ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

መወዳእታ ዓለም መዓስ እዩ ኪኸውን፧ የሱስከ ብዛዕባ እዚ እንታይ ኢሉ፧

መወዳእታ ዓለም መዓስ እዩ ኪኸውን፧ የሱስከ ብዛዕባ እዚ እንታይ ኢሉ፧

ኣብታ ኣቐዲማ ዝነበረት ዓንቀጽ ከም ዝረኣናዮ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ መወዳእታ ዓለም ኪዛረብ ከሎ፡ ምድሪ ኸም እትጠፍእ ወይ ደቂ ሰብ ከም ዚጸንቱ ኣይኰነን ዚዛረብ። የግዳስ፡ እዚ ብልሽው ስርዓት እዝን ኵሎም ደገፍቱን ከም ዚጠፍኡ እዩ ዚዛረብ። መጽሓፍ ቅዱስ መወዳእታ እዚ እኩይ ስርዓት መዓስ ከም ዚኸውን ይገልጽ ድዩ፧

የሱስ ብዛዕባ መወዳእታ እተዛረቦ ኽልተ ሓሳብ እስከ ንርአ፦

“እምበኣር፡ ነታ መዓልቲ እቲኣ ወይስ ነታ ሰዓት እቲኣ ኣይትፈልጥዋን ኢኹም እሞ፡ ንቕሑ።”ማቴዎስ 25:13

“እቲ ምዱብ ግዜ መዓስ ምዃኑ ኣይትፈልጥዎን ኢኹም እሞ፡ ተቛመቱን ንቕሑን።”—ማርቆስ 13:33

እዚ ስርዓት እዚ ብልክዕ መዓስ ከም ዚጠፍእ ዚፈልጥ ሰብ የልቦን። እንተዀነ ግና፡ ኣምላኽ መወዳእታ ዝመጸሉ “ምዱብ ግዜ፡” ማለት “መዓልት”ን “ሰዓት”ን ወሲኑ እዩ። (ማቴዎስ 24:36) ከምዚ ኺብሃል ከሎ ግና መወዳእታ ኸም ዝቐረበ እንፈልጠሉ ዋላ ሓደ መገዲ የለን ማለት ድዩ፧ ከምኡ ማለት ኣይኰነን። የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ፡ መወዳእታ ኸም ዝቐረበ ዜመልክት ሓያሎ ፍጻመታት ነጊርዎም ነይሩ እዩ።

ምልክታት

እቲ ፍጻመታት እቲ፡ ምልክት “መደምደምታ ስርዓት” እዩ። የሱስ፡ “ህዝቢ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ፡ መንግስቲ ድማ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኺልዓል እዩ፣ ኣብ በቦታኡ ኸኣ ጥሜትን ምንቅጥቃጥ ምድርን ኪኸውን እዩ” ኢሉ ኣሎ። (ማቴዎስ 24:3, 7) “ለበዳ” ኸም ዚኸውን እውን ተዛሪቡ እዩ። (ሉቃስ 21:11) እቲ የሱስ እተነበዮ ነገራት ኪፍጸም ከሎስ ትርኢዶ ኣሎኻ፧

ሎሚ፡ ምድሪ ብኣዕናዊ ውግኣት፡ ብጥሜት፡ ብምንቅጥቃጥ ምድሪ፡ ከምኡ እውን ማእለያ ብዘይብሉ ሕማማት ተሸቢራ እያ ዘላ። ንኣብነት፡ ብ2004፡ ብሰንኪ እቲ ኣብ ህንዳዊ ውቅያኖስ ዜጋጠመ ብርቱዕ ምንቅጥቃጥ ምድሪ እተላዕለ ሱናሚ፡ ኣስታት 225,000 ሰባት ሞይቶም እዮም። ካብ ሰለስተ ዓመት ንላዕሊ ኣብ ዝወሰደ ግዜ ድማ፡ ለበዳ ኮቪድ-19፡ ኣብ መላእ ዓለም ኣስታት 6.9 ሚልዮን ሰባት ቀቲሉ እዩ። የሱስ፡ ከምዚ ዝኣመሰለ ፍጻመታት መወዳእታ እዚ ስርዓት እዚ ኸም ዝቐረበ ዜመልክት ምዃኑ ገሊጹ እዩ።

