ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ዓንቀጽ መጽናዕቲ 43

የሆዋ ንውድቡ ይመርሓ ኣሎ

የሆዋ ንውድቡ ይመርሓ ኣሎ

“‘ብመንፈሰይ እምበር፡ ብሰራዊትን ብሓይልን ኣይኰነን’ ይብል የሆዋ ጐይታ ሰራዊት።”—ዘካ. 4:6

መዝሙር 40 ናይ መን ኢና፧

መላለዪ *

1. ጥሙቓት ክርስትያናት እንታይ እዮም ብቐጻሊ ኺገብሩ ዘለዎም፧

ጥሙቕ ዲኻ፧ እንተ ዄንካ፡ ኣብ የሆዋ ዘላትካ እምነትን ምስ ውድቡ ሓቢርካ ኸተገልግል ዘሎካ ፍቓደኛነትን ብግህዶ ገሊጽካ ኢኻ። * ልክዕ እዩ፡ ኣብ የሆዋ ዘላትካ እምነት እናዓበየት እያ እትኸይድ። ሎሚ የሆዋ ንውድቡ ይጥቀመላ ኸም ዘሎ ዘሕደርካዮ እምነት እውን ብቐጻሊ ኺህነጽ ኣለዎ።

2-3. ሎሚ የሆዋ ንውድቡ ብኸመይ እዩ ዚመርሓ ዘሎ፧ ኣብነታት ሃብ።

2 ሎሚ የሆዋ ንውድቡ፡ ባህርያቱን ዕላማኡን መለክዒታቱን ብዜንጸባርቕ መገዲ እዩ ዚመርሓ ዘሎ። ሕጂ ኣብ ውድቡ ዚንጸባረቕ ሰለስተ ባህርያቱ እስከ ንርአ።

3 ቀዳማይ፡ ‘ኣምላኽ ኣየዳሉን እዩ።’ (ግብ. 10:34) የሆዋ ብፍቕሪ ተደሪኹ፡ ወዱ “ኣብ ክንዲ ዅሉ . . . በጃ” ገይሩ ሂቡ እዩ። (1 ጢሞ. 2:6፣ ዮሃ. 3:16) ብህዝቡ ኣቢሉ እውን ንዚሰምዑ ዘበሉ ዅሎም ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ይሰብከሎም ኣሎ፣ በዚ ኸምዚ ኸኣ፡ ብእተኻእለ መጠን ብዙሓት ሰባት ካብቲ በጃ ኸም ዚጥቀሙ ይገብር ኣሎ። ካልኣይ፡ የሆዋ ናይ ስርዓትን ናይ ሰላምን ኣምላኽ እዩ። (1 ቈረ. 14:33, 40) ስለዚ፡ ኣምለኽቱ ብስርዓትን ብሰላምን ተወዲቦም ኬምልኽዎ ኢና ትጽቢት እንገብር። ሳልሳይ፡ የሆዋ “ዓብዪ መምህር” እዩ። (ኢሳ. 30:20, 21) ስለዚ፡ ውድቡ ኣብ ጉባኤን ኣብ ህዝባዊ ኣገልግሎትን፡ እቲ ብድራኸ መንፈሱ እተጻሕፈ ቓል ኣብ ምምሃር እያ እተተኵር። እሞ ደኣ እዚ ሰለስተ ባህርያት የሆዋ፡ ኣብታ ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበረት ክርስትያናዊት ጉባኤ ብኸመይ እዩ ዚርአ ነይሩ፧ ኣብዞም ኣብዚ ግዜና ዘለዉኸ ብኸመይ እዩ ዚግሃድ ዘሎ፧ ሎሚ ምስ ውድብ የሆዋ ሓቢርካ ኸተገልግል ከለኻኸ መንፈስ ቅዱስ ብኸመይ እዩ ኺሕግዘካ ዚኽእል፧

ኣምላኽ ኣየዳሉን እዩ

4. ኣብ ግብሪ ሃዋርያት 1:8 ተገሊጹ ኸም ዘሎ፡ የሱስ ንሰዓብቱ እንታይ ኪገብሩ እዩ ኣዚዝዎም፧ እንታይ ሓገዝከ እዮም ረኺቦም፧

