ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ዓንቀጽ መጽናዕቲ 40

“ነቲ እተዋህበካ ሕድሪ ሓልዎ”

“ነቲ እተዋህበካ ሕድሪ ሓልዎ”

ኦ ጢሞቴዎስ፡ . . . ነቲ እተዋህበካ ሕድሪ ሓልዎ።”—1 ጢሞ. 6:20

መዝሙር 29 ከም ስምና ኽንነብር ሓግዘና

መላለዪ *

1-2. ብመሰረት 1 ጢሞቴዎስ 6:20፡ ጢሞቴዎስ እንታይ እዩ ተዋሂብዎ፧

ብዙሕ ግዜ ንጥሪትና ብሕድሪ ንኻልኦት ንህቦም ኢና። ንኣብነት፡ ገንዘብና ኣብ ባንክ ነቐምጦ ኢና። ከምኡ ኽንገብር ከለና፡ ገንዘብና ኣብ ውሑስ ቦታ ኪቕመጥ ደኣ እምበር፡ ኪጠፍእ ወይ ኪስረቕ ኣይንጽበን ኢና። እዚ ምሳሌ እዚ፡ ነቲ ኽቡር ጌርና እንርእዮ ነገር ንኻልእ ብሕድሪ ምሃብ እንታይ ማለት ምዃኑ የነጽረልና እዩ።

2 ቀዳማይ ጢሞቴዎስ 6:20 ኣንብብ። ሃዋርያ ጳውሎስ ንጢሞቴዎስ፡ ሓደ ኽቡር ነገር፡—ማለት ልክዕ ፍልጠት እቲ ኣምላኽ ንደቂ ሰብ ዘለዎ ዕላማ፡—ከም እተዋህቦ ኣዘኻኺርዎ እዩ። ብዘይካዚ፡ ጢሞቴዎስ ‘ነቲ ቓል ኪሰብኽ፡’ ‘ግብሪ ወንጌላዊ እውን ኪገብር’ ሕድሪ ተዋሂብዎ እዩ። (2 ጢሞ. 4:2, 5) ጳውሎስ ንጢሞቴዎስ ነቲ እተዋህቦ ሕድሪ ኺሕልዎ ተማሕጺንዎ እዩ። ንሕና እውን ከም ጢሞቴዎስ፡ ክቡር ነገራት ብሕድሪ ተዋሂቡና ኣሎ። እዚ እንታይ እዩ፧ ነቲ የሆዋ ዝሃበና ኽቡር ነገራት ክንሕልዎ ዘሎናኸ ስለምንታይ ኢና፧

ብሕድሪ እተዋህበና ኽቡር ሓቅታት

3-4. ሓቅታት መጽሓፍ ቅዱስ ክቡር ዝዀነሉ ገለ ምኽንያታት እንታይ እዩ፧

3 የሆዋ፡ ልክዕ ፍልጠት እቲ ኣብ ቃሉ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ክቡር ሓቅታት ብለውሃት ሂቡና ኣሎ። እዚ ሓቅታት እዚ ምስ የሆዋ ጽቡቕ ርክብ ብኸመይ ከም ዚህልወና ስለ ዚምህረናን ኣብ ህይወት ናይ ሓቂ ሓጐስ ብኸመይ ከም እንረክብ ስለ ዚገልጸልናን፡ ክቡር እዩ። ነዚ ሓቅታት እዚ እንተ ተቐቢልናዮን ብእኡ እንተ ተመላሊስናን፡ ካብ ባርነት ናይ ሓሶት ትምህርትታትን ዘይስነ ምግባራውነትን ናጻ ንኸውን ኢና።—1 ቈረ. 6:9-11

