ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ዓንቀጽ መጽናዕቲ 26

ደቀ መዛሙርቲ ኣብ ምግባር ክትሕግዝ ትኽእልዶ፧

ደቀ መዛሙርቲ ኣብ ምግባር ክትሕግዝ ትኽእልዶ፧

“ንዓኻትኩም ድሌትን ንምግባር ዓቕምን ብምሃብ ዜበርትዓኩምሲ ኣምላኽ እዩ።”—ፊል. 2:13

መዝሙር 64 ኣብ ቀውዒ ብሓጐስ ንሳተፍ

መላለዪ *

1. የሆዋ እንታይ እዩ ገይሩልካ፧

ብኸመይ ኢኻ ናይ የሆዋ ምስክር ኴንካ፧ ፈለማ፡ ካብ ወለድኻ፡ ካብ መሳርሕትኻ፡ ካብ መማህርትኻ፡ ወይ ኣብ በቤት ብዚግበር ኣገልግሎት፡ “ብስራት” ሰሚዕካ። (ማር. 13:10) ድሕሪኡ፡ ሓደ ሰብ ብዙሕ ግዜኡን ጕልበቱን ሰዊኡ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ መሪሑልካ። ኣብቲ መጽናዕቲ እቲ፡ ንየሆዋ ኣፍቂርካዮ፡ ነቲ እተምሃርካዮ እውን ፈቲኻዮ። የሆዋ ድማ ናብ ሓቂ ስሒቡካ፣ ወደ መዝሙር የሱስ ክርስቶስ ምስ ኰንካ ኸኣ፡ ንዘለኣለም ናይ ምንባር ተስፋ ኺህልወካ ኽኢሉ። (ዮሃ. 6:44) የሆዋ ብሰብ ተጠቒሙ ሓቂ ስለ ዝመሃረካን ከም ኣገልጋሊኡ ስለ እተቐበለካን መሸም፡ ብዙሕ ተመስግኖ ኽትከውን ኣሎካ።

2. ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ ብዛዕባ እንታይ ኢና ኽንመያየጥ፧

2 ሕጂ ሓቂ ኻብ ፈለጥና፡ ካልኦት ኣብታ መገዲ ህይወት ምእንቲ ኺሓብሩና ናይ ምሕጋዝ ፍሉይ መሰል ኣሎና። ኣብ በቤት እናኸድና ምስባኽ ለሚድናዮ ንኸውን፣ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ምጅማርን ምምራሕን ግና የጸግመና ይኸውን። ከምኡ ድዩ ዚስምዓካ፧ ከምኡ ዚስምዓካ እንተ ዀይኑ፡ ምናልባት እቲ ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ ዚርከብ ገሊኡ ሓሳባት ይሕግዘካ ይኸውን። ደቀ መዛሙርቲ ንምግባር እንታይ ከም ዚድርኸና ኽንርኢ ኢና። መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ከይንመርሕ ዕንቅፋት ኪዀነና ዚኽእል ብድሆታት ብኸመይ ከም እንሰግር እውን ክንመያየጠሉ ኢና። ፈለማ፡ ስለምንታይ ሰበኽቲ ጥራይ ዘይኰነስ፡ መምህራን እቲ ብስራት ክንከውን ከም ዘሎና ኽንርኢ ኢና።

