ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ዓንቀጽ መጽናዕቲ 27

ንተጻዋርነት የሆዋ ቕድሓዮ

ንተጻዋርነት የሆዋ ቕድሓዮ

“ንህይወትኩም ብተጻዋርነትኩም ከተድሕንዋ ኢኹም።”—ሉቃ. 21:19

መዝሙር 114 “ተዓገሱ”

መላለዪ *

1-2. ኣብ ኢሳይያስ 65:16, 17 ዚርከብ ቃላት የሆዋ፡ ከይንሕለል ዜተባብዓና ብኸመይ እዩ፧

“ኣይትተሓለሉ!” ፍረ ነገር ኣኼባ ዞባ 2017 ከምኡ እዩ ዚብል ነይሩ። ኣብቲ ኣኼባ ኸኣ፡ ኣብ ትሕቲ ዜጋጥመና ጸገማት ከመይ ጌርና ኽንጻወር ከም እንኽእል ርኢና ኔርና። ካብ ሽዑ ኣርባዕተ ዓመት ሓሊፉ ኣሎ፣ ክሳዕ ሕጂ ድማ ኣብዚ ስርዓት እዚ ንጻወር ኣለና።

2 ኣብ ቀረባ ግዜ እንታይ ጸገማት ኣጋጢሙካ፧ ኣባል ስድራ ቤትካ ወይ እትፈትዎ ፈታዊኻ ሞይቱካዶ፧ ንህይወትካ ዜስግእ ሕማም ኣጋጢሙካዶ፧ እርጋን ዜምጽኦ ጸገማት ኣጓኒፉካዶ፧ ባህርያዊ ሓደጋ፡ ዓመጻ፡ ወይ መስጐጕቲ ኣጋጢሙካዶ፧ ከም ለበዳ ኮቪድ-19 ዝኣመሰለ ሕማም ኣሸጊሩካዶ፧ ነታ እዚ ዅሉ ነበረያ ነበረ ዚዀነላ መዓልቲ፡ ማለት ነታ ነዚ ዅሉ ጠሪስና እንርስዓሉን ደጊምና ዘይንርእየሉን መዓልቲ ሃረር ኢና እንብል ዘለና!—ኢሳይያስ 65:16, 17 ኣንብብ።

3. ሕጂ እንታይ ክንገብር ኣሎና፧ ስለምንታይከ፧

3 ህይወት ኣብዚ ስርዓት እዚ ኸቢድ እዩ፣ ኣብ መጻኢ ኸኣ ዝኸበደ ጸገማት የጋጥመና ይኸውን። (ማቴ. 24:21) እምበኣር፡ ተጻዋርነትና ኸነሐይል ኣሎና። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ፡ የሱስ፡ “ንህይወትኩም ብተጻዋርነትኩም ከተድሕንዋ ኢኹም” ኢሉና እዩ። (ሉቃ. 21:19) ካልኦት ከም ናትና ዝኣመሰለ ጸገማት ብዓወት ይጻወሩ ኸም ዘለዉ ምፍላጥና፡ ተጻዋርነትና ኼሐይለልና ይኽእል እዩ።

4. የሆዋ ብሉጽ ኣብነት ተጻዋርነት እዩ ኽንብል እንኽእል ስለምንታይ ኢና፧

4 ብሉጽ ኣብነት ተጻዋርነት መን እዩ፧ የሆዋ ኣምላኽ እዩ። እዚ መልሲ እዝስ ኣገሪሙካዶ፧ ቅድሚ ሕጂ ዘይሓሰብካሉ እንተ ዄንካ፡ የገርመካ ይኸውን። እዛ ዓለም እዚኣ ኣብ ትሕቲ ቝጽጽር ድያብሎስ እያ ዘላ፣ ስለዚ፡ ጸገማት መሊእዋ ኣሎ። የሆዋ ነዚ ብቕጽበት ኬዐርዮ ይኽእል እዩ፣ ኰይኑ ግና፡ ነቲ ጸገማት ዜዐርየሉ መዓልቲ ኽሳዕ እትኣክል ይጽበ ኣሎ። (ሮሜ 9:22) ግዜኡ ኽሳዕ ዚኣክል፡ ይጻወር ኣሎ። የሆዋ ኺጻወሮ ዝወሰነ ትሽዓተ ነገራት እስከ ንርአ።

