ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ዓንቀጽ መጽናዕቲ 7

ነቲ ኣብ ጉባኤ ዘሎ ስርዓት ርእስነት ተረድኣዮ

ነቲ ኣብ ጉባኤ ዘሎ ስርዓት ርእስነት ተረድኣዮ

‘ክርስቶስ ርእሲ ጉባኤኡ እዩ፡ ነዚ ሰብነቱ እዚ እውን ኣድሓኖ።’—ኤፌ. 5:23

መዝሙር 137 እሙናት ኣንስቲ፡ ክርስትያን ኣሓት

መላለዪ *

1. ኣብ ስድራ ቤት የሆዋ ሓድነት ዝሰፈነሉ ሓደ ምኽንያት እንታይ እዩ፧

ኣባል ስድራ ቤት የሆዋ ምዃን የሐጕሰና እዩ። ስድራ ቤትና ሰላምን ሓድነትን ዝሰፈኖ ስለምንታይ እዩ፧ ሓደ ምኽንያት፡ ነቲ የሆዋ ዝሰርዖ ስርዓት ርእስነት ንምኽባር ዚከኣለና ስለ እንጽዕር እዩ። ነቲ ስርዓት ርእስነት ብዝያዳ ብእተረዳእናዮ መጠን፡ ሓድነትና እውን ብዝያዳ እዩ ዚድልድል።

2. ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ እንታይ ሕቶታት ኢና መልሲ ኽንረኽበሉ፧

2 ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ብዛዕባ እቲ ኣብ ጉባኤ ዘሎ ስርዓት ርእስነት ክንርኢ ኢና። እዚ ዚስዕብ ሕቶታት እውን መልሲ ኽንረኽበሉ ኢና፦ ኣሓት እንታይ ግደ ኣለወን፧ ሓው ዘበለስ ርእሲ ሓብቲ ዘበለት ድዩ፧ ሽማግለታት ኣብ ልዕሊ ኣሕዋትን ኣሓትን ዘለዎም ስልጣን ምስቲ ርእሲ ስድራ ቤት ኣብ ልዕሊ ሰበይቱን ደቁን ዘለዎም ስልጣን ሕደ ድዩ፧ ፈለማ ግና፡ ብዛዕባ ኣሓት ኪህልወና ዚግባእ ኣረኣእያ እስከ ንመርምር።

ንኣሓት ብኸመይ ክንርእየን ይግባእ፧

3. ነቲ ኣሓትና ዚዓይያኦ ዕዮ ዘሎና ሞሳ ብኸመይ ከነዕምቖ ንኽእል፧

3 ንኣሓትና ነማስወን ኢና፣ ስለምንታይሲ፡ ስድራ ቤተን ንምክንኻንን ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ንምስባኽን ንጉባኤ ንምድጋፍን ኣበርቲዐን ይዓይያ እየን። ብዛዕባ እቲ የሆዋን የሱስን ንዕአን ዘለዎም ኣረኣእያ እንተ ሓሲብና ኸኣ፡ ሞሳና ይዓዝዝ እዩ። ነቲ ሃዋርያ ጳውሎስ ንኣንስቲ ዝሓዘሉ መገዲ እንተ መርሚርናዮ እውን ክንጥቀም ንኽእል ኢና።

4. የሆዋ ኸምቲ ንሰብኡት፡ ንኣንስቲ እውን ኣኽቢሩ ኸም ዚርኢ መጽሓፍ ቅዱስ ብኸመይ ይሕብር፧

4 የሆዋ ኸምቲ ንሰብኡት፡ ንኣንስቲ እውን ኣኽቢሩ ኸም ዚርኢ መጽሓፍ ቅዱስ ይሕብር። ንኣብነት፡ ኣብ ቀዳማይ ዘመን፡ የሆዋ ንኣንስትን ንሰብኡትን መንፈስ ቅዱስ ከም ዝሃቦምን ተኣምራት ኪገብሩ ሓይሊ ኸም ዝሃቦምን፡ በዚ ኸምዚ ድማ ብኻልእ ቋንቋታት ኪዛረቡ ኸም ዝኸኣሉ መጽሓፍ ቅዱስ ይገልጽ እዩ። (ግብ. 2:1-4, 15-18) ኵላቶም ድማ፡ ንክርስቶስ መጋዝእቱ ምእንቲ ኪዀኑ ብመንፈስ ቅዱስ ተቐቢኦም እዮም። (ገላ. 3:26-29) ብዘይካዚ፡ ሰብኡት ኰኑ ኣንስቲ ኣብ ምድሪ ንዘለኣለም ኪነብሩ እዮም። (ራእ. 7:9, 10, 13-15) ንኽልቲኦም ጕጅለ እውን ብስራት ኪሰብኩን ኪምህሩን ዕዮ ተዋሂብዎም ኣሎ። (ማቴ. 28:19, 20) ንኣብነት፡ ኣብ መጽሓፍ ግብሪ ሃዋርያት፡ ጵርስኪላ ዝስማ ሓብቲ ተጠቒሳ ኣላ፣ ንሳን እቲ ኣኪላስ ዝስሙ ሰብኣያን ከኣ ነቲ ምሁር ዝነበረ ኣጵሎስ ብዛዕባ ሓቂ ኣጸቢቖም ገሊጾምሉ እዮም።—ግብ. 18:24-26

