ታሪኽ ህይወት
የሆዋ ንዚሓትተና ዘበለ ኸይንኣብዮ ተማሂርና
ህቦብላ እተሓወሶ ዝናም ምስ ዘነመ፡ እቲ ውሒዝ ብጭቃን ብኣእማንን መልአ። ናብቲ ስግር ክንበጽሕ ደሊና እኳ እንተ ነበርና፡ እቲ ውሒዝ ነቲ ድልድል ወሲድዎ ነይሩ እዩ። ኣነን ሰብኣየይ ሃርቪን ቋንቋ ኣሚስ ዚትርጕመልና ተርጓሚናን እንገብሮ ሓርቢቱና ፈሪህና ኢና ኔርና። ድሕርዚ፡ እቶም ስግር እቲ ርባ ዝነበሩ ኣሕዋት ብጭንቀት እናረኣዩና ነቲ ውሒዝ ክንሰግሮ ጀመርና። ፈለማ፡ ነታ ንእሽቶ ማኪናና ዘዊርና ናብ ዝባን ናይ ጽዕነት ማኪና ኣደየብናያ። ነታ ማኪናና ኣጽኒዑ ዚሕዛ ኣግማድ ወይ ሰንሰለት ስለ ዘይነበረ፡ እታ ናይ ጽዕነት ማኪና ቐስ ኢላ ነቲ ውሒዝ ክትሰግሮ ጀመረት። ነቲ ውሒዝ ንምስጋር ዝወሰደልና ግዜ መወዳእታ ዘይብሉ ዀይኑ እዩ ተሰሚዑና። ኰይኑ ግና፡ ንየሆዋ ብጸሎት እናለመንናዮ ብደሓን ሰጊርና። እዚ ዝዀነ ብ1971 እዩ። ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ካብታ እተወለድናላ ዓዲ ኣሽሓት ኪሎ ሜተር ርሒቕና ኣብ ምብራቓዊ ገማግም ታይዋን ኢና ኔርና። ፈለማ ግና፡ ዛንታና ኻብ መጀመርታ ኸዘንትወልኩም።
ፍቕሪ ንየሆዋ ተማሂርና
ሃርቪ ኻብቶም ኣርባዕተ ኣሕዋቱ በዅሪ እዩ ነይሩ። ስድራ ቤቱ ኣብቲ ሕማቕ ቍጠባዊ ዅነታት ዝነበረሉ 1930ታት ናብ ሓቂ ኺመጹ ኸለዉ፡ ኣብ ሚድላንድ ጃንክሽን፡ ምዕራባዊ ኣውስትራልያ እዮም ዚነብሩ ነይሮም። ሃርቪ ኻብ ንእስነቱ ኣትሒዙ ፍቕሪ ንየሆዋ ኣማዕበለ። ወዲ 14 ዓመት ከሎ ድማ ተጠምቀ። ነዊሕ ከይጸንሐ፡ ቲኦክራስያዊ ዕዮታት ኪኣቢ ኸም ዘይብሉ ተማህረ። ንእሽቶ ኸሎ፡ ኣብ ኣኼባ ግምቢ ዘብዐኛ ኼንብብ ምስ ተሓትተ፡ ብቕዓት ዘይብሉ ዀይኑ ስለ እተሰምዖ ኣበየ። እቲ ሽዑ ዘዘራረቦ ሓው ግና፡ “ሓደ ሰብ ኣብ ውድብ የሆዋ፡ ሓደ ነገር ክትገብር እንተ ሓቲቱካ፡ ብቕዓት ከም ዘሎካ ስለ ዝሓሰበ እዩ” ኢሉ ኣረድኦ።—2 ቈረ. 3:5።