4 ኣብ ቀዳማይ ዘመን። እቲ የሱስ ዝሰበኾ መልእኽቲ ንዅሎም ደቂ ሰብ ተስፋ ዚህብ እዩ ነይሩ። (ሉቃ. 4:43) የሱስ ንሰዓብቱ፡ ነቲ ንሱ ዝጀመሮ ዕዮ ኪቕጽሉ፡ ማለት “ክሳብ ወሰናት ምድሪ” ኺምስክሩ ኣዚዝዎም እዩ። (ግብሪ ሃዋርያት 1:8 ኣንብብ።) ነዚ ዕዮ እዚ ግና ብናታቶም ብርታዐ ኺገብርዎ ኣይክእሉን እዮም ነይሮም። መንፈስ ቅዱስ፡ ማለት እቲ የሱስ ዘተስፈዎም “ሓጋዚ” የድልዮም ነይሩ እዩ።—ዮሃ. 14:26፣ ዘካ. 4:6

5-6. መንፈስ ቅዱስ ንሰዓብቲ የሱስ ዝሓገዞም ብኸመይ እዩ፧

5 ብጰንጠቈስጠ 33 ድ.ክ.፡ ንሰዓብቲ የሱስ፡ መንፈስ ቅዱስ ተዋህቦም። ብሓገዝ እቲ መንፈስ እቲ ኸኣ፡ ብኡብኡ ኺሰብኩ ጀመሩ፣ ኣብ ውሽጢ ሓጺር ግዜ እውን፡ ኣሽሓት ነቲ ብስራት ተቐበልዎ። (ግብ. 2:41፣ 4:4) ተቓውሞ ምስ ተላዕለ፡ እቶም ደቀ መዛሙርቲ ኻብ ኣምላኽ ደኣ ሓገዝ ደለዩ እምበር፡ ብፍርሂ ኣይተሰነፉን። “ንባሮትካ . . . ብዅሉ ትብዓት ቃልካ ኺዛረቡ ፍቐደሎም” ኢሎም ጸለዩ። ሽዑ፡ ብመንፈስ ቅዱስ ተመልኡ እሞ፡ “ቃል ኣምላኽ እውን ብትብዓት ይዛረቡ ነበሩ።”—ግብ. 4:18-20, 29, 31

6 ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ካልእ ብድሆታት እውን ነይርዎም እዩ። ንኣብነት፡ ብዙሕ ቅዳሓት ቅዱሳት ጽሑፋት ኣይነበሮምን። ከምዚ ሎሚ ዘሎና ዝኣመሰለ ንመጽናዕቲ ዚሕግዝ ናውቲ እውን ኣይነበሮምን። ብዘይካዚ ኸኣ፡ በበይኑ ዓይነት ቋንቋታት ንዚዛረቡ ሰባት ኪሰብኩ ነይርዎም። እዚ ዅሉ ብድሆታት እናሃለወ ኽነሱ ግና፡ እቶም ቀናኣት ደቀ መዛሙርቲ ዘይከኣል ዚመስል ነገር እዮም ገይሮም፣ ኣብ ኣስታት 30 ዓመት፡ ነቲ ብስራት “ኣብ ትሕቲ ሰማይ ንዘሎ ዅሉ ፍጥረት” ሰቢኾምሉ ነይሮም እዮም።—ቈሎ. 1:6, 23

7. ከመይ ገይሮም እዮም ኣገልገልቲ የሆዋ ልዕሊ 100 ዓመት ይገብር ነቲ ኣምላኽ ካባታቶም ዚደልዮ ፈሊጦም፧ ብዛዕባኡኸ እንታይ እዮም ገይሮም፧

