ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ዓንቀጽ መጽናዕቲ 46

ኣጆኻ፡ የሆዋ ረዳኢኻ እዩ

ኣጆኻ፡ የሆዋ ረዳኢኻ እዩ

“ከቶ ኣይክሓድገካን፡ ከቶ እውን ኣይክጥንጥነካን እየ።”—እብ. 13:5

መዝሙር 55 ኣይትፍርህዎም!

መላለዪ *

1. በይንና እተሓደግና ወይ ጸገማት ዝኸበደና ዀይኑ ኺስምዓና ኸሎ፡ እንታይ ኬጸናንዓና ይኽእል፧ (መዝሙር 118:5-7)

በይንኻ ኸም እተሓደግካ፡ ኣብ ጸገማትካ ዚረድኣካ እውን ዋላ ሓደ ኸም ዘየልቦ ተሰሚዑካዶ ይፈልጥ፧ ብዙሓት ሰባት፡ እንተላይ እሙናት ኣገልገልቲ የሆዋ ኸምኡ ተሰሚዕዎም ይፈልጥ እዩ። (1 ነገ. 19:14) ከምኡ እንተ ተሰሚዑካ፡ የሆዋ፡ “ከቶ ኣይክሓድገካን፡ ከቶ እውን ኣይክጥንጥነካን እየ” ኢሉ ቓል ከም ዝኣተወልካ ዘክር። ስለዚ፡ ብምትእምማን፡ “የሆዋ ረዳእየይ እዩ፣ ኣይፈርህን እየ” ኽንብል ንኽእል ኢና። (እብ. 13:5, 6) ሃዋርያ ጳውሎስ ነዘን ቃላት እዚአን ነቶም ብ61 ድ.ክ. ኣብ ይሁዳ ዝነበሩ ክርስትያናት ብጾቱ እዩ ጽሒፉሎም። እዚ ቓላቱ ኸኣ ነቲ ኣብ መዝሙር 118:5-7 ተጠቒሱ ዘሎ ሓሳብ እዩ ዜዘኻኽረና።—ኣንብብ።

2. ኣብዛ ዓንቀጽ እንታይ ክንምርምር ኢና፧ ስለምንታይከ፧

2 ጳውሎስ ከምቲ ዘማሪ፡ የሆዋ ረዳኢኡ ምዃኑ ኣብ ህይወቱ ርእዩ እዩ። ንኣብነት፡ ካብቲ ናብ እብራውያን መልእኽቲ ዝጸሓፈሉ ልዕሊ ኽልተ ዓመት ኣቐዲሙ፡ ብማዕበል ኣብ እተናወጸ ባሕሪ ሓደገኛ ጕዕዞ ገይሩ ነይሩ እዩ። (ግብ. 27:4, 15, 20) ኣብ ብምሉኡ እቲ ጕዕዞን ኣብቲ ቕድሚኡ ዝነበረ እዋንን፡ የሆዋ ንጳውሎስ ብእተፈላለየ መገድታት ረዲእዎ እዩ። ሕጂ፡ ሰለስተ ኻብዚ ኽንርኢ ኢና። የሆዋ ብየሱስን ብመላእኽትን ኣቢሉ፡ ስልጣን ብዘለዎም ሰባት ኣቢሉ፡ ከምኡ እውን ብክርስትያናት ብጾቱ ኣቢሉ ረዲእዎ እዩ። ነዚ ፍጻመታት እዚ ምምርማርና፡ ነቲ ኣምላኽ ከም ዚረድኣና ዝኣተወልና ቓል ብዝያዳ ኽንኣምኖ የኽእለና እዩ።

