ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ዓንቀጽ መጽናዕቲ 5

“ርእሲ ሰብኣይ ዘበለ ክርስቶስ”

“ርእሲ ሰብኣይ ዘበለ ክርስቶስ”

“ርእሲ ሰብኣይ ዘበለ ክርስቶስ።”1 ቈረ. 11:3

መዝሙር 12 የሆዋ ዓብዪ ኣምላኽ

መላለዪ *

1. ሰብኣይ ብዛዕባ ርእስነት ዘለዎ ኣረኣእያ ብምንታይ ኪጽሎ ይኽእል፧

“ርእስነት” ንዓኻ እንታይ ትርጉም ኣለዎ፧ ገሊኦም ሰብኡት ንኣንስቶምን ንደቆምን ዚሕዙሉ መገዲ፡ ብባህሊ፡ ብልምዲ፡ ወይ ብኣተዓባብያኦም ይጽሎ እዩ። ያኒታ ዝስማ ኣብ ኤውሮጳ እትነብር ሓብቲ፡ “ኣብቲ ዝነብረሉ ዓዲ፡ ‘ኣንስቲ ኻብ ሰብኡት ይትሕታ፡ ስለዚ ኸም ኣገልገልቲ ጌርካ ኺርኣያ ኣለወን’ ዚብል ሱር ዝሰደደ ኣረኣእያ ኣሎ” ትብል። ኣብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ዚነብር ሉክ ዚብሃል ሓው ከኣ፡ “ገሊኦም ኣቦታት ንደቆም፡ ኣንስቲ ኺርኣያ እምበር ቃለን ኪስማዕ ከም ዘይብሉ፡ ማለት ኣረኣእያአን ኣገዳሲ ኸም ዘይኰነ ይምህሩ እዮም” ይብል። የሆዋ ግና ንሰብኡት በዚ ኸምዚ ኣይኰነን ርእስነቶም ኪጥቀሙሉ ዚደሊ። (ምስ ማርቆስ 7:13 ኣረኣኢ።) እሞ ደኣ ሓደ ሰብኣይ ከመይ ገይሩ እዩ ንፉዕ ርእሲ ስድራ ቤት ኪኸውን ዚኽእል፧

2. ርእሲ ስድራ ቤት እንታይ ኪፈልጥ ኣለዎ፧ ስለምንታይከ፧

2 ሓደ ሰብኣይ ንፉዕ ርእሲ ስድራ ቤት ንምዃን፡ ፈለማ የሆዋ ኻብኡ እንታይ ከም ዚጽበ ኺፈልጥ ኣለዎ። የሆዋ ስለምንታይ ስርዓት ርእስነት ከም ዘቘመ እውን ኪፈልጥ፡ ምናዳ ኸኣ ኣብነት የሆዋን የሱስን ብኸመይ ኪስዕብ ከም ዚኽእል ኪፈልጥ ኣለዎ። ሰብኣይ ነዚ ነገራት እዚ ኺፈልጥ ዘለዎ ስለምንታይ እዩ፧ ምኽንያቱ፡ የሆዋ ንርእስታት ስድራ ቤት እተወሰነ ስልጣን ሂብዎም እዩ፣ ብጽቡቕ ኪጥቀሙሉ ኸኣ ይጽበዮም እዩ።—ሉቃ. 12:48ለ

