ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ዓንቀጽ መጽናዕቲ 17

የሆዋ ኣኽቢሩ እዩ ዚርእየካ!

የሆዋ ኣኽቢሩ እዩ ዚርእየካ!

“የሆዋስ ብህዝቡ ባህ ይብሎ እዩ።”—መዝ. 149:4

መዝሙር 108 ኣምላኽና ብተኣማንነት የፍቅር

መላለዪ *

እቲ ሰማያዊ ኣቦና ብነፍሲ ወከፍና “ባህ ይብሎ” (ሕጡብ ጽሑፍ 1 ርአ)

1. የሆዋ ኣብ ሰባት እንታይ እዩ ዜስተብህል፧

የሆዋ ኣምላኽ፡ “ብህዝቡ ባህ ይብሎ እዩ።” (መዝ. 149:4) እዝስ ክሳዕ ክንደይ ደስ ዚብል ሓሳብ ኰን እዩ! የሆዋ ንጽቡቕ ባህርያትና የስተብህለሉ፡ ተኽእሎና ይርኢ፡ ናብኡ እውን ይስሕበና እዩ። ንዕኡ እሙናት እንተ ዄንና፡ ንሱ እውን ንዘለኣለም ቀረባና ኪኸውን እዩ።—ዮሃ. 6:44

2. ገሊኦም ሰባት፡ የሆዋ ኸም ዜፍቅሮም ምእማን ዜሸግሮም ስለምንታይ እዩ፧

2 ገሊኦም ሰባት፡ ‘የሆዋ ንህዝቡ ብደረጃ ጕጅለ ኸም ዜፍቅሮም እፈልጥ እየ፣ ንዓይ ብውልቂ ኣኽቢሩ ኸም ዚርእየኒ ግና ከመይ ገይረ ርግጸኛ ክኸውን እኽእል፧’ ይብሉ እዮም። ሓደ ሰብ ከምኡ ኢሉ ኺሓትት ዚድርኾ እንታይ ኪኸውን ይኽእል፧ ሕማቕ ቍልዕነት ዘሕለፈት ኦክሳና፡ * “ምስ ተጠመቕኩን ፈላሚት ኰይነ ኸገልግል ምስ ጀመርኩን፡ ኣዝየ እየ ተሓጒሰ ነይረ። ድሕሪ 15 ዓመት ግና ሕማቕ ተዘክሮታት ኬሳቕየኒ ጀሚሩ። ሞገስ ኣምላኽ ከም ዝሰኣንኩ ፍቕሩ እውን ከም ዘይግብኣኒ ደምዲመ” ትብል። ብቝልዕነታ ብዙሕ ጸገማት ዘሕለፈት ዩኣ ዝስማ ፈላሚት ሓብቲ ድማ፡ “ንየሆዋ ኸሐጕሶ ስለ ዝደለኹ፡ ህይወተይ ንዕኡ ወፍየ። ንሱ ፈጺሙ ኼፍቅረኒ ኸም ዘይክእል ገይረ ግና እኣምን ነይረ” ትብል።

3. ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ እንታይ ክንርኢ ኢና፧

3 ከምዘን እተጠቕሳ እሙናት ክርስትያናት፡ ንየሆዋ ኣጸቢቕካ እናኣፍቀርካዮ ክነስኻ፡ ንሱ ኸም ዜፍቅረካ ትጠራጠር ትኸውን። ንሱ ብሓቂ ኸም ዚሓልየልካ ኽትኣምን ዜድልየካ ስለምንታይ እዩ፧ ኣሉታዊ ኣተሓሳስባ ኼሸግረካ ኸሎኸ፡ ነዚ ንምጽዋር እንታይ ኪሕግዘካ ይኽእል፧ መልሲ እዚ ሕቶታት እስከ ንርአ።

ብዛዕባ ፍቕሪ የሆዋ ጥርጣረ ምሕዳር ሓደገኛ እዩ

4. ብዛዕባ ፍቕሪ ኣምላኽ ጥርጣረ ምሕዳር ሓደገኛ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

