ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ዓንቀጽ መጽናዕቲ 52

ተስፋ ምቝራጽ—ብኸመይ ክትቃለሶ ትኽእል፧

ተስፋ ምቝራጽ—ብኸመይ ክትቃለሶ ትኽእል፧

“ጾርካ ናብ የሆዋ ደርቢ፣ ንሱ ድማ ኪድግፈካ እዩ።”—መዝ. 55:22

መዝሙር 33 ጾርካ ናብ የሆዋ ደርቢ

መላለዪ *

1. ምቝራጽ ተስፋ ብኸመይ ኪጸልወና ይኽእል፧

መዓልቲ መዓልቲ ጸገማት የጋጥመና እዩ፣ ብእተኻእለና መጠን ከኣ ክንሰግሮ ንጽዕር ኢና። ኰይኑ ግና፡ ተስፋ ኽንቈርጽ ከለና፡ ንጸገማትና ኽንሰግሮ ይኸብደና እዩ። ስለዚ፡ ንምቝራጽ ተስፋ ኸም ሓደ ንእምንቶናን ንትብዓትናን ንሓጐስናን ኪምንዝዕ ዚመጽእ ሰራቒ ጌርና ኽንርእዮ ንኽእል ኢና። ምሳሌ 24:10፡ “ብመዓልቲ ጭንቂ ተስፋ እንተ ቘሪጽካ፡ ሓይልኻ ቝሩብ ይኸውን” ትብል። እወ፡ ተስፋ እንተ ቘሪጽና፡ እቲ ንጸገማትና ብዓወት ክንሰግር ዜኽእለና ሓይሊ ይጽንቀቕ እዩ።

2. እንታይ ምኽንያታት እዩ ተስፋ ኬቝርጸና ዚኽእል፧ ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣኸ እንታይ ኢና ኽንርኢ፧

2 ብብዙሕ ምኽንያታት ተስፋ ኽንቈርጽ ንኽእል ኢና፣ ገሊኡ ምኽንያታት ውሽጣዊ፡ ገሊኡ ድማ ደጋዊ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ገለ ኻብዚ ጠንቅታት እዚ፡ ዘይፍጽምና፡ ድኻም፡ ወይ ጸገም ጥዕና ኺጥቀስ ይከኣል እዩ። ኣብ ኣገልግሎት የሆዋ እንደልዮ ዕዮ ዘይምርካብና ወይ ፍረ ዘይብሉ ኣብ ዚመስል ክሊ ምምስካር እውን ኪኸውን ይኽእል እዩ። ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ንዜጋጥመና ምቝራጽ ተስፋ ኽንሰግር ዚሕግዝ እተወሰነ ነገራት ክንርኢ ኢና።

ምስ ዘይፍጽምናናን ምስ ድኻምናን ክንቃለስ ከለና

3. እንታይ ነገር እዩ ብዛዕባ ዘይፍጽምናና ሚዛናዊ ኣረኣእያ ኽንሕዝ ዚሕግዘና፧

3 ብዛዕባ ዘይፍጽምናናን ድኻምናን ብቐሊሉ ዘይሚዛናዊ ኣረኣእያ ኽንሕዝ ንኽእል ኢና። በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ፡ ብሰንኪ ጕድለትና፡ የሆዋ ናብ ሓዳስ ዓለም ክንኣቱ ኸም ዘይፈቕደልና ኽንኣምን ንኽእል ኢና። እዚ ኣረኣእያ እዚ ጐዳኢ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ብዛዕባ ዘይፍጽምናና እንታይ ኣረኣእያ እዩ ኺህልወና ዚግባእ፧ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ብዘይካ የሱስ ክርስቶስ፡ ኵሎም ሰባት “ሓጢኦም” ይብል እዩ። (ሮሜ 3:23) እቲ ደራሲ መጽሓፍ ቅዱስ ግና ጕድለት ዚኣሪ ወይ ካባና ፍጽምና ዚጽበ ኣይኰነን። ኣብ ክንዳኡስ፡ ኪሕግዘና ዚደሊ ፈቃር ኣቦ እዩ። ዕጉስ እውን እዩ። ነቲ ንድኻምና ንምስናፍን ነቲ ብዛዕባ ርእስና ዘሎና ዘይሚዛናዊ ኣረኣእያ ንምውጋድን እንገብሮ ቓልሲ ይርእዮ እዩ፣ ኪሕግዘና እውን ድሉው እዩ።—ሮሜ 7:18, 19

