ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ዓንቀጽ መጽናዕቲ 12

ፍቕሪ ንጽልኢ ኽንጻወር ትሕግዘና

ፍቕሪ ንጽልኢ ኽንጻወር ትሕግዘና

“ንሓድሕድኩም ክትፋቐሩ፡ እዚ እእዝዘኩም ኣለኹ። ዓለም እንተ ጸሊኣትኩም፡ ንዓይ ቅድሜኹም ከም ዝጸልኣትኒ ፍለጡ።”—ዮሃ. 15:17, 18

መዝሙር 129 ክንጻወር ኢና

መላለዪ *

1. ብመሰረት ማቴዎስ 24:9፡ ናይ ዓለም ጽልኢ ዘይንጽበዮ ዘይኰነ ስለምንታይ እዩ፧

የሆዋ ኸነፍቅርን ክንፍቀርን እዩ ፈጢሩና። ስለዚ፡ ሓደ ሰብ ኪጸልኣና ኸሎ፡ ንጕዳእ፡ ምናልባት እውን ንፈርህ ኢና። ንኣብነት፡ ኣብ ኤውሮጳ እትነብር ጆርጂና ዝስማ ሓብቲ፡ “ጓል 14 ኸለኹ፡ ኣደይ ንየሆዋ ብምግልጋለይ ጸሊኣትኒ። ድርባይ ዝዀንኩ ዀይኑ ተሰሚዑኒ፣ ጥዕይቲ ሰብ ምዃነይ እውን ክጠራጠር ጀሚረ” ትብል። * ዳኒሎ ዝስሙ ሓው ድማ፡ “ናይ የሆዋ ምስክር ብምዃነይ፡ ወተሃደራት ኪወቅዑንን ኪጸርፉንን ኬፈራርሁንን ከለዉ ፈሪሀ ነይረ። እተዋረድኩ ዀይኑ እውን ተሰሚዑኒ ነይሩ” ኢሉ ጽሒፉ ኣሎ። ከምዚ ዝኣመሰለ ጽልኢ ይጐድኣና እዩ፣ ግናኸ፡ ዘይንጽበዮ ነገር ኣይኰነን። ጽሉኣት ከም እንኸውን፡ የሱስ ተነብዩ ነይሩ እዩ።—ማቴዎስ 24:9 ኣንብብ።

2-3. ስለምንታይ እዮም ሰዓብቲ የሱስ ዚጽልኡ፧

2 ዓለም ንሰዓብቲ የሱስ ትጸልኦም እያ። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ፡ ከም የሱስ ካብ ዓለም ዘይኰነ፡ ንሕና እውን ‘ካብ ዓለም ኣይኰንናን።’ (ዮሃ. 15:17-19) ስለዚ፡ ንሰብኣውያን መንግስትታት ነኽብሮም እኳ እንተ ዀንና፡ ንዓታቶም ኰነ ነቲ ንዓታቶም ዚውክል ኣርማታት ኣይነምልኽን ኢና። ንየሆዋ በይኑ ኢና ተወፋይነት እንህብ። ነቲ ኣምላኽ ንደቂ ሰብ ኪገዝእ ዘለዎ መሰል ንድግፍ ኢና፣ ሰይጣንን ‘ዘርኡን’ ግና ነዚ መሰል እዚ ኣበርቲዖም ይጻረርዎ እዮም። (ዘፍ. 3:1-5, 15) ንደቂ ሰብ ዘላቶም ሓንቲ ተስፋ መንግስቲ ኣምላኽ ምዃና፡ ንሳ እውን ንዚጻረርዎ ዅሎም ከም እትጭፍልቖም ንሰብኽ ኢና። (ዳን. 2:44፣ ራእ. 19:19-21) እቲ መልእኽቲ እቲ ንዓቃላት ብስራት እዩ፣ ንእኩያት ግና መርድእ እዩ።—መዝ. 37:10, 11

