ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ዓንቀጽ መጽናዕቲ 44

ዓብዮም ንኣምላኽ ኬገልግልዎ ድዮም፧

ዓብዮም ንኣምላኽ ኬገልግልዎ ድዮም፧

“የሱስ ከኣ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽን ሰብን ብጥበብን ብኣካልን ብሞገስን ይዓቢ ነበረ።”—ሉቃ. 2:52

መዝሙር 134 ውሉዳት ካብ ኣምላኽ እተዋህቡ ሕድሪ እዮም

መላለዪ *

1. ሓደ ሰብ ኪገብሮ ዚኽእል ብሉጽ ውሳነ እንታይ እዩ፧

መብዛሕትኡ ግዜ፡ እቲ ወለዲ ዚገብርዎ ውሳነታት፡ ንውሉዳቶም ንነዊሕ ግዜ ይጸልዎም እዩ። ወለዲ ሕማቕ ውሳነታት እንተ ገይሮም፡ ንደቆም ሽግር ኪፈጥሩሎም ይኽእሉ እዮም። ጽቡቕ ውሳነታት እንተ ገይሮም ግና፡ ንደቆም ሓጐስን ዕግበትን ዘለዎ ህይወት ኪመርሑ ብሉጽ ዕድል ይህብዎም እዮም። ልክዕ እዩ፡ ውሉዳት እውን ጽቡቕ ውሳነታት ኪገብሩ ኣለዎም። ሓደ ሰብ ኪገብሮ ዚኽእል ብሉጽ ውሳነ፡ ነቲ ፈቃር ኣቦና የሆዋ ምግልጋል እዩ።—መዝ. 73:28

2. የሱስን ወለዱን እንታይ ጽቡቕ ውሳነታት እዮም ገይሮም፧

2 ዮሴፍን ማርያምን ንደቆም፡ ኣገልገልቲ የሆዋ ምእንቲ ኪዀኑ ኪሕግዝዎም ይደልዩ ነይሮም እዮም፣ እቲ ውሳነታቶም ከኣ ኣብ ህይወቶም ዝነበሮም ቀንዲ ሸቶ እዚ ምዃኑ ዜርኢ እዩ ነይሩ። (ሉቃ. 2:40, 41, 52) የሱስ እውን ኣብ ዕላማ የሆዋ ዘለዎ ግደ ኺፍጽም ዜኽእሎ ጽቡቕ ውሳነታት ገይሩ እዩ። (ማቴ. 4:1-10) ምስ ዓበየ ኸኣ፡ ለዋህን እሙንን ተባዕን ሰብ እዩ ዀይኑ፣ እወ፡ ንዝዀነ ፍርሃት ኣምላኽ ዘለዎ ወላዲ ዜሐብንን ዜሐጕስን ዓይነት ሰብ እዩ ዀይኑ።

3. ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ እንታይ ሕቶታት ኢና ኽንምርምር፧

3 ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት ክንምርምር ኢና፦ የሆዋ ብዛዕባ የሱስ እንታይ ጽቡቕ ውሳነታት እዩ ገይሩ፧ ክርስትያን ወለዲ ኻብቲ ሰብኣውያን ወለዲ የሱስ ዝገበርዎ ውሳነታት እንታይ ይምሃሩ፧ ክርስትያን መንእሰያትከ ካብቲ የሱስ ዝገበሮ ውሳነታት እንታይ ይምሃሩ፧

ካብ የሆዋ ተምሃር

4. የሆዋ ንወዱ እንታይ ኣገዳሲ ውሳነ እዩ ገይሩሉ፧

4 የሆዋ ንየሱስ ብሉጻት ወለዲ እዩ ሓርዩሉ። (ማቴ. 1:18-23፣ ሉቃ. 1:26-38) እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ሰፊሩ ዚርከብ ማርያም ካብ ልባ እተዛረበቶ ቓላት፡ ንየሆዋን ንቓሉን ዓሚቝ ፍቕሪ ኸም ዘለዋ እዩ ዜርኢ። (ሉቃ. 1:46-55) እቲ ዮሴፍ ነቲ ኻብ የሆዋ እተዋህቦ መምርሒ ዝሰዓበሉ መገዲ ኸኣ፡ ንኣምላኽ ከም ዚፈርሆን ባህ ኬብሎ ከም ዚደልን እዩ ዜርኢ።—ማቴ. 1:24