የሆዋ ኺጻወሮ ዝወሰነ ነገራት እንታይ እዩ፧

5. ስም ኣምላኽ ዚጽረፍ ዘሎ ብኸመይ እዩ፧ ብዛዕባኡኸ እንታይ ይስምዓካ፧

5 ኣብ ስሙ እተላዕለ ጸርፊ። የሆዋ ንስሙ ይፈትዎ እዩ፣ ኵሉ ሰብ ኬኽብሮ እውን ይደሊ እዩ። (ኢሳ. 42:8) ንሽዱሽተ ሽሕ ዓመት ግና፡ ስሙ ኺጽረፍ ጸኒሑ እዩ። (መዝ. 74:10, 18, 23) እዚ ድማ ኣብ ገነት ኤደን፡ ድያብሎስ (ትርጉሙ “ሓማዪ”) ንኣምላኽ ምስ ከሰሶ እዩ ጀሚሩ። ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ንኣዳምን ንሄዋንን ሕጉሳት ኪዀኑ ዜድልዮም ነገር ከም ዝኸልከሎም ገይሩ እዩ ኸሲስዎ። (ዘፍ. 3:1-5) ካብቲ ግዜ እቲ ኣትሒዙ፡ የሆዋ ንደቂ ሰብ ብሓቂ ዜድልዮም ነገር ከም ዝኸልከሎም ጌርካ ብሓሶት ይኽሰስ ኣሎ። የሱስ፡ እቲ ኣብ ስም ኣቦኡ እተዀመረ ጸርፊ ኣተሓሳሲብዎ እዩ። ስለዚ ድማ፡ ንደቀ መዛሙርቱ፡ “ኣብ ሰማያት እትነብር ኣቦና፡ ስምካ ይቀደስ” ኢሎም ኪጽልዩ ምሂርዎም እዩ።—ማቴ. 6:9

6. የሆዋ ንጕዳይ ልዑላውነት መዕለቢ ንምግባር እኹል ግዜ ኺሓልፍ ዝፈቐደ ስለምንታይ እዩ፧

6 ንልዑላውነቱ ዘጋጠሞ ተቓውሞ። የሆዋ ንሰማያትን ንምድርን ናይ ምግዛእ ምሉእ መሰል ኣለዎ፣ ኣገዛዝኣኡ ኸኣ ብሉጽ እዩ። (ራእ. 4:11) ድያብሎስ ግና ንመላእኽትን ንሰባትን ብምትላል፡ ኣምላኽ ኪገዝእ መሰል ከም ዘይብሉ ገይሮም ከም ዚሓስቡ ኺገብሮም ፈቲኑ እዩ። ጕዳይ ልዑላውነት የሆዋ ብሓንሳእ መዕለቢ ኺግበረሉ ኣይከኣልን እዩ። ስለዚ፡ ኣምላኽ ብጥበቡ ተደሪኹ፡ ደቂ ሰብ ካብ ፈጣሪኦም ተፈልዮም ብርእሶም ኪመሓደሩ ዚገብርዎ ፈተነ ናብ ፍሽለት ከም ዜምርሕ ኺግንዘቡ እኹል ግዜ ፈቒዱ ኣሎ። (ኤር. 10:23) ሳላ ትዕግስቲ የሆዋ ኸኣ፡ እቲ ጕዳይ ሓንሳእን ንሓዋሩን መዕለቢ ኺግበረሉ እዩ። ኣብ ምድሪ መንግስቲ ኣምላኽ ጥራይ ናይ ሓቂ ሰላምን ደሓንን ከም እተምጽእ ምስ ተራእየ፡ ሓቅነቱ ኺረጋገጽ እዩ።