የሱስ ክንሰብኽ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ክንምህር እውን መዚዙና

3. ስለምንታይ ኢና እንሰብኽ፧

3 የሱስ ኣብ ምድሪ ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ ንሰዓብቱ ኽልተ ኽፋል ዘጣመረ መዝነት እዩ ሂብዎም። ፈለማ፡ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ኪሰብኩ ነገሮም፣ ናበይ ከም ዚኸዱ እውን ኣርኣዮም። (ማቴ. 10:7፣ ሉቃ. 8:1) ንደቀ መዛሙርቱ ድማ ገሊኦም ንመልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ኣሉታዊ ምላሽ ከም ዚህቡ፡ ገሊኦም ግና ኣወንታዊ ምላሽ ከም ዚህቡ ኣዳለዎም። (ሉቃ. 9:2-5) “ንምስክር ኵሎም ኣህዛብ” ከም ዚሰብኩ ብምንጋር ከኣ፡ ስፍሓት እቲ ስብከቶም ሓበሮም። (ማቴ. 24:14፣ ግብ. 1:8) ሰባት ነቲ ስብከት ዚህብዎ ምላሽ ብዘየገድስ፡ እቶም ደቀ መዛሙርቲ ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽን ብዛዕባ እቲ እትገብሮን ኪነግሩ ነበሮም።

4. ብመሰረት ማቴዎስ 28:18-20፡ ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ክንሰብኽ ጥራይ ዘይኰነስ እንታይ እውን ኢና ኽንገብር ዘሎና፧

4 ካልኣይ ክፋል እቲ የሱስ ዝሃቦ መዝነት እንታይ እዩ፧ የሱስ ንሰዓብቱ፡ ንሰባት ነቲ ንሱ ዝኣዘዞ ዅሉ ኺሕልዉ ኺምህርዎም ኣዘዞም። ኰይኑ ግና፡ እዚ ናይ ምስባኽን ናይ ምምሃርን ዕዮ፡ ከምቲ ገሊኦም ዚብልዎ ኣብ ቀዳማይ ዘመን ጥራይ ተሓጺሩ ዚተርፍ ድዩ ነይሩ፧ ኣይፋልን፣ እዚ ኣገዳሲ ዕዮ እዚ ኽሳዕ እዚ ግዜና፡ ማለት “ክሳዕ መደምደምታ እቲ ስርዓት” ከም ዚቕጽል የሱስ ሓቢሩ እዩ። (ማቴዎስ 28:18-20 ኣንብብ።) የሱስ ነዚ መዝነት እዚ ኣብቲ ኻብ 500 ምስ ዚበዝሑ ደቀ መዛሙርቲ ኣብ እተራኸበሉ እዋን እዩ ሂብዎም ኪኸውን ዘለዎ። (1 ቈረ. 15:6) ኣብቲ ንዮሃንስ ዘርኣዮ ራእይ ከኣ፡ ኵሎም ደቀ መዛሙርቱ ንኻልኦት ብዛዕባ የሆዋ ኺምህርዎም ትጽቢት ከም ዚግበረሎም ብንጹር ሓቢሩ እዩ።—ራእ. 22:17

5. ብመሰረት 1 ቈረንቶስ 3:6-9፡ ጳውሎስ ነቲ ኣብ መንጎ ምስባኽን ምምሃርን ዘሎ ምትእስሳር ከመይ ገይሩ ብምሳሌ ገሊጽዎ፧

5 ሃዋርያ ጳውሎስ፡ ደቀ መዛሙርቲ ምግባር፡ ተኽሊ ምስ ምብቋል ኣመሳሲልዎ ኣሎ፣ ኣብኡ ድማ ዘርኢ ኻብ ምዝራእ ንላዕሊ ኽንገብር ከም ዘሎና ገሊጹ ኣሎ። ንሰብ ቈረንቶስ ከኣ፡ “ኣነ ተኺለ፡ ኣጵሎስ ኣስትዩ” ድሕሪ ምባሉ፡ “ንስኻትኩም ሕርሻ ኣምላኽ . . . ኢኹም” በሎም። (1 ቈረንቶስ 3:6-9 ኣንብብ።) ንሕና ኣብ “ሕርሻ ኣምላኽ” እንዓዪ ዓየይቲ ስለ ዝዀንና፡ ዘርኢ ምዝራእ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ነቲ ተኽሊ ማይ ነስትዮን ኣዘውቲርና ዕቤቱ ንከታተሎን ኢና። (ዮሃ. 4:35) እንተዀነ ግና፡ እቲ ዜብቍል ኣምላኽ ምዃኑ ንፈልጥ ኢና።