ርእስነት እንታይ እዩ፧

3. ካብቲ ኣብ 1 ቈረንቶስ 11:3 ተመዝጊቡ ዘሎ ብዛዕባ ርእስነት እንታይ ንምሃር፧

3 ቀዳማይ ቈረንቶስ 11:3 ኣንብብ። እዛ ጥቕሲ እዚኣ ነቲ የሆዋ ኣብ ሰማይን ኣብ ምድርን ዘሎ ስድራ ቤቱ ዝወደበሉ መገዲ ትገልጽ። ርእስነት ክልተ ኣገዳሲ ባእታታት የጠቓልል—ስልጣንን ተሓታትነትን። የሆዋ ናይ ኵሉ “ርእሲ” እዩ፡ ማለት ዝለዓለ ስልጣን ኣለዎ፣ ኵሎም ደቁ፡ ማለት መላእኽቲ ዀኑ ሰባት ከኣ ኣብ ቅድሚኡ ተሓተትቲ እዮም። (ሮሜ 14:10፣ ኤፌ. 3:14, 15) የሆዋ ንየሱስ ኣብ ልዕሊ እታ ጉባኤ ስልጣን ሂብዎ እዩ፣ ኰይኑ ግና፡ የሱስ በቲ ንዓና ዚሕዘሉ መገዲ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ተሓታቲ እዩ። (1 ቈረ. 15:27) ብተመሳሳሊ የሆዋ ንሰብኣይ ኣብ ልዕሊ ሰበይቱን ደቁን ስልጣን ሂብዎ እዩ። ይኹን እምበር፡ ሰብኣይ በቲ ንስድራ ቤቱ ዚሕዘሉ መገዲ ኣብ ቅድሚ የሆዋን የሱስን ተሓታቲ እዩ።—1 ጴጥ. 3:7

4. የሆዋን የሱስን እንታይ ስልጣን ኣለዎም፧

4 የሆዋ ናይ ኵሉ ርእሲ ስለ ዝዀነ፡ ኣካይዳ ደቁ ኸመይ ኪኸውን ከም ዘለዎ ሕግታት ናይ ምውጻእ ስልጣን ኣለዎ፣ ነዚ ሕግታት እዚ ኸኣ ኬፈጽሞ ይኽእል እዩ። (ኢሳ. 33:22) የሱስ እውን ርእሲ ክርስትያናዊት ጉባኤ ስለ ዝዀነ፡ ሕግታት ናይ ምውጻእን ከም ዚፍጸም ናይ ምግባርን ስልጣን ኣለዎ።—ገላ. 6:2፣ ቈሎ. 1:18-20

5. ርእሲ ክርስትያናዊት ስድራ ቤት እንታይ ስልጣን ኣለዎ፧ ግናኸ እንታይ ደረት እዩ ዘለዎ፧

5 ርእሲ ክርስትያናዊት ስድራ ቤት፡ ኣብነት የሆዋን የሱስን ብምስዓብ፡ ንስድራ ቤቱ ናይ ምውሳን ስልጣን ኣለዎ። (ሮሜ 7:2፣ ኤፌ. 6:4) ኰይኑ ግና፡ ስልጣኑ ደረት ኣለዎ። ንኣብነት፡ ሕግታቱ ኣብ መሰረታዊ ስርዓታት ቃል ኣምላኽ እተመስረተ ኪኸውን ይግባእ። (ምሳ. 3:5, 6) ብዘይካዚ፡ ሓደ ርእሲ ስድራ ቤት፡ ኣባላት ስድራ ቤቱ ንዘይኰኑ ሰባት፡ ሕግታት ናይ ምውጻእ ስልጣን የብሉን። (ሮሜ 14:4) ደቁ ዓብዮም ካብ ገዛ ምስ ወጹ እውን ዜኽብርዎ እኳ እንተ ዀኑ፡ ኣብ ትሕቲ ርእስነቱ ኣይኰኑን።—ማቴ. 19:5

የሆዋ ርእስነት ዘቘመ ስለምንታይ እዩ፧

6. የሆዋ ርእስነት ዘቘመ ስለምንታይ እዩ፧

6 የሆዋ ርእስነት ዘቘመ፡ ንስድራ ቤቱ ኻብ ዘለዎ ፍቕሪ ተላዒሉ እዩ። ርእስነት ካብኡ እተዋህበና ውህበት እዩ። ንስድራ ቤት የሆዋ ኸኣ ብሰላምን ብስርዓትን ኪመላለሱ የኽእሎም እዩ። (1 ቈረ. 14:33, 40) ንጹር ስርዓት ርእስነት እንተ ዘይህሉ ነይሩ፡ ኣብ ስድራ ቤት የሆዋ ሕንፍሽፍሽን ጓህን ምሰፈነ። ንኣብነት፡ መን ናይ መወዳእታ ውሳነታት ከም ዚገብርን ነቲ ውሳነታት መን ከም ዜፈጽሞን ኣይምተፈልጠን ነይሩ።

