ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ዓንቀጽ መጽናዕቲ 50

“ምዉታት ከመይ ኢሎም እዮም ዚትንስኡ፧”

“ምዉታት ከመይ ኢሎም እዮም ዚትንስኡ፧”

“ኣታ ሞት፡ ዓወትካ ኣበይ ኣሎ፧ ኣታ ሞት፡ መንደፍካ ኣበይ ኣሎ፧”—1 ቈረ. 15:55

መዝሙር 141 ተኣምር ህይወት

መላለዪ *

1-2. ኵሎም ክርስትያናት ብዛዕባ ሰማያዊ ትንሳኤ ኺግደሱ ዘለዎም ስለምንታይ እዮም፧

መብዛሕትኦም እቶም ሎሚ ንየሆዋ ዜገልግልዎ ዘለዉ ሰባት ኣብ ምድሪ ንዘለኣለም ኪነብሩ እዮም ተስፋ ዚገብሩ። ተረፍ እቶም ቅቡኣት ክርስትያናት ግና፡ ናብ ሰማያዊ ህይወት ኪትንስኡ ተስፋ ይገብሩ እዮም። እዞም ቅቡኣት ከኣ ብዛዕባ ናይ መጻኢ ህይወቶም ኣጸቢቖም ይግደሱ እዮም። እቶም ምድራዊ ተስፋ ዘለዎም ደኣኸ፧ ቀጺልና ኸም እንርእዮ፡ ሰማያዊ ትንሳኤ ነቶም ኣብ ምድሪ ንዘለኣለም ኪነብሩ ተስፋ ዘለዎም ሰባት በረኸት ኣለዎ። ስለዚ፡ ተስፋና ሰማያዊ ይኹን ወይ ምድራዊ፡ ብዛዕባ ሰማያዊ ትንሳኤ ኽንግደስ ኣሎና።

2 ኣምላኽ ኣብ ቀዳማይ ዘመን ንዝነበሩ ገሊኦም ደቀ መዛሙርቲ የሱስ፡ ብዛዕባ ሰማያዊ ተስፋ ኺጽሕፉ ብመንፈሱ ደሪኽዎም እዩ። ሃዋርያ ዮሃንስ፡ “ሕጂ ውሉዳት ኣምላኽ ኢና፣ እንታይ ከም እንኸውን ግና ገና ኣይተጋህደን። ንሱ ምስ ተጋህደ፡ . . . ንዕኡ ኸም እንመስል ንፈልጥ ኢና” ኢሉ ገሊጹ ኣሎ። (1 ዮሃ. 3:2) ስለዚ፡ ቅቡኣት ክርስትያናት መንፈሳዊ ኣካል ሒዞም ናብ ሰማይ ምስ ተንስኡ እንታይ ከም ዚዀኑ ኣይፈልጡን እዮም። ሰማያዊ ዓስቦም ምስ ረኸቡ ግና፡ ንየሆዋ ቓል ብቓሉ ኺርእይዎ እዮም። መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ሰማያዊ ትንሳኤ ዅሉ ነገር ኣይገልጽን እዩ። ኰይኑ ግና፡ ሃዋርያ ጳውሎስ ብዛዕባኡ እተወሰነ ሓበሬታ ሂቡ ኣሎ። ክርስቶስ ‘ንዅሉ መንግስትን ንዅሉ ስልጣንን ሓይልን ኣብ ዚስዕረሉ እዋን’ ቅቡኣት ምስኡ ኪዀኑ እዮም። እዚ ድማ ነቲ ‘ናይ መወዳእታ ጸላኢ ዝዀነ ሞት’ ምስዓር እውን የጠቓልል እዩ። ኣብ መወዳእታ፡ የሱስ ምስቶም መጋዝእቱ ዀይኑ፡ ገዛእ ርእሱን ኵሉ ኻልእን ንየሆዋ ኼግዝእ እዩ። (1 ቈረ. 15:24-28) ከመይ ዝበለ ድንቂ ግዜ ዀን እዩ ኪኸውን! *

