ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ዓንቀጽ መጽናዕቲ 51

‘የሆዋ ነቶም ተስፋ ዝቘረጹ የድሕኖም’

‘የሆዋ ነቶም ተስፋ ዝቘረጹ የድሕኖም’

“የሆዋ ነቶም ስቡር ዝልቦም ቀረባኦም እዩ፣ ነቶም ተስፋ ዝቘረጹ ኸኣ የድሕኖም።”—መዝ. 34:18፡ እ.ጽ.።

መዝሙር 30 ኣቦይ፡ ኣምላኸይ፡ ፈታውየይ

መላለዪ *

1-2. ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ እንታይ ኢና ኽንርኢ፧

ሓድሓደ ግዜ፡ ህይወት ሓጺርን “ሽግር ዝመልኦን” ምዃኑ ንሓስብ ኢና። (እዮ. 14:1) ስለዚ፡ ኣብ ገሊኡ እዋን ተስፋ እንተ ቘረጽና ዜገርም ኣይኰነን። ብዙሓት ጥንቲ ዝነበሩ ኣገልገልቲ የሆዋ ኸምኡ ተሰሚዕዎም እዩ። ገሊኦም እሞ ኸኣ ሞት ተመንዮም እዮም። (1 ነገ. 19:2-4፣ እዮ. 3:1-3, 11፣ 7:15, 16) ኰይኑ ግና፡ እቲ እተወከልዎ ኣምላኾም የሆዋ ብተደጋጋሚ ኣጸናኒዕዎምን ኣበርቲዕዎምን እዩ። ዛንታኦም ከኣ ንዓና መጸናንዕን ትምህርትን ኪኸውን ተባሂሉ ተመዝጊቡ ኣሎ።—ሮሜ 15:4

2 ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ተስፋ ዜቝርጽ መከራ ብዛዕባ ዘሕለፉ ኣገልገልቲ የሆዋ ኽንርኢ ኢና፣ ንሳቶም ከኣ ዮሴፍ ወዲ ያእቆብ፡ እታ መበለት ዝነበረት ናእሚን ሰበይቲ ወዳ ዝነበረት ሩትን፡ እቲ ንመዝሙር 73 ዝጸሓፋ ሌዋዊ፡ ከምኡ ድማ ሃዋርያ ጴጥሮስ እዮም። እሞ ደኣ የሆዋ ንዓታቶም ብኸመይ እዩ ኣበርቲዕዎም፧ ካብ ኣብነቶምከ ብብሕትና እንታይ ክንምሃር ንኽእል፧ መልሲ እዚ ሕቶታት እዚ፡ “የሆዋ ነቶም ስቡር ዝልቦም ቀረባኦም” ምዃኑ፡ “ነቶም ተስፋ ዝቘረጹ ኸኣ [ከም ዜድሕኖም]” የረጋግጸልና እዩ።—መዝ. 34:18፡ እ.ጽ.።

ዮሴፍ ጭካነን ግፍዕን ኣሕሊፉ

3-4. ዮሴፍ መንእሰይ ከሎ እንታይ እዩ ኣጋጢምዎ፧

3 ዮሴፍ ካብ ኣምላኽ ዝመጸ ኽልተ ሕልሚ ኣብ ዝሓለመሉ ግዜ፡ ወዲ 17 ዓመት ኣቢሉ ነበረ። እዚ ሕልምታት እዚ ኸኣ ዮሴፍ ኣብ ስድራ ቤቱ ኣኽቢርካ ዚርአ ቦታ ኸም ዚህልዎ ዚሕብር እዩ ነይሩ። (ዘፍ. 37:5-10) ነዚ ሕልምታት እዚ ኻብ ዚሓልም ነዊሕ ከይጸንሐ ግና፡ ህይወቱ ኣመና ተቐየረ። ኣሕዋቱ ኣብ ክንዲ ዜኽብርዎ፡ ንባርነት ሸጥዎ። በዚ ኸምዚ፡ ጶጢፋር ንዚብሃል ግብጻዊ ብዓል ስልጣን ባርያኡ ዀነ። (ዘፍ. 37:21-28) ኣብ ሓጺር እዋን፡ እቲ ብኣቦኡ ፍቱው ዝነበረ ወዲ፡ ኣብ ቤት ሓደ ኣረማዊ ብዓል ስልጣን ግብጺ ዜገልግል ትሑት ባርያ ዀነ።—ዘፍ. 39:1