6. መምህራን ኴንና እንዓዮ ዕዮ እንታይ የጠቓልል፧

6 ንሕና ነቶም “ናብ ናይ ዘለኣለም ህይወት ዘንቀዱ” ኢና እንደሊ ዘለና። (ግብ. 13:48) እቶም ውልቀ ሰባት እቲኦም ደቀ መዛሙርቲ ምእንቲ ኪዀኑ፡ ነቲ ኻብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚምሃርዎ፡ (1) ኪርድእዎ፡ (2) ኪቕበልዎ፡ (3) ኪትግብርዎ ኽንሕግዞም ኣሎና። (ዮሃ. 17:3፣ ቈሎ. 2:6, 7፣ 1 ተሰ. 2:13) ተምሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ኣኼባታት ኪእከቡ ኸለዉ፡ ኣብ ጉባኤ ዘለዉ ዅላቶም ነዞም ሓደስቲ ፍቕሮም ብምግላጽን ጽቡቕ ገይሮም ብምቕባልን ሰናይ ኣብነት ኪዀንዎም ይኽእሉ እዮም። (ዮሃ. 13:35) እቲ መጽናዕቲ ዚመርሕ ክርስትያን እውን ነቲ ኣብቲ ተምሃራይ ከም “ጽኑዕ ዕርድታት” ዝዀነ እምነታት ወይ ልምድታት ንምፍራስ፡ ብዙሕ ግዜኡን ጕልበቱን ኪውፊ ኣለዎ። (2 ቈረ. 10:4, 5) ንሓደ ውልቀ ሰብ ነዚ ስጕምትታት እዚ ኸም ዚሰግርን ናብ ጥምቀት ከም ዚበጽሕን ምግባር፡ ብዙሕ ኣዋርሕ የድልየካ ይኸውን። ፍሪኡ ግና ዚኽሕስ እዩ።

ፍቕሪ፡ ደቀ መዛሙርቲ ኽንገብር ትድርኸና

7. ኣብ ምስባኽን ደቀ መዛሙርቲ ኣብ ምግባርን ክንሳተፍ ዚድርኸና እንታይ እዩ፧

7 ኣብ ናይ ምስባኽን ደቀ መዛሙርቲ ኣብ ናይ ምግባርን ዕዮ እንሳተፍ ስለምንታይ ኢና፧ ቀዳማይ፡ ንየሆዋ ነፍቅሮ ኢና። ንምስባኽን ደቀ መዛሙርቲ ንምግባርን እተዋህበካ ትእዛዝ ንምፍጻም ዚከኣለካ ኽትገብር ከለኻ፡ ንኣምላኽ ዘላትካ ፍቕሪ ኢኻ እተርኢ ዘለኻ። (1 ዮሃ. 5:3) ሕስብ እሞ ኣብሎ፦ ንየሆዋ ዘላትካ ፍቕሪ ኣብ በቤት እናኸድካ ኽትሰብኽ ደሪኻትካ እያ። እቲ ትእዛዝ እትስ ቀሊል ድዩ ነይሩ፧ ምናልባት ኣይኰነን። ኣብ ዕዮ ስብከት ናብታ ናይ ፈለማ ቤት ክትቀርብ ከለኻ፡ ፈሪህካዶ ኔርካ፧ እወ፡ ፈሪህካ ትኸውን ኢኻ። የሱስ ነዚ ዕዮ እዚ ኽትዓዪ ኸም ዚደልየካ ግና ትፈልጥ ኢኻ፣ ስለዚ፡ ተኣዚዝካዮ። እናሓደረ ኸኣ ኣብ ስብከት ምስታፍ እናቐለለካ ኸይዱ። መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ምምራሕ ግና ከመይ እዩ ዚስምዓካ፧ ክትሓስቦ ኸለኻ እኳ የፍርሃካ ድዩ፧ ምናልባት የፍርሃካ ይኸውን። ፍርህኻ ኸተሰንፍን መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ተቢዕካ ኽትመርሕን ካብ የሆዋ ሓገዝ እንተ ለሚንካ ግና፡ የሆዋ ድማ ደቀ መዛሙርቲ ንምግባር ዘሎካ ድሌት ኬሐይሎ እዩ።