5-6. የሆዋ ንወዱ፡ ኣብ ህይወቱ እንታይ ኼሕልፍ እዩ ፈቒዱ፧

5 የሆዋ ንየሱስ ሃብታማት ወለዲ ኣይሓረየሉን። እቲ ዮሴፍን ማርያምን ድሕሪ ልደት የሱስ ዘቕረብዎ መስዋእቲ፡ ድኻታት ምንባሮም እዩ ዜርኢ። (ሉቃ. 2:24) ዮሴፍ ኣብ ጥቓ እታ ኣብ ናዝሬት ዝነበረት ቤቱ፡ ጸራቢ ዀይኑ ዚዓይየላ ንእሽቶ ቤት ዕዮ ነይራቶ ኽትከውን ትኽእል እያ። ምናዳ ዮሴፍን ማርያምን ደሓር ሰዲሮም እንተ ወሓደ ሸውዓተ ውሉዳት ገይሮም ብምንባሮም፡ እታ ስድራ ቤት ትሑት መነባብሮ ነይርዋ ኽትከውን ኣለዋ።—ማቴ. 13:55, 56

6 የሆዋ ንወዱ የሱስ ካብ ገሊኡ ሓደጋታት ኣዕቊብዎ እዩ፣ ኰይኑ ግና፡ ካብ ኵሉ ዜጋጥሞ ብድሆታት ኣይተኸላኸለሉን። (ማቴ. 2:13-15) ንኣብነት፡ የሱስ ብእኡ ዘይኣምኑ ኣዝማድ ነይሮምዎ እዮም። ኣባላት ገዛእ ቤተ ሰቡ ኣብ ፈለማ ኸም መሲሕ ገይሮም ከይተቐበልዎ ምስ ተረፉ እተሰምዖ ጓሂ እሞ ገምቶ! (ማር. 3:21፣ ዮሃ. 7:5) ብዘይካዚ፡ እቲ ዘዕበዮ ኣቦኡ ዮሴፍ እውን ገና ብኣጋኡ ሞይቱ ኪኸውን ኣለዎ። ብሰንኪ እዚ ኸኣ፡ እቲ በዅሪ ወዲ ዝነበረ የሱስ ነቲ ናይ ስድራ ቤቶም ስራሕ ናይ ምስራሕ ሓላፍነት ተሰኪሙ ኪኸውን ይኽእል እዩ። (ማር. 6:3) የሱስ እናዓበየ ምስ ከደ፡ ንስድራ ቤቱ ብኸመይ ከም ዚናቢ ተማሂሩ እዩ። ዜድልዮም ንምምእራር፡ ኣበርቲዑ ይዓዪ ነይሩ ኪኸውን ኣለዎ። ስለዚ፡ ሃለኽለኽ ኪብል ምስ ወዓለ፡ ይደክም ነይሩ እዩ።

ኣቱም ወለዲ፡ ውሉዳትኩም ከመይ ገይሮም ካብ ቃል ኣምላኽ ምኽሪ ኸም ዚረኽቡ ብምምሃር፡ ኣብ ህይወት ንዜጋጥሞም ነገራት ከተዳልውዎም ትኽእሉ ኢኹም (ሕጡብ ጽሑፍ 7 ርአ) *

7. (ሀ) ብዛዕባ ኣተዓባብያ ቘልዑ እንታይ ሕቶታት እዩ ንሰብ ሓዳር ኪሕግዞም ዚኽእል፧ (ለ) ምሳሌ 2:1-6 ንውሉዳት ኣብ ምስልጣን ብኸመይ ክትሕግዝ ትኽእል፧

