ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ንመጻኢኻ ብሓቂ ዚውስኖ እንታይ እዩ፧

ንመጻኢኻ ብሓቂ ዚውስኖ እንታይ እዩ፧

ሓያሎ ሰባት ገለ ዘይርአ ሓይሊ ንመጻኢኦም ከም ዚቈጻጸሮ ይኣምኑ እዮም። ስለዚ ድማ ዝሓሸ መጻኢ ኸም ዜምጽኣሎም ዚሓስብዎ ነገራት ይስዕቡ እዮም።

ብዙሓት ዚኣምኑሉ

ቈጸራ ኸዋኽብቲ፦ ገሊኦም ሰባት፡ እቲ ኣብ እተወልዱሉ መዓልቲ ዝነበረ ኣሰራርዓ ኸዋኽብቲ፡ ንመጻኢኦም ከም ዚውስኖ ይኣምኑ እዮም። ሰባት እንታይ ከም ዜጋጥሞም ፈሊጦም ካብ ሓደጋ ምእንቲ ኺስተሩ ወይ ዕዉታት ምእንቲ ኪዀኑ ንቘጸርቲ ኸዋኽብቲ የማኽሩ ወይ ሆሮስኮፕ ይውከሱ እዮም።

ጥንቈላ፦ ገሊኦም ሰባት ጠንቈልቲ፡ ሓደ ነገር ስለምንታይ የጋጥሞም ከም ዘሎን ብዛዕባኡ እንታይ ኪገብሩ ኸም ዚግብኦምን ከም ዚነግርዎም ይኣምኑ እዮም። መበገሲ እቲ ጸገም ሓንሳእ ምስ ፈለጥዎ፡ ድሕሪኡ ነቲ ኼጋጥሞም ዚኽእል ጕድኣት ኬወግድዎን ነቲ ጸገም መፍትሒ ኺረኽቡሉን ዕዉታት ኪዀኑን ከም ዚኽእሉ ይሓስቡ እዮም።

ኣምልኾ ኣቦታት፦ ገሊኦም ሰባት ዕቝባን በረኸትን ምእንቲ ኺረኽቡ፡ ንዝሞቱ ኣቦታቶም ወይ ንእተፈላለዩ ኣማልኽቲ ኼምልኹ ኸም ዘለዎም ይኣምኑ እዮም። ብዛዕባ እዚ ኣብ ቬትናም እትነብር ቫን * ከምዚ ትብል፦ “ንዝሞቱ ኣቦታተይ ክብሪ ብምሃብ ንዓይን ንደቀይን ሕጂ ዝሓሸ ህይወት፡ ኣብ መጻኢ ኸኣ ውሑስ ህይወት ክንረክብ ከም እንኽእል እኣምን ነይረ።”

ሪኢንካርነሽን፦ ሓያሎ ሰባት፡ ሓደ ሰብ ምስ ሞተ እንደገና ኸም ዚውለድ፡ እዚ ድማ ቀጻሊ ዑደት ከም ዝዀነ ይኣምኑ እዮም። እዚ ሕጂ ዜጋጥሞም ጽቡቕ ወይ ሕማቕ ነገራት፡ ውጽኢት እቲ ኣብ ዝሓለፈ ህይወቶም ዝፈጸምዎ ተግባር ከም ዝዀነ ይኣምኑ እዮም።

ገሊኦም ግና ነዚ ኸምዚ ዚኣመሰለ እምነታት፡ ከም ማሪታዊ እምነት እዮም ዚሓስብዎ። እንተዀነ ግና፡ ኣብ ንባብ ኢድን ሆሮስኮፕን ሰሌዳ ዊጃን ካርታታትን ካልእ ከምኡ ዝኣመሰለ ነገራትን ይሳተፉ እዮም። እዚ ኸምዚ ዝኣመሰለ ነገራት መጻኢኦም ኪፈልጡ ኸም ዚሕግዞም ኰይኑ እዩ ዚስምዖም።