3 በቲ ኣምላኽ ዝሰርዖ መለክዒታት ጽድቂ ስለ እንመላለስ እውን ንጽላእ ኢና። እዚ መለክዒታት እዚ ምስቲ ሕሱር ስነ ምግባር ዓለም ኪነጻጸር ከሎ፡ ዓብዪ ፍልልይ ኣለዎ። ንኣብነት፡ ብዙሓት ሰባት ነቲ ኣምላኽ ንሶዶምን ንጎሞራን ዘጥፍኣሉ ርኹስ ተግባር ብግህዶ ይቕበልዎ እዮም። (ይሁ. 7) ምስዚ ልምድታት ብእተተሓሓዘ፡ መለክዒታት መጽሓፍ ቅዱስ ስለ እንስዕብ፡ ብዙሓት ሰባት የላግጹልናን ከም ኣኽረርቲ ገይሮም ይርእዩናን እዮም።—1 ጴጥ. 4:3, 4

4. ሰባት ኪጸልኡና ኸለዉ፡ እንታይ ባህርያት እየን ዜበርትዓና፧

4 ሰባት ኪጸልኡናን ኪጸርፉናን ከለዉ፡ ነዚ ኽንጻወሮ ዚሕግዘና እንታይ እዩ፧ የሆዋ ኸም ዚሕግዘና፡ ድልዱል እምነት ኪህልወና ኣለዎ። እምነትና ኸም ዋልታ፡ ነቲ ‘ሃልሃል ዚብል ፍላጻታት እቲ እኩይ ከነጥፍእ’ ተኽእለና እያ። (ኤፌ. 6:16) ኰይኑ ግና፡ ካብ እምነት ንላዕሊ እውን ተድልየና እያ። ፍቕሪ ተድልየና እያ። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ፡ ፍቕሪ “ኣይትቝጣዕን” እያ። ኵሉ ጐዳኢ ነገራት፡ ክኢላ ትነብርን ትጻወርን እያ። (1 ቈረ. 13:4-7, 13) ሕጂ እምበኣር፡ ንየሆዋ ዘላትና ፍቕሪ፡ ንክርስትያናት ብጾትና ዘላትና ፍቕሪ፡ ከምኡ እውን ንጸላእትና ዘላትና ፍቕሪ ንጽልኢ ኽንጻወር ብኸመይ ከም እትሕግዘና ንርአ።

ንየሆዋ ዘላትና ፍቕሪ ንጽልኢ ኽንጻወር ትሕግዘና

5. እታ የሱስ ንኣቦኡ ዘላቶ ፍቕሪ ብኸመይ እያ ኣበርቲዓቶ፧

5 የሱስ ኣብታ ድሮ እታ እተቐትለላ መዓልቲ ዝነበረት ምሸት፡ ንእሙናት ሰዓብቱ፡ ‘ኣነ ንኣቦ አፍቅሮ፡ ከምታ ኣቦ ዝኣዘዘኒ እውን እገብር እየ’ ኢልዎም ነይሩ እዩ። (ዮሃ. 14:31) እታ የሱስ ንየሆዋ ዘላቶ ፍቕሪ፡ ነቲ ዘጋጠሞ ፈተናታት ኪጻወሮ ኣበርቲዓቶ እያ። ንዓና እውን እታ ንየሆዋ ዘላትና ፍቕሪ ተመሳሳሊ ነገር ክትገብረልና ትኽእል እያ።

6. ብመሰረት ሮሜ 5:3-5፡ ኣገልገልቲ የሆዋ ንጽልኢ ዓለም ኪጻወሩ ኸለዉ እንታይ ይስምዖም፧

6 ካብ ቀደም ኣትሒዙ፡ ፍቕሪ ኣምላኽ ንኣገልገልቲ የሆዋ መስጐጕቲ ኺጻወሩ ትሕግዞም እያ። ንኣብነት፡ ሃዋርያት ከይሰብኩ በቲ ዓብዪ ስልጣን ዝነበሮ ቤት ፍርዲ ኣይሁድ ትእዛዝ ምስ ተዋህቦም፡ ብፍቕሪ ኣምላኽ ተደሪኾም፡ “ካብ ንሰብሲ ንኣምላኽ ኢና ኽንእዘዝ ዚግባእ” ኢሎም መሊሶም እዮም። (ግብ. 5:29፣ 1 ዮሃ. 5:3) ከምዚኣ ዝዓይነታ ሓያል ፍቕሪ ሎሚ እውን ንኣሕዋትና ተበርትዖም ኣላ። ብዙሓት ካብ ኣሕዋትና፡ ካብ ሕሱማትን ሓያላትን መንግስትታት ዚወርዶም ተጻዊሮም ጸኒዖም ቈይሞም ኣለዉ። ንጽልኢ ዓለም ክንጻወር ከለና፡ በዚ ኣብ ክንዲ እንድሃል ከም ሓጐስ ኢና እንቘጽሮ።—ግብ. 5:41፣ ሮሜ 5:3-5 ኣንብብ።