7 ሰብ ሓዳር እንተ ዄንኩም እሞ ውሉዳት ክትወልዱ እንተ ደሊኹም፡ ‘ንሕናስ የሆዋ ኽቡር ውላድ ብሕድሪ ኺህቦም ዚደሊ ዓይነት ትሑታትን መንፈሳውያንን ሰባት ዲና፧’ ኢልኩም ገዛእ ርእስኹም ሕተቱ። (መዝ. 127:3, 4) ወላዲ እንተ ዄንካ ኸኣ ከምዚ ኢልካ ገዛእ ርእስኻ ሕተት፦ ‘ጻዕረኛ ምዃን ጽቡቕ ከም ዝዀነ ንደቀይ እምህሮምዶ ኣለኹ፧’ (መክ. 3:12, 13) ‘ንደቀይ ካብቲ ኣብዛ ዓለም ዜጋጥሞም ኣካላውን ስነ ምግባራውን ሓደጋታት ንምዕቋብ ዚከኣለኒ ዘበለ እገብርዶ ኣለኹ፧’ (ምሳ. 22:3) ንደቅኻ ካብ ኵሉ ጸገማት ከተዕቍቦም ኣይትኽእልን ኢኻ። እዚ ዘይከኣል እዩ። ኰይኑ ግና፡ ከመይ ገይሮም ካብ ቃል ኣምላኽ ምኽሪ ኸም ዚረኽቡ ብምምሃር፡ ኣብ ህይወት ንዜጋጥሞም ነገራት በብቝሩብ ብፍቕሪ ኸተዳልዎም ትኽእል ኢኻ። (ምሳሌ 2:1-6 ኣንብብ።) ንኣብነት፡ ሓደ ኻብ ቤተ ሰብኩም ንናይ ሓቂ ኣምልኾ እንተ ሓዲግዎ፡ ንየሆዋ እሙናት ኰይኖም ምምልላስ ስለምንታይ ኣገዳሲ ኸም ዝዀነ ብቓል ኣምላኽ ጌርካ ንደቅኻ ኣረድኣዮም። (መዝ. 31:23) ወይ ከኣ ሓደ ኻብ ሰብኩም እንተ ሞይቱ፡ ብቓል ኣምላኽ ገይሮም ብኸመይ ካብ ሓዘን ከም ዚጸናንዑን ሰላም ከም ዚረኽቡን ንደቅኻ ኣርእዮም።—2 ቈረ. 1:3, 4፣ 2 ጢሞ. 3:16

ካብ ዮሴፍን ማርያምን ተምሃር

8. ብመሰረት ዘዳግም 6:6, 7፡ ዮሴፍን ማርያምን እንታይ እዮም ኪገብሩ ነይርዎም፧

8 ዮሴፍን ማርያምን ንየሱስ፡ ሞገስ ኣምላኽ ረኺቡ ምእንቲ ኺዓቢ ሓጊዞምዎ እዮም፣ ነቲ የሆዋ ንወለዲ ዝሃቦ መምርሒ ስዒቦምዎ እዮም። (ዘዳግም 6:6, 7 ኣንብብ።) ንየሆዋ ዓማቝ ፍቕሪ ነይራቶም እያ፣ እቲ ቐዳምነት ዚህብዎ ነገራት ከኣ፡ ንደቆም ተመሳሳሊ ፍቕሪ ኼማዕብሉ ሓጊዝዎም እዩ።

9. ዮሴፍን ማርያምን እንታይ ኣገዳሲ ውሳነ እዮም ገይሮም፧

9 ዮሴፍን ማርያምን ብስድራ ቤት ጽቡቕ መንፈሳዊ ልማድ ሓልዮም ይመላለሱ ነይሮም እዮም። ኣብ ናዝሬት ኣብ እትርከብ ምኵራብ ሰሙን ሰሙን ኣብ ኣኼባታት ይእከቡ ምንባሮም፡ ናብቲ ዓመት ዓመት ኣብ የሩሳሌም ዚብዓል ፋስጋ ድማ ይኸዱ ምንባሮም ኣየጠራጥርን እዩ። (ሉቃ. 2:41፣ 4:16) ኣብቲ ናብ የሩሳሌም ዚገብርዎ ጕዕዞ፡ ንየሱስን ንኣሕዋቱን ንኣሓቱን ብዛዕባ ታሪኽ ህዝቢ የሆዋ ይምህርዎ ነይሮም ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም፣ ኣብ መገዶም ዚርከብ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ተጠቒሱ ዘሎ ቦታታት እውን ይበጽሑ ነይሮም ይዀኑ። እናሰደሩ ምስ ከዱ፡ መንፈሳዊ ልማዶም ሓልዮም ምምልላስ ቀሊል ኣይነበረን። ከምኡ ምግባሮም ግና፡ ጥቕምታት ረኺቦምሉ እዮም። ንኣምልኾ የሆዋ ቀዳምነት ስለ ዝሃቡ፡ ስድራ ቤቶም ብመንፈሳዊ መዳይ ዜድልዮም ዘበለ ተማሊኡሎም እዩ።