4 እዚ ኸይኣክል ድማ፡ ኣብ ልዕሊ ዮሴፍ ዚወርድ ሽግር እናገደደ ኸደ። ሰበይቲ ጶጢፋር ኪዕምጻ ኸም ዝፈተነ ገይራ ብሓሶት ከሰሰቶ። ጶጢፋር ከኣ ነቲ ኽሲ ኸይመርመረ፡ ናብ ቤት ማእሰርቲ ደርበዮ፣ በዚ ኸምዚ እውን ብሓጺን ተኣስረ። (ዘፍ. 39:14-20፣ መዝ. 105:17, 18) እቲ ገና ንእሽቶ ዝነበረ ዮሴፍ፡ ንሰበይቲ ኺዕምጽ ከም ዝፈተነ ጌርካ ብሓሶት ኪኽሰስ ከሎ እንታይ ከም ዚስምዖ እሞ ገምቶ። እዚ ነገር እዚ ኣብ ስም የሆዋ ኼምጽኦ ዚኽእል ዝነበረ ጸርፊ እሞ ሕሰቦ። ብርግጽ እምበኣር ዮሴፍ ተስፋ ዜቝርጽ ኵነታት እዩ ነይርዎ!

5. ዮሴፍ ተስፋ ምእንቲ ኸይቈርጽ እንታይ እዩ ገይሩ፧

5 ዮሴፍ ባርያን እሱርን ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ ኣማራጺታቱን ናጽነቱን ድሩት እዩ ነይሩ። እሞ ደኣ ኸመይ ገይሩ እዩ ሚዛኑ ሓልዩ፧ ኣብቲ ኺገብሮ ዘይክእል ነገራት ኣብ ክንዲ ዜተኵር፡ ነቲ እተዋህቦ ዕዮ ብትግሃት ዓይዩ እዩ። ልዕሊ ዅሉ ድማ፡ ንየሆዋ ኣብ ህይወቱ ቐዳምነት ሂብዎ እዩ። የሆዋ ድማ ንዮሴፍ ኣብ ኵሉ ተግባሩ ባሪኽዎ እዩ።—ዘፍ. 39:21-23

6. ዮሴፍ ብሕልምታቱ ተጸናኒዑ ኪኸውን ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧

6 ዮሴፍ ብዛዕባ እቲ ዝሓለሞ ትንቢታዊ ሕልምታት ብምሕሳብ እውን፡ ተተባቢዑ ኪኸውን ይኽእል እዩ። እቲ ሕልምታቱ፡ ንስድራ ቤቱ ኸም ዚረኽቦምን ኵነታቱ ኸም ዚምሓየሽን ዚእምት እዩ ነይሩ። ከምኡ ኸኣ እዩ ዀይኑ። ዮሴፍ ወዲ 37 ዓመት ኣቢሉ ምስ ኰነ፡ እቲ ትንቢታዊ ሕልምታቱ ብዜደንቕ መገዲ ኺፍጸም ጀመረ።—ዘፍ. 37:7, 9, 10፣ 42:6, 9

7. ብመሰረት 1 ጴጥሮስ 5:10፡ መከራ ኽንጻወር ዚሕግዘና እንታይ እዩ፧

7 ንዓና ዚኸውን ትምህርቲ። እዚ ዛንታ እዚ፡ እዛ ዓለም ጨካን ምዃናን ኣደዳ ግፍዒ ኽንከውን ከም እንኽእልን የዘኻኽረና። ክርስትያን ብጻይና እውን ከይተረፈ ኺጐድኣና ይኽእል እዩ። ንየሆዋ ኸም ከውሕና ወይ ከም እምባና ጌርና ንርእዮ እንተ ዄንና ግና፡ ኣይንድሃልን ወይ ንዕኡ ምግልጋል ኣይነቋርጽን ኢና። (መዝ. 62:6, 7፣ 1 ጴጥሮስ 5:10 ኣንብብ።) ብዘይካዚ፡ ዮሴፍ ካብ የሆዋ ፍሉይ ኣትኵሮ ኣብ እተገብረሉ እዋን፡ ገና ወዲ 17 ዓመት ኣቢሉ ኸም ዝነበረ ኣይንረስዕ። የሆዋ ንመንእሰያት ኣገልገልቱ ይተኣማመነሎም እዩ። ሎሚ፡ ብዙሓት መንእሰያት ከም ዮሴፍ እዮም። ኣብ የሆዋ እምነት ኣለዎም። ገሊኣቶም ኣብቲ ንኣምላኽ ዘለዎም ተኣማንነት ዘይለማለሙ ብምዃኖም፡ ብግፍዒ ተኣሲሮም ኣለዉ።—መዝ. 110:3