7. ኣባላት ቤተ ሰብና ኺጻረሩና ኸለዉ እንታይ ኢና ኽንገብር ዘሎና፧

7 ሓደ ኻብቲ ኻብ ኵሉ ዝዓበየ ፈተናታት፡ ካብ ኣባላት ቤተ ሰብና ዚመጽእ ተቓውሞ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ብሓቂ ኽንግደስ ምስ ጀመርና፡ ገሊኦም ኣባላት ቤተ ሰብና ኸም እተታለልና ገይሮም ኪሓስቡ ይኽእሉ እዮም። ገሊኦም ከኣ ከም እተጸለልና ኺመስሎም ይኽእል እዩ። (ምስ ማርቆስ 3:21 ኣረኣኢ።) ኣበርቲዖም እውን ይጻረሩና ይዀኑ። እዚ ተቓውሞ ኼሰምብደና የብሉን። የሱስ፡ “ንሰብ ከኣ ቤተ ሰቡ ጸላእቱ ኪዀኑ እዮም” ኢሉ ነይሩ እዩ። (ማቴ. 10:36) ቤተ ሰብና ብዛዕባና ዘለዎም ኣረኣእያ ብዘየገድስ፡ ከም ጸላእትና ጌርና ኣይንርእዮምን ኢና። መሕልፎ እኳ ደኣስ፡ ንየሆዋ ዘላትና ፍቕሪ እናዓበየት ምስ ከደት፡ ንሰባት ዘላትና ፍቕሪ እውን ትውስኽ እያ። (ማቴ. 22:37-39) ኰይኑ ግና፡ ንሰብ ከነሐጕስ ኢልና፡ ኣብ ሕግታትን ስርዓታትን መጽሓፍ ቅዱስ ኣይንለማለምን ኢና።

ንግዜኡ መከራ ንጸግብ ንኸውን፣ የሆዋ ግና ወትሩ ኣብ ጐድንና ዀይኑ የጸናንዓናን የበርትዓናን እዩ (ሕጡብ ጽሑፍ 8-10 ርአ)

8-9. ሓንቲ ሓብቲ ብርቱዕ ተቓውሞ እናኣጋጠማ ኽነሱ ጸኒዓ ኽትቀውም ዝሓገዛ እንታይ እዩ፧

8 እታ ኣቐዲማ እተጠቕሰት ጆርጂና፡ ካብ ኣዲኣ ብርቱዕ ተቓውሞ እናኣጋጠማ ኽነሱ ጸኒዓ እያ። ብዛዕባ እዚ ጆርጂና ኸምዚ ኢላ ትገልጽ፦ “ኣነን ኣደይን ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር መጽሓፍ ቅዱስ ከነጽንዕ ጀሚርና። ድሕሪ ሽዱሽተ ወርሒ ኣብ ኣኼባታት ጉባኤ ኽእከብ ምስ ደለኹ ግና፡ ኣረኣእያ ኣደይ ኣመና ተቐዪሩ። ምስ ከሓድቲ ርክብ ከም ዝጀመረት ፈሊጠ፣ ምሳይ ክትዛረብ ከላ እውን ነቲ ንሳቶም ዜቕርብዎ ኽስታት ተጠቒማትሉ። ብዘይካዚ ድማ፡ ትጸርፈኒ፡ ትምንጭጨኒ፡ ትሓንቀኒ፡ ንጽሑፋተይ እውን ትድርብዮ ነይራ። ጓል 15 ምስ ኰንኩ ተጠሚቐ። ኣደይ ንየሆዋ ኻብ ምግልጋል ክትዓግተኒ ኢላ ኣብ እንዳ መአረሚ መንእሰያት ኣእትያትኒ። ኣብኡ ኸኣ ገሊአን ሓሽሽ ዝወሰዳን ገበን ዝፈጸማን መንእሰያት ነይረን። ተቓውሞ ምናዳ ኻብ ኪፈትወካን ኪሓልየልካን ዚግባእ ሰብ ኪመጽእ ከሎ ኣዝዩ ኸቢድ እዩ።”