7 ኣብዚ ግዜና። የሆዋ ንህዝቡ ይመርሖምን ሓይሊ ይህቦምን ኣሎ። ብቐንዱ ድማ በቲ ብድራኸ መንፈስ እተጻሕፈ ቓሉ ኣቢሉ እዩ ዚመርሖም። ኣብኡ ኸኣ ታሪኽ ኣገልግሎት የሱስን እቲ ንሰዓብቱ ነቲ ዕዮ ኪቕጽልዎ ዝሃቦም ትእዛዝን ተመዝጊቡ ኣሎ። (ማቴ. 28:19, 20) እዛ መጽሔት እዚኣ፡ ገና ኣብ ሓምለ 1881 እኳ ኸምዚ ዚብል ሓሳብ ሒዛ ወጺኣ ነይራ፦ “ጥሪትናን ጕልበትናን ንስብከት እቲ ብስራት ከነህልኽ ደኣ እምበር፡ ክብሪ ኽንረክብ ወይ ሃብቲ ኽንድልብ ኣይኰንናን ተጸዊዕና ወይ ተቐቢእና።” ብ1919 እተሓትመት ቱ ሁም ዘ ዎርክ ኢዝ ኢንትራስትድ ዘርእስታ ጽሕፍቲ ኸኣ፡ “እቲ ዕዮ ኣዝዩ ዓብዪ እዩ ዚመስል፣ ኰይኑ ግና፡ ናይ ጐይታ እዩ፡ ብሓይሉ ድማ ክንፍጽሞ ኢና” ኢላ ነይራ። እወ፡ እዞም ኣሕዋት እዚኦም ከምቶም ቀዳሞት ክርስትያናት፡ መንፈስ ቅዱስ ንዅሉ ዓይነት ሰብ ኪሰብኩ ኸም ዚሕግዞም ብምትእምማን፡ ብትብዓት ነቲ ዕዮ ንምዕያይ ዚከኣሎም ገይሮም እዮም። ሎሚ እውን ተመሳሳሊ እምነት እዩ ዘሎና።

ውድብ የሆዋ ነቲ ብስራት ንምዝርጋሕ፡ ዘሎ ዅሉ ብሉጽ ናውቲ ትጥቀም (ሕጡብ ጽሑፍ 8-9 ርአ)

8-9. ውድብ የሆዋ ንዕዮ ስብከት ንምድንፋዕ እንታይ ሜላታት ተጠቒማ፧

8 ውድብ የሆዋ ነቲ ብስራት ንምዝርጋሕ፡ ዘሎ ዅሉ ብሉጽ ናውቲ ተጠቒማ እያ። ገለ ኻብዚ ናውቲ እዚ ብወረቐት ዚሕተም ጽሑፋት፡ “ፎቶ-ድራማ ኦቭ ክሪኤሽን፡” ፎኖግራፋት፡ መጕልሒ ድምጺ እተገጥመለን ማካይን፡ ፈነወ ራድዮ፡ ኣብ ቀረባ ግዜ ኸኣ ዲጂታዊ ተክኖሎጂ ኺጥቀስ ይከኣል። ውድብ ኣምላኽ ኣብ ታሪኽ ብዕቤቱ ተራእዩ ዘይፈልጥ ዕዮ ትርጉም እውን ትዓዪ ኣላ! ስለምንታይ፧ ኵሉ ዓይነት ሰብ ነቲ ብስራት ብቛንቋኡ ምእንቲ ኺሰምዖ ኢላ እያ። የሆዋ ኣየዳሉን እዩ፣ እቲ ብስራት “ንዅሎም ኣህዛብን ነገዳትን ቋንቋታትን ህዝብታትን” ከም ዚስበኽ ከኣ ተነብዩ እዩ። (ራእ. 14:6, 7) መልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ንዅሉ ኺበጽሖ ይደሊ እዩ።

9 ነቶም ብቐሊሉ ኺርከቡ ዘይከኣሉ ሰባት፡ ንኣብነት ነቶም ልዑል ሓለዋ ኣብ ዚግበረሉ ኣፓርታማ ዚነብሩ ሰባት ደኣኸ ብኸመይ ኢና ነቲ መልእኽቲ እነብጽሓሎም፧ ውድብ የሆዋ ነዞም ሰባት እዚኦም እቲ መልእኽቲ ኸተብጽሕ ኢላ፡ በብዓይነቱ ብግህዶ ዚግበር ምስክርነት ተጠቒማ እያ። ንኣብነት፡ ብ2001፡ ኣመሓዳሪ ኣካል ፈለማ ኣብ ፈረንሳ፡ ደሓር ከኣ ኣብ ካልእ ቦታታት፡ ዓረብያ ጽሑፋትን ካልእ መርኣዪ ጽሑፋትን ኪጥቀሙ ፈቒዱ። እዚ ድማ ኣወንታዊ ፍረ ኣፍርዩ። ብ2011 ኣብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ፡ ኣብቲ ብዙሕ ሰብ ዚውሕዘሉ ኽፋል ከተማ ኒው ዮርክ ሓድሽ ዓይነት ኣገልግሎት ተጀሚሩ። ኣብታ ቐዳመይቲ ዓመት ድማ፡ 102,129 መጻሕፍትን 68,911 መጽሔታትን ተበርኪቱ። 4,701 ሰባት ከኣ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኪገብሩ ሕቶ ኣቕሪቦም! ብንጹር እምበኣር፡ መንፈስ ቅዱስ ነዚ ዕዮ እዚ ይድግፎ ነይሩ እዩ። ስለዚ፡ ኣመሓዳሪ ኣካል ኣብ ብዘላ ዓለም መርኣዪ ጽሑፋት ክንጥቀም ፈቒዱ።