4 ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ ሓቅታት ክቡር ዝዀነሉ ኻልእ ምኽንያት ከኣ፡ የሆዋ ነቶም ናብ ናይ ዘለኣለም ህይወት “ዘንቀዱ” ትሑታት ጥራይ ስለ ዚገልጾ እዩ። (ግብ. 13:48) እዞም ውልቀ ሰባት እዚኦም ነቲ ንሱ ሎሚ ነዚ ሓቅታት እዚ ንምዕዳል ዚጥቀመሉ መትረብ ይቕበልዎ እዮም። (ማቴ. 11:25፣ 24:45) ነዚ ሓቅታት እዚ ባዕልና ኽንፈልጦ ኣይንኽእልን ኢና፣ ምስዚ ሓቅታት እዚ ዚወዳደር ድማ የልቦን።—ምሳ. 3:13, 15

5. የሆዋ እንታይ ተወሳኺ ነገር እዩ ብሕድሪ ሂቡና ዘሎ፧

5 የሆዋ ብዛዕባኡን ብዛዕባ ዕላማኡን ንሰባት ሓቂ ናይ ምምሃር ፍሉይ መሰል እውን ብሕድሪ ሂቡና እዩ። (ማቴ. 24:14) እቲ እነብጽሖ መልእኽቲ ንሰባት ክፍሊ ስድራ ቤት የሆዋ ኪዀኑ ስለ ዜኽእሎምን ናይ ዘለኣለም ህይወት ኪረኽቡ ኣጋጣሚ ስለ ዚኸፍተሎምን፡ ኣዝዩ ኽቡር እዩ። (1 ጢሞ. 4:16) ኣብዚ ኣገልግሎት እዚ ዘሎና ብሕታዊ እጃም ዓብዪ ይኹን ንእሽቶ፡ ነቲ ኣብዚ ግዜ እዚ ዚግበር ልዕሊ ዅሉ ኣገዳሲ ዕዮ ኢና እንድግፍ ዘለና። (1 ጢሞ. 2:3, 4) መዓይይቲ ኣምላኽ ምዃንሲ ኸመይ ዝበለ ኽብሪ ዀን እዩ!—1 ቈረ. 3:9

ነቲ እተዋህበካ ኣጽኒዕካ ሓዞ!

ካልኦት ካብ ሓቂ ኼላግሱ ኸለዉ፡ ጢሞቴዎስ ኣብ ሓቂ ኺጸንዕ ነይርዎ (ሕጡብ ጽሑፍ 6 ርአ)

6. ገሊኦም ዘይተጠንቀቑ ክርስትያናት እንታይ እዩ ኣጋጢምዎም፧

6 ገሊኦም ብግዜ ጢሞቴዎስ ዝነበሩ ክርስትያናት፡ መዓይይቲ ኣምላኽ ናይ ምዃን ፍሉይ መሰሎም ኣኽቢሮም ኣይረኣይዎን። ንኣብነት፡ ዴማስ ንስርዓት ዓለም ስለ ዝፈተወ፡ ነቲ ምስ ጳውሎስ ናይ ምግልጋል ፍሉይ መሰል ሓዲግዎ ኸይዱ እዩ። (2 ጢሞ. 4:10) ፍጌሎስን ሄርሞጌኔስን ከኣ እቲ ንጳውሎስ ዘጋጠሞ መስጐጕቲ ስለ ዘፍርሆም፡ ንኣገልግሎቶም ዝሓደግዎ እዮም ዚመስሉ። (2 ጢሞ. 1:15) ሄሜኔዎስን እስክንድሮስን ፊሌጦስን ድማ ከሓድቲ ብምዃኖም ካብ ሓቂ ወጺኦም እዮም። (1 ጢሞ. 1:19, 20፣ 2 ጢሞ. 2:16-18) ኵሎም እዞም ሰባት እዚኦም ብመንፈሳዊ መዳይ ድልዱላት ነይሮም ኪዀኑ ኣለዎም፣ ኰይኑ ግና፡ ብዛዕባ እቲ ብሓቂ ኽቡር ዝዀነ ነገራት ዝነበሮም ኣረኣእያ ኣጥፊኦም እዮም።