ሓዘን ዝኸበደን ክልተ ኣንስቲ

8. ናእሚን ሩትን እንታይ እዩ ኣጓኒፍወን፧

8 ኣብ ይሁዳ ብርቱዕ ጥሜት ስለ ዝዀነ፡ ናእሚ ምስ ስድራ ቤታ ዓዳ ሓዲጋ ኣብ ሞኣብ ጓና ዀይና ተቐመጠት። ኣብኡ ኸኣ፡ ኤሊሜሌክ ሰብኣያ ምስ ክልተ ደቃ ሓዲግዋ ሞተ። ጸኒሖም ከኣ፡ ክልቲኦም ደቃ ሩትን ዖርጳን ዚብሃላ ሞኣባውያን ኣንስቲ ኣእተዉ። ድሕሪ ዓሰርተ ዓመት ኣቢሉ፡ ክልቲኦም ደቂ ናእሚ ብዘይ ውሉድ ሓዲጎምዋ ሞቱ። (ሩት 1:1-5) እተን ሰለስተ ኣንስቲ ኽሳዕ ክንደይ ከም ዝሓዘና እሞ ገምቶ! ሩትን ዖርጳን ዳግም ኪምርዓዋ ይኽእላ ነይረን እየን። ነታ ብዕድመ ዝደፍአት ናእሚ ግና መን እዩ ዚጥውራ፧ ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ናእሚ እምብዛ ተጨኒቓ ብምንባራ፡ “እቲ ዅሉ ዚኽእል ንህይወተይ ኣዝያ መራር ገይሩዋ እዩ እሞ፡ ማራ ኢልክን ደኣ ጸውዓኒ እምበር፡ ናእሚ ኢልክንሲ ኣይትጸውዓኒ” ኢላ ተዛሪባ እያ። ብሓዘን ልባ ተሰቢሩ ኸሎ፡ ናብ ቤት-ልሄም ክትምለስ ወሰነት፣ ሩት ድማ ምስኣ ኸደት።—ሩት 1:7, 18-20

ኣምላኽ በቲ ንናእሚን ንሩትን ዝገበረለን ኣቢሉ፡ ንኣምለኽቱ፡ ነቲ ዜጋጥሞም ምቝራጽ ተስፋን ሓዘንን ኪሰግሩ ኸም ዚሕግዞም ኣርእዩ እዩ። ንዓኻኸ ኸምኡ ኺገብረልካ ይኽእል ድዩ፧ (ሕጡብ ጽሑፍ 8-13 ርአ) *

9. ብመሰረት ሩት 1:16, 17, 22፡ ከመይ ገይራ እያ ሩት ንናእሚ ዘተባብዓታ፧

9 ንናእሚ ዜድልያ ፈውሲ፡ ብተኣማንነት ዚርአ ፍቕሪ እዩ ነይሩ። ንኣብነት፡ ሩት ናብ ናእሚ ብምልጋብ፡ ብተኣማንነት ኣፍቂራታ እያ። (ሩት 1:16, 17, 22 ኣንብብ።) ኣብ ቤት-ልሄም ከኣ፡ ሩት ንርእሳን ንናእሚን ዚኸውን ስገም ብምቕራም፡ ብትግሃት ዓይያ እያ። በዚ ኸምዚ ድማ፡ ንፍዕቲ ሰበይቲ ምዃና ኣብ ኵሉ ተፈልጠ።—ሩት 3:11፣ 4:15

