ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ዓንቀጽ መጽናዕቲ 28

ሰላም ደኣ ኣስፍን እምበር፡ ኣይትተሃላለኽ

ሰላም ደኣ ኣስፍን እምበር፡ ኣይትተሃላለኽ

“ንሓድሕድና ብምትህልላኽን ብምቅንናእን፡ ርእሰ ውዳሰ ኣይንድለ።”—ገላ. 5:26

መዝሙር 101 ብሓድነት ንዕየ

መላለዪ *

1. ምትህልላኽ ኣብ ሰባት እንታይ ጽልዋ ኺህልዎ ይኽእል፧

ኣብዛ ናይ ሎሚ ዓለም፡ ብዙሓት ሰባት ብህልኽ ተደሪኾም እዮም ዚመላለሱ። ሓደ ነጋዳይ ንመወዳድርቱ ኺበልጽ ኢሉ ንሕስያ ዘይብሉ ሜላታት ይጥቀም ይኸውን። ሓደ ስፖርተኛ ኸኣ ኣብ ጸወታ ኺዕወት ኢሉ ንመጋጥምቱ ዀነ ኢሉ ይጐድኦ ይኸውን። ኣብ ብሉጽ ዩኒቨርስቲ ኺኣቱ ዚወዳደር ተምሃራይ እውን፡ ኣብ መርመራ ይቐድሕ ይኸውን። ንሕና ክርስትያናት ስለ ዝዀንና፡ ከምኡ ምግባር ጌጋ ምዃኑ ንፈልጥ ኢና፣ ስለምንታይሲ፡ እዚ ሓደ ኻብ “ግብሪ ስጋ” እዩ። (ገላ. 5:19-21) ኰይኑ ግና፡ ገሊኦም ኣገልገልቲ የሆዋ ኸይተፈለጦም ኣብ ጉባኤ ይተሃላለኹ ደዀን ይህልዉ ይዀኑ፧ ምትህልላኽ ንሓድነት ሕውነትና ስለ ዚጸልዎ፡ እዛ ሕቶ እዚኣ ኣገዳሲት እያ።

2. ኣብዛ ዓንቀጽ እንታይ ክንርኢ ኢና፧

2 ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ምስ ኣሕዋትና ኸም እንተሃላለኽ ኪገብረና ዚኽእል ኣሉታዊ ባህርያት ክንርኢ ኢና። ብምትህልላኽ ብዛዕባ ዘይተሰነፉ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከቡ እሙናት ሰብኡትን ኣንስትን እውን ክንርኢ ኢና። ፈለማ፡ ውሽጣዊ ድራኸና ብኸመይ ክንምርምር ከም እንኽእል እስከ ንርአ።

ውሽጣዊ ድራኸኻ መርምር

3. ገዛእ ርእስና እንታይ ኢልና ኢና ኽንሓትት ዘሎና፧

3 በብግዜኡ ውሽጣዊ ድራኸና ምምርማር ጽቡቕ እዩ። ገዛእ ርእስና ኸምዚ ኢልና ኽንሓትት ንኽእል ኢና፦ ‘ንርእሰይ ምስ ካልኦት እናኣወዳደርኩ ድየ ዝልክዓ፧ ኣብ ኵሉ ተግባረይ ብሉጽ ክኸውን ብዘሎኒ ድሌት ወይ እንተ ወሓደ ኻብ ሓደ ሓው ወይ ካብ ሓንቲ ሓብቲ ኽበልጽ ብዘሎኒ ድሌት ተደሪኸ ድየ ዝዓዪ፡ ወይስ ንየሆዋ ብሉጸይ እየ ኽህቦ ዝደሊ፧’ ስለምንታይ ኢና ነዚ ሕቶታት እዚ ኽንሓትት ዘሎና፧ ቃል ኣምላኽ እንታይ ከም ዚብለና እስከ ንርአ።

4. ከምቲ ኣብ ገላትያ 6:3, 4 ተጠቒሱ ዘሎ፡ ንርእስና ምስ ካልኦት ከነነጻጽር ዘይብልና ስለምንታይ ኢና፧

4 መጽሓፍ ቅዱስ፡ ንርእስና ምስ ካልኦት ከይነነጻጽር ይምሕጸነና እዩ። (ገላትያ 6:3, 4 ኣንብብ።) ስለምንታይ፧ ብሓደ ሸነኽ፡ ካብ ኣሕዋትና እንበልጽ እንተ መሲሉና፡ ክንዕበ ንኽእል ኢና። በቲ ኻልእ ሸነኽ ከኣ፡ ኣሕዋትና ኻባና ዚበልጹ እንተ መሲሉና፡ በዚ ኽንጕሂ ንኽእል ኢና። እንተ በዚ እንተ በቲ፡ ብልብምና ኣይንሓስብን ኢና። (ሮሜ 12:3) ኣብ ግሪኽ እትነብር ካተሪና * ዝስማ ሓብቲ፡ “ካባይ ንላዕሊ መልክዐኛታት ምስ ዝዀና፡ ካባይ ንላዕሊ ኣብ ኣገልግሎት ንፉዓት ምስ ዝዀና፡ ካባይ ንላዕሊ መሓዛ ምግባር ምስ ዚኽእላሉ ሰባት ገዛእ ርእሰይ አወዳደር ነይረ። ከም ውጽኢቱ ድማ፡ ዘይረብሕ ዝዀንኩ ዀይኑ ተሰሚዑኒ” ትብል። የሆዋ ናብኡ ዝሰሓበና፡ መልክዐኛታት፡ ኣንደበተ ርቱእ፡ ወይ ህቡባት ስለ ዝዀንና ዘይምዃኑ፡ የግዳስ ንዕኡ ኸነፍቅሮን ንወዱ ኽንሰምዖን ፍቓደኛታት ስለ ዝዀንና ምዃኑ ኣይንረስዕ።—ዮሃ. 6:44፣ 1 ቈረ. 1:26-31