5. ሉቃስ 10:38, 39, 42 ብዛዕባ እቲ የሱስ ንኣንስቲ ዝነበሮ ኣረኣእያ እንታይ ትገልጽ፧

5 የሱስ ንኣንስቲ ኣኽቢሩ ይርእየን ነይሩ። ከምቶም ንኣንስቲ ዚንዕቁ ዝነበሩ ፈሪሳውያን ኣይኰነን ነይሩ፣ ንሳቶም ምስ ኣንስቲ ይትረፍዶ ብዛዕባ ቕዱሳት ጽሑፋት ኪመያየጡስ፡ ብግህዶ እውን ምሳታተን ኣይዛራረቡን እዮም ነይሮም። የሱስ ግና ኣብቲ ምስ ደቀ መዛሙርቱ ዚገብሮ ዓሚቝ መንፈሳዊ ምይይጥ የሳትፈን ነይሩ እዩ። * (ሉቃስ 10:38, 39, 42 ኣንብብ።) ኣብቲ ንስብከት ዚገብሮ ጕዕዞ ድማ ኬሰንያኦ ፈቒዱ ነይሩ እዩ። (ሉቃ. 8:1-3) ብዛዕባ ትንሳኤኡ እውን ንሃዋርያቱ ናይ ምብሳር ፍሉይ ክብሪ ሂብወን እዩ።—ዮሃ. 20:16-18

6. ሃዋርያ ጳውሎስ ንኣንስቲ ኸም ዜኽብረን ብኸመይ ኣርእዩ፧

6 ሃዋርያ ጳውሎስ ንጢሞቴዎስ፡ ንኣንስቲ ኬኽብረን ፈልዩ ጠቒሱሉ። “ንዓበይቲ ኣንስቲ ኸም ኣዴታት፡” “ንንኣሽቱ ኣንስቲ ኸም ኣሓት” ገይሩ ኺሕዘን ተማሕጺንዎ እዩ። (1 ጢሞ. 5:1, 2) ጳውሎስ ንጢሞቴዎስ፡ ብሱል ክርስትያን ኪኸውን ብዙሕ እኳ እንተ ሓገዞ፡ “ቅዱሳት ጽሑፋት” ኣብ ፈለማ ዝመሃራኦ ግና ኣዲኡን ዓባዩን ምዃነን ገሊጹ እዩ። (2 ጢሞ. 1:5፣ 3:14, 15) ጳውሎስ ኣብታ ናብ ሰብ ሮሜ ዝለኣኻ መልእኽቱ ንኣሓት ብስመን ጠቒሱ ሰላምታ ልኢኹለን ኣሎ። ነቲ ዝዓየያኦ ዕዮ ኸም ዘስተብሃለሉ ኣብ ርእሲ ምግላጹ፡ ከም ክርስትያን ኣገልገልቲ መጠን እውን ሞሳኡ ገሊጹለን ኣሎ።—ሮሜ 16:1-4, 6, 12፣ ፊል. 4:3