እዚ እንታይ የስዕብ፧

እቶም ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ተግባራት ዚኣምኑን ዚሳተፉን ሰባት፡ ጽቡቕ ህይወትን ውሑስ መጻኢን ረኺቦምዶ፧

ተመክሮ ሓደ ኣብ ቬትናም ዚነብር ሃው ዚስሙ ሰብኣይ ንርአ። መምርሒ ንምርካብ ኣብ ቈጸራ ኸዋኽብቲ፡ ፉንግ ሽዊ ይውከስ ከምኡ እውን ኣብ ኣምልኾ ኣቦታት ይኣምን ነበረ። እሞኸ ተዓዊቱዶ፧ ሃው ከምዚ ይብል፦ “ብዙሕ ገንዘብ ከሲረ፡ ኣብ ዕዳን ዕንዲዳን ኣትየ፡ ኣብ ስድራ ቤተይ ዘይምስምማዕ ኣጋጢሙኒ፡ ስምዒታዊ ስቓይ ከኣ ነይሩኒ።”

ብተመሳሳሊ፡ ኣብ ታይዋን ዚነብር ኪሚንግ ዚስሙ ሰብኣይ ኣብ ቈጸራ ኸዋኽብቲ፡ ኣብ ሪኢንካርነሽን፡ ኣብ ዕድል፡ ኣብ ፉንግ ሽዊ ኸምኡ እውን ኣብ ኣምልኾ ኣቦታት ይኣምን ነይሩ። ነዚ ነገራት እዚ ብጥንቃቐ ምስ መርመሮ ግና ከምዚ በለ፦ “ከምዚ ዝኣመሰለ ትምህርትታትን ልምድታትን ንሓድሕዱ ኸም ዚጋጮን ከም ዜደናግርን ተገንዚበ እየ። ቈጸርቲ ኸዋኽብቲ ዚንበይዎ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ጌጋ ኸም ዝዀነ ኣረጋጊጸ እየ። ንሪኢንካርነሽን ዚምልከት ድማ ብዛዕባ ዝሓለፈ ህይወትካ ተዘክሮታት ዘይብልካ እንተ ዀይኑ፡ ኣብ ዚቕጽል ህይወት ክትቅየርን ጽቡቕ ክትገብርን እትኽእል ደኣ ብኸመይ ኢኻ፧”

“ከምዚ ዝኣመሰለ ትምህርትታትን ልምድታትን ንሓድሕዱ ኸም ዚጋጮን ከም ዜደናግርን ተገንዚበ እየ።”—ኪሚንግ፡ ታይዋን

ሃውን ኪሚንግን ከምኡ እውን ካልኦት ብዙሓት ከም እተገንዘብዎ፡ ዕድል፡ ከዋኽብቲ፡ ዝሞቱ ኣቦታት ወይ ዳግም ልደት ንመጻኢና ኣይውስኖን እዩ። ከምዚ ኺብሃል ከሎ ግና፡ ንመጻኢና ኽንቈጻጸሮ ኣይንኽእልን ኢና ማለት ድዩ፧

ሓያሎ ሰባት፡ ዝለዓለ ደረጃ ትምህርትን ሃብትን ውሑስ መጻኢ ኸም ዜምጽኣሎም ይኣምኑ እዮም። እሞ ደኣ ከምዚ ዓይነት ምርጫ ዝገበሩ ገሊኦም ሰባት እንታይ እዩ ኣጋጢምዎም፧

^ ሕ.ጽ. 6 ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣን ኣብታ እትቕጽልን ዘሎ ገሊኡ ስማት ተቐዪሩ እዩ።

^ ሕ.ጽ. 16 እዚ ሓሳብ እዚ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ኣብ ገላትያ 6:7 ይርከብ እዩ። እዚ ኸኣ ምስቲ ብርጭቕ እንተ ተኺልካ፡ ብርጭቕ ትረክብ፣ ባልደንጓ እንተ ዘሪእካ፡ ባልደንጓ ትረክብ ዚብል ኣብ ርሑቕ ምብራቕ ዚዝረብ ህቡብ ዝዀነ ብሂል ዚመሳሰል እዩ።