9 ጆርጂና ብኸመይ ክትጻወር ክኢላ፧ እንታይ ከም ዝሓገዛ፡ ከምዚ ብምባል ትገልጽ፦ “እታ ኣደይ ኣንጻረይ ዝዀነትላ መዓልቲ፡ ምሉእ መጽሓፍ ቅዱስ ኣንቢበ ዝወዳእኩላ መዓልቲ እያ ነይራ። ስለዚ ሓቂ ኸም ዝረኸብኩ ምሉእ ብምሉእ ኣሚነ ነይረ እየ፣ ናብ የሆዋ እውን ብዝያዳ ኸም ዝቐረብኩ ተሰሚዑኒ ነይሩ እዩ። ብዙሕ ግዜ ናብኡ እጽሊ ነይረ፣ ንሱ እውን ይሰምዓኒ ነይሩ። ኣብ እንዳ መአረሚ ኸለኹ፡ ሓንቲ ሓብቲ ናብ ቤታ ዓዲማትኒ፣ ብሓባር ድማ መጽሓፍ ቅዱስ ኣጽኒዕና። ምስናይዚ ድማ፡ ኣብ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ዝረኽቦም ኣሕዋትን ኣሓትን የበርትዑኒ ነይሮም። ኣባል ስድራ ቤቶም እዮም ገይሮምኒ። መንነት ተጻረርትና ብዘየገድስ፡ የሆዋ ኻባታቶም ከም ዚብርትዕ ብዓይነይ ርእየ እየ።”

10. ኣብ የሆዋ ኣምላኽና እንታይ እምንቶ ኢና ኸነሕድር እንኽእል፧

10 ሃዋርያ ጳውሎስ፡ ሓደ እኳ “ኻብታ ኣብ ክርስቶስ የሱስ ጐይታና ዘላ ፍቕሪ ኣምላኽ ኪፈልየና ኸም ዘይክእል” ጽሒፉ ኣሎ። (ሮሜ 8:38, 39) ንግዜኡ መከራ እኳ እንተ ጸገብና፡ የሆዋ ኣብ ጐድንና ዀይኑ የጸናንዓናን የበርትዓናን እዩ። ኣብ ተመክሮ ጆርጂና ኸም ዝረኣናዮ ኸኣ፡ የሆዋ በቶም ፍቕራት መንፈሳውያን ስድራ ቤትና ኣቢሉ ይሕግዘና እዩ።