4 ፍቕሪ ሓያል ድራኸ ተሕድር እያ። የሆዋ ኸም ዜፍቅረናን ከም ዚድግፈናን እንተ ኣሚንና፡ ኣብ ህይወትና ዜጋጥመና ጸገማት ብዘየገድስ ብምሉእ ልብና ኸነገልግሎ ንድረኽ ኢና። በቲ ሓደ ሸነኽ ግና፡ ኣምላኽ ከም ዚሓልየልና እንተ ተጠራጢርና፡ ‘ሓይልና ቝሩብ እዩ ዚኸውን።’ (ምሳ. 24:10) ኣብ ፍቕሪ ኣምላኽ ተስፋ ኽንቈርጽን እምነት ከነጥፍእን ከለና ኸኣ፡ ንመጥቃዕቲ ሰይጣን ኢና እንቃላዕ።—ኤፌ. 6:16

5. ንፍቕሪ ኣምላኽ ምጥርጣር ኣብ ገሊኦም እንታይ ጽልዋ ኣሕዲሩ፧

5 ኣብዚ ግዜና ዘለዉ ገሊኦም እሙናት ክርስትያናት፡ ብጥርጣረ መንፈሳውነቶም ተዳኺሙ እዩ። ንኣብነት፡ ጄምስ ዝስሙ ሽማግለ፡ “ኣብ ቤት-ኤልን ኣብ ጉባኤ ቛንቋ ወጻኢ እናኣገልገልኩ ኽነሰይ፡ የሆዋ ንመስዋእተይ ብሓቂ ይቕበሎ እንተ ዀይኑ እሓስብ ነይረ። ኣብ ሓደ እዋን፡ የሆዋ ንጸሎተይ ይሰምዖ እንተ ዀይኑ እውን ኣብ ሕቶ አእትዎ ነይረ” ይብል። ኣብ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት እተገልግል ኤቫ እውን፡ “ንፍቕሪ ኣምላኽ ምጥርጣር ሓደገኛ እዩ፣ ምኽንያቱ፡ ኣብ ሽግር ከም እትሽመም እዩ ዚገብረካ። ነቲ ንመንፈሳዊ ነገራት ዘሎካ ሸውሃት ይጸልዎ፡ ነቲ ንየሆዋ ብምግልጋል እትረኽቦ ሓጐስ ከኣ የጥፍኦ እዩ” ትብል። ስሩዕ ፈላምን ሽማግለን ኰይኑ ዜገልግል ማይክል ድማ፡ “ኣምላኽ ከም ዚሓልየልካ ትኣምን እንተ ዘይኴንካ፡ በብቝሩብ ካብኡ ትውሰድ ኢኻ” ይብል።

6. ብዛዕባ ፍቕሪ ኣምላኽ ጥርጣረ ኸነሕድር እንተ ጀሚርና እንታይ ኢና ኽንገብር ዘሎና፧

6 እዚ ተመክሮታት እዚ፡ ኣሉታዊ ኣተሓሳስባ ኽሳዕ ክንደይ ጕድኣት ኬስዕብ ከም ዚኽእል እዩ ዜርኢ። ብዛዕባ ፍቕሪ ኣምላኽ ጥርጣረ ኸነሕድር እንተ ጀሚርና ግና እንታይ ኢና ኽንገብር ዘሎና፧ ብኡብኡ ነቲ ሓሳብ ክንነጽጎ ኣሎና! ነቲ ‘ዚርብሸካ ሓሳባት’ በቲ ‘ንልብኻን ንኣእምሮኻን ዚሕልዎ ሰላም ኣምላኽ’ ምእንቲ ኽትትክኦ ኸኣ፡ ካብ የሆዋ ሓገዝ ለምን። (መዝ. 139:23፣ እ.ጽ.፣ ፊል. 4:6, 7) በይንኻ ዘይምዃንካ እውን ዘክር። ካልኦት እሙናት ኣሕዋትን ኣሓትን ምስዚ ኣሉታዊ ስምዒታት እዚ ይቃለሱ ኣለዉ። ጥንቲ ዝነበሩ ኣገልገልቲ የሆዋ እውን ከይተረፉ ኸምዚ ዓይነት ጸገማት ኣሕሊፎም እዮም። ሕጂ እምበኣር፡ ካብ ሃዋርያ ጳውሎስ እንታይ ክንምሃር ከም እንኽእል ንርአ።