10. ብኸመይ እዩ የሆዋ ንኸም ናእሚን ሩትን ዝኣመሰሉ ድኻታት ፍቕሩ ዘርኣዮም፧

10 የሆዋ ንእስራኤላውያን ርሕራሐ ዘለዎ ሕጊ ሂብዎም ስለ ዝነበረ፡ ንኸም ናእሚን ሩትን ዝኣመሰሉ ድኻታት ዚኸውን መሰናድዎ ነይርዎም እዩ። እቶም ህዝቢ ግራውቶም ኪዓጽዱ ኸለዉ፡ ንድኻታት ቀሪም ምእንቲ ኪኸውን ደረት ግራቶም ከይዓጽዱ ተነግሪዎም ነይሩ እዩ። (ዘሌ. 19:9, 10) ስለዚ፡ ናእሚን ሩትን ዚብላዕ ኪልምና ኣይተገደዳን። ከይተዋረዳ ምግቢ ኺረኽባ ይኽእላ ነይረን እየን።

11-12. ቦኣዝ ንናእሚን ንሩትን ዘሐጐሰን ብኸመይ እዩ፧

11 ዋና እቲ ሩት ዝቐረመትሉ ግራት፡ ቦኣዝ ዚብሃል ሃብታም ሰብኣይ እዩ ነይሩ። ንሱ ድማ በቲ ሩት ንሓማታ ናእሚ ዘርኣየታ ተኣማንነትን ፍቕርን ልቡ ኣመና ስለ እተተንከየ፡ ንርስቲ እቲ ስድራ ቤት ተበጀዎ፡ ንሩት ከኣ ሰበይቱ ኽትኰኖ ወሰዳ። (ሩት 4:9-13) ንሳ ድማ ዖቤድ ዝስሙ ወዲ ወለደትሉ፣ እቲ ወዲ ኸኣ ኣባሓጎ ንጉስ ዳዊት ኰነ።—ሩት 4:17

12 ናእሚ ንዖቤድ ብሕጻንነቱ ሓቚፋ ኻብ ልቢ ንየሆዋ ኸተመስግኖ ኸላ እሞ ብኣእምሮኻ ስኣሎ! እቲ ናእሚን ሩትን ዝረኸባኦ ብሉጽ በረኸት ግና፡ ብሕጂ እየን ኪፈልጣ። ካብ ምዉታት ምስ ተንስኣ፡ ዖቤድ ኣብ መስመር ወለዶ እቲ እተተስፈወ መሲሕ ዝዀነ የሱስ ክርስቶስ ከም ዝኣተወ ኺፈልጣ እየን!

13. ካብ ዛንታ ናእሚን ሩትን እንታይ ጠቓሚ ትምህርቲ ኽንረክብ ንኽእል፧

13 ንዓና ዚኸውን ትምህርቲ። ብመከራ ኽንሓልፍ ከለና፡ ተስፋ ኽንቈርጽ ንኽእል ኢና፡ ወይ ልብና ኺስበር ይኽእል እዩ። ምናልባት ሽዑ መውጽኢ ኣይረኣየናን ይኸውን። ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ኣብቲ ሰማያዊ ኣቦና ምሉእ ብምሉእ ክንእመንን ናብ ክርስትያናት ብጾትና ኽንለግብን ኣሎና። የሆዋ ነቲ መከራና ኣየወግዶን ይኸውን። ንናእሚ እውን እንተ ዀነ፡ ሰብኣያን ደቃን ኣየተንስኣላን። ኰይኑ ግና፡ ብመንፈሳውያን ስድራ ቤትና ኣቢሉ ብተኣማንነት ብምፍቃር፡ ንጸገማትና ኽንጻወር ይሕግዘና እዩ።—ምሳ. 17:17

ሓደ ሌዋዊ ዳርጋ ተዓንቂፉ ነይሩ

ጸሓፊ መዝሙር 73 በቲ ንየሆዋ ውፉያት ዘይኰኑ ሰባት ዚረኽብዎ ዚመስል ኣሳልጦ ዳርጋ ተዓንቂፉ ነይሩ እዩ። ንዓና እውን ከምኡ ኼጋጥመና ይኽእል እዩ (ሕጡብ ጽሑፍ 14-16 ርአ)

