ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ዓንቀጽ መጽናዕቲ 24

ካብ መፈንጠራ ሰይጣን ከተምልጥ ትኽእል ኢኻ!

ካብ መፈንጠራ ሰይጣን ከተምልጥ ትኽእል ኢኻ!

“ካብ መፈንጠራ . . . ድያብሎስ ኣምሊጦም።”—2 ጢሞ. 2:26

መዝሙር 36 ንልብና ንሓልዎ

መላለዪ *

1. ስለምንታይ ኢና ንሰይጣን ምስ ሃዳኒ ኸነነጻጽሮ እንኽእል፧

ሃዳኒ ሓደ ሸቶ ጥራይ እዩ ዘለዎ፣ ንግዳዩ ኺሕዝ ወይ ኪቐትል እዩ ዚደሊ። ከምቲ ሓደ ኻብቶም ናይ ሓሶት መጸናናዕቲ እዮብ ዝበሎ፡ በበይኑ ዓይነት መፈንጠራ ወይ መጻወድያ ይጥቀም ይኸውን። (እዮ. 18:8-10) ሓደ ሃዳኒ ንሓደ እንስሳ ኸመይ ገይሩ እዩ ናብ መፈንጠራኡ ኼእትዎ ዚኽእል፧ ፈለማ፡ ነቲ እንስሳ የጽንዖ እዩ። ‘ኣበይ እዩ ዚኸይድ፧ እንታይ እዩ ዚፈቱ፧ እንታይ እዩ ብሃንደበት ዚፍንጥሮ፧’ ኢሉ ይሓስብ እዩ። ሰይጣን እውን ከም ሃዳኒ እዩ። ስለዚ፡ ንዓና የጽንዓና እዩ። ናበይ ከም እንኸይድን እንታይ ከም እንፈቱን የስተብህል እዩ። ድሕሪኡ፡ ብድንገት ኪሕዘና ዚኽእል መፈንጠራ የጻውድ። ኰይኑ ግና፡ ብመፈንጠራ እንተ ተታሒዝና፡ ካብኡ ኸነምልጥ ከም እንኽእል መጽሓፍ ቅዱስ የረጋግጸልና እዩ። ብሱሩ ኻብ መፈንጠራ ብኸመይ ክንርሕቕ ከም እንኽእል እውን ይምህረና እዩ።

ትዕቢትን ስስዐን ክልተ ኻብቲ ሰይጣን ኣጸቢቑ ዚዕወተሉ መፈንጠራታት እዩ (ሕጡብ ጽሑፍ 2 ርአ) *

2. ክልተ ኻብቲ ሰይጣን ኣጸቢቑ ዚዕወተሉ መፈንጠራታት እንታይ እዩ፧

2 ክልተ ኻብቲ ሰይጣን ኣጸቢቑ ዚዕወተሉ መፈንጠራታት፡ ትዕቢትስስዐን እዩ። * ሰይጣን ንኣሽሓት ዓመታት ነዚ ሕማቕ ባህርያት እዚ ኣጸቢቑ ተዓዊቱሉ እዩ። ንሱ ኸምቲ ንግዳዩ ኣህሪሩ ናብ መጻወድያ ዜእቱ ወይ ብመርበብ ዚሕዝ ኣፈንጣሪ ዑፍ እዩ። (መዝ. 91:3) እዚ ኺብሃል ከሎ ግና፡ ሰይጣን ብመፈንጠራኡ ግድን ይሕዘና እዩ ማለት ኣይኰነን። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ፡ የሆዋ ነቲ ሰይጣን ዚጥቀመሉ ውዲት ገሊጹልና ኣሎ።—2 ቈረ. 2:11

ካብቶም ንመጠንቀቕታ ዚዀኑ መለበሚታት ክንምሃር፡ በዚ ኸምዚ ድማ ካብ መፈንጠራ ድያብሎስ ክንርሕቕ ወይ ከነምልጥ ንኽእል ኢና (ሕጡብ ጽሑፍ 3 ርአ) *

3. የሆዋ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ መለበሚታት ዘጽሓፈልና ስለምንታይ እዩ፧