ካብ ተመክሮ ጳውሎስ እንታይ ንምሃር፧

7. ጳውሎስ እንታይ ጸገማት እዩ ነይርዎ፧

7 ሓላፍነታት ስለ ዝበዝሓካ፡ ንምጻሩ ኸቢዱካዶ ይፈልጥ፧ ከምኡ እንተ ተሰሚዑካ፡ ንጳውሎስ ትርድኣሉ ኢኻ። ንሓንቲ ጉባኤ ጥራይ ዘይኰነስ፡ “ንዅለን ጉባኤታት” ዚጭነቖ ጭንቀት ነይርዎ እዩ። (2 ቈረ. 11:23-28) ሕዱር ጸገም ጥዕና፡ ብተደጋጋሚ ሓጐስካ ኣስኢኑካዶ ይፈልጥ፧ ጳውሎስ በቲ ‘ኣብ ስጋኡ ዝነበረ እሾዅ’ ብቐጻሊ ይሳቐ ነይሩ እዩ፣ እዚ ድማ ጸገም ጥዕና ነይሩ ኪኸውን ይኽእል እዩ፣ እዚ ኻብኡ ኺርሕቕ እውን ይደሊ ነይሩ እዩ። (2 ቈረ. 12:7-10) ዘይፍጽምናኻ ተስፋ ኣቝሪጹካዶ ይፈልጥ፧ ሓድሓደ ግዜ፡ ጳውሎስ ከምኡ ይስምዖ ነይሩ እዩ። ምስቲ ዘይፍጽምናኡ ዘየዕርፍ ቃልሲ ስለ ዝነበሮ፡ “እዋይ ኣነ መከረኛ ሰብ!” ኢሉ እዩ።—ሮሜ 7:21-24

8. ጳውሎስ ነቲ ጸገማቱ ኺጻወር ዝሓገዞ እንታይ እዩ፧

8 ጳውሎስ በበይኑ ፈተናታትን ተስፋ ዜቝርጽ ኵነታትን እናኣጋጠሞ ኽነሱ፡ ንየሆዋ ኻብ ምግልጋል ኣየቋረጸን። ከምኡ ንምግባር ሓይሊ ዝሃቦ እንታይ እዩ፧ ዘይፍጹም ምዃኑ ኣጸቢቑ ይፈልጥ እኳ እንተ ነበረ፡ ኣብቲ በጃ ግና ነቕ ዘይብል እምነት ነይርዎ እዩ። ነቲ የሱስ፡ ብእኡ “ዚኣምን ኵሉ ናይ ዘለኣለም ህይወት . . . ኪረክብ” ምዃኑ እተዛረቦ ቓላት ይፈልጦ ነይሩ እዩ። (ዮሃ. 3:16፣ ሮሜ 6:23) ጳውሎስ በቲ በጃ ይኣምን ነይሩ እዩ። የሆዋ ነቶም ከቢድ ሓጢኣት ዝፈጸሙ እውን ከይተረፈ፡ እንተ ተነሲሖም ይቕረ ንምባል ድሉው ከም ዝዀነ ይኣምን ነይሩ እዩ።—መዝ. 86:5