10. ኣገልግሎትና ንምምሕያሽ እንታይ ክንገብር ንኽእል፧

10 ክትገብሮ እትኽእል። ነቲ የሆዋ ኣብ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ዚህቦ ስልጠና ምሉእ ብምሉእ ተጠቐመሉ። ምስታ እተመደብካላ ጕጅለ ኣገልግሎት ወፍሪ ኣዘውቲርካ ኣገልግል። ከምኡ እንተ ጌርካ፡ ሰናይ ኣብነታት ካብ ዝዀኑ ኣሕዋትን ኣሓትን ዜድሊ ብሕታዊ ሓገዝን መተባብዕን ክትረክብ ኢኻ። ኣብ ኣገልግሎት ጽናዕ። ከምቲ ቕዱስ ጽሑፋዊ ፍረ ነገር እዛ ዓንቀጽ ዚሕብሮ፡ ብሓይልና ዘይኰነስ፡ ብመንፈስ ቅዱስ ኢና ፍቓድ ኣምላኽ እንፍጽም። (ዘካ. 4:6) ስለምንታይሲ፡ ዕዮ ኣምላኽ ኢና እንዓዪ ዘለና።

የሆዋ ናይ ስርዓትን ናይ ሰላምን ኣምላኽ እዩ

11. እቲ ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበረ ኣመሓዳሪ ኣካል ነቲ ኣብ ህዝቢ ኣምላኽ ዝነበረ ስርዓት ንምሕላው ብሓድነት ዝዓየየ ብኸመይ እዩ፧

11 ኣብ ቀዳማይ ዘመን። እቲ ኣብ የሩሳሌም ዝነበረ ኣመሓዳሪ ኣካል፡ ኣብ ህዝቢ ኣምላኽ ዝነበረ ስርዓትን ሰላምን ንምሕላው ብሓድነት ይዓዪ ነይሩ እዩ። (ግብ. 2:42) ንኣብነት፡ ብ49 ድ.ክ. ጕዳይ ግዝረት ምስ ተላዕለ፡ እቲ ኣመሓዳሪ ኣካል ብመሪሕነት መንፈስ ቅዱስ ነቲ ጕዳይ መርመሮ። እታ ጉባኤ በዚ ጕዳይ እዚ ተኸፋፊላ እንተ ትቕጽል ነይራ፡ እቲ ዕዮ ስብከት ደው ምበለ ነይሩ። እቶም ሃዋርያትን እቶም ሽማግለታትን ኣይሁድ እኳ እንተ ነበሩ፡ ብስርዓት ኣይሁድ ወይ በቶም ተሓለቕቲ እቲ ስርዓት ኣይተጸልዉን። ኣብ ክንዳኡስ፡ ካብ ቃል ኣምላኽን ካብ መንፈስ ኣምላኽን እዮም መምርሒ ደልዮም። (ግብ. 15:1, 2, 5-20, 28) እሞኸ እዚ እንታይ ኣፍረየ፧ የሆዋ ንውሳነኦም ባረኾ፡ ሰላምን ሓድነትን ሰፈነ፡ ዕዮ ስብከት እውን ንቕድሚት ገስገሰ።—ግብ. 15:30, 31፣ 16:4, 5

