ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ጆሴፍ ራዘርፎርድን ካልኦት ኣሕዋትን ናብ ኤውሮጳ ኸዱ

1920—ቅድሚ ሚእቲ ዓመት

1920—ቅድሚ ሚእቲ ዓመት

ኣብ መጀመርታ 1920ታት፡ ህዝቢ የሆዋ ነቲ ዚጽበዮም ዝነበረ ዕዮ ተዳልዮም ነበሩ። ን1920 ተሓርያ ዝነበረት ጥቕሲ ዓመት ከኣ፡ “ሓይለይን መዝሙረይን እግዚኣብሄር እዩ” እትብል እያ ነይራ።—መዝ. 118:14ትርጉም 1956።

የሆዋ ብርግጽ ነቶም ህንጡያት ሰበኽቲ ኣበርቲዕዎም እዩ። ኣብታ ዓመት እቲኣ፡ ብዝሒ እቶም ኮልፖርተር ዚብሃሉ ዝነበሩ ፈለምቲ ኻብ 225 ናብ 350 ወሰኸ። ንፈለማ ግዜ ኸኣ፡ ልዕሊ 8,000 ኣስፋሕቲ ናብቲ ቐንዲ ቤት ጽሕፈት ጸብጻብ ንጥፈታቶም ለኣኹ። የሆዋ ድማ ጽቡቕ ምላሽ ከም ዚረኽቡ ብምግባር፡ ባረኾም።

ዜደንቕ ቅንኣት ኣርኣዩ

ብ21 መጋቢት 1920፡ እቲ ኣብቲ ግዜ እቲ ኣብ ተምሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ መሪሕ ግደ ዝነበሮ ጆሴፍ ራዘርፎርድ፡ “ሕጂ ብህይወት ዘለዉ ሚልዮናት ፈጺሞም ኣይኪሞቱን እዮም” ዘርእስቱ መደረ ኣቕረበ። ሽዑ፡ እቶም ተምሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ንግዱሳት ንምዕዳም፡ ብዙሕ ጸዓሩ። ኣብ ከተማ ኒው ዮርክ ዚርከብ ዓብዪ ኣዳራሽ ተኻረዩ፡ ኣስታት 320,000 ወረቐት ዕድመ እውን ዓደሉ።

ኣብ ጋዜጣ ዝወጸ ምልክታ እቲ “ሕጂ ብህይወት ዘለዉ ሚልዮናት ፈጺሞም ኣይኪሞቱን እዮም” ዘርእስቱ መደረ

እዚ ድማ ካብቲ ትጽቢት እተገብረሉ ንላዕሊ ተቐባልነት ረኸበ። ኣብቲ ኣዳራሽ ልዕሊ 5,000 ሰባት ተኣከቡ፣ ኣስታት 7,000 እውን ቦታ ስኢኖም ተመልሱ። መጽሔት ግምቢ ዘብዐኛ ነቲ ኣኼባ እቲ፡ “ሓደ ኻብቲ ኣህጉራውያን ተምሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ዝገበርዎ ኣዝዩ ዕዉት ኣኼባ” ኢላ ገሊጻቶ እያ።

እቶም ተምሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ሕጂ ብህይወት ዘለዉ ሚልዮናት ፈጺሞም ኣይኪሞቱን እዮም” ኢሎም ብምእዋጅ ፍሉጣት ኰኑ። እቲ መልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ብዝሰፍሐ ደረጃ ኺእወጅ ከም ዝነበሮ፡ ሽዑ ኣይፈለጡን ነይሮም። ኰይኑ ግና፡ ቅንኣቶም ዚንኣድ እዩ ነይሩ። ብ1902 ኣብ ኣኼባታትና ኽትእከብ ዝጀመረት ኣይዳ ኦምስተድ፡ “ንዅሎም ደቂ ሰብ ዓብዪ በረኸት ይጽበዮም ከም ዝነበረ ንፈልጥ ኔርና ኢና፣ ነዚ ብስራት እዚ ኸኣ ነቶም ኣብ ኣገልግሎት እንረኽቦም ካብ ምንጋር ከቶ ኣይበዀርናን” ኢላ ተዘክሮኣ ትገልጽ።