9. ካብቲ ኣብ ገላትያ 2:20 እተመዝገበ ቓላት ጳውሎስ እንታይ ንምሃር፧

9 ጳውሎስ ኣብቲ ብክርስቶስ ኣቢሉ እተገልጸ ፍቕሪ ኣምላኽ እውን እምነት ነይርዎ እዩ። (ገላትያ 2:20 ኣንብብ።) ኣብ መወዳእታ እዛ ፍቕዲ ዘሎ ዜተባብዕ ቃላት እሞ ነስተብህለሉ። ጳውሎስ፡ “በቲ ዘፍቀረንን ምእንታይ ርእሱ ዘሕለፈን ወዲ ኣምላኽ” ኢሉ እዩ ተዛሪቡ። ጳውሎስ ንፍቕሪ ኣምላኽ ደረት ኣይገበረሉን። ‘የሆዋ ንኣሕዋተይ ስለምንታይ ከም ዜፍቅሮም ይርድኣኒ እዩ፣ ንዓይ ግና ኬፍቅረኒ ኣይክእልን እዩ’ ኢሉ ኣይሓሰበን። የግዳስ፡ ንሰብ ሮሜ፡ “ንሕና ገና ሓጥኣን ከለና፡ ክርስቶስ ምእንታና [ሞይቱ]” ኢሉ እዩ ኣዘኻኺርዎም። (ሮሜ 5:8) ፍቕሪ ኣምላኽ ደረት የብላን!

10. ካብ ሮሜ 8:38, 39 እንታይ ንምሃር፧

10 ሮሜ 8:38, 39 ኣንብብ። ጳውሎስ በቲ ፍቕሪ ኣምላኽ ዘለዎ ሓይሊ ምሉእ ብምሉእ ይኣምን ነይሩ እዩ። ስለዚ ድማ፡ ሓደ እኳ ኻብ “ፍቕሪ ኣምላኽ ኪፈልየና ኸም ዘይክእል፡ ርግጸኛ እየ” ኢሉ ጽሒፉ ኣሎ። የሆዋ ንህዝቢ እስራኤል ከመይ ገይሩ ብፍቕሪ ኸም ዝሓዞም፡ ጳውሎስ ይፈልጥ ነይሩ እዩ። የሆዋ ንዕኡ ምሕረት ከም ዘርኣዮ እውን ይፈልጥ ነይሩ እዩ። ስለዚ ብሓጺሩ፡ ‘የሆዋ ንወዱ እኳ ምእንታይ ኣሕሊፉ ኻብ ሃቦ፡ ንፍቕሩ ዝጠራጠረሉ እንታይ ምኽንያት ኣሎኒ፧’ ዚብል ሓሳባት እዩ ነይርዎ።—ሮሜ 8:32

ንኣምላኽ ዜገድሶ፡ እቲ ሕሉፍ ጌጋታትና ዘይኰነስ፡ እቲ ሕጂ ዀነ ኣብ መጻኢ እንገብሮ ነገራት እዩ (ሕጡብ ጽሑፍ 11 ርአ) *

11. ጳውሎስ ከምቲ ኣብ 1 ጢሞቴዎስ 1:12-15 ተጠቒሱ ዘሎ ዝኣመሰለ ብዙሕ ሓጢኣት እኳ እንተ ገበረ፡ ኣምላኽ ከም ዜፍቅሮ ርግጸኛ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

11 ቀዳማይ ጢሞቴዎስ 1:12-15 ኣንብብ። ጳውሎስ በቲ ሕሉፍ ተግባራቱ እውን ይሳቐ ነይሩ ኪኸውን ኣለዎ። ንገዛእ ርእሱ ኻብ ሓጥኣን “ኣውራ” ኸም ዝዀነ ገይሩ ገሊጽዋ፣ እዚ ኸኣ ዜገርም ኣይኰነን! ሓቂ ቕድሚ ምፍላጡ፡ ንክርስትያናት ኣብ ፈቐዶ ኸተማ ብዘይ ንሕስያ ሰጒጕዎም እዩ። ንገሊኦም ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኣእትይዎም እዩ፣ ገሊኦም ኪቕተሉ ኸለዉ ኸኣ ኣብኡ ሰሚሩ እዩ። (ግብ. 26:10, 11) ጳውሎስ ምስ ሓደ ወለዱ ዘቕተለሉ መንእሰይ ክርስትያን እንተ ዚራኸብ ከመይ ከም ዚስምዖ እሞ ብኣእምሮኻ ስኣሎ! ብጌጋታቱ ይጠዓስ ነይሩ እዩ፣ ኰይኑ ግና፡ ንሕሉፍ ኪቕይሮ ኸም ዘይክእል ይፈልጥ ነይሩ እዩ። ክርስቶስ ምእንታኡ ኸም ዝሞተ ይኣምን ነይሩ እዩ፣ ብምትእምማን ድማ፡ “ብጸጋ ኣምላኽ . . . ከምዚ ዀይነዮ ዘለኹ ዀይነ ኣለኹ” ኢሉ ጽሒፉ እዩ። (1 ቈረ. 15:3, 10) ካብዚ እንታይ ንምሃር፧ ክርስቶስ ምእንታኻ ኸም ዝሞተን ምስ የሆዋ ናይ ቀረባ ብሕታዊ ርክብ ክትምስርት መገዲ ኸም ዝጸረገልካን እመን። (ግብ. 3:19) ንኣምላኽ ዜገድሶ እቲ ናይ የሆዋ ምስክር ምስ ኰንካ ወይ ከይኰንካ ዝገበርካዮ ሕሉፍ ጌጋታት ዘይኰነስ፡ እቲ ሕጂ ዀነ ኣብ መጻኢ እትገብሮ ነገራት እዩ።—ኢሳ. 1:18

