ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ዓለም ክትጠፍእ ድያ፧

ዓለም ክትጠፍእ ድያ፧

መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ጥፍኣት ዓለም ከም ዚዛረብ ትፈልጥ ትኸውን። (1 ዮሃንስ 2:17) እሞ ደኣ እዚ፡ ደቂ ሰብ ከም ዚጸንቱ ድዩ ዜመልክት፧ ምድሪ ህይወት ኣልቦ ኽትከውን ወይ ጠሪሳ ኽትጠፍእ ድያ፧

መጽሓፍ ቅዱስ፡ ነዘን ክልተ ሕቶ ኣይፋልን ዚብል መልሲ እዩ ዚህብ።

ዘይጸንትን ዘይጠፍእን እንታይ እዩ፧

ደቂ ሰብ

መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧ ኣምላኽ ‘ንምድሪ ኺንበረላ እምበር፡ ንኸንቱ ኢሉ ኣይፈጠራን።’—ኢሳይያስ 45:18

ምድሪ

መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧ “ወለዶ ይኸይድ፡ ወለዶ ኸኣ ይመጽእ፣ ምድሪ ግና ንዘለኣለም ትነብር።”—መክብብ 1:4

እንታይ ማለት እዩ፧ ምድሪ ፈጺማ ኸም ዘይትጠፍእን ወትሩ መንበሪት ከም እትኸውንን መጽሓፍ ቅዱስ ይገልጽ እዩ። እሞ ደኣ መወዳእታ ዓለም ወይ ጥፍኣት ዓለም ኪብሃል ከሎ እንታይ ማለት እዩ፧

ነዚ ዚስዕብ ሕሰበሉ፦ መጽሓፍ ቅዱስ ንመወዳእታ ዓለም፡ ምስቲ ብዘመን ኖህ ዜጋጠመ የነጻጽሮ እዩ። ኣብቲ እዋን እቲ “ምድሪ ብዓመጻ መሊኣ” ነበረት። (ዘፍጥረት 6:13) ይኹን እምበር፡ ኖህ ጻድቕ ነበረ። ስለዚ፡ ኣምላኽ ንኖህን ንስድራ ቤቱን ኣድሓኖም፣ ነቶም እኩያት ግና ብማይ ኣይሂ ኣጥፍኦም። መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እቲ ሽዑ ዝዀነ ኺገልጽ ከሎ፡ “እታ ሽዑ ዝነበረት ዓለም ከኣ ብእኡ፡ ብማይ ኣዕለቕሊቓ ጠፊኣ እያ” ይብል። (2 ጴጥሮስ 3:6) እታ ሽዑ ዝነበረት ዓለም በዚ ኸምዚ እያ ጠፊኣ። ሽዑ ግና እንታይ እዩ ጠፊኡ፧ እኩያት ሰባት ደኣ እምበር ምድሪ ኣይኰነትን ጠፊኣ። ስለዚ፡ እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ መወዳእታ ዓለም ተገሊጹ ዘሎ ሓሳብ፡ ምድሪ ኸም እትጠፍእ ዜመልክት ኣይኰነን። ኣብ ክንዳኡስ፡ እኩያት ሰባትን እቲ ዚሰርዕዎ ስርዓትን ከም ዚጠፍእ እዩ ዜመልክት።

ዚጠፍእ እንታይ እዩ፧

ጸገምን እከይን

መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧ “ድሕሪ ቝሩብ፡ እኩያት ኣይኪህልዉን እዮም፣ ኣብቲ ዝነበሩሉ ኽትደልዮም ኢኻ፣ ኣብኡ እውን ኣይኪህልዉን እዮም። ዓቃላት ግና ንምድሪ ኺርስተይዋ እዮም፣ ብብዝሒ ሰላም ከኣ ኣዝዩ ደስ ኪብሎም እዩ።”—መዝሙር 37:10, 11