3. ኣብ 1 ቈረንቶስ 15:30-32 ተሓቢሩ ኸም ዘሎ፡ ጳውሎስ ኣብ ትንሳኤ ዝነበሮ እምነት እንታይ ኪገብር እዩ ሓጊዝዎ፧

3 ጳውሎስ ኣብ ትንሳኤ ዝነበሮ እምነት፡ እተፈላለየ ፈተናታት ኪጻወር ሓጊዝዎ እዩ። (1 ቈረንቶስ 15:30-32 ኣንብብ።) ንሰብ ቈረንቶስ፡ “መዓልቲ መዓልቲ ምስ ሞት እጓነፍ እየ” ኢልዎም እዩ። ኣስዕብ ኣቢሉ እውን፡ “ኣብ ኤፌሶን ምስ ኣራዊት . . . ገጠምኩ” ኢሉ ጽሒፉሎም እዩ። ምናልባት ኣብ ኤፌሶን ኣብ ዚርከብ ዓውዲ ምርኢት ምስ እንስሳታት ከም ዝገጠመ ይእምት ነይሩ ይኸውን። (2 ቈረ. 1:8፣ 4:10፣ 11:23) ወይ ድማ ከም “ኣራዊት” ምስ ዝዀኑ ተጻባእቲ ኣይሁድን ካልኦት ሰባትን ከም እተራኸበ የመልክት ነይሩ ይኸውን። (ግብ. 19:26-34፣ 1 ቈረ. 16:9) ዝዀነ ዀይኑ፡ ጳውሎስ ከቢድ ሓደጋ ኣጋጢምዎ ነይሩ እዩ። ኰይኑ ግና፡ ብዛዕባ መጻኢ ኣወንታዊ ኣመለኻኽታ ነይርዎ እዩ።—2 ቈረ. 4:16-18

ዕዮና ኣብ እተቐየደሉ ዓዲ ዚነብሩ ኣባላት ስድራ ቤት፡ ኣምላኽ ጽቡቕ ኪገብረሎም ምዃኑ ምሉእ ብምሉእ ብምእማን፡ ኣብ ኣምልኾኦም ይጸንዑ (ሕጡብ ጽሑፍ 4 ርአ)

4. ተስፋ ትንሳኤ ሎሚ ንዘለዉ ክርስትያናት ዜበርትዖም ብኸመይ እዩ፧ (ኣብ ገበር ዘላ ስእሊ ርአ።)

4 ንሕና እውን ኣብ ሓደገኛ ግዜ ኢና እንነብር ዘለና። ገሊኦም ኣሕዋትና ኣደዳ ገበን ኰይኖም እዮም። ገሊኦም ከኣ ንድሕንነቶም ኣብ ዜስግእ ብውግእ እተሓመሰ ዓዲ እዮም ዚነብሩ ዘለዉ። ገሊኦም ድማ ዕዮ ስብከትና ኣብ እተቐየደሉ ወይ ኣብ እተኣገደሉ ዓዲ ንህይወቶም ወይ ንናጽነቶም ኣብ ሓደጋ ኣእትዮም እዮም ንየሆዋ ዜገልግልዎ። ኵሎም እዞም ኣሕዋትናን ኣሓትናን ግና፡ ጸኒዖም ንየሆዋ የምልኽዎ ኣለዉ፣ ንዓና እውን ኣብነት ይዀኑና እዮም። ሕጂ ህይወቶም እኳ እንተ ሰኣኑ፡ የሆዋ ኣብ መጻኢ ኣጸቢቑ ዝሓሸ ነገር ሓሲቡሎም ከም ዘሎ ይፈልጡ እዮም።