12. ዘይንረብሕ ወይ ዘይንፍቀር ኰይኑ እንተ ተሰሚዑና፡ እቲ ኣብ 1 ዮሃንስ 3:19, 20 ዘሎ ቓላት ብኸመይ ኪሕግዘና ይኽእል፧

12 የሱስ ንሓጢኣትካ ኺሽፍን ኢሉ ኸም ዝሞተ ኽትሓስብ ከለኻ፡ ‘ክንድቲ ኽብሪ ኣይግብኣንን እዩ’ ትብል ትኸውን። ስለምንታይ እዩ ኸምኡ ኺስምዓካ ዚኽእል፧ እቲ ዘይፍጹም ልብና ኼታልለና እሞ፡ ከም ዘይንረብሕ ወይ ከም ዘይንፍቀር ኰይኑ ኸም ዚስምዓና ኺገብር ይኽእል እዩ። (1 ዮሃንስ 3:19, 20 ኣንብብ።) ኣብ ከምዚ ዝበለ እዋን፡ ‘ኣምላኽ ካብ ልብና ኸም ዚዓቢ’ ኽንዝክር ኣሎና። እቲ ሰማያዊ ኣቦና ዘለዎ ፍቕርን ዚገብረልና ይቕረታን ካብቲ ኣብ ልብና ኼድቢ ዚኽእል ኣሉታዊ ስምዒት ኣጸቢቑ ይሕይል። ነቲ የሆዋ ብዛዕባና ዘለዎ ኣረኣእያ ኽንኣምነሉ ኣሎና። ከምኡ ንምግባር ከኣ፡ ቃሉ ወትሩ ኸነጽንዕን ኣዘውቲርና ኽንጽልን ብስሩዕ ምስ እሙናት ህዝቡ ኽንሓብርን ኣሎና። ከምኡ ምግባር ኣዝዩ ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

ካብ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስን ጸሎትን እሙናት ፈተውትን ብኸመይ ሓገዝ ንረክብ፧

13. መጽናዕቲ ቓል ኣምላኽ ብኸመይ ኪሕግዘና ይኽእል፧ (“ ቃል ኣምላኽ ብኸመይ ሓጊዝዎም፧” ዘርእስታ ሳጹን ርአ።)

13 መዓልቲ መዓልቲ ቓል ኣምላኽ ኣጽንዕ፣ ነቲ ጽቡቕ ባህርያት የሆዋ ድማ ብዝነጸረ ኽትርእዮ ኢኻ። ነቲ ንዓኻ ዘለዎ ፍቕሪ ኸተስተውዕሎ ኢኻ። መዓልቲ መዓልቲ ንቓል ኣምላኽ ምስ እተስተንትነሉ፡ ብንጹር ክትሓስብ፡ ማለት ንነገራት ኣብ ኣእምሮኻን ኣብ ልብኻን ‘ከተቕንዕ’ ኢኻ። (2 ጢሞ. 3:16) ከም ዘይረብሕ ኰይኑ ዚስምዖ ዝነበረ ኬቨን ዝስሙ ሽማግለ፡ “መዝሙር 103 ምስ ኣንበብክዋን ምስ ኣስተንተንኩላን፡ ናብ ልበይ ክምለስን የሆዋ ብዛዕባይ ብሓቂ እንታይ ከም ዚሓስብ ክርዳእን ሓጊዙኒ እዩ” ይብል። እታ ኣቐዲማ እተጠቕሰት ኤቫ ድማ፡ “መዓልቲ ኽትዓርብ ከላ ዅሉ ሳዕ ብዛዕባ ሓሳባት የሆዋ አስተንትን እየ። እዚ ኸኣ ሰላማዊ ልቢ ይህበኒ፡ ንእምነተይ እውን ይሃንጻ እዩ” ትብል።

