ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ብምሉእ ልብኻ ዕየ!

ብምሉእ ልብኻ ዕየ!

ካብ ናይ ቀረባ ፈታዊኻ እተተባብዕ ደብዳበ እንተ መጺኣትካ እንታይ ይስምዓካ፧ እቲ ክርስትያን ወደ መዝሙር ዝዀነ ጢሞቴዎስ ካብ ሃዋርያ ጳውሎስ ከምዚኣ ዝበለት ደብዳበ እያ መጺኣቶ፣ እታ ደብዳበ እቲኣ ኸኣ ሎሚ 2 ጢሞቴዎስ ተባሂላ እትፍለጥ ክፋል መጽሓፍ ቅዱስ እያ። ጢሞቴዎስ ጸጥ ዝበለ ቦታ ረኺቡ፡ ነቲ ፍቑር ዓርኩ ዝሰደደሉ መልእኽቲ ኸንብብ ተሃንጥዩ ኸም ዝነበረ መሸም ኣየጠራጥርን እዩ። ምናልባት ድማ፡ ‘ጳውሎስ ከመይ ኰን ይህሉ ይኸውን፧ ዕዮታተይ ብኸመይ ከም ዝዓዪ ምኽሪ ይህበኒ ደዀን ይኸውን፧ እዛ ደብዳበ እዚኣ ኣብ ክርስትያናዊ ኣገልግሎተይን ንኻልኦት ኣብ ዝህቦ ሓገዝን ትሕግዘኒ ደዀን ትኸውን፧’ ኢሉ ሓሲቡ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ቀጺልና ኸም እንርእዮ፡ ጢሞቴዎስ ኣብዛ ኣገዳሲት ደብዳበ እዚኣ፡ ነዚ ሕቶታት እዝን ንብዙሕ ካልእን መልሲ ረኺቡሉ እዩ። ሕጂ ግና፡ ኣብዛ ደብዳበ እዚኣ ኣብ ዚርከብ ሒደት ኣገዳሲ ምኽርታት ነተኵር።

“ንዅሉ እጻወር ኣለኹ”

ጢሞቴዎስ ኣብ መጀመርታ እታ ደብዳበ ዘሎ ቓላት ኬንብብ ምስ ጀመረ፡ ጳውሎስ ምስኡ ናይ ቀረባ ርክብ ከም ዘለዎ ብኡብኡ ኺርዳእ ክኢሉ እዩ። ከመይሲ፡ ጳውሎስ “ፍቑር ወደይ” ኢሉ ጸዊዕዎ እዩ። (2 ጢሞ. 1:2) ጢሞቴዎስ ነታ ደብዳበ ብ65 ድ.ክ. ኣቢሉ ኣብ እተቐበላ እዋን፡ ምናልባት ኣብ 30ታት ዕድሚኡ እኳ እንተ ነበረ፡ ምኩር ክርስትያን ሽማግለ እዩ ነይሩ። ንልዕሊ ዓሰርተ ዓመት ምስ ጳውሎስ ሓቢሩ ኼገልግል ጸኒሑ እዩ፣ ብዙሕ እውን ተማሂሩ ነይሩ እዩ።

ጢሞቴዎስ፡ ጳውሎስ ብተኣማንነት ጸበባ ይጻወር ከም ዘሎ ምፍላጡ ብዙሕ ኣተባቢዕዎ ኪኸውን ኣለዎ። ጳውሎስ ኣብ ሮሜ እዩ ተኣሲሩ ነይሩ፣ ሞቱ እውን ይጸበ እዩ ነይሩ። (2 ጢሞ. 1:15, 16፣ 4:6-8) ኰይኑ ግና፡ “ንዅሉ እጻወር ኣለኹ” ብምባሉ፡ ጢሞቴዎስ ንትብዓት ጳውሎስ ኪርእዮ ይኽእል ነይሩ እዩ። (2 ጢሞ. 2:8-13) ንሕና እውን ከም ጢሞቴዎስ፡ ካብቲ ጳውሎስ ዝሓደጎ ዜደንቕ ኣብነት ተጻዋርነት ብርታዐ ኽንረክብ ንኽእል ኢና።

“ውህበት ኣምላኽ ከተጐሃህሮ አዘክረካ ኣለኹ”