ካብ የሱስን ካብ መላእኽትን ዚርከብ ረድኤት

3. ጳውሎስ እንታይ ኢሉ ሓሲቡ ኪኸውን ይኽእል፧ ስለምንታይከ፧

3 ጳውሎስ ረድኤት ኣድልይዎ ነይሩ እዩ። ኣብ ከባቢ 56 ድ.ክ.፡ ጭፍራ ሰባት ካብታ ቤተ መቕደስ ወጢጦም ኣውጺኦም ኪቐትልዎ ፈቲኖም ነይሮም እዮም። ንጽብሒቱ፡ ኣብ ቅድሚ እቲ ዋዕላ ምስ ቀረበ፡ ጸላእቱ ኺሰላልዕዎ ኢሎም ነይሮም እዮም። (ግብ. 21:30-32፣ 22:30፣ 23:6-10) ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ጳውሎስ፡ ‘ነዚ ግፍዒ እዚ ኽሳዕ መዓስ እየ ኽጻወሮ፧’ ኢሉ ሓሲቡ ኪኸውን ይኽእል እዩ፧

4. የሆዋ ንጳውሎስ ብየሱስ ኣቢሉ ዝረድኦ ብኸመይ እዩ፧

4 ጳውሎስ እንታይ ረድኤት ረኺቡ፧ በታ ጳውሎስ እተኣስረላ ለይቲ፡ “ጐይታ” ማለት የሱስ ኣብ ጥቓኡ ደው ኢሉ፡ “ከምቲ ኣብ የሩሳሌም ብዛዕባይ ኣጸቢቕካ ዝመስከርካ፡ ኣብ ሮሜ እውን ከምኡ ኽትምስክር ኣሎካ እሞ፡ ኣጆኻ!” በሎ። (ግብ. 23:11) እዝስ ከመይ ዝበለ ብግዜኡ ዝመጸ መተባብዒ ዀን እዩ! ፈለማ፡ የሱስ ንጳውሎስ፡ ስለቲ ኣብ የሩሳሌም ዝሃቦ ምስክርነት ንኢድዎ እዩ። ብደሓን ናብ ሮሜ ኸም ዚበጽሕ እሞ ኣብኡ ኸም ዚምስክር እውን ቃል ኣትዩሉ እዩ። ጳውሎስ ነዚ መተባብዒ እዚ ምስ ተዋህቦ፡ ከምቲ ኣብ ሕቝፊ ኣቦኡ ዘሎ ቘልዓ ቐሲኑ ኪኸውን ኣለዎ።

ኣብ ባሕሪ ብርቱዕ ማዕበል ምስ ኣጋጠመ፡ ሓደ መልኣኽ ንጳውሎስ፡ ኵሎም እቶም ኣብታ መርከብ ዘለዉ ኻብቲ ሓደገኛ ጕዕዞ ኸም ዚድሕኑ የረጋግጸሉ (ሕጡብ ጽሑፍ 5 ርአ)

5. የሆዋ ንጳውሎስ ብመልኣኽ ኣቢሉ ዝረድኦ ብኸመይ እዩ፧ (ኣብ ገበር ዘላ ስእሊ ርአ።)

5 እንታይ ካልእ ጸገማት እዩ ንጳውሎስ ኣጋጢምዎ፧ ካብቲ ኣብ የሩሳሌም ዝዀነ ነገር ድሕሪ ኽልተ ዓመት ኣቢሉ፡ ጳውሎስ ብመርከብ ናብ ኢጣልያ ኪኸይድ ከሎ፡ ነታ መርከብ ብርቱዕ ማዕበል ስለ ዘጋጠማ፡ ካብቶም ባሕረኛታትን ገያሾን ብህይወት ዚተርፍ ሰብ ዘሎ ኣይመሰሎምን ነይሩ። ጳውሎስ ግና ኣይፈርሀን። ስለምንታይ፧ ነቶም ኣብታ መርከብ ዝነበሩ ኸምዚ ብምባል ምኽንያቱ ገሊጹሎም እዩ፦ “በዛ ለይቲ እዚኣ፡ መልኣኽ እቲ ኣነ ዝናቱን ዘገልግሎን ኣምላኽ ኣብ ጥቓይ ደው ኢሉ፡ ‘ጳውሎስ፡ ኣይትፍራህ። ኣብ ቅድሚ ቄሳር ደው ክትብል ኣሎካ፣ እንሆ ኸኣ፡ ንዅሎም እቶም ምሳኻ ዚጕዓዙ፡ ኣምላኽ ሂቡካ ኣሎ’ ኢሉኒ እዩ።” የሆዋ ንጳውሎስ ብየሱስ ኣቢሉ ሂብዎ ዝነበረ መረጋገጺ፡ ብመልኣኹ ኣቢሉ እውን ደጊሙሉ እዩ። ከምቲ እተባህለ ድማ ጳውሎስ ብደሓን ናብ ሮሜ በጺሑ እዩ።—ግብ. 27:20-25፣ 28:16