7. ሰይጣን ንዓና ንምጥቃዕ እንታይ ስልትታት ይጥቀም ኣሎ፧

7 ሰይጣን ነቲ የሆዋ ብሕድሪ ዝሃበና ኽቡር ነገራት ከም እንሓድጎ ዚገብር ብኸመይ እዩ፧ ገለ ኻብቲ ሰይጣን ዚጥቀመሉ ስልትታት እስከ ንርአ። ንኣብነት፡ ብመዘናግዕን ብመራኸቢ ብዙሓንን ገይሩ ነቲ ጨቢጥናዮ ዘለና ሓቂ ኸም እንፍንዎ ዚገብር መትከላትን ኣተሓሳስባን ጠባያትን ይነዝሕ ኣሎ። ስብከትና ደው ምእንቲ ኸነብል ኢሉ ኸኣ፡ ብጸቕጢ መዛኑ ወይ ብመስጐጕቲ ገይሩ ኼፈራርሃና ይፍትን ኣሎ። ንሓቂ ምእንቲ ኽንሓድጋ ኢሉ እውን፡ ነቲ “ብሓሶት ‘ፍልጠት’ ዚብሃል” መልእኽቲ ኸሓድቲ ኼስምዓና ይፍትን ኣሎ።—1 ጢሞ. 6:20, 21

8. ካብ ተመክሮ ሓደ ዳንኤል እተባህለ ሓው እንታይ ትምሃር፧

8 እንተ ዘይተጠንቂቕና፡ በብቝሩብ ነቲ ሒዝናዮ ዝነበርና ሓቂ ኽንፍንዎ ንኽእል ኢና። ተመክሮ ሓደ ጸወታታት ቪድዮ ዚፈቱ ዳንኤል * እተባህለ ሰብ እስከ ንርአ። ንሱ ኸምዚ ይብል፦ “ወዲ ዓሰርተ ዓመት ኣቢለ ኻብ ዝኸውን ኣትሒዘ፡ ጸወታታት ቪድዮ ኽጻወት ጀሚረ። ኣብ ፈለማ፡ ብተዛማዲ ብዙሕ ጕድኣት ዘይብሉ ጸወታታት እየ ዝጻወት ነይረ። በብቝሩብ ግና ዓመጻን ኣጋንንታዊ ተግባራትን ዘለዎ ጸወታታት ክጻወት ጀሚረ።” በዚ ኸምዚ፡ ዳንኤል ኣብ መዓልቲ 15 ሰዓት ጸወታታት ኣብ ምጽዋት ኬሕልፎ ጀሚሩ። ኣስዕብ ኣቢሉ ድማ ከምዚ ይብል፦ “እቲ ዝጻወቶ ጸወታታት እንታይ ዓይነት ምዃኑን እቲ ንዕኡ ንምጽዋት ዘሕልፎ ግዜ ኻብ የሆዋ የርሕቐኒ ኸም ዘሎን ኣብ ውሽጠይ ይፍለጠኒ ነይሩ። ኰይኑ ግና፡ ልበይ ስለ ዝተረረ፡ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ንዓይ ከም ዘይምልከተኒ ገይረ እኣምን ነይረ።” መዘናግዒ ዜሕድሮ ስዉር ጽልዋ፡ ብቐሊሉ ንሓቂ ኣጽኒዕና ኸም ዘይንሕዛ ኺገብረና ይኽእል እዩ። ከምኡ ኪኸውን እንተ ፈቒድና፡ ውዒልና ሓዲርና ነቲ የሆዋ ዝሃበና ኽቡር ነገራት ክንሓድጎ ንኽእል ኢና።