ንክርስትያናት ብጾትና ዘላትና ፍቕሪ ንጽልኢ ኽንጻወር ትሕግዘና

11. እታ የሱስ ኣብ ዮሃንስ 15:12, 13 ዝገለጻ ፍቕሪ ንደቀ መዛሙርቱ እትሕግዞም ብኸመይ እያ፧ ኣብነት ሃብ።

11 የሱስ ድሮ እታ ዝሞተላ መዓልቲ ኣብ ዝነበረት ምሸት፡ ንደቀ መዛሙርቱ ንሓድሕዶም ኪፋቐሩ ኣዘኻኺርዎም እዩ። (ዮሃንስ 15:12, 13 ኣንብብ።) ጥቕሚ ርእሳ እትስውእ ፍቕሪ እንተ ኣልያቶም፡ ሓድነቶም ከም ዚሕልዉን ናይ ዓለም ጽልኢ ኸም ዚጻወሩን ይፈልጥ ነይሩ እዩ። ኣብ ተሰሎንቄ ዝነበረት ጉባኤ ዝሓደገቶ ኣብነት እስከ ንርአ። ካብቲ ዝቘመትሉ ግዜ ኣትሒዙ፡ ኣባላታ ይስጐጉ ነይሮም እዮም። ኰይኑ ግና፡ ኣብኣ ዝነበሩ ኣሕዋትን ኣሓትን ብንጽህናን ብፍቕርን ኣብነት ኰይኖም እዮም። (1 ተሰ. 1:3, 6, 7) ጳውሎስ ንዓታቶም ፍቕሮም ኬርእዩ፡ ነዚ እውን “ብዝያዳ” ኺገብርዎ ኣተባቢዕዎም እዩ። (1 ተሰ. 4:9, 10) ስለምንታይሲ፡ ፍቕሪ ንእተጨነቑ ኼጸናንዕዎም፡ ንድኹማት እውን ኪድግፍዎም ትድርኾም እያ። (1 ተሰ. 5:14) ንሳቶም እውን ነቲ ጳውሎስ ዝሃቦም መምርሒ ስዒቦም እዮም። ከመይሲ፡ ኣብታ ድሕሪ ዓመት ኣቢሉ ዝጸሓፋ ኻልአይቲ መልእኽቱ፡ “ፍቕሪ ነፍሲ ወከፍኩም ኣብ ንሓድሕድኩም ስለ ዝወሰኸት” ኪብሎም ክኢሉ እዩ። (2 ተሰ. 1:3-5) እታ ፍቕሮም ድማ ጸገማትን መስጐጕትን ኪጻወሩ ሓጊዛቶም እያ።

ክርስትያናዊ ፍቕሪ ንጽልኢ ኽንጻወር ትሕግዘና (ሕጡብ ጽሑፍ 12 ርአ) *

12. ኣብ ሓንቲ ሃገር ዚነብሩ ኣሕዋትን ኣሓትን ኣብ እዋን ውግእ ንሓድሕዶም እተፋቐሩ ብኸመይ እዮም፧

12 እቲ ኣቐዲሙ እተጠቕሰ ዳኒሎን ሰበይቱን ዘሕለፍዎ ተመክሮ እስከ ንርአ። ከተማኦም ዓውደ ዂናት ኣብ ዝዀነትሉ እዋን እኳ፡ ኣብ ኣኼባታት ካብ ምእካብ፡ ብእተኻእሎም መጠን ካብ ምስባኽ፡ እቲ ዘለዎም ምግቢ ንኣሕዋቶምን ንኣሓቶምን ካብ ምምቓል ኣየቋረጹን። ድሕሪኡ፡ ሓደ መዓልቲ፡ ዕጡቓት ወተሃደራት ናብ ዳኒሎ መጹ። ብዛዕባ እቲ ሽዑ ዘጋጠመ ነገር፡ ዳኒሎ ኸምዚ ኢሉ የዘንቱ፦ “እምነተይ ክኽሕድ ትእዛዝ ሂቦምኒ። ምስ ኣበኽዎም ከኣ ቀጥቂጦምኒ። ከም ዚርሽኑኒ ኣምሲሎም ከኣ ብልዕሊ ርእሰይ ተኲሶም። ቅድሚ ምኻዶም ከኣ ተመሊሶም መጺኦም ንሰበይተይ ከም ዚዕምጽዋ ኣፈራሪሆምኒ። ኣሕዋትና ግና ተቐላጢፎም ብባቡር ገይሮም ናብ ካልእ ከተማ ሰዲዶምና። እቶም ፍቑራት ኣሕዋትና ዘርኣዩና ፍቕሪ፡ ፈጺመ ኣይርስዖን እየ። ኣብታ ኸተማ ምስ በጻሕና ድማ፡ ኣብኣ ዚነብሩ ኣሕዋት፡ ምግቢ ሂቦምና፡ ስራሕን ገዛን ክንረክብ ከኣ ሓጊዞምና። በዚ ኸምዚ፡ ንሕና እውን ብተራና ነቶም ካብቲ ውግእ ዘለዎ ኸባቢ ዝሃደሙ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ክንቅበል ክኢልና።” ከምዚ ዝኣመሰለ ተመክሮታት፡ ክርስትያናዊት ፍቕሪ ንጽልኢ ኽንጻወር ከም እትሕግዘና የርኢ።