6. እንታይ የሱስ ዝኣተወልና ቓል እዩ ኼበርትዓና ዚኽእል፧ ስለምንታይከ፧

6 እንታይ ረድኤት ኢና እንረክብ፧ ከምቲ የሱስ ንጳውሎስ ዝደገፎ፡ ንዓና እውን ይድግፈና እዩ። ንኣብነት፡ ንዅሎም እቶም ዚስዕብዎ፡ “ኣነ ኽሳዕ መደምደምታ እቲ ስርዓት ኵሉ መዓልቲ ምሳኻትኩም እየ” ኢሉ ቓል ኣትዩሎም እዩ። (ማቴ. 28:20) እዘን ቃላት የሱስ ምንጪ ብርታዐ ይዀናና እየን። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ፡ ኣብ ገሊኡ መዓልትታት ይኸብደና እዩ። ንኣብነት፡ እንፈትዎ ሰብና ኺሞተና ኸሎ፡ ንሒደት መዓልትታት ጥራይ ዘይኰነስ፡ ንብዙሕ ዓመታት ንሓዝን ንኸውን። ገሊኦም ከኣ ብሰንኪ እርጋን ጽንኩራት መዓልትታት የጋጥማኦም እየን። ገሊኦም ድማ ኣብ ገሊኡ መዓልትታት ብጭንቀት ይውሓጡ እዮም። ይኹን እምበር፡ የሱስ “ኵሉ መዓልቲ” ምሳና ኸም ዝዀነ ስለ እንፈልጥ፡ ዋላ እውን ኣብታ ኣብ ህይወትና ዝጸልመተት መዓልቲ፡ ክንጻወር ዜኽእለና ብርታዐ ንረክብ ኢና።—ማቴ. 11:28-30

ኣብ ዕዮ ስብከት ክንሳተፍ ከለና፡ መላእኽቲ ይድግፉናን ይመርሑናን እዮም (ሕጡብ ጽሑፍ 7 ርአ)

7. ብመሰረት ራእይ 14:6፡ ሎሚ የሆዋ ብኸመይ እዩ ዚረድኣና፧

7 የሆዋ ብመላእኽቱ ገይሩ ኸም ዚረድኣና፡ ቃል ኣምላኽ የረጋግጸልና እዩ። (እብ. 1:7, 14) ንኣብነት፡ “ንዅሎም ኣህዛብን ነገዳትን ቋንቋታትን” “ብስራት መንግስቲ” ኽንሰብኽ ከለና፡ መላእኽቲ ይድግፉናን ይመርሑናን እዮም።—ራእይ 14:6 ኣንብብ፣ ማቴ. 24:13, 14

