ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ዓንቀጽ መጽናዕቲ 15

ካብተን የሱስ እተዛረበን ናይ መወዳእታ ቓላት እንምሃሮ ትምህርቲ

ካብተን የሱስ እተዛረበን ናይ መወዳእታ ቓላት እንምሃሮ ትምህርቲ

“ዝሰምሮ ፍቑር ወደይ እዚ እዩ። ንዕኡ ስምዕዎ።”—ማቴ. 17:5

መዝሙር 17 “እደሊ እየ”

መላለዪ *

1-2. የሱስ ነተን ቅድሚ ሙማቱ እተዛረበን ናይ መወዳእታ ቓላት ኣብ ምንታይ ዅነታት ከሎ ኸም እተዛረበን ግለጽ።

እታ መዓልቲ፡ 14 ኒሳን 33 ድ.ክ. እያ ነይራ። የሱስ ብዘይወዓሎ ገበን ብሓሶት ተኸሲሱ ምስ ተፈርዶ፡ ኣደዳ ላግጽን ስቅያትን ኰነ። ድሕርዚ ድማ፡ ኣብ ጕንዲ ስቅያት ተሸንከረ። ብመሳምር ገይሮም ከኣ ኣእዳዉን ኣእጋሩን ሸንከርዎ። ኵሉ እቲ ዜስተንፍሶ ትንፋስን ዜውስኦ ቓላትን ስቓይ ዝመልኦ እዩ ነይሩ። ኰይኑ ግና፡ ኪዛረቦ ዚደሊ ኣገዳሲ ነገራት ነበሮ።

2 ሕጂ እምበኣር፡ የሱስ ኣብ ጕንዲ ስቅያት ኪመውት ከሎ ብዛዕባ እተዛረቦ ቓላትን ካብኡ ብዛዕባ እንረኽቦ ትምህርትታትን እስከ ንርአ። ብኻልእ ኣዘራርባ፡ ‘ንዕኡ ንስምዓዮ።’—ማቴ. 17:5

“ኣቦ፡ . . . ሕደገሎም”

3. የሱስ “ኣቦ፡ . . . ሕደገሎም” ኪብል ከሎ፡ ብዛዕባ መን እዩ ዚዛረብ ነይሩ ኪኸውን ዘለዎ፧

3 የሱስ እንታይ ኢሉ፧ የሱስ ኣብ ጕንዲ ምስ ተሸንከረ፡ “ኣቦ፡ ዚገብርዎ ኣይፈልጡን እዮም እሞ፡ ሕደገሎም” ኢሉ ጸልዩ እዩ። (ሉቃ. 23:33, 34) እዚ ቓላቱ ድማ፡ ብዛዕባ መን ከም ዝጸለየ ኣፋፍኖት ይህበና እዩ። የሱስ ብዛዕባ እቶም ብመስማር ገይሮም ንኣእዳዉን ንኣእጋሩን ዝሸንከሩ ወተሃደራት ሮሜ እዩ ዚጽሊ ነይሩ ኪኸውን ዘለዎ። ንሱ ብሓቂ መን ምዃኑ ኣይፈልጡን እዮም ነይሮም። ብዛዕባ ገለ ኻብቶም ንሱ ኪቕተለሎም ዚጭድሩ ዝነበሩ፡ ደሓር ግና ብእኡ ዝኣመኑ ህዝቢ እውን ይሓስብ ነይሩ ኪኸውን ይኽእል እዩ። (ግብ. 2:36-38) የሱስ ብሰንኪ እቲ ዝወረዶ ግፍዒ ኣይተመረረን፡ ቂም እውን ኣይሓዘን። (1 ጴጥ. 2:23) ኣብ ክንዳኡስ፡ ንየሆዋ፡ ነቶም ዚቐትልዎ ዝነበሩ ኺሓድገሎም ለመኖ።