3 የሆዋ ብዛዕባ ትዕቢትን ስስዐን ምእንቲ ኼጠንቅቐና ኢሉ፡ ካብ ናይ ሓቂ ተመክሮታት መለበሚ ኽንረክብ የተባብዓና እዩ። ገለ ኻብቶም ሰይጣን ብመፈንጠራኡ ዝሓዞም መለበሚታት ከኣ፡ ብሱላት ኣገልገልቲ የሆዋ ኣለዉ። ከምዚ ኺብሃል ከሎ ግና፡ ኣኺሉና ተስፋ የብልናን ማለት ድዩ፧ ኣይፋልን። የሆዋ ነዚ መለበሚታት እዚ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘጽሓፈልና፡ “ንመጠንቀቕታ” ኪዀነና ኢሉ እዩ። (1 ቈረ. 10:11) ካብቶም ንመጠንቀቕታ ዚዀኑና መለበሚታት ከም እንጥቀም፡ በዚ ኸምዚ ድማ ካብ መፈንጠራ ሰይጣን ከነምልጥ ከም እንኽእል ይፈልጥ እዩ።

መፈንጠራ ትዕቢት

ሕጡብ ጽሑፍ 4 ርአ

4. ትዕቢት ናብ ምንታይ እያ እትመርሕ፧

4 ሰይጣን ዕቡያት ክንከውን እዩ ዚደልየና። ብትዕቢት እንተ ተመሊእና፡ ከምኡ ኸም እንኸውንን ናይ ዘለኣለም ህይወት ከም እንስእንን ይፈልጥ እዩ። (ምሳ. 16:18) ስለዚ ድማ፡ ሃዋርያ ጳውሎስ፡ ሓደ ሰብ “ብትዕቢት ተነፊሑ፡ ናብቲ ንድያብሎስ እተፈርዶ ፍርዲ” ኺወድቕ ከም ዚኽእል ኣጠንቂቑ ኣሎ። (1 ጢሞ. 3:6, 7) ኣብ ሓቂ ሓደስቲ ንኹን ወይ ኣብ ኣገልግሎት የሆዋ ነዊሕ ዓመታት ዝገበርና ብዘየገድስ፡ እዚ ንዅላትና ኼጋጥመና ይኽእል እዩ።

5. ኣብ መክብብ 7:16, 20 ተሓቢሩ ኸም ዘሎ፡ ሓደ ሰብ ብኸመይ እዩ ዚዕበ፧

5 ዕቡያት ሰባት ፈተውቲ ርእሶም እዮም። ሰይጣን፡ ምናዳ ጸገማት ኬጋጥመና ኸሎ፡ ካብ ኣብ የሆዋ ንላዕሊ፡ ኣብ ርእስና ኸም እነተኵር ብምግባር፡ ፈተውቲ ርእስና ኸም እንኸውን ኪገብረና ይጽዕር እዩ። ንኣብነት፡ ብሓሶት ተኸሲስካዶ ትፈልጥ፧ ወይ ኣደዳ ዘይፍትሓዊ ተግባር ኴንካዶ ትፈልጥ፧ ሰይጣን፡ ብየሆዋ ወይ ብኣሕዋትካ ኽትቍጣዕ እዩ ዚደልየካ። ነዚ ዚኸውን ፍታሕ ድማ፡ ነቲ የሆዋ ብቓሉ ዝሃበካ መምርሒ ሓዲግካ፡ ናትካ መገዲ ጥራይ ቅኑዕ ኸም ዝዀነ ጌርካ ኽትሓስብ እዩ ዚደልየካ።—መክብብ 7:16, 20 ኣንብብ።