ጽሑፋትና ባዕልና ኽንሓትም ጀመርና

ኣብ ቤት-ኤል ዝነበሩ ኣሕዋትና፡ መንፈሳዊ ምግቢ ብስሩዕ ምእንቲ ኪቐርብ፡ ገሊኡ ጽሑፋት ባዕሎም ኪሓትሙ ጀመሩ። ስለዚ፡ መሳርሒ ዓዲጎም ኣብቲ ኻብ ቤት-ኤል ሒደት ኣንጎሎታት ርሒቑ ኣብ 35 መርትል ኣቨንዩ፡ ብሩክሊን፡ ኒው ዮርክ ዚርከብ እተኻረይዎ ህንጻ ተኸልዎ።

ሊዮ ፔለን ዎልተር ከስለርን ኣብ ጥሪ 1920 ናብ ቤት-ኤል ኬገልግሉ መጹ። ዎልተር ብዛዕባ እቲ ናብ ቤት-ኤል ምስ በጽሑ ዘጋጠሞም ነገር ተዘክሮኡ ኺገልጽ ከሎ ኸምዚ ይብል፦ “ምስ በጻሕና፡ እቲ ሓላዊ ቤት ሕትመት ጥምት ኣቢሉ፡ ‘ምሳሕ ሰዓትን ፈረቓን ተሪፍዎ ኣሎ’ ኢሉና። ስለዚ፡ መጻሕፍቲ ዝሓዘ ካርቶናት ካብ ትሕቲ ምድሪ ቤት ከነምጽእ ልኢኹና።”

ሊዮ ድማ ብዛዕባ እቲ ንጽብሒቱ ዝገበርዎ ነገር ከምዚ ኢሉ ተዘክሮኡ ይገልጽ፦ “ኣብቲ ህንጻ ኣብ ምድሪ ቤት ዚርከብ መናድቕ ከነጽሪ ስራሕ ተዋሂቡና። ከምቲ ስራሕ እቲ፡ ረሳሕ ስራሕ ሰሪሐ ኣይፈልጥን እየ። ግናኸ፡ ዕዮ ጐይታ እዩ ነይሩ፣ ስለዚ ድማ ክንድኡ ኪኽፈለሉ ይግብኦ እዩ።”

ግምቢ ዘብዐኛ ዚሕተመላ ዝነበረት ሓታሚት ማኪና

ኣብ ውሽጢ ሒደት ሰሙናት፡ እቶም ቀናኣት ወለንተኛታት ኣገልገልቲ፡ ግምቢ ዘብዐኛ ኺሓትሙ ጀመሩ። ካብታ ኣብ ቀዳማይ ደርቢ እትርከብ ሓታሚት ማኪና ኸኣ 60,000 ቅዳሓት እታ ናይ 1 ለካቲት 1920 ሕታም ግምቢ ዘብዐኛ ሓተሙ። ብዘይካዚ፡ ኣብ ትሕቲ ምድሪ ቤት፡ “መርከብ ውግእ” ኢሎም ዝጸውዕዋ ሓታሚት ማኪና ተኸሉ። ካብ ናይ 14 ሚያዝያ 1920 ሕታም ዘ ጎልደን ኤጅ ኣትሒዞም ድማ፡ ኪሓትሙ ጀመሩ። የሆዋ ነቶም ብፍቓዶም ዚዓይዩ ዝነበሩ ዓየይቲ ኸም ዝባረኾም ኣየጠራጥርን እዩ።

“ዕዮ ጐይታ እዩ ነይሩ፣ ስለዚ ድማ ክንድኡ ኪኽፈለሉ ይግብኦ እዩ”

“ብሰላም ንንበር”

ኣብቲ ግዜ እቲ፡ እሙናት ህዝቢ የሆዋ ንጥፈታቶምን ሕውነቶምን ኣሐደሱ። ገሊኦም ተምሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ግና፡ ኣብቲ ኻብ 1917 ክሳዕ 1919 ዘሎ እዋን ሽግር፡ ካብታ ውድብ ወጺኦም ነይሮም እዮም። እሞ ደኣ ንዓታቶም ንምሕጋዝ እንታይ እዩ ኺግበር ተኻኢሉ፧

ናይ 1 ሚያዝያ 1920 ግምቢ ዘብዐኛ፡ “ብሰላም ንንበር” ዘርእስታ ዓንቀጽ ሒዛ ወጸት። ኣብኣ ድማ ከምዚ ዚብል ምሕጽንታ ብለውሃት ቀሪቡ ነበረ፦ “መንፈስ ጐይታ ዘለዎ ዘበለ ዅሉ፡ . . . ነቲ ድሕሪት ዘሎ ኺርስዕ፡ . . . ብሓድነት ሓቢሩ ኺነብር፡ ብስኒት ከም ሓደ ሰብነት ኪኸውንን ፍቓደኛ ኸም ዚኸውን ርግጸኛታት ኢና።”

