ። ስለዚ፡ ኣብ ቅድሚ እቲ ዘይኣማኒ ሰብኣያ ተሪር መትከል ስለምንታይ ከም ዘይሓዘት ጠቒሶም ኪነቕፍዋ ትሰምዕ። ከም ሓቂ ግና፡ እታ ሓብቲ ዚከኣላ እያ እትገብር ዘላ። መደባታ ምሉእ ብምሉእ ክትቈጻጸሮ ኣይትኽእልን እያ፣ ብዛዕባ ደቃ ናይ መወዳእታ ውሳነ ኽትገብር እውን ኣይትኽእልን እያ። እሞ ደኣ ንስኻ እንታይ ክትገብር ትኽእል፧ ነታ ሓብቲ እቲኣ እንተ ንኢድካያን ጽቡቕ ትጽዕር ከም ዘላ ንኻልኦት እንተ ጠቒስካሎምን፡ ነቲ ኣሉታዊ ዘረባ ደው ከተብሎ ትኽእል ትኸውን።

18. ንኣሓትና ብምንታይ ካልእ መገድታት ኢና ኽንሕግዘን እንኽእል፧

18 ብግብሪ ሓገዝ ብምሃብ፡ ንኣሓትና ኽሳዕ ክንደይ ከም እንሓልየለን ከነርእየን ንኽእል ኢና። (1 ዮሃ. 3:18) ንዝሓመመት ኣዲኣ እትኣሊ ኣነት ዝስማ ሓብቲ፡ “ገሊኦም ኣሕዋትን ኣሓትን ኬብርዩኒ ይመጹ፡ ወይ ምግቢ የምጽኡለይ እዮም። ስለዚ ኸኣ ከም ዚፍቶን ክፍሊ ጉባኤ ኸም ዝዀንኩን ኰይኑ ይስምዓኒ እዩ” ትብል። ጆርዳን እውን ካብ ካልኦት ሓገዝ ረኺባ እያ። ሓደ ሓው፡ ንማኪናኣ ብኸመይ ከም እትሕዛ ሓሳባት ሂብዋ እዩ። ንሳ ድማ፡ “ኣሕዋተይን ኣሓተይን ብዛዕባ ድሕንነተይ ከም ዚግደሱ ምፍላጠይ ጽቡቕ እዩ” ትብል።

19. ሽማግለታት ንኣሓት ብምንታይ ተወሳኺ መገድታት እዮም ኪሕግዝወን ዚኽእሉ፧

19 ሽማግለታት ንኣሓት ንምክንኻን ኪጽዕሩ ኣለዎም። ንኣሓት ዚሕዙሉ መገዲ ንየሆዋ ኸም ዜገድሶ ይፈልጡ እዮም። (ያእ. 1:27) ስለዚ፡ ሕድገታት ኪገብሩሉ ኣብ ዚግባእ እዋን ዝርዝር ሕግታት ብዘይምውጻእ፡ ከም የሱስ ሚዛናውያን ኪዀኑ ይጽዕሩ እዮም። (ማቴ. 15:22-28) ብተበግሶኦም ሓገዝ ዚህቡ ሽማግለታት፡ ንኣሓት ደጋፊ ኸም ዘለወን ኰይኑ ኸም ዚስምዐን ይገብሩ እዮም። ኪያ ገዛ ኸም እትቕይር ሓላው ጕጅለኣ ምስ ፈለጠ፡ ንምሕጋዛ ብኡብኡ እዩ መሰናድዎ ገይሩ። ብዛዕባ እዚ ድማ ኪያ ኸምዚ ትብል፦ “ብዙሕ ውጥረት እዩ ነክዩለይ። ሽማግለታት ብዜተባብዕ ቃላትን ብግብራዊ ሓገዝን ኣቢሎም፡ ኣገዳሲት ክፍሊ እታ ጉባኤ ምዃነይን ጸገማት ኬጋጥመኒ ኸሎ በይነይ ዘይምዃነይን ብንጹር ኣርእዮምኒ እዮም።”