6. ካብ ተመክሮ ሓንቲ ኣብ ነዘርላንድስ እትነብር ሓብቲ እንታይ ተማሂርካ፧

6 ብዛዕባ ሓንቲ ኣብ ነዘርላንድስ እትነብር ብዘይፍጽምና ኻልኦት ሰባት እተበሳጨወት ሓብቲ እስከ ንርአ። ንሳ ድሕሪ ደጊም ነቲ ዅነታት ዕሽሽ ክትብሎ ኸም ዘይትኽእል ወሰነት። ብዛዕባ እዚ ኸኣ ከምዚ ትብል፦ “በይነይ እተሓደግኩን ስምዒታተይ ክቕይሮ ዘይክእልን ኰይኑ ተሰሚዑኒ ነይሩ። ንሰብኣየይ ድማ ናብ ካልእ ጉባኤ ኽንግዕዝ ከም ዘሎና ነጊረዮ።” ድሕሪኡ፡ ናይ መጋቢት 2016 ፈነወ JW ረኣየት። ኣብቲ መደብ ከኣ፡ ንዘይፍጽምና ኻልኦት ንምጽዋር ዚሕግዝ ሓሳባት ኣሎ። ኣስዕብ ኣቢላ እታ ሓብቲ ኸምዚ ትብል፦ “ነቶም ኣብ ጉባኤ ዘለዉ ኣሕዋትን ኣሓትን ክቕይሮም ኣብ ክንዲ ዝፍትን፡ ንጌጋታተይ ብቕንዕናን ብትሕትናን ክዕዘብ ከም ዘሎኒ ርእየ። እቲ መደብ፡ ኣብ የሆዋን ኣብ ልዑላውነቱን ከተኵር ሓጊዙኒ እዩ።” እሞ ደኣ እቲ ቐንዲ ነጥቢ እንታይ ምዃኑ ተራእዩካዶ፧ ፈተና ኼጋጥመካ ኸሎ፡ ኣብ የሆዋ ኣተኵር። ብዛዕባ ኻልኦት ከም ናቱ ዓይነት ኣረኣእያ ምእንቲ ኺህልወካ፡ ሓገዙ ለምን። ሰማያዊ ኣቦኻ ንጌጋታቶም ይርእዮ እዩ፣ እንተዀነ ግና፡ ይቕረ ኺብለሎም ፍቓደኛ እዩ። ንዓኻ እውን ከምኡ ኽትገብር እዩ ዚደልየካ።—1 ዮሃ. 4:20

ሕጡብ ጽሑፍ 7 ርአ

7. ንጉስ ዑዝያ እንታይ እዩ ዀይኑ፧

7 ዑዝያ ንጉስ ይሁዳ ብትዕቢት ተደሪኹ ምኽሪ ምስማዕ ኣብዩን ተዳፊሩን እዩ። ዑዝያ ኣዝዩ ንፉዕ ሰብ እዩ ነይሩ። ኣብ ወተሃደራዊ ወፍርታትን ኣብ ፕሮጀክትታት ህንጸትን ኣብ ሕርሻዊ ምዕባለታትን ኣሳልጦ ረኺቡ ነይሩ እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባኡ፡ “እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ የቕንዓሉ ነበረ” ይብለና። (2 ዜና 26:3-7, 10) ኣስዕብ ኣቢሉ ኸኣ፡ “ምስ በርትዐ ግና፡ ልቡ ንጥፍኣቱ ተዓበየ” ይብለና። ካህናት ጥራይ ኣብ ቤተ መቕደስ ኪዓጥኑ ኸም ዚግባእ፡ የሆዋ ኣዚዙ ነይሩ እዩ። ንጉስ ዑዝያ ግና ኪዓጥን ደፊሩ ናብ ቤተ መቕደስ ኣተወ። የሆዋ በዚ ባህ ስለ ዘይበሎ ድማ፡ ነዚ ዕቡይ ሰብኣይ ብደዌ ወቕዖ። ብምሉኡ ዝተረፈ ህይወቱ ኸኣ ድዉይ ኰነ።—2 ዜና 26:16-21