ብዙሓት ነዚ ለውሃት ዝሓዘለ ቓላት ተቐበልዎ። ንኣብነት፡ ሓደ ጽምዲ ሰብ ሓዳር ከምዚ ኢሎም ጸሓፉ፦ “ዝሓለፈ ዓመትን ቅድሚኡን ካልኦት ነቲ ዕዮ [ስብከት] ኪዓይዩ ኸለዉ ኢድናን እግርናን ኣጣሚርና ምርኣይና ጌጋ ምንባሩ ኣሚንናሉ ኢና። . . . ድሕሪ ሕጂ ኸይንዝምብል ተስፋ ንገብር። እቶም ዳግም ንጡፋት ዝዀኑ ዓየይቲ፡ ብዙሕ ዕዮ እዩ ዚጽበዮም ነይሩ።”

ነታ “ZG” ዓደሉ

ብ21 ሰነ 1920፡ ተምሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ነታ “ZG” ተባሂላ እትፍለጥ ብልስሉስ ገበር እተዳለወት ሕታም እታ ዘ ፊኒሽድ ሚስትሪ ዘርእስታ መጽሓፍ ንምዕዳል ጽዑቕ ወፈራ ጀመሩ። * መብዛሕትኡ ቕዳሓት እዚ መጻሕፍቲ እዚ፡ እታ መጽሓፍ ብ1918 ምስ ተኣገደት እዩ ተኸዚኑ ነይሩ።

ፈለምቲ ጥራይ ዘይኰኑስ፡ ኵሎም ኣስፋሕቲ ኣብቲ ናይ ምዕዳል ዕዮ ኪሳተፉ ጻውዒት ቀረበሎም። እቲ ጻውዒት ድማ ከምዚ ዚብል ነበረ፦ “ኣብ ኵሉ ጉባኤ ዚርከብ ኵሉ ኺሳተፍ ዚኽእል ጥሙቕ፡ ተሓጒሱ ኸምኡ ኺገብር ኣለዎ። ነፍሲ ወከፍ፡ ‘ሓደ ነገር ክገብር ኣሎኒ’ ኢሉ ነታ ZG ኪዕድል ኣለዎ።” ኤድመንድ ሁፐር ብዛዕባ እቲ ወፈራ ዘለዎ ተዘክሮ ኺገልጽ ከሎ፡ ብዙሓት ኣስፋሕቲ ንፈለማ ግዜኦም ኣብ በቤት ከይዶም ከም ዘገልገሉ ሓቢሩ ኣሎ። ኣስዕብ ኣቢሉ ኸኣ፡ “እቲ ደሓር ካብ ትጽቢትና ንላዕሊ ኣመና ዝሰፍሐ ዕዮ ኸመይ ምዃኑ ኺስምዓና ጀሚሩ” ኢሉ ኣሎ።

እቲ ኣብ ኤውሮጳ ዚግበር ዕዮ ዳግም ተወደበ

ኣብ ቀዳማይ ውግእ ዓለም፡ እቲ ኣብ ካልኦት ሃገራት ምስ ዚርከቡ ተምሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ዝነበረ ርክብ ላሕሊሑ ብምንባሩ፡ ሓውና ራዘርፎርድ ነቶም ኣሕዋት ኬተባብዖምን ነቲ ዕዮ ስብከት ዳግም ኪውድቦን ደለየ። ስለዚ፡ ብ12 ነሓሰ 1920፡ ንሱን ኣርባዕተ ኣሕዋትን ንዑደት ናብ ብሪጣንያን ካልእ ክፋል ኤውሮጳን ማእከላይ ምብራቕን ነቐሉ።

