ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ዓንቀጽ መጽናዕቲ 22

ንተምሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ጥሙቓት ደቀ መዛሙርቲ ኪዀኑ ሓግዞም

ንተምሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ጥሙቓት ደቀ መዛሙርቲ ኪዀኑ ሓግዞም

“ነፍሲ ወከፍኩም . . . ይጠመቕ።”—ግብ. 2:38

መዝሙር 72 ሓቂ መንግስቲ ኣምላኽ ነፍልጥ

መላለዪ *

1. ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ብዙሓት ህዝቢ እንታይ ኪገብሩ እዩ ተነጊርዎም፧

ካብ ብዙሓት ሃገራት ዝመጹ፡ በበይኑ ቛንቋታት ድማ ዚዛረቡ ሰብኡትን ኣንስትን ዚርከብዎም ብዙሓት ህዝቢ ተኣከቡ። በታ መዓልቲ እቲኣ፡ ሓደ ዜደንቕ ነገር ኰነ። ተራ ኣይሁድ ብቛንቋ እቶም በጻሕቲ ኺዛረቡ ጀመሩ! እዚ ዜገርም እኳ እንተ ነበረ፡ እቶም ኣይሁድ እቲኦም እተዛረብዎ ዘረባን ሃዋርያ ጴጥሮስ ንዅላቶም እተዛረቦም ዘረባን ግና ብዝያዳ እዩ ኣስደሚምዎም። ብየሱስ ክርስቶስ እንተ ኣሚኖም ከም ዚድሕኑ እዮም ነጊሮምዎም። እቲ መልእኽቲ ነቶም ህዝቢ ዓብዪ ጽልዋ ኣሕደረሎም። ልቦም ስለ እተተንከየ ኸኣ፡ “እንታይ ንግበር፧” ኢሎም ሓተቱ። ጴጥሮስ ድማ፡ “ነፍሲ ወከፍኩም . . . ይጠመቕ” ኢሉ መለሰሎም።—ግብ. 2:37, 38

ሓደ ሓው ምስ ሰበይቱ ዀይኑ ንሓደ መንእሰይ በታ ንዘለኣለም ብህይወት ንበር! ዘርእስታ መጽሓፍ ገይሩ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ይመርሓሉ (ሕጡብ ጽሑፍ 2 ርአ)

2. ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ እንታይ ክንምርምር ኢና፧ (ኣብ ገበር ዘላ ስእሊ ርአ።)

2 ድሕርዚ፡ ፍልይ ዝበለ ነገር እዩ ዀይኑ። በታ መዓልቲ እቲኣ፡ ኣስታት 3,000 ሰባት ተጠምቁ፡ ደቀ መዛሙርቲ ክርስቶስ እውን ኰኑ። እዚ ኸኣ መፈለምታ እቲ የሱስ ንሰዓብቱ ዝሃቦም ደቀ መዛሙርቲ ናይ ምግባር ዓብዪ ዕዮ እዩ ነይሩ። እቲ ዕዮ እቲ ኽሳዕ መበል 21 ዘመን ቀጺሉ ኣሎ። ኣብዚ ግዜና፡ ኣብ ሒደት ሰዓታት ናብ ጥምቀት ከነብጽሕ ኣይንኽእልን ኢና። ሓደ ተምሃራይ ናብዚ ሸቶ እዚ ኺበጽሕ፡ ኣዋርሕ፡ ዓመት፡ ወይ ካብኡ ንላዕሊ የድልዮ ይኸውን። ንሓደ ሰብ መጽሓፍ ቅዱስ ተጽንዖ እንተ ኣሊኻ፡ ደቀ መዛሙርቲ ናይ ምግባር ዕዮ ጻዕሪ ኸም ዚሓትት ኣጸቢቕካ ትፈልጦ ኢኻ። ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ንተምሃራይ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ጥሙቕ ወደ መዝሙር ኪኸውን ንምሕጋዝ እንታይ ክትገብር ከም እትኽእል ክንምርምር ኢና።