14. ጸሎት ብኸመይ ኪሕግዘና ይኽእል፧

14 ኣዘውቲርካ ጸሊ። (1 ተሰ. 5:17) ምስ ሰብ ዘሎና ድልዱል ዕርክነት፡ ኣብቲ ኣዘውቲርና ኻብ ልቢ እንገብሮ ዝርርብ እዩ ዚምርኰስ። ምስ የሆዋ ዘሎና ዕርክነት እውን ካብዚ እተፈልየ ኣይኰነን። ስምዒታትናን ሓሳባትናን ጭንቀታትናን ብጸሎት ኣቢልና ኽንገልጸሉ ኸለና፡ ኣብኡ እምንቶ ከም ዘሎና፡ ከም ዜፍቅረና ድማ ከም እንፈልጥ ኢና እነርኢ። (መዝ. 94:17-19፣ 1 ዮሃ. 5:14, 15) እታ ኣቐዲማ እተጠቕሰት ዩኣ ኸምዚ ትብል፦ “ክጽሊ ኸለኹ፡ መዓልታዊ ንጥፈታተይ ካብ ምግላጽ ንላዕሊ እየ ኽገብር ዝፍትን። ልበይ ናብ የሆዋ ኸፊተ ናይ ሓቂ ስምዒተይ አፍልጦ እየ። በብቝሩብ ንየሆዋ ኸም ናይ ሓደ ትካል ኣካያዲ ስራሕ ዘይኰነስ፡ ንደቁ ብሓቂ ኸም ዜፍቅሮም ኣቦ ገይረ ኽርእዮ ኽኢለ እየ።”—“ ኣንቢብካያዶ፧” ዘርእስታ ሳጹን ርአ።

15. ከመይ ገይሩ እዩ የሆዋ ብሕታዊ ተገዳስነት ዜርእየና፧

15 ምስ እሙናት ፈተውቲ ሕበር፣ ንሳቶም ካብ የሆዋ እተዋህቡኻ ውህበት እዮም። (ያእ. 1:17) እቲ ሰማያዊ ኣቦና ‘ዅሉ ግዜ ዜፍቅሩ’ መንፈሳውያን ስድራ ቤትና ዝዀኑ ኣሕዋትን ኣሓትን ብምሃብ፡ ብሕታዊ ተገዳስነት የርእየና እዩ። (ምሳ. 17:17) ጳውሎስ ናብ ሰብ ቈሎሴ ኣብ ዝጸሓፋ መልእኽቲ፡ ንዕኡ ብዛዕባ ዝደገፍዎ ክርስትያናት ጠቒሱ ኣሎ፣ “ምንጪ ዓብዪ ምጽንናዕ” ኢሉ እውን ጸዊዕዎም ኣሎ። (ቈሎ. 4:10, 11) ክርስቶስ የሱስ እውን ከይተረፈ፡ ካብ ፈተውቱ፡ ማለት ካብ መላእኽትን ካብ ሰባትን ደገፍ ኣድልይዎ ነይሩ እዩ፣ ነዚ እውን ኣማስዩሉ እዩ።—ሉቃ. 22:28, 43