10. ክርስትያን ወለዲ ኻብ ዮሴፍን ማርያምን እንታይ ይምሃሩ፧

10 ፍርሃት ኣምላኽ ዘለዎም ወለዲ ኻብ ዮሴፍን ማርያምን እንታይ ይምሃሩ፧ ልዕሊ ዅሉ፡ ደቅኹም ንየሆዋ ኣጸቢቖም ምእንቲ ኼፍቅርዎ፡ ብቓልን ብተግባርን ምሃርዎም። እቲ ኻብ ኵሉ ዝዓበየ ኽትህብዎም እትኽእሉ ውህበት፡ ፍቕሪ ንየሆዋ እዩ። ሓደ ኻብቲ ኽትምህርዎም እትኽእሉ ኣዝዩ ኣገዳሲ ትምህርትታት ከኣ፡ ጽቡቕ መንፈሳዊ ልማድ፡ ማለት ስሩዕ መጽናዕትን ጸሎትን ኣኼባታትን ኣገልግሎትን እዩ። (1 ጢሞ. 6:6) ልክዕ እዩ፡ ንደቅኹም ዜድልዮም ስጋዊ ነገራት እውን ክትህብዎም ኣሎኩም። (1 ጢሞ. 5:8) እንተዀነ ግና፡ ንመወዳእታ እዚ ኣረጊት ስርዓት እዚ ሰጊሮም ናብታ ኣምላኽ ዘዳለዋ ሓዳስ ዓለም ኪኣትዉ ዜኽእሎም፡ ስጋዊ ጥሪቶም ዘይኰነስ፡ ምስ የሆዋ ዘለዎም ናይ ቀረባ ርክብ ምዃኑ ኣይትረስዑ። *ህዝ. 7:19፣ 1 ጢሞ. 4:8

ክርስትያን ወለዲ ንስድራ ቤቶም ጽቡቕ መንፈሳዊ ውሳነታት ኪገብሩ ምርኣይ፡ ብሓቂ ዜሐጕስ እዩ! (ሕጡብ ጽሑፍ 11 ርአ) *

11. (ሀ) ወለዲ ንውሉዳቶም ኬዕብዩ ኸለዉ፡ እቲ ኣብ 1 ጢሞቴዎስ 6:17-19 ዚርከብ ምዕዶ ብኸመይ ኪሕግዞም ይኽእል፧ (ለ) ብስድራ ቤት እንታይ ሸቶታት ከተውጽኡ ትኽእሉ፧ እዚኸ እንታይ በረኸት ኬምጽእ ይኽእል፧ (“ እንታይ ሸቶታት ክትገብር ትኽእል፧” ዘርእስታ ሳጹን ርአ።)

11 ብዙሓት ክርስትያን ወለዲ ንስድራ ቤቶም ጽቡቕ መንፈሳዊ ውሳነታት ኪገብሩ ምርኣይ፡ ብሓቂ ዜሐጕስ እዩ! ኣዘውቲሮም ብሓባር የምልኹ እዮም። ኣብ ኣኼባታት ጉባኤን ኣብ ዓበይቲ ኣኼባታትን ድማ ይእከቡ እዮም። ኣብ ኣገልግሎት ወፍሪ እውን ይሳተፉ እዮም። ገሊኦም ስድራ ቤታት፡ ሳሕቲ ኣብ ዚዕየ ኽልታት ከይዶም የገልግሉ እዮም። ገሊኦም ከኣ ናብ ቤት-ኤል ኪበጽሑ ይኸዱ ወይ ንቲኦክራስያዊ ዕዮ ህንጸት ይድግፉ እዮም። እቶም ከምኡ ንምግባር ዚውስኑ ስድራ ቤታት፡ ገንዘቦም መስዋእቲ ኺገብሩ ኣለዎም፣ ብድሆታት እውን የጋጥሞም እዩ። እቲ ዚረኽብዎ ጥቕምታት ግና ብመንፈሳዊ መዳይ የሀብትሞም እዩ። (1 ጢሞቴዎስ 6:17-19 ኣንብብ።) ኣብ ከምዚ ዝበለ ስድራ ቤት ዝዓበዩ ውሉዳት፡ መብዛሕትኡ ግዜ ነቲ ጽቡቕ ልማዳት ሒዞም ይቕጽሉ እዮም፡ በዚ እውን ኣይጠዓሱን እዮም። *ምሳ. 10:22