8. ምስ 1 ቈረንቶስ 4:6, 7 ብምስምማዕ፡ ካብ ትዕቢት ብኸመይ ክንርሕቕ ንኽእል፧

8 ትዕቢት ናብቲ ንዑዝያ ዘውደቖ ዓይነት መፈንጠራ ኺመርሓና ይኽእልዶ፧ ሆሴ ዘሕለፎ ተመክሮ እስከ ንርአ። ንሱ ኣዝዩ ዕዉት ነጋዳይን ኣኽቢርካ ዚርአ ሽማግለ ጉባኤን እዩ ነይሩ። ኣብ ኣኼባታት ወረዳን ኣብ ኣኼባታት ዞባን መደረታት የቕርብ ነይሩ እዩ፣ ሓለውቲ ወረዳ ድማ ምኽሪ ይሓትትዎ ነይሮም እዮም። “ኣነ ግና ኣብ ክእለተይን ኣብ ተመክሮይን እየ ዝውከል ነይረ” ኢሉ ይእመን። ኣስዕብ ኣቢሉ ኸኣ፡ “ንየሆዋ አርሕቖ ነይረ እየ። ድልዱል ዝዀንኩ ይመስለኒ ነይሩ፣ ስለዚ፡ ካብ የሆዋ ዝመጸ መጠንቀቕታታትን ምኽርን ኣይሰማዕኩን” ይብል። ድሕርዚ፡ ሆሴ ኸቢድ ሓጢኣት ብምፍጻሙ ተወገደ። ድሕሪ ገለ ዓመታት ድማ፡ ናብ ጉባኤ ተመልሰ። ሕጂ ኸኣ፡ “እቲ ኣገዳሲ ነገር መዓርግ ምሓዝ ዘይኰነስ፡ ከምቲ የሆዋ ዚደልዮ ምግባር ምዃኑ፡ ንሱ ምሂሩኒ እዩ” ይብል። እምበኣር፡ ክእለታትና ዀነ ኣብ ጉባኤ ዘሎና ሓላፍነታት ካብ የሆዋ እተዋህበና ምዃኑ ኣይንረስዕ። (1 ቈረንቶስ 4:6, 7 ኣንብብ።) ዕቡያት እንተ ዄንና፡ የሆዋ ብኣና ኣይኪጥቀምን እዩ።

መፈንጠራ ስስዐ

ሕጡብ ጽሑፍ 9 ርአ

9. ስስዐ ንሰይጣንን ንሄዋንን እንታይ ከም ዚገብሩ እዩ ገይርዎም፧

9 ብዛዕባ ስስዐ ኽንሓስብ ከለና፡ መብዛሕትኡ ግዜ ሰይጣን ድያብሎስ እዩ ናብ ኣእምሮና ዚመጽእ። ሰይጣን ሓደ ኻብ መላእኽቲ የሆዋ ኸሎ፡ ብዙሕ ዜደንቕ ሓላፍነታት ነይርዎ ኪኸውን ኣለዎ። እንተዀነ ግና፡ ዝያዳ ደለየ። ነቲ ንየሆዋ ጥራይ ዚግባእ ኣምልኾ ኺረክብ ደለየ። ሰይጣን ከምኡ ኽንከውን እዩ ዚደልየና፣ ስለዚ፡ በቲ ዘሎና ኸም ዘይንዓግብ ኪገብረና እዩ ዚጽዕር። ነዚ ጻዕሩ እዚ ንሄዋን ኣብ እተዛረባ እዋን እዩ ጀሚርዎ። የሆዋ ንሄዋንን ንሰብኣያን፡ ብዘይካ ኻብ ሓንቲ ኦም፡ “ካብ ኵሉ ኦም ገነት” ኣኺሉ ዚተርፍ ጥዑም ምግቢ ሂብዎም ነይሩ እዩ። (ዘፍ. 2:16) ኰይኑ ግና፡ ሰይጣን ንሄዋን ካብታ እተኸልከለት ኦም ክትበልዕ ከም ዜድልያ ገይሩ ሓበላ። ሄዋን ነቲ ዘለዋ ኣየማሰወትሉን፣ ስለዚ፡ ዝያዳ ደለየት። እዚ ናበይ ከም ዝመርሐ ንፈልጥ ኢና። ሄዋን ሓጥአት፡ ኣብ መወዳእታኡ ድማ ሞተት።—ዘፍ. 3:6, 19