5. እንታይ ሓደገኛ ኣረኣእያ እዩ ነቲ ኣብ ትንሳኤ ዘሎና እምነት ኬዳኽሞ ዚኽእል፧

5 ጳውሎስ ንኣሕዋቱ ብዛዕባ እቲ ገሊኦም ሰባት ዘለዎም ሓደገኛ ኣረኣእያ ኣጠንቂቕዎም እዩ፣ እቶም ሰባት እቲኦም፡ “ምዉታት ዘይትንስኡ እንተ ዀይኖምሲ፡ ‘ጽባሕ ክንመውት ኢና እሞ፡ ንብላዕን ንስተን’” ዚብል ኣረኣእያ እዩ ነይርዎም። እዚ ኣረኣእያ እዚ፡ ቅድሚ ግዜ ጳውሎስ እውን ነይሩ እዩ። ምናልባት ጳውሎስ ካብታ ንኣረኣእያ እስራኤላውያን እትምልከት ኢሳይያስ 22:13 ይጠቅስ ነይሩ ይኸውን። እስራኤላውያን ንኣምላኽ ኣብ ክንዲ ዚቐርብዎ፡ ኣብ ተድላ ዘተኰረ ህይወት እዮም ዚመርሑ ነይሮም። ብመሰረቱ፡ ኣመለኻኽታ እቶም እስራኤላውያን ከምዚ ሎሚ ዝውቱር ኰይኑ ዘሎ፡ “ሎሚ ኣለና፡ ጽባሕ የለናን” ዝዓይነቱ ኣረኣእያ እዩ ነይሩ። እዚ ኣተሓሳስባ ዘስዓበሎም ሕማቕ ሳዕቤን ግና፡ ኣብ ታሪኽ ተመዝጊቡ ኣሎ።—2 ዜና 36:15-20

6. ተስፋ ትንሳኤ ንናይ ኣዕሩኽ ምርጫና ኺጸልዎ ዘለዎ ብኸመይ እዩ፧

6 የሆዋ ንምዉታት ኬተንስእ ከም ዚኽእል ምፍላጥና፡ ንናይ ኣዕሩኽ ምርጫና ኺጸልዎ ኣለዎ። ኣብ ቈረንቶስ ዝነበሩ ኣሕዋት፡ ምስቶም ንትንሳኤ ዚኽሕዱ ሰባት ከይተዓራረኹ ኺጥንቀቑ ነይርዎም እዩ። እዚ ንዓና ዚኸውን ትምህርቲ ኣለዎ፦ ንሎሚ ጥራይ ምስ ዚነብሩ ሰባት ብምትዕርራኽ ዚርከብ ጥቕሚ የልቦን። ሓደ ናይ ሓቂ ክርስትያን ንኸምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ሰባት መዋዕልቱ ዚገብር እንተ ዀይኑ፡ ኣረኣእያኡን ልማዳቱን ኪበላሾ ይኽእል እዩ። ሕሉፍ ሓሊፉ፡ በቲ ኣምላኽ ዚጸልኦ መገዲ ሓጢኣት ኪመላለስ ይኽእል እዩ። በዚ ምኽንያት እዚ ድማ፡ ጳውሎስ፡ “ንጽድቂ ንቕሑ፡ ብሓጢኣት እውን ኣይትመላለሱ” ዚብል ሓያል ምሕጽንታ ኣቕሪቡ ኣሎ።—1 ቈረ. 15:33, 34

ብኸመይ ዝበለ ኣካል፧

7. ኣብ 1 ቈረንቶስ 15:35-38 ተጠቒሱ ኸም ዘሎ፡ ገሊኦም ብዛዕባ ትንሳኤ እንታይ ኢሎም ሓቲቶም ኪዀኑ ይኽእሉ፧

7 ቀዳማይ ቈረንቶስ 15:35-38 ኣንብብ። ኣብ ትንሳኤ ጥርጣረ ኺዘርእ ዝደለየ ሰብ፡ “ምዉታት ከመይ ኢሎም እዮም ዚትንስኡ፧” ኢሉ ሓቲቱ ይኸውን። ብዙሓት ሰባት ብዛዕባ እቲ ድሕሪ ሞት ዚህሉ ህይወት ነናቶም ኣረኣእያ ስለ ዘለዎም፡ ነቲ ጳውሎስ ዝሃቦ ምላሽ ምምርማርና ጽቡቕ እዩ። እሞ ደኣ መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ እዩ ዚምህር፧

ጳውሎስ ብዘርእን ብተኽልን ገይሩ፡ ኣምላኽ ነቶም ዜተንስኦም ዜድሊ ኣካል ከም ዚህቦም ብምሳሌ ኣረድአ (ሕጡብ ጽሑፍ 8 ርአ)