7. ሕጂ እንታይ ሕቶታት ኢና ኽንርኢ፧

7 ኣብዚ ዝሓለፈ ሕጡብ ጽሑፋት ከም ዝረኣናዮ፡ ኣሓት ካብ ኣሕዋት ከም ዚትሕታ ዚገልጽ ቅዱስ ጽሑፋዊ መሰረት የሎን። እተን ፈቃራትን ለጋሳትን ኣሓትና ንጉባኤ ብዙሕ ይሕግዛ እየን፣ ሽማግለታት ድማ ኣብ ጉባኤ ሰላምን ሓድነትን ንምስፋን፡ ሓገዘን የድልዮም እዩ። ኰይኑ ግና፡ ምላሽ ዜድልዮ ገለ ሕቶታት ኣሎ። ንኣብነት፦ የሆዋ ንሓብቲ ኣብ ገሊኡ ኣጋጣሚታት መጐልበቢ ርእሲ ኽትገብር ዚደልያ ስለምንታይ እዩ፧ ኣሕዋት ጥራይ ሽማግለታትን ኣገልገልቲ ጉባኤን ኰይኖም ዚሽየሙ ኻብ ኰኑ፡ እዝስ ሓው ዘበለ ርእሲ ኣብ ጉባኤ ዘላ ሓብቲ ዘበለት ከም ዝዀነ ይእምት ድዩ፧

ሓው ዘበለስ ርእሲ ሓብቲ ዘበለት ድዩ፧

8. ብመሰረት ኤፌሶን 5:23፡ ሓው ዘበለስ ርእሲ ሓብቲ ዘበለት ድዩ፧ ግለጽ።

8 ብሓጺሩ ኣይኰነን! ሓደ ሓው ርእሲ እተን ኵለን ኣብ ጉባኤ ዘለዋ ኣሓት ኣይኰነን፣ ክርስቶስ እዩ ርእሰን። (ኤፌሶን 5:23 ኣንብብ።) ኣብ ስድራ ቤት፡ ሰብኣይ ኣብ ርእሲ ሰበይቱ ስልጣን ኣለዎ። ጥሙቕ ውሉድ ርእሲ ኣዲኡ ኣይኰነን። (ኤፌ. 6:1, 2) ኣብ ጉባኤ ኸኣ፡ ሽማግለታት ኣብ ልዕሊ ኣሓትን ኣሕዋትን ውሱን ስልጣን እዩ ዘለዎም። (1 ተሰ. 5:12፣ እብ. 13:17) ምስ ኣቦአንን ኣዲአንን ዘይነብራ ንጽል ደቂ ኣንስትዮ፡ ንወለደንን ንሽማግለታትን የኽብራኦም እየን። ይኹን እምበር፡ ከምቶም ኣብ ጉባኤ ዘለዉ ሰብኡት፡ ሓደ ርእሲ ጥራይ እዩ ዘለወን፣ ንሱ ድማ የሱስ እዩ።

ንጽል ኣሓት ምስ ወለደን ዘይነብራ እንተ ዀይነን፡ ኣብ ትሕቲ ርእስነት የሱስ እየን (ሕጡብ ጽሑፍ 8 ርአ)

9. ሓድሓደ ግዜ ኣሓት ርእሰን ኪጕልበባ ዜድልየን ስለምንታይ እዩ፧

9 የሆዋ ንሰብኡት ኣብቲ ኣብ ጉባኤ ዚግበር ትምህርትን ኣምልኾን ኪመርሑ ኸም ዝሸሞም፡ ንኣንስቲ ድማ ተመሳሳሊ ስልጣን ከም ዘይሃበን ኣይከሓድን እዩ። (1 ጢሞ. 2:12) ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ፡ ኣብ ስድራ ቤቱ ጽቡቕ ስርዓት ኪሰፍን ይደሊ እዩ፣ ንየሱስ ርእሲ ሰብኣይ ገይሩ ዝሸሞ እውን በዚ ምኽንያት እዚ እዩ። ሓንቲ ሓብቲ ነቲ ኸም ንቡር ብሓው ዝዕየ ዕዮ ኽትገብር ዜገድድ ኵነታት ምስ ዜጋጥም፡ የሆዋ ርእሳ ኽትጕልበብ ይደልያ እዩ። * (1 ቈረ. 11:4-7) የሆዋ ንኣሓት ከምኡ ኺገብራ ዚደልየን፡ ኬዋርደን ኢሉ ዘይኰነስ፡ ነቲ ዝሰርዖ ስርዓት ርእስነት ኣኽብሮተን ኬርእያ ኢሉ እዩ። ነዚ ነጥብታት እዚ ኣብ ኣእምሮና ሒዝና፡ ነዛ እትስዕብ ሕቶ ምላሽ ንሃበላ፦ ርእስታት ስድራ ቤትን ሽማግለታትን እንታይ ስልጣን እዩ ዘለዎም፧