ስልጣን ካብ ዘለዎም ሰባት ዚርከብ ረድኤት

8. የሆዋ ንጳውሎስ ብሓለቓ ሽሕ ኣቢሉ ዝረድኦ ብኸመይ እዩ፧

8 ጳውሎስ እንታይ ረድኤት ረኺቡ፧ ብ56 ድ.ክ.፡ የሱስ ንጳውሎስ፡ ናብ ሮሜ ኸም ዚበጽሕ ኣረጋጊጹሉ ነይሩ እዩ። ኰይኑ ግና፡ ገሊኦም ኣብ የሩሳሌም ዝነበሩ ኣይሁድ፡ ኣድብዮም ጸኒሖም ንጳውሎስ ኪቐትልዎ ውዲት ኣለሙሉ። ቅላውዴዎስ ሊስያስ ዚብሃል ሓለቓ ሽሕ ብዛዕባ እቲ ውዲት ምስ ሰምዐ ግና፡ ንጳውሎስ ኣድሓኖ። ብብዙሓት ወተሃደራት ኣሰንዩ፡ ካብ የሩሳሌም ናብ ቂሳርያ በቲ ኣስታት 105 ኪሎ ሜተር ዝንውሓቱ መገዲ ኣቢሉ ብቕልጡፍ ሰደዶ። ኣብ ቂሳርያ ድማ ፌሊክስ እቲ ሹም ንጳውሎስ፡ “ኣብ ቤተ መንግስቲ ሄሮድስ ኣእትዮም ኪሕልውዎ” ኣዘዘ። ጳውሎስ ከኣ፡ እቶም ኪቐትልዎ ዚደልዩ ኣይሁድ ኬረኻኽቡሉ ኣብ ዘይክእሉ ቦታ ዀነ።—ግብ. 23:12-35

9. ፌስጦስ እቲ ሹም ንጳውሎስ ዝረድኦ ብኸመይ እዩ፧

9 ድሕሪ ኽልተ ዓመት፡ ጳውሎስ ብእሱሩ ኣብ ቂሳርያ ነበረ። ፌስጦስ ከኣ ንፌሊክስ ተኪኡ ተሸመ። ሽዑ ድማ፡ ኣይሁድ ንፌስጦስ፡ ንጳውሎስ ናብ የሩሳሌም ኬውርዶ እሞ ኣብኣ ኺፍረድ ለመንዎ፣ ፌስጦስ ግና ኣበዮም። ከምኡ ዝገበረ ኸኣ፡ ኣይሁድ “ኣብ መገዲ ንጳውሎስ ኪቐትልዎ ኣድብዮምሉ” ኸም ዝነበሩ ስለ ዝፈለጠ ኪኸውን ይኽእል እዩ።—ግብ. 24:27–25:5

10. ፌስጦስ ነቲ ጳውሎስ ናብ ቄሳር ይግባይ ብምባል ዘቕረቦ ሕቶ እንታይ ምላሽ ሂቡሉ፧

10 ድሕርዚ፡ ጳውሎስ ኣብ ቂሳርያ ንፍርዲ ቐረበ። ፌስጦስ ድማ “ሞገስ ኣይሁድ ኪረክብ ደልዩ” ስለ ዝነበረ፡ ንጳውሎስ፡ “ናብ የሩሳሌም ክትድይብ እሞ፡ ብዛዕባ እዚ ነገር እዚ ኣብኣ ኣብ ቅድመይ ክትፍረድዶ ትደሊ ኢኻ፧” ኢሉ ሓተቶ። ጳውሎስ ግና ኣብ የሩሳሌም ኪቐትልዎ ኸም ዚኽእሉ ይፈልጥ ነይሩ እዩ፣ ህይወቱ ንምድሓንን ናብ ሮሜ ንምኻድን ኣገልግሎቱ ንምቕጻልን እንታይ ኪገብር ከም ዘለዎ እውን ይፈልጥ ነይሩ እዩ። ስለዚ፡ “ናብ ቄሳር ይግባይ ኢለ ኣለኹ!” ኢሉ መለሰ። ሽዑ፡ ፌስጦስ ምስ ኣማኸርቲ ተማኺሩ ንጳውሎስ፡ “ናብ ቄሳር ይግባይ ኢልካ ኢኻ እሞ፡ ናብ ቄሳር ክትከይድ ኢኻ” በሎ። እቲ ፌስጦስ ዝገበሮ ጽቡቕ ውሳነ ድማ ንጳውሎስ ካብ ኢድ ጸላእቱ ኣድሓኖ። በዚ ኸምዚ፡ ጳውሎስ ናብ ሮሜ ነቐለ፣ ካብቶም ኪቐትልዎ ዚደልዩ ዝነበሩ ኣይሁድ እውን ኣጸቢቑ ረሓቐ።—ግብ. 25:6-12