4. ካብቲ የሱስ ንተጻረርቱ ኺሓድገሎም ዝገበሮ ውሳነ እንታይ ንምሃር፧

4 ካብ ቃላት የሱስ እንታይ ንምሃር፧ ከም የሱስ፡ ይቕረ ንምባል ፍቓደኛታት ክንከውን ኣሎና። (ቈሎ. 3:13) ገሊኦም ሰባት፡ እንተላይ ቤተ ሰብና ንእምነትናን ንኣነባብራናን ስለ ዘይርድእዎ፡ ይጻረሩና ይዀኑ። ብዛዕባና ሓሶት ይዛረቡ፡ ኣብ ቅድሚ ኻልኦት የዋርዱና፡ ንጽሑፋትና ይቐድድዎ፡ ሕሉፍ ሓሊፎም እውን ኪወቕዑና ወስ ይብሉ ይዀኑ። ከምዚ ኺገብሩ ኸለዉ፡ ቂም ኣብ ክንዲ እንሕዝ፡ እቶም ዚጻረሩና ሓደ መዓልቲ ሓቂ ምእንቲ ኺርእዩ፡ የሆዋ ንኣዒንቶም ኪኸፍተሎም ክንልምን ንኽእል ኢና። (ማቴ. 5:44, 45) ሓድሓደ ግዜ፡ ምናዳ ኸቢድ ግፍዒ እንተ ወሪዱና፡ ይቕረ ምባል ይኸብደና ይኸውን። ምረትን ቂምን ኣብ ልብና ሱር ኪሰድድ እንተ ሓዲግናዮ ግና፡ ገዛእ ርእስና ኢና እንጐድእ። ሓንቲ ሓብቲ ኸምዚ ብምባል ትገልጽ፦ “ይቕረ በሃሊት እኸውን ኪብሃል ከሎ፡ ንበደል ከም ቅቡል ገይረ እርእዮ፡ ወይ ካልኦት ኪብለጹለይ እሓድጎም ማለት ኣይኰነን። የግዳስ፡ ቂም ንምሕዳግ እውስን ማለት እዩ።” (መዝ. 37:8) ይቕረ ኽንብል ክንውስን ከለና፡ ብኣሉታዊ ነገራት ከይንምረር ኢና እንውስን ዘለና።—ኤፌ. 4:31, 32

“ምሳይ ኣብ ገነት ክትከውን ኢኻ”

5. የሱስ ንሓደ ኻብቶም ኣብ ጐድኑ እተሰቕሉ ገበነኛታት እንታይ ኢሉ እዩ ቓል ኣትዩሉ፧ ስለምንታይከ እዩ ኸምኡ ኢሉ ቓል ዝኣተወሉ፧

5 የሱስ እንታይ ኢሉ፧ የሱስ ኣብ ጕንዲ ስቅያት ኣብ እተሰቕለሉ እዋን፡ ክልተ ገበነኛታት ኣብ ጐድኑ ተሰቒሎም ነይሮም እዮም። ኣብ ፈለማ፡ ክልቲኦም ይጸርፍዎ ነይሮም እዮም። (ማቴ. 27:44) ደሓር ግና፡ ሓደ ኻባታቶም ኣተሓሳስባኡ ለወጠ። የሱስ ‘ሓንቲ በደል እኳ ኸም ዘይገበረ’ ኸኣ ኣመነ። (ሉቃ. 23:40, 41) ብተወሳኺ ድማ፡ የሱስ ካብ ምውታት ተንሲኡ ንጉስ ኰይኑ ኺገዝእ ዘለዎ እምነት ገለጸ። ነቲ ዚመውት ዝነበረ መድሓኒ ኸኣ፡ “የሱስ፡ መንግስትኻ ምስ ሓዝካ፡ ዘክረኒ” በሎ። (ሉቃ. 23:42) ከመይ ዝበለት እምነት ኰን እዩ ኣርእዩ! የሱስ ድማ፡ “ሎሚ ብሓቂ እብለካ ኣለኹ፦ ምሳይ [ኣብ መንግስተይ ዘይኰነስ] ኣብ ገነት ክትከውን ኢኻ” ኢሉ መለሰሉ። (ሉቃ. 23:43) የሱስ ኣብዚ፡ “ምሳይ፡” “ክትከውን ኢኻ” ብዚብል ቃላት ኣቢሉ ብውልቂ ይዛረቦ ምንባሩ ኣስተብህል። ኣቦኡ መሓሪ ምዃኑ ስለ ዚፈልጥ፡ ነቲ ዚመውት ዝነበረ ገበነኛ ተስፋ ዚህቦ ቓላት እዩ ተዛሪቡ።—መዝ. 103:8