ንተምሃራይካ፡ ነቲ እተማህሮ ኺትግብሮ ሓግዞ

3. ኣብ ማቴዎስ 28:19, 20 ተሓቢሩ ኸም ዘሎ፡ ሓደ ተምሃራይ ናብ ጥምቀት ንምዕባይ እንታይ ኪገብር ኣለዎ፧

3 ሓደ ተምሃራይ መጽሓፍ ቅዱስ ቅድሚ ምጥማቑ፡ ንትምህርትታት መጽሓፍ ቅዱስ ኪትግብሮ ኣለዎ። (ማቴዎስ 28:19, 20 ኣንብብ።) ሓደ ተምሃራይ ነቲ እተማህሮ ዚዓይየሉ እንተ ዀይኑ፡ ከምቲ ኣብታ የሱስ ዝመሰላ ምሳሌ እተጠቕሰ ቤቱ ኣብ ድልዱል ከውሒ ንምህናጽ ኣዕሚቑ ዚዅዕት “ኣስተውዓሊ ሰብኣይ” እዩ ዚኸውን። (ማቴ. 7:24, 25፣ ሉቃ. 6:47, 48) እሞ ደኣ ሓደ ተምሃራይ ነቲ ዚምሃሮ ምእንቲ ኺትግብሮ፡ ብኸመይ ክንሕግዞ ንኽእል፧ ሰለስተ ሓሳባት እስከ ንርአ።

4. ሓደ ተምሃራይ ናብ ጥምቀት ቀጻሊ ዕቤት ምእንቲ ኺገብር፡ ብኸመይ ክንሕግዞ ንኽእል፧ (“ ንተምሃራይካ፡ ሸቶታት ኬውጽእን ንሸቶታቱ ኺወቕዖን ሓግዞ” ዘርእስታ ሳጹን እውን ርአ።)

4 ንተምሃራይካ፡ ሸቶታት ኬውጽእ ሓግዞ። ስለምንታይ ኢኻ ኸምኡ ኽትገብር ዘሎካ፧ ነዛ ምሳሌ እዚኣ እሞ ሕሰበላ፦ ነዊሕ ጕዕዞ ትጕዓዝ እንተ ዄንካ፡ ኣብቲ ኣብ መገድኻ ዚርከብ ጽቡቕ ቦታታት ሓንሳእ ደው ክትብል መሸም ምሓሰብካ። ከምኡ ምስ እትገብር፡ እቲ ጕዕዞ ነዊሕ ኰይኑ ኣይስምዓካን እዩ። ብተመሳሳሊ፡ ሓደ ተምሃራይ መጽሓፍ ቅዱስ ናይ ሓጺር ግዜ ሸቶታት እንተ ኣውጺኡን ነቲ ሸቶታት እንተ ወቒዕዎን፡ ጥምቀት እውን ኪበጽሖ ኸም ዚኽእል ኰይኑ ይስምዖ እዩ። እምበኣር፡ በቲ ኣብታ ንዘለኣለም ብህይወት ንበር! ዘርእስታ መጽሓፍ ዘሎ “ሸቶ” ዚብል ክፋል ጌርካ፡ ንተምሃራይካ ዕቤት ኪገብር ሓግዞ። ሓደ ትምህርቲ ኣጽኒዕኩም መምስ ወዳእኩም፡ እቲ ሸቶ ነቲ እተማህሮ ኺትግብሮ ብኸመይ ከም ዚሕግዞ ተመያየጡሉ። ንተምሃራይካ ኻልእ ሸቶ እንተ ኣልዩካ፡ ኣብቲ “ኻልእ” ዚብል ክፋል ጽሓፍ። በዚ ኽፋል እዚ ጌርካ ምስ ተምሃራይካ ብዛዕባ እቲ ናይ ሓጺር ግዜ ሸቶኡን ናይ ነዊሕ ግዜ ሸቶኡን ኣዘውቲርኩም ተመያየጡ።