ካብ የሱስ ተምሃር

12. የሱስ ምስ ዓበየ እንታይ እዩ ኺገብር ነይርዎ፧

12 እቲ ሰማያዊ ኣቦ የሱስ ወትሩ ጽቡቕ ውሳነታት እዩ ዚገብር፣ እቶም ምድራውያን ወለዱ እውን ጽቡቕ ውሳነታት እዮም ገይሮም። እንተዀነ ግና፡ የሱስ ምስ ዓበየ፡ ናይ ርእሱ ውሳነታት ኪገብር ነይርዎ እዩ። (ገላ. 6:5) ከም ኵላትና፡ ናይ ምምራጽ ናጽነት ነይርዎ እዩ። ናይ ርእሱ ጥቕሚ ኺደሊ ምኸኣለ ነይሩ። ንሱ ግና ምስ የሆዋ ጽቡቕ ርክብ ኪዕቅብ እዩ ወሲኑ። (ዮሃ. 8:29) እሞ ደኣ ሎሚ ዘለዉ መንእሰያት ካብ ኣብነቱ እንታይ ይምሃሩ፧

ኣቱም መንእሰያት፡ መምርሒ ወለድኹም ምቕባል ኣይትእበዩ (ሕጡብ ጽሑፍ 13 ርአ) *

13. የሱስ ብንእስነቱ እንታይ ኣገዳሲ ውሳነታት እዩ ገይሩ፧

13 የሱስ ካብ ንእስነቱ ኣትሒዙ ንወለዱ ይእዘዞም ነይሩ እዩ። ካባታቶም ንላዕሊ ኸም ዚፈልጥ ገይሩ ብምሕሳብ፡ ንመምርሒኦም ምቕባል ኣይኣበየን። ኣብ ክንዳኡስ፡ መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ይእዘዞም እውን ነበረ” ይብለና። (ሉቃ. 2:51) የሱስ ነቲ ኸም በዅሪ ወዲ መጠን ዘለዎ ሓላፍነቱ ኣርዚኑ ይርእዮ ነይሩ ኪኸውን ኣለዎ። ንስድራ ቤቱ ምእንቲ ኺሕግዝ ኢሉ፡ ካብቲ ዘዕበዮ ኣቦኡ ሞያ ንምቕሳም፡ ብትግሃት ከም ዝዓየየ ኣየጠራጥርን እዩ።

14. የሱስ ንፉዕ ተምሃራይ ቃል ኣምላኽ ምንባሩ ኸመይ ጌርና ንፈልጥ፧

14 ዮሴፍን ማርያምን ንየሱስ ብዛዕባ እቲ ተኣምራዊ ልደቱን እቶም ኻብ ኣምላኽ እተላእኩ ልኡኻት ብዛዕባኡ እንታይ ከም ዝበሉን ነጊሮምዎ ኪዀኑ ኣለዎም። (ሉቃ. 2:8-19, 25-38) የሱስ ግና በቲ እተነግሮ ጥራይ ኣይዓገበን፣ ኣብ ክንዳኡስ፡ ቅዱሳት ጽሑፋት ኣጽኒዑ እዩ። ንፉዕ ተምሃራይ ቃል ኣምላኽ ምንባሩ ኸመይ ጌርና ንፈልጥ፧ ምኽንያቱ፡ ገና ንእሽቶ ወዲ ኸሎ፡ እቶም ኣብ የሩሳሌም ዝነበሩ መምህራን፡ “ብምስትውዓሉን ብምላሹን የስተንክሩ” ነይሮም እዮም። (ሉቃ. 2:46, 47) ገና ወዲ 12 ዓመት ከሎ ድማ፡ የሆዋ ኣቦኡ ኸም ዝዀነ ይኣምን ነይሩ እዩ።—ሉቃ. 2:42, 43, 49