ንጸላእትና ዘላትና ፍቕሪ ንጽልኢ ኽንጻወር ትሕግዘና

13. ሰባት እናጸልኡና ኽነሶም፡ መንፈስ ቅዱስ ኣብቲ ንየሆዋ እነቕርቦ ኣገልግሎት ኽንጸንዕ ዚሕግዘና ብኸመይ እዩ፧

13 የሱስ ንሰዓብቱ፡ ንጸላእቶም ኬፍቅሩ ኣዚዝዎም እዩ። (ማቴ. 5:44, 45) እዚ ቐሊል ድዩ፧ ኣይኰነን! ብሓገዝ ናይ ኣምላኽ መንፈስ ቅዱስ ግና ይከኣል እዩ። ሓንቲ ኻብ መዳያት ፍረ መንፈስ፡ ፍቕሪ እያ፣ ዓቕልን ለውሃትን ልእመትን ርእሰ ግትኣትን እውን ካልእ መዳያት እየን። (ገላ. 5:22, 23) እዘን ባህርያት እዚአን ንጽልኢ ኽንጻወር ይሕግዛና እየን። ብዙሓት ተጻረርቲ፡ በቲ ኣማኒ ዝዀነ መጻምድቲ፡ ውላድ፡ ወይ ጐረቤት ዜርእዮ ኣምላኻዊ ባህርያት ተደሪኾም ኣተሓሳስባኦም ቀዪሮም እዮም። ካብኡ ሓሊፎም እውን ፍቑራት ኣሕዋትናን ኣሓትናን ኰይኖም እዮም። ስለዚ፡ ነቶም ንየሆዋ ብምግልጋልካ ዚጸልኡኻ ሰባት ምፍቃር እንተ ኸቢዱካ፡ መንፈስ ቅዱስ ኪውሃበካ ጸሊ። (ሉቃ. 11:13) መገዲ ኣምላኽ ወትሩ ዝበለጸ ምዃኑ እውን ምሉእ ብምሉእ እመን።—ምሳ. 3:5-7

14-15. እቲ ኣብ ሮሜ 12:17-21 ዘሎ ሓሳብ፡ ያስሚን ካብ ሰብኣያ ብርቱዕ ተቓውሞ እናኣጋጠማ ኽነሱ ፍቕሪ ኸተርእዮ ዝሓገዛ ብኸመይ እዩ፧

14 ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ንእትነብር ያስሚን ዘጋጠማ እስከ ንርአ። ናይ የሆዋ ምስክር ምስ ኰነት፡ ሰብኣያ እተታለለት መሲልዎ ነይሩ፡ ንኣምላኽ ኸይተገልግል ደው ኬብላ እውን ፈቲኑ። ኣብ ርእሲ እዚ፡ ጸሪፍዋ፡ ብኣዝማዶምን ብሓደ መራሒ ሃይማኖትን ብኣስማተኛን ገይሩ እውን ኬፈራርሃ ፈቲኑ፡ ሓዳራ ትብትን ከም ዘላ ገይሩ እውን ከሲስዋ እዩ። ናብ ሓደ ኣኼባ ጉባኤ ኸይዱ እውን፡ ንኣሕዋት ዓው ኢሉ ጸሪፍዎም እዩ! ያስሚን ብምኽንያት እቲ ዚወርዳ ዝነበረ ግፍዒ፡ ብዙሕ ሳዕ ትነብዕ ነይራ እያ።

15 ኣብ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ግና፡ እቶም ኣሕዋትን ኣሓትን ንያስሚን ኣጸናኒዖምዋን ኣበርቲዖምዋን እዮም። እቶም ሽማግለታት ከኣ ነቲ ኣብ ሮሜ 12:17-21 ዚርከብ ቃላት ክትትግብሮ ተማሕጺኖምዋ እዮም። (ኣንብብ።) ያስሚን ብዛዕባ እዚ ኸምዚ ትብል፦ “ከቢድ እዩ ነይሩ። እንተዀነ ግና፡ ንየሆዋ ኺሕግዘኒ ለሚነዮ። ነቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዚብሎ ኽገብር እውን ዚከኣለኒ ገይረ። ስለዚ፡ ሰብኣየይ ብህልኽ ኣብ ክሽነና ጐሓፍ ምስ ደፍአ፡ ኣጽርየዮ። ምስ ጸረፈኒ፡ ብልእመት መሊሰሉ። ምስ ሓመመ ኸኣ፡ ተኸናኺነዮ።”