8. ትንሳኤ ሰማያዊ ህይወት ምእንቲ ኺርድኣና፡ እንታይ ምሳሌ ኽትሕግዘና ትኽእል፧

8 ሰብ ምስ ሞተ፡ ሰብነቱ ይምሽምሽ እዩ። እቲ ንዩኒቨርስ ካብ ዘየሎ ዝፈጠረ ግና፡ ነቲ ሰብ እቲ ዚኸውን ሰብነት ብምሃብ ኬተንስኦ ይኽእል እዩ። (ዘፍ. 1:1፣ 2:7) ኣምላኽ ነቲ ናይ ቀደም ሰብነት ሂቡ ኼተንስእ ከም ዘይግደድ ንምግላጽ፡ ጳውሎስ ሓንቲ ምሳሌ ተጠቒሙ ኣሎ። ብዛዕባ “ስርናይ” ወይ “ዘርኢ” እሞ ንሕሰብ። ኣብ ሓመድ እተዘርአት ዘርኢ፡ በቚላ ተኽሊ ትኸውን እያ። እታ ተኽሊ ግና ካብታ ንእሽቶ ዘርኢ ኣጸቢቓ ትፍለ እያ። ጳውሎስ በዛ ምሳሌ እዚኣ ገይሩ፡ ፈጣሪና ‘ኸም ዝደለዮ ገይሩ ኣካል ከም ዚህብ’ ገሊጹ ኣሎ።

9. ቀዳማይ ቈረንቶስ 15:39-41 ብዛዕባ በበይኑ ኣካላት እንታይ ትብል፧

9 ቀዳማይ ቈረንቶስ 15:39-41 ኣንብብ። ጳውሎስ፡ በበይኑ ዓይነት ፍጥረት ከም ዘሎ ሓቢሩ ኣሎ። ንኣብነት፡ በበይኑ ዓይነት ስጋ ኣሎ፣ ማለት ስጋ ኸብትን ስጋ ኣዕዋፍን ስጋ ዓሳን በበይኑ እዩ። ኣብ ሰማይ ድማ፡ ኣብ መንጎ ጸሓይን ወርሕን ፍልልይ ከም እንርኢ ገሊጹ ኣሎ። ኣስዕብ ኣቢሉ እውን፡ “ብኽብርስ ኰዀብ ካብ ኰዀብ ይበልጽ እዩ” ኢሉ ኣሎ። እወ፡ ብዓይንና ፍልልያቶም ከነለሊ ንኽእል እኳ እንተ ዘይኰንና፡ ተመራመርቲ ስነ ፍልጠት፡ ቀይሕ ገዚፍ ኰዀብ፡ ጻዕዳ ድንኪ ኰዀብ፡ ከምኡ ድማ ከም ጸሓይና ዝኣመሰለ ብጫ ኰዀብ ኢሎም ዚጽውዕዎም ዓይነት ከዋኽብቲ ኣለዉ። ብዘይካዚ፡ ጳውሎስ፡ “ሰማያውያን ኣካላት ድማ ኣለዉ፡ ምድራውያን ኣካላት ከኣ ኣለዉ” ኢሉ እዩ። እንታይ ማለቱ እዩ፧ ኣብ ምድሪ ዘለና፡ ስጋዊ ኣካላት ኣሎና፣ ከም መላእኽቲ ዝኣመሰሉ ኣብ ሰማይ ዘለዉ ግና፡ መንፈሳዊ ኣካላት እዩ ዘለዎም።