7. ብመሰረት ኤፌሶን 5:25, 28፡ ሰብኡት ንኣንስቶም እናጸቐጡ ኺነብሩ ድዩ የሆዋ ሓሊኑ ነይሩ፧

7 ኣምላኽ ዝሰርዖ ስርዓት ርእስነት ክሳዕ ክንድዚ ጽቡቕ ካብ ኰነ፡ ስለምንታይ ደኣ እየን ብዙሓት ኣንስቲ ብሰብኡተን ከም እተጨቈናን ከም እተጸቕጣን ዚስምዐን፧ ከምኡ ዝዀነሉ ምኽንያት፡ ብዙሓት ሰብኡት ነቲ የሆዋ ብዛዕባ ስድራ ቤት ዝሰርዖ መለክዒታት ዕሽሽ ኢሎም ባህልን ልምድን ስለ ዚስዕቡ እዩ። ንርእሶም ዚጥዕሞም ኬቐድሙ ኢሎም ንኣንስቶም ዚሃስዩ እውን ኣለዉ። ንኣብነት፡ ሰብኣይ ከም እተኸብረ ዀይኑ ምእንቲ ኺስምዖ ኢሉ ወይ “ስብእነቱ” ኼርኢ ኢሉ ንሰበይቱ ይጸቕጣ ይኸውን። ንሰበይቱ ኸም እትፈትዎ ኺገብራ ዘይክእል እኳ እንተ ዀነ፡ ከም እትፈርሆ ኺገብራ ኸም ዚኽእል ግና ይሓስብ ይኸውን። እናኣፈራርሀ ኸኣ ኪቈጻጸራ ይፍትን ይኸውን። * እዚ ዓይነት ኣተሓሳስባን ኣካይዳን ንኣንስቲ ዚግብአን ክብሪ ኣይህበንን እዩ፣ ምስቲ የሆዋ ዚደልዮ ኸኣ ብቐጥታ ይጻረር እዩ።—ኤፌሶን 5:25, 28 ኣንብብ።

ብኸመይ እዩ ሰብኣይ ንፉዕ ርእሲ ስድራ ቤት ዚኸውን፧

8. ብኸመይ እዩ ሰብኣይ ንፉዕ ርእሲ ስድራ ቤት ዚኸውን፧

8 ሰብኣይ ኣብነት እቲ የሆዋን የሱስን ንርእስነቶም ዚጥቀሙሉ መገዲ ብምስዓብ፡ ንፉዕ ርእሲ ስድራ ቤት ኪኸውን ይኽእል እዩ። ሕጂ፡ ክልተ ኻብ ባህርያት የሆዋን የሱስን ንርአ፣ ርእሲ ስድራ ቤት ምስ ሰበይቱን ደቁን ኣብ ዘለዎ ርክብ፡ ከመይ ገይሩ ነዚ ባህርያት ኬንጸባርቕ ከም ዚኽእል እውን ነስተብህል።

9. ብኸመይ እዩ የሆዋ ትሕትና ዘርኣየ፧

9 ትሕትና። የሆዋ ኻብ ኵሉ ንላዕሊ ጥበበኛ እዩ፣ ኰይኑ ግና፡ ንርእይቶ ኣገልገልቱ ይሰምዕ እዩ። (ዘፍ. 18:23, 24, 32) ነቶም ኣብ ትሕቲ ስልጣኑ ዘለዉ፡ ሓሳብ ኬቕርቡ ይፈቕደሎም እዩ። (1 ነገ. 22:19-22) የሆዋ ፍጹም እኳ እንተ ዀነ፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን ግና ካባና ፍጽምና ኣይጽበን እዩ። ኣብ ክንዳኡስ፡ ኣገልገልቱ ንዝዀኑ ዘይፍጹማት ሰባት ምእንቲ ኺዕወቱ ይሕግዞም እዩ። (መዝ. 113:6, 7) መጽሓፍ ቅዱስ ንየሆዋ፡ “ረዳኢ” ኸም ዝዀነ ገይሩ ይገልጾ እዩ። (መዝ. 27:9፣ እብ. 13:6) ንጉስ ዳዊት ነቲ እተዋህቦ ዓብዪ ዕዮ ሳላ ትሕትና የሆዋ ጥራይ ኪዓምሞ ኸም ዝኸኣለ ገሊጹ ኣሎ።—2 ሳሙ. 22:36

10. ብኸመይ እዩ የሱስ ትሕትና ዘርኣየ፧

10 ሕጂ ኸኣ የሱስ ዝሓደጎ ኣብነት ንርአ። ጐይታ ኽነሱ ኣእጋር ደቀ መዛሙርቱ ሓጺቡ እዩ። የሆዋ ነዚ ዛንታ እዚ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ከም ዚጸሓፍ ዝገበረሉ ሓደ ምኽንያት እንታይ እዩ፧ ንርእስታት ስድራ ቤትን ንኻልኦትን ንጹር ኣርኣያ ምእንቲ ኪዀኖም ኢሉ እዩ። የሱስ እውን ባዕሉ፡ “ከምቲ ኣነ ዝገበርኩልኩምሲ፡ ንስኻትኩም እውን ክትገብሩ፡ ኣርኣያ ሂበኩም ኣለኹ” ኢሉ እዩ። (ዮሃ. 13:12-17) ዓብዪ ስልጣን እኳ እንተ ነበሮ፡ ኬገልግልዎ ኣይተጸበየን። የግዳስ፡ ንሱ እዩ ንኻልኦት ኣገልጊሉ።—ማቴ. 20:28

ሓደ ርእሲ ስድራ ቤት ኣብ ገዛ ብምዕያይን ንስድራ ቤቱ ብመንፈሳዊ መዳይ ዜድልዮም ብምምላእን፡ ትሕትናን ፍቕርን ኬርኢ ይኽእል (ሕጡብ ጽሑፍ 11, 13 ርአ)

11. ሓደ ርእሲ ስድራ ቤት ካብ ኣብነት የሆዋን የሱስን ብዛዕባ ትሕትና እንታይ ኪምሃር ይኽእል፧

11 ንዓና ዚኸውን ትምህርቲ። ርእሲ ስድራ ቤት ብብዙሕ መገድታት ትሕትና ኼርኢ ይኽእል እዩ። ንኣብነት፡ ካብ ሰበይቱን ደቁን ፍጽምና ኣይጽበን እዩ። ኣባላት ስድራ ቤቱ ምስ ኣተሓሳስባኡ ኣብ ዘይሰማምዑሉ እዋን እኳ፡ ንርእይቶኦም ይሰምዕ እዩ። ኣብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ እትነብር ማርሊ ኸምዚ ትብል፦ “ሓድሓደ ግዜ፡ ኣነን ሰብኣየይን በበይኑ ኣረኣእያታት ይህልወና እዩ። ርእይቶይ ስለ ዚሓትተንን ውሳነ ቕድሚ ምግባሩ ነዚ ተጠንቂቑ ስለ ዚሓስበሉን ግና፡ ከም ዜድንቐንን ከም ዜኽብረንን ይስምዓኒ እዩ።” ብዘይካዚ እውን፡ ትሑት ሰብኣይ ኣብ ገዛ ይዓዪ እዩ፣ ዋላ እኳ እቲ ዕዮ ብማሕበረ ሰቡ ስራሕ ሰበይቲ ጌርካ ዚርአ እንተ ዀነ ኣይግድሶን እዩ። እዚ ኸቢድ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ስለምንታይ፧ ሬቸል ዝስማ ሓብቲ፡ “ኣብ ዓድና፡ ሰብኣይ ኣቕሑ ኣብ ምሕጻብ ወይ ገዛ ኣብ ምጽርራይ ንሰበይቱ ዚሕግዛ እንተ ዀይኑ፡ ጐረባብቱን ኣዝማዱን ‘ሰብኣይ’ ከም ዝዀነ ገይሮም ኣይርእይዎን እዮም። ንሰበይቱ ኺቈጻጸራ ኸም ዘይክእል እዩ ዚመስሎም” ትብል። ኣብ ዓድኻ፡ እዚ ኣረኣእያ ልሙድ እንተ ዀይኑ፡ የሱስ ኣእጋር ደቀ መዛሙርቱ ኸም ዝሓጸበ ኣይትረስዕ፣ ኣብቲ ግዜ እቲ ኸኣ ምሕጻብ ኣእጋር ናይ ባርያ ስራሕ ጌርካ እዩ ዚርአ ነይሩ። ንፉዕ ርእሲ ስድራ ቤት፡ ሰብ እንታይ ይብሎ ዘይኰነስ፡ ሰበይቱን ደቁን እንታይ ይስምዖም እዩ ዜተሓሳስቦ። እሞ ደኣ ሓደ ንፉዕ ርእሲ ስድራ ቤት ኣብ ርእሲ ትሕትና እንታይ ኣገዳሲ ባህርይ የድልዮ፧