ርእስታት ስድራ ቤትን ሽማግለታትን ዘለዎም ግደ

10. ሓደ ሽማግለ ንጉባኤኡ ሕግታት ኬውጽእ ዜለዓዕሎ እንታይ ምኽንያት ኪህልዎ ይኽእል፧

10 ሽማግለታት ንክርስቶስ የፍቅርዎ እዮም፣ ነተን የሆዋን የሱስን ኪከናኸንወን ዝሃብዎም “ኣባጊዕ” እውን የፍቅርወን እዮም። (ዮሃ. 21:15-17) ሓደ ሽማግለ ብጽቡቕ ሓሳብ ተደሪኹ፡ ንርእሱ ኸም ኣቦ እታ ጉባኤ ገይሩ ኺርእያ ይኽእል እዩ። ሓደ ርእሲ ስድራ ቤት ንስድራ ቤቱ ንምዕቋብ ኢሉ ሕግታት ኬውጽእ መሰል ካብ ሃለዎ፡ ሓደ ሽማግለ እውን ንኣባጊዕ ኣምላኽ የዕቍብ ኢሉ ዚሓስቦ ሕግታት ኬውጽእ ዚኽእል ይመስሎ ይኸውን። ገሊኦም ኣሕዋትን ኣሓትን ከኣ ንሽማግለታት፡ ውሳነታት ኪገብሩሎም ብምሕታት፡ ከም መንፈሳውያን ርእሶም ኪዀኑ የተባብዕዎም ይዀኑ። ኰይኑ ግና፡ ሽማግለታት ጉባኤን ርእስታት ስድራ ቤትን ሕደ ስልጣን ድዩ ዘለዎም፧

ሽማግለታት ንጉባኤ ብመንፈሳውን ብስምዒታውን መዳይ ዜድልያ የማልኡ። የሆዋ ንዓታቶም፡ ስነ ምግባራዊ ንጽህና ጉባኤ ኺሕልዉ ሓላፍነት ሂብዎም (ሕጡብ ጽሑፍ 11-12 ርአ)

11. ርእስታት ስድራ ቤት ዘለዎም ግደን ሽማግለታት ዘለዎም ግደን ብኸመይ ይመሳሰል፧

11 ሃዋርያ ጳውሎስ ኣብ መንጎ እቲ ርእሲ ስድራ ቤት ዘለዎ ግደን ሽማግለ ዘለዎ ግደን እተወሰነ ምስስላት ከም ዘሎ ኣሚቱ ነይሩ እዩ። (1 ጢሞ. 3:4, 5) ንኣብነት፡ የሆዋ ንኣባላት ስድራ ቤት፡ ንርእሲ እታ ስድራ ቤት ኪእዘዝዎ ይደልዮም እዩ። (ቈሎ. 3:20) ነቶም ኣብ ጉባኤ ዘለዉ እውን፡ ንሽማግለታት ኪእዘዝዎም ይደልዮም እዩ። የሆዋ ንርእስታት ስድራ ቤትን ንሽማግለታትን፡ መንፈሳዊ ጥዕና እቶም ኣብ ትሕቲ ሓልዮቶም ዘለዉ ሰባት ኬረጋግጹ ይጽበዮም እዩ። ርእስታት ስድራ ቤት ኰኑ ሽማግለታት፡ ነቶም ኣብ ትሕቲ ስልጣኖም ዘለዉ ሰባት ብስምዒታዊ መዳይ ዜድልዮም ኬማልኡሎም ኣለዎም። ብዘይካዚ እውን፡ ጸገም ኪፍጠር ከሎ፡ ነቶም ኣብ ትሕቲ ሓልዮቶም ዘለዉ ሰባት ኪሕግዝዎም ኣለዎም። (ያእ. 2:15-17) ብተወሳኺ እውን፡ የሆዋ ንሽማግለታትን ንርእስታት ስድራ ቤትን ስርዓታቱ ኸም ዚሕሎ ኺገብሩ፡ ‘ክንየው እቲ ጽሑፍ እውን ከይከዱ፡’ ማለት ክንየው እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ሰፊሩ ዘሎ ጽሑፍ ከይከዱ ይጽበዮም እዩ።—1 ቈረ. 4:6

ርእስታት ስድራ ቤት ንስድራ ቤቶም ኪመርሑ፡ ካብ የሆዋ ስልጣን ተዋሂብዎም። ሓደ ፈቃር ርእሲ ስድራ ቤት ውሳነታት ቅድሚ ምግባሩ፡ ንሰበይቱ የማኽራ (ሕጡብ ጽሑፍ 13 ርአ)