8. ብመሰረት ማርቆስ 6:34፡ ንሰባት ክንምህር ዚድርኸና እንታይ ተወሳኺ ምኽንያት ኣሎና፧

8 ካልኣይ፡ ንሰባት ዘላትና ፍቕሪ፡ ሓቂ ኽንምህሮም ትድርኸና እያ። ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ፡ የሱስን ደቀ መዛሙርቱን ኣብ ስብከት ብዙሕ ኪዓይዩ ድሕሪ ምጽናሕ ደኸሙ። ናብ ዜዕርፉሉ ቦታ ድማ ከዱ፣ ብዙሓት ህዝቢ ግና ረኸብዎም። የሱስ ብድንጋጽ ተደሪኹ፡ “ብዙሕ . . . ኪምህሮም” ጀመረ። (ማርቆስ 6:34 ኣንብብ።) ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ደኺሙ ኸሎ እዩ ምሂርዎም። ስለምንታይ፧ ገዛእ ርእሱ ኣብ ቦታ እቶም ህዝቢ ኣእትዩ ስለ ዝረኣየ እዩ። ክሳዕ ክንደይ ከም እተገፍዑ፡ ክሳዕ ክንደይ ተስፋ ኸም ዜድልዮም ርእዩ፣ ኪሕግዞም ድማ ደልዩ። ሎሚ ሰባት ኣብ ተመሳሳሊ ዅነታት እዮም ዘለዉ። ብደጋዊ ትርኢቶም ኣይትታለል። ጓሳ ኸም ዘይብለን ኣባጊዕ ፋሕ ኢሎም እዮም ዘለዉ። ሃዋርያ ጳውሎስ ንኸምዚኣቶም ዝበሉ ሰባት ብዘይ ኣምላኽን ተስፋ ዘይብሎምን ከም ዝዀኑ ገይሩ ገሊጽዎም እዩ። (ኤፌ. 2:12) ኣብታ ‘ናብ ጥፍኣት እትወስድ መገዲ’ እዮም ዘለዉ። (ማቴ. 7:13) ንመንፈሳዊ ዅነታት እቶም ኣብ ክልና ዘለዉ ሰባት ምስ እንሓስበሉ፡ ብፍቕርን ብርሕራሐን ተደሪኽና ኽንሕግዞም ንለዓዓል ኢና። ንዓታቶም እንሕግዘሉ ብሉጽ መገዲ ኸኣ፡ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኪጅምሩ ኣጋጣሚ ብምኽፋት እዩ።

9. ብመሰረት ፊልጲ 2:13፡ የሆዋ ብኸመይ ኪሕግዘካ ይኽእል፧

9 ምናልባት መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ምምራሕ ዚሓትቶ ግዜ ስለ እትፈልጥ፡ መጽናዕቲ ምጅማር ትወላወል ትኸውን። ከምኡ ዚስምዓካ እንተ ዀይኑ፡ ስምዒትካ ንየሆዋ ንገሮ። መጽናዕቲ ኽትረክብን ክትመርሕን ድሌት ምእንቲ ኺሓድረካ፡ ካብኡ ሓገዝ ለምን። (ፊልጲ 2:13 ኣንብብ።) ኣምላኽ ነቲ ምስ ፍቓዱ ዚሰማማዕ ጸሎትና ኸም ዚምልሰልና፡ ሃዋርያ ዮሃንስ ኣረጋጊጹልና ኣሎ። (1 ዮሃ. 5:14, 15) ስለዚ፡ ደቀ መዛሙርቲ ንምግባር ድሌት ምእንቲ ኺሓድረካ፡ የሆዋ ኸም ዚሕግዘካ ርግጸኛ ኽትከውን ትኽእል ኢኻ።