12. ፍቕሪ ንየሆዋን ንየሱስን እንታይ ኪገብሩ እያ ደሪኻቶም፧

12 ፍቕሪ። የሆዋ ንዅሉ ተግባሩ ብፍቕሪ ተደሪኹ እዩ ዚገብሮ። (1 ዮሃ. 4:7, 8) ብቓሉ መጽሓፍ ቅዱስን ብውድቡን ኣቢሉ ብመንፈሳዊ መዳይ ዜድልየና ዘበለ ብፍቕሪ የማልኣልና እዩ። ከም ዜፍቅረና ብምግላጽ እውን፡ ብስምዒታዊ መዳይ ዜድልየና የማልኣልና እዩ። ብስጋዊ መዳይ ዜድልየና ዘበለኸ ኸመይ ገይሩ እዩ ዜማልኣልና፧ ‘ክንሕጐስ ኢሉ ዅሉ ኣብዚሑ ይህበና እዩ።’ (1 ጢሞ. 6:17) ክንጋገ ኸለና፡ ይእርመና እዩ፣ ነዚ እውን እንተ ዀነ፡ ብፍቕሪ እዩ ዚግበሮ። ብፍቕሪ ተደሪኹ ኸኣ፡ በጃ ኣዳልዩልና እዩ። የሱስ እውን ካብ ፍቕሩ እተላዕለ፡ ህይወቱ ምእንታና ኣሕሊፉ ሂቡ እዩ። (ዮሃ. 3:16፣ 15:13) ነታ የሆዋን የሱስን ንእሙናቶም ዘላቶም ፍቕሪ ኺበትካ ዚኽእል ዋላ ሓደ የልቦን።—ዮሃ. 13:1፣ ሮሜ 8:35, 38, 39

13. ርእሲ ስድራ ቤት ንስድራ ቤቱ ፍቕሪ ኼርኢ ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧ (“ ሓድሽ እተመርዓወ ሰብኣይ ካብ ሰበይቱ ብኸመይ ኣኽብሮት ኪረክብ ይኽእል፧” ዘርእስታ ሳጹን እውን ርአ።)

13 ንዓና ዚኸውን ትምህርቲ። ርእሲ ስድራ ቤት እውን ኣብ ኵሉ ተግባሩ ብፍቕሪ ኺድረኽ ኣለዎም። እዚ ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧ ሃዋርያ ዮሃንስ፡ “ነቲ ዝረኣዮ ሓዉ [ወይ ስድራ ቤቱ] ዘየፍቅሮስ፡ ነቲ ዘይረኣዮ ኣምላኽ ኬፍቅሮ ኣይክእልን እዩ” ኢሉ ነዛ ሕቶ መሊሱልና ኣሎ። (1 ዮሃ. 4:11, 20) ንስድራ ቤቱ ዜፍቅር፡ ኣብነት የሆዋን የሱስን ከኣ ኪስዕብ ዚደሊ ሰብኣይ፡ ንስድራ ቤቱ ብመንፈሳውን ብስምዒታውን ብስጋውን መዳይ ዜድልዮም የማልኣሎም እዩ። (1 ጢሞ. 5:8) ንደቁ የሰልጥኖምን ይግስጾምን እዩ። ንየሆዋ ዜኽብርን ንስድራ ቤቱ ዚጠቅምን ውሳነታት እውን ይገብር እዩ። ቀጺልና ነዚ ነጥብታት እዚ በብሓደ እናኣልዓልና፡ ርእሲ ስድራ ቤት ኣብነት የሆዋን የሱስን ብኸመይ ኪስዕብ ከም ዚኽእል ንርአ።

