ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ዓንቀጽ መጽናዕቲ 20

ብዛዕባ ኣገልግሎትካ ኣወንታዊ ኣረኣእያ ሓዝ

ብዛዕባ ኣገልግሎትካ ኣወንታዊ ኣረኣእያ ሓዝ

“ዘርእኻ . . . ዝራእ፡ . . . ኢድካ ኣይተዕርፍ።”—መክ. 11:6

መዝሙር 70 ዚግብኦ ዘበለ ድለዩ

መላለዪ *

የሱስ ናብ ሰማይ ምስ ዓረገ፡ ደቀ መዛሙርቱ ኣብ የሩሳሌምን ኣብ ካልእ ቦታታትን ብቕንኣት ይሰብኩ (ሕጡብ ጽሑፍ 1 ርአ)

1. የሱስ ንሰዓብቱ እንታይ ኣብነት እዩ ሓዲጉሎም፧ ንሳቶምከ እንታይ እዮም ገይሮም፧ (ኣብ ገበር ዘላ ስእሊ ርአ።)

የሱስ ኣብ ብምሉኡ ምድራዊ ኣገልግሎቱ፡ ኣወንታዊ ኣረኣእያ እዩ ሒዙ ነይሩ፣ ንሰዓብቱ ድማ ብዛዕባ ኣገልግሎቶም ኣወንታዊ ኣረኣእያ ኺሕዙ ይደልዮም እዩ። (ዮሃ. 4:35, 36) የሱስ ምስ ደቀ መዛሙርቱ ኣብ ዝነበረሉ ግዜ፡ ንሳቶም ብዛዕባ ዕዮ ስብከት ውዕዉዕ መንፈስ እዩ ነይርዎም። (ሉቃ. 10:1, 5-11, 17) ምስ ተኣስረን ምስ ሞተን ግና፡ ንምስባኽ ዝነበሮም ድሌት ኣጥፊኦም ነይሮም እዮም። (ዮሃ. 16:32) ስለዚ፡ የሱስ ድሕሪ ትንሳኤኡ ኣብ ስብከት ኬተኵሩ ተማሕጺንዎም እዩ። ናብ ሰማይ ድሕሪ ምዕራጉ ኸኣ፡ ብብርቱዕ ቅንኣት ስለ ዝሰበኹ፡ ጸላእቶም እኳ፡ “እንሆ ግና፡ ንየሩሳሌም ብትምህርትኹም መሊእኩምዋ” ኢሎም ኣማሪሮም እዮም።—ግብ. 5:28

2. የሆዋ ንዕዮ ስብከት ዝባረኾ ብኸመይ እዩ፧

2 የሱስ ነቲ እቶም ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ክርስትያናት ዚገብርዎ ዝነበሩ ዕዮ ይመርሖ ነይሩ እዩ፣ የሆዋ ስለ ዝባረኾም ድማ፡ ዕቤት ረኺቦም እዮም። ንኣብነት፡ ብጰንጠቈስጠ 33 ድ.ክ. ኣስታት 3,000 ተጠሚቖም እዮም። (ግብ. 2:41) ድሕሪኡ እውን፡ ቍጽሪ ደቀ መዛሙርቲ ኣጸቢቑ እናበዝሐ እዩ ኸይዱ። (ግብ. 6:7) ይኹን እምበር፡ ኣብተን ዳሕሮት መዓልትታት ዕዮ ስብከት ብዝያዳ ኸም ዚሰፍሕ የሱስ ተነብዩ ነይሩ እዩ።—ዮሃ. 14:12፣ ግብ. 1:8

3-4. ዕዮ ስብከት ንገሊኦም ከቢድ ዚዀኖም ስለምንታይ እዩ፧ ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣኸ እንታይ ክንምርምር ኢና፧

3 ኵላትና ብዛዕባ ኣገልግሎትና ኣወንታዊ ኣረኣእያ ኽንሕዝ ንጽዕር ኢና። ኣብ ገሊኡ ሃገራት ከምኡ ምግባር ቀሊል እዩ። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ፡ ኣዝዮም ብዙሓት ሰባት መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኪገብሩ ስለ ዚደልዩ፡ ገሊኣቶም ዜጽንዖም ክሳዕ ዚረኽቡ ይጽበዩ እዮም። ኣብ ገሊኡ ክፋላት ምድሪ ግና ዕዮ ስብከት ንኣስፋሕቲ ይኸብዶም እዩ፣ ሰባት ኣብ ኣባይቶም ብዙሕ ኣይርከቡን እዮም፣ እቶም ኣብ ኣባይቶም ዚርከቡ ኸኣ ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ብዙሕ ተገዳስነት የብሎምን።