12. ሎሚ ኣብ ውድብ የሆዋ ስርዓትን ሰላምን ከም ዘሎ ዜርኢ እንታይ እዩ፧

12 ኣብዚ ግዜና። ውድብ የሆዋ ኣብ ህዝቢ የሆዋ ዘሎ ስርዓትን ሰላምን ንምዕቃብ ትዓዪ ኣላ። ብ1895 እኳ ናይ 15 ሕዳር ዛዮንስ ዎች ታወር ኤንድ ሄራልድ ኦቭ ክራይስትስ ፕረዘንስ ኣብ 1 ቈረንቶስ 14:40 እተመስረተ፡ “ብኣገባብን ብስርዓትን” ዘርእስታ ዓንቀጽ ሒዛ ወጺኣ ነይራ እያ። እታ ዓንቀጽ እቲኣ ድማ ከምዚ ትብል፦ “ሃዋርያት ብዛዕባ ስርዓት . . . ነታ ቐዳመይቲ ቤተ ክርስትያን ብዙሕ ዚብልዎ ነይርዎም እዩ። ‘እቲ ኣቐዲሙ እተጻሕፈ ዘበለ ንትምህርትና’ ኸም ዝዀነ ኣሚንና ተጠንቂቕና ኽንስዕቦ ይግባእ።” (ሮሜ 15:4) እወ፡ እቲ ኣብ ቀዳሞት ክርስትያናት ዝነበረ ድሌት ስርዓትን ሰላምን፡ ኣብዛ ሎሚ ዘላ ውድብ የሆዋ እውን ይርአ ኣሎ። ንኣብነት፡ ኣብ ካልእ ጉባኤ፡—ዋላ እውን ኣብ ካልእ ዓዲ፡—መጽናዕቲ ግምቢ ዘብዐኛ ኺግበር ከሎ እንተ ትእከብ፡ እቲ መጽናዕቲ ብኸመይ ከም ዚምራሕን ኣየነይቲ ዓንቀጽ ከም እተጽንዕን ምፈለጥካ። ጠሪስካ ኣይምተጋየሽካን! ከምዚ ዝበለ ዜደንቕ ሓድነትሲ ብዘይካ ብመንፈስ ኣምላኽ ብምንታይ እሞ እዩ ኺርከብ ዚከኣል፧—ጸፎ. 3:9

13. ብመሰረት ያእቆብ 3:17፡ እንታይ ሕቶታት ኢና ኽንሓትት ዘሎና፧

13 ክትገብሮ እትኽእል። የሆዋ ንህዝቡ፡ ‘ንሓድነት መንፈስ ብማእሰር ሰላም ኪሕልውዎ’ ይደልዮም እዩ። (ኤፌ. 4:1-3) ስለዚ፡ ገዛእ ርእስኻ ኸምዚ ኢልካ ሕተት፦ ‘ኣብ ጉባኤ ሓድነትን ሰላምን ኪሰፍን እጃመይ እገብር ድየ፧ ነቶም ዚመርሑና እእዘዞም ድየ፧ ምናዳ ኣብ ጉባኤ ሓላፍነታት እንተ ኣልዩኒ፡ ብተኣማንነት እዓዪ ድየ፧ ሰዓተይ ዝሕሉ፡ ንሰብ ዝሕግዝ፡ ተሓጒሰ እውን ዘገልግል ድየ፧’ (ያእቆብ 3:17 ኣንብብ።) ምምሕያሽ ክትገብረሉ እትኽእል መዳያት እንተ ኣልዩ፡ መንፈስ ቅዱስ ኪውሃበካ ጸሊ። እቲ መንፈስ እቲ ንባህርያትካ ኪቐርጾን ንተግባራትካ ኺጸልዎን ብዝፈቐድካ መጠን፡ ኣሕዋትካን ኣሓትካን ብዝያዳ ኺፈትዉኻ፡ ኣኽቢሮም እውን ኪርእዩኻ እዮም።

