ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ዓንቀጽ መጽናዕቲ 2

ካብቲ “የሱስ ዜፍቅሮ ወደ መዝሙር” ዚርከብ ትምህርቲ

ካብቲ “የሱስ ዜፍቅሮ ወደ መዝሙር” ዚርከብ ትምህርቲ

“ፍቕሪ ኻብ ኣምላኽ እያ እሞ፡ ንሓድሕድና ንፋቐር።”—1 ዮሃ. 4:7

መዝሙር 105 “ኣምላኽ ፍቕሪ እዩ”

መላለዪ *

1. ፍቕሪ ኣምላኽ እንታይ ከም ዚስምዓካ እያ እትገብር፧

ሃዋርያ ዮሃንስ፡ “ኣምላኽ ፍቕሪ እዩ” ኢሉ ጽሒፉ ኣሎ። (1 ዮሃ. 4:8) በዛ ቐላል ምሉእ ሓሳብ ኣቢሉ ሓደ መሰረታዊ ሓቂ እዩ ገሊጹ፦ እቲ ምንጪ ህይወት ዝዀነ ኣምላኽ፡ ምንጪ ፍቕሪ እውን እዩ። የሆዋ የፍቅረና እዩ! ፍቕሩ ድማ ቅሳነትን ሓጐስን ዕግበትን ከም ዚስምዓና ትገብር እያ።

2. ብመሰረት ማቴዎስ 22:37-40፡ እተን ክልተ ዓበይቲ ትእዛዛት እንታይ እየን፧ ነታ ኻልአይቲ ምሕላው ኬጸግመና ዚኽእልከ ስለምንታይ እዩ፧

2 ፍቕሪ ምርኣይ፡ ንክርስትያናት ናይ ምርጫ ጕዳይ ኣይኰነን። ትእዛዝ እዩ። (ማቴዎስ 22:37-40 ኣንብብ።) ንየሆዋ ኣጸቢቕና ምስ ፈለጥናዮ፡ ነታ ቐዳመይቲ ትእዛዝ ምሕላው ይቐልለና እዩ። ስለምንታይሲ፡ የሆዋ ፍጹምን ሓላይን ልኡምን እዩ። ነታ ኻልአይቲ ትእዛዝ ምሕላው ግና ይኸብደና ይኸውን። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ፡ እቶም ዚቐርቡና ብጾትና ዝዀኑ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ዘይፍጹማት እዮም። ሓድሓደ ግዜ ኸኣ፡ ሕማቕ ዘረባ ይዛረቡና፡ ክፉእ ተግባር እውን ይገብሩና ይዀኑ። የሆዋ፡ እዚ ብድሆ ኸም ዜጋጥመና ስለ ዝፈለጠ፡ ንገሊኦም ጸሓፍቲ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ስለምንታይን ብኸመይን ንሓድሕድና ኽንፋቐር ከም ዘሎና ኺጽሕፉ ብመንፈሱ ደሪኽዎም እዩ። ሓደ ኻብዞም ጸሓፍቲ እዚኦም ድማ ዮሃንስ እዩ።—1 ዮሃ. 3:11, 12

3. ዮሃንስ እንታይ እዩ ኣጕሊሑ፧

3 ዮሃንስ ኣብ ጽሑፋቱ፡ ክርስትያናት ፍቕሪ ኼርእዩ ኸም ዚግባእ ኣጕሊሑ እዩ። ብዛዕባ ህይወት የሱስ ኣብ ዝጸሓፎ ዛንታ እኳ፡ እታ “ፍቕሪ” እትብል ቃልን ረባሕታኣን ካብ ድምር እቲ ዝተረፈ ሰለስተ ወንጌላት ንላዕሊ እዩ ጠቒስዋ ዘሎ። ዮሃንስ ነታ ወንጌልን ነተን ሰለስተ መልእኽትታትን ኪጽሕፈን ከሎ ወዲ ሚእቲ ዓመት ኣቢሉ እዩ ነይሩ። እተን ብድራኸ መንፈስ እተጻሕፋ ጽሑፋቱ ኸኣ፡ ፍቕሪ ንዅሉ እቲ ክርስትያን ዚገብሮ ኺጸልዎ ኸም ዚግባእ ይገልጻ። (1 ዮሃ. 4:10, 11) ኰይኑ ግና፡ ዮሃንስ፡ እቲ ትምህርቲ እቲ ኺስቈሮ ግዜ ወሲዱሉ እዩ።