4 ዕዮ ስብከት ከቢድ ኣብ ዝዀነሉ ኸባቢ ትነብር እንተ ዄንካ፡ ኣብዛ ዓንቀጽ ዘሎ ሓሳባት ኪሕግዘካ ይኽእል እዩ። ገሊኦም ኣብ ኣገልግሎት ሰባት ንምርካብ እንታይ ከም ዝገበሩ ኽንርኢ ኢና። ሰባት ንመልእኽትና ዚህብዎ ምላሽ ብዘየገድስ፡ ስለምንታይ ኣወንታዊ ኣረኣእያ ኽንሕዝ ከም እንኽእል እውን ክንምርምር ኢና።

ሰባት ብቐሊሉ ዘይርከቡ እኳ እንተ ዀኑ፡ ኣወንታዊ ኣረኣእያ ሓዝ

5. ብዙሓት ናይ የሆዋ መሰኻኽር እንታይ ብድሆታት እዩ ዜጋጥሞም፧

5 ብዙሓት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንሰባት ኣብ ኣባይቶም ንምርካብ ይጽገሙ ኣለዉ። ገሊኦም ኣስፋሕቲ፡ ልዑል ሓለዋ ዚግበረሉ ህንጻታት ወይ እተሓጽረ ማሕበረ ሰባት ኣብ ዘለዎ ኸባቢ እዮም ዚነብሩ። ኣብቲ ቦታታት እቲ ኸኣ፡ ብዘይ ፍቓድ ነባሪ ምእታው ዚኽልክሉ ሓለውቲ ኺህልዉ ይኽእሉ እዮም። ገሊኦም ኣስፋሕቲ ብዘይ ገለ ዕንቅፋት ኣብ በቤት እናኸዱ ኼገልግሉ ይኽእሉ እዮም፣ መብዛሕትኡ እቲ ኣባይቲ ግና ጥራዩ እዩ ዚጸንሖም። ገሊኦም ኣስፋሕቲ ኸኣ፡ ብዙሓት ሰባት ኣብ ዘይነብሩሉ ገጠር ወይ ኣብ ግሉል ቦታታት እዮም ዚሰብኩ። እቶም ኣስፋሕቲ ንሓደ ብዓል ቤት ንምርካብ ነዊሕ ርሕቀት ይሽፍኑ እዮም፣ እቲ ሰብ እቲ ኸኣ ኣብ ቤቱ ኸይጸንሕ ይኽእል እዩ። ከምዚ ዝኣመሰለ ብድሆታት እንተ ኣጋጢሙና፡ ክንሕለል የብልናን። እሞ ደኣ ነዚ ዕንቅፋታት እዚ ሰጊርና ኣብ ኣገልግሎትና ፍረ ንምርካብ እንታይ ክንገብር ንኽእል፧

6. ሰበኽቲ ኸም ገፈፍቲ ዓሳ ዝዀኑ ብኸመይ እዮም፧

6 የሱስ ንዕዮ ስብከት ምስ ምግፋፍ ዓሳ እዩ ኣመሳሲልዎ። (ማር. 1:17) ገሊኦም ገፈፍቲ ዓሳ፡ ዋላ ሓንቲ ኸይሓዙ መዓልትታት ይገብሩ እዮም። ኰይኑ ግና፡ በዚ ኣይሕለሉን እዮም። የግዳስ፡ ለውጥታት እዮም ዚገብሩ። ነቲ ዓሳ ዚገፍፉሉ ሰዓት፡ ቦታ፡ ወይ ሜላ ይልውጡ እዮም። ንሕና እውን ኣብ ኣገልግሎትና፡ ተመሳሳሊ ለውጥታት ክንገብር ንኽእል ኢና። ነዚ ዚስዕብ ሓሳባት እስከ ንርአ።