6. ካብቲ የሱስ ነቲ ገበነኛ እተዛረቦ ቓላት እንታይ ንምሃር፧

6 ካብ ቃላት የሱስ እንታይ ንምሃር፧ የሱስ ፍጹም ነጸብራቕ ኣቦኡ እዩ። (እብ. 1:3) ስለቲ ዝገበርናዮ ሕማቕ ነገራት ብሓቂ እንተ ተጣዒስናን በቲ ዝፈሰሰ ደም የሱስ ኣቢልና ሕድገት ሓጢኣት ከም እንረክብ ንኣምን እንተ ዄንናን፡ የሆዋ ይቕረ ኺብለልናን ምሕረት ኬርእየናን ይደሊ እዩ። (1 ዮሃ. 1:7) ገሊኦም ሰባት፡ የሆዋ ንሕሉፍ ጌጋታቶም ይቕረ ኺብለሎም ዚኽእል እንተ ዀይኑ ምእማን የጸግሞም እዩ። ከምኡ ዚስምዓካ እንተ ዀይኑ ነዚ ዚስዕብ ነጥቢ እስከ ሕሰብሉ፦ የሱስ ቀቅድሚ ሙማቱ ነቲ ሽዑ እምነቱ ኼርኢ ዝጀመረ ገበነኛ ምሕረት ካብ ኣርኣዮ፡ የሆዋ ግዳ ነቶም ትእዛዛቱ ኺሕልዉ ዚከኣሎም ዚገብሩ እሙናት ኣምለኽቱ ኽንደይ ኣብዚሑ ምሕረቱ ዘየርእዮም!—መዝ. 51:1፣ 1 ዮሃ. 2:1, 2

“እንሆ ወድኺ፡ . . . እንሃ ኣዴኻ”

7. ኣብ ዮሃንስ 19:26, 27 ተመዝጊቡ ኸም ዘሎ፡ የሱስ ንማርያምን ንዮሃንስን እንታይ እዩ ኢልዎም፧ ስለምንታይከ እዩ ኸምኡ ኢልዎም፧

7 የሱስ እንታይ ኢሉ፧ (ዮሃንስ 19:26, 27 ኣንብብ።) የሱስ ብዛዕባ እታ መበለት ነይራ ኽትከውን እትኽእል ኣዲኡ ኣተሓሳሲብዎ ነይሩ እዩ። ኣሕዋቱን ኣሓቱን ነቲ ብስጋ ዜድልያ ነገራት ኬማልኡላ ይኽእሉ ነይሮም ይዀኑ። ነቲ ብመንፈስ ዜድልያ ነገራት ግና መን እዩ ኼማልኣላ ዚኽእል፧ ኣብቲ ግዜ እቲ ኣሕዋቱ ደቀ መዛሙርቱ ኸም ዝዀኑ ዚሕብር ነገር የልቦን። እንተዀነ ግና፡ ዮሃንስ እሙን ሃዋርያኡን ሓደ ኻብቶም ናይ ቀረባ ኣዕሩኹን እዩ ነይሩ። የሱስ ነቶም ምስኡ ሓቢሮም ንየሆዋ ዜምልኹ፡ ከም መንፈሳውያን ስድራ ቤቱ ገይሩ እዩ ዚርእዮም ነይሩ። (ማቴ. 12:46-50) ስለዚ፡ በቲ ንማርያም ዘለዎ ፍቕርን ሓልዮትን ተደሪኹ፡ ዮሃንስ ንመንፈሳዊ ጥዕናኣ ኸም ዚከናኸን እውን ስለ ዝፈለጠ፡ ንዕኡ ሕድሪ ሃቦ። ንኣዲኡ፡ “እንሆ ወድኺ” በላ። ንዮሃንስ ከኣ፡ “እንሃ ኣዴኻ” በሎ። ካብታ መዓልቲ እቲኣ ንደሓር፡ ዮሃንስ ንማርያም ከም ኣዲኡ ገይሩ ተኸናኸና። የሱስ ነታ ኻብ ዚውለድ ኣትሒዛ እተኸናኸነቶ፡ ኪመውት ከሎ እውን ኣብ ጥቓኡ ዝነበረት ኣዲኡ ዓባይ ፍቕሪ እዩ ኣርእዩ!