12-13. ኣብ ሮሜ 7:2 ተሓቢሩ ኸም ዘሎ፡ ርእስታት ስድራ ቤት ዘለዎም ግደን ሽማግለታት ዘለዎም ግደን ብኸመይ ይፈላለ፧

12 ይኹን እምበር፡ ኣብ መንጎ እቲ ሓደ ሽማግለ ዘለዎ ግደን ሓደ ርእሲ ስድራ ቤት ዘለዎ ግደን ጕሉሕ ፍልልያት ኣሎ። ንኣብነት፡ የሆዋ ንሽማግለታት፡ ከም ፈራዶ ኪዀኑ መዚዝዎም እዩ፣ ንዘይንስሑ ሓጥኣን ካብ ጉባኤ ኼወግዱ እውን ሓላፍነት ሂብዎም እዩ።—1 ቈረ. 5:11-13

13 በቲ ሓደ ሸነኽ ከኣ፡ የሆዋ ንርእስታት ስድራ ቤት፡ ንሽማግለታት ዘይሃቦም እተወሰነ ስልጣን ሂብዎም እዩ። ንኣብነት፡ ንርእሲ ስድራ ቤት፡ ንስድራ ቤቱ ሕግታት ኬውጽእን ኬፈጽምን ስልጣን ሂብዎ እዩ። (ሮሜ 7:2 ኣንብብ።) ስለዚ፡ ሓደ ርእሲ ስድራ ቤት፡ ደቁ ምሸት ሰዓት ክንደይ ገዛ ኺኣትዉ ኸም ዘለዎም ኪውስን መሰል ኣለዎ። ነዚ ሕጊ እዚ እንተ ዘይሓልዮም እውን ኪግስጾም ስልጣን ኣለዎ። (ኤፌ. 6:1) ሓደ ፈቃር ርእሲ ስድራ ቤት ንቤቱ ዚኸውን ሕግታት ቅድሚ ምውጻኡ፡ ንሰበይቱ የማኽራ እዩ፣ ስለምንታይሲ፡ ክልቲኦም “ሓደ ስጋ” እዮም። *ማቴ. 19:6

ንክርስቶስ ከም ርእሲ ጉባኤ መጠን ኣኽብሮ

የሱስ ኣብ ትሕቲ ርእስነት የሆዋ ዀይኑ፡ ንክርስትያናዊት ጉባኤ መምርሒ ይህብ (ሕጡብ ጽሑፍ 14 ርአ)

14. (ሀ) ብመሰረት እቲ ኣብ ማርቆስ 10:45 ተባሂሉ ዘሎ፡ የሆዋ ንየሱስ ርእሲ ጉባኤ ገይሩ ኺሸሞ ግቡእ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧ (ለ) ኣመሓዳሪ ኣካል እንታይ ግደ ኣለዎ፧ (“ ኣመሓዳሪ ኣካል ዘለዎ ግደ” ዘርእስታ ሳጹን ርአ።)

14 የሆዋ በቲ የሱስ ዝኸፈሎ በጃ ኣቢሉ፡ ህይወት እቶም ኣብ ጉባኤ ዘለዉ ነፍሲ ወከፍ ሰባትን ህይወት እቶም ብየሱስ ዚኣምኑ ዘበሉ ሰባትን ዓዲጉ እዩ። (ማርቆስ 10:45 ኣንብብ፣ ግብ. 20:28፣ 1 ቈረ. 15:21, 22) ስለዚ፡ ነቲ ህይወቱ በጃ ዝሃበ የሱስ ርእሲ ስድራ ቤት ገይሩ ምሻሙ ግቡእ እዩ ገይሩ። የሱስ ርእስና ስለ ዝዀነ፡ ንኣካይዳ ውልቀ ሰባትን ስድራ ቤታትን ብዘሎ ጉባኤን ዜመሓድር ሕግታት ኬውጽእን ኬፈጽምን ስልጣን ኣለዎ። (ገላ. 6:2) ይኹን እምበር፡ ሕግታት ካብ ምውጻእ ንላዕሊ እውን ይገብር እዩ። ንነፍሲ ወከፍና ይምግበናን ይሕብሕበናን እዩ።—ኤፌ. 5:29