ሰባት ኣብ ኣባይቶም ኣብ ዘይርከቡሉ ኸባቢ ኽትሰብኽ ከለኻ፡ ሰዓት፡ ቦታ፡ ወይ መገዲ ለውጥ (ሕጡብ ጽሑፍ 7-10 ርአ) *

7. ኣብ እተፈላለየ ሰዓታት እንተ ሰቢኽና እንታይ ፍረ ኢና ኽንረክብ እንኽእል፧

7 ሰዓት ለውጥ። መብዛሕትኡ ግዜ ኣብቲ ሰባት ኣብ ኣባይቶም ዚርከቡሉ ሰዓታት እንተ ሰቢኽና፡ ምስ ብዙሓት ክንራኸብ ንኽእል ኢና። መሸም ናብ ቤቱ ኸይተመልሰ ዚነብር ሰብ የልቦን። ብዙሓት ኣሕዋትን ኣሓትን ኣብ ድሕሪ ቐትሪ ወይ ኣብ ኣጋ ምሸት ብዙሓት ሰባት ስለ ዚረኽቡ፡ ኣብቲ ሰዓታት እቲ ምስባኽ ጽቡቕ ኰይኑ ረኺቦምዎ እዮም። ብተወሳኺ እውን፡ እቶም ሰብ ቤት ኣብቲ ሰዓታት እቲ ህድእ ስለ ዚብሉ፡ ንዝርርብ ድሉዋት ኰይኖም ኪጸንሑ ይኽእሉ እዮም። ወይ ከኣ ነቲ ዴቪድ ዝስሙ ሽማግለ ዝሃቦ ሓሳብ ክትፍትኖ ትኽእል ኢኻ። ንሱ ምስ ብጻዩ ኣብ ሓደ ኽሊ ኼገልግሉ ድሕሪ ምጽናሖም፡ ተመሊሶም ንኣባይቲ እቶም ኣብ መጀመርታ ዘይረኸብዎም ሰባት ኪዅሕኵሑ ጀመሩ። ብዛዕባ እቲ ዘጋጠሞም ኪገልጽ ከሎ፡ “ካልኣይ ሳዕ ምስ ከድና፡ ክንደይ ዚኣኽሉ ሰባት ኣብ ኣባይቶም ከም ዝረኸብና ገሪሙኒ እዩ” ይብል። *

ሰባት ኣብ ኣባይቶም ኣብ ዘይርከቡሉ ኸባቢ ኽትሰብኽ ከለኻ፡ ሰዓት ለውጥ (ሕጡብ ጽሑፍ 7-8 ርአ)

8. ከመይ ጌርና ኢና ንመክብብ 11:6 ኣብ ኣገልግሎትና እንትግብራ፧

8 ክንሕለል የብልናን። እታ ቕዱስ ጽሑፋዊ ፍረ ነገር እዛ ዓንቀጽ፡ እንታይ ዓይነት ኣረኣእያ ኺህልወና ኸም ዚግባእ ተዘኻኽረና እያ። (መክብብ 11:6 ኣንብብ።) እቲ ኣቐዲሙ እተጠቕሰ ዴቪድ ኣይተሓለለን። ንኣብነት፡ ኣብ ሓንቲ ቤት፡ ድሕሪ ብዙሕ ምምልላስ ነቲ ኣብኣ ዚነብር ሰብኣይ ረኸቦ። እቲ ሰብኣይ ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ንምምይያጥ ፍቓደኛ እዩ ነይሩ፣ ንዴቪድ ድማ፡ “ኣብዚ ንሸሞንተ ዓመት ዚኣክል ተቐሚጠ እየ፣ ምስ ናይ የሆዋ ምስክር ግና ኣብ ገዛይ ተራኺበ ኣይፈልጥን እየ” በሎ። ዴቪድ ከኣ፡ “ዝገበርካ ጌርካ ንሰባት ኣብ ቤቶም ምስ እትረኽቦም፡ መብዛሕትኡ ግዜ ንእንሰብኮ መልእኽቲ ይቕበልዎ እዮም” ኢሉ ትዕዝብቱ ገሊጹ ኣሎ።

ሰባት ኣብ ኣባይቶም ኣብ ዘይርከቡሉ ኸባቢ ኽትሰብኽ ከለኻ፡ ቦታ ለውጥ (ሕጡብ ጽሑፍ 9 ርአ)

9. ገሊኦም ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነቶም ንምርካብ ዜጸግሙ ሰባት ብኸመይ እዮም ረኺቦምዎም፧