15. የሱስ ፍቓድ የሆዋ ኺገብር ኸም ዝወሰነ ብኸመይ ኣርእዩ፧

15 የሱስ ነቲ ኣብ ዕላማ የሆዋ ዘለዎ ግደ ምስ ፈለጠ፡ ነቲ እተዋህቦ ዕዮ ኺስከም ወሰነ። (ዮሃ. 6:38) ብብዙሓት ከም ዚጽላእ ይፈልጥ ነይሩ እዩ፣ እዚ ሓሳብ እዚ ድማ ቀሊል ኣይነበረን። ኰይኑ ግና፡ ንየሆዋ ኺግዝኦ ወሰነ። ብ29 ድ.ክ. ምስ ተጠምቀ፡ ቀንዲ ኣትኵሮ ህይወቱ ነቲ የሆዋ ዚደልዮ ምግባር እዩ ነይሩ። (እብ. 10:5-7) ኣብ ጕንዲ ስቅያት ኪመውት ከሎ እኳ፡ ፍቓድ ኣቦኡ ኻብ ምግባር ፈልከት ኣይበለን።—ዮሃ. 19:30

16. ውሉዳት ካብ የሱስ ዚምሃርዎ ሓደ ትምህርቲ እንታይ እዩ፧

16 ንወለድኻ ተኣዘዞም። ከምቲ ዮሴፍን ማርያምን ፍጹማት ዘይነበሩ፡ ወለድኻ እውን ፍጹማት ኣይኰኑን። ኰይኑ ግና፡ የሆዋ ንወለድኻ፡ ንዓኻ ኼዕቍቡኻን ኬሰልጥኑኻን ኪመርሑኻን ሓላፍነት ሂብዎም እዩ። ንምዕዶኦምን ንስልጣኖምን እተኽብሮ እንተ ዄንካ፡ “ጽቡቕ . . . ኪዀነልካ” እዩ።—ኤፌ. 6:1-4

17. ብመሰረት እያሱ 24:15፡ መንእሰያት ብዛዕባ ገዛእ ርእሶም እንታይ ውሳነ እዮም ኪገብሩ ዘለዎም፧

17 ንመን ከም እተገልግል ወስን። የሆዋ መን ምዃኑ፡ ዕላማኡ እንታይ ምዃኑ፡ ከምኡ ድማ ፍቓዱ ምስ ህይወትካ ብኸመይ ከም ዚተእሳሰር መርሚርካ ኽትፈልጥ ኣሎካ። (ሮሜ 12:2) ድሕሪኡ፡ ኣብ ህይወትካ እቲ ልዕሊ ዅሉ ኣገዳሲ ውሳነ ኽትገብር፡ ማለት ንየሆዋ ንምግልጋል ክትውስን ትኽእል ኢኻ። (እያሱ 24:15 ኣንብብ፣ መክ. 12:1) ብስሩዕ መጽሓፍ ቅዱስ ተንብብን ተጽንዕን እንተ ዄንካ፡ ንየሆዋ ዘላትካ ፍቕሪ ኽትዓቢ፡ እምነትካ እውን ክትድልድል እያ።

18. መንእሰያት እንታይ ውሳነ እዮም ኪገብሩ ዘለዎም፧ እዚኸ እንታይ የፍሪ፧

18 ንፍቓድ የሆዋ ኣብ ህይወትካ ቐዳምነት ሃብ። ናይ ሰይጣን ዓለም፡ ‘ክእለትካ ንርእስኻ እንተ ተጠቒምካሉ፡ ሓጐስ ክትረክብ ኢኻ’ ዚብል ምኽሪ እያ እትህበካ። ከም ሓቂ፡ እቶም ኣብ ስጋዊ ሸቶታት ዜተኵሩ “ንርእሶም . . . ብብዙሕ ስቓይ ወጋጊኦም እዮም።” (1 ጢሞ. 6:9, 10) በቲ ኻልእ ሸነኽ ግና፡ ንየሆዋ እንተ ሰሚዕካዮን ንፍቓዱ ኣብ ህይወትካ ቐዳምነት እንተ ሂብካን፡ ህይወትካ ዕዉት ኪኸውን፡ “መገድኻ [እውን] ኪቐንዓካ እዩ።”—እያ. 1:8