8. ካብቲ የሱስ ንማርያምን ንዮሃንስን እተዛረቦም ቃላት እንታይ ንምሃር፧

8 ካብ ቃላት የሱስ እንታይ ንምሃር፧ ምስ ክርስትያን ኣሕዋትናን ኣሓትናን ዘሎና ርክብ ካብቲ ምስ ስድራ ቤትና ዘሎና ርክብ ዝደልደለ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ኣባላት ቤተ ሰብና ኺጻረሩና ወይ ኪጥንጥኑና ይኽእሉ እዮም። ናብ የሆዋን ናብ ውድቡን ክሳዕ ዝለገብና ግና፡ ከምቲ የሱስ ዝበሎ፡ ካብቲ ዝሰኣንናዮ “100 ዕጽፊ” ኽንረክብ ኢና። ብዙሓት ድማ ከም ፈቃራት ስድራ ቤት፡ ማለት ወዲ፡ ጓል፡ ኣቦ፡ ኣደ፡ ኪዀኑልና እዮም። (ማር. 10:29, 30) እሞ ደኣ ኽፍሊ እቲ ብእምነትን በቲ ንኣምላኽን ንሓድሕዶምን ዘላቶም ፍቕርን ሓድነት ዘለዎ መንፈሳዊ ስድራ ቤት ምዃንካ ኸመይ ይስምዓካ፧—ቈሎ. 3:14፣ 1 ጴጥ. 2:17

“ኣምላኸይ፡ ስለምንታይ ሓዲግካኒ፧”

9. እተን ኣብ ማቴዎስ 27:46 ተመዝጊበን ዘለዋ ቓላት የሱስ እንታይ ይነግራና፧

9 የሱስ እንታይ ኢሉ፧ የሱስ ቀቅድሚ ሙማቱ፡ “ኣምላኸይ፡ ኣምላኸይ፡ ስለምንታይ ሓዲግካኒ፧” ኢሉ ጨሪሑ እዩ። (ማቴ. 27:46) የሱስ ስለምንታይ ከምኡ ኸም ዝበለ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ኣይገልጽን እዩ። እዘን ቃላት እዚአን እንታይ ከም ዚነግራና ግና እስከ ንርአ። የሱስ ነዘን ቃላት እዚአን ኬውስእ ከሎ፡ ነቲ ኣብ መዝሙር 22:1 ዚርከብ ትንቢት እዩ ዚፍጽሞ ነይሩ። * ብተወሳኺ ድማ፡ እዘን ቃላት እዚአን፡ የሆዋ ኣብቲ ግዜ እቲ ንወዱ፡ “ዜዕቍቦ ሓጹር” ገይሩሉ ኸም ዘይነበረ ንጹር ይገብራ እየን። (እዮ. 1:10) የሆዋ ንየሱስ፡ ኣብ ሰብ ወሪዱ ብዘይፈልጥ ፈተና ምሉእ ብምሉእ ምእንቲ ኺፍተን ኢሉ ኣብ ኢድ ጸላእቱ ጠሪሱ ሓዲግዎ ነይሩ እዩ። የሱስ ድማ ነዚ ተረዲእዎ ነይሩ እዩ። ብተወሳኺ ድማ፡ የሱስ ካብቲ ብሞት ዜቕጽዕ ገበን ንጹህ ከም ዝዀነ፡ እዘን ቃላት እዚአን የረጋግጻ እየን።