11. ጳውሎስ እንታይ ንዚብል ዜተባብዕ ቃላት ኢሳይያስ እዩ ኣስተንቲኑሉ ኪኸውን ዚኽእል፧

11 ጳውሎስ ናብ ኢጣልያ ዚነቕለላ መዓልቲ ኺጽበ ኸሎ፡ ብዛዕባ እቲ ነብዪ ኢሳይያስ ነቶም ንየሆዋ ዚጻረሩ ዘበሉ ብመንፈስ ተደሪኹ ዝሃቦ መጠንቀቕታ ኣስተንቲኑ ኪኸውን ይኽእል እዩ። እቲ መጠንቀቕታ ኸምዚ ይብል፦ “ውጥን ምሃዙ፣ ግናኸ፡ ኪተዓናቐፍ እዩ! ዝደለኹምዎ በሉ፣ ግናኸ፡ ኣይኪሰልጥን እዩ! ከመይሲ፡ ኣምላኽ ምሳና እዩ!” (ኢሳ. 8:10) ጳውሎስ፡ ኣምላኽ ከም ዚረድኦ ይፈልጥ ነይሩ እዩ፣ እዚ ኸኣ ነቲ ድሕሪኡ ዝመጸ ፈተናታት ኪጻወር ሓጊዝዎ ኪኸውን ኣለዎ።

የሆዋ ኸምቲ ቐደም ዝገበሮ፡ ሎሚ እውን ንሰበ ስልጣን ብምድራኽ፡ ንኣገልገልቱ ኼዕቍብ ይኽእል እዩ (ሕጡብ ጽሑፍ 12 ርአ)

12. ዩልዮስ ንጳውሎስ ብኸመይ እዩ ሒዝዎ፧ ጳውሎስከ እንታይ ኣስተውዒሉ ኪኸውን ኣለዎ፧

12 ብ58 ድ.ክ.፡ ጳውሎስ ናብ ኢጣልያ ነቐለ። እሱር ስለ ዝነበረ ኸኣ፡ ዩልዮስ ንዝስሙ ሮማዊ ሓለቓ ሚእቲ ኣሕሊፍካ ተዋህበ። ካብቲ እዋን እቲ ኣትሒዙ፡ ዩልዮስ ንጳውሎስ ኪገፍዖ ወይ ኬሸግሮ ምኸኣለ ነይሩ። እሞኸ ንስልጣኑ ብኸመይ ተጠቒሙሉ፧ ንጽብሒቱ፡ ኣብ ምድሪ ምስ በጽሑ፡ ዩልዮስ “ንጳውሎስ ርሕራሐ ገበረሉ፡ ናብ ፈተውቱ ኪኸይድ . . . ድማ ፈቐደሉ።” ድሕርዚ እውን፡ ህይወቱ ኣድሒኑሉ እዩ። ብኸመይ፧ እቶም ወተሃደራት ንዅሎም እቶም ኣብታ መርከብ ዝነበሩ እሱራት ኪቐትልዎም ደልዮም ነይሮም እዮም፣ ዩልዮስ ግና ከልኪልዎም። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ፡ “ንጳውሎስ ኬድሕኖ ደልዩ” ነይሩ እዩ። ጳውሎስ ድማ፡ የሆዋ በቲ ለዋህ ሓለቓ ሚእቲ ይጥቀም ከም ዝነበረ ኣስተውዒሉ ኪኸውን ኣለዎ።—ግብ. 27:1-3, 42-44