9 ቦታ ለውጥ። ገሊኦም ኣስፋሕቲ፡ ኣብ ቤቶም ዘይርከቡ ሰባት ንምርካብ፡ ዚሰብኩሉ ቦታ ቐያዪሮም እዮም። ንኣብነት፡ ኣብ በቤት ኬድካ ኽትምስክር ኣብ ዘይከኣለሉ ዓበይቲ ህንጻታት ንዚነብሩ ሰባት ንምርካብ፡ ምስክርነት መገድን ዓረብያ ጽሑፋትን ውጽኢታዊ ምዃኑ ተራእዩ እዩ። በዚ ኸምዚ፡ እቶም ናይ የሆዋ መሰኻኽር ምስቶም ኣብ ቤቶም ዘይርከቡ ሰባት ገጽ ንገጽ ኪራኸቡ ኽኢሎም እዮም። ብተወሳኺ ድማ፡ ሰባት ኣብ ህዝባዊ መናፈሻታትን ኣብ ዕዳጋታትን ኣብ ንግዳዊ ቦታታትን ንምዝርራብ ኰነ ጽሑፋት ንምውሳድ ብዝያዳ ፍቓደኛታት ከም ዚዀኑ ተራእዩ እዩ። ኣብ ቦሊቭያ ሓላው ወረዳ ዀይኑ ዜገልግል ፍሎራን፡ “ነቶም ሸቃጦ ሰራሕ ኣብ ዘይጽዕቀሉ ኻብ ሰዓት ሓደ ኽሳዕ ሰዓት ሰለስተ ናይ ቀትሪ ኣብ ዘሎ ግዜ፡ ናብ ዕዳጋታትን ቦታታት ንግድን ንኸይድ ኢና። መብዛሕትኡ ግዜ ጽቡቕ ዝርርባት ንገብር ኢና፡ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ እውን ነጀምር ኢና” ይብል።

ሰባት ኣብ ኣባይቶም ኣብ ዘይርከቡሉ ኸባቢ ኽትሰብኽ ከለኻ፡ መገዲ ለውጥ (ሕጡብ ጽሑፍ 10 ርአ)

10. ንሰባት ንምርካብ እንታይ ሜላታት ክትጥቀም ትኽእል፧

10 መገዲ ለውጥ። ንሓደ ሰብ ብኣካል ክትረኽቦ ብተደጋጋሚ ፈቲንካ ንበል። ኣብ እተፈላለየ ሰዓታት ፈቲንካ፡ ኣብ ቤቱ ኽትረኽቦ ኣይከኣልካን። እሞኸ ነዚ ሰብ እዚ ብኻልእ መገዲ ኽትረኽቦ ምኸኣልካዶ፧ ካታሪና፡ “ነቶም ኣብ ቤቶም ዘይረኸብክዎም ሰባት፡ ነቲ ብኣካል ዝነግሮም ነገራት ጠቒሰ ደብዳበታት እጽሕፈሎም እየ” ትብል። ካብ ተመክሮኣ እንታይ ንምሃር፧ ኣገልግሎትካ ኽትፍጽም ከለኻ፡ ንዅሉ እቲ ኣብ ክልኻ ዚርከብ ሰብ እንተ በዚ እንተ በቲ ኽትረክብ ጽዓር።

ሰባት ዘይግዱሳት እኳ እንተ ዀኑ፡ ኣወንታዊ ኣረኣእያ ሓዝ

11. ገሊኦም ሰባት ብመልእኽትና ዘይግደሱ ስለምንታይ እዮም፧

11 ገሊኦም ሰባት ብመልእኽትና ኣይግደሱን እዮም። ብዛዕባ ኣምላኽ ወይ ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ኪፈልጡ ዜድልዮም ኰይኑ ኣይስምዖምን እዩ። ኣብዛ ዓለም ብዙሕ መከራ ስለ ዚርእዩ፡ ብኣምላኽ ኣይኣምኑን እዮም። ንግብዝና እቶም ብመጽሓፍ ቅዱስ ከም ዚምርሑ ዚዛረቡ መራሕቲ ሃይማኖት ስለ ዚርእዩ ኸኣ፡ ንመጽሓፍ ቅዱስ ኣይቅበልዎን እዮም። ገሊኦም ከኣ ብስራሖም፡ ብስድራ ቤቶም፡ ወይ ብብሕታዊ ጸገማቶም ስለ ዚዋጠሩ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ኪሕግዞም ከም ዚኽእል ኣይረኣዮምን እዩ። እሞ ደኣ እቶም እንሰብከሎም ሰባት ብመልእኽትና ዘይግደሱ ምስ ዚዀኑ፡ ከመይ ጌርና ኢና ሓጐስና ኽንዕቅብ እንኽእል፧

