ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ውሑስ መጻኢ ንምርካብ ዜተኣማምን መምርሒ ኣሎዶ፧

ውሑስ መጻኢ ንምርካብ ዜተኣማምን መምርሒ ኣሎዶ፧

ኣብተን ዝሓለፋ ዓንቀጻት ከም ዝረኣናዮ፡ ሰባት ጽቡቕ መጻኢ ምእንቲ ኺረኽቡ፡ ኣብ ዕድል፡ ኣብ ትምህርቲ፡ ኣብ ሃብቲ ይኣምኑ ኸምኡ እውን ሕያዎት ንምዃን ይጽዕሩ እዮም። ይኹን እምበር፡ ነዚ ነገራት እዚ ምስዓብ ናብ ሓደ ቦታ ንምብጻሕ ኣብ ግጉይ ካርታ ኸም ምውካስ እዩ ዚሕሰብ። ከምዚ ኺብሃል ከሎ ግና፡ ንመጻኢ ዚኸውን ዜተኣማምን መምርሒ የለን ማለት ድዩ፧ ኣይፋሉን!

ካብ ብሉጽ ምንጪ ዚርከብ መምርሒ

ውሳነ ኽንገብር ከለና፡ መብዛሕትኡ ግዜ ኻባና ብዕድመ ንዝዓበየን ዝሓሸ ጥበብ ንዘለዎን ሰብ ነማኽር ኢና። ብተመሳሳሊ ድማ፡ ንመጻኢና ዚኸውን መምርሒ ኻባና ብዕድመ ኻብ ዝዓበየን ዝሓሸ ጥበብ ካብ ዘለዎን፡ ክንረክብ ንኽእል ኢና። እቲ ነዚ ምኽሪ እዚ በቲ ኣስታት 3500 ዓመት ይገብር ተጻሒፉ ብሓደ እተጠርነፈ ቕዱስ ዝዀነ ጽሑፋት ኣቢሉ እዩ ተዋሂቡና። እዚ ብሓደ እተጠርነፈ ቕዱስ ጽሑፋት፡ መጽሓፍ ቅዱስ ይብሃል።

ንመጽሓፍ ቅዱስ ክትኣምኖ እትኽእል ስለምንታይ ኢኻ፧ ምኽንያቱ፡ ደራሲ እዚ መጽሓፍ እዚ ኣብ ብዘላ ዩኒቨርስ እቲ ዝዓበየን ጥበበኛን ስለ ዝዀነ እዩ። ንሱ፡ “ጥንታዊ ዝመዓልቱን” “ካብ ዘለኣለም ንዘለኣለም” ከም ዝዀነን ተገሊጹ ኣሎ። (ዳንኤል 7:9፣ መዝሙር 90:2) “እቲ ፈጣሪ ሰማያት፡ እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ፡ እቲ ንምድሪ ዝደኰና” ንሱ እዩ። (ኢሳይያስ 45:18) ብሕታዊ ስሙ ድማ የሆዋ ኸም ዝዀነ ነጊሩና እዩ።—መዝሙር 83:18

መጽሓፍ ቅዱስ ካብቲ ንዅሎም ደቂ ሰብ ዝፈጠረ ፈጣሪ ዝመጸ ስለ ዝዀነ፡ ንሓደ ባህሊ ወይ ዓሌት ካብ ካልእ ባህሊ ወይ ዓሌት፡ ኣብሊጹ ኣይርእን እዩ። እቲ ምኽሩ ግዜ ዘይሓልፎን ኣብ ብዘላ ምድሪ ንዘለዉ ሰባት ዚጠቅምን እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ብብዙሕ ቋንቋታት ተተርጒሙ ይርከብ፡ ብዝርጋሐ ድማ ኣብ ቀዳማይ ደረጃ ይስራዕ። * ስለዚ፡ ኣብ ዝዀነ ይኹን ቦታ ዘለዉ ሰባት፡ ብቐሊሉ ኺርድእዎን ብእኡ ይምርሑን እዮም። እዚ ሓቅታት እዚ ምስቲ መጽሓፍ ቅዱስ ባዕሉ ዚብሎ ዚሰማማዕ እዩ።

“ኣምላኽ ከም ዘየዳሉ ሕጂ ብሓቂ ተረዲኡኒ፣ የግዳስ፡ ኣብ ኵሉ ህዝቢ፡ ንኣምላኽ ዚፈርሆን ቅኑዕ ዚገብርን፡ ብእኡ ቕቡል እዩ።”ግብሪ ሃዋርያት 10:34, 35

ከምቲ ሓደ ሓላዪ ወላዲ ንደቁ መምርሒ ዚህቦም፡ እቲ ፈቃር ኣቦ ዝዀነ የሆዋ ኣምላኽ እውን በቲ ቓሉ ዝዀነ መጽሓፍ ቅዱስ ኣቢሉ፡ መምርሒ ይህበና እዩ። (2 ጢሞቴዎስ 3:16) ስለዚ፡ ንቓሉ ኽትኣምኖ ትኽእል ኢኻ፡ ከመይሲ፡ ኣምላኽ ፈጢሩና እዩ፡ ንዓና ዝበለጸ መገዲ ህይወት ኣየናይ ምዃኑ ድማ ይፈልጥ እዩ።

ከምዚ ዝኣመሰለ መጻኢ ምእንቲ ኺህልወካ እንታይ ክትገብር የድልየካ፧ ነዛ እትስዕብ ዓንቀጽ ርአ።

^ ሕ.ጽ. 6 ብዛዕባ ትርጉምን ዝርጋሐን መጽሓፍ ቅዱስ ዝርዝር ሓበሬታ እንተ ደሊኻ፡ ናብ www.pr418.com እቶ፡ ኣብ ትሕቲ ትምህርትታት መጽሓፍ ቅዱስ > ታሪኽን መጽሓፍ ቅዱስን ርአ።

^ ሕ.ጽ. 16 ዝያዳ ሓበሬታ እንተ ደሊኻ፡ ኣብታ ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመት ዘ ባይብል ጎድስ ዎር ኦር ማንስ ዘርእስታ መጽሓፍ ኣብ ምዕራፍ 9 ርአ። ኣብ ኢንተርነት ኣብ www.pr418.com. እውን ትርከብ እያ። ኣብ ትሕቲ ቤተ መጻሕፍቲ > መጻሕፍትን ብሮሹራትን ርአ።