ንሓቂ ኸመይ ጌርና ኣጽኒዕና ንሕዛ፧

9. ብመሰረት 1 ጢሞቴዎስ 1:18, 19፡ ጳውሎስ ንጢሞቴዎስ ምስ መን እዩ ኣመሳሲልዎ፧

9 ቀዳማይ ጢሞቴዎስ 1:18, 19 ኣንብብ። ጳውሎስ ንጢሞቴዎስ ምስ ወተሃደር ኣመሳሲልዎ እዩ፣ ‘ጽቡቕ ውግእ ኪዋጋእ’ እውን ተማሕጺንዎ እዩ። እቲ ውግእ እቲ፡ ቃል ብቓሉ ዘይኰነስ፡ መንፈሳዊ ውግእ እዩ። እሞ ደኣ ክርስትያናት ኣብ ኲናት ከም ዘለዉ ወተሃደራት ዝዀኑ ብኸመይ እዮም፧ ከም ወተሃደራት ክርስቶስ መጠን እንታይ ባህርያት ኢና ኸነማዕብል ዘሎና፧ ካብቲ ጳውሎስ እተጠቕመሉ ምሳሌ ኽንምሃሮ እንኽእል ሓሙሽተ ትምህርትታት እስከ ንርአ። እዚ ትምህርትታት እዚ፡ ንሓቂ ኣጽኒዕና ኽንሕዛ ይሕግዘና እዩ።

10. ንኣምላኽ ዘሎና ተወፋይነት እንታይ እዩ፧ ስለምንታይከ እዩ ዜድልየና፧

10 ንኣምላኽ ተወፋይነት ይሃሉኻ። ንፉዕ ወተሃደር እሙን እዩ። ንዚፈትዎ ሰብ ወይ ንዜኽብሮ ነገር ንምዕቋብ ብርቱዕ ቃልሲ ይቃለስ እዩ። ጳውሎስ ንጢሞቴዎስ፡ ንኣምላኽ ተወፋይነት ኪህልዎ፡ ማለት ንኣምላኽ እሙን ኪኸውን ኣተባቢዕዎ እዩ። (1 ጢሞ. 4:7) ንኣምላኽ ዘሎና ፍቕርን ተወፋይነትን እናዓመቘ ብዝኸደ መጠን፡ ንሓቂ ኣጽኒዕና ንምሓዝ ዝያዳ ባህጊ እዩ ዚህልወና።—1 ጢሞ. 4:8-10፣ 6:6

ምሉእ መዓልቲ ኣብ ስራሕ ሃለኽለኽ ክንብል ምስ ወዓልና፡ ኣብ ኣኼባ ንምእካብ ገዛእ ርእስና ኸነገድድ ኣሎና። ግናኸ፡ ከምኡ እንተ ጌርና፡ ንባረኽ ኢና! (ሕጡብ ጽሑፍ 11 ርአ)

11. ስለምንታይ እዩ ርእሰ ተግሳጽ ዜድልየና፧

11 ርእሰ ተግሳጽ ኣማዕብል። ወተሃደር ንግዴታኡ ብቑዕ ኰይኑ ንምጽናሕ፡ ርእሱ ዚግስጽ ኪኸውን ኣለዎ። ጢሞቴዎስ ነቲ ጳውሎስ ብመንፈስ ተደሪኹ ኻብ ትምኒት ንእስነት ኪሃድምን ኣምላኻዊ ባህርያት ኪስዕብን ምስ ክርስትያናት ብጾቱ ኺሓብርን ዝሃቦ ምኽሪ ስለ ዝሰዓበ፡ ብመንፈሳዊ መዳይ ብቑዕ እዩ ነይሩ። (2 ጢሞ. 2:22) እዚ ርእሰ ተግሳጽ ይሓትት እዩ። ኣብቲ ምስ ስጋዊ ትምኒትና እንገብሮ ውግእ ንምዕዋት፡ ርእስና ኽንግስጽ ኣሎና። (ሮሜ 7:21-25) ብተወሳኺ ድማ፡ ብቐጻሊ ነቲ ኣረጊት ስብእናና ቐንጢጥና ሓድሽ ስብእና ንምልባስ፡ ርእስና ኽንግስጽ ኣሎና። (ኤፌ. 4:22, 24) ብዘይካዚ እውን፡ ምሉእ መዓልቲ ሃለኽለኽ ክንብል ምስ ወዓልና፡ ኣብ ኣኼባ ንምእካብ ገዛእ ርእስና ኸነገድድ ኣሎና።—እብ. 10:24, 25