10. ካብቲ የሱስ ንኣቦኡ እተዛረቦ ቓላት እንታይ ንምሃር፧

10 ካብ ቃላት የሱስ እንታይ ንምሃር፧ ሓደ እንምሃሮ ትምህርቲ፡ የሆዋ ኻብቲ ንእምነትና ዚፍትን ጸገማት ኬዕቍበና ኽንጽበ ኸም ዘይብልና እዩ። ከምቲ የሱስ ምሉእ ብምሉእ እተፈተነ፡ ንሕና እውን ክሳዕ ሞት እሙናት ንምዃን ድሉዋት ክንከውን ኣሎና። (ማቴ. 16:24, 25) ኰይኑ ግና፡ ኣምላኽ ካብ ዓቕምና ንላዕሊ ኽንፍተን ከም ዘይሓድገና፡ መረጋገጺ ተዋሂቡና ኣሎ። (1 ቈረ. 10:13) ካልእ እንምሃሮ ትምህርቲ ኸኣ፡ ከም የሱስ፡ ብዘይፍትሓዊ መገዲ ኣደዳ መከራ ኽንከውን ከም እንኽእል እዩ። (1 ጴጥ. 2:19, 20) እቶም ተጻረርትና ዚገፍዑና፡ ካብ ዓለም ስለ ዘይኰንናን ንሓቂ ስለ እንምስክርን ደኣ እዩ እምበር፡ ጌጋ ስለ ዝገበርና ኣይኰነን። (ዮሃ. 17:14፣ 1 ጴጥ. 4:15, 16) የሱስ ነቲ የሆዋ ኣብ ልዕሊኡ መከራ ኺወርድ ዝፈቐደሉ ምኽንያት ተረዲእዎ ነይሩ እዩ። ገሊኦም እሙናት ኣምለኽቲ ግና፡ ኣብ ትሕቲ ፈተና ኪዀኑ ኸለዉ፡ የሆዋ ስለምንታይ ገሊኡ ነገራት ከም ዝፈቐደ ሕቶ ይለዓሎም እዩ። (ኣን. 1:3) እቲ መሓርን ዕጉስን ኣምላኽና፡ እዞም ሰባት እዚኦም እምነቶም ከም ዘየጕደሉ ይፈልጥ እዩ፣ የግዳስ፡ እቲ ንሱ ጥራይ ዚህቦ ምጽንናዕ እዩ ዜድልዮም።—2 ቈረ. 1:3, 4

“ጸሚአ”

11. የሱስ ነታ ኣብ ዮሃንስ 19:28 እትርከብ ቃል እተዛረበ ስለምንታይ እዩ፧

11 የሱስ እንታይ ኢሉ፧ (ዮሃንስ 19:28 ኣንብብ።) ስለምንታይ እዩ የሱስ፡ “ጸሚአ” ኢሉ፧ “እቲ ቕዱስ ጽሑፍ ምእንቲ ኺፍጸም” እዩ ኸምኡ ኢሉ፣ ማለት እቲ ኣብ መዝሙር 22:15 ዚርከብ፡ “ሓይለይ ከም ገልዒ ነቒጹ፣ ልሳነይ ምስ ግርጻነይ ጠቢቑ” ዚብል ትንቢት ምእንቲ ኺፍጸም እዩ ኸምኡ ኢሉ። ብዘይካዚ፡ የሱስ ድሕሪ እቲ ዅሉ ዘሕለፎ መከራ፡ እንተላይ ድሕሪ እቲ ኣብ ጕንዲ ስቅያት ዘሕለፎ ቓንዛ፡ ኣመና ጸሚኡ ነይሩ ኪኸውን ኣለዎ። ጽምኡ ምእንቲ ኼርዊ፡ ሓገዝ የድልዮ ነይሩ እዩ።