የሆዋ ይምህረናን የዕጥቐናን

14. ብመሰረት ቈሎሴ 1:9, 10፡ ኣብ ቀዳማይ ዘመን የሆዋ ንህዝቡ ብኸመይ እዩ ምሂርዎም፧

14 ኣብ ቀዳማይ ዘመን። የሆዋ ንህዝቡ ምምሃር፡ ብዙሕ የሐጕሶ እዩ። (መዝ. 32:8) ኪፈልጥዎ፡ ኪፈትውዎ፡ ከምኡ ድማ ፍቑራት ውሉዳቱ ዀይኖም ንዘለኣለም ኪነብሩ ይደልዮም እዩ። ብዘይ እቲ ንሱ ዚህበና ትምህርቲ፡ እዚ ዅሉ ኣይምተኻእለን ነይሩ። (ዮሃ. 17:3) የሆዋ በታ ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበረት ክርስትያናዊት ጉባኤ ኣቢሉ ንህዝቡ ምሂርዎም እዩ። (ቈሎሴ 1:9, 10 ኣንብብ።) እቲ የሱስ ዘተስፈዎ “ሓጋዚ፡” ማለት መንፈስ ቅዱስ እውን ዓብዪ ግደ ነይርዎ እዩ። (ዮሃ. 14:16) ነቶም ደቀ መዛሙርቲ፡ ንቓል ኣምላኽ ከም ዜስተውዕልዎ ገይሩ እዩ፣ ነቲ ደሓር ኣብ ወንጌላት እተመዝገበ የሱስ ዝበሎን ዝገበሮን ሓያሎ ነገራት እውን ኣዘኪርዎም እዩ። እዚ ፍልጠት እዚ ንቐዳሞት ክርስትያናት እምነቶም ኣደልዲሉሎም እዩ፣ ነታ ንኣምላኽን ንወዱን ንሓድሕዶምን ዘላቶም ፍቕሪ እውን ኣሐዪልዋ እዩ።

15. እቲ የሆዋ ኣብ ኢሳይያስ 2:2, 3 ዝበሎ ቓል፡ ብኸመይ ኪፍጸም ርኢኻ፧

15 ኣብዚ ግዜና። የሆዋ “ኣብተን ዳሕሮት መዓልትታት፡” ካብ ኵሎም ኣህዛብ ዝዀኑ ህዝብታት ብእኡ ምእንቲ ኺምሃሩ ናብ ምሳልያዊ ኸረኑ ኸም ዚውሕዙ ተነብዩ ነይሩ እዩ። (ኢሳይያስ 2:2, 3 ኣንብብ።) እዚ ትንቢት እዚ ኺፍጸም ከሎ ንርኢ ኣለና። ናይ ሓቂ ኣምልኾ ኣብ ልዕሊ ዅሉ ዓይነት ርኹስ ኣምልኾ ልዕል ኢሉ ኣሎ። የሆዋ ድማ ብሓቂ ብሉጽ መንፈሳዊ ድግስ ኣዳልዩልና ኣሎ። (ኢሳ. 25:6) በቲ “እሙንን ኣስተውዓልን ባርያ” ኣቢሉ፡ ኣዝዩ ብዙሕ ጥራይ ዘይኰነስ፡ በበይኑ ዝዓይነቱ መንፈሳዊ ምግቢ ይህበና ኣሎ፣ እወ፡ ካብ ዓንቀጻትን መደረታትን ኣትሒዝካ ኽሳዕ ካርቱናትን ቪድዮታትን የቕርበልና ኣሎ። (ማቴ. 24:45) ከምቲ ኤሊሁ ዚብሃል ፈታዊ እዮብ ዝበሎ ኽንብል ንኽእል ኢና፦ “[ከም ኣምላኽ] ዝበለ መምህር መን እዩ፧”—እዮ. 36:22