የሆዋ ነቲ ኣብ ሕሉፍ ዝገበርናዮን ሕጂ እንገብሮ ዘለናን ሰናይ ተግባራት ይፈልጦ እዩ (ሕጡብ ጽሑፍ 5 ርአ) *

4-5. ምስቲ ኣብ 1 ዮሃንስ 3:19, 20 ዘሎ ሓሳብ ብምስምማዕ፡ እተን ክልተ ኣሓት ጠሪሰን ተስፋ ዘይቈረጻ ስለምንታይ እየን፧

4 ንኣብነት፡ ንዴቦራን ንማሪያን ዘጋጠመን እስከ ንርአ። * ዴቦራ ብሰንኪ እቲ ብቝልዕነታ እተገብረላ ኣተሓሕዛ፡ ከም እተዋረደት ኰይኑ ይስምዓ ነይሩ እዩ። ሳሕቲ እያ እትንኣድ ነይራ። ስለዚ፡ ብዛዕባ ገዛእ ርእሳ ኣሉታዊ ኣረኣእያ ኣማዕቢላ ነይራ እያ። ንኣሽቱ ጌጋታት ክትገብር ከላ፡ ዘይትረብሕ ከም ዝዀነት ኰይኑ ይስምዓ ነይሩ እዩ። ማሪያ እውን ተመሳሳሊ ጸገም እዩ ነይርዋ። ኣዝማዳ የዋርድዋ ነይሮም እዮም። ብሰንኪ እዚ ኸኣ፡ ዘይትረብሕ ከም ዝዀነት ኰይኑ ይስምዓ ነይሩ እዩ። ናብ ሓቂ ምስ መጸት፡ ብስም ኣምላኽ ክትጽዋዕ ዘይትበቅዕ ኰይኑ ተሰሚዕዋ ነይሩ እዩ።

5 ኰይኑ ግና፡ እዘን ክልተ ኣሓት እዚአን ንየሆዋ ምግልጋል ደው ኣየበላን። ስለምንታይ፧ ብቐዳምነት፡ ብልባዊ ጸሎት ኣቢለን ጾረን ናብ የሆዋ ደርብየን እየን። (መዝ. 55:22) እቲ ፈቃር ሰማያዊ ኣቦና፡ ሕሉፍ ተመክሮናን ኣሉታዊ ኣተሓሳስባናን ከም ዚጸልወና ዚፈልጥ ምዃኑ ተቐቢለናኦ እየን። ብዘይካዚ፡ ነቲ ንዓና እኳ ዘይርኣየና ኣብ ልብና ዘሎ ጽቡቕ እውን ይርኢ እዩ።—1 ዮሃንስ 3:19, 20 ኣንብብ።