ንሰጐጕትና ፍቕሪ እንተ ኣርኢናዮም፡ ንልቦም ከነለስልሶ ንኽእል ንኸውን (ሕጡብ ጽሑፍ 16-17 ርአ) *

16-17. ካብ ተመክሮ ያስሚን እንታይ ተማሂርካ፧

16 ያስሚን ንሰብኣያ ፍቕሪ ስለ ዘርኣየቶ፡ ዓስቢ ረኺባ እያ። ብዛዕባ እዚ ኸምዚ ትብል፦ “ሰብኣየይ ወትሩ ሓቂ ኸም ዝነግሮ ስለ ዝፈለጠ፡ ብዝያዳ ኺኣምነኒ ጀሚሩ። ብዛዕባ ሃይማኖት ክንዛራረብ ከለና፡ ብኣኽብሮት ኪሰምዓኒ ጀሚሩ፣ ኣብ ገዛና ሰላም ኬስፍን እውን ተሰማሚዑ። ሕጂ፡ ንዓይ ናብ ኣኼባታት ጉባኤ ክኸይድ እውን የተባብዓኒ እዩ። ናብራ ስድራ ቤትና ኣጸቢቑ ተመሓይሹ እዩ። ቤትና እውን ሰላም ዓሲልዎ ኣሎ። ሰብኣየይ ንሓቂ ልቡ ኪኸፍትን ምሳይ ሓቢሩ ንየሆዋ ኼገልግሎን ተስፋ እገብር እየ።”

17 ተመክሮ ያስሚን ንሓቅነት እቲ ፍቕሪ “ዅሉ ኽኢላ ትነብር፡ . . . ኵሉ ተስፋ ትገብር፡ ኵሉ ትጻወር” ዚብል ቃላት የረጋግጸልና እዩ። (1 ቈረ. 13:4, 7) ጽልኢ ሓያልን ጐዳእን ኪኸውን ይኽእል እዩ። ፍቕሪ ግና ካብ ጽልኢ ትብርትዕ። ልቢ ትማርኽ እያ። ንልቢ የሆዋ ኸኣ ተሐጕሶ እያ። ኰይኑ ግና፡ ዋላ እውን ተጻረርትና ጽልኦም እንተ ዘይሓደግዎ፡ ሕጉሳት ክንከውን ንኽእል ኢና። ብኸመይ፧

ጽሉኣት ክነሶም ሕጉሳት

18. ምስ እንጽላእ፡ ሕጉሳት እንኸውን ስለምንታይ ኢና፧

18 የሱስ፡ “ምስ ዚጸልኡኹም . . . ሕጉሳት ኢኹም” ኢሉ እዩ። (ሉቃ. 6:22) ክንጽላእ ኣይንደልን ኢና። ሰማእታት ክንከውን ትምኒት የብልናን። እሞ ደኣ ምስ እንጽላእ ሕጉሳት እንኸውን ስለምንታይ ኢና፧ ሰለስተ ምኽንያት ኣሎና። ቀዳማይ፡ ክንጻወር ከለና፡ ሞገስ ኣምላኽ ንረክብ ኢና። (1 ጴጥ. 4:13, 14) ካልኣይ፡ እምነትና ብዝያዳ ትዅላዕን ትድልድልን እያ። (1 ጴጥ. 1:7) ሳልሳይ፡ ብዋጋ ዘይሽነን ዓስቢ ናይ ዘለኣለም ህይወት ንረክብ ኢና።—ሮሜ 2:6, 7