14. ሓደ ሌዋዊ ኣመና ተስፋ ዝቘረጸ ስለምንታይ እዩ፧

14 ንመዝሙር 73፡ ሓደ ሌዋዊ እዩ ጽሒፍዋ። ስለዚ ድማ፡ ኣብ ቦታ ኣምልኾ የሆዋ ናይ ምግልጋል ፍሉይ መሰል ነይርዎ እዩ። ሓደ ግዜ ግና፡ ንሱ እውን ተስፋ ቘሪጹ ነይሩ እዩ። ስለምንታይ፧ ንእኩያትን ንዕቡያትን ብኽፍኣቶም ኣይኰነን ቀኒኡሎም፣ የግዳስ፡ ጽቡቕ ዝረኸቡ ስለ ዝመሰሎ እዩ ኪቐንኣሎም ጀሚሩ። (መዝ. 73:2-9, 11-14) ኵሉ ዝረኸቡ እዮም ዚመስሉ ነይሮም፣ ሃብቲ ዘለዎም፡ ጽቡቕ ህይወት ዘለዎም፡ ጭንቀት ዘይብሎም እዮም ዚመስሉ ነይሮም። ዝሰለጦም ይመስሉ ብምንባሮም ከኣ፡ እቲ ዘማሪ፡ “ብርግጽ ኣነ ብኸንቱ እየ ልበይ ኣንጺሀ፡ ንኣእዳወይ እውን ብንጽህና ሓጺበ” ኢሉ ተዛሪቡ እዩ። ብንጹር እምበኣር ኣብ ከቢድ መንፈሳዊ ሓደጋ እዩ ነይሩ።

15. ብመሰረት መዝሙር 73:16-19, 22-25፡ እቲ ነዛ መዝሙር ዝጸሓፋ ሌዋዊ ብኸመይ እዩ ንዘጋጠሞ ምቝራጽ ተስፋ ኺሰግሮ ኽኢሉ፧

15 መዝሙር 73:16-19, 22-25 ኣንብብ። ድሕርዚ፡ እቲ ሌዋዊ ‘ናብቲ ዓብዪ መቕደስ ኣምላኽ ኣተወ።’ ኣብኡ ድማ፡ ምናልባት ኣብ መንጎ ኸምኡ ዝኣመሰሉ ኣምለኽቲ ዀይኑ፡ ንዅነታቱ ብህድኣትን ብንጹርን ብጸሎትን ኪግምግሞ ኸኣለ። ከም ውጽኢቱ ድማ፡ ኣተሓሳስባኡ ዕሽነት ምንባሩ፡ ካብ መገዲ የሆዋ ዚፈልዮ ሓደገኛ መገዲ እውን ከም ዝጀመረ ኺግንዘብ ከኣለ። እኩያት “ኣብ መንደልሃጺ ቦታ” ኸም ዘለዉ፡ ‘ተወዲኦም ድማ ከም ዚጸንቱ’ ኣስተውዓለ። ካብ ቅንእን ምቝራጽ ተስፋን ምእንቲ ኺሓዊ፡ ብኣረኣእያ የሆዋ ኺርኢ ነይርዎ። ከምኡ ምስ ገበረ፡ ሰላም ረኸበ፡ በዚ እውን ተሓጐሰ። ስለዚ ድማ፡ “ብዘይካኻ [ብዘይካ የሆዋ] ኣብ ምድሪ ዝደልዮ የብለይን” በለ።

16. ካብቲ ሌዋዊ እንታይ ንምሃር፧

16 ንዓና ዚኸውን ትምህርቲ። በቶም ጽቡቕ ዝረኸቡ ዚመስሉና እኩያት ኣይንቕናእ። ሓጐሶም ግዳማውን ሓላፍን እዩ፣ ነባሪ መጻኢ የብሎምን። (መክ. 8:12, 13) ብኣታቶም ምቕናእ፡ ተስፋ ምቝራጽን መንፈሳዊ ዕንወትን ከም ምጽዋዕ እዩ። ስለዚ፡ በቲ እኩያት ዝረኸብዎ ዚመስል ኣሳልጦ ኽትቀንእ እንተ ጀሚርካ፡ ከምቲ እቲ ሌዋዊ ዝገበሮ ግበር። ነቲ ኣምላኽ ብፍቕሪ ዝሃበካ ምኽሪ ስምዓዮ፣ ፍቓድ የሆዋ ምስ ዚገብሩ ሰባት እውን ሕበር። ብየሆዋ ኣዝዩ ደስ ምስ ዚብለካ፡ ናይ ሓቂ ሓጐስ ክትረክብ ኢኻ። ብመገዲ “ናይ ሓቂ ህይወት” እውን ጸኒዕካ ኽትመላለስ ኢኻ።—1 ጢሞ. 6:19