6. ሓደ ሰብ ሕማቕ ኣመሉ እንተ ደጊስዎ እንታይ ይስምዖ ይኸውን፧

6 ኣጸቢቑ ሱር ዝሰደደ ሕማቕ ኣመል ኬሰንፍ ዚቃለስ ሰብ፡ እቲ ኣመሉ ኺደግሶ እሞ በዚ ኺጕሂ ይኽእል እዩ። ምስ ሓጣእካ ብእተወሰነ ሕማቕ ኪስምዓካ ንቡር እዩ። (2 ቈረ. 7:10) እንተዀነ ግና፡ ‘ኣነ ዋላ ሓንቲ ኣይረብሕን እየ። የሆዋ ኸመይ ገይሩ ይቕረ ይብለለይ፧’ ኢልና ናብቲ ሓደ ጫፍ ብምኻድ ገዛእ ርእስና ኽንኵንን የብልናን። ከምዚ ዝበለ ኣሉታዊ ኣረኣእያ ኣብ ሓቂ እተመስረተ ኣይኰነን፣ ንየሆዋ ምግልጋል ከም እንሓድጎ ድማ ኪገብረና ይኽእል እዩ። ነቲ ኣብ ምሳሌ 24:10 ዘንበብናዮ ኣይንረስዕ፣ ተስፋ እንተ ቘሪጽና፡ ሓይልና ቝሩብ ይኸውን እዩ። ኣብ ክንዳኡስ፡ ብጸሎት ናብ የሆዋ ቐሪብና ምሕረት ብምልማን፡ ምስኡ ዘሎና “ነገር ነቕንዕ።” (ኢሳ. 1:18) ንሱ ኸኣ ብሓቂ እንተ ተነሲሕና፡ ይቕረ ኺብለልና እዩ። ብተወሳኺ፡ ናብ ሽማግለታት ንቕረብ። ንሳቶም ድማ ብመንፈሳዊ መዳይ ምእንቲ ኽንጥዒ፡ ብትዕግስቲ ኺሕግዙና እዮም።—ያእ. 5:14, 15

7. ቅኑዕ ንምግባር ንቓለስ እንተ ኣሊና፡ ስለምንታይ ኢና ተስፋ ኽንቈርጽ ዘይብልና፧

7 ኣብ ፈረንሳ ዚነብር ዣን-ሉክ ዝስሙ ሽማግለ ነቶም ምስ ድኻሞም ዚቃለሱ፡ “ኣብ ኣዒንቲ የሆዋ ጻድቕ ዝዀነ ሰብ፡ ፈጺሙ ዘይጋገ ዘይኰነስ፡ ብጌጋታቱ ዚጕህን ወትሩ ዚንሳሕን እዩ” ዚብል ምኽሪ ሂብዎም ኣሎ። (ሮሜ 7:21-25) ስለዚ፡ ምስ ድኻም ትቃለስ እንተ ኣሊኻ፡ ገዛእ ርእስኻ ኣይትዀንን። ዋላ ሓደ ኻባና፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ጻድቕ ኣይኰነን። ንዅላትና እቲ ብበጃ ክርስቶስ ኣቢሉ ዚርከብ ጸጋ ኣምላኽ የድልየና እዩ።—ኤፌ. 1:7፣ 1 ዮሃ. 4:10

8. ተስፋ ኽንቈርጽ ከለና፡ ካብ መን ኢና ሓገዝ ክንደሊ ዘሎና፧

8 መተባብዒ ንምርካብ ናብ ኣሕዋትናን ኣሓትናን፡ ማለት ናብ መንፈሳዊ ስድራ ቤትና፡ ክንጽጋዕ ንኽእል ኢና! ንሳቶም ድማ፡ ክንዛረብ ክንደሊ ኸለና ሰማዒት እዝኒ ኺህቡና፡ ኬሐጕሰና ዚኽእል ዜጸናንዕ ቃል እውን ኪዛረቡና ይኽእሉ እዮም። (ምሳ. 12:25፣ 1 ተሰ. 5:14) ምስ ምቝራጽ ተስፋ እትቃለስ ዝነበረት ኣብ ናይጀርያ እትነብር ጆይ ዝስማ ሓብቲ፡ “ብዘይ ኣሕዋትን ኣሓትን ኣበይ ምሃለኹ፧ ኣሕዋተይን ኣሓተይን፡ የሆዋ ንጸሎተይ ከም ዚምልሶ መርትዖ ዀይኖምኒ እዮም። ንዝጐሃዩ ብኸመይ ከተባብዕ ከም ዘሎኒ እኳ፡ ካባታቶም ተማሂረ እየ” ትብል። ኣሕዋትናን ኣሓትናን መዓስ መተባብዒ ኸም ዜድልየና ኣዘውቲሮም ዚፈልጡ ዘይምዃኖም ግና ክንርስዕ የብልናን። ስለዚ፡ ብተበግሶና ናብ ብሱል ክርስትያን ብጻይና ኽንቀርብ እሞ ሓገዝ ከም ዜድልየና ኽንገልጸሉ ኣሎና።