ሕጡብ ጽሑፍ 13 ርአ

13. የሆዋ ነቶም ስልጣን ዘለዎም ሰባት ብኸመይ ኪጥቀመሎም ይኽእል፧

13 እንታይ ረድኤት ኢና እንረክብ፧ የሆዋ ምስ ዕላማኡ ኣብ ዚሰማምዓሉ ዅነታት፡ በቲ ሓያል መንፈስ ቅዱሱ ገይሩ ንሰበ ስልጣን ዝደለዮ ነገር ኬግብሮም ይኽእል እዩ። ንጉስ ሰሎሞን፡ “ልቢ ንጉስ ኣብ ኢድ የሆዋ ኸም ወሓይዝ ማይ እዩ። ናብ ባህ ዝበሎ የቕንዖ” ኢሉ ጽሒፉ ኣሎ። (ምሳ. 21:1) እዛ ምስላ እዚኣ እንታይ ማለት እያ፧ ሰባት መትረብ ብምዅዓት፡ ኣንፈት ውሒዝ ናብ ዝደለይዎ የቕንዕዎ እዮም። ብተመሳሳሊ ድማ፡ የሆዋ ብመንፈሱ ገይሩ፡ ንሓሳባት ገዛእቲ ምስ ዕላማኡ ናብ ዚሰማማዕ ኣንፈት ኪኣልዮ ይኽእል እዩ። ከምኡ ኺገብር ከሎ ኸኣ፡ እቶም ስልጣን ዘለዎም ሰባት ንህዝቢ ኣምላኽ ዚጠቅም ውሳነታት ኪገብሩ ይድረኹ እዮም።—ምስ እዝራ 7:21, 25, 26 ኣረኣኢ።

14. ምስ ግብሪ ሃዋርያት 12:5 ብምስምማዕ፡ ብዛዕባ መን ኢና ኽንጽሊ እንኽእል፧

14 እንታይ ክንገብር ንኽእል፧ ንክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን ዚጸሉ ውሳነታት ኣብ ዚግበረሉ እዋን፡ “ምእንቲ ነገስታትን ምእንቲ ዅሎም ሰበ ስልጣንን” ክንጽሊ ንኽእል ኢና። (1 ጢሞ. 2:1, 2፣ ነህ. 1:11) ከምቲ ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ክርስትያናት ዝገበርዎ፡ ምእንቲ እቶም ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዘለዉ ኣሕዋትናን ኣሓትናን እውን ተጊህና ኽንጽሊ ንኽእል ኢና። (ግብሪ ሃዋርያት 12:5 ኣንብብ፣ እብ. 13:3) ብተወሳኺ፡ ብዛዕባ እቶም ንኣሕዋትናን ንኣሓትናን ዚሕልዉ ዘለዉ ሓለውቲ እሱራት ክንጽሊ ንኽእል ኢና። የሆዋ ንሓሳባቶም ኪጸልዎ እሞ፡ ንሳቶም እውን ከምቲ ዩልዮስ ዝገበሮ፡ ንክርስትያናት ብጾትና “ሰብኣዊ ርሕራሐ” ኺገብሩሎም ክንጽሊ ንኽእል ኢና።—ግብ. 27:3፡ እ.ጽ.።

ካብ ክርስትያናት ብጾት ዚርከብ ረድኤት

15-16. የሆዋ ንጳውሎስ፡ ብኣርስጠርኮስን ብሉቃስን ኣቢሉ ብኸመይ እዩ ረዲእዎ፧

15 ጳውሎስ እንታይ ረድኤት ረኺቡ፧ ጳውሎስ ናብ ሮሜ ኣብ ዝገበሮ ጕዕዞ፡ የሆዋ ብክርስትያናት ብጾቱ ኣቢሉ ብተደጋጋሚ ረዲእዎ እዩ። ገለ ኣብነታት እስከ ንርአ።

16 ኣርስጠርኮስን ሉቃስን ዚብሃሉ ኽልተ እሙናት ፈተውቱ፡ ምስኡ ናብ ሮሜ ኪኸዱ ወሰኑ። * ዋላ ሓዲኦም ናብ ሮሜ ኸም ዚበጽሑ ኻብ የሱስ መረጋገጺ ኸም እተዋህቦም ዚገልጽ ነገር እኳ እንተ ዘየሎ፡ ንጳውሎስ ኬሰንይዎ ኢሎም ብፍታዎም ተለዓዒሎም ህይወቶም ኣብ ሓደጋ ኣእትዮም እዮም። ደሓር ኣብቲ ሕማቕ ጕዕዞ ጥራይ እዮም ህይወቶም ካብ ሞት ከም እትድሕን ፈሊጦም። ስለዚ፡ ኣርስጠርኮስን ሉቃስን ኣብ ቂሳርያ ናብ መርከብ ኪድይቡ ኸለዉ፡ ጳውሎስ ስለቶም ክልተ ተባዓት ክርስትያናት ብጾቱ ንየሆዋ ብልባዊ ጸሎት ኣመስጊንዎ ኪኸውን ኣለዎ።—ግብ. 27:1, 2, 20-25