19. ሃዋርያት ምስ ተገርፉ እተሓጐሱ ስለምንታይ እዮም፧

19 ሃዋርያት ድሕሪ ትንሳኤ የሱስ ነዊሕ ከይጸንሑ፡ እቲ ንሱ ነጊርዎም ዝነበረ ሓጐስ ርእዮምዎ እዮም። ምስ ተገርፉን ስብከት ደው ኬብሉ ትእዛዝ ምስ ተዋህቦምን፡ ተሓጒሶም እዮም። ስለምንታይ፧ “ምእንቲ ስሙ [ስም የሱስ] ኺሓስሩ ብቑዓት ኰይኖም ስለ እተቘጽሩ” እዮም ተሓጒሶም። (ግብ. 5:40-42) ካብቲ ጸላእቶም ከይጸልእዎም ዝነበሮም ፍርሂ ንላዕሊ፡ ንጐይታኦም ዝነበረቶም ፍቕሪ ትሕይል ነይራ። ነታ ፍቕሪ እቲኣ ኸኣ፡ “ከየቋረጹ” ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ብምብሳር ኣርእዮም እዮም። ሎሚ ብዙሓት ኣሕዋትና ጸገማት እናኣጋጠሞም ክነሱ ብተኣማንነት የገልግሉ ኣለዉ። የሆዋ ግብሮምን ንስሙ ዘርኣይዎ ፍቕሮምን ከም ዘይርስዕ ይፈልጡ እዮም።—እብ. 6:10

20. ኣብ እትቕጽል ዓንቀጽ እንታይ ኢና ኽንርኢ፧

20 እዚ ስርዓት እዚ ኽሳዕ ዘሎ፡ ዓለም ትጸልኣና እያ። (ዮሃ. 15:19) እንተዀነ ግና፡ ክንፈርህ የብልናን። ኣብ እትቕጽል ዓንቀጽ ከም እንርእዮ፡ የሆዋ ንእሙናቱ፡ ‘የበርትዖምን ይሕልዎምን እዩ።’ (2 ተሰ. 3:3) ስለዚ፡ ብሕጂ እውን ንየሆዋ ነፍቅሮ፡ ንኣሕዋትናን ንኣሓትናን ነፍቅሮም፡ ዋላ እውን ንጸላእትና ነፍቅሮም። ነዚ ምኽሪ እዚ እንተ ስዒብና፡ ሓድነትና ኽንሕሉን ብመንፈሳዊ መዳይ ድልዱላት ክንከውንን ኢና፡ ንየሆዋ ኽብሪ ኸነምጽኣሉ ኢና፡ ፍቕሪ ኻብ ጽልኢ ኣጸቢቓ ኸም እትሕይል እውን ከነርኢ ኢና።

መዝሙር 106 ፍቕሪ ነማዕብል

^ ሕ.ጽ. 5 ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ንየሆዋ ዘላትና ፍቕሪ፡ ንክርስትያናት ብጾትና ዘላትና ፍቕሪ፡ ካብኡ ሓሊፉ እውን ንጸላእትና ዘላትና ፍቕሪ፡ ንናይ ዓለም ጽልኢ ብኸመይ ክንጻወር ከም እትሕግዘና ኽንርኢ ኢና። ብዘይካዚ እውን፡ የሱስ ‘ምስ ዚጸልኡኹም ሕጉሳት ኢኹም’ ዝበለሉ ምኽንያት ክንርኢ ኢና።

^ ሕ.ጽ. 1 ስማት ተቐዪሩ እዩ።

^ ሕ.ጽ. 58 መግለጺ ስእሊ፦ ወተሃደራት ንዳኒሎ ምስ ኣፈራርህዎ፡ ገሊኦም ኣሕዋት ንዕኡን ንሰበይቱን ናብ ካልእ ከተማ ኪኸይድ የፋንውዎ፣ ኣብቲ ዝኸዶ ድማ ገሊኦም ኣሕዋት ብጽቡቕ ይቕበልዎ።

^ ሕ.ጽ. 60 መግለጺ ስእሊ፦ ያስሚን ካብ ሰብኣያ ምጽራር የጋጥማ፣ ሽማግለታት ግና ጽቡቕ ምኽሪ ይህብዋ። ንሳ ኸኣ ንፍዕቲ ሰበይቲ ትኸውን፡ ንሰብኣያ እውን ምስ ሓመመ ትከናኸኖ።