12. ነቲ ንመጽሓፍ ቅዱስ እንጥቀመሉ መገዲ ብኸመይ ከነመሓይሾ ንኽእል፧

12 ወተሃደር ንኣጽዋሩ ብኸመይ ከም ዚጥቀመሉ ኺለማመድ የድልዮ እዩ። ክእለቱ ንምምዕባል፡ ኣዘውቲሩ ልምምድ ኪገብር የድልዮ እዩ። ንሕና እውን ብተመሳሳሊ፡ ቃል ኣምላኽ ብቕኑዕ ናይ ምጥቃም ክእለት ከነጥሪ ኣሎና። (2 ጢሞ. 2:15) ገለ ኻብዚ ኽእለታት እዚ፡ ኣብ ኣኼባታትና ኽንምሃሮ ንኽእል ኢና። ሓቂ መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ ኣገዳሲ ምዃኑ ንሰባት ከነእምኖም እንተ ዄንና ግና፡ ስሩዕ ብሕታዊ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ክንገብር ኣሎና። እምነትና ንምድልዳል፡ ንቓል ኣምላኽ ክንጥቀመሉ ኣሎና። ከምዚ ንገብር ኪብሃል ከሎ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ምንባብ ጥራይ እተደረተ ኣይኰነን። የግዳስ፡ ነቲ ዘንበብናዮ ኸነስተንትነሉ ኣሎና፣ ነቲ ጥቕስታት ብቕኑዕ ምእንቲ ኽንርድኦን ኣወዓዕላኡ ምእንቲ ኽንገልጽን ከኣ፡ ኣብ ጽሑፋትና ምርምር ክንገብር ኣሎና። (1 ጢሞ. 4:13-15) ከምኡ ድሕሪ ምግባርና፡ ብቓል ኣምላኽ ጌርና ንኻልኦት ክንምህር ንኽእል ኢና። እዚ እውን፡ ጥቕሲ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ምንባብ ጥራይ እተደረተ ኣይኰነን። የግዳስ፡ ንሰማዕትና ነቲ ጥቕስታት ከነብርሃሎምን ብኸመይ ከም ዚትግብርዎ ከነረድኦምን ኣሎና። ስሩዕ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ ብምግባር፡ በቲ ብድራኸ መንፈስ ኣምላኽ እተጻሕፈ ቓል ጌርና ንኻልኦት ናይ ምምሃር ክእለትና ኸነመሓይሽ ንኽእል ኢና።—2 ጢሞ. 3:16, 17

13. ብመሰረት እብራውያን 5:14፡ ኣስተውዓልቲ ኽንከውን ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

13 ኣስተውዓሊ ኹን። ወተሃደር ንሓደጋ ብኣጋኡ ኣለልዩ፡ ካብኡ ኺርሕቕ ኣለዎ። ንሕና እውን ኪጐድኣና ዚኽእል ኵነታት ኣለሊና፡ ካብቲ ሓደጋ ኽንርሕቕ ኣሎና። (ምሳ. 22:3፣ እብራውያን 5:14 ኣንብብ።) ንኣብነት፡ መዘናግዒና ብጥበብ ክንመርጽ ኣሎና። መደባት ተለቪዥንን ፊልምታትን ብዙሕ ግዜ ብዕሉግ ኣካይዳ እዩ ዜርኢ። እዚ ኣካይዳ እዚ ኸኣ ንኣምላኽ የጕህዮ እዩ፡ ውዒሉ ሓዲሩ እውን ይጐድኣና እዩ። ስለዚ፡ ነቲ ንኣምላኽ ዘሎና ፍቕሪ በብቝሩብ ኬዳኽም ካብ ዚኽእል መዘናግዒ ንርሕቕ ኢና።—ኤፌ. 5:5, 6