12. ነቲ ኣብ ፊልጲ 2:4 ዚርከብ ቃላት ምስ እንትግብሮ፡ እዚ ኣብ ኣገልግሎት ብኸመይ ኪሕግዘና ይኽእል፧

12 ብሕታዊ ተገዳስነት ኣርኢ። ኣብ ፈለማ ዘይግዱሳት ዝነበሩ ብዙሓት ሰባት፡ ብሓቂ ዚግደሰሎም ኣስፋሒ ምስ ኣጋጠሞም፡ ነቲ ብስራት ኪሰምዑ ፍቓደኛታት ኰይኖም እዮም። (ፊልጲ 2:4 ኣንብብ።) ንኣብነት፡ እቲ ኣቐዲሙ እተጠቕሰ ዴቪድ፡ “ሓደ ሰብ ተገዳስነት ከም ዘይብሉ እንተ ገሊጹልና፡ ንመጽሓፍ ቅዱስና ወይ ንጽሑፋትና ሓዲግና፡ ‘ስለምንታይ ከምኡ ኸም እተሰምዓካ ኽፈልጥ ምደለኹ’ ንብሎ ኢና” ይብል። ሰባት ሓልዮት ኬለልዩ ይኽእሉ እዮም። ብልክዕ እንታይ ከም እተባህለ ይርስዑ ይዀኑ፣ እንታይ ስምዒት ከም ዝፈጠርናሎም ግና ይዝክሩ እዮም። ዋላ እኳ ኽንዛረቦም እንተ ዘይፈቐዱልና፡ ብኣረኣእያናን ኣብ ገጽና ብዚንበብ መግለጽን ከም እንሓልየሎም ከነርኢ ንኽእል ኢና።

13. መልእኽትና ምስቲ ንነፍሲ ወከፍ ሰብ ዜድልዮ ነገር ከነተኣሳስሮ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

13 መልእኽትና ምስቲ ንሰባት ዜድልዮምን ዜገድሶምን ነገራት ብምትእስሳር፡ ብሕታዊ ተገዳስነት ከነርኢ ንኽእል ኢና። ንኣብነት፡ ኣብ ገዛ ቘልዑ ኸም ዘለዉ ዚሕብር ነገራት ኣሎዶ፧ ወለዲ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ኣተዓባብያ ቘልዑ እንታይ ምኽሪ ኸም ዚህብ ወይ ብዛዕባ ሕጉስ ናብራ ስድራ ቤት እንታይ ግብራዊ ሓሳባት ከም ዚህብ የገድሶም ይኸውን። ኣብ ማዕጾኦም ብዙሕ መሸጐሪ ኣሎዶ፧ ከምኡ እንተ ዀይኑ፡ ብዛዕባ እቲ ኣብ ዓለም በዚሑ ዘሎ ገበንን ፍርህን ከነዛርቦም ንኽእል ኢና። ድሕሪኡ፡ ንገበን እንታይ ነባሪ ፍታሕ ከም ዘለዎ ኺፈልጡ ይደልዩ ይዀኑ። እንተ በዚ እንተ በቲ፡ ነቶም ዚሰምዑና ሰባት፡ ምኽሪ መጽሓፍ ቅዱስ ብኸመይ ኪሕግዞም ከም ዚኽእል ነረድኣዮም። እታ ኣቐዲማ እተጠቕሰት ካታሪና፡ “ሓቂ ንህይወተይ ብኸመይ ከም ዘመሓየሸቶ እዝክር እየ” ትብል። ከምኡ ስለ እትገብር ከኣ፡ ንእትብሎ ኸም እትኣምነሉ ብዜርኢ መገዲ እያ እትዛረብ፣ እቶም እትዛረቦም ሰባት እውን ነዚ ኸም ዜስተብህሉሉ ኣየጠራጥርን እዩ።