ሕጡብ ጽሑፍ 10 ርአ

10. ስስዐ ንንጉስ ዳዊት መፈንጠራ ዝዀኖ ብኸመይ እዩ፧

10 ንጉስ ዳዊት ብስስዐ ተደሪኹ ነቲ የሆዋ ዝሃቦ ሃብትን ዝናን ዓወትን ረሲዕዎ ነይሩ እዩ። ሓደ ግዜ፡ ዳዊት ብምስጋና ተላዒሉ ውህበታት ኣምላኽ “ምጽብጻቡ ዘይከኣል ብዙሕ” ከም ዝዀነ ገሊጹ እዩ። (መዝ. 40:5) ኣብ ካልእ ግዜ ግና፡ ዳዊት ነቲ የሆዋ ዝሃቦ ረስዖ። ሽዑ፡ በቲ ዘለዎ ኣይዓገበን፣ ዝያዳ ኸኣ ደለየ። ብዙሓት ኣንስቲ እኳ እንተ ነበራኦ፡ ኣብ ልቡ ንሰበይቲ እንዳ እማቱ ዘይግቡእ ትምኒት ኣሕደረ። እታ ሰበይቲ ባትሴባ እያ ነይራ፣ ሰብኣያ ድማ ኡርያ እቲ ሔታዊ እዩ ነይሩ። ዳዊት ብስስዐ ተደሪኹ ምስ ባትሴባ ደቀሰ፣ ንሳ ኸኣ ጠነሰት። እቲ ዝሙት ከይኣኽሎ ድማ፡ ንኡርያ ኣቕተሎ! (2 ሳሙ. 11:2-15) ዳዊት እንታይ እዩ ዚሓስብ ነይሩ፧ የሆዋ ነዚ ኺርኢ ኸም ዘይክእል ድዩ ዚሓስብ ነይሩ፧ እዚ እሙን ኣገልጋሊ የሆዋ ዝነበረ ሰብ ብስስዐ ተሰኒፉ ሕማቕ ሳዕቤን እዩ ዓጺዱ። እቲ ዜሐጕስ ግና፡ ብኣጋኡ ጌጋኡ ተኣሚኑን ተነሲሑን እዩ። ሞገስ የሆዋ ዳግም ብምርካቡ ኸኣ፡ ብዙሕ ኣመስጊኑ እዩ።—2 ሳሙ. 12:7-13

11. ብመሰረት ኤፌሶን 5:3, 4፡ እንታይ እዩ ምስ ስስዐ ኽንቃለስ ዚሕግዘና፧

11 ካብ ዳዊት እንታይ ንምሃር፧ ነቲ የሆዋ ዝሃበና ወትሩ ነመስግነሉ እንተ ዄንና፡ ምስ ስስዐ ኽንቃለስ ከም እንኽእል ንምሃር ኢና። (ኤፌሶን 5:3, 4 ኣንብብ።) በቲ ዘሎና ኽንዓግብ ኣሎና። ሓደስቲ ተምሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ሓደ ዝረኸብዎ በረኸት ሓሲቦም ንየሆዋ ብዛዕባኡ ኼመስግንዎ መተባብዒ ይውሃቦም እዩ። ሓደ ሰብ መዓልቲ መዓልቲ ኸምኡ እንተ ገይሩ፡ ኣብ ሰሙን ብዛዕባ ሸውዓተ እተፈላለየ ነገር እዩ ዚጽሊ። (1 ተሰ. 5:18) ንስኻኸ ኸምኡዶ ትገብር ኢኻ፧ ብዛዕባ ዅሉ እቲ የሆዋ ዝገበረልካ ነገራት እንተ ኣስተንቲንካ፡ እዚ ነገር እዚ ኣመስጋኒ ኽትከውን ኪሕግዘካ እዩ። ኣመስጋኒ እንተ ዄንካ ኸኣ፡ ዕጉብ ኢኻ እትኸውን። ዕጉብ እንተ ዄንካ ድማ፡ ስስዐ ጥቓኻ ኣይትቐርብን እያ።