ሓውና ራዘርፎርድ ኣብ ግብጺ

ራዘርፎርድ ናብ ብሪጣንያ ምስ ከደ፡ እቶም ተምሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ሰለስተ ዓበይቲ ኣኼባታትን 12 ህዝባዊ ኣኼባታትን ገበሩ። ድምር ተኣከብቲ 50,000 ኣቢሉ ኸም ዝነበረ እዩ ዚግመት። ግምቢ ዘብዐኛ ነቲ ምብጻሕ ኸምዚ ኢላ ብሓጺሩ ገሊጻቶ ኣላ፦ “ኣሕዋትን ኣሓትን ተሓዲሶምን ተተባቢዖምን እዮም። ብፍቕርን ብኣገልግሎትን እውን ዝያዳ ሓድነት ረኺቦም እዮም፣ ብዙሓት ዝጐሃያ ኣልባብ እውን ተሓጒሰን እየን።” ኣብ ፓሪስ ከኣ፡ ሓውና ራዘርፎርድ መሊሱ ነቲ፡ “ሕጂ ብህይወት ዘለዉ ሚልዮናት ፈጺሞም ኣይኪሞቱን እዮም” ዘርእስቱ መደረ ኣቕረበ። እቲ መደረ ምስ ጀመረ፡ እቲ ኣዳራሽ ብተኣከብቲ ቕጽጽ በለ። 300 ሰባት ከኣ ተወሳኺ ሓበሬታ ኺውሃቦም ሓተቱ።

ኣብቲ ኣብ ለንደን ዚርከብ ኣዳራሽ ሮያል ኣልበርት ንዚቐርብ መደረ ዜፋልጥ ፖስተር

ኣብተን ዚስዕባ ሰሙናት፡ ገሊኦም ኣሕዋት ናብ ኣቴንስን ካይሮን የሩሳሌምን ከዱ። ነቲ ኣብተን ከተማታት እተራእየ ተገዳስነት ንምክትታል ከኣ፡ ሓውና ራዘርፎርድ ኣብታ ኣብ ጥቓ የሩሳሌም እትርከብ ከተማ ራማላህ መኽዘን ጽሑፋት ኣቘመ። ድሕሪኡ፡ ናብ ኤውሮጳ ተመሊሱ ቤት ጽሕፈት ማእከላይ ኤውሮጳ ኣቘመ፣ ኣብኡ እውን ጽሑፋት ኪሕተም መሰናድዎ ገበረ።

ንዘይፍትሓውነት ኣቃልዑ

ኣብ መስከረም 1920፡ እቶም ተምሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ቍ. 27 ሕታም እታ ዘ ጎልደን ኤጅ ኣውጽኡ። እታ ፍልይቲ ሕታም እቲኣ ኸኣ ነቲ ብ1918 ኣብቶም ተምሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ዝወረደ መስጐጕቲ እተቃልዕ እያ ነይራ። እታ ኣቐዲምና ዝጠቐስናያ “መርከብ ውግእ” እትብሃል ሓታሚት ማኪና ኸኣ፡ ልዕሊ ኣርባዕተ ሚልዮን ቅዳሓት ሓተመት።

ኣብ ሰነድ ፖሊስ ዚርከብ ስእሊ ኤማ ማርቲን

ኣብታ መጽሔት ብዛዕባ እቲ ኣብ ቤት ፍርዲ ዝቐረበ ፍሉይ ጕዳይ ኤማ ማርቲን ተገሊጹ ነይሩ። ሓብትና ማርቲን፡ ኣብ ሳን በርናርዲኖ፡ ካሊፎርንያ እተገልግል ፈላሚት እያ ነይራ። ብ17 መጋቢት 1918፡ ንሳን ሓውና ሃምን ሓውና ሶነንበርግን ሓውና ስቲቨንስን፡ ተምሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ዝገበርዎ ንእሽቶ ኣኼባ ተኣከቡ።

ሓደ ኻብቶም ተኣከብቲ ኸኣ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ኪምሃር ኣይኰነን ናብቲ ኣኼባ ኸይዱ። ደሓር ባዕሉ ኸም ዝገለጾ፡ “ካብ ቤት ጽሕፈት ዓቃብ ሕጊ ብእተዋህበኒ መምርሒ እየ ናብዚ . . . ኣኼባ እዚ ኸይደ” ኢሉ ምስክርነቱ ሃበ። ኣስዕብ ኣቢሉ እውን፡ “መርትዖ ኽረክብ ኢለ እየ ናብኡ ኸይደ” በለ። ነቲ ዚደልዮ ዝነበረ “መርትዖ፡” ማለት ቅዳሕ እታ ዘ ፊኒሽድ ሚስትሪ እውን ረኸበ። ድሕሪ ሒደት መዓልትታት፡ ሓብትና ማርቲንን እቶም ሰለስተ ኣሕዋትን ኣብ ትሕቲ ቐይዲ ኣተዉ። ቅዳሓት እታ እተኣገደት መጽሓፍ ብምዝርጋሕ፡ ድንጋገ ስለላ ኸም ዝጠሓሱ ድማ ተኸስሱ።