17. የሆዋ ንጳውሎስ ብክርስትያናት ብጾቱ ኣቢሉ ብኸመይ ረዲእዎ፧

17 ጳውሎስ ኣብ ጕዕዞኡ፡ ክርስትያናት ብጾቱ ብተደጋጋሚ ረዲኦምዎ እዮም። ንኣብነት፡ ኣብታ ሲዶን እትብሃል ወደባዊት ከተማ፡ ዩልዮስ ንጳውሎስ፡ “ናብ ፈተውቱ ኪኸይድን ክንክኖም ኪረክብን” ፈቒዱሉ እዩ። ኣብ ከተማ ጱተዮሉስ ከኣ፡ ጳውሎስን ብጾቱን ‘ምስ ኣሕዋት ተራኺቦም እዮም፣ ንሳቶም እውን ምሳታቶም ሸውዓተ መዓልቲ ኪቕንዩ ለሚኖምዎም እዮም።’ እቶም ኣብተን ዓድታት እቲአን ዝነበሩ ክርስትያናት ንጳውሎስን ንብጾቱን ኪከናኸነዎም ከለዉ፡ ጳውሎስ ነቶም ኣአንገድቱ ሃናጺ ተመክሮታት ብምንጋር ብዙሕ ኣሐጒስዎም ኪኸውን ኣለዎ። (ምስ ግብሪ ሃዋርያት 15:2, 3 ኣረኣኢ።) ድሕርዚ፡ ጳውሎስን ብጾቱን ሓንሳእ ምስ ኣዕረፉ፡ ጕዕዞኦም ቀጸሉ።—ግብ. 27:3፣ 28:13, 14

የሆዋ ኸምቲ ንጳውሎስ ዝገበረሉ፡ ንዓና እውን ብክርስትያናት ብጾትና ኣቢሉ ይረድኣና እዩ (ሕጡብ ጽሑፍ 18 ርአ)

18. ጳውሎስ ብምንታይ ተደሪኹ እዩ ንኣምላኽ ዘመስገነን እተተባብዐን፧

18 ጳውሎስ ናብ ሮሜ ብእግሩ ኪኸይድ ከሎ፡ ብዛዕባ እቲ ሰለስተ ዓመት ይገብር ኣብታ ኸተማ ናብ እትርከብ ጉባኤ፡ “ናባኻትኩም ክመጽእ ካብ ዝናፍቕ ከኣ ብዙሕ ዓመታት ኰይኑ ኣሎ” ኢሉ ዝጸሓፈሎም ነገር ሓሲቡ ኪኸውን ይኽእል እዩ። (ሮሜ 15:23) እንተዀነ ግና፡ እሱር ኰይኑ ኺመጾም ኣይተጸበየን ነይሩ ይኸውን። ዝዀነ ዀይኑ፡ ኪቕበልዎ ኢሎም ካብ ሮሜ ዝመጹ ኣሕዋት ኣብ መገዲ ምስ ረኣየ፡ ብዙሕ እዩ ተተባቢዑ! መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ጳውሎስ ምስ ረኣዮም ከኣ፡ ንኣምላኽ ኣመስገነን ተተባብዐን” ይብል። (ግብ. 28:15) ጳውሎስ ነቶም ኣሕዋት ምስ ረኸቦም፡ ንኣምላኽ ከም ዘመስገነ ኣስተብህል። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ፡ የሆዋ ብክርስትያናት ብጾቱ ኣቢሉ ይረድኦ ኸም ዘሎ ዳግም ርእዩ እዩ።