7. መን እዮም ካብ የሆዋ ዝዓለዉ፧ ንሱኸ እንታይ ኪገብሮም እዩ፧

7 ዕልወት ገሊኦም ደቁ። የሆዋ ንመንፈሳውያንን ንሰብኣውያንን ደቁ እንታ ዘይብሎም ፍጹማት ገይሩ እዩ ፈጢርዎም ነይሩ። እቲ ሰይጣን (ትርጉሙ “ተጻራሪ”) እተባህለ ዓለወኛ መልኣኽ ግና፡ ነቶም ፍጹማት ሰባት ዝነበሩ ኣዳምን ሄዋንን ካብ የሆዋ ኸም ዚዓልዉ ገበረ። ካልኦት መላእኽትን ሰባትን እውን ኣብቲ ዕልወት ሓበሩ። (ይሁ. 6) ደሓር፡ ኣባላት እቶም ሕሩያት ህዝቢ ዝነበሩ እስራኤላውያን እኳ፡ ንኣምላኽ ሓዲጎም ናይ ሓሶት ኣማልኽቲ ኼምልኹ ጀመሩ። (ኢሳ. 63:8, 10) የሆዋ ድማ ብሰንኪ እዚ ጥልመቶም ሕማቕ ተሰምዖ። ኰይኑ ግና፡ ነዚ ተጻዊርዎ እዩ፣ ንዅሎም ዓለወኛታት መወዳእታ ዚገብረሉ ግዜ ኽሳዕ ዚኣክል ድማ ኪጻወር እዩ። ስጕምቲ ምስ ወሰደ ኸኣ፡ ነቶም ኣብዚ ስርዓት ንዘሎ እከይ ዚጻወሩ ዘለዉ እሙናቱ እፎይታ ኼምጽኣሎም እዩ።

8-9. ብዛዕባ የሆዋ እንታይ ሓሶት እዩ ዚዝረብ፧ ንሕናኸ ብኸመይ ኢና ምላሽ እንህበሉ፧

8 ቀጻሊ ሓሶት ድያብሎስ። ሰይጣን ነቲ ቕኑዕ ኣገልጋሊ የሆዋ ዝዀነ እዮብ ኣብ ዝኸሰሶ ኽሲ፡ ኵሎም እሙናት ኣምለኽቲ የሆዋ ንጥቕሚ ርእሶም ኢሎም ንኣምላኽ ከም ዜገልግልዎ ጠቂኑ እዩ። (እዮ. 1:8-11፣ 2:3-5) ድያብሎስ ክሳዕ ሕጂ ይኸስስ እዩ ዘሎ። (ራእ. 12:10) ንሕና ድማ ዜጋጥመና ፈተናታት ብምጽዋርን ካብ ፍቕሪ ተላዒልና ንየሆዋ እሙናት ብምዃንን፡ ክሲ ሰይጣን ሓሶት ምዃኑ ንምርግጋጽ እጃምና ኽንገብር ንኽእል ኢና። ከም እዮብ ከኣ፡ ስለቲ ተጻዋርነትና ኽንባረኽ ኢና።—ያእ. 5:11

9 ሰይጣን ብመራሕቲ ናይ ሓሶት ሃይማኖት ኣቢሉ፡ የሆዋ ጨካንን ብመከራ ደቂ ሰብ ተሓታትን ከም ዝዀነ ገይሩ ይኸስስ እዩ። ገሊኦም እሞ ኸኣ፡ ሕጻናት ኪሞቱ ኸለዉ፡ ኣምላኽ ኣብ ሰማይ መላእኽቲ ስለ ዝደለየ ኸም ዝወሰዶም ይዛረቡ እዮም። ኣቤት ጸርፊ! ንሕና ግና ከምኡ ዘይምዃኑ ንፈልጥ ኢና። ከቢድ ሕማም ኬጋጥመና ኸሎ ወይ እንፈትዎ ሰብና ኺሞተና ኸሎ፡ ንኣምላኽ ከቶ ኣይንወቕሶን ኢና። ብኣንጻሩ እኳ ደኣስ፡ ሓደ መዓልቲ ነዚ ኸም ዜዐርዮ እምነት ኣሎና። ንዚሰምዕ ዘበለ ዅሉ፡ የሆዋ ኣምላኽና ኽሳዕ ክንደይ ፈቃር ከም ዝዀነ ኽንነግር ንኽእል ኢና። እዚ ኸኣ ነቲ ዜባጭወሉ ጽቡቕ ምላሽ ኪዀኖ እዩ።—ምሳ. 27:11