4. ዮሃንስ ኵሉ ግዜ ፍቕሪ የርኢ ነይሩ ድዩ፧

4 ዮሃንስ ብግዜ ንእስነቱ፡ ኵሉ ግዜ ኣይኰነን ፍቕሪ ዜርኢ ነይሩ። ንኣብነት፡ ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ የሱስን ደቀ መዛሙርቱን ብሰማርያ ኣቢሎም ናብ የሩሳሌም ይጕዓዙ ነበሩ። ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ሓንቲ ቝሸት ሳምራውያን ኣይተቐበለቶምን። ሽዑ ዮሃንስ እንታይ ገይሩ፧ ሓዊ ኻብ ሰማይ ወሪዱ ንነበርቲ እታ ቝሸት ኬጥፍኦም ከም ዚደሊ ኣሚቱ። (ሉቃ. 9:52-56) ኣብ ካልእ ኣጋጣሚ፡ ዮሃንስ ነቶም ካልኦት ሃዋርያት ፍቕሪ ኸም እትጐድሎ ኣርእዩ እዩ። ንሱን ሓዉ ያእቆብን ብኣዲኦም ኣቢሎም ንየሱስ፡ ኣብ መንግስቱ ኣብ ጐድኑ ብምግባር ምርኡይ ቦታ ኺህቦም ለመንዎ። እቶም ካልኦት ሃዋርያት ድማ፡ ብዛዕባ እቲ ዮሃንስን ያእቆብን ዝገበርዎ ምስ ሰምዑ ተቘጥዑ። (ማቴ. 20:20, 21, 24) ዮሃንስ እዚ ዅሉ ጕድለታት እናሃለዎ ኽነሱ ግና፡ የሱስ የፍቅሮ ነይሩ እዩ።—ዮሃ. 21:7

5. ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ እንታይ ክንምርምር ኢና፧

5 ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ብዛዕባ እቲ ዮሃንስ ዝሓደጎ ኣብነትን ገለ ኻብቲ ብዛዕባ ፍቕሪ ዝጸሓፎ ነገራትን ክንምርምር ኢና። ከምኡ ኽንገብር ከለና ኸኣ፡ ንኣሕዋትናን ንኣሓትናን ከመይ ጌርና ፍቕሪ ኸነርእዮም ከም እንኽእል ክንምሃር ኢና። ሓደ ርእሲ ስድራ ቤት ንስድራ ቤቱ ፍቕሪ ኼርእየሉ ዚኽእል ኣገዳሲ መገዲ እውን ክንርኢ ኢና።

ፍቕሪ ብግብሪ ትግለጽ

የሆዋ ንወዱ፡ ምእንታና ኺመውት ኢሉ ናብ ምድሪ ብምልኣኽ፡ ፍቕሩ ኣርእዩና (ሕጡብ ጽሑፍ 6-7 ርአ)