ሕጡብ ጽሑፍ 12 ርአ

12. ይሁዳ ኣስቆሮታዊ ብስስዐ ተላዒሉ እንታይ እዩ ገይሩ፧

12 ይሁዳ ኣስቆሮታዊ ብስስዐ ተደሪኹ ኣመና ዚጽላእ ከዳዕ ኰይኑ እዩ። ይኹን እምበር፡ ካብ መጀመርታኡ ኸምኡ ኣይነበረን። (ሉቃ. 6:13, 16) የሱስ ንዕኡ፡ ሃዋርያ ኪኸውን ሓርይዎ ነይሩ እዩ። ይሁዳ ነቲ ሳጹን ገንዘብ ኪሕዝ ሓላፍነት ስለ እተዋህቦ ድማ፡ ክኢላን እሙንን ነይሩ ኪኸውን ኣለዎ። የሱስን ሃዋርያቱን ነቲ ገንዘብ እቲ ኣብ ስብከቶም ንዜድልዮም ወጻኢታት ንምሽፋን እዮም ዚጥቀሙሉ ነይሮም። ብናይ ሎሚ ኣበሃህላ፡ እቲ ገንዘብ ንዓለምለኻዊ ዕዮ ኸም እተወፈየ ወፈያ እዩ ነይሩ። ድሕሪ እተወሰነ ግዜ ግና፡ ይሁዳ ነቲ የሱስ ብዛዕባ ስስዐ ዚህቦ ዝነበረ መጠንቀቕታታት ደጋጊሙ እናሰምዐ ኼብቅዕ፡ ኪሰርቕ ጀመረ። (ማር. 7:22, 23፣ ሉቃ. 11:39፣ 12:15) ነቲ መጠንቀቕታታት ከኣ ዕሽሽ በሎ።

13. እቲ ይሁዳ ዝነበሮ ስስዐ መዓስ እዩ ተጋሂዱ፧

13 እቲ ይሁዳ ዝነበሮ ስስዐ ኣብቲ ቕድሚ ሞት የሱስ ዝዀነ ኣጋጣሚ ተጋሂዱ እዩ። ኣብቲ ግዜ እቲ፡ የሱስን ደቀ መዛሙርቱን፡ እንተላይ ማርያምን ሓብታ ማርታን ኣብ ቤት ስምኦን እቲ ድዉይ ተዓዲሞም ነበሩ። ኣብ መኣዲ ተቐሚጦም ከለዉ፡ ማርያም ተንሲኣ ኣብ ርእሲ የሱስ ክቡር ቅዱይ ቅብኢ ኣፍሰሰት። ይሁዳን ካልኦት ደቀ መዛሙርትን ከኣ፡ በዚ ተቘጥዑ። እቶም ካልኦት ደቀ መዛሙርቲ፡ እቲ ገንዘብ ንዝሓሸ ዕላማ ኺውዕል ከም ዚኽእል ተሰሚዕዎም ኪኸውን ይኽእል እዩ። ይሁዳ ግና እተፈልየ ውሽጣዊ ድራኸ እዩ ነይርዎ። “ሰራቒ ስለ ዝነበረ፡” ካብቲ ሳጹን ኪሰርቕ እዩ ደልዩ ነይሩ። ድሕርዚ፡ ይሁዳ ብስስዐ ተደሪኹ ንየሱስ ብዋጋ ባርያ እዩ ኣሕሊፉ ሂብዎ።—ዮሃ. 12:2-6፣ ማቴ. 26:6-16፣ ሉቃ. 22:3-6