10. መዝሙር 22:23, 24 ብዛዕባ የሆዋ እንታይ ትገልጽ፧

10 መከራ እቶም ዚፈትዎም ኣገልገልቱ። የሆዋ ርሕሩሕ ኣምላኽ እዩ። ብሰንኪ ዘጋጠመና መከራ፡ ማለት ብሰንኪ መስጐጕቲ፡ ብሰንኪ ሕማም፡ ወይ ብሰንኪ ዘይፍጽምናና ኸነእዊ ኣይደልየናን እዩ። (መዝሙር 22:23, 24 ኣንብብ።) ስቓይና ይስምዖ እዩ፣ ነዚ ደው ኬብሎ ይደሊ እዩ፡ ደው ኬብሎ እውን እዩ። (ምስ ዘጸኣት 3:7, 8፣ ኢሳይያስ 63:9 ኣረኣኢ።) እታ መዓልቲ ምስ ኣኸለት፡ “ንብዘሎ ንብዓት ካብ [ኣዒንትና] ኺደርዝ እዩ፣ ደጊም ሞት ኣይኪኸውንን፡ ደጊም እውን ሓዘን ወይ ኣውያት ወይ ስቓይ ኣይኪኸውንን እዩ።”—ራእ. 21:4

11. የሆዋ ብዛዕባ እቶም ሞይቶም ዘለዉ እሙናት ኣገልገልቱ እንታይ ይስምዖ፧

11 ሞይቶም ምስ ዘለዉ ፈተውቱ ምፍልላዩ። የሆዋ ብዛዕባ እቶም ዝሞቱ እሙናት ሰብኡትን ኣንስትን እንታይ ይስምዖ፧ ዳግም ኪርእዮም ይናፍቕ እዩ! (እዮ. 14:15) የሆዋ ንፈታዊኡ ኣብርሃም ክሳዕ ክንደይ ከም ዚናፍቖስ ክትግምትዶ ትኽእል፧ (ያእ. 2:23) ወይ ድማ ነቲ “ገጽ ንገጽ” ዚዛረቦ ዝነበረ ሙሴ ኽሳዕ ክንደይ ከም ዚናፍቖስ ክትግምትዶ ትኽእል፧ (ዘጸ. 33:11) ዳዊትን ካልኦት ዘመርትን ጥዑም መዝሙር ውዳሰ ኺዝምሩሉ እውን ይናፍቕ እዩ። (መዝ. 104:33) እዞም ፈተውቲ ኣምላኽ እዚኦም ሞይቶም እኳ እንተ ኣለዉ፡ የሆዋ ኣይረስዖምን። (ኢሳ. 49:15) ንዅሉ ባህርያቶም ብዝርዝር ይዝክሮ እዩ። “ብኣረኣእያኡ ዅላቶም ህያዋን እዮም።” (ሉቃ. 20:38፡ እ.ጽ.) ሓደ መዓልቲ ኸኣ፡ ዳግም ህያዋን ኪገብሮም እዩ፣ ከም ብሓድሽ እውን ልባዊ ጸሎቶም ኪሰምዕን ኣምልኾኦም ኪቕበልን እዩ። እትፈትዎ ሰብካ እንተ ሞይቱካ፡ እዚ ሓሳባት እዚ ኼደዓዕሰካን ኬጸናንዓካን ይኽእል እዩ።