14. ብመሰረት ምሳሌ 27:17፡ መገላግልቲ ብኸመይ ኪተሓጋገዙ ይኽእሉ፧

14 ካብ ሓገዝ ካልኦት ተጠቐም። ኣብ ቀዳማይ ዘመን፡ ጳውሎስ ነቲ ዚሰብከሉን ዚምህረሉን ዝነበረ ሜላታት ንጢሞቴዎስ ኣካፊልዎ እዩ፣ በዚ ሜላታት እዚ ገይሩ ንኻልኦት ኪሕግዝ እውን ኣተባቢዕዎ እዩ። (1 ቈረ. 4:17) ንሕና እውን ከም ጢሞቴዎስ፡ ካብቶም ኣብ ጉባኤና ዘለዉ ምኩራት ክንጥቀም ንኽእል ኢና። (ምሳሌ 27:17 ኣንብብ።) ሾን ዝስሙ ሓው እስከ ኸም ኣብነት ንርአ። ሾን ንእተወሰነ ግዜ ኣብ ገጠር ፈላሚ ዀይኑ ኣገልጊሉ እዩ፣ ኣብኡ ዚነብሩ መብዛሕትኦም ሰባት ከኣ ብሃይማኖቶም ዕጉባት እዮም። እሞ ደኣ ብኸመይ ሓጐሱ ዓቂቡ፧ ብዛዕባ እዚ ኸምዚ ኢሉ ይገልጽ፦ “ብእተኻእለ መጠን፡ ምስ ካልኣየይ ኰይነ እየ ዘገልግል ነይረ። ኣብቲ ኻብ ሓደ ቤት ናብ ካልእ ቤት ንምኻድ እነሕልፎ ግዜ፡ ናይ ምምሃር ክእለትና ንምምሕያሽ ንሓድሕድና ንተሓጋገዝ ኔርና ኢና። ንኣብነት፡ ብዛዕባ እቲ ዘጋጠመና ንዛራረብ ኔርና ኢና። ድሕሪኡ፡ ተመሳሳሊ ዅነታት እንተ ኣጋጢሙና፡ ብኸመይ እተፈልየ ምላሽ ክንህብ ከም እንኽእል ንመያየጥ ኔርና ኢና።”

15. ጸሎት ንኣገልግሎትና ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

15 ሓገዝ ንምርካብ ናብ የሆዋ ጸሊ። ኣብ ኣገልግሎት ክትሳተፍ ከለኻ፡ ኵሉ ሳዕ ካብ የሆዋ መምርሒ ድለ። ብዘይ ሓገዝ እቲ ሓያል መንፈስ ቅዱሱ፡ ዋላ ሓንቲ ኽንዓምም ኣይምኸኣልናን። (መዝ. 127:1፣ ሉቃ. 11:13) ብጸሎት ካብ የሆዋ ሓገዝ ክትልምን ከለኻ፡ ሓሳብካ ብዝርዝር ግለጽ። ንኣብነት፡ ቅኑዕ ናብ ዝልቡን ኪሰምዕ ድሉው ናብ ዝዀነን ሰብ ኪመርሓካ ንየሆዋ ለምኖ። ድሕሪኡ፡ ንእትረኽቦም ዘበሉ ሰባት ክትሰብከሎም ብምጽዓር፡ ምስ ጸሎትካ ተሰማሚዕካ ዕየ።

16. ብሕታዊ መጽናዕቲ ንኣገልግሎትና ኣድላዪ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

16 ንብሕታዊ መጽናዕቲ ግዜ ይሃሉኻ። ቃል ኣምላኽ፡ “እቲ ሰናይን ቅቡልን ፍጹምን ፍቓድ ኣምላኽ እንታይ ምዃኑ መርሚርኩም ክትፈልጡ” ኢሉ የተባብዓና እዩ። (ሮሜ 12:2) ብዛዕባ ኣምላኽ፡ ሓቂ ኸም እንፈልጥ ብዝያዳ ብዝኣመንና መጠን፡ ኣብ ኣገልግሎት ንሰባት ክንዛረቦም ከለና፡ ንዘረባና ኸም እንኣምነሉ ብዝያዳ ነርኢ ኢና። እታ ኣቐዲማ እተጠቕሰት ካታሪና ኸምዚ ትብል፦ “ቅድሚ እተወሰነ ግዜ፡ ብዛዕባ ገሊኡ መሰረታዊ ትምህርትታት መጽሓፍ ቅዱስ ዘሎኒ እምነት ከደልድል ከም ዘሎኒ ተገንዚበ። ስለዚ፡ ፈጣሪ ኸም ዘሎ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ ቓል ኣምላኽ ከም ዝዀነ፡ ኣምላኽ ከኣ ንዕኡ እትውክል ውድብ ከም ዘላቶ ብደቂቕ ኣጽኒዐ።” እዚ ብሕታዊ መጽናዕቲ ኸኣ፡ ንእምነታ ኸም ዘደልደሎን ካብ ኣገልግሎት ንእትረኽቦ ሓጐስ ከም ዝወሰኾን ገሊጻ ኣላ።