14. ምስትውዓል ንዳንኤል ዝሓገዞ ብኸመይ እዩ፧

14 እቲ ኣቐዲሙ እተጠቕሰ ዳንኤል፡ ዓመጻን ኣጋንንታዊ ተግባርን ዘለዎ ጸወታታት ቪድዮ ምጽዋት ጸገም ከም ዝዀነ ኼስተውዕል ጀመረ። ነቲ ጸገም እቲ ንምፍታሕ ከኣ፡ ኣብ ዎችታወር ላይብረሪ ሓጋዚ ሓበሬታ ንምርካብ ምርምር ገበረ። እሞኸ እዚ ብኸመይ ጸለዎ፧ ዘይግቡእ ጸወታታት ቪድዮ ምጽዋት ሓደጎ። ነቲ ብኦንላይን እተመዝገቦ ጸወታታት ሰረዞ፡ ምስ ካልኦት ተጻወትቲ ዘለዎ ርክብ ድማ በተኾ። ዳንኤል ብዛዕባ እዚ ኺገልጽ ከሎ፡ “ጸወታታት ቪድዮ ኣብ ክንዲ ዝጻወት፡ ኣብ ግዳም ኣብ ዚግበር ንጥፈታት ወይ ምስ ደቂ ጉባኤና ግዜ ኸሕልፍ ጀሚረ” ይብል። ሕጂ ዳንኤል ፈላምን ሽማግለን ኰይኑ የገልግል ኣሎ።

15. ናይ ሓሶት ወረ ሓደገኛ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

15 ብዘይካዚ፡ ከምቲ ጢሞቴዎስ ንኸሓድቲ እተጠንቀቐሎም፡ ንሕና እውን እቲ ኸሓድቲ ዚዝርግሕዎ ናይ ሓሶት ሓበሬታ ሓደገኛ ምዃኑ ኸነስተውዕል ኣሎና። (1 ጢሞ. 4:1, 7፣ 2 ጢሞ. 2:16) ንኣብነት፡ ከሓድቲ ብዛዕባ ኣሕዋትና ናይ ሓሶት ወረ ኺነዝሑ ወይ ብዛዕባ ውድብ የሆዋ ጥርጣረታት ኬላዕሉ ይፍትኑ ይዀኑ። ከምዚ ዝኣመሰለ ግጉይ ሓበሬታ፡ ንእምነትና ኼዳኽማ ይኽእል እዩ። በዚ ፕሮፓጋንዳ ኽንዕሾ የብልናን። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ፡ “እቶም ኣእምሮኦም እተበላሸወን ሓቂ ዝሓረሞምን” እዮም ነዚ ዓይነት ወረ እዚ ዚነዝሑ። ሸቶኦም ከኣ ‘ክትዕን ክርክርን’ ምጅማር እዩ። (1 ጢሞ. 6:4, 5) ንሕሜቶም ክንኣምኖ እሞ ብዛዕባ ኣሕዋትና ጥርጣረ ኸነሕድር እዮም ዚደልዩና።

16. ኣቓልቦና ኺሰርቕ ካብ ዚኽእል እንታይ ነገራት ኢና ኽንርሕቕ ዘሎና፧

16 ኣቓልቦኻ ኻብ ዚሰርቕ ነገራት ርሓቕ። ጢሞቴዎስ “ንፉዕ ወተሃደር ክርስቶስ የሱስ” ስለ ዝነበረ፡ ብዓለማዊ ወይ ብፍቕረ ንዋያዊ ነገራት ኣቓልቦኡ ኣብ ክንዲ ዚስረቕ፡ ኣብ ኣገልግሎቱ እዩ ዜተኵር ነይሩ። (2 ጢሞ. 2:3, 4) ንሕና እውን ኣብነት ጢሞቴዎስ ብምስዓብ፡ ንስጋዊ ነገራት ብዘሎና ትምኒት ኣቓልቦና ኺስረቕ ከነፍቅድ የብልናን። “ምትላል ሃብቲ” ነቲ ንየሆዋ ዘሎና ፍቕርን ንቓል ኣምላኽ ዘሎና ሞሳን ንኻልኦት ንምንጋር ዘሎና ድሌትን ኪሓንቆ ይኽእል እዩ። (ማቴ. 13:22) ህይወትና ቐሊል ክንገብር፡ ብግዜናን ብጕልበትናን ተጠቒምና ኸኣ ‘ቅድም መንግስቲ ኣምላኽ ብቐጻሊ ኽንደሊ’ ኣሎና።—ማቴ. 6:22-25, 33