12. ኣብዘን እኩያት ዳሕሮት መዓልትታት፡ ንየሆዋ ብሕልፊ ዚጨንቆ እንታይ እዩ፧

12 እኩያት ዚገብርዎ ጭቈና። ኣብ ኤደን ዕልወት ምስ ጀመረ፡ እቲ ዅነታት ቅድሚ ምምሕያሹ እናገደደ ኸም ዚኸይድ፡ የሆዋ ይፈልጥ ነይሩ እዩ። የሆዋ ነቲ ኣብዛ ዓለም ዘሎ እከይን ግፍዕን ዓመጻን ይጸልኦ እዩ። ምናዳ ነቶም ከም ዘኽታማትን መበለታትን ዝኣመሰሉ ተኣፈፍቲ ዝዀኑ ድኹማትን ረዳኢ ኣልቦን ሰባት ይድንግጸሎም እዩ። (ዘካ. 7:9, 10) ብሕልፊ እሙናት ኣገልገልቱ ኺጭቈኑን ኪእሰሩን ከለዉ፡ ይጨንቆ እዩ። ኣቱም ምስኡ ሓቢርኩም እትጻወሩ ዘለኹም እውን፡ ንዅላትኩም ከም ዜፍቅረኩም ኣይትጠራጠሩ።

13. ደቂ ሰብ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ ኣምላኽ ዚበላሸዉ ዘለዉ ብኸመይ እዮም፧ ኣምላኽከ ብዛዕባ እዚ ነገር እዚ እንታይ ኪገብር እዩ፧

13 ብልሽውና ደቂ ሰብ። ሰይጣን ነቶም ብመልክዕ ኣምላኽ እተፈጥሩ ደቂ ሰብ ምብልሻው ይፈቱ እዩ። ብዘመን ኖህ፡ “የሆዋ፡ . . . ክፍኣት ሰብ ኣብ ምድሪ ኸም ዝበዝሐ” ምስ ረኣየ፡ “ንሰብ ኣብ ምድሪ ብምግባሩ ተጣዕሰ፡ ልቡ እውን ተጐድአ።” (ዘፍ. 6:5, 6፡ እ.ጽ., 11) እሞ ደኣ ዅነታት ዓለምሲ ኻብ ሽዑ ተመሓይሹ ድዩ፧ ኣይፋልን! ድያብሎስ ነቲ ዅሉ ዓይነት ምንዝርና፡ እንተላይ ነቲ ኣብ መንጎ ኣንጻር ጾታ ዀነ ሕደ ጾታ ዚግበር ምንዝርና ኺርኢ ኸሎ፡ ኣዝዩ እዩ ባህ ዚብሎ። (ኤፌ. 4:18, 19) ምናዳ ነቶም ብናይ ሓቂ ኣምልኾ ዚመላለሱ ኣብ ሓጢኣት ኬውድቖም ከሎ፡ ኣጸቢቑ ይሕጐስ እዩ። ትዕግስቲ የሆዋ መወዳእታኡ ምስ በጽሐ፡ ንዅሉ ምንዝርና ኣጸቢቑ ኸም ዚጸልኦ ኼርኢ እዩ።

14. ሰብ ኣብ ምድሪ ንዘሎ ፍጥረታት ኣምላኽ እንታይ ይገብሮ ኣሎ፧

14 ኣብ ልዕሊ ፍጥረታቱ ዚወርድ ዘሎ ጥፍኣት። ‘ሰብ ንሰብ ንጕድኣቱ ኣብ ርእሲ ምግዛኡ፡’ ነቶም የሆዋ ኺከናኸኖም ዝሃቦ ምድርን እንስሳታትን እውን ጽቡቕ ገይሩ ኣየመሓድሮምን እዩ ዘሎ። (መክ. 8:9፣ ዘፍ. 1:28) ገሊኦም ክኢላታት፡ ተግባራት ደቂ ሰብ ኣብ ዚቕጽል ሒደት ዓመታት ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ጅር * ኬጽንት ከም ዚኽእል የጠንቅቑ ኣለዉ። ‘ተፈጥሮ ኣብ ሓደጋ ኣሎ’ ኺብሉ እምበኣር ሓቆም እዮም። እቲ ዜሐጕስ ግና፡ የሆዋ ‘ነቶም መጥፋእቲ ምድሪ ዜጥፍኣሉ፡’ ንምድሪ ድማ ናብ ገነት ዚቕይረሉ ግዜ ኸም ዚመጽእ ኣተስፍዩና ኣሎ።—ራእ. 11:18፣ ኢሳ. 35:1