6. የሆዋ ፍቕሩ ብኸመይ እዩ ገሊጹልና፧

6 መብዛሕትኡ ግዜ ፍቕሪ ኽንብል ከለና፡ ብጥዑም ቃላት ዚግለጽ ጽቡቕ ስምዒት እዩ ዚመጸልና። ፍቕሪ ናይ ሓቂ ኽትከውን ግና፡ ብግብሪ ኽትድገፍ ኣለዋ። (ምስ ያእቆብ 2:17, 26 ኣረኣኢ።) ንኣብነት የሆዋ የፍቅረና እዩ። (1 ዮሃ. 4:19) ፍቕሩ ኸኣ በቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ጽቡቕ ቃላት ገይሩ ይገልጽ እዩ። (መዝ. 25:10፣ ሮሜ 8:38, 39) ኰይኑ ግና፡ እቲ ዚብሎ ጥራይ ዘይኰነስ፡ እቲ ዚግበሮ ነገር እውን እዩ ኣምላኽ ከም ዜፍቅረና ዚነግረና። ብዛዕባ እዚ ዮሃንስ፡ “ኣምላኽ፡ በቲ ሓደ ወዱ ህይወት ምእንቲ ኽንረክብ ኢሉ፡ ንዕኡ ናብ ዓለም ብምልኣኹ፡ ፍቕሪ ኣምላኽ ንዓና በዚ ተገሊጻትልና እያ” ኢሉ ጽሒፉ ኣሎ። (1 ዮሃ. 4:9) የሆዋ ነቲ ፍቑር ወዱ ምእንታና መከራ ኺጸግብን ኪመውትን ፈቒዱ እዩ። (ዮሃ. 3:16) እሞ ደኣ የሆዋ ብሓቂ ኸም ዜፍቅረናስ ንእሽቶ ጥርጣረ እውን ኪህልወና ይኽእል ድዩ፧

7. የሱስ ንዓና ዘላቶ ፍቕሪ ንምርግጋጽ እንታይ እዩ ገይሩ፧

7 የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ኸም ዚፈትዎም ኣረጋጊጹሎም እዩ። (ዮሃ. 13:1፣ 15:15) ንዓታቶም ኰነ ንዓና ዘላቶ ዓማቝ ፍቕሪ ኸኣ ብዘረባኡ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ብግብሪ እውን ኣርእዩ እዩ። ብዛዕባ እዚ ኺገልጽ ከሎ፡ “ንህይወቱ ምእንቲ ኣዕሩኹ ኣሕሊፉ ኻብ ዚህባ ሰብ፡ ዚዓቢ ፍቕሪ ዘለዎ የልቦን” ኢሉ እዩ። (ዮሃ. 15:13) እሞ ደኣ ነቲ የሆዋን የሱስን ዝገበሩልና ኽንሓስበሉ ኸለና፡ እዚ ብኸመይ ኪጸልወና ይግባእ፧

8. ቀዳማይ ዮሃንስ 3:18 እንታይ ክንገብር ከም ዘሎና እያ እትነግረና፧

8 ንየሆዋን ንየሱስን ዘላትና ፍቕሪ፡ ትእዛዛቶም ብምሕላው ከነርኢ ንኽእል ኢና። (ዮሃ. 14:15፣ 1 ዮሃ. 5:3) የሱስ ድማ ንሓድሕድና ኽንፋቐር ብንጹር ኣዚዙና እዩ። (ዮሃ. 13:34, 35) ንኣሕዋትናን ንኣሓትናን ዘላትና ፍቕሪ ብቓል ካብ ምግላጽ ሓሊፍና፡ ብግብሪ እውን ከነርኢ ኣሎና። (1 ዮሃንስ 3:18 ኣንብብ።) እሞ ደኣ ፍቕርና ንምርኣይ እንታይ ክንገብር ንኽእል፧