ጴጥሮስ ብሰንኪ ድኻሙ ተስፋ ቘሪጹ

ብዛዕባ እቲ ጴጥሮስ ንምቝራጽ ተስፋ ሰጊሩ ንኣምላኽ ኣብ ምግልጋል ዘተኰረሉ ዛንታ ብምስትንታን፡ ንርእስና ወይ ንኻልኦት ክንሕግዝ ንኽእል ኢና (ሕጡብ ጽሑፍ 17-19 ርአ)

17. ጴጥሮስ እንታይ ተስፋ ዜቝርጽ ምኽንያታት እዩ ነይርዎ፧

17 ሃዋርያ ጴጥሮስ ብርቱዕ ሰብኣይ እዩ ነይሩ፣ ሓድሓደ ግዜ ግና፡ ስምዒቱ ብታህዋኽ ዚገልጽ ውዑይ ሰብ እዩ ነይሩ። በዚ ምኽንያት እዚ፡ ኣብ ገሊኡ ኣጋጣሚታት ዜጣዕሶ ነገር ተዛሪቡ ወይ ገይሩ እዩ። ንኣብነት፡ የሱስ ንሃዋርያቱ፡ መከራ ኺጸግብን ኪመውትን ምዃኑ ምስ ነገሮም፡ ጴጥሮስ፡ “እዝስ ኣይብጻሕካ” ኢሉ ኺገንሖ ጀመረ። (ማቴ. 16:21-23) ኣብቲ ግዜ እቲ፡ የሱስ ንጴጥሮስ ኣረሞ። ኣብ ካልእ ኣጋጣሚ፡ ጭፍራ ሰባት ንየሱስ ኪሕዝዎ ምስ መጹ፡ ጴጥሮስ ብታህዋኽ ስጕምቲ ብምውሳድ፡ ንባርያ ሊቀ ኻህናት እዝኑ ቘረጾ። (ዮሃ. 18:10, 11) ሽዑ እውን፡ የሱስ ንጴጥሮስ ኣረሞ። ኣብ ካልእ እዋን ከኣ፡ ጴጥሮስ፡ ካልኦት ሃዋርያት እኳ ብክርስቶስ እንተ ተዓንቀፉ፡ ንሱ ግና ከቶ ኸም ዘይዕንቀፍ ተጃህረ! (ማቴ. 26:33) ብርእሱ እምብዛ ይተኣማመን እኳ እንተ ነበረ፡ ብፍርሂ ሰብ ግና ተሰነፈ፣ ንጐይታኡ ድማ ሰለስተ ሳዕ ከሓዶ። በዚ ኣመና ተስፋ ቘሪጹ ድማ፡ “ናብ ወጻኢ ኸይዱ፡ . . . ኣምሪሩ በኸየ።” (ማቴ. 26:69-75) ኣብቲ እዋን እቲ፡ ‘የሱስ ይቕረ ኺብለለይ ድዩ፧’ ኢሉ ሓሲቡ ኪኸውን ይኽእል እዩ።

18. የሱስ ንጴጥሮስ፡ ነቲ ዘጋጠሞ ምቝራጽ ተስፋ ኼሰንፍ ብኸመይ ሓጊዝዎ፧

18 ኰይኑ ግና፡ ጴጥሮስ ጠሪሱ ተስፋ ኣይቈረጸን። ምስ ተዓንቀፈ፡ መገዱ ቐጺሉ እዩ፣ ድሕሪኡ ድማ፡ ምስ ካልኦት ሃዋርያት ብሓባር ከም ዝነበረ ተጠቒሱ ንረክብ ኢና። (ዮሃ. 21:1-3፣ ግብ. 1:15, 16) ንጸገሙ ኺሰግሮ ዝሓገዞ እንታይ እዩ፧ ብቐዳምነት፡ የሱስ ንጴጥሮስ፡ እምነቱ ኸይትጠፍእ ኣቐዲሙ ጸልዩሉ ነይሩ እዩ፣ ብዘይካዚ ድማ፡ ተመሊሱ ንኣሕዋቱ ኼበርትዖም ተማሕጺንዎ ነይሩ እዩ። የሆዋ ድማ ነቲ ልባዊ ጸሎት ምላሽ ሂቡሉ እዩ። ድሕርዚ፡ የሱስ ንጴጥሮስ ብውልቂ ተራእይዎ እዩ፣ ከምኡ ዝገበረ ኸኣ ኬተባብዖ ኢሉ ኪኸውን ኣለዎ። (ሉቃ. 22:32፣ 24:33, 34፣ 1 ቈረ. 15:5) እቶም ሃዋርያት ዓሳ ኺገፍፉ ፈቲኖም ከይሰለጦም ምስ ሓደሩ፡ የሱስ ተራእይዎም እዩ። ኣብቲ ኣጋጣሚ እቲ፡ የሱስ ንጴጥሮስ፡ ንዕኡ ኽሳዕ ክንደይ ከም ዜፍቅሮ ኼረጋግጸሉ ዜኽእል ኣጋጣሚ ሃቦ። የሱስ ነቲ ፍቑር ፈታዊኡ ኣይረስዖን፡ ተወሳኺ ዕዮ እውን ሃቦ።—ዮሃ. 21:15-17