እንታይ ማለት እዩ፧ እከይ ብማይ ኣይሂ ሓንሳእን ንሓዋሩን ኣይጠፍአን፣ ከመይሲ፡ ድሕሪ ማይ ኣይሂ እውን እኩያት ኣብ ልዕሊ ሰባት መከራ የውርዱ ነይሮም እዮም። ኣብ ቀረባ እዋን ግና እምላኽ ንእከይ ኬወግዶ እዩ። ከምቲ ሓደ ዘማሪ ዝበሎ ኸኣ፡ “እኩያት ኣይኪህልዉን እዮም።” እወ፡ ኣምላኽ በታ ኣብ ሰማይ ኰይና ኣብ ልዕሊ ጻድቃን ደቂ ሰብ እትገዝእ ዓለምለኻዊት መንግስቱ ኣቢሉ ንእከይ ኬጥፍኦ እዩ።

ነዚ ዚስዕብ ሕሰበሉ፦ እቶም ሕጂ ንምድሪ ዚገዝእዋ ዘለዉ ሰባት ብመንግስቲ ኣምላኽ ኪግዝኡ ፍቓደኛታት ድዮም፧ መጽሓፍ ቅዱስ ፍቓደኛታት ከም ዘይኰኑ ይገልጽ እዩ። እኳ ደኣስ፡ ካብ ዕሽነቶም እተለዓለ ንመንግስቲ ኣምላኽ ኪጻረርዋ እዮም። (መዝሙር 2:2) ውጽኢቱኸ እንታይ እዩ ኪኸውን፧ መንግስቲ ኣምላኽ ንዅለን ሰብኣውያን መንግስትታት ክትትክአን እያ፣ “ንሳ በይና ኸኣ ንዘለኣለም ክትቀውም እያ።” (ዳንኤል 2:44) ኣገዛዝኣ ሰባት ኬብቅዕ ዘለዎ ስለምንታይ እዩ፧

ኣገዛዝኣ ሰባት ኬብቅዕ ኣለዎ

መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧ “መገዲ ሰብ ናቱ ኸም ዘይኰነት ኣጸቢቐ እፈልጥ እየ። ዚመላለስ ሰብ እውን ስጕምቱ ኬቕንዕ ናቱ ኣይኰነን።”—ኤርምያስ 10:23

እንታይ ማለት እዩ፧ ደቂ ሰብ ንገዛእ ርእሶም ኬመሓድሩ ኣይተፈጥሩን። ስለዚ፡ ንኻልኦት ሰባት ኬመሓድሩን ጸገማቶም ኪፈትሕሎምን ኣይክእሉን እዮም።

ነዚ ዚስዕብ ሕሰበሉ፦ ብሪታኒካ ኣካዳሚክ፡ “ኵለን መንግስትታት ከም ድኽነት፡ ጥሜት፡ ሕማም፡ ባህርያዊ ሓደጋ፡ ውግእ ወይ ካልእ ዓመጻ ዝኣመሰለ ዓለምለኻዊ ጸላኢ ኼወግዳ ኣይከኣላን” ኢሉ ኣሎ። ኣስዕብ ኣቢሉ ድማ፦ “ገሊኦም . . . ነዚ እከይ እዚ ሓንቲ ዓለምለኻዊት መንግስቲ ኸተወግዶ ኸም እትኽእል ይኣምኑ እዮም” ኢሉ እዩ። ይኹን እምበር፡ ዋላ እኳ ሰብኣውያን መንግስትታት እንተ ሓበራ፡ ዓለም ነቲ ኣብ ላዕሊ ተጠቒሱ ዘሎ ጸገማት ኬወግዱ ብዘይክእሉ ዘይፍጹማት ሰባት እያ እትግዛእ። ንዅሉ ዓለምለኻዊ ጸገማት ንሓዋሩ ኸተወግዶ ሓይሊ ዘለዋ፡ መንግስቲ ኣምላኽ ጥራይ እያ።

ስለዚ፡ ብመሰረት መጽሓፍ ቅዱስ መወዳእታ ዓለም፡ ማለት መወዳእታ እቲ ሕጂ ዘሎ እኩይ ስርዓት ንቕኑዓት ሰባት ኣየፍርሆምን እዩ። የግዳስ፡ እዚ ተሃንጥዮም እዮም ዚጽበይዎ፣ ከመይሲ፡ ሽዑ እዛ ዝቘንቈነት ዓለም በታ ኣምላኽ ዘዳለዋ እተሐጕስ ዓለም ክትትካእ እያ።

እዚ ዅሉ ግና መዓስ እዩ ኪኸውን፧ እታ እትቕጽል ዓንቀጽ ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ነዚ መልሲ ኽትህበሉ እያ።