ካብ ተጻዋርነት የሆዋ እንታይ ንምሃር፧

15-16. ምስ የሆዋ ሓቢርና ኽንጻወር ዚሕግዘና እንታይ እዩ፧ ብምሳሌ ኣረድእ።

15 ብዛዕባ እቲ ሰማያዊ ኣቦና ንኣሽሓት ዓመታት እተጻወሮ ዜጨንቕ ጸገማት እሞ ንሕሰብ። (“ የሆዋ ዚጻወሮ ዘሎ ነገራት” ዘርእስታ ሳጹን ርአ።) የሆዋ ነዚ እኩይ ስርዓት ኣብ ዝዀነ እዋን መወዳእታ ኺገብረሉ ይኽእል እዩ። ትዕግስቱ ግና ንዓና በረኸት ኣምጺኡልና ኣሎ። ብዛዕባ እዛ ምሳሌ እስከ ንሕሰብ። ሰብኣይን ሰበይቱን ገና ዘይተወልደ ሕጻኖም ከቢድ ኣካላዊ ጸገም ከም ዘለዎ፡ ህይወቱ እውን ኣጸጋሚ ኸም ዚኸውን፡ ነዊሕ ከይጸንሐ ድማ ከም ዚመውት ተነጊርዎም ንበል። ይኹን እምበር፡ እቶም ወለዲ ብዙሕ ጸገማት ሰጊሮም ነቲ ውሉዶም ይወልድዎ። በቲ ንውሉዶም ዘለዎም ፍቕሪ ተደሪኾም ከኣ፡ ዝሓሸ ህይወት ምእንቲ ኺህልዎ፡ ዜጋጥሞም ኵሉ ጸገማት ይጻወሩ።

16 ብተመሳሳሊ፡ ኵሎም ዘርኢ ኣዳምን ሄዋንን ናብዛ ዓለም እዚኣ ኺመጹ ኸለዉ ዘይፍጹማት እዮም። እንተዀነ ግና፡ የሆዋ የፍቅሮምን ይሓልየሎምን እዩ። (1 ዮሃ. 4:19) ዘይከምቶም ሰብኣውያን ወለዲ ኸኣ፡ የሆዋ ንጸገማት ደቁ ኺፈትሖ ይኽእል እዩ። ንዅሉ እቲ ንፍጥረት ወዲ ሰብ ሓኒቕዎ ዘሎ መከራ ዜወግደላ መዓልቲ ወሲኑ ኣሎ። (ማቴ. 24:36) እሞ ደኣ ብፍቕሩ ተደሪኽና ኽሳዕ ግዜኡ ምስኡ ኽንጻወርዶ ኣይግብኣናን፧

17. እቲ ኣብ እብራውያን 12:2, 3 ብዛዕባ የሱስ ተመዝጊቡ ዘሎ መግለጺ፡ ክንጻወር ዜበርትዓና ብኸመይ እዩ፧

17 የሆዋ ፍጹም ኣብነት ተጻዋርነት እዩ። የሱስ ንተጻዋርነት ኣቦኡ ጽቡቕ ገይሩ ቐዲሕዎ እዩ። ሰብ ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ ምእንታና ኢሉ ተጻራሪ ዘረባን ሕፍረትን ጕንዲ ስቅያትን ተጻዊሩ እዩ። (እብራውያን 12:2, 3 ኣንብብ።) የሱስ ንተጻዋርነት የሆዋ ምርኣዩ፡ ኪጻወር ከም ዘበርትዖ ኣየጠራጥርን እዩ። ንዓና እውን እዚ ኼበርትዓና ይኽእል እዩ።