ኣነ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ከለኹ እየ ሓቂ ተቐቢለ፣ ኣደይን ዓባይ ሓብተይን እውን ኣብኡ እየን ሓቂ ፈሊጠን። ኣቦይ ጸኒሑ ሓቂ እኳ እንተ ተቐበለ፡ ኣብ ፈለማ ተጻራሪ እዩ ነይሩ። ገና 10 ዓመት ከይመላእኩ፡ ንሱ ኸይፈቐደለይ እየ ተጠሚቐ። ሽዑ ኸኣ መጀመርታ ፈላሚት ክኸውን፡ ድሕሪኡ ድማ ሚስዮናዊት ክኸውን ሸቶ ገበርኩ። ኰይኑ ግና፡ ኣቦይ 21 ዓመት ክሳዕ ዝመልእ፡ ፈላሚት ክኸውን ኣይፈቐደለይን ነይሩ። ክንድኡ ኽጽበ ኣይደለኹን። ስለዚ፡ ጓል 16 ምስ ኰንኩ፡ ንኣቦይ
ኣፍቂደ ምስታ ናብ ኣውስትራልያ ግዒዛ ዝነበረት ዓባይ ሓብተይ ንምንባር ናብ ኣውስትራልያ ኸድኩ። ጓል 18 ምስ ኰንኩ ኸኣ፡ ፈላሚት ኰይነ ኸገልግል ጀመርኩ።ኣብ ኣውስትራልያ፡ ምስ ሃርቪ ተራኸብና። ክልቴና ንየሆዋ ሚስዮናውያን ኴንና ኸነገልግሎ ባህጊ ነይሩና እዩ። ብ1951 ድማ ተመራዓውና። ፈለምቲ ዄንና ኽልተ ዓመት ድሕሪ ምግልጋልና፡ ኣብ ዕዮ ወረዳ ኸነገልግል ሕቶ ቐረበልና። ወረዳና ንዓብዪ ኽፋል ምዕራባዊ ኣውስትራልያ ስለ ዜጠቓልል፡ ብዙሕ ግዜ ኣብ ደረቕን ግሉልን ቦታታት ብማኪና ንጐዓዝ ኔርና ኢና።
ትምኒትና ተፈጺሙ
ብ1954፡ ኣብ መበል 25 ክፍሊ ጊልዓድ ክንምሃር ጻውዒት ቀረበልና። በዚ ኸምዚ፡ እቲ ሚስዮናውያን ክንከውን ዝነበረና ትምኒት ኪፍጸም ቍሩብ ተረፎ። ድሕሪኡ ናብ ኒው ዮርክ ብመርከብ ከድና፡ ኣብቲ ቤት ትምህርቲ ድማ ጽዑቕ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ክንገብር ጀመርና። ቋንቋ ስጳንኛ እውን ክፍሊ እቲ ስርዓተ ትምህርቲ ብምንባሩ፡ ክንምሃሮ ነይሩና፣ ሃርቪ ነታ ናይ ስጳንኛ “ረ” ጽቡቕ ገይሩ ኼድምጻ ስለ ዘይከኣለ፡ እዚ ኸቢድዎ ነይሩ።
ኣብ መንጎ እቲ ትምህርቲ፡ እቶም መምህራን ምልክታ ነገሩ፣ ናብ ጃፓን ክንምደብ እንደሊ ዘበልና ቛንቋ ጃፓንኛ ምእንቲ ኽንምሃር፡ ክንምዝገብ ተነግረና። ሽዑ ንሕና ውድብ የሆዋ ኣብ ዝደለየቶ ኽትምድበና ወሰንና። ድሕርዚ ነዊሕ ከይጸንሐ፡ ሓደ ኻብቶም መምህራን ጊልዓድ ዝነበረ ኣልበርት ሽሮደር ስምና ኸም ዘይሃብና ፈለጠ። “ኣጸቢቕኩም ሕሰቡሉ” ድማ በለና። ሰጋእ መጋእ ክንብል ምስ ረኣየና፡ “ኣነን ካልኦት መምህራንን ባዕልና መዝጊብናኩም ኣለና። ጃፓንኛ እስከ ፈትንዎ” በለና። ሃርቪ ነቲ ቛንቋ እቲ ብቐሊሉ እዩ መሊኽዎ።