ውሳነኻ እንታይ እዩ፧

19. ወለዲ እንታይ እዮም ኪዝክሩ ዘለዎም፧

19 ኣቱም ወለዲ፡ ስድራ ቤትኩም ንየሆዋ ምእንቲ ኼገልግልዎ፡ ንምሕጋዞም ዚከኣለኩም ግበሩ። ኣብኡ ተጸግዑ፣ ንሱ ድማ ጥበባዊ ውሳነታት ክትገብሩ ኺሕግዘኩም እዩ። (ምሳ. 3:5, 6) ደቅኹም ካብቲ እትብልዎ ንላዕሊ በቲ እትገብርዎ ኸም ዚጽለዉ ኣይትረስዑ። ስለዚ፡ ሞገስ የሆዋ ንምርካብ ዜኽእሎም ውሳነታት ወስኑ።

20. መንእሰያት ንየሆዋ ኼገልግልዎ እንተ ወሲኖም እንታይ በረኸት እዮም ዚረኽቡ፧

20 ኣቱም መንእሰያት፡ ወለድኹም ኣብ ህይወትኩም ጥበባዊ ውሳነታት ክትገብሩ ኺሕግዙኹም ይኽእሉ እዮም። ሞገስ ኣምላኽ ንምርካብ ግና፡ ባዕልኹም ጽቡቕ ውሳነታት ክትገብሩ ኣሎኩም። ስለዚ፡ ንየሱስ ምሰልዎ፡ ነቲ ፈቃር ሰማያዊ ኣቦኹም ምግልጋል ድማ ሕረዩ። ከምኡ እንተ ጌርኩም፡ ሕጂ ቑም ነገርን ትርጉምን ሓጐስን ዘለዎ ህይወት ኪህልወኩም እዩ። (1 ጢሞ. 4:16) ኣብ መጻኢ ኸኣ፡ ብሉጽ ሓጐስ ዘለዎ ህይወት ኪህልወኩም እዩ!

መዝሙር 133 ብንእስነትና ንየሆዋ ነምልኮ

^ ሕ.ጽ. 5 ክርስትያን ወለዲ ንውሉዳቶም፡ ዓብዮም ሕጉሳት ኣገልገልቲ የሆዋ ኪዀኑ እዮም ዚደልይዎም። እሞ ደኣ ውሉዳቶም ነቲ ሸቶ እቲ ምእንቲ ኺበጽሕዎ፡ ወለዲ እንታይ ውሳነታት ኪገብሩ ይኽእሉ፧ ክርስትያን መንእሰያትከ ኣብ ህይወቶም ናይ ሓቂ ኣሳልጦ ንምርካብ እንታይ ውሳነታት ኪገብሩ ኣለዎም፧ እዛ ዓንቀጽ እዚኣ ነዚ ሕቶታት እዚ ኽትምልሶ እያ።

^ ሕ.ጽ. 11 ኣብ ናይ ጥቅምቲ 2011 ንቕሑ! (እንግሊዝኛ)፡ ኣብ ገጽ 20 ዝወጸት፡ “ዝሓሹ ወለዲ ዝረክብ ኣይመስለንን” ዘርእስታ ዓንቀጽ፡ ከምኡ ድማ ኣብ ናይ 8 መጋቢት 1999 ንቕሑ! (እንግሊዝኛ)፡ ኣብ ገጽ 25 ዝወጸት፡ “ናብ ወለደን እተጻሕፈት ፍልይቲ ደብዳበ” ዘርእስታ ዓንቀጽ ርአ።

^ ሕ.ጽ. 66 መግለጺ ስእሊ፦ ማርያም ንየሱስ፡ ዓማቝ ፍቕሪ የሆዋ ተኺላትሉ ኽትከውን ኣለዋ። ሎሚ እውን ኣዴታት ንደቀን፡ ፍቕሪ የሆዋ ይተኽላሎም እየን።

^ ሕ.ጽ. 68 መግለጺ ስእሊ፦ ዮሴፍ ንስድራ ቤቱ ሒዙ ኣብ ምኵራብ ምእካብ ይፈቱ ነይሩ ኪኸውን ኣለዎ። ሎሚ እውን ኣቦታት ንስድራ ቤቶም ሒዞም ኣብ ኣኼባታት ጉባኤ ምእካብ ይፈትዉ እዮም።

^ ሕ.ጽ. 70 መግለጺ ስእሊ፦ የሱስ ካብ ኣቦኡ ሞያ ተማሂሩ እዩ። ሎሚ እውን መንእሰያት ካብ ኣቦታቶም ሞያ ኺምሃሩ ይኽእሉ እዮም።