ንኣሕዋትካን ንኣሓትካን ኣፍቅሮም

9. ፍቕሪ ንዮሃንስ እንታይ ኪገብር እያ ደሪኻቶ፧

9 ዮሃንስ ምስ ኣቦኡ ኺጸንሕን ዓሳ ብምግፋፍ ገንዘብ ኬጥርን ምኸኣለ ነይሩ። ኣብ ክንዳኡ፡ እቲ ዝተረፈ ህይወቱ ንኻልኦት ሰባት ብዛዕባ የሆዋን ብዛዕባ የሱስን ኺፈልጡ ኣብ ምሕጋዝ እዩ ወፍይዎ። እቲ ዮሃንስ ዝመረጾ ህይወት ቀሊል ኣይነበረን። ብምኽንያት ስብከቱ ኣደዳ መስጐጕቲ ዀይኑ እዩ። ኣብ ኣጋ መወዳእታ ቐዳማይ ዘመን ድማ፡ ብግዜ እርጋኑ ተሓዪሩ ኸም ዝነበረ ተጠቒሱ ኣሎ። (ግብ. 3:1፣ 4:1-3፣ 5:18፣ ራእ. 1:9) ብዛዕባ የሱስ ብምምስካሩ ምስ ተኣስረ እኳ፡ ንኻልኦት ይሓልየሎም ከም ዝነበረ ኣርእዩ እዩ። ንኣብነት፡ ኣብ ደሴት ጳጥሞስ ተኣሲሩ ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ እተን ጉባኤታት “እቲ ቐልጢፉ ኪኸውን ዘለዎ” ምእንቲ ኺፈልጣ፡ እቲ ዝረኣዮ ራእይ ጽሒፉ ልኢኹለን እዩ። (ራእ. 1:1) ድሕሪኡ፡ ብዛዕባ ህይወትን ኣገልግሎትን የሱስ እትገልጽ ወንጌሉ ኻብ ጳጥሞስ ምስ ተፈትሐ ኸም ዝጸሓፋ እዩ ዚእመን። ንኣሕዋቱን ንኣሓቱን ንምትብባዕን ንምብርታዕን እውን ሰለስተ መልእኽትታት ጽሒፉ እዩ። እሞ ደኣ ነቲ ዮሃንስ ጥቕሚ ርእሱ ብምስዋእ ዝሓደጎ ኣብነት ብኸመይ ክንመስሎ ንኽእል፧

10. ንሰባት ከም እተፍቅር ብኸመይ ከተርኢ ትኽእል፧

10 ንስኻ እውን በቲ ኣብ ህይወትካ ኽትገብሮ እትመርጾ ውሳነ ኣቢልካ ንሰባት ዘላትካ ፍቕሪ ኸተርኢ ትኽእል ኢኻ። ስርዓት ሰይጣን ኵሉ ግዜኻን ጕልበትካን ኣብ ገዛእ ርእስኻ፡ ማለት ደድሕሪ ገንዘብን ዝናን ከተህልኾ እዩ ዚደልየካ። ኣብ ብዘላ ዓለም ዚርከቡ ጥቕሚ ርእሶም ዚስውኡ ኣወጅቲ መንግስቲ ኣምላኽ ግና መብዛሕትኡ ግዜኦም ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ምስባኽን ንሰባት ናብ የሆዋ ኪቐርቡ ኣብ ምሕጋዝን እዮም ዜሕልፍዎ። ገሊኦም እሞ ኸኣ ብምሉእ ግዜኦም ይሰብኩን ይምህሩን እዮም።

በቲ ንኣሕዋትናን ንኣሓትናን ንስድራ ቤትናን እንገብረሎም ነገር ኣቢልና ፍቕርና ነርኢ ኢና (ሕጡብ ጽሑፍ 11, 17 ርአ) *

11. ብዙሓት እሙናት ኣስፋሕቲ ነታ ንየሆዋን ንኣሕዋቶምን ንኣሓቶምን ዘላቶም ፍቕሪ ብኸመይ እዮም ዜርእዩ፧

11 ብዙሓት እሙናት ክርስትያናት ንገዛእ ርእሶምን ንስድራ ቤቶምን ዜድሊ ንምምእራር፡ ናይ ምሉእ ግዜ ዓለማዊ ስራሕ ይሰርሑ እዮም። ይኹን እምበር፡ እዞም እሙናት ኣስፋሕቲ እዚኦም ንውድብ ኣምላኽ ብእተኻእሎም ይድግፉ እዮም። ንኣብነት፡ ገሊኦም ኣብ ዕዮ ረድኤት ይሳተፉ እዮም፣ ገሊኦም ኣብ ፕሮጀክትታት ህንጸት ይዓይዩ እዮም፣ ኵላቶም ከኣ ንዓለምለኻዊ ዕዮ ገንዘብ ኪውፍዩ ይኽእሉ እዮም። ንኣምላኽን ንሰብን ፍቕሪ ስለ ዘላቶም እዮም ከምኡ ዚገብሩ። ኣብ ሰሰሙን፡ ኣብ ኣኼባታት ጉባኤ ብምእካብን ብምስታፍን፡ ንኣሕዋትናን ንኣሓትናን ዘላትና ፍቕሪ ኸነርኢ ንኽእል ኢና። ዋላ እኳ እንተ ደኸምና፡ ካብ ኣኼባታት ኣይንበኵርን ኢና። ዋላ እኳ እንተ ፈራህና፡ ሓሳብ ንህብ ኢና። ዋላ እኳ ጸገማት እንተ ኣሎና፡ ቅድምን ድሕርን ኣኼባ ንኻልኦት ነተባብዕ ኢና። (እብ. 10:24, 25) እወ፡ ነቲ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ዚገብርዎ ዅሉ ብሓቂ ነመስግነሉ ኢና!