“ዳሕሮት መዓልትታት”

መጽሓፍ ቅዱስ ነቲ መወዳእታ ቕድሚ ምምጻኡ ዘሎ እዋን፡ “ዳሕሮት መዓልትታት” ይብሎ እዩ። (2 ጴጥሮስ 3:3, 4) ኣብ 2 ጢሞቴዎስ 3:1-5 ኣብተን ዳሕሮት መዓልትታት ስነ ምግባር ኣዝዩ ኸም ዚበላሾ ተገሊጹ ኣሎ። (ነታ “ ቐቅድሚ መወዳእታ ዓለም” ዘርእስታ ሳጹን ርአ።) ሎሚ ርእሶም ዚፈትዉ፡ ስሱዓት፡ ጨካናት፡ ፍቕሪ ዘይብሎም ሰባት ከም ዝበዝሑስ ኣስተብሂልካዶ፧ እዚ እውን መወዳእታ ዓለም ኣዝዩ ኸም ዝቐረበ ዜርኢ መርትዖ እዩ።

መወዳእታ ኺመጽእ ክንደይ እዋን እዩ ተሪፍዎ፧ ብመሰረት መጽሓፍ ቅዱስ “ሓጺር እዋን” እዩ ተሪፍዎ። ድሕሪኡ፡ ኣምላኽ “ነቶም መጥፋእቲ ምድሪ” ኼጥፍኦም እዩ።—ራእይ 11:15-18

ገነታዊት ምድሪ ቐሪባ እያ

ኣምላኽ ነዚ እኩይ ስርዓት እዚ ዜጥፍኣሉ መዓልትን ሰዓትን መዲቡ እዩ። (ማቴዎስ 24:36) እቲ ደስ ዜብል ግና፡ “ሓደ እኳ ኺጠፍእ” ኣይደልን እዩ። (2 ጴጥሮስ 3:9) ስለዚ፡ ሰባት መለክዒታቱ ኺምሃሩን ብእኡ ኺመላለሱን ዕድል ከፊቱሎም ኣሎ። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ ኻብ ጥፍኣት እዛ ዓለም ድሒንና፡ ኣብታ ምድሪ ገነት እትዀነላ ንሱ ዘዳለዋ ሓዳስ ዓለም ክንነብር ስለ ዚደልየና እዩ።

ኣምላኽ ንሰባት ኣብታ ብመንግስቱ እትመሓደር ሓዳስ ዓለም ምእንቲ ኺነብሩ ኢሉ ዓለምለኻዊ ፕሮግራም ትምህርቲ ኣዳልዩሎም ኣሎ። የሱስ፡ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ “ኣብ ኵላ ዓለም” ከም ዚስበኽ ተዛሪቡ እዩ። (ማቴዎስ 24:14) ኣብ መላእ ዓለም ዚርከቡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ተስፋ መልእኽቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ምምሃርን ኣብ ምስባኽን ቢልዮናት ሰዓት ኣሕሊፎም እዮም። የሱስ፡ መወዳእታ ቕድሚ ምምጻኡ፡ ወፈራ ዕዮ ስብከት ኣብ ብዘላ ምድሪ ኸም ዚግበር ተዛሪቡ እዩ።

ምምሕዳር ሰባት ዳርጋ ኣብቂዑ እዩ። እቲ ዜሐጉስ ግና፡ ካብ ጥፍኣት እዛ ዓለም ድሒንካ፡ ኣብታ ኣምላኽ ዘተስፈዋ ገነታዊት ምድሪ ኽትነብር ትኽእል ኢኻ። እዛ እትስዕብ ዓንቀጽ ኣብ ሓዳስ ዓለም ምእንቲ ኽትነብር እንታይ ክትገብር ከም ዘሎካ ትገልጽ።

የሱስ ብዛዕባ “ዳሕሮት መዓልትታት” እተነበዮ ትንቢት ተስፋ ይህበና እዩ