ምስ ጸገም ጥዕና ኽንቃለስ ከለና

9. መዝሙር 41:3ን 94:19ን ብኸመይ የተባብዓና፧

9 ደገፍ ንምርካብ ናብ የሆዋ ተጸጋዕ። ጸገም ጥዕና እንተ ኣልዩና፡ ምናዳ ኸኣ ሕዱር ሕማም እንተ ኣልዩና፡ ኣወንታዊ ኣተሓሳስባ ምሓዝ የጸግመና ይኸውን። የሆዋ ሕጂ ብተኣምራዊ መገዲ ዘየሕውየና እኳ እንተ ዀነ፡ ምእንቲ ኽንጻወር የጸናንዓናን የበርትዓናን እዩ። (መዝሙር 41:3፣ 94:19 ኣንብብ።) ንኣብነት፡ ኣብ ቤትና ዚዕየ ነገር ኪህሉ ኸሎ ወይ ዚተዓዳደግ ነገር ኬድሊ ኸሎ፡ ንክርስትያናት ብጾትና ደሪኹ ኸም ዚረድኡና ኺገብር ይኽእል እዩ። ንኣሕዋትና ኸኣ ኪጽልዩልና ኼለዓዕሎም ይኽእል እዩ። ወይ ድማ ኣብ ቃሉ ዚርከብ ዜጸናንዕ ሓሳባት፡ ንኣብነት ኣብ ሓዳስ ዓለም ብዘይ ሕማምን ቃንዛን ፍጹም ህይወት ከም ዚህልወና፡ ኬዘክረና ይኽእል እዩ።—ሮሜ 15:4

10. ኢሳንግ ድሕሪ እቲ ዘጋጠሞ ሓደጋ ተደቚሱ ዘይተረፈ ስለምንታይ እዩ፧

10 ኣብ ናይጀርያ ዚነብር ኢሳንግ፡ ብሰንኪ ሓደጋ ለመሰ። ብእግሩ ኪኸይድ ከም ዘይክእል ድማ ብሓኪም ተነግሮ። ስምዒቱ ኺገልጽ ከሎ፡ “ልበይ ተሰይሩ፡ መንፈሰይ እውን ተደቚሱ ነይሩ” ይብል። ኰይኑ ግና፡ ተደቚሱዶ ተሪፉ እዩ፧ ኣይፋልን! እንታይ ሓጊዝዎ፧ ከምዚ ኢሉ ባዕሉ ይገልጽ፦ “ኣነን ሰበይተይን ናብ የሆዋ ምጽላይን ቃሉ ምጽናዕን ኣየቋረጽናን። ነቲ ዝረኸብናዮ በረኸት፡ እንተላይ ነቲ ኣብታ ኣምላኽ ዜቝማ ሓዳስ ዓለም ክንነብር ዘሎና ተስፋ እውን ንጽብጽብ ኔርና።”

እቶም ብኣካላዊ መዳይ ድሩት ዓቕሚ ዘለዎም እኳ፡ ኣብ ኣገልግሎት ፍረ ኺፈርዩን ኪሕጐሱን ይኽእሉ እዮም (ሕጡብ ጽሑፍ 11-13 ርአ)

11. ሲንዲ፡ ሕማም ከቢድዋ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ከመይ ገይራ እያ ሓጐስ ረኺባ፧