10. ኣብ ትንሳኤ እንታይ በበይኑ ኣካላት እዩ ኺህሉ ዚኽእል፧

10 ጳውሎስ ኣስዒቡ ኸምዚ ኢሉ ጽሒፉ ኣሎ፦ “ትንሳኤ ምዉታት እውን ከምኡ እዩ። ብዚሓልፍ ይዝራእ፡ ብዘይሓልፍ ይትንስእ።” ሰብ ምስ ሞተ፡ ስጋኡ መሽሚሹ ናብ ሓመድ ይምለስ እዩ። (ዘፍ. 3:19) እሞ ደኣ ኸመይ ገይሩ እዩ እቲ ሰብነት እቲ ‘ብዘይሓልፍ ዚትንስእ’፧ ጳውሎስ ብዛዕባ እቶም ከም ኤልያስን ኤልሳእን የሱስን ዘተንስእዎም ዝኣመሰሉ ኣብ ምድሪ ኺነብሩ ዚትንስኡ ሰባት ኣይኰነን ዚዛረብ ነይሩ። የግዳስ፡ ሰማያዊ ኣካል፡ ማለት “መንፈሳዊ ኣካል” ሒዞም ብዛዕባ ዚትንስኡ ሰባት እዩ ዚዛረብ ነይሩ።—1 ቈረ. 15:42-44

11-12. የሱስ ኪትንስእ ከሎ ብምንታይ ለውጢ እዩ ሓሊፉ፧ ቅቡኣት ክርስትያናትከ ብምንታይ ተመሳሳሊ ነገር እዮም ዚሓልፉ፧

11 የሱስ ኣብ ምድሪ ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ ስጋ እዩ ነይሩ። ምስ ተንስአ ግና፡ “ህያው ዚገብር መንፈስ ኰይኑ እዩ” ናብ ሰማይ ተመሊሱ። ብተመሳሳሊ፡ ቅቡኣት ክርስትያናት ናብ መንፈሳዊ ህይወት ኪትንስኡ እዮም። ጳውሎስ ነዚ ነገር እዚ፡ “ከምቲ ምስሊ እቲ ኻብ ሓመድ እተገብረ ዝለበስና፡ ምስሊ እቲ ሰማያዊ እውን ክንለብስ ኢና” ኢሉ ገሊጽዎ ኣሎ።—1 ቈረ. 15:45-49

12 ጳውሎስ ናብ መደምደምታ እቲ ብዛዕባ ትንሳኤ ዝሃቦ መብርሂ እዩ ዚበጽሕ ነይሩ። የሱስ ስጋ ዀይኑ ኸም ዘይተንስአ ኺጐልሕ ድማ ኣገዳሲ እዩ ነይሩ። ስለዚ፡ ብንጹር፡ “ስጋን ደምን [ኣብ ሰማይ] መንግስቲ ኣምላኽ ኪወርስ ከም ዘይክእል” ገለጸ። (1 ቈረ. 15:50) ሃዋርያትን ካልኦት ቅቡኣትን ሓላፊ ዝዀነ ስጋን ደምን ሒዞም ኣይኰኑን ናብ ሰማይ ዚትንስኡ። መዓስከ እዮም ዚትንስኡ፧ ጳውሎስ፡ እቲ ትንሳኤ እቲ ገና ኣብ መጻኢ ምዃኑ ሓበረ፣ ምስ ሞቱ ብቕጽበት ዚረኽብዎ ዘይምዃኑ እውን ገለጸ። ን1 ቈረንቶስ ኣብ ዝጸሓፈሉ እዋን፡ ከም ሃዋርያ ያእቆብ ዝኣመሰሉ ገሊኦም ደቀ መዛሙርቲ “ሞይቶም” እዮም ነይሮም። (ግብ. 12:1, 2) ገሊኦም ሃዋርያትን ቅቡኣትን ከኣ፡ ድሕሪኡ “ሞይቶም” እዮም።—1 ቈረ. 15:6