ንሓቂ ኣብ ልብኻ ኣስርጾ፡ ኣብ ህይወትካ እውን ተግብሮ (ሕጡብ ጽሑፍ 16 ርአ) *

16. ብመንፈሳዊ መዳይ ምእንቲ ኽትዓቢ እንታይ ኽትገብር ትኽእል፧

16 ክትገብሮ እትኽእል። መንፈስ ኣምላኽ ነቲ ኣብ ቃል ኣምላኽ እተንብቦን እተጽንዖን ክትትግብሮ ይሕግዘካ እዩ። ከምቲ ሓደ ዘማሪ ዝበሎ ኢልካ ጸሊ፦ “ኦ የሆዋ፡ ብዛዕባ መገድኻ ምሃረኒ። ብሓቅኻ ኽመላለስ እየ። ስምካ ኽፈርህሲ፡ ንልበይ ሓደ ግበረለይ።” (መዝ. 86:11) ስለዚ፡ ነቲ የሆዋ ብቓሉን ብውድቡን ኣቢሉ ዚህበና መንፈሳዊ ምግቢ ብቐጻሊ ተመገብ። ከምዚ ኺብሃል ከሎ ግና፡ ሸቶኻ ፍልጠት ምድላብ ጥራይ ኣይኰነን። ንሓቂ ኣብ ልብኻ ኸተስርጾ፡ ኣብ ህይወትካ እውን ክትትግብሮ ኣሎካ። መንፈስ የሆዋ ኸምኡ ኽትገብር ከለኻ ኪሕግዘካ ይኽእል እዩ። ብዘይካዚ ድማ፡ ንኣሕዋትካን ንኣሓትካን ከተተባብዕ ኣሎካ። (እብ. 10:24, 25) ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ፡ ንሳቶም መንፈሳዊ ስድራ ቤትካ እዮም። ኣብ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ካብ ልቢ ዝፈልፈለ ሓሳባት ምእንቲ ኽትህብ፡ ክፍሊ ኺህልወካ ኸሎ ድማ ዚከኣለካ ምእንቲ ኽትገብር፡ ሓገዝ መንፈስ ኣምላኽ ንምርካብ ጸሊ። በዚ ኸምዚ ኸኣ፡ ንየሆዋን ንወዱን፡ ነተን ክቡራት ‘ኣባጊዖም’ ከም እተፍቅረን ከተርእዮም ኢኻ።—ዮሃ. 21:15-17

17. ንውድብ የሆዋ ብተኣማንነት ከም እትድግፍ ከመይ ጌርካ ኢኻ እተርኢ፧

17 ኣብ ቀረባ ግዜ፡ ኣብ ምድሪ እትተርፍ ውድብ፡ እታ ብመንፈስ ኣምላኽ እትምራሕ ጥራይ ክትከውን እያ። እምበኣር፡ ምስ ውድብ የሆዋ ብቕንኣት ዕየ። ነቲ ብስራት ንዅሉ እትረኽቦ ሰብ ብምስባኽ፡ ነታ ዘይተዳሉ ፍቕሪ ኣምላኽ ኣንጸባርቕ። ኣብ ጉባኤ ሓድነት ኪሰፍን እጃምካ ብምብርካት፡ ከም ኣምላኽ ስርዓትን ሰላምን ከም እትፈቱ ኣርኢ። ካብቲ ንሱ ዜዳልዎ መንፈሳዊ ድግስ ኣጸቢቕካ ብምምጋብ ከኣ፡ ነቲ ዓብዪ መምህርካ ስምዓዮ። ከምኡ ትገብር እንተ ዄንካ፡ ናይ ሰይጣን ዓለም ክትጠፍእ ከላ፡ ኣይክትፈርህን ኢኻ። ኣብ ክንዳኡስ፡ ተኣማሚንካ ምስቶም ንውድብ የሆዋ ብተኣማንነት ዜገልግሉ ሰባት ክትቀውም ኢኻ።

መዝሙር 3 ሓይልና፡ ተስፋና፡ እምንቶና

^ ሕ.ጽ. 5 ሎሚ የሆዋ ንውድቡ ይመርሓ ኸም ዘሎስ ትኣምን ዲኻ፧ ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ የሆዋ ነታ ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበረት ጉባኤ ብኸመይ ከም ዝመርሓን ሎሚ ንህዝቡ ብኸመይ ይመርሖም ከም ዘሎን ክንርኢ ኢና።

^ ሕ.ጽ. 1 መግለጺ ቓላት፦ ውድብ የሆዋ ሰማያዊ ኽፍልን ምድራዊ ኽፍልን ኣለዋ። ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ እታ “ውድብ” እትብል ቃል፡ ንምድራዊ ኽፍሊ ተመልክት።

^ ሕ.ጽ. 52 መግለጺ ስእሊ፦ ሓንቲ ፈላሚት ዝያዳ ዓየይቲ ኣብ ዜድልዩሉ ዓድታት ብዛዕባ ዜገልግሉ ቪድዮ ምስ ረኣየት፡ ኣብነቶም ንምስዓብ ትድረኽ። ደሓር፡ ዝያዳ ዓየይቲ ኣብ ዜድልዩሉ ኽሊ ብምግልጋል፡ ሸቶኣ ትወቅዕ።