11 ኣብ መክሲኮ እትነብር ሲንዲ፡ ንህይወታ ዜስግእ ሕማም ከም ዘለዋ ፈለጠት። እሞኸ ነዚ ብኸመይ ክኢላቶ፧ ሕክምና ኺውሃባ ኸሎ፡ መዓልቲ መዓልቲ ክትምስክር ሸቶ ገበረት። ብዛዕባ እዚ ኸምዚ ኢላ ጽሒፋ ኣላ፦ “ከምኡ ብምግባረይ፡ ኣብ መጥባሕተይ፡ ኣብ ቃንዛይ፡ ወይ ኣብ ሕማመይ ዘይኰነስ፡ ኣብ ካልኦት ከተኵር ኣኽኢሉኒ እዩ። ከምዚ እየ ዝገብር፦ ምስ ሓካይም ወይ ኣለይቲ ሕሙማት ክዛራረብ ከለኹ፡ ብዛዕባ ስድራ ቤቶም እሓትቶም። ቀጺለ፡ ስለምንታይ ነዚ ኸቢድ ስራሕ ከም ዝመረጹ እሓትቶም። ድሕሪኡ፡ እንታይ ርእሰ ነገራት ልቦም ከም ዚትንክዮም ምፍላጥ ቀሊል እዩ። ገሊኦም፡ ሳሕቲ እንተ ዘይኰይኑ፡ ተሓካሚ፡ ‘ከመይ ኣለኻ፧’ ኢሉ ኸም ዘይሓትቶም ጠቒሶምለይ እዮም። ብዙሓት እውን ስለቲ ሓልዮተይ ኣመስጊኖምኒ እዮም። ገሊኦም ከኣ ኣድራሻኦም ወይ ቍጽሪ ተሌፎኖም ሂቦምኒ እዮም። ስለዚ፡ ኣብዚ ኣብ ህይወተይ ኣጸጋሚ ዝዀነ እዋን፡ የሆዋ ኻብ እተጸበኽዎ ንላዕሊ ዓሚቝ ውሽጣዊ ሓጐስ ሂቡኒ እዩ።”—ምሳ. 15:15

12-13. ገሊኦም ዝሓመሙን ዝማሰኑን ከመይ ገይሮም እዮም ኣብ ኣገልግሎት ኪሳተፉ ኽኢሎም፧ እዚኸ እንታይ ኣፍርዩ፧

12 ዝሓመሙ ወይ ዝማሰኑ ኣብ ኣገልግሎት ኪገብርዎ ዚኽእሉ ድሩት ብምዃኑ፡ ተስፋ ይቘርጹ ይዀኑ። ኰይኑ ግና፡ ብዙሓት ጽቡቕ ምስክርነት ኪህቡ ኽኢሎም እዮም። ኣብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ እትነብር ዝነበረት ላውረል፡ ን37 ዓመት ሰብ ኣብ ዝሰርሖ ንምስትንፋስ ዚሕግዝ መሳርሒ እያ ደቂሳ እትነብር ነይራ! ሕማም መንሽሮ ነይርዋ፡ ከቢድ መጥባሕትታት ገይራ፡ ሕዱር ሕማም ቈርበት እውን ነይርዋ እዩ። ኰይኑ ግና፡ እዚ ኸቢድ ጸገማት፡ ስቕ ኣየበላን። ኪኣልይዋ ንዝመጹ ኣለይቲ ሕሙማትን ካልኦት ሰብ ሞያ ሕክምናን ትምስክር ነይራ እያ። እዚኸ እንታይ ኣፍርዩ፧ እንተ ወሓደ ን17 ሰባት፡ ናብ ልክዕ ፍልጠት መጽሓፍ ቅዱስ ኪመጹ ሓጊዛ እያ! *

13 ኣብ ፈረንሳ ዚነብር ሪቻርድ ዝስሙ ሽማግለ ነቶም ካብ ቤቶም ወይ ካብ መእለዪ ኣረጋውያን ኪወጹ ዘይክእሉ ኸምዚ ዚስዕብ ዚብል ግብራዊ ሓሳባት ሂብዎም ኣሎ፦ “ንእሽቶ መርኣዪ ጽሑፋት ኪገብሩ ሓሳብ ክህቦም እፈቱ። እቲ መርኣዪ ኸኣ ንምፍላጥ ህንጥዮት ኬለዓዕል እሞ ናብ ዝርርባት ኪመርሕ ይኽእል እዩ። እዚ ድማ ነቶም ኣብ በቤት ኪኸዱ ዘይክእሉ ፈቃራት ኣሕዋትናን ኣሓትናን ኬተባብዖም ይኽእል እዩ።” ብዘይካዚ፡ እቶም ዓዲ ውዒል ዝዀኑ፡ ብደብዳበ ወይ ብቴለፎን ኪምስክሩ ይኽእሉ እዮም።