ሓብትና ማርቲንን እቶም ሰለስተ ኣሕዋትን በዚ ጕዳይ እዚ ገበነኛታት ኰይኖም ስለ እተረኽቡ፡ ንሰለስተ ዓመት ኪእሰሩ ተፈርዶም። ይግባይ ዚብሉሉ ዅሉ መገዲ ስለ ዘብቅዐ፡ ብ17 ግንቦት 1920 ማእሰርቶም ጀመሩ። ነዊሕ ከይጸንሐ ግና፡ ኵነታት ተመሓየሸ።

ብ20 ሰነ 1920፡ ሓውና ራዘርፎርድ ንተመክሮ እዞም እሱራት እዚኦም ኣብቲ ኣብ ሳን ፍራንሲስኮ እተገብረ ዓብዪ ኣኼባ ኣዘንተዎ። እቶም ተኣከብቲ፡ በቲ ኣብቶም ክርስትያናት ዝወረደ ግፍዒ ስለ ዝደንጸዎም፡ ናብ ፕረዚደንት ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ተሌግራም ሰደዱ። ከምዚ ኢሎም እውን ጸሓፉ፦ ‘ሚስዝ ማርቲን ብድንጋገ ስለላ ገበነኛ ኸም ዝዀነት ጌርካ ምብያኑ፡ ዘይፍትሓዊ ጌርና ኢና እንርእዮ። ፈደራላዊ ኣብያተ ጽሕፈት ብስልጣኖም ተጠቒሞም ንወይዘሮ ማርቲን ኣብ መጻወድያ ምእታዎም፡ ደሓር ከኣ ብእኡ ነገር ኣቚሞም ከም እትእሰር ምግባሮም፡ ንዅንኖ ኢና።’

ንጽብሒቱ፡ ፕረዚደንት ውድሮው ዊልሰን ነቲ ኣብ ልዕሊ ሓብትና ማርቲንን ሓውና ሃምን ሓውና ሶነንበርግን ሓውና ስቲቨንስን ተፈሪዱ ዝነበረ ፍርዲ፡ ብኡብኡ ሰረዞ። እቲ ዘይፍትሓዊ ማእሰርቶም እውን ኣብቅዐ።

ዓመተ 1920 ናብ መወዳእታኣ እናቐረበት ምስ ከደት፡ እቶም ተምሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ብዙሕ ዜሐጕስ ነገር ነይርዎም እዩ። እቲ ኣብቲ ቐንዲ ቤት ጽሕፈት ዚዕየ ዕዮ እናሰፍሐ ይኸይድ ነይሩ እዩ። ናይ ሓቂ ክርስትያናት ከኣ መንግስቲ ኣምላኽ ጥራይ ንጸገማት ደቂ ሰብ ፍታሕ ከም እተምጽእ ካብ ቅድሚኡ ብዝለዓለ ንጥፈት ኣዊጆም እዮም። (ማቴ. 24:14) እታ እትቕጽል ዓመት፡ ማለት 1921 ድማ፡ ሓቂ መንግስቲ ኣምላኽ ብዝያዳ እተፋለጠላ ዓመት እያ ዀይና።

^ ሕ.ጽ. 18 ዘ ፊኒሽድ ሚስትሪ ኻብተን ስታዲስ ኢን ዘ ስክሪፕቸርስ ዚብሃላ ተኸታተልቲ መጻሕፍቲ፡ ሻውዐይቲ ጥራዝ እያ። “ZG” ኸኣ ከም ናይ 1 መጋቢት 1918 ሕታም ግምቢ ዘብዐኛ ዀይና እተዳለወት ልስሉስ ገበር ዘለዋ ሕታም እያ። “Z” ነቲ ዛዮንስ ዎች ታወር ዚብል እያ እተመልክት ነይራ፣ “G” ድማ ኣብ እንግሊዝኛ ሻውዐይቲ ፊደል ስለ ዝዀነት፡ እታ መጽሓፍ ሻውዐይቲ ጥራዝ ምዃና እያ እተመልክት ነይራ።