ካልእ ብድሆታት ምስጋር

10-11. መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ከይንመርሕ እንታይ እዩ ዕንቅፋት ኪዀነና ዚኽእል፧

10 ደቀ መዛሙርቲ ኣብ ምግባር ከምቲ እንደልዮ ኽንገብር ዘየኽእለና ብድሆታት እኳ እንተ ኣሎና፡ ነቲ ኽንምህር እተዋህበና መዝነት ግና ኣርዚንና ኢና እንርእዮ። ገለ ኻብዚ ብድሆታት እንታይ ምዃኑን ከመይ ጌርና ኽንሰግሮ ኸም እንኽእልን እስከ ንርአ።

11 ኵነታትና ዝደረተና ዀይኑ ይስምዓና። ንኣብነት፡ ገሊኦም ኣስፋሕቲ ብዕድመ ደፊኦም እዮም፡ ወይ ከኣ ብዙሕ ጥዕና የብሎምን። ንስኻኸ ኸምኡ ዲኻ፧ ከምኡ እንተ ዄንካ፡ ሓደ ኻብቲ ኻብ ለበዳ ኮቪድ-19 እተምሃርናዮ እስከ ንርአ። ኣብ እዋን እቲ ለበዳ፡ ብኤለክትሮኒካዊ መገዲ ውጽኢታዊ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ክንመርሕ ከም እንኽእል ፈሊጥና ኢና። ስለዚ፡ ኣብ ገዛኻ ማሚቝካ ኸለኻ፡ መጽናዕቲ ኸተጀምርን ክትመርሕን ትኽእል ኢኻ። እዚ ሜላ እዚ ኻልእ ረብሓ እውን ኣለዎ። ገሊኦም መጽሓፍ ቅዱስ ኬጽንዑ እናደለዩ ኽነሶም፡ ኣብቲ ኣሕዋትና መብዛሕትኡ ግዜ ንስብከት ዚምድብዎ ሰዓታት ግና ኣይጥዕሞምን እዩ። ንስኻ ግና ኣንጊህካ ወይ ኣምሲኻ መጽናዕቲ ኽትመርሕ ይጥዕመካ ይኸውን። ኣብቲ ግዜ እቲ መጽናዕቲ ንምምራሕ ፍቓደኛ ኽትከውን ምኸኣልካዶ፧ ኒቆዲሞስ ንየሱስ ብለይቲ ኼዛራርቦ ስለ ዝደለየ፡ የሱስ ብለይቲ እዩ ምሂርዎ።—ዮሃ. 3:1, 2

12. እንታይ ረቛሒታት እዩ ንፉዓት መምህራን ንምዃን ዓቕሚ ኸም ዘሎና ርእሰ ምትእምማንና ኺውስኸልና ዚኽእል፧

12 መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንምምራሕ ዜኽእል ብቕዓት ዘይብልና ይመስለና ይኸውን። መጽናዕቲ ንምምራሕ፡ ከም መምህር መጠን ዝያዳ ፍልጠት ወይ ክእለት ዜድልየና ዀይኑ ይስምዓና ይኸውን። ከምኡ ዚስምዓካ እንተ ዀይኑ፡ ንርእሰ ምትእምማንካ ኺውስኸሉ ዚኽእል ሰለስተ ረቛሒ እስከ ንርአ። ቀዳማይ፡ የሆዋ፡ ንኻልኦት ንምምሃር ብቑዕ ከም ዝዀንካ ገይሩ እዩ ዚርእየካ። (2 ቈረ. 3:5) ካልኣይ፡ እቲ “ኣብ ሰማይን ኣብ ምድርን ኵሉ ስልጣን” እተዋህቦ የሱስ፡ ክትምህር መዚዙካ እዩ። (ማቴ. 28:18) ሳልሳይ፡ ካልኦት እውን ኪሕግዙኻ ይኽእሉ እዮም። የሱስ ከምቲ ኻብ ኣቦኡ እተማህሮ ገይሩ እዩ ተዛሪቡ፣ ንስኻ እውን ከምኡ ኽትገብር ትኽእል ኢኻ። (ዮሃ. 8:28፣ 12:49) ብተወሳኺ፡ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንምጅማርን ንምምራሕን ሓገዝ ምእንቲ ኽትረክብ፡ ንሓላው ጕጅለ ኣገልግሎት ወፍሪ፡ ንሓደ ብቑዕ ፈላሚ፡ ወይ ንሓደ ምኩር ኣስፋሒ ኽትሓትቶ ትኽእል ኢኻ። ሓደ ኻብቲ ርእሰ ምትእምማንካ ኸተዕብየሉ እትኽእል መገዲ፡ ምስዞም ኣስፋሕቲ እዚኦም ናብ መጽናዕቶም ተዓዲምካ ብምኻድ እዩ።