ጳውሎስ ንጢሞቴዎስ፡ ነቲ ኣብ ኣገልግሎት ኣምላኽ ዘለዎ ዕዮ ኣዝዩ ኽብ ኣቢሉ ኺርእዮ ተማሕጺንዎ እዩ። በዚ ምኽንያት እዚ፡ “ነቲ . . . ኣባኻ ዘሎ ውህበት ኣምላኽ ከተጐሃህሮ አዘክረካ ኣለኹ” ኢልዎ እዩ። (2 ጢሞ. 1:6) ጳውሎስ “ውህበት” ኪብል ከሎ፡ ክሃሪስማ እትብል ቃል እዩ ተጠቒሙ። እታ ናይ ግሪኽኛ ቓል ብመሰረቱ ኸም ጻማ ጻዕርኻ ዀይኑ ወይ ዚግብኣካ ዀይኑ ንእትረኽቦ ውህበት ዘይኰነስ፡ ብናጻን ብኸምኡን ንዚውሃብ ውህበት እያ እተመልክት። ጢሞቴዎስ ኣብ ጉባኤ ፍሉይ ኣገልግሎት ኬቕርብ ምስ ተሓርየ፡ እዚ ውህበት እዚ ተዋሂብዎ እዩ።—1 ጢሞ. 4:14

እሞ ደኣ ጢሞቴዎስ ነቲ ውህበቱ ብኸመይ እዩ ኺጥቀመሉ ነይርዎ፧ “ከተጐሃህሮ” እትብል ቃል ኬንብብ ከሎ፡ ኣብ ቤት ዚውላዕ ሓዊ፡ ጸኒሑ ፈኸም ዚብል ፈሓም ጥራይ ከም ዚኸውን ዘኪሩ ኪኸውን ይኽእል እዩ። እቲ ፈኸምታ ጕሂሩ፡ ሃልሃልታን ዝያዳ ሙቐትን ምእንቲ ኼውጽእ ኪቝስቈስ ኣለዎ። ሓደ መዝገበ ቓላት፡ እታ ጳውሎስ እተጠቕመላ ናይ ግሪኽኛ ቓል (ኣናዞፒረኦ)፡ “ዳግም ወልዐ፡ ኣጐሃሃረ፡ ኣንበድበደ” ዚብል ትርጉም ከም ዘለዋ፡ ብምሳልያዊ መገዲ ኸኣ፡ “ኣለዓዓለ” ዚብል መልእኽቲ ኸም ዘለዋ ገሊጹ ኣሎ። ብኻልእ ኣበሃህላ፡ ጳውሎስ ንጢሞቴዎስ፡ ‘ብምሉእ ልብኻ ዕየ!’ ኢሉ እዩ ዚምዕዶ ነይሩ። ንሕና እውን ሎሚ ተመሳሳሊ ነገር ክንገብር፡ ማለት ኣብ ኣገልግሎትና ብቕንኣት ክንጋደል ንኽእል ኢና።

“ነዚ ጽቡቕ ሕድሪ እዚ . . . ሓልዎ”

ጢሞቴዎስ ነታ ኻብ ፍቑር ፈታዊኡ ዝመጸቶ ደብዳበ ምንባብ ምስ ቀጸለ፡ ኣብ ኣገልግሎት ዕዉት ኪኸውን ዜኽእሎ ኻልእ መግለጺ ረኸበ። ጳውሎስ ንዕኡ፡ “ነዚ ጽቡቕ ሕድሪ እዚ፡ በቲ ኣባና ሓዲሩ ዘሎ መንፈስ ቅዱስ ሓልዎ” ኢሉ ጸሓፈሉ። (2 ጢሞ. 1:14) እቲ ሕድሪ እንታይ እዩ ነይሩ፧ ጢሞቴዎስ እንታይ እዩ ብሕድሪ ተቐቢሉ፧ ኣብታ ኣብ ቅድሚኣ ዘላ ጥቕሲ፡ ጳውሎስ ነቲ ኣብ ቕዱሳት ጽሑፋት ዚርከብ “ጥዑይ ቃል” ጠቒሱ ኣሎ። (2 ጢሞ. 1:13) ጢሞቴዎስ ክርስትያን ኣገልጋሊ ብምዃኑ፡ ኣብ ውሽጥን ኣብ ወጻእን ጉባኤ ሓቂ ኺሰብኽ ነይርዎ። (2 ጢሞ. 4:1-5) ብተወሳኺ ድማ፡ ንመጓሰ ኣምላኽ ኪጓሲ ተሸይሙ ነይሩ እዩ። (1 ጴጥ. 5:2) ስለዚ፡ ጢሞቴዎስ ኣብ ናይ የሆዋ መንፈስ ቅዱስን ኣብ ቃሉን ብምጽጋዕ፡ ነቲ ሕድሪ፡ ማለት ነቲ ዚምህሮ ሓቂ ኺሕልዎ ይኽእል ነይሩ እዩ።—2 ጢሞ. 3:14-17