17-18. ካብ መንፈሳዊ ጕድኣት ንምርሓቕ እንታይ ክንገብር ንኽእል፧

17 ብቕልጡፍ ስጕምቲ ንምውሳድ ተዳሎ። ወተሃደር ብኸመይ ስጕምቲ ኸም ዚወስድ፡ ኣቐዲሙ ኺምድብ ኣለዎ። ነቲ የሆዋ ብሕድሪ ዝሃበና ነገራት ክንሕልዎ እንተ ዄንና፡ ሓደጋ ኽንርኢ ኸለና ቕልጡፍ ስጕምቲ ኽንወስድ ኣሎና። ብፍጥነት ስጕምቲ ንምውሳድ እንታይ ኪሕግዘና ይኽእል፧ ዜስግእ ነገር ኣብ ዜጋጥመና እዋን እንታይ ከም እንገብር ኣቐዲምና ኽንምድብ ኣሎና።

18 ነዚ ብምሳሌ ንምብራህ፦ ሰባት ኣብ ዚእከቡሉ ኸም ሲነማ ዝኣመሰለ ቦታታት፡ እቲ መደብ ቅድሚ ምጅማሩ፡ እቶም ተኣከብቲ ኣብ ቀረባ ዚርከብ መውጽኢ ኼስተብህሉሉ ይንገሮም እዩ። ስለምንታይ፧ ህጹጽ ኵነታት ምስ ዚፍጠር፡ ቀልጢፎም ምእንቲ ኺወጹ እዩ። ንሕና እውን ብተመሳሳሊ ኢንተርነት ክንጥቀም ከለና ወይ ከኣ ፊልምን መደብ ተለቪዥንን ክንርኢ ኸለና፡ ብዕሉግ ትርኢት፡ ዓመጻ ዝመልኦ ምስሊ፡ ወይ ክሕደት ዘለዎ መልእኽቲ ምስ ዜጋጥመና፡ በየናይ “መውጽኢ” ኸም እንወጽእ ኣቐዲምና ተዳሊና ኽንጸንሕ ንኽእል ኢና። ነቲ ኼጋጥመና ዚኽእል ነገር እንተ ተዳሊናሉ፡ ካብ መንፈሳዊ ጕድኣት ቀልጢፍና ኸነምልጥን ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ የሆዋ ንጹሃት ክንከውንን ንኽእል ኢና።—መዝ. 101:3፣ 1 ጢሞ. 4:12

19. ነቲ የሆዋ ዝሃበና ኽቡር ነገራት እንተ ሓሊናዮ፡ እንታይ በረኸት ኢና እንረክብ፧

19 ነቲ የሆዋ ዝሃበና ኽቡር ነገራት፡ ማለት ነቲ ኽቡር ሓቅታት መጽሓፍ ቅዱስን ነዚ ሓቅታት ንሰባት ናይ ምምሃር ፍሉይ መሰልን ክንሕልዎ ኣሎና። ከምኡ እንተ ጌርና፡ ንጹህ ሕልናን ናይ ሓቂ ትርጉም ዘለዎ ህይወትን ንሰባት ብዛዕባ የሆዋ ብምምሃር ዚርከብ ሓጐስን ክንረክብ ኢና። ብሓገዝ የሆዋ ኸኣ፡ ነቲ እተዋህበና ሕድሪ ኽንሕልዎ ኢና።—1 ጢሞ. 6:12, 19

መዝሙር 127 ከመይ ዝበልኩ እየ ክኸውን ዚግብኣኒ!

^ ሕ.ጽ. 5 ሓቂ ስለ ዝፈለጥናን ነዚ ንኻልኦት ክንምህሮም ስለ እንኽእልን፡ ዓብዪ መሰል ረኺብና ኣለና። እዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ነዚ ፍሉይ መሰል እዚ ኣጽኒዕና ኽንሕዞን ከቶ ኸይንሓድጎን ትሕግዘና።

^ ሕ.ጽ. 8 ስም ተቐዪሩ እዩ።