ሕጡብ ጽሑፍ 19 ርአ

19. ኣብ 1 ጴጥሮስ 4:10 ተጠቒሱ ኸም ዘሎ፡ የሆዋ ነቶም እተሸገሩ ሰባት ንምሕጋዝ ብኸመይ ኪጥቀመልና ይኽእል፧

19 እንታይ ክንገብር ንኽእል፧ ብሰንኪ ሕማም ወይ ካልእ ከቢድ ጸገማት፡ ጭንቂ ዘለዎም ኣብ ጉባኤኻ ዚርከቡ ኣሕዋት ወይ ኣሓትዶ ትፈልጥ፧ ወይ እውን ዚፈትውዎ ሰቦም ዝሞቶምዶ ትፈልጥ፧ እተሸገረ ሰብ ከም ዘሎ እንተ ፈሊጥና፡ ነቲ ሰብ እቲ ብለውሃትን ብፍቕርን ክንዛረቦ ወይ ክንገብረሉ ምእንቲ ኽንክእል፡ ንየሆዋ ኽንልምኖ ንኽእል ኢና። ዘረባና ወይ ተግባርና ንኣሕዋትና ወይ ንኣሓትና ኼተባብዖም ይኽእል እዩ። (1 ጴጥሮስ 4:10 ኣንብብ።) * እቶም ዝሓገዝናዮም ከኣ፡ እቲ የሆዋ፡ “ከቶ ኣይክሓድገካን፡ ከቶ እውን ኣይክጥንጥነካን እየ” ኢሉ ዝኣተዎ ቓል ንዓታቶም እውን ከም ዚምልከት ከም ብሓድሽ ምሉእ እምንቶ ኼሕድሩ ይኽእሉ ይዀኑ። እዝስ ኣይመሐጐሰካንዶ፧

20. ስለምንታይ ኢና ብምትእምማን “የሆዋ ረዳእየይ እዩ” ኽንብል እንኽእል፧

20 ከምቲ ንጳውሎስን ንብጾቱን ዘጋጠሞም፡ ንሕና እውን ኣብ መገዲ ህይወትና ብብርቱዕ ማዕበል ንሓልፍ ኢና። የሆዋ ምሳና ኸም ዝዀነ ስለ ንፈልጥ ግና ክንተብዕ ንኽእል ኢና። ብየሱስን ብመላእኽትን ኣቢሉ ይረድኣና እዩ። ምስ ዕላማኡ ኣብ ዚሰማምዓሉ ዅነታት ድማ፡ ስልጣን ብዘለዎም ሰባት ገይሩ ይረድኣና እዩ። ከምቲ ብዙሓት ካባና ብብሕትና ዝረኣናዮ ኸኣ፡ የሆዋ ብመንፈስ ቅዱሱ ገይሩ ንልቢ ክርስትያናት ኣሕዋትናን ኣሓትናን ብምልዕዓል ኪረድኣና ይኽእል እዩ። ስለዚ፡ ከም ጳውሎስ፡ ብምትእምማን፡ “የሆዋ ረዳእየይ እዩ፣ ኣይፈርህን እየ። ሰብከ እንታይ ከይገብረኒ፧” ክንብል ንኽእል ኢና።—እብ. 13:6

መዝሙር 38 ኬበርትዓካ እዩ

^ ሕ.ጽ. 5 ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ የሆዋ ንሃዋርያ ጳውሎስ፡ ጸገማቱ ኺጻወር ዝሓገዘሉ ሰለስተ መገድታት ክንርኢ ኢና። የሆዋ ኣብ ዝሓለፈ ግዜያት ብኸመይ ረዳኢ ኸም ዝዀነ ምምርማርና፡ ሎሚ ኣብ ጸገማትና ኸም ዚረድኣና ዘሎና እምንቶ የድልድለልና እዩ።

^ ሕ.ጽ. 16 ኣርስጠርኮስን ሉቃስን ኣቐዲሞም ንጳውሎስ ኣብ መገሻታቱ የሰንይዎ ነይሮም እዮም። እዞም እሙናት ሰባት እዚኦም፡ ጳውሎስ ኣብ ሮሜ ተኣሲሩ ኣብ ዝጸንሓሉ ግዜ እውን ምስኡ ጸኒሖም እዮም።—ግብ. 16:10-12፣ 20:4፣ ቈሎ. 4:10, 14