ርእሲ ስድራ ቤት እንታይ ኪገብር ይግባእ፧

14. ሓደ ርእሲ ስድራ ቤት ንስድራ ቤቱ ብመንፈሳዊ መዳይ ዜድልዮም ዜማልኣሎም ብኸመይ እዩ፧

14 ንስድራ ቤቱ ብመንፈሳዊ መዳይ ዜድልዮም የማልኣሎም። የሱስ ኣብነት ኣቦኡ ብምስዓብ፡ ነቶም ኣብ ትሕቲኡ ዘለዉ ብመንፈሳዊ መዳይ ዜድልዮም የማልኣሎም ነይሩ እዩ። (ማቴ. 5:3, 6፣ ማር. 6:34) ብተመሳሳሊ፡ ሓደ ርእሲ ስድራ ቤት ብቐዳምነት ኪሰርዖ ዘለዎ ነገር፡ ንስድራ ቤቱ ብመንፈሳዊ መዳይ ዜድልዮም ምምላእ እዩ። (ዘዳ. 6:6-9) ከምኡ ንምግባር ከኣ ንሱን ስድራ ቤቱን ቃል ኣምላኽ የንብቡን የጽንዑን፡ ኣብ ኣኼባታት ይእከቡ፡ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ይሰብኩ፡ ምስ የሆዋ ዘለዎም ዕርክነት እውን ይሃንጹን ይዕቅቡን እዮም።

15. ሓደ ኻብቲ ርእሲ ስድራ ቤት ንስድራ ቤቱ ብስምዒታዊ መዳይ ዜድልዮም ዜማልኣሉ መገድታት እንታይ ክትጠቅስ ትኽእል፧

15 ንስድራ ቤቱ ብስምዒታዊ መዳይ ዜድልዮም የማልኣሎም። የሆዋ ንየሱስ ከም ዚፈትዎ ብግህዶ ገሊጹ እዩ። (ማቴ. 3:17) የሱስ እውን ንሰዓብቱ ኸም ዚፈትዎም ብግብርን ብቓልን ገሊጹ እዩ። ንሳቶም እውን ብተራኦም ንዕኡ ዘለዎም ፍቕሪ ገሊጾም እዮም። (ዮሃ. 15:9, 12, 13፣ 21:16) ሓደ ርእሲ ስድራ ቤት ንሰበይቱን ንደቁን ዘለዎ ፍቕሪ ብግብሪ ኼርኢ ይኽእል እዩ። ንኣብነት፡ ምሳታቶም መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብምግባር፡ ነዚ ኼርኢ ይኽእል እዩ። ከም ዚፈትዎምን ከም ዜኽብሮምን እውን ኪገልጸሎም ይኽእል እዩ። ግቡእ ኣብ ዚዀነሉ መዳይ ከኣ፡ ኣብ ቅድሚ ሰብ ኪንእዶም ይኽእል እዩ።—ምሳ. 31:28, 29

ሓደ ርእሲ ስድራ ቤት ንየሆዋ ባህ ምእንቲ ኼብሎ፡ ንስድራ ቤቱ ብስጋዊ መዳይ ዜድልዮም ኬማልኣሎም ኣለዎ (ሕጡብ ጽሑፍ 16 ርአ)

16. ርእሲ ስድራ ቤት እንታይ ኬማልእ ኣለዎ፧ ከመይ ገይሩኸ ሚዛኑ ኺሕሉ ይኽእል፧

16 ንስድራ ቤቱ ብስጋዊ መዳይ ዜድልዮም የማልኣሎም። የሆዋ ንእስራኤላውያን ብምኽንያት ዘይተኣዛዝነቶም ኣብ ዚቐጽዓሉ ዝነበረ እዋን እኳ ኸይተረፈ፡ መሰረታዊ ዜድልዮም ነገራት የማልኣሎም ነይሩ እዩ። (ዘዳ. 2:7፣ 29:5) ሎሚ እውን መሰረታዊ ዜድልየና ነገራት የማልኣልና እዩ። (ማቴ. 6:31-33፣ 7:11) የሱስ እውን ብተመሳሳሊ፡ ነቶም ዝሰዓብዎ መጊብዎም እዩ። (ማቴ. 14:17-20) ብዛዕባ ጥዕናኦም እውን ይሓሊ ነይሩ እዩ። (ማቴ. 4:24) ሓደ ርእሲ ስድራ ቤት ንየሆዋ ባህ ምእንቲ ኼብሎ፡ ንስድራ ቤቱ ብስጋዊ መዳይ ዜድልዮም ኬማልኣሎም ኣለዎ። እንተዀነ ግና፡ ሚዛኑ ኺሕሉ ኣለዎ። ኣብ ዓለማዊ ስራሕ እምብዛ ትሑዝ ካብ ምዃኑ እተላዕለ፡ ነቲ ብመንፈሳውን ብስምዒታውን መዳይ ንምክንኻን ዘለዎ ሓላፍነት ዕሽሽ ኪብሎ የብሉን።