5. ኣብ ማርቆስ 10:17-22 ተመዝጊቡ ኸም ዘሎ፡ የሱስ ነቲ ሃብታም እንታይ እዩ ኢልዎ፧ ስለምንታይከ፧

5 ንተምሃራይካ፡ ኣብ ህይወቱ ለውጥታት ኪገብር ሓግዞ። (ማርቆስ 10:17-22 ኣንብብ።) ሃብታም ሰብ፡ ኵሉ ጥሪቱ ኺሸይጥ ከም ዚኸብዶ፡ የሱስ ይፈልጥ ነይሩ እዩ። (ማር. 10:23) ኰይኑ ግና፡ ነቲ ሰብኣይ ኣብ ህይወቱ ዓብዪ ለውጢ ኺገብር ነጊርዎ እዩ። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ፡ ፈትይዎ ነይሩ እዩ። ሓድሓደ ግዜ፡ ተምሃራይና ለውጢ ንምግባር ድሉው ኰይኑ ስለ ዘይስምዓና፡ ነቲ ዚምሃሮ ዘሎ ኺትግብር ካብ ምንጋር ንስከፍ ንኸውን። ሰባት ነቲ ኣረጊት ልማዳቶም ቀንጢጦም ሓድሽ ስብእና ኺለብሱ ግዜ የድልዮም እዩ። (ቈሎ. 3:9, 10) ኰይኑ ግና፡ ብዛዕባ እቲ ጕዳይ ብኣጋኡ ኣግሂድኩም እንተ ተመያይጥኩምሉ፡ እቲ ተምሃራይ ብኣጋኡ ለውጢ ኺገብር ይጅምር እዩ። በቲ ምይይጥ እቲ ኣቢልካ፡ ከም እትሓልየሉ ኸተርኢ ትኽእል ኢኻ።—መዝ. 141:5፣ ምሳ. 27:17

6. ርእይቶ ንምግላጽ ዚዕድም ሕቶታት ክንጥቀም ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

6 ንተምሃራይና፡ ርእይቶኡ ወይ ሓሳባቱ ንምግላጽ ዚዕድም ሕቶ ምሕታት ኣገዳሲ እዩ። ተምሃራይካ እንታይ ይርድኦን እንታይ ይኣምንን ከም ዘሎ ንምፍላጥ፡ ከምዚ ዝኣመሰለ ሕቶ ተጠቐም። ኣዘውቲርካ ኸምኡ ትገብር እንተ ኣሊኻ፡ ኣብ መጻኢ ተኣፋፊ ጕዳያት ንምልዓል ኪቐልለካ እዩ። ንዘለኣለም ብህይወት ንበር! ዘርእስታ መጽሓፍ፡ ርእይቶ ንምግላጽ ዚዕድም ብዙሕ ሕቶታት ኣለዋ። ንኣብነት፡ ኣብ ትምህርቲ 04፡ “የሆዋ ንስሙ ኽትጥቀመሉ ኸለኻ፡ ከመይ ዚስምዖ ይመስለካ፧” እትብል ሕቶ ኣላ። ኣብ ትምህርቲ 09 ኸኣ፡ “ብዛዕባ እንታይ ኢኻ ኽትጽሊ እትደሊ፧” እትብል ሕቶ ኣላ። ኣብ ፈለማ፡ ተምሃራይካ ነዚ ርእይቶ ኺገልጽ ዚዕድም ሕቶታት እንታይ ኢሉ ኸም ዚምልስ ንምሕሳብ ግዜ የድልዮ ይኸውን። ኣብዚ መዳይ እዚ፡ ብጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስን ብስእልታትን ገይሩ ምእንቲ ኺሓስብ፡ ክትሕግዞ ትኽእል ኢኻ።

7. ከመይ ጌርና ኢና ንናይ ሓቂ ተመክሮታት ውጽኢታዊ ብዝዀነ መገዲ ኽንጥቀመሉ እንኽእል፧

7 ተምሃራይካ እንታይ ኪገብር ከም ዘለዎ ምስ ተረድኦ፡ ምትግባሩ ምእንቲ ኪኽእል ብናይ ሓቂ ተመክሮታት ጌርካ ኣተባብዓዮ። ንኣብነት፡ ተምሃራይካ ኣብ ኣኼባታት ጉባኤ ኣዘውቲሩ ዘይእከብ እንተ ዀይኑ፡ ኣብ ትምህርቲ 14 ኣብቲ “ዳህስስ” ዚብል ክፋል እትርከብ፡ የሆዋ ሓልዩለይ ዘርእስታ ቪድዮ ኸተርእዮ ትኽእል ኢኻ። ኣብ ሓያሎ ኻብቲ ኣብታ ንዘለኣለም ብህይወት ንበር! ዘርእስታ መጽሓፍ ዚርከብ ትምህርትታት፡ ኣብቲ “ኣዕሚቝካ ዅዓት” ወይ ኣብቲ “ዳህስስ” ዚብል ክፋል ከምዚ ዓይነት ተመክሮታት ይርከብ እዩ። * ይኹን እምበር፡ “ንሱ እንተ ገይርዎ፡ ንስኻ እውን ክትገብሮ ትኽእል ኢኻ” ብምባል ንተምሃራይካ ኸይተወዳደሮ ተጠንቀቕ። የግዳስ፡ እቲ ተምሃራይ ባዕሉ ናብቲ መደምደምታ እቲ ይብጻሕ። ነቲ ኣብታ ቪድዮ እተጠቕሰ ሰብ ንትምህርትታት መጽሓፍ ቅዱስ ኪትግብር ዝሓገዞ ቐንዲ ነጥብታት ኣጕልሕ። ምናልባት ሓደ ኣገዳሲ ጥቕሲ ወይ ሓደ ግብራዊ ነገር ክትጠቅስ ትኽእል ኢኻ። ብእተኻእለካ መጠን፡ የሆዋ ነቲ ሰብ እቲ ብኸመይ ከም ዝሓገዞ ኣጕልሕ።

8. ንተምሃራይና፡ ንየሆዋ ኼፍቅሮ ኽንሕግዞ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

8 ንተምሃራይካ፡ ንየሆዋ ኼፍቅሮ ሓግዞ። ብኸመይ፧ ናብ ባህርያት የሆዋ ኸም ዜተኵር እትገብረሉ ኣጋጣሚታት ኣናዲ። የሆዋ ንዜፍቅርዎ ዘበሉ ዚድግፍ ሕጉስ ኣምላኽ ከም ዝዀነ፡ ንተምሃራይካ ኣርእዮ። (1 ጢሞ. 1:11፣ እብ. 11:6) ነቲ ዚምሃሮ ምስ ዚትግብሮ ኸም ዚጥቀም ኣርእዮ፣ እዚ ድማ መግለጺ እቲ የሆዋ ንዕኡ ዘለዎ ፍቕሪ ምዃኑ ግለጸሉ። (ኢሳ. 48:17, 18) ተምሃራይካ ንየሆዋ ዘለዎ ፍቕሪ እናዓመቘ ምስ ከደ፡ ዜድሊ ለውጥታት ንምግባር ዝያዳ ድራኸ ይሓድሮ እዩ።—1 ዮሃ. 5:3

ንተምሃራይካ ምስ ክርስትያናት ብጾት ኣላልዮ

9. ብመሰረት ማርቆስ 10:29, 30፡ ሓደ ሰብ ጥሙቕ ወደ መዝሙር ንምዃን ዜኽእል መስዋእትታት ምእንቲ ኺገብር እንታይ ኪሕግዞ ይኽእል፧

9 ሓደ ተምሃራይ መጽሓፍ ቅዱስ ናብ ጥምቀት ንምዕባይ፡ መስዋእትታት ኪገብር ኣለዎ። ከምቲ ኣቐዲሙ እተጠቕሰ ሃብታም ኪገብሮ ዝነበሮ፡ ገሊኦም ተምሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ስጋዊ ነገራት መስዋእቲ ኺገብሩ የድልዮም ይኸውን። ስራሖም ምስ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ዘይቃዶ እንተ ዀይኑ፡ ለውጢ ኺገብሩ የድልዮም ይኸውን። ብዙሓት ከኣ ነቶም ንየሆዋ ዘየፍቅሩ ኣዕሩኾም ኪሓድጉ የድልዮም ይኸውን። ገሊኦም ድማ በቶም ንናይ የሆዋ መሰኻኽር ዘይፈትዉ ቤተ ሰቦም ይስጐጉ ይዀኑ። እዚ መስዋእትታት እዚ ንገሊኦም ሰባት ኪኸብዶም ከም ዚኽእል፡ የሱስ ገሊጹ እዩ። እንተዀነ ግና፡ እቶም ዚስዕብዎ ዘበሉ ብስጕምቶም ከም ዘይሓፍሩ ቓል ኣትዩ እዩ። ፈቃራት መንፈሳውያን ስድራ ቤት ስለ ዚረኽቡ፡ ብዙሕ በረኸት እዮም ዚሓፍሱ። (ማርቆስ 10:29, 30 ኣንብብ።) እሞ ደኣ ተምሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ካብዚ ጽቡቕ ውህበት እዚ ምእንቲ ኺጥቀሙ ብኸመይ ክትሕግዞም ትኽእል፧

10. ካብ ተመክሮ ማንወል እንታይ ትምሃር፧

10 ምስ ተምሃራይካ ዕርክነት ኣማዕብል። ንተምሃራይካ ኸም እትሓልየሉ ኸተርእዮ ኣገዳሲ እዩ። ስለምንታይ፧ ኣብ መክሲኮ ዚነብር ማንወል ዝስሙ ዝሃቦ ሓሳብ እሞ ንርአ። ንሱ ነቲ ተምሃራይ መጽሓፍ ቅዱስ ዝነበረሉ ግዜ ኺዝክር ከሎ፡ “ወትሩ መጽናዕቲ ቐቅድሚ ምግባርና፡ መምህረይ ከመይ ከም ዝቐነኹ ይሓትተኒ ነይሩ እዩ። ፍዅስ ከም ዚብለኒ ይገብር፡ ብዛዕባ ኻልእ ጕዳያት እውን ናይ ልበይ ከም ዝገልጸሉ ይገብር ነይሩ እዩ። ብሓቂ ኸም ዚሓልየለይ ክርኢ እኽእል ነይረ እየ” ይብል።

11. ተምሃራይና ምሳና ግዜ ብምሕላፍ ብኸመይ ኪጥቀም ይኽእል፧

11 ከምቲ የሱስ ምስ ሰዓብቱ ግዜ ዘሕለፈ፡ ንስኻ እውን ምስ ተምሃሮኻ ግዜ ኣሕልፍ። (ዮሃ. 3:22) ግቡእ ኣብ ዚዀነሉ መዳያት፡ ዕቤት ንዚገብር ተምሃራይካ ቡን ኪሰቲ፡ ወይ ምሳሕ ኪምሳሕ፡ ወይ ምሳኻ ወርሓዊ ፈነወ ኺርኢ ናብ ቤትካ ዓድሞ። ምናዳ ኣብቲ በይኑ ዚዀነሉ እዋን በዓላት፡ ከምዚ ዝበለ ዕድመ ምስ ዚቐርበሉ፡ ብዝያዳ ኼማስወሉ ይኽእል ይኸውን። ኣብ ኡጋንዳ ዚነብር ካዚብወ፡ “በቲ ምስ መምህረይ ዘሕልፎ ግዜ ኣቢለ ብዛዕባ የሆዋ ማዕረ እቲ ብመጽናዕቲ ዝረኽቦ ትምህርቲ እተምሃርኩ ይመስለኒ። የሆዋ ንህዝቡ ኽሳዕ ክንደይ ከም ዚሓልየሎምን ህዝቡ ኽሳዕ ክንደይ ሕጉሳት ምዃኖምን ርእየ እየ። ነዚ ድማ እየ ኣብ ህይወተይ ዝደሊ ነይረ” ይብል።

ናብ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ እተፈላለዩ ኣስፋሕቲ ትማላእ እንተ ዄንካ፡ እቲ ተምሃራይ ኣብ ኣኼባታት ንምእካብ ይቐልሎ እዩ (ሕጡብ ጽሑፍ 12 ርአ) *

12. ናብ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ እተፈላለዩ ኣስፋሕቲ ኽንወስድ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

12 እተፈላለዩ ኣስፋሕቲ ናብቲ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዓድም። ሓድሓደ ግዜ፡ በይንና ምኻድ ወይ ወትሩ ሓደ ኣስፋሒ ሒዝና ምኻድ ይቐልለና እዩ። ከምኡ ምግባር ዝቐለለ እኳ እንተ ዀነ፡ ተምሃራይና ግና እተፈላለዩ ኣስፋሕቲ እንተ ኣምጺእናሉ እዩ ዚጥቀም። ኣብ ሞልዶቫ ዚነብር ድሚትሪ፡ “ናብ መጽናዕተይ ዝመጸ ነፍሲ ወከፍ ኣስፋሒ በበይኑ ኣገላልጻ እዩ ዘለዎ። እዚ ኸኣ ነቲ ትምህርቲ ኻብ እተፈላለየ ኣንፈት ኪርእዮ ሓጊዙኒ እዩ። ኣብቲ ንመጀመርታ ናብ ኣኼባ ዝኸድኩሉ ግዜ እውን ኣቐዲመ ምስ ብዙሓት ኣሕዋትን ኣሓትን ስለ እተላለኹ፡ ከይጋየሽ ሓጊዙኒ እዩ” ይብል።

13. ንተምሃራይና፡ ኣብ ኣኼባታት ኪእከብ ክንሕግዞ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

13 ንተምሃራይካ፡ ኣብ ኣኼባታት ጉባኤ ኺእከብ ሓግዞ። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ፡ የሆዋ ንኣምለኽቱ ኣብ ኣኼባ ኺእከቡ ኣዚዝዎም እዩ፣ እዚ ኽፍሊ ኣምልኾና እዩ። (እብ. 10:24, 25) ብተወሳኺ ኸኣ፡ ኣሕዋትናን ኣሓትናን፡ መንፈሳውያን ስድራ ቤትና እዮም። ምሳታቶም ኣብ ኣኼባ ተኣኪብና እንምሃሮ ትምህርቲ፡ ከምቲ ኣብ ቤትና ብሓባር እንምገቦ ጥዑም መኣዲ እዩ። ንተምሃራይካ ኣብ ኣኼባታት ኪእከብ እንተ ሓጊዝካዮ፡ ሓደ ኻብቲ ናብ ጥምቀት ዜብጽሕ ኣዝዩ ኣገዳሲ ስጕምትታት ኪወስድ ኢኻ እትሕግዞ ዘለኻ። ኰይኑ ግና፡ ኣጸጋሚ ስጕምቲ ኪዀኖ ይኽእል እዩ። እሞ ደኣ ንተምሃራይካ ንዜጋጥሞ ዝዀነ ብድሆ ንምስጋር እታ ንዘለኣለም ብህይወት ንበር! ዘርእስታ ጽሕፍቲ ብኸመይ ክትሕግዞ ትኽእል፧

14. ንተምሃራይና፡ ኣብ ኣኼባታት ኪእከብ ብኸመይ ከነለዓዕሎ ንኽእል፧

14 በቲ ኣብታ ንዘለኣለም ብህይወት ንበር! ዘርእስታ መጽሓፍ፡ ኣብ ትምህርቲ 10 ዚርከብ ሓሳባት ጌርካ፡ ንተምሃራይካ ኸተለዓዕሎ ትኽእል ኢኻ። እዛ መጽሓፍ ቅድሚ ምውጻኣ ነዚ ትምህርቲ እዚ ኺፍትንዎ እተሓትቱ ምኩራት ኣስፋሕቲ፡ ንተምሃሮኦም ኣብ ኣኼባታት ኪእከቡ ኣብ ምሕጋዝ ዓብዪ ኣሳልጦ ረኺቦም እዮም። ይኹን እምበር፡ ንተምሃራይካ ናብ ኣኼባታትና ንምዕዳም፡ ትምህርቲ 10 ኽሳዕ እትበጽሕ ኣይትጸበ። ብእተኻእለካ መጠን ቀልጢፍካ ዓድሞ፣ ኣዘውቲርካ ኻብ ምዕዳም እውን ኣይተብኵር። ተምሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ በበይኑ ዕንቅፋታት እዩ ዘለዎም። ስለዚ፡ ንተምሃራይካ ዜድልዮ ነገር ኣተኵረሉ፣ ግብራዊ ሓገዝ ክትህቦ ትኽእል እንተ ዄንካ ድማ ርአ። ቀልጢፉ ኣብ ኣኼባታት ምእካብ እንተ ዘይጀሚሩ፡ ተስፋ ኣይትቝረጽ። ዕጉስ ኩን፡ ከቶ እውን ኣይትተሓለል።

ንተምሃራይካ፡ ፍርሁ ኼሰንፍ ሓግዞ

15. ተምሃሮና እንታይ ፍርሂ ኺህልዎም ይኽእል፧

15 ናይ የሆዋ ምስክር ክትከውን ምስ ሓሰብካ፡ እዚ ቝሩብ ኬፍርሃካዶ ትዝ ይብለካ፧ ምናልባት ክትሰብኽ ከም ዘይትኽእል ኰይኑ ተሰሚዑካ ይኸውን። ወይ ከኣ ካብ ቤተ ሰብካ ወይ ካብ ፈተውትኻ ዚመጽእ ተቓውሞ ኣፍሪሁካ ይኸውን። ከምኡ ተሰሚዑካ እንተ ነይሩ፡ ንተምሃራይካ ኽትድንግጸሉ ትኽእል ኢኻ። እዚ ፍርሂ እዚ ኺህሉ ኸም ዚኽእል፡ የሱስ ገሊጹ ነይሩ እዩ። ኰይኑ ግና፡ ንሰዓብቱ ብፍርሂ ተሰኒፎም ንየሆዋ ኻብ ምግልጋል ድሕር ምሕር ከይብሉ ተማሕጺንዎም እዩ። (ማቴ. 10:16, 17, 27, 28) እሞ ደኣ የሱስ ንሰዓብቱ፡ ፍርሆም ኬሰንፉ ብኸመይ ሓጊዝዎም፧ ንስኻኸ ኣብነቱ ብኸመይ ክትስዕብ ትኽእል፧

16. ንተምሃራይና፡ እምነቱ ንኻልኦት ኪነግር ከመይ ጌርና ኸነሰልጥኖ ንኽእል፧

16 ንተምሃራይካ፡ እምነቱ ንኻልኦት ኪነግር በብቝሩብ ኣሰልጥኖ። የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ኺሰብኩ ምስ ለኣኾም፡ ንሳቶም ፈሪሆም ነይሮም ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም። የሱስ ግና ኣበይ ከም ዚሰብኩን መልእኽቶም እንታይ ምዃኑን ብምንጋር፡ ሓጊዝዎም እዩ። (ማቴ. 10:5-7) እሞ ደኣ ኸመይ ጌርካ ኢኻ ኣብነቱ ኽትስዕብ እትኽእል፧ ንተምሃራይካ ኣበይ ኪሰብኽ ከም ዚኽእል ሓብሮ። ንኣብነት፡ ሓደ ሓቂ መጽሓፍ ቅዱስ ንመን ኪጠቕሞ ኸም ዚኽእል ሕተቶ። ድሕሪኡ፡ ነቲ ሓቂ እቲ ብቐሊል መገዲ ንምንጋር እንታይ ኪብል ከም ዚኽእል ኣዳልዎ። ግቡእ ኣብ ዚዀነሉ መዳያት፡ ኣብታ ንዘለኣለም ብህይወት ንበር! ዘርእስታ መጽሓፍ፡ “ገሊኦም ከምዚ ይብሉ” ኣብ ዚብል ክፋል ዘሎ ሓሳባት ንልምምድ ክትጥቀመሉ ትኽእል ኢኻ። ከምኡ ኽትገብር ከለኻ ድማ፡ ብቐሊልን ብሜላን መልሲ ንምሃብ ከመይ ገይሩ ንመጽሓፍ ቅዱስ ከም ዚጥቀመሉ ኣሰልጥኖ።

17. ንተምሃራይና፡ ኣብ የሆዋ ኺውከል ክንሕግዞ ኸለና፡ ኣብ ማቴዎስ 10:19, 20, 29-31 ዚርከብ ሓሳብ ብኸመይ ክንጥቀመሉ ንኽእል፧

17 ንተምሃራይካ፡ ኣብ የሆዋ ኺውከል ሓግዞ። የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ፡ የሆዋ ስለ ዜፍቅሮም ከም ዚሕግዞም ኣረጋጊጹሎም እዩ። (ማቴዎስ 10:19, 20, 29-31 ኣንብብ።) እምበኣር፡ ንተምሃራይካ፡ የሆዋ ኸም ዚሕግዞ ኣዘኻኽሮ። ብዛዕባ ሸቶታቱ ምስኡ ዄንካ ብምጽላይ፡ ኣብ የሆዋ ኺውከል ክትሕግዞ ትኽእል ኢኻ። ኣብ ፖላንድ ዚነብር ፍራንቺሸክ፡ “መምህረይ ብዙሕ ሳዕ ንሸቶታተይ ኣብ ጸሎቱ ይጠቕሶ ነይሩ እዩ። የሆዋ ንጸሎት መምህረይ ብኸመይ ከም ዝመለሶ ምስ ረኣኹ፡ ብቕልጡፍ ክጽሊ ጀሚረ። ኣብ ሰሙናዊ ኣኼባታትን ኣብ ኣኼባ ዞባን ንምእካብ ካብቲ ሓድሽ ስራሐይ ፍቓድ ምስ ኣድለየኒ፡ ሓገዝ የሆዋ ርእየ እየ” ይብል።

18. የሆዋ በቲ ክርስትያን መምህራን ዚገብርዎ ዕዮ እንታይ ይስምዖ፧

18 የሆዋ ንተምሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ኣጸቢቑ ይሓልየሎም እዩ። በቲ ትጉሃት ክርስትያን መምህራን ንሰባት ናብኡ ኪቐርቡን ንዕኡ ኼፍቅርዎን ንምሕጋዝ ዚገብርዎ ጻዕሪ ባህ ይብሎ እዩ። (ኢሳ. 52:7) ሕጂ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ትመርሕ እንተ ዘየሊኻ፡ ምስ ካልኦት ኣስፋሕቲ ናብ መጽናዕትታቶም ብምኻድ ነቶም ተምሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ናብ ጥምቀት ዕቤት ኪገብሩ ኽትሕግዝ ትኽእል ኢኻ።

መዝሙር 60 ህይወት ነድሕን

^ ሕ.ጽ. 5 እዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ የሱስ ንሰባት፡ ደቀ መዛሙርቱ ኪዀኑ ብኸመይ ከም ዝሓገዞምን ንሕና ብኸመይ ክንመስሎ ኸም እንኽእልን ትምርምር። ነታ ንዘለኣለም ብህይወት ንበር! ዘርእስታ መጽሓፍ ከመይ ጌርና ኽንጥቀመላ ኸም እንኽእል እውን ትገልጽ። እታ መጽሓፍ እቲኣ፡ ንተምሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ናብ ጥምቀት ዕቤት ኪገብሩ ንምሕጋዝ እያ ተዳልያ።

^ ሕ.ጽ. 7 ብተወሳኺ ድማ፡ ናይ ሓቂ ተመክሮታት ኣብ (1) መሐበሪ ምርምር ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ኣብ ትሕቲ “መጽሓፍ ቅዱስ” ዚብል ርእሰ ነገር፡ ኣብ ትሕቲ “ግብራዊ ጥቕሚ፡” ኣብ ትሕቲ “መጽሓፍ ቅዱስ፡ ህይወት ሰባት ይቕይር” (ዓምዲ ግምቢ ዘብዐኛ) ዚብል ክፋል ወይ ከኣ (2) ኣብ ሚድያ JW Library®“ቃለ መጠይቓትን ተመክሮታትን” ኣብ ትሕቲ ዚብል ክፋል ይርከብ።

^ ሕ.ጽ. 62 መግለጺ ስእሊ፦ ሓደ ሓው ምስ ሰበይቱ ዀይኑ ንሓደ መንእሰይ የጽንዖ። ኣብ ካልእ ግዜ፡ እተፈላለዩ ኣሕዋት ምስኡ ይማላእ።