ኣብ ልዕሊ ሞት ዚርከብ ዓወት

13. ኣብቲ የሱስ ኣብዚ ዚህልወሉ እዋን እንታይ እዩ ኪኸውን፧

13 የሱስን ጳውሎስን ናብ ፍሉይ እዋን ኣመልኪቶም ነይሮም እዮም፣ እዚ ድማ እቲ ክርስቶስ ኣብዚ ዚህልወሉ እዋን እዩ። ኣብቲ እዋን እቲ ውግእን ምንቅጥቃጥ ምድርን ለበዳን ካልእ ዓለምለኻዊ ምዕባለታትን ከም ዚህሉ ብትንቢት ተነጊሩ ነይሩ እዩ። እዚ ትንቢት መጽሓፍ ቅዱስ እዚ፡ ካብ 1914 ኣትሒዙ ኺፍጸም ከሎ ርኢና ኢና። ብዘይካዚ፡ ካልእ ኣገዳሲ ኽፋል እቲ ምልክት ከም ዚህሉ እውን ተገሊጹ ነይሩ እዩ። የሱስ፡ ብስራት እታ እትቐውም መንግስቲ “ንምስክር ኵሎም ኣህዛብ ኣብ ኵላ ዓለም ኪስበኽ እዩ፣ ሽዑ፡ መወዳእታ ኺመጽእ እዩ” ኢሉ ነይሩ እዩ። (ማቴ. 24:3, 7-14) ጳውሎስ ከኣ እቲ “ጐይታ ኣብዚ . . . ዚህልወሉ እዋን፡” እቶም “ዝሞቱ” ቕቡኣት ክርስትያናት ዚትንስኡሉ እዋን ከም ዚኸውን ሓቢሩ ነይሩ እዩ።—1 ተሰ. 4:14-16፣ 1 ቈረ. 15:23

14. እቶም ክርስቶስ ኣብዚ ኣብ ዚህልወሉ እዋን ዚሞቱ ቕቡኣት እንታይ እዮም ዚዀኑ፧

14 እቶም ሎሚ ምድራዊ ህይወቶም ዚውድኡ ቕቡኣት ብቕጽበት ናብ ሰማያዊ ህይወት ይትንስኡ እዮም። ነዚ ዜረጋግጽ ከኣ፡ ኣብቲ ጳውሎስ ኣብ 1 ቈረንቶስ 15:51, 52 እተዛረቦ ቓላት ተመዝጊቡ ይርከብ። እታ ጥቕሲ ኸምዚ ትብል፦ “ኵላትና ኽንልወጥ ኢና እምበር፡ ኵላትና ኣይክንመውትን ኢና፣ እታ ናይ መወዳእታ መለኸት ኣብ እትንፍሓሉ እዋን፡ ብሓንሳእ፡ ብቕጽበት ዓይኒ ኽንልወጥ ኢና።” እዚ ቓላት ጳውሎስ እዚ፡ ሕጂ ይፍጸም ኣሎ! እዞም ኣሕዋት ክርስቶስ ኪትንስኡ ኸለዉ፡ ምሉእ ሓጐስ ኪረኽቡ እዮም፣ ስለምንታይሲ፡ “ንሓዋሩ ምስ ጐይታ” ኪዀኑ እዮም።—1 ተሰ. 4:17

እቶም “ብቕጽበት ዓይኒ” ዚልወጡ፡ ምስ የሱስ ሓቢሮም ንኣህዛብ ኣብ ምሕምሻሽ ኪሳተፉ እዮም (ሕጡብ ጽሑፍ 15 ርአ)

15. ነቶም “ብቕጽበት ዓይኒ” ዚልወጡ፡ እንታይ ዕዮ እዩ ዚጽበዮም፧

15 እቶም “ብቕጽበት ዓይኒ” ዚልወጡ፡ ኣብ ሰማይ እንታይ ከም ዚገብሩ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ይነግረና እዩ። የሱስ ንዓታቶም ከምዚ ኢልዎም ኣሎ፦ “ነቲ ዚስዕርን ክሳዕ መወዳእታ ግብረይ ዚሕሉን ከኣ፡ ኣብ ልዕሊ ኣህዛብ ስልጣን ክህቦ እየ፣ እዚ ድማ ከምቲ ኣነ ኻብ ኣቦይ እተቐበልክዎ እዩ። ንሱ እውን እቶም ህዝቢ ኸም ኣቕሑ መሬት ምእንቲ ኺሰባበሩ፡ ብበትሪ ሓጺን ኪጓስዮም እዩ።” (ራእ. 2:26, 27) እወ፡ ንሳቶም ኣሰር ኣዛዚኦም ስዒቦም ነቲ ሽዑ ዚዕየ ዕዮ ኺዓይዩ፡ ማለት ንኣህዛብ ብበትሪ ሓጺን ኪጓስይዎም እዮም።—ራእ. 19:11-15

