ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

ምሳሌ 24:16፡ “ጻድቕሲ ሸውዓተ ሳዕ ይወድቕ እሞ መሊሱ ይትንስእ” ትብል። እዛ ፍቕዲ እዚኣስ ብተደጋጋሚ ኣብ ሓጢኣት ንዚወድቕ እሞ ኣምላኽ ይቕረ ንዚብለሉ ሰብ ድያ እተመልክት፧

ከም ሓቂ፡ እዛ ፍቕዲ እዚኣ ኸምኡ ማለት ኣይኰነትን። ኣብ ክንዳኡስ፡ “ይወድቕ” ኪብሃል ከሎ፡ ጸገማት ወይ ተጻብኦታት ብተደጋጋሚ ኸም ዜጋጥሞ፡ “መሊሱ ይትንስእ” ኪብሃል ከሎ ድማ፡ ነቲ ሽግራት ከም ዚሰግሮ እዩ ዜመልክት።

ኣብ ከባቢ እታ ጥቕሲ ዘሎ ሓሳባት እሞ ንርአ፦ “ኣብ ጥቓ ቤት ጻድቕ ብኽፍኣት ኣይተድቢ፣ ነታ መዕረፊቱ ኣይተጥፍኣያ። ጻድቕሲ ሸውዓተ ሳዕ ይወድቕ እሞ መሊሱ ይትንስእ፣ እኩያት ግና ብመዓት ይዕንቀፉ። ጸላኢኻ ምስ ዚወድቕ፡ ባህ ኣይበልካ፣ ምስ ዚዕንቀፍ ከኣ፡ ልብኻ ኣይተሓጐስ።”—ምሳ. 24:15-17

ፍቕዲ 16 ብሓጢኣት ንዚወድቕ እሞ መሊሱ ንዚትንስእ ሰብ ከም እተመልክት ገሊኦም ይኣምኑ እዮም። ክልተ ብሪጣንያውያን ኣቕሽሽቲ፡ “ጥንትን ሕጅን ዘለዉ ሰበኽቲ፡ ነዛ ጥቕሲ እዚኣ በዚ መገዲ እዚ ብዙሕ ተጠቒሞምላ እዮም” ኢሎም ጽሒፎም ኣለዉ። ነዚ ኣረኣእያ እዚ ኺገልጽዎ ኸለዉ ኸኣ፡ “ሓደ ቕኑዕ ሰብ ኣብ . . . ከቢድ ሓጢኣት ኪወድቕ ይኽእል እዩ፣ ንኣምላኽ ዘላቶ ፍቕሪ ግና ከቶ ኣየጥፍእን እዩ፣ ወትሩ ድማ ብንስሓ ኣቢሉ ኻብቲ ዝወደቐሉ ይትንስእ እዩ” ኢሎም ጽሒፎም ኣለዉ። እዚ ርእይቶ እዚ ንሓደ ምስ ሓጢኣት ኪቃለስ ዘይደሊ ሰብ ኪስሕቦ ይኽእል እዩ። ብተደጋጋሚ እኳ እንተ ሓጥአ፡ ኣምላኽ ወትሩ ይቕረ ኸም ዚብለሉ ኺሓስብ ይኽእል እዩ።

ፍቕዲ 16 ግና ከምዚ ዓይነት መልእኽቲ ኣይኰነትን እተመሓላልፍ።

እታ ኣብ ፍቕዲ 16 “ይወድቕ፡” ኣብ ፍቕዲ 17 ኸኣ “ዚወድቕ” ተባሂላ ተተርጒማ ዘላ ናይ እብራይስጢ ቓል፡ ብእተፈላለየ መገዲ ኺዕየየላ ይኽእል እዩ። ቃል ብቓሉ ንምውዳቕ ከተመልክት ትኽእል እያ፣ ንኣብነት፡ ብዕራይ ኪወድቕ ከሎ፡ ሰብ ካብ ናሕሲ ኺጸድፍ ከሎ፡ ወይ ጸጸር ክትወድቕ ከላ ኸተመልክት ትኽእል እያ። (ዘዳ. 22:4, 8፣ ኣሞ. 9:9) ብዘይካዚ፡ እታ ቓል ብምሳልያዊ መገዲ ኺዕየየላ ይኽእል እዩ። ንኣብነት፡ እዚ ዚስዕብ ኪጥቀስ ይከኣል እዩ፦ “የሆዋ ብመገዲ ሰብ ባህ ምስ ዚብሎ ንስጕምትታቱ ይመርሐን። የሆዋ ብኢዱ ይድግፎ እዩ እሞ፡ እንተ ወደቐ እኳ፡ ኣይድርበን።”—መዝ. 37:23, 24፣ ምሳ. 11:5፣ 13:17፣ 17:20

ፕሮፌሰር ኤድዋርድ ፕላምፕትረ፡ “እታ [“ምውዳቕ” እትብል] ናይ እብራይስጢ ቓል፡ ብሓጢኣት ንምውዳቕ ከቶ ኣይተዓይየላን” ኢሉ ኣሎ። ስለዚ፡ ሓደ ኻልእ ምሁር ንፍቕዲ 16 በዚ ኸምዚ ገሊጽዋ ኣሎ፦ “ንህዝቢ ኣምላኽ ምግፋዕ ከንቱን ፍሽለትን እዩ፣ ስለምንታይሲ፡ ኣይጠፍኡን እዮም፡—እኩያት ግና ይጠፍኡ እዮም።”

እወ፡ ምሳሌ 24:16 ብስነ ምግባራዊ መዳይ ብሓጢኣት ብዛዕባ “ምውዳቕ” ዘይኰነስ፡ ጸገማት ወይ ሽግራት ብተደጋጋሚ ኼጋጥም ከም ዚኽእል እያ እተመልክት። ኣብዚ እኩይ ስርዓት እዚ፡ ንጻድቕ ጸገማት ጥዕና ዀነ ኻልእ ጸገማት ኬጋጥሞ ይኽእል እዩ። ኣደዳ ብርቱዕ መንግስታዊ መስጐጕቲ እውን ኪኸውን ይኽእል እዩ። ኰይኑ ግና፡ ኣምላኽ ደጋፊኡ ኸም ዝዀነ፡ ንጸገማቱ ተጻዊሩ ኺዕወት እውን ከም ዚሕግዞ ኺኣምን ይኽእል እዩ። ዝመጸ እኳ እንተ መጸ፡ ውዒሉ ሓዲሩ ንኣገልገልቲ ኣምላኽ ንጽቡቖም ይዀነሎም እዩ። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ፡ “የሆዋ ንዅሎም ዚወድቁ ይድግፎም፡ ንዅሎም ዝደነኑ ኸኣ የተንስኦም” እዩ።—መዝ. 41:1-3፣ 145:14-19

“ጻድቕ” በቲ ኣብ ልዕሊ ኻልኦት ዚወርድ ጸገማት ኣይጸናናዕን እዩ። ኣብ ክንዳኡ ግና፡ “ነቶም ነቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ዚፈርሁስ፡ ስለ ዚፈርህዎ፡ ጽቡቕ ከም ዚዀነሎም” ብምፍላጥ ይጸናናዕ እዩ።—መክ. 8:11-13፣ እዮ. 31:3-6፣ መዝ. 27:5, 6