17. የሆዋን የሱስን ኣብቲ ንዓና ዜሰልጥኑሉን ዚግስጹሉን መገዲ እንታይ ኣብነት እዮም ሰሪዖምልና፧

17 ስልጠና ይህብ። የሆዋ ንጥቕምና ኢሉ እዩ ዜሰልጥነናን ዚግስጸናን። (እብ. 12:7-9) የሱስ እውን ከም ኣቦኡ ነቶም ኣብ ትሕቲ ስልጣኑ ዘለዉ ብፍቕሪ የሰልጥኖም እዩ። (ዮሃ. 15:14, 15) ኬሰልጥኖም ከሎ ኸኣ፡ ጽኑዕ ግናኸ ለዋህ እዩ። (ማቴ. 20:24-28) ዘይፍጹማት ከም ዝዀንናን ክንጋገ ኸም እንኽእልን ይርዳእ እዩ።—ማቴ. 26:41

18. ንፉዕ ርእሲ ስድራ ቤት እንታይ እዩ ዚዝክር፧

18 ኣብነት የሆዋን የሱስን ዚስዕብ ርእሲ ስድራ ቤት፡ ስድራ ቤቱ ዘይፍጹማት ምዃኖም ይዝክር እዩ። ንሰበይቱ ወይ ንደቁ ‘ኣይንድረሎምን’ እዩ። (ቈሎ. 3:19) ኣብ ክንዳኡስ፡ ነቲ ኣብ ገላትያ 6:1 ዘሎ ስርዓት ይዓይየሉ፡ ዘይፍጹማት ምዃኖም ብምዝካር ከኣ “ብልኡም መንፈስ” ኬቕንዖም ይፍትን እዩ። እቲ ዝበለጸ ኣመሃህራ፡ ከም የሱስ ብኣብነት ምምሃር ምዃኑ ይፈልጥ እዩ።—1 ጴጥ. 2:21

19-20. ውሳነታት ምስ ምግባር ብዚተሓሓዝ፡ ርእሲ ስድራ ቤት ኣብነት የሆዋን የሱስን ብኸመይ ኪስዕብ ይኽእል፧

19 ንስድራ ቤቱ ዚጠቅም ውሳነታት ይገብር። የሆዋ ንኻልኦት ዚጠቅም ውሳነታት እዩ ዚገብር። ንኣብነት፡ ህይወት ኪፈጥር ዝወሰነ፡ ንርእሱ ንምጥቃም ኢሉ ዘይኰነስ፡ ብህይወት ምንባር ዜምጽኦ ሓጐስ ምእንቲ ኼካፍለና ኢሉ እዩ። ምእንቲ ሓጢኣትና ኢሉ ወዱ ንምሃብ፡ ማንም ኬገድዶ ኣይምኸኣለን ነይሩ። ነቲ መስዋእቲ እቲ ምእንቲ ጥቕምና ኢሉ ብፍታዉ እዩ ገይርዎ። የሱስ እውን ንኻልኦት ዚጠቅም ውሳነታት ገይሩ እዩ። (ሮሜ 15:3) ንኣብነት፡ ንህዝቢ ምእንቲ ኺምህር ኢሉ ዕረፍቱ ሓዲጉ እዩ።—ማር. 6:31-34