14. ሓደ ጽምዲ ሰብ ሓዳር ነቲ ኣብ ሉቃስ 16:13 ዚርከብ ትምህርቲ ዝዓየዩሉ ብኸመይ እዮም፧

14 የሱስ ንሰዓብቱ፡ “ንኣምላኽን ንገንዘብን ክትግዝኡ ኣይትኽእሉን ኢኹም” ኢሉ ሓደ መሰረታዊ ሓቂ ሓቢርዎ እዩ። (ሉቃስ 16:13 ኣንብብ።) እዚ ስርዓት እዚ፡ ሕጂ እውን ሓቂ እዩ። ኣብ ሩማንያ ዚነብሩ ሰብ ሓዳር፡ እዚ ቓላት የሱስ ብኸመይ ኪጸልዎም ከም ዝፈቐዱ እስከ ንርአ። ንሳቶም ኣብ ብልጽግቲ ሃገር ግዜያዊ ስራሕ ቀረበሎም። ብዛዕባኡ ኺገልጹ ኸለዉ፡ “እንኸፍሎ ብዙሕ ዕዳ ባንክ ነይሩና፣ ስለዚ፡ ኣብ ፈለማ እዚ ስራሕ እዚ ኻብ የሆዋ ዝመጸ በረኸት እዩ መሲሉና ነይሩ” ኢሎም ይእመኑ። ኰይኑ ግና፡ ሓደ ጸገም ነይሩ። እቲ ስራሕ ነቲ ንየሆዋ ዜቕርብዎ ኣገልግሎት ዜጐናድብ እዩ ነይሩ። ኣብ ናይ 15 ነሓሰ 2008 ግምቢ ዘብዐኛ ዝወጸት፡ “ብሓደ ልቢ ተኣማንነትካ ሓሉ” ዘርእስታ ዓንቀጽ ምስ ኣንበቡ፡ ውሳነ ገበሩ። ከምዚ ድማ ይብሉ፦ “ዝያዳ ገንዘብ ምርካብ ብዚብል ሓሳብ ተላዒልና ኣብ ካልእ ሃገር ክንሰርሕ እንተ ንውስን ኔርና፡ ነቲ ምስ የሆዋ ዘሎና ርክብ ካልኣይ ቦታ ምሃብናዮ። በዚ ኸምዚ ኸኣ፡ መንፈሳውነትና ኸም ዚህሰ ኣሚንና።” ስለዚ፡ ነቲ ዝቐረበሎም ኣይተቐበልዎን። ድሕርዚ ደኣ እንታይ ኣጋጢምዎም፧ እቲ ሰብኣይ ኣብ ዓዱ ነቲ ዜድልዮም ነገራት ዜማልኣሎም ስራሕ ረኸበ። እታ ሰበይቲ፡ “ኢድ የሆዋ ሓጻር ኣይኰነትን” ትብል። እዞም ሰብ ሓዳር እዚኦም፡ ንገንዘብ ዘይኰነስ፡ ንየሆዋ ጐይታኦም ብምግባሮም ሕጉሳት እዮም።

ካብ መፈንጠራ ሰይጣን ርሓቕ

15. ካብ መፈንጠራ ሰይጣን ከነምልጥ ከም እንኽእል ርግጸኛታት እንኸውን ስለምንታይ ኢና፧

15 ብትዕቢት ወይ ብስስዐ እንተ ተሰኒፍና፡ እንታይ ኢና ኽንገብር ዘሎና፧ ድሕርዚ እውን ከነምልጥ ንኽእል ኢና! እቶም ድያብሎስ “ብህይወቶም ከለዉ ዝሓዞም” ሰባት ካብ መፈንጠራኡ ኼምልጡ ኸም ዚኽእሉ ጳውሎስ ገሊጹ ኣሎ። (2 ጢሞ. 2:26) ንኣብነት፡ ዳዊት ነቲ ናታን ዝሃቦ መግናሕቲ ሰሚዑ፡ ካብ ስስዐኡ ተነሲሑ፡ ምስ የሆዋ ዝነበሮ ዕርክነት እውን ሓዲሱ እዩ። የሆዋ ኻብ ሰይጣን ከም ዚሕይል ከቶ ኣይንረስዕ። ስለዚ፡ ሓገዝ የሆዋ እንተ ተቐቢልና፡ ካብ ዝዀነ መፈንጠራ ወይ መጻወድያ ድያብሎስ ከነምልጥ ንኽእል ኢና።

16. ካብ መፈንጠራ ሰይጣን ንምርሓቕ እንታይ ይሕግዘና፧

16 ይኹን እምበር፡ ብመፈንጠራ ወይ ብመጻወድያ ሰይጣን ተታሒዝና ኻብኡ ኣብ ክንዲ ምምላጥ፡ ብሱሩ ኻብኡ ኽንርሕቕ እዩ ዘሎና። ነዚ ድማ ብሓገዝ ኣምላኽ ጥራይ ኢና ኽንገብሮ እንኽእል። ኰይኑ ግና፡ ሸለልተኛታት ክንከውን የብልናን። ነዊሕ ዝገበሩ ኣገልገልቲ የሆዋ እኳ ዕቡያት ወይ ስሱዓት ኰይኖም እዮም። ስለዚ፡ እዚ ኽፉእ ባህርያት እዚ ንኣተሓሳስባኻን ንተግባራትካን ኪጸልዎ እንተ ጀሚሩ ምእንቲ ኸተለልዮ፡ መዓልቲ መዓልቲ ንየሆዋ ኺሕግዘካ ለምኖ። (መዝ. 139:23, 24) በቲ ኽፉእ ባህርያት ክትተሓዝ ከቶ ኣይትፍቀድ!