እንደልዮ ፍሉይ መሰል ከይውሃበና ኸሎ

14. ንጉስ ዳዊት እንታይ ዜደንቕ ኣብነት እዩ ሓዲጉልና፧

14 ብምኽንያት ዕድመና፡ ጥዕናና፡ ወይ ካልእ ረቛሒ፡ ኣብ ጉባኤ ወይ ወረዳ ዘሎ እንደልዮ ዕዮ ወይ ፍሉይ መሰል ኣይውሃበናን ይኸውን። ኣብቲ መዳይ እቲ፡ ካብ ንጉስ ዳዊት ክንምሃር ንኽእል ኢና። ዳዊት ከምቲ ኣጸቢቑ ዚምነዮ ዝነበረ ዘይኰነስ፡ ቤተ መቕደስ ኣምላኽ ኪሃንጽ ከም ዘይተሓርየ ምስ ተነግሮ፡ ነቲ ኣምላኽ ነዚ ዕዮ እዚ ዝሓረዮ ሰብ ምሉእ ደገፍ ሂብዎ እዩ። ነቲ ዕዮ እቲ ድማ ብዙሕ ለጊሱ እዩ። ክንስዕቦ ዚግባእ ዜደንቕ ኣብነት እዩ ሓዲጉልና!—2 ሳሙ. 7:12, 13፣ 1 ዜና 29:1, 3-5

15. ዩግ ንዘጋጠሞ ምቝራጽ ተስፋ ብኸመይ ኪዋጽኣሉ ኽኢሉ፧

15 ኣብ ፈረንሳ ዚነብር ዩግ ብሰንኪ ጸገማት ጥዕና፡ ሽማግለ ዀይኑ ምግልጋል ኣቋረጸ፣ ኣብ ቤቱ እኳ ቐሊል ዕዮታት ኪዓዪ ኣይከኣለን። ንሱ ኸምዚ ኢሉ ጽሒፉ ኣሎ፦ “ኣብ ፈለማ፡ ዘይረብሕ ከም ዝዀንኩ ዀይኑ ተሰሚዑኒ ነይሩ፡ ኣመና እውን ተስፋ ቘሪጸ ነይረ እየ። እናሓደረ ግና፡ ዓቕመይ ድሩት ምዃኑ ክቕበሎ ኽኢለ እየ፣ በቲ ድሩት ዓቕመይ ንየሆዋ ብምግልጋል እውን ሓጐስ ረኺበ እየ። ከይሕለል ቈሪጸ እየ። ከምቶም ደኺሞም ዝነበሩ ጊዴዎንን ሰለስተ ሚእቲ ሰቡን፡ ቃልሰይ ክቕጽል እየ!”—መሳ. 8:4

16. ካብ መላእኽቲ እንታይ ንምሃር፧

16 እሙናት መላእኽቲ ሰናይ ኣብነት ይዀኑና እዮም። ብዘመን ንጉስ ኣከኣብ፡ የሆዋ ነቲ እኩይ ንጉስ ብኸመይ ከም ዚሓባብልዎ ሓሳብ ኪህቡ ሓቲትዎም እዩ። ብዙሓት መላእኽቲ በበይኑ ሓሳባት ኣቕሪቦም እዮም። ኣምላኽ ግና ንሓደ መልኣኽ ሓረዮ እሞ፡ ሓሳቡ ኸም ዚሰልጥ እውን ነገሮ። (1 ነገ. 22:19-22) እሞኸ እቶም ካልኦት መላእኽቲ፡ ‘እንታይ ዓጢጡኒ እየ ዝደክም’ ኢሎም ብምሕሳብ ተስፋ ቘሪጾምዶ፧ ከምኡ ኢሎም ኣይሓሰቡን። መላእኽቲ ብሓቂ ትሑታት እዮም፡ ኵሉ ኽብሪ ንየሆዋ ኺውሃብ እውን ይደልዩ እዮም።—መሳ. 13:16-18፣ ራእ. 19:10