12. ካብታ “ጸሚአ” እትብል የሱስ እተዛረባ ቓል እንታይ ንምሃር፧

12 ካብ ቃላት የሱስ እንታይ ንምሃር፧ የሱስ ስምዒቱ ምግላጽ፡ ከም ድኽመት ገይሩ ኣይረኣዮን፣ ንሕና እውን ከምኡ ጌርና ኽንርእዮ የብልናን። ኣብ መብዛሕትኡ ኽፋል ህይወትና ብዛዕባ ዜድልየና ነገራት ንሰብ ምንጋር ኣይንደልን ንኸውን። ሓገዝ ኣብ ዜድልየና እዋን ግና፡ ሓገዝ ንምሕታት ከነማትእ የብልናን። ንኣብነት፡ ብዕድመ ዝደፋእና ወይ ጸገም ጥዕና ዘሎና እንተ ዄንና፡ ፈታዊና ናብ ዕዳጋ ወይ ናብ ናይ ሓኪም ቈጸራ ኺወስደና ኽንሓትት ንኽእል ኢና። እንተ ተደቚስና ወይ ተስፋ እንተ ቘሪጽና ኸኣ፡ ንሓደ ሽማግለ ወይ ፈታዊና ንዝዀነ ብሱል ክርስትያን ኪሰምዓና ወይ ዜሐጕስ “ጽቡቕ ቃል” ኪዛረበና ኽንሓትት የድልየና ይኸውን። (ምሳ. 12:25) ኣሕዋትናን ኣሓትናን ከም ዜፍቅሩና ኣይንረስዕ፣ ብ“ግዜ ጭንቂ” ኺሕግዙና ይደልዩ እዮም። (ምሳ. 17:17) ኣብ ኣእምሮና ዘሎ ግና ኬንብቡ ኣይክእሉን እዮም። ንሕና እንተ ዘይነጊርናዮም፡ ሓገዝ ከም ዜድልየና ኣይፈልጡን ይዀኑ።

“ተፈጺሙ!”

13. የሱስ ክሳዕ ሞት ንጽህናኡ ብምሕላው እንታይ እዩ ፈጺሙ፧

13 የሱስ እንታይ ኢሉ፧ ብ14 ኒሳን ሰዓት ሰለስተ ድሕሪ ቐትሪ ኣቢሉ፡ የሱስ “ተፈጺሙ!” ኢሉ ጨሪሑ። (ዮሃ. 19:30) እወ፡ ኪመውት ሓጺር ህሞት ተሪፍዎ ኸሎ፡ ንዅሉ እቲ የሆዋ ዚጽበዮ ነገር ዛዚምዎ እዩ። ክሳዕ ሞት ንጽህናኡ ብምሕላው ብዙሕ ነገራት ፈጺሙ እዩ። ቀዳማይ፡ ሰይጣን ሓሳዊ ምዃኑ ኣረጋጊጹ እዩ። ሰይጣን ዝገበረ እኳ እንተ ገበረ፡ ፍጹም ሰብ ፍጹም ንጽህና ኺሕሉ ኸም ዚኽእል የሱስ ኣርእዩ እዩ። ካልኣይ፡ የሱስ ህይወቱ በጃ ገይሩ ሂቡ እዩ። እቲ መስዋእታዊ ሞቱ ንዘይፍጹማት ሰባት ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ኪጸድቁ ኣኽኢልዎም እዩ፣ ንዘለኣለም ናይ ምንባር ተስፋ እውን ከፊቱሎም እዩ። ሳልሳይ፡ የሱስ ንልዑላውነት የሆዋ ደጊፉ እዩ፡ ንስም ኣቦኡ ድማ ካብ ጸርፊ ናጻ ገይርዎ እዩ።