15-16. ካብቲ ማርሊ ዝስማ ሓብትን በንጃሚን ዝስሙ ሓውን ዝሃብዎ ሓሳባት እንታይ ትምሃር፧

15 ኣሓት ነቲ ክርስቶስ ዝሸሞም ሰብኡት ዘውጽእዎ መምርሒ ብምስዓብ፡ ንዕኡ ዘለወን ኣኽብሮት ኬርእያ ይኽእላ እየን። ኣብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ እትነብር ማርሊ ዝስማ ሓብቲ ኸምዚ ዚስዕብ ብምባል ንኣረኣእያ ብዙሓት ኣሓት ገሊጻ ኣላ፦ “ነቲ ኸም ብዓልቲ ቤትን ከም ሓብትን መጠን ኣብ ጉባኤ ዘሎኒ ቦታ ብሓቂ ኣኽቢረ እየ ዝርእዮ። ነቲ የሆዋ ዝሰርዖ ስርዓት ርእስነት ቅኑዕ ኣረኣእያ ኸማዕብል ብቐጻሊ እየ ዝጽዕር። ሰብኣየይን ኣብ ጉባኤና ዘለዉ ኣሕዋትን ስለ ዜኽብሩንን ንዕዮይ ዘለዎም ሞሳ ስለ ዚገልጹለይን ነዚ ዝቐለለ ይገብሩለይ እዮም።”

16 ኣሕዋት ከኣ ንኣሓት ብምኽባር፡ ስርዓት ርእስነት ከም እተረድኦም ኬርእዩ ይኽእሉ እዮም። ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ዚነብር በንጃሚን ዝስሙ ሓው ከምዚ ይብል፦ “ካብቲ ኣሓት ኣብ ኣኼባታት ዚህባኦ ሓሳባት፡ ካብቲ ብኸመይ ከም እተጽንዕን ብኸመይ ኣብ ኣገልግሎት ውጽኢታዊ ኸም እትኸውንን ዚህባኦ ምኽሪ፡ ብዙሕ ተማሂረ እየ። እቲ ዚዓይያኦ ዕዮ ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ።”

17. ስለምንታይ ኢና ንስርዓት ርእስነት ከነኽብር ዘሎና፧

17 ኣብ ጉባኤ ዘለዉ ዅሎም፡ ማለት ሰብኡትን ኣንስትን ርእስታት ስድራ ቤትን ሽማግለታትን፡ ንስርዓት ርእስነት ምስ ዜኽብርዎን ምስ ዚርድእዎን፡ ኣብ ጉባኤ ሰላም ይሰፍን እዩ። ልዕሊ ዅሉ ኸኣ ነቲ ፈቃር ሰማያዊ ኣቦና የሆዋ ውዳሰ ነምጽኣሉ ኢና።—መዝ. 150:6

መዝሙር 123 ንቲኦክራስያዊ ስርዓት ብተኣማንነት ንገዛእ

^ ሕ.ጽ. 5 ኣሓት ኣብ ጉባኤ እንታይ ግደ ኣለወን፧ ሓው ዘበለስ ርእሲ ሓብቲ ዘበለት ድዩ፧ ሽማግለታትን ርእስታት ስድራ ቤትን ሕደ ስልጣን ኣለዎም ድዩ፧ ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ነዚ ሕቶታት እዚ በቲ ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ ኣብነታት ጌርና ኽንምርምሮ ኢና።

^ ሕ.ጽ. 5 ኣብ ናይ መስከረም 2020 ሕታም ግምቢ ዘብዐኛ፡ “ንክርስትያን ኣንስቲ ደግፈን” ኣብ ትሕቲ ዚብል ዓንቀጽ፡ ሕጡብ ጽሑፍ 6 ርአ።

^ ሕ.ጽ. 13 ስድራ ቤት ናበየነይቲ ጉባኤ ኽትከይድ ከም ዚግባእ ብዛዕባ ምውሳን፡ ኣብ ናይ ነሓሰ 2020 ሕታም ግምቢ ዘብዐኛ ዝወጸት፡ “ነቲ ኻልኦት ኣብ ጉባኤ የሆዋ ዘለዎም ቦታ ኣኽብረሎም” ዘርእስታ ዓንቀጽ፡ ኣብ ሕጡብ ጽሑፍ 17-19 ርአ።

^ ሕ.ጽ. 59 ብዛዕባ እዚ ጕዳይ እዚ ዝርዝር ሓበሬታ እንተ ደሊኻ፡ ኣብታ ንርእስኹም ብፍቕሪ ኣምላኽ ሓልውዋዘርእስታ መጽሓፍ፡ ኣብ ገጽ 209-212 ርአ።

^ ሕ.ጽ. 64 ኣመሓዳሪ ኣካል ብዛዕባ ዘለዎ ግደ ምሉእ ሓበሬታ እንተ ደሊኻ፡ ናይ 15 ሓምለ 2013 ሕታም ግምቢ ዘብዐኛ፡ ገጽ 20-25 ርአ።