ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

እዚ ዅሉ ሳላ ፍሽኽታ

እዚ ዅሉ ሳላ ፍሽኽታ

ክልተ ደቂ ኣንስትዮ፡ ኣብታ ኣብ ፊሊፒንስ እትርከብ ከተማ ባግዮ፡ ኣብ ንግዳዊ ዞባ ብእግረን ይጕዓዛ ነበራ። ኣብኡ ዓረብያ ምስክርነት እኳ እንተ ረኣያ፡ ናብኡ ግና ኣይከዳን። እታ ጥቓ እቲ ዓረብያ ደው ኢላ ዝነበረት ሄለን ዝስማ ሓብቲ ድማ፡ ድሙቕ ፍሽኽታ ኣርኣየተን። እተን ደቂ ኣንስትዮ መገደን እኳ እንተ ቐጸላ፡ እቲ ድሙቕ ፍሽኽታ ሄለን ግና መሰጠን።

ደሓር እተን ደቂ ኣንስትዮ፡ ብኣውቶቡስ ገይረን ናብ ገዝአን ኪኸዳ ኸለዋ፡ ኣብ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ዓብዪ ምልክት jw.org ረኣያ። እተን ፊደላት ምስተን ኣቐዲመን ኣብቲ ዓረብያ ምስክርነት ዝረኣያአን ሕደ ምዃነን ከኣ ዘከራ። ድሕሪኡ፡ ክልቲአን ካብ ኣውቶቡስ ወሪደን፡ ነቲ ኣብ ኣፍ ደገ እቲ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ተለጢፉ ዚርከብ፡ ናይ እተፈላለየ ጉባኤታት መደብ ኣኼባታት ረኣያኦ።

እተን ክልተ ደቂ ኣንስትዮ፡ ናብ ሓደ ኻብቲ ዚቕጽል ኣኼባታት መጻ። ናብቲ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ምስ ኣተዋኸ ንመን እየን ርእየን፧ ንሄለን! እታ ድሙቕ ፍሽኽታ ዘርኣየተን ሰብ ምዃና ብኡብኡ ኣለለያኣ። ሄለን ድማ፡ “ናባይ ገጸን ምስ መጻ፡ ቍሩብ ፈሪሀ ነይረ። ገለ ጌጋ ዝገበርኩ መሲሉኒ ነይሩ” ትብል። እተን ደቂ ኣንስትዮ ግና ንሄለን፡ ብኸመይ ከም ዚመጻ ነገራኣ።

እተን ደቂ ኣንስትዮ ነቲ ኣኼባ ዀነ፡ ነቲ ድሕሪ እቲ ኣኼባ ኣብኡ ዘሕለፋኦ ግዜ ፈተዋኦ፣ ፈጺመን ኣይተጋየሻን። ድሕሪ እቲ ኣኼባ፡ ካልኦት ነቲ ኣዳራሽ ኬጽርዩ ምስ ረኣያ፡ ኪሕግዛ ዝኽእላ እንተ ዀና ሓተታ። ኣብዚ ግዜ እዚ፡ ሓንቲ ኻብተን ደቂ ኣንስትዮ፡ ናብ ካልእ ሃገር እኳ እንተ ኸደት፡ እታ ሓንቲ ግና ኣብ ኣኼባታት ክትእከብን መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ክትገብርን ጀሚራ እያ። እዚ ዅሉ ሳላ ፍሽኽታ እዩ ተረኺቡ።