16. እሙናት ኣዕሩኽ ንየሆዋ ኽንቀርቦ ዚሕግዙና ብኸመይ እዮም፧

16 ካብቶም የሆዋ ዝሃበካ እሙናት ኣዕሩኽ ምሉእ ብምሉእ ትጥቀምዶ ኣለኻ፧ ዜተሓሳስበካ ነገር ንብሱል ፈታዊኻ ምክፋል፡ ድኽመት ኣይኰነን። የግዳስ፡ ዕቝባ ኪዀነካ ይኽእል እዩ። እቲ ኣቐዲሙ እተጠቕሰ ጄምስ እንታይ ከም ዝበለ እሞ ርአ፦ “ምስ ብሱላት ክርስትያናት ዘሎኒ ጽቡቕ ዕርክነት ኣዝዩ ብዙሕ እዩ ሓጊዙኒ። ብኣሉታዊ ሓሳባት ክውሓጥ ከለኹ፡ እቶም ክቡራት ኣዕሩኸይ ብትዕግስቲ ሰሚዖምኒ፡ ከም ዚፈትዉኒ ድማ ኣዘኻኺሮምኒ እዮም። ብኣታቶም ኣቢለ ኸኣ የሆዋ ኸም ዜፍቅረንን ከም ዚሓልየለይን ከስተውዕል ክኢለ እየ።” እምበኣር፡ ምስ መንፈሳውያን ኣሕዋትናን ኣሓትናን ናይ ቀረባ ዕርክነት ከነማዕብልን ክንዕቅብን ኣሎና!

ኣብ ፍቕሪ የሆዋ ጽናዕ

17-18. ንመን ኢና ኽንሰምዖ ዘሎና፧ ስለምንታይከ፧

17 ሰይጣን ኣብቲ ቕኑዕ ንምግባር ዘሎና ቓልሲ ኽንሕለል እዩ ዚደልየና። የሆዋ ኸም ዘየፍቅረናን ንድሕነት እንበቅዕ ከም ዘይኰንናን ክንኣምን እዩ ዚደልየና። ከም ዝረኣናዮ ግና፡ እዚ ኻብ ሓቂ ዝረሓቐ እዩ።

18 የሆዋ የፍቅረካ እዩ። ኣብ ቅድሚ ኣዒንቱ፡ ክቡር ኢኻ። እንተ ተኣዚዝካዮ፡ ከምቲ የሱስ ዝገበሮ፡ ‘ኣብ ፍቕሩ ኽትጸንዕ ኢኻ።’ (ዮሃ. 15:10) ስለዚ፡ ንሰይጣን ወይ ነቲ ዚዅንነካ ልብኻ ኣይትስምዓዮ። የግዳስ፡ ነቲ ኣብ ነፍሲ ወከፍና ጽቡቕ ዚርኢ የሆዋ ስምዓዮ። ንሱ ‘ብህዝቡ ባህ ከም ዚብሎ፡’ እንተላይ ብኣኻ እውን ባህ ከም ዚብሎ እመን!

መዝሙር 141 ተኣምር ህይወት

^ ሕ.ጽ. 5 ገሊኦም ኣሕዋትናን ኣሓትናን የሆዋ ኸም ዜፍቅሮም ምእማን የሸግሮም እዩ። ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ የሆዋ ብደረጃ ውልቀ ሰብ ከም ዜፍቅረና ርግጸኛታት ክንኰነሉ እንኽእል ምኽንያታት ክንርኢ ኢና። ነቲ ብዛዕባ ፍቕሩ ዚልዓል ጥርጣረ ብኸመይ ከነወግዶ ኸም እንኽእል እውን ክንምርምር ኢና።

^ ሕ.ጽ. 2 ገሊኡ ስማት ተቐዪሩ እዩ።

^ ሕ.ጽ. 67 መግለጺ ስእሊ፦ ጳውሎስ ኣቐዲሙ ንብዙሓት ክርስትያናት ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኣእትዩ እዩ። ነቲ የሱስ ዝገበረሉ ምስ ተቐበሎ፡ ለውጢ ገይሩን ንክርስትያናት ኣሕዋቱ ኣተባቢዑን እዩ፣ ገለ ኻባታቶም ከኣ ቤተ ሰብ እቶም ዝሰጐጎም ነይሮም ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም።