ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ዓንቀጽ መጽናዕቲ 23

ምስ የሆዋ እንተ ዄንካ፡ ከቶ በይንኻ ኣይኰንካን

ምስ የሆዋ እንተ ዄንካ፡ ከቶ በይንኻ ኣይኰንካን

“የሆዋ ንዅሎም እቶም ዚጽውዕዎ . . . ቐረባኦም እዩ።”—መዝ. 145:18

መዝሙር 28 ፈታው የሆዋ ምዃን

መላለዪ *

1. ሓድሓደ ግዜ፡ ኣገልገልቲ የሆዋ በይኖም ዝዀኑ ዀይኑ ዚስምዖም ስለምንታይ እዩ፧

መብዛሕትና ሓሓሊፉ ጽምዋ ይስምዓና እዩ። እዚ ስምዒት እዚ ንገሊኦም ቀልጢፉ ይሓልፈሎም እዩ። ንገሊኦም ግና ንንውሕ ዝበለ ግዜ የሳቕዮም እዩ። ብሰባት ተኸቢብና ኸለና እኳ፡ ጽምዋ ኺስምዓና ይኽእል እዩ። ገሊኦም ምስ ሓድሽ ጉባኤ ምሕዋስ ይኸብዶም እዩ። ገሊኦም ከኣ ካብ ዚቀራረቡ ቤተ ሰብ ስለ ዝዀኑ፡ ናብ ካልእ ዓዲ ምስ ገዓዙ ብጽምዋ ይሳቐዩ እዮም። ገሊኦም ድማ ዚፈትውዎ ሰቦም ብሙማቱ፡ ብናፍቖት ይብልዑ እዮም። ምናዳ እቶም ኣብ ቀረባ ግዜ ሓቂ ዝፈለጡ ክርስትያናት ከኣ፡ ዘይኣመንቲ ኣባላት ቤተ ሰቦምን ናይ ቀደም ኣዕሩኾምን ስለ ዜርሕቕዎም፡ ከም እተገለሉ ዀይኑ ይስምዖም እዩ።

2. ሕጂ እንታይ ሕቶታት ኢና መልሲ ኽንረኽበሉ፧

2 የሆዋ ንዅሉ ነገርና ይፈልጦን ይርድኦን እዩ። ጽምዋ ኺስምዓና ኸሎ፡ ነዚ ይፈልጦ እዩ፣ ነዚ ስምዒት እዚ ንምቅላስ እውን ኪሕግዘና ይደሊ እዩ። ብኸመይ እዩ የሆዋ ዚሕግዘና፧ ንሕና ገዛእ ርእስና ንምሕጋዝ እንታይ ክንገብር ንኽእል፧ ኣብ ጉባኤና ንዚርከቡ ጽምዋ ዚስምዖም ሰባትከ ብኸመይ ክንሕግዞም ንኽእል፧ መልሲ እዚ ሕቶታት እዚ እስከ ንርአ።

የሆዋ የስተብህል እዩ

የሆዋ ንኤልያስ በይኑ ኸም ዘይኰነ ንምጽንናዕ መልኣኹ ለኣኸሉ (ሕጡብ ጽሑፍ 3 ርአ)

3. የሆዋ ንኤልያስ ከም ዚሓልየሉ ብኸመይ እዩ ኣርእዩ፧

3 የሆዋ ንዅሎም ኣምለኽቱ ኣጸቢቑ ይሓልየሎም እዩ። ንዅላትና ቐረባና እዩ፣ ሕማቕ ኪስምዓና ኸሎ እውን የስተብህለልና እዩ። (መዝ. 145:18, 19) የሆዋ ንነብዪ ኤልያስ ክሳዕ ክንደይ ከም ዘስተብሃለሉ እሞ ንርአ። እቲ እሙን ሰብኣይ፡ ኣብ ታሪኽ እስራኤል ኣብ ኣጸጋሚ እዋን እዩ ዚነብር ነይሩ። ሽዑ፡ ኣብ ልዕሊ ኣምለኽቲ የሆዋ ብርቱዕ መስጐጕቲ ይወርድ ነይሩ እዩ፣ ኤልያስ ከኣ ነቶም ምስ ኣምላኽ ዚጻረሩ ዝነበሩ ሓያላት ጸላእቲ ዕላማ መጥቃዕቶም እዩ ዀይኑ ነይሩ። (1 ነገ. 19:1, 2) ካብቶም ንየሆዋ ዜገልግሉ ነብያት ንሱ በይኑ ዝተረፈ ዀይኑ ስለ እተሰምዖ እውን፡ ይርበሽ ነይሩ ኪኸውን ይኽእል እዩ። (1 ነገ. 19:10) የሆዋ ብኡብኡ ንኤልያስ ኣስተብሃለሉ። መልኣኹ ልኢኹ ኸኣ በይኑ ኸም ዘይኰነ፡ ብዙሓት ፍርሃት ኣምላኽ ዘለዎም እስራኤላውያን እውን ከም ዘለዉ ኣረጋገጸሉ።—1 ነገ. 19:5, 18

4. ኣብ ማርቆስ 10:29, 30 ዚርከብ ሓሳባት፡ የሆዋ ነቶም ደጋፊ ዝሰኣኑ ኣገልገልቱ ኸም ዚሓልየሎም እተርኢ ብኸመይ እያ፧

4 ገሌና ንየሆዋ ኸነገልግሎ ኣብ እንውስነሉ እዋን ብዙሕ መስዋእቲ ኸም እንኸፍል፡ የሆዋ ይፈልጥ እዩ። ገለ ኻብዚ፡ ናይቶም ዘይኣመንቲ ቤተ ሰብን ናይ ቀደም ፈተውትን ደገፍ ምስኣን ኪኸውን ይኽእል እዩ። ሓደ እዋን፡ ሃዋርያ ጴጥሮስ ንየሱስ፡ ምናልባት ብናይ ሻቕሎት ደሃይ፡ “ንሕና ዅሉ ሓዲግና ስዒብናካ፣ እንታይ ኰን ክንረክብ ኢና፧” ኢሉ ሓተቶ። (ማቴ. 19:27) ሽዑ፡ የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ፡ መንፈሳውያን ስድራ ቤት ከም ዚረኽቡ ብውዕዉዕ መንፈስ ኣረጋገጸሎም። (ማርቆስ 10:29, 30 ኣንብብ።) እቲ ርእሲ እቶም መንፈሳውያን ስድራ ቤት ዝዀነ የሆዋ ኸኣ፡ ነቶም ኬገልግልዎ ዚደልዩ ኸም ዚድግፎም ቃል ኣትዩ እዩ። (መዝ. 9:10) ምስ ጽምዋ ኣብ እትገብሮ ቓልሲ፡ ገለ ኻብቲ ኻብ የሆዋ ሓገዝ ንምርካብ ክትገብሮ እትኽእል ግብራዊ ነገራት እስከ ንርአ።

በይንኻ ዝዀንካ ዀይኑ እንተ ተሰሚዑካ፡ እንታይ ክትገብር ትኽእል፧

5. ኣብቲ የሆዋ ንዓኻ ንምድጋፍ ዚገብሮ ነገራት ምትኳር እንታይ ጥቕምታት ኣለዎ፧

5 ኣብቲ የሆዋ ንዓኻ ንምድጋፍ ዚገብሮ ነገራት ኣተኵር። (መዝ. 55:22) እዚ ኸኣ ብዛዕባ ዅነታትካ ሚዛናዊ ኣረኣእያ ኽትሕዝ ይሕግዘካ እዩ። ካሮል * ዝስማ ኻብ ስድራኣ በይና ናብ ሓቂ ዝመጸት ዘይተመርዓወት ሓብቲ፡ “የሆዋ ኣብ ፈተናታተይ ብኸመይ ከም ዝደገፈኒ ምልስ ኢለ ኽሓስቦን ከስተንትነሉን ከለኹ፡ በይነይ ከም ዘይኰንኩ ዀይኑ ኸም ዚስምዓኒ ይገብር እዩ። እዚ ድማ፡ የሆዋ ኣብ መጻኢ ኸም ዚድግፈኒ የረጋግጸለይ እዩ” ትብል።

6. ቀዳማይ ጴጥሮስ 5:9, 10 ነቶም በይኖም ብምዃኖም ዚቃለሱ ሰባት ብኸመይ ከተተባብዖም ትኽእል፧

6 የሆዋ ጽምዋ ንዚስምዖም ክርስትያናት ብጾትካ ብኸመይ ይሕግዞም ከም ዘሎ ሕሰብ። (1 ጴጥሮስ 5:9, 10 ኣንብብ።) ንብዙሕ ዓመታት ኣብ ስድራኡ በይኑ ናይ የሆዋ ምስክር ዝነበረ ሂሮሺ፡ “ኣብ ጉባኤ፡ ጸገም ዚብሃል ዘይብሉ ሰብ ከም ዘየሎ ብቐሊሉ ትርኢ ኢኻ። ኵላትና ንየሆዋ ንምግልጋል ዚከኣለና ንገብር ከም ዘለና ምፍላጥ፡ ነቶም ኣብ ሓቂ በይንና ዝዀንና ኼተባብዓና ይኽእል እዩ” ይብል።

7. ጸሎት ብኸመይ ኪሕግዘካ ይኽእል፧

7 ጽቡቕ መንፈሳዊ ልማድ ይሃሉኻ። እዚ ድማ፡ ስምዒትካ ንየሆዋ ብግልጺ ምንጋር የጠቓልል እዩ። (1 ጴጥ. 5:7) ማሲየል፡ “ሓደ ኻብቲ ንጽምዋይ ክጾሮ ዝሓገዘኒ ኣዝዩ ኣገዳሲ ነገራት፡ ብጽኑዕ ናብ የሆዋ ምጽላይ እዩ” ትብል። እዛ መንእሰይ ሓብቲ እዚኣ፡ ኣብ ጐድኒ ሓቂ ምስ ቈመት፡ ካብ ስድራ ቤታ ተገሊላ እያ። ኣስዕብ ኣቢላ ድማ፡ “ንሱ ናይ ሓቂ ኣቦ እዩ ዀይኑለይ፣ መዓልቲ መዓልቲ ስምዒተይ እናገለጽኩ፡ ኣብ መዓልቲ ብዙሕ ሳዕ ናብኡ እጽሊ ነይረ” ትብል።

ኣውድዮ ቕዳሓት መጽሓፍ ቅዱስን መጽሓፍ ቅዱሳዊ ጽሑፋትን ምስማዕ፡ ነቶም ብጽምዋ ዚሳቐዩ ኺሕግዞም ይኽእል (ሕጡብ ጽሑፍ 8 ርአ) *

8. ቃል ኣምላኽ ምንባብን ብዛዕባ እቲ ዘንበብካዮ ምስትንታንን ብኸመይ ኪሕግዘካ ይኽእል፧

8 ቃል ኣምላኽ ኣንብብ፡ ነቲ የሆዋ ንዓኻ ዘለዎ ፍቕሪ ዜጕልሕ ነጥብታት እውን ኣስተንትነሉ። ካብ ቤተ ሰባ ተስፋ ዜቝርጽ ዘረባ እትሰምዕ ዝነበረት ቢያንካ፡ “ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ዛንታታት ኰነ ተመሳሳሊ ዅነታት ብዛዕባ ዘሕለፉ ኣገልገልቲ የሆዋ ዚገልጽ ተመክሮታት ምንባብን ምስትንታንን ብሓቂ ሓጊዙኒ እዩ” ትብል። ገሊኦም ክርስትያናት ንኸም መዝሙር 27:10ን ኢሳይያስ 41:10ን ዝኣመሰለ ዜጸናንዕ ጥቕስታት ይሽምድድዎ እዮም። ገሊኦም ብጽምዋ ዚሳቐዩ ኸኣ ንኣኼባታት ኣብ ዚዳለዉሉ ወይ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ዚገብሩሉ እዋን፡ ኣውድዮ ቕዳሓት ምስማዕ ይሕግዞም እዩ።

9. ኣብ ኣኼባታት ምእካብ ብኸመይ ኪጠቕመካ ይኽእል፧

9 ኣብ ኣኼባታት ኣዘውቲርካ ኽትእከብ ጽዓር። ከምኡ እንተ ጌርካ፡ ካብቲ ዜተባብዕ ኣኼባ ኽትጥቀም ኢኻ፣ ንኣሕዋትካን ንኣሓትካን እውን ክትፈልጦም ኢኻ። (እብ. 10:24, 25) እታ ኣቐዲማ እተጠቕሰት ማሲየል፡ “ኣመና ሓፋር እኳ እንተ ነበርኩ፡ ኣብ ኵሉ ኣኼባ ጉባኤ ንምእካብን ሓሳብ ንምሃብን ግና ቈሪጸ ነይረ። እዚ ድማ ክፍሊ እታ ጉባኤ ዀይኑ ኸም ዚስምዓኒ ገይሩ እዩ” ትብል።

10. ምስ እሙናት ክርስትያናት ዕርክነት ምህናጽ ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

10 ምስ እሙናት ክርስትያናት ዕርክነት ህነጽ። ኣብ ጉባኤ፡ ኪጠቕሙኻ ዚኽእሉ ኣዕሩኽ ርኸብ። ንሳቶም ከኣ ብዕድመ ወይ ብድሕረ ባይታ ኻባኻ እተፈልዩ ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም። ጥበብ “ኣብ ሽማግለታት [ከም] ዚርከብ” መጽሓፍ ቅዱስ ይሕብረና እዩ። (እዮ. 12:12) ብዕድመ ዝደፍኡ ዘበሉ ድማ ካብቶም ዝነኣሱ እሙናት ብዙሕ ኪምሃሩ ይኽእሉ እዮም። ዳዊት ካብ ዮናታን ኣጸቢቑ ይንእስ ነይሩ እዩ፣ እዚ ግና ናይ ቀረባ ኣዕሩኽ ከይኰኑ ኣይዓገቶምን። (1 ሳሙ. 18:1) ዳዊትን ዮናታንን ከቢድ ጸገማት እናኣጋጠሞም ክነሱ፡ ንየሆዋ ንምግልጋል ንሓድሕዶም ተደጋጊፎም እዮም። (1 ሳሙ. 23:16-18) ኣይሪና ዝስማ ኻብ ስድራ ቤታ በይና ናይ የሆዋ ምስክር ዝዀነት ሓብቲ፡ “ኣሕዋትናን ኣሓትናን መንፈሳውያን ወለድና ወይ ስድራና ኪዀኑልና ይኽእሉ እዮም” ትብል። ኣስዕብ ኣቢላ እውን፡ “የሆዋ ንዓታቶም፡ ነቲ ዜድልየና ንምምላእ ኪጥቀመሎም ይኽእል እዩ” ትብል።

11. ድልዱል ዕርክነት ንምህናጽ እንታይ ክንገብር ኣሎና፧

11 ሓደስቲ ኣዕሩኽ ምግባር፡ ቀሊል ከይከውን ይኽእል እዩ፣ ምናዳ ሓፋር እንተ ዄንካ ኸኣ፡ ከቢድ እዩ። ራትና ዝስማ ተቓውሞ እናኣጋጠማ ኽነሱ ሓቂ እተማህረት ሓፋር ሓብቲ፡ “ሓገዝን ደገፍን መንፈሳውያን ስድራ ቤተይ ከም ዜድልየኒ፡ ክቕበሎ ነይሩኒ” ትብል። ስምዒታትና ንኻልእ ምክፋል፡ ኪኸብደና ይኽእል እዩ፣ ክፉት ሓሳብ ንሓሳብ ምልውዋጥ ግና፡ ንናይ ቀረባ ዕርክነት መሰረት ይኸውን እዩ። ፈተውትኻ ኼተባብዑኻን ኪድግፉኻን ይደልዩ እዮም፣ ከመይ ገይሮም ከምኡ ኸም ዚገብሩ ግና ክትሕብሮም ኣሎካ።

12. ኣገልግሎት ጥዑያት ፈተውቲ ንምጥራይ ብኸመይ ኪሕግዘካ ይኽእል፧

12 ሓደ ኻብቲ ፈተውቲ እነጥርየሉ ብሉጽ መገድታት፡ ኣብ ኣገልግሎት ምስ ክርስትያናት ብጾትና ብምግልጋል እዩ። እታ ኣቐዲማ እተጠቕሰት ካሮል፡ “ኣብ ኣገልግሎትን ኣብ ካልእ ቲኦክራስያዊ ንጥፈታትን ምስ ኣሓት ግዜ ብምሕላፍ ብዙሕ ጽቡቕ ምሕዝነት መስሪተ እየ። የሆዋ በዘን መሓዙተይ ኣቢሉ ንዓመታት ደጊፉኒ እዩ” ትብል። ምስ እሙናት ክርስትያናት ዕርክነት ምህናጽ፡ ብርግጽ ይኽሕስ እዩ። የሆዋ በቶም ፈተውትኻ ኣቢሉ፡ ከም ጽምዋ ዝኣመሰለ ዜጨንቕ ስምዒታት ንምቅላስ ኪሕግዘካ ይኽእል እዩ።—ምሳ. 17:17

ንኻልኦት ሰባት፡ ክፍሊ ስድራ ቤትና ዀይኑ ኺስምዖም ሓግዞም

13. ኣብ ጉባኤ ዘለዉ ዅላቶም እንታይ ሓላፍነት ኣለዎም፧

13 ኣብ ጉባኤ ዘለዉ ዅላቶም ነቲ ዋላ ሓደ ብጽምዋ ዘይሳቐየሉ ፍቕርን ሰላምን ዝዓሰሎ ሃዋህው ኣበርክቶ ናይ ምግባር ሓላፍነት ኣለዎም። (ዮሃ. 13:35) እቲ እንገብሮን እንብሎን ነገር ብዙሕ ኬተባብዕ ይኽእል እዩ። ንኣብነት፡ ሓንቲ ሓብቲ፡ “ሓቂ ምስ ፈለጥኩ፡ እቶም ጉባኤ እዮም ስድራይ ኰይኖምለይ። ብዘይ ደገፎም ናይ የሆዋ ምስክር ክኸውን ኣይምኸኣልኩን ነይረ” ትብል። እሞ ደኣ ነቶም በይኖም ኣብ ሓቂ ዘለዉ ክርስትያናት፡ ክፍሊ እታ ጉባኤ ዀይኑ ኸም ዚስምዖም ንምግባር እንታይ ክትገብር ትኽእል፧

14. ምስ ሓደስቲ ዘበሉ ዕርክነት ንምምስራት እንታይ ክትገብር ትኽእል፧

14 ዕርክነት ንምምስራት ተበግሶ ውሰድ። ከምኡ ንምግባር፡ ነቶም ሓደስቲ ናብ ጉባኤ ብውዕዉዕ መንፈስ ሓንጐፋይ ኢልና ብምቕባል፡ ክንጅምር ንኽእል ኢና። (ሮሜ 15:7) ኰይኑ ግና፡ ካብ ጽቡቕ ሰላምታ ንላዕሊ ኽንገብር ኣሎና። እናሓደርና ድልዱል ዕርክነት ክንሃንጽ ንደሊ ኢና። ስለዚ፡ ንሓደስቲ ኸም እትልውሃሎምን ብሓቂ ኸም እትሓልየሎምን ኣርእዮም። ኣብ ብሕታዊ ጕዳዮም ጣልቃ ኸይኣቶኻ፡ እንታይ የሕልፉ ኸም ዘለዉ ኽትርድኣሎም ፈትን። ገሊኦም ንስምዒታቶም ምግላጽ ይኸብዶም ይኸውን፣ ስለዚ፡ ጸቕጢ ኸይትገብረሎም ተጠንቀቕ። ኣብ ክንዳኡስ፡ ብምስትውዓል ሕቶታት ብምሕታትን ንመልስታቶም ብትዕግስቲ ብምስማዕን፡ ኣብ ልቦም ዘሎ ኸም ዚገልጹልካ ግበር። ንኣብነት፡ ሓቂ ብኸመይ ከም ዝፈለጡ ኽትሓትቶም ትኽእል ኢኻ።

15. ብሱላት ክርስትያናት ኣብ ጉባኤ ንዘለዉ ኻልኦት ክርስትያናት ብኸመይ ኪሕግዙ ይኽእሉ፧

15 ብሱላት ክርስትያናት፡ ምናዳ ኸኣ ሽማግለታት ነቶም ኣብ ጉባኤ ዘለዉ ዅላቶም ተገዳስነት ምስ ዜርእይዎም፡ መንፈሳዊ ዕቤት ይገብሩ እዮም። ኣዲኣ ኣብ ሓቂ ዘዕበየታ መሊሳ ዝስማ ሓብቲ፡ “ነቶም ንሓያሎ ዓመታት መንፈሳውያን ኣቦታት ዝዀኑለይ ኣሕዋት ክሳዕ ክንደይ ከም ዘማስዎም ዚገልጽ ቃላት የብለይን። ዝዛረቦ ሰብ ክደሊ ኸለኹ፡ ወትሩ ኣይስእንን እየ ነይረ” ትብል። ማውሪስዮ ድማ፡ እቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዝመሃሮ መምህሩ ኻብ ሓቂ ምስ ወጸ፡ እተሓድገ ዀይኑ ተሰሚዕዎ ነይሩ እዩ። ብዛዕባ እቲ ግዜ እቲ ኺገልጽ ከሎ ኸኣ፡ “ሽማግለታት ዘርኣዩኒ ብሕታዊ ተገዳስነት ብዙሕ ጠቒሙኒ እዩ። ኣዘውቲሮም ይዛረቡኒ ነይሮም። ኣብ ኣገልግሎት ምሳይ ይዓይዩ፡ ካብ ብሕታዊ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ጽቡቕ ነጥቢ ይነግሩኒ፡ ካብኡ ሓሊፎም እውን ምሳይ ስፖርት ይጻወቱ ነይሮም” ይብል። መሊሳን ማውሪስዮን ጸኒሖም ኣብ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ኣትዮም እዮም።

ንእትገብረሉ ሰናይን ምስኡ ንእተሕልፎ ግዜን ብዝያዳ ዜማስወሉ ሰብዶ ኣብ ጉባኤኻ ኣሎ፧ (ሕጡብ ጽሑፍ 16-19 ርአ) *

16-17. ብምንታይ ግብራዊ መገድታት ኢና ኽንሕግዝ እንኽእል፧

16 ብግብራዊ መገድታት ሓግዝ። (ገላ. 6:10) ካብ ስድራኡ ርሒቑ ኣብ ካልእ ሃገር ዜገልግል ሊዮ ዚብሃል ሚስዮናዊ፡ “መብዛሕትኡ ግዜ፡ ብግቡእ ግዜ ዚግበር ቀሊል ተግባር እዩ ዜድልየካ” ይብል። ኣስዕብ ኣቢሉ፡ “ሓደ መዓልቲ፡ ሓደጋ ማኪና ኣጋጢሙኒ። ናብ ገዛ ኣብ እተመለስኩሉ ግዜ፡ ጸቕጢ በርቲዑኒ ነይሩ። ሽዑ ግና፡ ሰብ ሓዳር ቀሊል ዚብላዕ ኣዳልዮም ዓዲሞምኒ። እንታይ ከም ዝበላዕና ኣይዝክሮን እየ፣ ብለውሃት ከም ዝሰምዑኒ ግና ይዝከረኒ እዩ። ኣብ መወዳእታኡ፡ ኣጸቢቑ ፈዂሱኒ” ይብል።

17 ኵላትና ኸም ኣኼባታት ወረዳን ኣኼባታት ዞባን ዝኣመሰለ ቲኦክራስያዊ ኣኼባታት ንፈቱ ኢና። ነዚ ኣኼባታት እንፈትወሉ ሓደ ምኽንያት፡ ምስ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ብዛዕባ እቲ ኣኼባ ምዝርራብ ባህ ስለ ዚብለና እዩ። እታ ኣቐዲማ እተጠቕሰት ካሮል ግና፡ “ምናዳ ኣኼባታት ወረዳን ኣኼባታት ዞባን ኣጸጋሚ ይዀነኒ እዩ” ትብል። ስለምንታይ፧ ምኽንያታ ኽትገልጽ ከላ፡ “ብኣማእታት ወይ ብኣሽሓት ኣሕዋትን ኣሓትን እኳ እንተ ተኸበብኩ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ንሳቶም መምስ ስድራ ቤቶም እዮም ዚዀኑ። ንዓይ ከኣ ሽዑ ጽምዋይ ይገድደኒ እዩ” ትብል። ገሊኦም ከኣ ንመጻምድቶም ብሞት ድሕሪ ምስኣኖም፡ ንፈለማ ግዜ ናብ ኣኼባ ዞባ ወይ ናብ ኣኼባ ወረዳ ምኻድ ይኸብዶም እዩ። እሞ ደኣ እዚ ጸገማት እዚ ዘለዎ ሰብዶ ትፈልጥ፧ ኣብ ዚቕጽል ቲኦክራስያዊ ኣኼባ ነቲ ሰብ እቲ ምስ ስድራ ቤትካ ብሓባር ኪኸውን ስለምንታይ ዘይትዕድሞ፧

18. ጽቡቕ ግዜ ንምሕላፍ ክንዕድም ከለና፡ 2 ቈረንቶስ 6:11-13 እንትግብራ ብኸመይ ኢና፧

18 ምሳታቶም ግዜ ኣሕልፍ። ናብ ማሕበራዊ ንጥፈታትካ ንእተፈላለዩ ኣሕዋትን ኣሓትን፡ ምናዳ ነቶም በይኖም ዝዀኑ ዀይኑ ዚስምዖም ዘበሉ ኽትዕድም ፈትን። ብሕልፊ ንዓታቶም ‘ልብና ጋህ ከነብለሎም’ ንደሊ ኢና። (2 ቈረንቶስ 6:11-13 ኣንብብ።) እታ ኣቐዲማ እተጠቕሰት መሊሳ፡ “ፈተውትና ናብ ቤቶምን ናብ ስድራኦምን ወይ ብሓንሳእ ክንገይሽ ኪዕድሙና ኸለዉ፡ ወትሩ የሐጕሰና እዩ” ትብል። እሞ ደኣ ጽቡቕ ግዜ ንምሕላፍ ክትዕድሞ እትኽእል ሰብዶ ኣብ ጉባኤኻ ኣሎ፧

19. ምስ ክርስትያናት ብጾትና ግዜ ኸነሕልፍ ብዝያዳ ሓጋዚ ዝዀነሉ እዋን መዓስ እዩ፧

19 ክርስትያናት ብጾትና ብሕልፊ ምሳና ግዜ ኼሕልፉሉ ዚደልዩ እዋናት ኣሎ። ገሊኦም ኣብ እዋን በዓላት ምስ ዘይኣመንቲ ቤተ ሰቦም ምዃን የጸግሞም ይኸውን። ገሊኦም ከኣ ነታ ሰቦም ዝሞተላ ዕለት ኪዝክሩ ኸለዉ፡ ወይ ካልእ ንተዘክሮኦም ዜለዓዕል ነገር ኪዝክሩ ኸለዉ፡ ኣመና ይሳቐዩ ይዀኑ። ከምዚ ዝኣመሰለ ጸገማት ንዘለዎም ኣሕዋትናን ኣሓትናን ምሳታቶም ግዜ ንምሕላፍ ክንሓትቶም ከለና፡ ‘ብዛዕባኦም ናይ ሓቂ ኸም እንሓሊ’ ኢና እነርእዮም።—ፊል. 2:20

20. በይንና ዝዀንና ዀይኑ ኺስምዓና ኸሎ፡ ኣብ ማቴዎስ 12:48-50 ተመዝጊቡ ዘሎ ቓላት የሱስ ብኸመይ ኪሕግዘና ይኽእል፧

20 ሓደ ክርስትያናት ብእተፈላለየ ምኽንያት ጽምዋ ኺስምዖ ይኽእል እዩ። ኰይኑ ግና፡ የሆዋ ነዚ ስምዒት እዚ ኣጸቢቑ ኸም ዚፈልጦ ኽንርስዕ የብልናን። መብዛሕትኡ ግዜ ድማ፡ ብክርስትያናት ብጾትና ኣቢሉ ዜድልየና የማልኣልና እዩ። (ማቴዎስ 12:48-50 ኣንብብ።) ንሕና እውን ብተራና፡ ንመንፈሳውያን ስድራ ቤትና ንምድጋፍ ዚከኣለና ምስ እንገብር፡ ንፍቕራዊ መሰናድዎ የሆዋ ዘሎና ሞሳ ነርኢ ኢና። ሓድሓደ ግዜ ዚስምዓና ስምዒት ብዘየገድስ፡ የሆዋ ወትሩ ኣብ ጐድንና ስለ ዝዀነ፡ ከቶ በይንና ኣይኰንናን!

መዝሙር 46 ነመስግነካ የሆዋ

^ ሕ.ጽ. 5 ሓድሓደ ግዜ፡ በይንኻ ኸም እተሓደግካ ዀይኑዶ ይስምዓካ፧ ከምኡ ዚስምዓካ እንተ ዀይኑ፡ የሆዋ ንቓልስኻ ኣጸቢቑ ኸም ዚፈልጦን ዜድልየካ ደገፍ ኪህበካ ፍቓደኛ ምዃኑን ከነረጋግጸልካ ንፈቱ። ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ምስ ጽምዋ ንምቅላስ እንታይ ክትገብር ከም እትኽእል ክንርኢ ኢና። ጽምዋ ንዚስምዖም ክርስትያናት ብጾትና ንምትብባዕ እንታይ ክንገብር ከም እንኽእል እውን ክንርኢ ኢና።

^ ሕ.ጽ. 5 ገሊኡ ስማት ተቐዪሩ እዩ።

^ ሕ.ጽ. 60 መግለጺ ስእሊ፦ ሰበይቱ ዝሞተቶ ሓው፡ ኣውድዮ ቕዳሓት መጽሓፍ ቅዱስን መጽሓፍ ቅዱሳዊ ጽሑፋትን ይሰምዕ።

^ ሕ.ጽ. 62 መግለጺ ስእሊ፦ ሓደ ሓውን ጓሉን ንሓደ ኣብ ጉባኤኦም ዘሎ ብዕድመ ዝደፍአ ሓው ይበጽሕዎ።