ኵለን መንፈሳውያን ኣሓትና፡ ደገፍና የድልየን

20-21. ንዅለን ክርስትያን ኣሓትና ኣኽቢርና ኸም እንርእየን ከመይ ጌርና ኸነርኢ ንኽእል፧

20 ሎሚ ኣብ ጉባኤታትና፡ ደገፍና ዚግብአን ብዙሓት ትጉሃት ክርስትያን ደቂ ኣንስትዮ ንርኢ ኢና። ከምቲ ኻብ ኣብነት የሱስ እተምሃርናዮ፡ ምሳታተን ግዜ እንተ ኣሕሊፍናን እንተ ፈሊጥናየንን፡ ክንሕግዘን ንኽእል ኢና። ነቲ ኣብ ኣገልግሎት ኣምላኽ ዝገበራኦ ድማ ሞሳና ኸነርእየን ንኽእል ኢና። ኣድላዪ ኣብ ዝዀነሉ እዋን ከኣ ክንዛረበለን ንኽእል ኢና።

21 ሃዋርያ ጳውሎስ ኣብ መወዳእታ እታ ናብ ሮሜ ዝጸሓፋ መልእኽቱ፡ ትሽዓተ ክርስትያን ኣንስቲ ፈልዩ ጠቒሱ ኣሎ። (ሮሜ 16:1, 3, 6, 12, 13, 15) እተን ኣንስቲ እቲአን፡ ነቲ ሰላምታኡን ናእዳኡን ብምስማዐን ብርግጽ ተተባቢዐን ኪዀና ኣለወን። ንሕና እውን ብተመሳሳሊ ኣብ ጉባኤና ንዘለዋ ኣሓት ንደግፈን። በዚ ኸምዚ፡ ከም ክፍሊ መንፈሳዊ ስድራ ቤትና ጌርና ኣኽቢርና ኸም እንሕዘን ከነርኢ ኢና።

መዝሙር 136 ካብ የሆዋ፡ ‘ዓስብኻ ምሉእ ይኹን’

^ ሕ.ጽ. 5 ክርስትያን ኣንስቲ ብዙሕ ጸገማት የጋጥመን እዩ። እዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ኣብነት የሱስ ብምስዓብ ንመንፈሳውያን ኣሓትና ኸመይ ጌርና ኸም እንድግፈን ትገልጽ። ካብቲ የሱስ ምስ ኣንስቲ ግዜ ዘሕለፈሉን ንዓታተን ዘማሰወሉን ምእንታአን እተዛረበሉን ኣጋጣሚታት ክንምሃር ንኽእል ኢና።

^ ሕ.ጽ. 5 ገሊኡ ስማት ተቐይሩ እዩ።

^ ሕ.ጽ. 6 ሓደ መወከሲ ጽሑፍ ከምዚ ይብል፦ “ደቀ መዛሙርቲ ኣብ እግሪ መምህራኖም እዮም ዚቕመጡ ነይሮም። ቁም ነገረኛታት ደቀ መዛሙርቲ፡ መምህራን ንምዃን ይዳለዉ ነይሮም እዮም፣ እዚ ድማ ንደቂ ኣንስትዮ ዘይፍቀድ እዩ ነይሩ። . . . ማርያም ነቲ ብልምዲ ንኣንስቲ እተዋህበ ዕዮ ሓዲጋ . . . ኣብ እግሪ የሱስ ምቕማጣን ኪምህር ከሎ ኽትሰምዖ ህንጥይቲ ምዃናን፡ ንብዙሓት ኣይሁድ ሰብኡት መሰምበዶም ነይሩ።”

^ ሕ.ጽ. 9 ሽማግለታት ንኣሓት ኪሕግዝወን ከለዉ ግቡእ ጥንቃቐ ኺገብሩ ኣለዎም። ንኣብነት፡ ንሓንቲ ሓብቲ ንምብጻሕ በይኖም ኪኸዱ የብሎምን።

^ ሕ.ጽ. 65 መግለጺ ስእሊ፦ ኣብነት እቲ የሱስ ንእሙናት ኣንስቲ ዘርኣየን ተገዳስነት ብምስዓብ፡ ሓደ ሓው ንኽልተ ኣሓት ጎማ ማኪናአን ይቕይረለን፡ ካልኣይ ሓው ብዕድመ ንዝደፍአት ሓብቲ ይበጽሓ፡ ሳልሳይ ሓው ከኣ ንሱን ሰበይቱን ምስ ሓንቲ ሓብትን ጓላን ኣምልኾ ስድራ ቤት ንምግባር ነታ ሓብቲ ይኸድዋ።