ብዛዕባ ኣገልግሎትና ኣወንታዊ ኣረኣእያ ኽንሕዝ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

17. የሱስ ብዛዕባ ኣገልግሎቱ ኣወንታዊ ኣረኣእያ ዝሓዘ ስለምንታይ እዩ፧

17 የሱስ፡ ገሊኦም ሰባት ብመልእኽቱ ዘይግደሱ እኳ እንተ ነበሩ፡ ኣወንታዊ ኣረኣእያ ሒዙን ብቐጻሊ ሰቢኹን እዩ። ስለምንታይ፧ ሰባት ንሓቂ ኺፈልጥዋ ኸም ዜድልዮም ይፈልጥ ነይሩ እዩ፣ ንመልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ኪቕበልዎ እውን ዚከኣሎ ዅሉ ኣጋጣሚታት ኪህቦም ይደሊ ነይሩ እዩ። ገለ ኻብቶም ኣብ ፈለማ ዘይግዱሳት ዝነበሩ ጸኒሖም ከም ዚሰምዑ እውን ይፈልጥ ነይሩ እዩ። ኣብ ስድራ ቤቱ ዘጋጠመ እሞ ሕስብ ነብሎ። ኣብ ብምሉኡ እቲ ሰለስተ ዓመትን መንፈቕን ዝወሰደ ኣገልግሎት የሱስ፡ ዋላ ሓደ ኻብ ኣሕዋቱ፡ ወደ መዝሙሩ ኣይኰነን። (ዮሃ. 7:5) ድሕሪ ትንሳኤኡ ግና፡ ክርስትያናት ኰይኖም እዮም።—ግብ. 1:14

18. ስለምንታይ ኢና ብቐጻሊ እንሰብኽ፧

18 ነቲ እንምህሮ ሓቅታት መጽሓፍ ቅዱስ መን ከም ዚቕበሎ ኣይንፈልጥን ኢና። ገሊኦም ሰባት ንመልእኽትና ንምቕባል፡ ካብ ካልኦት ዝነውሐ ግዜ ይወስደሎም እዩ። እቶም ኪሰምዑና ፍቓደኛታት ዘይኰኑ እውን ከይተረፉ፡ ንሰናይ ኣካይዳናን ንኣወንታዊ ኣረኣእያናን የስተብህሉሉ እዮም፣ ውዒሎም ሓዲሮም እውን ‘ንኣምላኽ የሞግስዎ’ ይዀኑ።—1 ጴጥ. 2:12

19. ብመሰረት 1 ቈረንቶስ 3:6, 7፡ እንታይ ኢና ኽንርስዕ ዘይብልና፧

19 ክንተክልን ማይ ከነስትን ከለና፡ ኣምላኽ ዘለዎ ግደ ኽንርስዖ የብልናን። (1 ቈረንቶስ 3:6, 7 ኣንብብ።) ኣብ ኢትዮጵያ ዜገልግል ጌታሁን ዚብሃል ሓው ከምዚ ይብል፦ “ንልዕሊ 20 ዓመት፡ ኣብቲ ብዙሕ ዘይዕየ ኽሊ ኣነ በይነይ እየ ናይ የሆዋ ምስክር ነይረ። ሕጂ ግና 14 ኣስፋሕቲ ኣለና። 13 ኻባታቶም፡ እንተላይ ሰበይተይን ሰለስተ ደቀይን ጥሙቓት እዮም። ኣብ ኣኼባታት ብገምጋም 32 ሰባት ንእከብ ኣለና።” ሕጂ ጌታሁን፡ የሆዋ ነቶም ቅኑዕ ዚልቦም ሰባት ናብ ውድቡ ኺስሕቦም ብትዕግስቲ እናተጸበየ ብቐጻሊ ምስባኹ የሐጕሶ እዩ።—ዮሃ. 6:44