12. ዮሃንስ ንኣሕዋቱን ንኣሓቱን ዘላቶ ፍቕሪ ዘርኣየሉ ኻልእ መገዲ እንታይ እዩ፧

12 ዮሃንስ ንኣሕዋቱን ንኣሓቱን ዘላቶ ፍቕሪ ንዓታቶም ብምንኣድ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ምኽሪ ብምሃብ እውን ኣርእዩ እዩ። ንኣብነት፡ ኣብተን መልእኽትታቱ ንኣሕዋቱን ንኣሓቱን ስለቲ እምነቶምን ሰናይ ግብሮምን ኣብ ርእሲ ምንኣዱ፡ ብዛዕባ ሓጢኣት ቀጥታዊ ምኽሪ ሂብዎም እዩ። (1 ዮሃ. 1:8–2:1, 13, 14) ንሕና እውን ብተመሳሳሊ፡ ንኣሕዋትናን ንኣሓትናን ስለቲ ዚገብርዎ ሰናይ ነገር ክንንእዶም ኣሎና። ሓደ ሰብ ሕማቕ ኣረኣእያ ወይ ልማድ የማዕብል እንተ ኣልዩ ግና፡ እቲ ኺንገሮ ዚግባእ ብሜላ ብምንጋር ፍቕሪ ኸነርእዮ ንኽእል ኢና። ንፈታዊኻ ምኽሪ ምሃብ፡ ትብዓት ይሓትት እዩ፣ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ናይ ሓቂ ፈተውቲ ንሓድሕዶም ከም ዚሰሓሓሉ ወይ ከም ዚተኣራረሙ ይገልጽ እዩ።—ምሳ. 27:17

13. እንታይ ካብ ምግባር ኢና ኽንቍጠብ ዘሎና፧

13 ሓድሓደ ግዜ፡ ሓደ ነገር ካብ ምግባር ብምቝጣብ እውን ንኣሕዋትናን ንኣሓትናን ዘላትና ፍቕሪ ነርኢ ኢና። ንኣብነት፡ ብዘረባኦም ብቐሊሉ ኣይንዅርን ኢና። ኣብ መወዳእታ ምድራዊ ህይወት የሱስ ብዛዕባ ዘጋጠመ ነገር እሞ ንሕሰብ። ኣብቲ ግዜ እቲ ንደቀ መዛሙርቱ፡ ህይወት ንምርካብ ስጋኡ ኺበልዑን ደሙ ኺሰትዩን ከም ዘለዎም ነገሮም። (ዮሃ. 6:53-57) እቲ ዘረባ እቲ ኣዝዩ ዜሰምብድ ብምንባሩ፡ ብዙሓት ካብ ደቀ መዛሙርቱ ሓዲጎምዎ ኸዱ። ከም ዮሃንስ ዝኣመሰሉ ናይ ሓቂ ፈተውቱ ግና ኣይሓደግዎን ኣብ ክንዳኡስ፡ ብተኣማንነት ምስኡ ቐጸሉ። እቲ የሱስ ዝበሎም ኣይተረድኦምን ነይሩ፣ ከየሰምበዶም እውን ኣይተርፍን እዩ። ኰይኑ ግና፡ ጌጋ ኸም እተዛረበ ገይሮም ኣይረኣይዎን፣ ቅር እውን ኣይበሎምን። ኣብ ክንዳኡስ፡ ሓቂ ኸም እተዛረበ ይፈልጡ ብምንባሮም፡ ይኣምንዎ ነይሮም እዮም። (ዮሃ. 6:60, 66-69) እምበኣር፡ ንሕና እውን በቲ ፈተውትና ዚዛረብዎ ብቐሊሉ ቕር ኪብለና የብሉን። የግዳስ፡ እንታይ ማለቶም ምዃኖም ኪገልጹ ዕድል ንህቦም ኢና።—ምሳ. 18:13፣ መክ. 7:9