17. ገሊኡ ፍሉይ መሰላት ኣገልግሎት ብዘይምርካብና እንተ ጕሂና፡ እንታይ ኢና ኽንገብር ዘሎና፧

17 ኣብቲ ብስም ኣምላኽ ክንጽዋዕን ብዛዕባ መንግስቱ ኽንእውጅን ዘሎና ፍሉይ መሰል ነተኵር። ዕዮታት፡ ሎሚ ሃልዩ ጽባሕ ከይህሉ ይኽእል እዩ፣ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ክቡር ዚገብርና ግና ንሱ ኣይኰነን። ትሑታት እንተ ዄንና እዮም የሆዋን ኣሕዋትናን ኣሓትናን ብሓቂ ዚፈትዉና። ስለዚ፡ ትሑት ኴንካ ምእንቲ ኽትመላለስ፡ ካብ የሆዋ ሓገዝ ለምን። ብዛዕባ እቶም ኣብ ቃሉ ተጠቒሶም ዚርከቡ ሓያሎ ኣብነታት ትሕትና ኣስተንትን። ብእተኻእለካ መጠን ንኣሕዋትካ ብፍታውካ ኣገልግሎም።—መዝ. 138:6፣ 1 ጴጥ. 5:5

ክልኻ ዘየፍሪ ኺመስል ከሎ

18-19. ክልኻ ዘየፍሪ ኣብ ዚመስለሉ እዋን እኳ ኸመይ ጌርካ ኢኻ ኻብ ኣገልግሎትካ ሓጐስ ክትረክብ እትኽእል፧

18 ክልኻ ዘየፍሪ ስለ ዝመሰለካ፡ ወይ ኣብ ቤቶም ዚርከቡ ሰባት ሒደት ጥራይ ስለ ዝዀኑ ተስፋ ቘሪጽካዶ ትፈልጥ፧ ኣብ ከምዚ ዝበለ ዅነታት፡ ሓጐስካ ንምዕቃብ ወይ ንምውሳኽ እንታይ ክትገብር ትኽእል፧ ገሊኡ ግብራዊ ሓሳባት ኣብታ፡ “ ኣገልግሎትካ እተመሓይሸሉ መገድታት” ዘርእስታ ሳጹን ተዘርዚሩ ኣሎ። ብዛዕባ ኣገልግሎትካ ቕኑዕ ኣረኣእያ ምሓዝ እውን ኣገዳሲ እዩ። እዚ እንታይ የጠቓልል፧

19 ስም ኣምላኽን መንግስቲ ኣምላኽን ኣብ ምእዋጅ ኣተኵር። ብተዛማዲ ሒደት ነታ መገዲ ህይወት ከም ዚረኽብዋ፡ የሱስ ብንጹር ገሊጹ ነይሩ እዩ። (ማቴ. 7:13, 14) ኣብ ኣገልግሎት ክንከውን ከለና፡ ምስ የሆዋን የሱስን መላእኽትን ናይ ምዕያይ ክብሪ ኣሎና። (ማቴ. 28:19, 20፣ 1 ቈረ. 3:9፣ ራእ. 14:6, 7) የሆዋ ነቶም ዚግብኦም እዩ ናብኡ ዚስሕቦም። (ዮሃ. 6:44) ስለዚ፡ ሓደ ሰብ ሕጂ ንመልእኽትና እንተ ዘይሰሚዑ፡ ኣብ ካልእ እዋን ይሰምዕ ይኸውን።