20 ሓደ ኻብቲ ንፉዕ ርእሲ ስድራ ቤት ዚገብሮ ኣዝዩ ኸቢድ ነገራት፡ ንስድራ ቤቱ ጥበባዊ ውሳነታት ምግባር እዩ፣ ነዚ ሓላፍነት እዚ ኸኣ ኣርዚኑ እዩ ዚርእዮ። ብሃውሪ ወይ ብስምዒት ጥራይ ተደሪኹ ውሳነታት ከይገብር ይጥንቀቕ እዩ። ኣብ ክንዳኡስ፡ ካብ የሆዋ ስልጠና ንምርካብ ፍቓደኛ ይኸውን እዩ። * (ምሳ. 2:6, 7) በዚ ኸምዚ ንገዛእ ርእሱ ብዛዕባ ምጥቃም ዘይኰነስ፡ ንኻልኦት ብዛዕባ ምጥቃም ኪሓስብ ይኽእል እዩ።—ፊል. 2:4

21. ኣብ እትቕጽል ዓንቀጽ ብዛዕባ እንታይ ኢና ኽንመያየጥ፧

21 የሆዋ ንርእስታት ስድራ ቤት ከቢድ ሓላፍነት ሂብዎም እዩ፣ በቲ ነቲ ሓላፍነቶም ዚስከሙሉ መገዲ ድማ ተሓተትቲ ይገብሮም እዩ። ይኹን እምበር፡ ሰብኣይ ኣብነት የሆዋን የሱስን ዚስዕብ እንተ ዀይኑ፡ ንፉዕ ርእሲ ስድራ ቤት ይኸውን እዩ። ሰበይቱ ግዲኣ ትፍጽም እንተ ዀይና ኸኣ፡ ሓዳሮም ሓጐስ ዝሰፈኖ ይኸውን እዩ። እሞ ደኣ ሰበይቲ ንርእስነት ብኸመይ ክትርእዮ ይግባእ፧ እንታይ ብድሆታትከ ኼጋጥማ ይኽእል፧ እትቕጽል ዓንቀጽ ነዚ ሕቶታት እዚ ምላሽ ክትህበሉ እያ።

መዝሙር 16 ስለ ወዱ ንያህ ወድሱ

^ ሕ.ጽ. 5 ሰብኣይ ምስ ተመርዓወ፡ ርእሲ እታ ሓዳስ ስድራ ቤት ይኸውን እዩ። ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ርእስነት እንታይ ምዃኑ፡ የሆዋ ስለምንታይ ከም ዘቘሞ፡ ከምኡ እውን ሰብኡት ካብ ኣብነት የሆዋን የሱስን እንታይ ኪምሃሩ ኸም ዚኽእሉ ኽንርኢ ኢና። ኣብታ እትቕጽል ዓንቀጽ፡ ሰብኣይን ሰበይትን ካብ የሱስን ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ካብ እተጠቕሳ ኣብነታትን እንታይ ከም ዚምሃሩ ኽንርኢ ኢና። ኣብታ ሳልሰይቲ ዓንቀጽ ከኣ፡ ኣብ ጉባኤ ብዛዕባ ዘሎ ስርዓት ርእስነት ክንምርምር ኢና።

^ ሕ.ጽ. 7 ሰብኣይ ንሰበይቱ ኺገፍዓ፡ ካብኡ ሓሊፉ እውን ኣካላዊ ማህሰይቲ ኼውርደላ ቕቡል ከም ዝዀነ ጌርካ ምሕሳብ፡ ኣብ ፊልምታትን ተዋስኦታትን ካርቱናትን ይርአ እዩ። ስለዚ፡ እዚ ልሙድ ባህሊ እዚ፡ ኣብቲ ሰብኣይ ንሰበይቱ ኺጸቕጣ ዚብል ሓሳብ እጃም ነይርዎ ኪኸውን ይኽእል እዩ።

^ ሕ.ጽ. 20 ጽቡቕ ውሳነታት ብዛዕባ ምግባር ተወሳኺ ሓበሬታ እንተ ደሊኻ፡ ኣብ ናይ 15 ሚያዝያ 2011 ሕታም ግምቢ ዘብዐኛ፡ ገጽ 13-17 ዝወጸት፡ “ንኣምላኽ ዜኽብር ውሳነታት ግበር” ዘርእስታ ዓንቀጽ ርአ።