16. ከመይ ኢሎም እዮም ብዙሓት ሰባት ኣብ ልዕሊ ሞት ዓወት ዚረኽቡ፧

16 እምበኣር፡ ቅቡኣት ኣብ ልዕሊ ሞት ኪዕወቱ እዮም። (1 ቈረ. 15:54-57) ምስ ተንስኡ ኸኣ ኣብቲ ኣብ ውግእ ኣርማጌዶን ዚግበር ንእከይ ካብ ብዘላ ምድሪ ናይ ምጥፋእ ወፈራ ኺሳተፉ እዮም። ሚልዮናት ክርስትያናት ሰብኡትን ኣንስትን ድማ ‘ካብቲ ብርቱዕ ጸበባ ወጺኦም’ ናብ ሓዳስ ዓለም ኪኣትዉ እዮም። (ራእ. 7:14) እቶም ኣብ ምድሪ ብህይወት ዚተርፉ ሰባት፡ ኣብ ልዕሊ ሞት ዚርከብ ካልእ ዓወት ብዓይኖም ኪርእዩ እዮም፣ እወ፡ ሞይቶም ዝነበሩ ቢልዮናት ሰባት ኪትንስኡ ኸለዉ ኺርእዩ እዮም። ነቲ ዓወት እቲ ምስ ረኣና ዚህሉ ሓጐስ እሞ ሕስብ ኣብሎ! (ግብ. 24:15) ኵሎም እቶም ንየሆዋ ምሉእ ብምሉእ እሙናት ዝዀኑ፡ ኣብ ልዕሊ እቲ ዝወረስዎ ሞት ዓወት ኪረኽቡ እዮም። ንዘለኣለም ከኣ ኪነብሩ እዮም።

17. ብመሰረት 1 ቈረንቶስ 15:58፡ ሕጂ እንታይ ኢና ኽንገብር ዘሎና፧

17 ብህይወት ዘሎ ዅሉ ክርስትያን ነቲ ጳውሎስ ብዛዕባ ትንሳኤ ናብ ሰብ ቈረንቶስ ዝጸሓፎ ቓላት ኬመስግነሉ ኣለዎ። ነቲ ጳውሎስ ኣብ “ዕዮ ጐይታ” ምሉእ ብምሉእ ኽንሳተፍ ዝሃቦ ምሕጽንታ ኽንቅበሎ ዚድርኽ ጽቡቕ ምኽንያት ኣሎና። (1 ቈረንቶስ 15:58 ኣንብብ።) ኣብቲ ዕዮ እቲ ብተኣማንነትን ብንጥፈትን እንተ ተሳቲፍና፡ ኣብ መጻኢ ኣዝዩ ዜሐጕስ ህይወት ኪህልወና ይኽእል እዩ። እቲ መጻኢ እቲ፡ ክንሓስቦ ኻብ እንኽእልን ንላዕሊ ዜደንቕ ኪኸውን እዩ። ጻዕርና ብጐይታ ኸንቱ ኸም ዘይኰነ ኺረጋገጽ እዩ።

መዝሙር 140 ገደብ ኣልቦ ህይወት!

^ ሕ.ጽ. 5 ካልኣይ ክፋል 1 ቈረንቶስ ምዕራፍ 15 ብዛዕባ ትንሳኤ፡ ምናዳ ኸኣ ብዛዕባ ትንሳኤ ቕቡኣት ክርስትያናት ዝርዝር ሓበሬታ ሒዛ ኣላ። ኰይኑ ግና፡ እቲ ጳውሎስ ዝጸሓፎ ነገር፡ ንኻልኦት ኣባጊዕ እውን የገድሶም እዩ። እዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ተስፋ ትንሳኤ ሕጂ ንህይወትና ብኸመይ ኪጸልዎ ኸም ዚግባእን ንመጻኢና ብኸመይ ብሩህ ከም ዚገብሮን ትገልጽ።

^ ሕ.ጽ. 2 ምስዚ ጕዳይ እዚ እተተሓሓዘት “ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ” ዘርእስታ ዓንቀጽ፡ ብዛዕባ እቲ ኣብ 1 ቈረንቶስ 15:29 ዚርከብ ጳውሎስ ዝሃቦ ሓሳብ ትገልጽ።