17. ድያብሎስ እቲ መጻርርትና ኣብ ቀረባ ግዜ እንታይ ኪኸውን እዩ፧

17 ሰይጣን ንኣሽሓት ዓመታት ኪሃድን ዝጸንሐ ሃዳኒ እዩ። ኣብ ቀረባ ግዜ ግና፡ ኪእሰር እዩ፡ ኣብ መወዳእታ እውን ኪጠፍእ እዩ። (ራእ. 20:1-3, 10) ነታ መዓልቲ እቲኣ፡ ብሃንቀውታ ኢና እንጽበያ። ክሳዕ ሽዑ ግና፡ ንመፈንጠራ ሰይጣን ተጠንቀቐሉ። ብትዕቢት ወይ ብስስዐ ኸይትስነፍ ኣበርቲዕካ ዕየ። ነቲ “ንድያብሎስ ግና ተጻረርዎ እሞ፡ ንሱ ኻባኻትኩም ኪሃድም እዩ” ዚብል ምኽሪ ንምትግባር ቈራጽነት ግበር።—ያእ. 4:7

መዝሙር 127 ከመይ ዝበልኩ እየ ክኸውን ዚግብኣኒ!

^ ሕ.ጽ. 5 ሰይጣን ከም ሓደ ኽኢላ ሃዳኒ እዩ። ኣብ ኣገልግሎት የሆዋ ዘሕለፍናዮ ንውሓት ግዜ ብዘየገድስ፡ ብመፈንጠራ ገይሩ ኺሕዘና ይጽዕር እዩ። ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ሰይጣን ብትዕቢትን ብስስዐን ገይሩ ነቲ ምስ ኣምላኽ ዘሎና ርክብ ብኸመይ ኬበላሹ ኸም ዚጽዕር ክንርኢ ኢና። ካብቶም ብትዕቢትን ብስስዐን ኣብ መፈንጠራ ዝኣተዉ ሰባት ከኣ መለበሚ ኽንረክብ ኢና፣ ካብዚ መፈንጠራታት እዚ ብኸመይ ክንርሕቕ ከም እንኽእል እውን ክንርኢ ኢና።

^ ሕ.ጽ. 2 መግለጺ ቓላት፦ ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ ትዕቢት ኪብሃል ከሎ፡ ነቲ ሓደ ሰብ ካብ ካልእ ዚበልጽ ኰይኑ ዚስምዖ ስምዒት የመልክት፣ ስስዐ ኺብሃል ከሎ ድማ፡ ዝያዳ ገንዘብ፡ ሓይሊ፡ ጾታዊ ተግባር፡ ወይ ካልእ ነገር ንምርካብ ዚህሉ መጠኑ ዝሓለፈ ትምኒት የመልክት።

^ ሕ.ጽ. 53 መግለጺ ስእሊ፦ ሓደ ሓው ብትዕቢት ተደሪኹ ንዚውሃቦ ጥበባዊ መምርሒ ይነጽግ። ሓንቲ ብዙሕ ንብረት ዘለዋ ሓብቲ፡ ዝያዳ ኸተጥሪ ትደሊ።

^ ሕ.ጽ. 55 መግለጺ ስእሊ፦ ሓደ መልኣኽን ንጉስ ዑዝያን ብትዕቢት ይጽለዉ። ስስዐ ንሄዋን ካብታ እተኸልከለት ኦም ክትበልዕ፡ ንዳዊት ምስ ባትሴባ ኺዝሙ፡ ንይሁዳ ኸኣ ገንዘብ ኪሰርቕ ትድርኾ።