14. መዓልቲ መዓልቲ ብኸመይ ንምንባር ኢና ቘራጽነት ክንገብር ዘሎና፧ ግለጽ።

14 ካብ ቃላት የሱስ እንታይ ንምሃር፧ ኵሉ መዓልቲ ንጽህናና ንምሕላው ቈራጽነት ክንገብር ኣሎና። ኣብ ናይ ጊልዓድ ቤት ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ ግምቢ ዘብዐኛ መምህር ኰይኑ ዘገልገለ ሓውና ማክስወል ፍሬንድ ዝሃቦ ሓሳብ እስከ ንርአ። ሓውና ፍሬንድ ኣብ ኣህጉራዊ ኣኼባ ብዛዕባ ተኣማንነት ኣብ ዘቕረቦ መደረ ኸምዚ ኢሉ ነይሩ፦ “ሎሚ ኽትገብርዎ ወይ ክትብልዎ እትኽእሉ ነገር ንጽባሕ ኣይተሕድርዎ። ጽባሕ ከም ዘላ ርግጸኛታት ክትኰኑ ትኽእሉዶ፧ መዓልቲ መዓልቲ፡ ንዘለኣለም ንምንባር ከም ዚግብኣኩም እተርእዩላ ናይ መወዳእታ ዕድል ከም ዝዀነት ጌርኩም ንበሩ።” እወ፡ መዓልቲ መዓልቲ፡ ንጽህናና እንሕልወላ ናይ መወዳእታ ዕድል ከም ዝዀነት ጌርና ንንበር! ድሕሪኡ፡ ዋላ ሞት እንተ ኣርኪቡና፡ “የሆዋ፡ ንጽህናይ ንምሕላው፡ ሰይጣን ሓሳዊ ምዃኑ መርትዖ ንምቕራብ፡ ንሓቅነት ስምካን ልዑላውነትካን ከኣ ንምርግጋጽ ዚከኣለኒ ገይረ እየ” ኽንብል ንኽእል ኢና።

“ኣቦ፡ መንፈሰይ ኣብ ኢድካ አማዕቍብ ኣለኹ”

15. ብመሰረት ሉቃስ 23:46፡ የሱስ እንታይ እምንቶ ኸም ዘለዎ እዩ ዝገለጸ፧

15 የሱስ እንታይ ኢሉ፧ (ሉቃስ 23:46 ኣንብብ።) የሱስ ብምሉእ እምንቶ፡ “ኣቦ፡ መንፈሰይ ኣብ ኢድካ አማዕቍብ ኣለኹ” ኢሉ ጨሪሑ እዩ። መጻኢኡ ኣብ የሆዋ ኸም ዚምርኰስ ይፈልጥ ነይሩ እዩ፣ ኣቦኡ ኸም ዚዝክሮ እውን ርግጸኛ እዩ ነይሩ።

16. ካብ ተመክሮ እቲ ወዲ 15 ዓመት ዝነበረ ናይ የሆዋ ምስክር እንታይ ትምሃር፧

16 ካብ ቃላት የሱስ እንታይ ንምሃር፧ ህይወትካ ኣብ ኢድ የሆዋ ንምሕዳግ ፍቓደኛ ኹን። ከምኡ ንምግባር ከኣ፡ “ብምሉእ ልብኻ ብየሆዋ ተኣመን።” (ምሳ. 3:5) ዘይምሕር ሕማም ዝነበሮ ጆሹዋ ዚብሃል ወዲ 15 ዓመት ናይ የሆዋ ምስክር ዝሓደጎ ኣብነት እስከ ንርአ። ንሱ ሕጊ ኣምላኽ ዜፍርስ ሕክምና ምቕባል ኣበየ። ቀቅድሚ ሙማቱ ድማ ንኣዲኡ ኸምዚ በላ፦ “ማማ፡ ኣብ ኢድ የሆዋ እየ ዘለኹ። . . . ማማ፡ ኣጸቢቐ ርግጸኛ ዀይነ ኽነግረኪ ዚደሊ፡ የሆዋ ብርግጽ ኬተንስኣኒ እዩ። ንልበይ ኣንቢብዎ እዩ፡ ኣነ ድማ ብሓቂ አፍቅሮ እየ።” * ነፍሲ ወከፍና ንርእስና፡ ‘ንህይወተይ ዜስግእ ናይ እምነት ፈተና እንተ ኣጋጢሙኒ፡ ህይወተይ ኣብ ኢድ የሆዋ እሓድጋን ከም ዚዝክረኒ እተኣማመንን ድየ፧’ ኢልና ኽንሓትታ ኣሎና።