ሎሚ፡ ንዓና እውን እቲ ኣብ ክርስትያናዊ ኣገልግሎት ንሰባት እንምህሮ ሓቂ ብሕድሪ ተዋሂቡና ኣሎ። (ማቴ. 28:19, 20) ብጸሎት ብምጽናዕን ስሩዕ ልምዲ መጽናዕቲ ቓል ኣምላኽ ብምምዕባልን፡ ነዚ ዜደንቕ ሕድሪ እዚ ዘሎና ኣድንቖት ክንዕቅብ ንኽእል ኢና። (ሮሜ 12:11, 12፣ 1 ጢሞ. 4:13, 15, 16) ብዘይካዚ፡ እተሸመ ሽማግለ ወይ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልጋሊ ዄንና ናይ ምግልጋል ተወሳኺ ዕዮ ይህልወና ይኸውን። ከምዚ ዝበለ ሕድሪ ትሕት ኬብለናን ናብ ኣምላኽ ከም እንጽጋዕ ኪገብረናን ኣለዎ። ስለዚ፡ ሕድርና ኣኽቢርና ብምሓዝን ንምስካሙ ናብ የሆዋ ብምጽጋዕን፡ ክንሕልዎ ንኽእል ኢና።

‘ንእሙናት ሰባት ሕድሪ ሃቦም’

እቲ ጢሞቴዎስ እተዋህቦ ዕዮ፡ ንዕኡ ጥራይ ዚምልከቶ ኣይነበረን። ንኻልኦት እውን እቲ ዕዮ ተዋሂብዎም ነይሩ እዩ። ስለዚ ድማ እዩ ጳውሎስ ንጢሞቴዎስ፡ “እቲ . . . ኻባይ ዝሰማዕካዮ ነገራት፡ ንኻልኦት ኪምህሩ ንዚበቕዑ እሙናት ሰባት ሕድሪ ሃቦም” ኢሉ እተማሕጸኖ። (2 ጢሞ. 2:2) እወ፡ ጢሞቴዎስ ካብ ክርስትያናት ኣሕዋቱ ኺምሃር፡ ንሱ እውን ነቲ ዚፈልጦ ነገራት ንዓታቶም ኬካፍሎም ነይርዎ እዩ። ሎሚ ኣብ ክርስትያናዊት ጉባኤ ዘሎ ዅሉ ሓላዊ፡ ከምኡ ንምግባር ኪጽዕር ኣለዎ። ሓደ ንፉዕ ሓላዊ፡ ብዛዕባ ሓደ እተዋህቦ ዕዮ ዘለዎ ፍልጠት፡ ብቕንኢ ኣይሓብእን እዩ። ኣብ ክንዳኡስ፡ ካልኦት እውን ነቲ ዕዮ እቲ ምእንቲ ኺዓይይዎ፡ ንኻልኦት ይምህር እዩ። ካብኡ ንላዕሊ ኸይፈልጡ ወይ ካብ ናቱ ብዝበለጸ ገይሮም ከይዓይዩ ኣይፈርህን እዩ። ስለዚ፡ ሓደ ሓላዊ፡ መሰረታዊ ኣሰራርሓ ጥራይ ኣይኰነን ዚምህር። የግዳስ፡ ነቶም ዜሰልጥኖም ሰባት ናይ ምምዝዛንን ናይ ምስትውዓልን ክእለት ኬማዕብሉ፡ ማለት ብመንፈሳዊ መዳይ ኪዓብዩ ይሕግዞም እዩ። በዚ ኸምዚ፡ እቶም ዚምህሮም “እሙናት ሰባት፡” ንጉባኤ ብዙሕ ይጠቕሙ እዮም።

ጢሞቴዎስ ነታ ኻብ ጳውሎስ ዝመጸቶ እተተባብዕ ደብዳበ ኣኽቢሩ ኸም ዝረኣያ ኣየጠራጥርን እዩ። ነቲ ጠቓሚ ምኽሪ ደጋጊሙ የንብቦን ኣብ ዕዮኡ ብኸመይ ኣጸቢቑ ኸም ዚትግብሮ ብዙሕ ይሓስብን ከም ዝነበረ ኽንግምት ንኽእል ኢና።

ንሕና እውን ነዚ ምኽሪ እዚ ኣብ ልብና ኸነሕድሮ ንደሊ ኢና። ብኸመይ፧ ንውህበትና ኸነጐሃህሮ፡ ንሕድርና ኽንሕልዎ፡ ንኻልኦት ድማ ተመክሮናን ፍልጠትናን ብሕድሪ ኽንህቦም ንኽእል ኢና። በዚ ኸምዚ፡ ከምቲ ጳውሎስ ንጢሞቴዎስ ዝበሎ፡ ‘ኣገልግሎትና ምሉእ ብምሉእ ክንፍጽም’ ንኽእል ኢና።—2 ጢሞ. 4:5