18. ኣብ 2 ጴጥሮስ 3:9 ዚርከብ ሓሳባት፡ ትዕግስቲ የሆዋ እንታይ ይዓምም ከም ዘሎ ኽንርዳእ ዜኽእለና ብኸመይ እዩ፧

18 ካልኣይ ጴጥሮስ 3:9 ኣንብብ። የሆዋ ነዛ እክይቲ ዓለም መወዳእታ ዚገብረሉ ብሉጽ ግዜ ይፈልጥ እዩ። ሳላ ትዕግስቱ፡ ብሚልዮናት ዚቝጸሩ ንዕኡ ዜምልኹን ዚውድሱን ብዙሓት ህዝቢ ተኣኪቦም ኣለዉ። ኵላቶም ከኣ ክሳዕ ዚውለዱን ንዕኡ ኽሳዕ ዜፍቅርዎን ርእሶም ንዕኡ ኽሳዕ ዚውፍዩን ተጻዊሩ ምጽናሑ የሐጕሶም እዩ። የሆዋ ነቶም ክሳዕ መወዳእታ እተጻወርና ሚልዮናት ተሓጒሱ ዓስብና ምስ ሃበና፡ እቲ ኺጻወር ዝገበሮ ውሳነ ቕኑዕ ምንባሩ ኺርአ እዩ።

19. እንታይ ንምግባር ኢና ቘራጽነት ክንገብር ዘሎና፧ እንታይ ዓስቢኸ ኽንረክብ ኢና፧

19 ብታሕጓስ ከመይ ጌርና ኸም እንጻወር ካብ የሆዋ ንምሃር ኢና። ሰይጣን ብዙሕ ጓህን መከራን እኳ እንተ ኣምጽአ፡ የሆዋ “ሕጉስ ኣምላኽ” እዩ። (1 ጢሞ. 1:11) ንሕና እውን ስም የሆዋ ኪቕደስን ልዑላውነቱ ኺረጋገጽን ኵሉ እከይ ኬብቅዕን ኵሉ ጸገማት ኬኽትምን ብትዕግስቲ እናተጸበና፡ ሕጉሳት ኴንና ኽንመላለስ ንኽእል ኢና። እቲ ሰማያዊ ኣቦና ይጻወር ከም ዘሎ ኻብ ፈለጥና፡ ክንጻወር ቈራጽነት ንግበር፡ በዚ እውን ንጸናናዕ። ከምኡ እንተ ጌርና፡ እዚ ዚስዕብ ቃላት ኣብ ነፍሲ ወከፍና ኺፍጸም እዩ፦ “ፈተና ዚጻወር ሰብ ብቕዓቱ ምስ ኣመስከረ፡ እቲ የሆዋ ነቶም ዜፍቅርዎ ዘተስፈዎም ኣኽሊል ህይወት ስለ ዚቕበል፡ ሕጉስ እዩ።”—ያእ. 1:12

መዝሙር 139 ንሓዳስ ዓለም ብኣእምሮኻ ስኣላ

^ ሕ.ጽ. 5 ኵላትና በበይኑ ዓይነት ጸገማት ኣሎና። ሕጂ፡ ንብዙሕ ጸገማትና ፍታሕ የብሉን፣ ክንጻወሮ ጥራይ እዩ ዘሎና። ኰይኑ ግና፡ በይንና ኣይኰንናን ጸገማት እንጻወር ዘለና። የሆዋ እኳ ብዙሕ ነገራት ይጻወር ኣሎ። ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ትሽዓተ ኻብኡ ኽንርኢ ኢና። ሳላ ተጻዋርነት የሆዋ እንታይ ከም እተዓምመን ካብ ኣብነቱ ብኸመይ ክንጥቀም ከም እንኽእልን እውን ክንርኢ ኢና።

^ ሕ.ጽ. 14 “ጅር” (Species) እትብል ቃል፡ ምስታ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ “ዓይነት” እትብል ንስፍሕ ዝበሉ ጕጅለ ህያዋን እተመልክት ቃል ከነደናግራ የብልናን።