19. መዝሙር 103:13, 14 ንሓጢኣትና ብዓይኒ የሆዋ ጌርና ኽንርኢ ብኸመይ ትሕግዘና፧

19 ንዓና ዚኸውን ትምህርቲ። እቲ የሱስ ንጴጥሮስ ዝሓዘሉ መገዲ፡ ምሕረቱ የጕልሕ እዩ፣ የሱስ ንኣቦኡ ፍጹም ብዝዀነ መገዲ የንጸባርቖ እዩ። ስለዚ፡ ጌጋታት ክንገብር ከለና፡ ተስፋ ዘይብልና ኸም ዝዀንና ጌርና ኣይንሕሰብ። ሰይጣን በዚ ስምዒት እዚ ኽንስነፍ ይደልየና እዩ። ኣብ ክንዳኡስ፡ ንገዛእ ርእስናን ነቶም ዝበደሉናን በተን ርሕሩሓትን ፈቃራትን ኣዒንቲ ሰማያዊ ኣቦና ጌርና ኽንርኢ ንጽዓር።—መዝሙር 103:13, 14 ኣንብብ።

20. ኣብ እትስዕብ ዓንቀጽ እንታይ ክንርኢ ኢና፧

20 ዮሴፍን ናእሚን ሩትን እቲ ሌዋውን ጴጥሮስን ዝሓደግዎ ኣብነት፡ “የሆዋ ነቶም ስቡር ዝልቦም ቀረባኦም” ምዃኑ የረጋግጸልና እዩ። (መዝ. 34:18) ልክዕ እዩ፡ መከራ ኼጋጥመናን ብእተወሰነ ተስፋ ኽንቈርጽን ይፈቅድ እዩ። ይኹን እምበር፡ ንዜጋጥመና ፈተናታት ብሓገዝ የሆዋ ኽንጻወር ከለና፡ እምነትና ትድልድል እያ። (1 ጴጥ. 1:6, 7) ኣብ እትስዕብ ዓንቀጽ፡ የሆዋ ብሰንኪ ዘይፍጽምናኦም ወይ ካልእ ጸገማት ተስፋ ንዝቘረጹ እሙናቱ ኸመይ ገይሩ ተወሳኺ ሓገዝ ከም ዚህቦም ክንርኢ ኢና።

መዝሙር 7 የሆዋ እዩ ሓይልና

^ ሕ.ጽ. 5 ዮሴፍን ናእሚን ሩትን ሓደ ሌዋውን ሃዋርያ ጴጥሮስን ተስፋ ዜቝርጽ መከራ ኣጋጢምዎም እዩ። ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ የሆዋ ብኸመይ ከም ዘጸናንዖምን ከም ዘበርትዖምን ክንርኢ ኢና። ካብ ኣብነቶም ኰነ ኻብቲ ኣምላኽ ንዓታቶም ዘርኣዮም ርሕራሐ እውን ክንምሃር ኢና።

^ ሕ.ጽ. 56 መግለጺ ስእሊ፦ ናእሚን ሩትን ዖርጳን ብሞት ሰብኡተን ይሓዝናን ተስፋ ይቘርጻን። ደሓር፡ ዖቤድ ምስ ተወልደ፡ ሩትን ናእሚን ምስ ቦኣዝ ሓቢረን ይሕጐሳ።