13. ስለምንታይ ኢኻ ሓድሽ መገዲ ኽትለምድ ዜድልየካ፧

13 ሓድሽ ሜላታትን ሓድሽ ናውትን ምልማድ የጸግመና ይኸውን። መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ እንመርሓሉ መገዲ ተቐዪሩ እዩ። ሕጂ፡ በታ ንዘለኣለም ብህይወት ንበር! ዘርእስታ ንመጽናዕቲ እትኸውን ቀንዲ ጽሕፍቲ ስለ እንመርሕ፡ ኣቐዲምና ኽንዳሎን ካብ ዝሓለፈ ግዜያት ብእተፈልየ መገዲ መጽናዕቲ ኽንመርሕን ኣሎና። እነንብቦ ሕጡብ ጽሑፋት ነክዩ፡ ምስ ተምሃራይ እንገብሮ ምይይጥ ከኣ ወሲኹ እዩ። ክንምህር ከለና፡ ዝያዳ ቪድዮታትን ከም JW Library® ዝኣመሰለ ኤለክትሮኒካዊ ናውትን ንጥቀም ኢና። ነዚ ናውቲ እዚ ምጥቃም ዚኸብደካ እንተ ዀይኑ፡ ኣጠቓቕማኡ ኺምህረካ ንዚኽእል ሰብ ኣዛርብ። ንሕና ሰባት ብልማድ እንወሳወስ ፍጡራት ኢና። ሓድሽ መገዲ ምልማድ ይኸብደና እዩ። ብሓገዝ የሆዋን ብሓገዝ ካልኦትን ግና፡ ምስ ሰባት ንምጽናዕ ዜኽእል ምትዕርራይ ክትገብርን ነቲ መጽናዕቲ ብዝያዳ ኽትፈትዎን ትኽእል ኢኻ። ሓደ ፈላሚ፡ እዚ ሜላ መጽናዕቲ እዚ፡ “ንተምሃራይን ንመምህርን ባህ ዜብል” ኢሉ ገሊጽዎ ኣሎ።