20. ምስ ምቝራጽ ተስፋ ብዛዕባ ምቅላስ፡ ካብ ኤርምያስ 20:8, 9 እንታይ ንምሃር፧

20 ካብ ነብዪ ኤርምያስ ብዙሕ ክንምሃር ንኽእል ኢና። ንሱ ኣብ ኣዝዩ ኣጸጋሚ ኽሊ እዩ ተመዲቡ። እቶም ህዝቢ “ምሉእ መዓልቲ” ይጸርፍዎን የባጭዉሉን ነይሮም እዮም። (ኤርምያስ 20:8, 9 ኣንብብ።) ሓደ ግዜ፡ ኣመና ተስፋ ስለ ዝቘረጸ፡ ኪሕለል ኢሉ ነይሩ እዩ። ግናኸ፡ ኣይተሓለለን። ስለምንታይ፧ “ቃል የሆዋ” ኣብ ውሽጡ ኸም ሓዊ እዩ ነይሩ፣ ንሱ ድማ ኪሕዞ ኣይከኣለን! ንሕና እውን ኣእምሮናን ልብናን ብቓል ኣምላኽ እንተ መሊእናዮ፡ ተመሳሳሊ ነገር እዩ ዚስምዓና። እዚ ድማ መዓልቲ መዓልቲ መጽሓፍ ቅዱስ ከነንብብን ብዛዕባኡ ኸነስተንትንን ተወሳኺ ምኽንያት ይዀነና እዩ። ከምኡ እንተ ጌርና፡ ሓጐስና ኺውስኽ፡ ኣገልግሎትና እውን ብዝያዳ ኼፍሪ ይኽእል እዩ።—ኤር. 15:16

21. መንቀሊኡ ብዘየገድስ፡ ኣብቲ ምስ ምቝራጽ ተስፋ እንገብሮ ቓልሲ ብኸመይ ክንዕወት ንኽእል፧

21 እታ ኣቐዲማ እተጠቕሰት ዴቦራ፡ “ተስፋ ምቝራጽ ሓደ ኻብቲ ሰይጣን ዚጥቀመሉ ብርቱዕ ኣጽዋር ኪኸውን ይኽእል እዩ” ትብል። ካብ ኣጽዋር ሰይጣን ግና፡ ኣጽዋር የሆዋ ኣምላኽ ይበልጽ። ስለዚ፡ ብዝዀነ ምኽንያት ተስፋ ኽትቈርጽ ከለኻ፡ ካብ የሆዋ ደገፍ ለምን። ንሱ ድማ ምስ ዘይፍጽምናኻን ምስ ድኻምካን ክትቃለስ ኪሕግዘካ እዩ። ሕማምካ ኽትክእሎ ኺድግፈካ እዩ። ብዛዕባ ፍሉይ መሰላት ኣገልግሎት ሚዛናዊ ኣረኣእያ ኽትሕዝ ኪሕግዘካ እዩ። ብዛዕባ ኣገልግሎትካ ኣወንታዊ ኣረኣእያ ኽትሕዝ እውን ኪሕግዘካ እዩ። ብተወሳኺ ድማ፡ ዜተሓሳስበካ ነገር ንሰማያዊ ኣቦኻ ንገሮ። ብሓገዙ ኸኣ፡ ኣብቲ ምስ ምቝራጽ ተስፋ ዚግበር ቃልሲ ኽትዕወት ትኽእል ኢኻ።

መዝሙር 41 ጸሎተይ ስማዕ

^ ሕ.ጽ. 5 ሓድሓደ ግዜ፡ ኵላትና ተስፋ ንቘርጽ ኢና። ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ገለ ኻብቲ ሕልናና ኺዓርበና ኸሎ ኽንገብሮ እንኽእል ነገራት ክንርኢ ኢና። ብሓገዝ የሆዋ ኣብቲ ምስ ምቝራጽ ተስፋ ዚግበር ቃልሲ ኽንዕወት ንኽእል ኢና።

^ ሕ.ጽ. 4 ገሊኡ ስማት ተቐዪሩ እዩ።

^ ሕ.ጽ. 12 ታሪኽ ህይወት ላውረል ኒስበት ኣብ ናይ 22 ጥሪ 1993 ሕታም ንቕሑ! (እንግሊዝኛ) ኣንብብ።

^ ሕ.ጽ. 69 መግለጺ ስእሊ፦ ሓንቲ ሓብቲ ንእተወሰነ ግዜ ተስፋ ትቘርጽ፣ ድሕሪኡ ግና፡ ብዛዕባ እቲ ሕሉፍ ኣገልግሎታ ትዝክር፡ ናብ የሆዋ ድማ ትጽሊ። እቲ ዝገበረቶን እቲ እትገብሮ ዘላን ከም ዚዝክሮ ርግጸኛ ትኸውን።