14. ስለምንታይ ኢና ጽልኢ ንልብና ኺምርዞ ኸነፍቅድ ዘይብልና፧

14 ዮሃንስ ንኣሕዋትናን ንኣሓትናን ከይንጸልኦም እውን ተማሕጺኑና ኣሎ። ነቲ ምኽሪ እቲ እንተ ዘይስዒብናዮ ንጽልዋ ሰይጣን ንቃላዕ ኢና። (1 ዮሃ. 2:11፣ 3:15) ኣብ መወዳእታ ናይ ቀዳማይ ዘመን ድ.ክ. ዝነበሩ ገሊኦም ከምኡ እዩ ኣጋጢምዎም። ሰይጣን ኣብ ህዝቢ ኣምላኽ ጽልእን ምክፍፋልን ንምፍጣር ዚከኣሎ ዅሉ እዩ ዚገብር ነይሩ። ዮሃንስ ነተን መልእኽትታቱ ኣብ ዝጸሓፈሉ እዋን፡ ከም ናይ ሰይጣን ዓይነት መንፈስ ዘለዎም ሰባት ናብ ጉባኤታት ሰሊኾም ኣትዮም ነይሮም እዮም። ንኣብነት፡ ድዮትሬፌስ ኣብ ሓንቲ ጉባኤ ምክፍፋል ይፈጥር ነይሩ እዩ። (3 ዮሃ. 9, 10) ነቶም ካብ ኣመሓዳሪ ኣካል እተላእኩ ገየሽቲ ተወከልቲ ብኣኽብሮት ኣይቅበሎምን እዩ ነይሩ። ሕሉፍ ሓሊፉ እውን፡ ነቶም ኪቕበልዎም ዚደልዩ ኻብ ጉባኤ ኼውጽኦም ይፍትን ነይሩ እዩ። ኣመና ዕቡይ እዩ ነይሩ! ሎሚ እውን ሰይጣን ንህዝቢ ኣምላኽ ከፋፊሉ ንምስዓር፡ ሒዅ እዩ ዚብል ዘሎ። እምበኣር፡ ብጽልኢ ኣይንከፋፈል።

ንስድራ ቤትካ ኣፍቅሮም

የሱስ ንዮሃንስ፡ ንኣዲኡ ብስጋዊ ዀነ ብመንፈሳዊ መዳይ ኪከናኸና ሕድሪ ሂብዎ እዩ። ሎሚ ዘለዉ ርእስታት ስድራ ቤት ከኣ ንስድራ ቤቶም፡ ዜድልዮም ዘበለ ኼማልኡሎም ኣለዎም (ሕጡብ ጽሑፍ 15-16 ርአ)