14. ኣብ ኣጸጋሚ ኽሊ ኸነገልግል ከለና እንታይ ኢና ኽንዝክር ዘሎና፧ 1 ቈረ. 3:6, 7ከ ብኸመይ ተተባብዓና፧

14 መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንምጅማር ኣጸጋሚ ኣብ ዝዀነሉ ኽሊ ንነብር ንኸውን። ሰባት ብመልእኽትና ዘይግደሱ፡ ካብኡ ሓሊፎም እውን ንመልእኽትና ዚጻረሩ ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም። እሞ ደኣ ኣብ ከምዚ ዝበለ ኽሊ ኣወንታውያን ኴንና ንምምልላስ እንታይ ኪሕግዘና ይኽእል፧ ኣብዛ እትናወጽ ዘላ ዓለም ኵነታት ሰባት ብቕልጡፍ ኪልወጥ ከም ዚኽእል ኣይትረስዕ፣ እቶም ኣብ ሓደ እዋን ዘይግደሱ ዝነበሩ ሰባት መንፈሳዊ ህርፋን ኬማዕብሉ ይኽእሉ እዮም። (ማቴ. 5:3) ገሊኦም ኣብ ሕሉፍ ግዜያት ጽሑፋትና ዘይቅበሉ ዝነበሩ ሰባት፡ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኪገብሩ ፍቓደኛታት ኰይኖም እዮም። ብዘይካዚ፡ እቲ ጐይታ እኽሊ፡ የሆዋ ምዃኑ ንፈልጥ ኢና። (ማቴ. 9:38) ብቐጻሊ ኽንተክልን ከነስትን ይደልየና እዩ፣ እቲ ዜብቍል ግና ንሱ እዩ። (1 ቈረ. 3:6, 7) ሕጂ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንመርሕ እኳ እንተ ዘየለና፡ የሆዋ ብመሰረት እነፍርዮ ፍረ ዘይኰነስ፡ ብመሰረት ጻዕርና ኸም ዚባርኸና ምዝካርና ብዙሕ የተባብዓና እዩ። *

ወደ መዝሙር ብምግባር ዚርከብ ሓጐስ ኣስተማቕር

ናይ ምስባኽን ናይ ምምሃርን ዕዮና ንሰብ እንታይ ኪገብረሉ ኸም ዚኽእል ርአ (ሕጡብ ጽሑፍ 15-17 ርአ) *

15. ሓደ ሰብ መጽሓፍ ቅዱስ ኬጽንዕን ነቲ እተማህሮ ኺትግብሮን ከሎ፡ የሆዋ እንታይ ይስምዖ፧

15 ሓደ ሰብ መጽሓፍ ቅዱሳዊ ሓቂ ኪቕበልን ነቲ ሓቂ እቲ ንኻልኦት ኬካፍሎምን ከሎ፡ የሆዋ ይሕጐስ እዩ። (ምሳ. 23:15, 16) ሎሚ፡ ኣብ ብዘላ ዓለም ዚኸውን ዘሎ ኺርኢ ኸሎ፡ ኣጸቢቑ ይሕጐስ ከም ዘሎ ኣየጠራጥርን እዩ። ንኣብነት፡ ኣብ ዓመት ኣገልግሎት 2020፡ ዓለምለኻዊ ለበዳ እናሃለወ ኽነሱ፡ 7,705,765 መጽናዕትታት መጽሓፍ ቅዱስ ተመሪሑ እዩ፣ 241,994 ሰባት ከኣ ርእሶም ንየሆዋ ወፍዮም ተጠሚቖም እዮም። እዞም ሓደስቲ ደቀ መዛሙርቲ ድማ ብግዲኦም መጽናዕትታት መጽሓፍ ቅዱስ ኪመርሑን ተወሰኽቲ ደቀ መዛሙርቲ ኺገብሩን እዮም። (ሉቃ. 6:40) እምበኣር፡ ደቀ መዛሙርቲ ኣብ ምግባር ክንሳተፍ ከለና፡ ንየሆዋ ብዘይ ጥርጥር ነሐጕሶ ኢና።

16. እንታይ ጽቡቕ ሸቶ ኢና ኽንገብር እንኽእል፧

16 ደቀ መዛሙርቲ ምግባር ጻዕሪ ይሓትት እዩ፣ ብሓገዝ የሆዋ ግና፡ ሓደስቲ ሰባት ንሰማያዊ ኣቦና ኼፍቅርዎ ኣብ ምምሃር እጃምና ኸነበርክት ንኽእል ኢና። እሞ ደኣ እንተ ወሓደ ሓደ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንምጅማርን ንምምራሕን ሸቶ ኽንገብር ንኽእልዶ፧ ኣብ ኵሉ ግቡእ ኣጋጣሚ፡ ንእንረኽቦም ዘበሉ ሰባት መጽናዕቲ ኺጅምሩ እንተ ሓቲትናዮም፡ በቲ እንረኽቦ ምላሽ ንግረም ንኸውን። የሆዋ ንጻዕርና ኸም ዚባርኾ ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና።

17. መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ እንተ መሪሕና፡ እንታይ ኢና ኸነስተማቕር፧

17 ንሰባት ሓቂ ምስባኽን ምምሃርንሲ ኸመይ ዝበለ ፍሉይ መሰል ኰን እዩ! እዚ ዕዮ እዚ ብሓቂ የሐጕሰና እዩ። ኣብ ተሰሎንቄ ንዝነበሩ ብዙሓት ሰባት ደቀ መዛሙርቲ ኪዀኑ ዝሓገዘ ሃዋርያ ጳውሎስ፡ “ኣብ ቅድሚ ጐይታና የሱስ፡ ንሱ ኣብዚ ኣብ ዚህልወሉ እዋንሲ፡ ተስፋና ወይ ሓጐስና ወይ ኣኽሊል ፍስሃና መን እዩ፧ ንስኻትኩም ደይኰንኩምን፧ ንስኻትኩምሲ ኽብርናን ሓጐስናን ኢኹም” ብምባል ነዚ ስምዒት እዚ ገሊጽዎ ኣሎ። (1 ተሰ. 2:19, 20፣ ግብ. 17:1-4) ሎሚ ብዙሓት ሰባት ከምኡ ይስምዖም እዩ። ምስ ሰብኣያ ሓቢራ ንብዙሓት ሰባት ናብ ጥምቀት ኪበጽሑ ዝሓገዘት ስተፋኒ ዝስማ ሓብቲ፡ “ንሰባት ርእሶም ንየሆዋ ኺውፍዩ ኻብ ምሕጋዝ ዚዓቢ ሓጐስ የልቦን” ትብል።

መዝሙር 57 ንዅሉ ዓይነት ሰብ ንስበኽ

^ ሕ.ጽ. 5 የሆዋ ንሰባት ክንሰብከሎም ጥራይ ዘይኰነስ፡ ኵሉ እቲ የሱስ ዝኣዘዞ ኺሕልዉ ኽንምህሮም እውን እዩ ፍሉይ መሰል ሂቡና። ንሰባት ክንምህሮም ዚድርኸና እንታይ እዩ፧ ኣብ ናይ ምስባኽን ደቀ መዛሙርቲ ኣብ ናይ ምግባርን ዕዮ እንታይ ብድሆታት የጋጥመና፧ ነዚ ብድሆታት እዚኸ ብኸመይ ክንሰግሮ ንኽእል፧ እዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ነዚ ሕቶታት ክትምልሶ እያ።

^ ሕ.ጽ. 14 ደቀ መዛሙርቲ ኣብ ምግባር ብዛዕባ ዘሎና ግደ፡ ኣብ ናይ መጋቢት 2021 ሕታም ግምቢ ዘብዐኛ ዝወጸት፡ “ኣብ ጉባኤ ዘለኹም ኵላትኩም፡ ንተምሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ናብ ጥምቀት ኪዓብዩ ሓግዝዎም” ዘርእስታ ዓንቀጽ ርአ።

^ ሕ.ጽ. 53 መግለጺ ስእሊ፦ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ህይወት ሰብ ኬምጽኦ ዚኽእል ለውጥታት ርአ፦ ኣብ ፈለማ፡ ሓደ ሰብኣይ ካብ የሆዋ ተፈልዩ ዕላማ ዘይብሉ ህይወት ይመርሕ። ድሕሪኡ፡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኪሰብኩ ኸለዉ ይረኽብዎ እሞ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ የጀምርዎ። እቲ እተማህሮ ኸኣ ናብ ወፈያን ጥምቀትን ይመርሖ። ድሕርዚ፡ ንሱ እውን ደቀ መዛሙርቲ ኣብ ምግባር ይሳተፍ። ኣብ መወዳእታ፡ ኵላቶም ኣብ ገነት ይሕጐሱ።