17-18. እንታይ ትምህርትታት ኢና ተማሂርና፧ (“ ካብተን የሱስ እተዛረበን ናይ መወዳእታ ቓላት እንታይ ንምሃር፧” ዘርእስታ ሳጹን እውን ርአ።)

17 ካብ ናይ መወዳእታ ቓላት የሱስ ሓያል ትምህርትታት ክንምሃር ንኽእል ኢና። ንኻልኦት ይቕረ ኽንብል ከም ዘሎናን የሆዋ ይቕረ ኸም ዚብለልና ኽንኣምን ከም ዘሎናን ተዘኻኺርና ኢና። ኪሕግዙና ድሉዋት ዝዀኑ ዜደንቑ መንፈሳውያን ስድራ ቤትና፡ ማለት ኣሕዋትናን ኣሓትናን ስለ ዘለዉና ተባሪኽና ኢና። ሓገዝ ኬድልየና ኸሎ ግና፡ ክንነግሮም ኣሎና። የሆዋ ንዚመጸና ዝዀነ ይኹን ፈተና ኽንጻወር ከም ዚሕግዘና ንፈልጥ ኢና። መዓልቲ መዓልቲ፡ ንጽህናና ንምሕላው እተዋህበትና ናይ መወዳእታ መዓልቲ ኸም ዝዀነት ጌርና ኽንነብርን ንህይወትና ኣብ ኢድ የሆዋ ኽንሓድጋን ከም ዘሎና እውን ርኢና ኢና።

18 እምበኣር፡ እቲ የሱስ ኣብ ጕንዲ ተሰቒሉ ኺመውት ከሎ እተዛረቦ ቓላት ብዙሕ ትርጉም ኣለዎ! ነቲ ኻብኡ ዚርከብ ትምህርትታት ምስ እንትግብሮ፡ ነቲ የሆዋ ብዛዕባ ወዱ፡ “ንዕኡ ስምዕዎ” ኢሉ እተዛረቦ ቓላት ንስዕቦ ኢና።—ማቴ. 17:5

መዝሙር 126 ንቕሑ፡ ጽንዑ፡ ሰብኡት ኩኑ

^ ሕ.ጽ. 5 ኣብ ማቴዎስ 17:5 ተሓቢሩ ኸም ዘሎ፡ የሆዋ ንወዱ ኽንሰምዖ ይደልየና እዩ። ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ካብቲ የሱስ ኣብ ጕንዲ ስቅያት ኪመውት ከሎ እተዛረቦ ቓላት ዚርከብ ሓያሎ ትምህርትታት ክንርኢ ኢና።

^ ሕ.ጽ. 9 የሱስ ካብ መዝሙር 22:1 ስለምንታይ ከም ዝጠቐሰ ንምፍላጥ፡ ኣብዛ ሕታም እዚኣ ዘላ “ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ” ዘርእስታ ዓንቀጽ ርአ።

^ ሕ.ጽ. 16 ኣብ ናይ 22 ጥሪ 1995 ሕታም ንቕሑ! (እንግሊዝኛ) ዝወጸት፡ “እምነት ጆሹዋ—ኣብ መሰል ቈልዑ እተረኽበ ዓወት” ዘርእስታ ዓንቀጽ ርአ።