15. ሓደ ርእሲ ስድራ ቤት እንታይ እዩ ኺዝክር ዘለዎ፧

15 ሓደ ኻብቲ ርእሲ ስድራ ቤት ንስድራ ቤቱ ዘለዎ ፍቕሪ ዜርእየሉ ኣገዳሲ መገድታት፡ ብስጋዊ መዳይ ዜድልዮም ዘበለ ብምምላእ እዩ። (1 ጢሞ. 5:8) ኰይኑ ግና፡ ስጋዊ ነገራት ንመንፈሳዊ ህርፋኖም ከም ዘየርውየሎም ኪዝክር ኣለዎ። (ማቴ. 5:3) የሱስ ንርእስታት ስድራ ቤት ኣብነት ሓዲጉሎም ኣሎ። ብመሰረት ወንጌል ዮሃንስ፡ የሱስ ኣብ ጕንዲ ስቅያት ተሰቒሉ ኣብ ዝሞተሉ እዋን፡ ብዛዕባ ስድራ ቤቱ ይሓስብ ነይሩ እዩ። ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ዮሃንስን ኣዲኡ ማርያምን ኣብ ጥቓኡ ደው ኢሎም ነበሩ። የሱስ ከኣ፡ ብርቱዕ ቃንዛ እናሃለዎ ኽነሱ ንዮሃንስ፡ ንማርያም ኪከናኸና ተላበዎ። (ዮሃ. 19:26, 27) ንማርያም ብስጋ ዜድልያ ዘበለ ኼማልኡላ ዚኽእሉ ኣሕዋትን ኣሓትን ነይሮምዎ እዮም። እቲ ዛንታ ግና፡ ኣብቲ ግዜ እቲ ዋላ ሓደ ኻባታቶም ሰዓቢ የሱስ ከም ዘይኰነ እዩ ዚእምት። ስለዚ ድማ የሱስ፡ ማርያም ብስጋዊ ዀነ ብመንፈሳዊ መዳይ ክንክን ኪግበረላ እዩ ደልዩ ነይሩ።

16. ዮሃንስ እንታይ ሓላፍነት እዩ ተሰኪሙ ነይሩ፧

16 ዮሃንስ ከቢድ ሓላፍነት ነይርዎ እዩ። ሓደ ኻብ ሃዋርያት ስለ ዝነበረ፡ ኣብ ዕዮ ስብከት መሪሕ ግደ እዩ ነይርዎ። ምናልባት እውን ብዓል ሓዳር ስለ ዝነበረ፡ ነቲ ስድራ ቤቱ ብስጋዊ ዀነ ብመንፈሳዊ መዳይ ዜድልዮም ነገራት፡ ብሚዛናዊ መገዲ ኼማልእ ነይርዎ እዩ። (1 ቈረ. 9:5) እዚ፡ ሎሚ ንዘለዉ ርእስታት ስድራ ቤት እንታይ ትምህርቲ ይዀኖም፧

17. ሓደ ርእሲ ስድራ ቤት ምስ ስድራ ቤቱ ብዚተሓሓዝ እንታይ ኣገዳሲ ሓላፍነት ኣለዎ፧ ስድራ ቤቱኸ ብኸመይ እዮም ዚጥቀሙ፧

17 ርእሲ ስድራ ቤት ዝዀነ ሓው፡ ብዙሕ ከቢድ ሓላፍነታት ኪህልዎ ይኽእል እዩ። ንኣብነት፡ ኣካይዳኡ ንየሆዋ ውዳሰ ዜምጽእ ምእንቲ ኪኸውን፡ ኣብ ዓለማዊ ስራሑ ብትግሃት ኪዓዪ ኣለዎ። (ኤፌ. 6:5, 6፣ ቲቶ. 2:9, 10) ብተወሳኺ እውን፡ ከም ጕስነትን ምምራሕ ዕዮ ስብከትን ዝኣመሰለ ሓላፍነታት ጉባኤ ኺህልዎ ይኽእል እዩ። ብዘይካዚ ድማ፡ ምስ ሰበይቱን ደቁን ስሩዕ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኪገብር ኣለዎ። ስለዚ፡ ብኣካላውን ብስምዒታውን ብመንፈሳውን መዳይ ጥዕናኦም ናይ ምሕላው ሓላፍነት ኣለዎ፣ ስድራ ቤቱ ድማ ነቲ ዚገብሮ ጻዕሪ ኣጸቢቖም የማስዉሉ እዮም።—ኤፌ. 5:28, 29፣ 6:4

‘ኣብ ፍቕረይ ጽንዑ’

18. ዮሃንስ ብዛዕባ እንታይ እዩ ርግጸኛ ነይሩ፧

18 ዮሃንስ ነዊሕ ዕድመ ነይርዎ እዩ። ብዙሕ ነገራት እውን ርእዩ እዩ። እምነቱ ኼዳኽም ዚኽእል ኵሉ ዓይነት ጸገማት ኣጋጢምዎ እዩ። እንተዀነ ግና፡ ትእዛዛት የሱስ ንምሕላው፡ ንኣብነት ነቲ ንኣሕዋቱን ንኣሓቱን ኬፍቅር እተዋህቦ ትእዛዝ ንምሕላው፡ ዚከኣሎ ገይሩ እዩ። ስለዚ ድማ፡ የሆዋን የሱስን ከም ዜፍቅርዎ፡ ንዝዀነ ፈተና ኺሰግር እውን ሓይሊ ኸም ዚህብዎ ርግጸኛ እዩ ነይሩ። (ዮሃ. 14:15-17፣ 15:10፣ 1 ዮሃ. 4:16) ሰይጣንን ስርዓቱን ዝገበሩ እኳ እንተ ገበሩ፡ ንዮሃንስ ግና ከየፍቅርን ፍቕሩ ኸይገልጽን ኣይዓገትዎን።

19. ቀዳማይ ዮሃንስ 4:7 እንታይ ክንገብር እያ እተተባብዓና፧ ስለምንታይከ፧

19 ንሕና እውን ከም ዮሃንስ፡ ኣብዛ ሰይጣን ዚቈጻጸራ ዓለም ኢና እንነብር ዘለና፣ ንሱ ኸኣ ጽልኢ ዝመልኦ ኣምላኽ እዚ ስርዓት እዚ እዩ። (1 ዮሃ. 3:1, 10) ንኣሕዋትናን ንኣሓትናን ዘይነፍቅር ክንከውን ዚደልየና እኳ እንተ ዀነ፡ ንሕና እንተ ዘይፈቒድናሉ ኸምኡ ኺገብረና ኣይክእልን እዩ። እምበኣር፡ ንኣሕዋትናን ንኣሓትናን ከነፍቅሮም፡ ፍቕርና ኸኣ ብዘረባና ኽንገልጽ፡ ብተግባርና እውን ከነርኢ ቘራጽነት ንግበር። ከምኡ እንተ ጌርና፡ ክፍሊ ስድራ ቤት የሆዋ ብምዃንና ዕግበት ኪስምዓና እዩ፣ ንህይወት እውን ብሓቂ ኸነስተማቕራ ኢና።—1 ዮሃንስ 4:7 ኣንብብ።

መዝሙር 88 ጐደናታትካ ኣፍልጠኒ

^ ሕ.ጽ. 5 “እቲ የሱስ ዜፍቅሮ ወደ መዝሙር” ተባሂሉ ዘሎ፡ ሃዋርያ ዮሃንስ ከም ዝዀነ እዩ ዚእመነሉ። (ዮሃ. 21:7) ስለዚ፡ ካብ ንእስነቱ ኣትሒዙ ብዙሕ ዚንኣድ ባህርያት ነይርዎ ማለት እዩ። ድሕሪ ሓያሎ ዓመታት፡ የሆዋ ንዕኡ ብዛዕባ ፍቕሪ ኣስፊሑ ኺጽሕፍ ተጠቒሙሉ እዩ። ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ገለ ኻብቲ ዮሃንስ ዝጸሓፎ ጽሑፋት ክንምርምር፡ ካብ ኣብነቱ እንታይ ክንምሃር ከም እንኽእል ድማ ክንርኢ ኢና።

^ ሕ.ጽ. 59 መግለጺ ስእሊ፦ ሓደ ብዕዮ ትሑዝ ዝዀነ ርእሲ ስድራ ቤት፡ ኣብ ዕዮ ረድኤት ይሳተፍ፡ ነቲ ዓለምለኻዊ ዕዮ ብወፈያ ይድግፍ፡ ንኻልኦት ድማ ናብቲ ንሱን ሰበይቱን ደቁን ዚገብርዎ ኣምልኾ ስድራ ቤት ይዕድሞም።