20. ካብ ሓደጋ ኸም ዜድሕኑ ዓየይቲ ዝዀንና ብኸመይ ኢና፧

20 የሆዋ ንዅሉ ሰብኣዊ ህይወት ኣኽቢሩ እዩ ዚርእዮ። መወዳእታ እዚ ስርዓት ቅድሚ ምምጻኡ፡ ኣብ ጐድኒ ወዱ ዄንና ኻብ ኵሎም ኣህዛብ ናይ ምእካብ ፍሉይ ዕዮ ሂቡና ኣሎ። (ሃጌ 2:7) ዕዮና፡ ህይወት ምስ ናይ ምድሓን ተልእኾ ኺመሳሰል ይኽእል እዩ። ከምቶም ኣብ ሓደ መዐደኒ መውጽኢ ንእተዓጽዎም ዓደንቲ ኼድሕኑ እተላእኩ ሰባት ኢና። ሒደት ዓደንቲ እኳ ብህይወት እንተ ተረኽቡ፡ እቲ ብዅሎም እቶም ካብ ሓደጋ ዜድሕኑ ዓየይቲ ዚዕየ ዕዮ ኣገዳሲ እዩ። ኣብ ኣገልግሎትና እንዓይዮ ዕዮ እውን ካብዚ እተፈልየ ኣይኰነን። ካብዚ ናይ ሰይጣን ስርዓት ክንደይ ከም ዚድሕኑ ኣይንፈልጥን ኢና። የሆዋ ኸኣ ንዓታቶም ንምድሓን ንሓዴና ኺጥቀም ይኽእል እዩ። ኣብ ቦሊቭያ ዚነብር ኣንድሪያስ፡ “ሓቅታት መጽሓፍ ቅዱስ ተማሂሩ ዚጥመቕ ነፍሲ ወከፍ ሰብ፡ ፍረ ሓባራዊ ጻዕሪ ኸም ዝዀነ ገይረ እየ ዝርእዮ” ይብል። ንሕና እውን ንኣገልግሎትና ወትሩ ኣወንታዊ ኣረኣእያ ንሓዝ። ከምኡ እንተ ጌርና፡ የሆዋ ኺባርኸና እዩ፡ ኣገልግሎትና እውን ምንጪ ናይ ሓቂ ሓጐስ ኪዀነልና እዩ።

መዝሙር 66 ብስራት ኣበስሩ

^ ሕ.ጽ. 5 ብዙሓት ኣብ ቤቶም ዘይርከቡ ወይ ብመልእኽትና ዘይግደሱ ኪዀኑ ኸለዉ፡ ከመይ ጌርና ብዛዕባ ኣገልግሎት ኣወንታዊ ኣረኣእያ ኽንሕዝ ንኽእል፧ እዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ኣወንታዊ ኣመለኻኽታ ኽንሕዝ ዚሕግዝ ሓሳባት ተቕርብ።

^ ሕ.ጽ. 7 ኣስፋሕቲ ነቲ ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ ተጠቒሱ ዘሎ በበይኑ ዓይነት ኣገልግሎት፡ ምስቲ ኣብ ዓዶም ዚስራሓሉ ሕግታት ምሕላው ሓበሬታ ተሳንዮም ኪዓይዩሉ ኣለዎም።

^ ሕ.ጽ. 60 መግለጺ ስእሊ (ካብ ላዕሊ ናብ ታሕቲ)፦ ሰብኣይን ሰበይትን፡ ሰባት ኣብ ኣባይቶም ኣብ ዘይርከቡሉ ኽሊ የገልግሉ። እቲ ቐዳማይ ብዓል ቤት ኣብ ስራሑ እዩ ዘሎ፡ እታ ኻልአይቲ ኣብ ሕክምና እያ ዘላ፡ እታ ሳልሰይቲ ድማ ኣብ ዕዳጋ እያ ዘላ። ነቲ ቐዳማይ ብዓል ቤት ኣጋ ምሸት ከይዶም ይረኽብዎ። ነታ ኻልአይቲ ኣብቲ ኣብ ጥቓ ክሊኒክ ብግህዶ ዚገብርዎ ምስክርነት ይረኽብዋ። ነታ ሳልሰይቲ ኸኣ ብተሌፎን ይረኽብዋ።