ብ1955 ናብ ጃፓን ከድና፣ ኣብቲ ግዜ እቲ ኣብ ምልእቲ እታ ሃገር 500 ኣስፋሕቲ ጥራይ እዮም ነይሮም። ሃርቪ ወዲ 26፡ ኣነ ኸኣ ጓል 24 እየ ነይረ። ሽዑ ኣብ ወደባዊት ከተማ ኮቤ ኸነገልግል ተመደብና፣ ኣብኣ ድማ ኣርባዕተ ዓመት ኣገልገልና። ድሕሪኡ ኣብ ዕዮ መገሻ ኸነገልግል ጻውዒት ምስ ቀረበልና፡ ደስ እዩ ኢሉና። ኣብ ጥቓ ኸተማ ናጎያ ድማ ነገልግል ነበርና። ነቶም ኣሕዋት፡ ነቲ ምግቢ፡ ነቲ ገጠር፡ ኰታስ ንዅሉ መዳይ እቲ ምድብና ፈቲናዮ ኢና ኔርና። ነዊሕ ከይጸናሕና የሆዋ ዚሓትተና ኽንቅበል ካልእ ኣጋጣሚ ተኸፍተልና።
ሓድሽ ምድብ፡ ሓድሽ ብድሆታት ኣምጺኡ
ኣብ ዕዮ መገሻ ሰለስተ ዓመት ምስ ኣገልገልና፡ ጨንፈር ጃፓን ናብ ታይዋን ኬድና ኣብ መንጎ እቶም ደቀባት ዝዀኑ ህዝቢ ኣሚስ ከነገልግል ፍቓደኛታት ንኸውን እንተ ዄንና * ኣብ ጃፓን እንገብሮ ዝነበርና ኣገልግሎት ንፈትዎ ስለ ዝነበርና፡ እዚ ኸቢድ ውሳነ እዩ ነይሩ። ሃርቪ ግና ንዚውሃቦ ዕዮ ዘይምእባይ ተማሂሩ ስለ ዝነበረ፡ ናብኡ ንምኻድ ፍቓደኛታት ኰንና።
ሕቶ ኣቕረበልና። ኣብኡ ኽሕደት ተላዒሉ ነይሩ፣ ነቲ ጕዳይ ንምፍታሕ ከኣ ጃፓንኛ ኣጸቢቑ ዚኽእል ሓው ኣድልዩ ነይሩ።ኣብ ሕዳር 1962 ናብታ ዓዲ በጻሕና። ኣብቲ ግዜ እቲ ታይዋን፡ መብዛሕትኦም ኣሚስ ዝዀኑ 2,271 ኣስፋሕቲ እዮም ነይሮምዋ። ፈለማ ግና ቋንቋ ቻይንኛ ኽንምሃር ነይሩና። ሓደ መምሃሪ መጽሓፍን ሓደ እንግሊዝኛ ዘይክእል መምህርን ጥራይ እዩ ነይሩና፣ ዝዀነ ዀይኑ፡ ነቲ ቛንቋ ኽኢልናዮ።
ናብ ታይዋን ምስ በጻሕና ነዊሕ ከይጸንሐ፡ ሃርቪ ኣገልጋሊ ጨንፈር ኰይኑ ተመደበ። እቲ ጨንፈር ንእሽቶ ስለ ዝነበረ፡ ሃርቪ ነቲ ኣብ ቤት ጽሕፈት ዘለዎ ሓላፍነት እናዓየየ፡ ምስቶም ኣሚስ ዝዀኑ ኣሕዋትና ኣብ ወርሒ ኽሳዕ ሰለስተ ሰሙን ይዓዪ ነበረ። ሓሓሊፉ ሓላው ኣውራጃ ዀይኑ የገልግል ስለ ዝነበረ ኸኣ፡ ኣብ ኣኼባታት ወረዳ መደረ የቕርብ ነይሩ እዩ። ሃርቪ ነቲ መደረታት ብጃፓንኛ ኬቕርቦ ምኸኣለ ነይሩ፣ እቶም ኣሚስ ዝዀኑ ኣሕዋትና እውን ኪርድእዎም ምኸኣሉ ነይሮም። መንግስቲ ግና ሃይማኖታዊ ኣኼባታት ብቻይንኛ ጥራይ ኪቐርብ እዩ ዚፈቅድ ነይሩ። ስለዚ፡ ሃርቪ ምስቲ ቛንቋ እናተቓለሰ ብቻይንኛ መደረታት የቕርብ ነበረ፣ ነዚ ድማ ሓደ ሓው ናብ ቋንቋ ኣሚስ ይትርጕሞ ነበረ።
ታይዋን ኣብቲ ግዜ እቲ ኣብ ትሕቲ ወተሃደራዊ ሕጊ እያ እትመሓደር ነይራ። ስለዚ፡ ኣሕዋትና ዓበይቲ ኣኼባታት ንምግባር ፍቓድ ኪረኽቡ ነይርዎም። ፍቓድ ምርካብ ቀሊል ኣይነበረን፣ ፖሊስ ከኣ ነቲ ፍቓድ የደናጕይዎ ነይሮም እዮም። ክሳዕ እታ ኣኼባ እንገብረላ ሰሙን ፍቓድ እንተ ዘይሂቦምና፡ ሃርቪ ኣብቲ መደበር ፖሊስ ኮፍ ኢሉ ይጽበዮም ነይሩ። እቶም ፖሊስ ከኣ ወጻእተኛ ኣብ መደበሮም ኮፍ ኢሉ ኺጽበዮም የሕፍሮም ስለ ዝነበረ፡ እዚ ስልቲ እዚ ዓይዩልና እዩ።
ንፈለማ ኸረን ዝሓዀርኩላ ግዜ
ምስ ኣሕዋት ኣብ እንዀነሉ ሰሙናት፡ መብዛሕትኡ ግዜ ሓደ ሰዓት ወይ ካብኡ ንላዕሊ ብእግርና ንኸይድ ኢና፣ ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ኣኽራን ንሓኵር፡ ኣፍላግ እውን ንሰግር ኢና። ንፈለማ ኸረን ዝሓዀርኩላ ግዜ ኣይርስዓን እየ። ቍርሲ ዅልስ ኵልስ ኣቢልና፡ ወጋሕታ ሰዓት 5:30 ናብ ሓንቲ ኣብ ርሑቕ እትርከብ ቍሸት ብኣውቶቡስ ነቐልና። ድሕሪኡ፡ ሓደ ገፊሕ ርባ ድሕሪ ምስጋርና፡ ናብ ከረን ክንሓኵር ጀመርና። እቲ ዓቐብ ኣመና ብርቱዕ ስለ ዝነበረ፡ ኣእጋር እቲ ቕድመይ ዚሓኵር ዝነበረ ሓው ማዕረ ኣዒንተይ እዩ ነይሩ።
ሽዓ ንግሆ፡ ሃርቪ ምስ ገሊኦም ደቂ እቲ ዓዲ ዝዀኑ ኣሕዋት ኬገልግል ከሎ፡ ኣነ ጃፓንኛ ዚዛረቡ ኣብ ዚነብሩላ ንእሽቶ ቝሸት ከገልግል ውዒለ። ሰዓት ሓደ ኣቢሉ ምስ ኰነ፡ ነዊሕ ሰዓታት ስለ ዘይበላዕኩ፡ ዕውልውል ኢሉኒ። ኣብ መወዳእታኡ ምስ ሃርቪ ኣብ እተራኸብናሉ እዋን፡ ካልኦት ኣሕዋት ምስኡ ኣይነበሩን። ሃርቪ ኸኣ ገሊኡ መጽሔታትና ብሰለስተ እንቋቝሖ ለዊጥዎ ነይሩ። ብሓንቲአን ገይሩ፡ ብኽልተ ጫፋ ኣንኲልካ ኸመይ ጌርካ ኸም እትሰትያ ኣርእዩኒ። ክንድቲ ጥዑም እኳ እንተ ዘይኰነ፡ ነታ ሓንቲ ሰትየያ። ነታ ሳልሰይቲ ግና መን ሰትዩዋ፧ ብጥሜት ውኖይ እንተ ኣጥፊአ፡ ሃርቪ ተሰኪሙኒ ኻብቲ ኸረን ኪወርድ ስለ ዘይክእል፡ ኣነ እየ ሰትየያ።
ፍልይ ዝበለ ምሕጻብ ሰብነት
ኣብ ሓደ ኣኼባ ወረዳ፡ ሓደ ፍልይ ዝበለ ብድሆ ኣጋጢሙኒ ነይሩ። ኣብ ጐድኒ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ እትርከብ እንዳ ሓደ ሓው ኢና ኣዕሪፍና ኔርና። ህዝቢ ኣሚስ ምሕጻብ ሰብነት ከም ኣዝዩ ኣገዳሲ ገይሮም ስለ ዚርእይዎ፡ ሰበይቲ እቲ ሓላው ወረዳ ነብስና ኽንሕጸብ ማይ ኣዳልያትልና። ሃርቪ ብስራሕ ትሑዝ ስለ ዝነበረ፡ ኣነ ክቕድሞ ነጊሩኒ። እቲ ሰብነትና ኽንሕጸብ እተዳለወልና ነገር፡ ሓደ ሰንኬሎ ዝሑል ማይን ሓደ ሰንኬሎ ውዑይ ማይን ሓደ ጥራዩ ጥስትን እዩ ነይሩ። እቲ ዜገርም ከኣ፡ እታ ሰበይቲ እቲ ሓላው ወረዳ ነቲ ኣቕሑ ኣብ ደገ ኣብ መንጽር እቲ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ እያ ኣንቢራቶ። እቶም ንምድላው ኣኼባ ወረዳ ኣብኡ ዚዓይዩ ዝነበሩ ኣሕዋት ከኣ ኪርእዩኒ ይኽእሉ ነይሮም እዮም። ስለዚ፡ መጋረጃ ወይ ከምኡ መሳሊ ኽትህበኒ ሓቲተያ። ንሳ ድማ ኣሕሊፉ ዜርኢ ፕላስቲክ ኣምጺኣትለይ። ሽዑ፡ ናብ ዝባን እቲ ገዛ ክኸይድ ሓሲበ። ኣብኡ ግና ዓዓ ዚብሃላ ዓይነት ደርሆ ማይ ስለ ዝነበራ፡ ከይተዅባኒ ፈሪሀ። ስለዚ፡ ‘እቶም ኣሕዋት ብስራሕ ትሑዛት ስለ ዝዀኑ፡ ሰብነተይ ክሕጸብ ከለኹ ኣየስተብህሉለይን እዮም። እንተ ዘይተሓጺበ ኸኣ፡ እዚኣቶም ኪጕህዩ እዮም። ስለዚ፡ ስቕ ኢለ ደኣ ኽሕጸብ’ ኢለ ተሓጺበ።
ንህዝቢ ኣሚስ ዚኸውን ጽሑፋት
እቶም ኣሚስ ዝዀኑ ኣሕዋትና፡ መብዛሕትኦም ዘይተማህሩን ጽሑፋት ዘይብሎምን ስለ ዝነበሩ፡ መንፈሳዊ ዕቤት ንምግባር ቃልሲ ኸም ዚዀኖም ሃርቪ ኣስተውዓለ። ኣብቲ ግዜ እቲ ኣቢሉ፡ ቋንቋ ኣሚስ ብፊደላት ላቲን ኪጽሓፍ ስለ ዝጀመረ፡ ንኣሕዋትና ብቛንቋኦም ኬንብቡ ምምሃር ዚብል ሓሳብ ተላዕለ። እዚ ኸቢድ ዕዮ እዩ ነይሩ። ኣብ መወዳእታ ግና፡ ኣሕዋትና ብቛንቋኦም ኬጽንዑ ኽኢሎም እዮም። ጽሑፋት ኣሚስ ካብ ኣጋ መወዳእታ 1960ታት ኣትሒዙ ኺዳሎ ጀመረ፣ ካብ 1968 ኣትሒዙ ድማ ግምቢ ዘብዐኛ ብቛንቋ ኣሚስ ክትሕተም ጀመረት።
ኰይኑ ግና፡ መንግስቲ ኻብ ቻይንኛ ወጻኢ ንዚሕተም ጽሑፋት ቀይዲ ገበረሉ። ስለዚ፡ ጸገማት ምእንቲ ኸየጋጥመና ኢልና፡ እታ ብቛንቋ ኣሚስ እትሕተም ግምቢ ዘብዐኛ ብእተፈላለየ መልክዕ ኢና ንዝርግሓ ኔርና። ንኣብነት፡ ንእተወሰነ እዋን፡ ግምቢ ዘብዐኛ ቛንቋታት ማንዳሪንን ኣሚስን ብሓንሳእ ሒዛ ትወጽእ ነይራ እያ። ሕቶ ንዜበግስ ሰብ፡ ነቶም ደቂ ዓዲ ቻይንኛ ንምህሮም ከም ዝነበርና እዩ ዚመስሎ ነይሩ። ካብ ሽዑ ንነጀው፡ ውድብ የሆዋ ነቶም ህዝቢ ሓቅታት መጽሓፍ ቅዱስ ንምምሃር፡ ብቛንቋ ኣሚስ ብዙሕ ጽሑፋት ኣዳልያ ኣላ።—ግብ. 10:34, 35።
እዋን ጽሬት
ኣብ 1960ታትን ኣብ 1970ታትን፡ ብዙሓት ኣሚስ ኣሕዋት ብመለክዒታት ኣምላኽ ኣይኰኑን ዚነብሩ ነይሮም። ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ምሉእ ብምሉእ ስለ ዘይተረድኦም፡ ገሊኦም ርኹስ ኣነባብራ ይነብሩ፡ መስተ የብዝሑ፡ ትምባኾ ይጥቀሙ፡ ቢትል ናት ዚብሃል መደንዘዚ ድማ ይሕይኹ ነይሮም። ሃርቪ ንኣሕዋት፡ የሆዋ ነዚ ጕዳይ ብኸመይ ከም ዚርእዮ ንምርዳእ፡ ንብዙሓት ጉባኤታት ይበጽሐን ነይሩ። ኣብ ሓደ ኻብዚ ጕዕዞታት ድማ፡ እቲ ኣብ መእተዊ እተጠቕሰ ነገር ኣጓኒፉና።
ትሑታት ኣሕዋት ለውጢ ኺገብሩ ፍቓደኛታት እዮም ነይሮም። እቲ ዜሕዝን ግና፡ ብዙሓት ካልኦት ፍቓደኛታት ኣይነበሩን። ኣብ ታይዋን ዝነበረ ቝጽሪ ኣስፋሕቲ ድማ ኣብ 20 ዓመት ካብ ልዕሊ 2,450 ናብ ኣስታት 900 ወረደ። እዚ ኣዝዩ ተስፋ ዜቝርጽ እዩ ነይሩ። ኰይኑ ግና፡ የሆዋ ንዘይንጹህ ውድብ ከቶ ኸም ዘይባርኽ ንፈልጥ ኔርና ኢና። (2 ቈረ. 7:1) ስለዚ፡ እተን ጉባኤታት ካብ ሕማቕ ልምድታት ጸርየን፣ ብበረኸት የሆዋ ኸኣ ሕጂ ታይዋን ልዕሊ 11,000 ኣስፋሕቲ ኣለውዋ።
ካብ 1980ታት ንደሓር፡ መንፈሳውነት ጉባኤታት ኣሚስ ኪመሓየሽ ርኢና ኢና፣ ሃርቪ ድማ ዝያዳ ግዜ ምስ ጉባኤታት ቻይንኛ ኼሕልፍ ከኣለ። ንገሊኦም ሰብኡት ኣሓትና ኣመንቲ ኪዀኑ ምሕጋዝ፡ ደስ እዩ ዚብሎ ነይሩ። ሓደ ኻብዞም ሰብኡት ናብ የሆዋ ንፈለማ ግዜ ብምጽላዩ፡ ሃርቪ ኣጸቢቑ ኺሕጐስ ትዝ ይብለኒ። ኣነ እውን ቅኑዕ ንዝልበን ብዙሓት ሰባት ንየሆዋ ኪቐርባኦ ብምሕጋዘይ፡ ተሓጒሰ እየ። ንሓንቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዝመሃርክዋ ሰብ፡ ወዳን ጓላን ምሳይ ኣብ ጨንፈር ታይዋን ሓቢሮም ብምግልጋሎም እውን ተሓጒሰ እየ።
ሞት ሰብኣየይ
ሕጂ ግና በይነይ እየ ተሪፈ ዘለኹ። ምስቲ ዝፈትዎ ሰብኣየይ ሃርቪ ዳርጋ 59 ዓመት ኣብ ሓዳር ድሕሪ ምጽናሕና፡ ብ1 ጥሪ 2010 ብሰንኪ ሕማም መንሽሮ ሞተ። ንሱ ዳርጋ 60 ዓመት ኣብ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ኣሕሊፉ እዩ! ክሳዕ ሕጂ ብዙሕ እየ ዝናፍቖ። ቀደም ኣብ ክልተ ሃገራት ኣብ ዝገበርናዮ ኣገልግሎት ክድግፎ ምኽኣለይ ግና የሐጕሰኒ እዩ። ክልተ ኣጸጋሚ ቛንቋታት እስያ ምዝራብ ክኢልና ኢና፣ ሃርቪ ድማ ምጽሓፍ እውን ክኢሉ እዩ።
ድሕርዚ ድሕሪ ሒደት ዓመታት፡ ብዕድመ ስለ ዝደፋእኩ፡ ናብ ኣውስትራልያ ኽምለስ ኣመሓዳሪ ኣካል ወሲኑ። ኣብ መጀመርታ፡ ‘ካብ ታይዋን ክወጽእ ኣይደልን እየ’ ኢለ ሓሲበ ነይረ። ሃርቪ ግና፡ ውድብ የሆዋ ንእትሓትተኒ ኸይኣቢ ምሂሩኒ እዩ፣ ስለዚ ኸምኡ ኣይገበርኩን። ደሓር ግና፡ እዚ ስጕምቲ እዚ ጥበባዊ ኸም ዝዀነ ርእየ እየ።
ሎሚ፡ ኣብ መንጎ ሰሙን ኣብ ጨንፈር ኣውስትራለዥያ፡ ኣብ ቀዳመ ሰንበት ከኣ ምስ ጉባኤይ አገልግል ኣለኹ። ኣብ ቤት-ኤል ብጃፓንኛን ብቻይንኛን ገይረ ንበጻሕቲ ዑደት ክገብር ምኽኣለይ የሐጕሰኒ እዩ። ኰይኑ ግና፡ ንመዓልቲ ትንሳኤ ተሃንጥየ እየ ዝጽበያ፣ እቲ የሆዋ ንዚሓትቶ ዘበለ ዘይኣበየ ሃርቪ ኣብ ተዘክሮ የሆዋ ኸም ዘሎ እፈልጥ እየ።—ዮሃ. 5:28, 29።
^ ሕ.ጽ. 14 ሕጂ ወግዓዊ ቛንቋ ታይዋን ቻይንኛ እኳ እንተ ዀነ፡ ንሓያሎ ዓመታት ግና ጃፓንኛ እዩ ወግዓዊ ቛንቋ ነይሩ። ስለዚ፡ ጃፓንኛ ኣብ ታይዋን ብዚርከቡ ብዙሓት ዓሌታት ዚዝረብ ቋንቋ እዩ ነይሩ።