5. ካብ ተመክሮ ህዮን ዝስሙ ሓው እንታይ ትምሃር፧

5 ብተወሳኺ ድማ፡ ‘ገባር ሰላም ከም ዝዀንኩ ድየ ዝፍለጥ፡ ወይስ ብዙሕ ሳዕ እጐናፈጥ እየ፧’ ኢልና ገዛእ ርእስና ኽንሓትት ንኽእል ኢና። ኣብ ደቡብ ኮሪያ ዚነብር ህዮን ዝስሙ ሓው ዘሕለፎ ተመክሮ እሞ ንርአ። ሓደ ግዜ፡ መሰላት ኣገልግሎት ንዘለዎም ገሊኦም ሰባት ከም መቐናቕንቱ ገይሩ ይርእዮም ነይሩ እዩ። ከምዚ ድማ ይብል፦ “ነቶም ኣሕዋት እቲኦም እነቕፎም ነይረ እየ፣ ምስቲ ዚብልዎ ድማ ብዙሕ ሳዕ ኣይሰማማዕን እየ ነይረ።” እሞ ደኣ እዚ እንታይ ኣስዒቡ፧ “ኣረኣእያይ ኣብታ ጉባኤ ኽፍፍል ፈጢሩ” ኢሉ ይእመን። ገሊኦም ኣዕሩኽ ህዮን፡ ነዚ ጸገሙ እዚ ኼለሊ ሓገዝዎ። ንሱ ድማ ዜድሊ ምትዕርራያት ገበረ፣ ሎሚ ኸኣ ንፉዕ ሽማግለ ዀይኑ የገልግል ኣሎ። ንሕና እውን ኣብ ገዛእ ርእስና ናይ ሰላም ዘይኰነስ ናይ ምትህልላኽ መንፈስ እንተ ርኢና፡ ስጕምቲ ኽንወስድ ኣሎና።

ካብ ርእሰ ውዳሰን ቅንእን ተሓሎ

6. ብመሰረት ገላትያ 5:26፡ እንታይ ዘይድለ ባህርያት እዩ ንህልኽ ኣበርክቶ ዚገብር፧

6 ገላትያ 5:26 ኣንብብ። እንታይ ዘይድለ ባህርያት እዩ ናብ ህልኽ ኪመርሕ ዚኽእል፧ ሓደ ርእሰ ውዳሰ እዩ። ርእሱ ዚውድስ ሰብ ምኩሕን ፈታው ርእሱን እዩ። ካልእ ሕማቕ ባህርይ ከኣ፡ ቅንኢ እዩ። ኣብዚ ቕንኢ ኺብሃል ከሎ፡ ናይ እንዳ እማትካ ምምናይ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ካልኦት ነቲ ዘለዎም ኪስእኑ ምሕሳድ ወይ ምንቀኛ ምዃን እውን የመልክት እዩ። ስለዚ፡ ቅንኢ ዓይነት ጽልኢ እዩ። ነዚ ኽፉእ ባህርያት እዚ፡ ከም ተላጋቢ ሕማም ከነርሕቖ ኣሎና።

7. ርእሰ ውዳሰን ቅንእን ዜስዕቦ ጕድኣት ብኸመይ ኪምሰል ይከኣል፧

7 ርእሰ ውዳሰን ቅንእን ምስቲ ንናይ ነፈርቲ ነዳዲ ዚብክል ርስሓት ኪመሳሰል ይኽእል እዩ። እታ ነፋሪት ካብ መሬት ክትልዓል ትኽእል ትኸውን፣ እቲ ርስሓት ነቲ መትረባት ነዳዲ እንተ ዓቢስዎ ግና፡ ነታ ነፋሪት ቀቅድሚ ምዕላባ ሓይሊ ስኢና ኸም እትወድቕ ኪገብራ ይኽእል እዩ። ብተመሳሳሊ፡ ሓደ ሰብ ንእተወሰነ ግዜ ንየሆዋ የገልግሎ ይኸውን። ብርእሰ ውዳሰን ብቕንእን ተደሪኹ ዜገልግል እንተ ዀይኑ ግና፡ ይወድቕ እዩ። (ምሳ. 16:18) ንየሆዋ ምግልጋል ይሓድጎ፡ ንገዛእ ርእሱ ዀነ ንኻልኦት እውን ይጐድእ እዩ። እሞ ደኣ ኻብ ርእሰ ውዳሰን ቅንእን ብኸመይ ክንሕሎ ንኽእል፧

8. ከመይ ጌርና ኢና ንርእሰ ውዳሰ ኽንቃለሶ እንኽእል፧

8 ንርእሰ ውዳሰ በቲ ሃዋርያ ጳውሎስ ንሰብ ፊልጲ ዝሃቦም ምኽሪ ኣቢልና ኽንቃለሶ ንኽእል ኢና። ጳውሎስ ንሰብ ፊልጲ፡ “ካብ ንግርምና ተላዒልኩም ወይ ንርእሰ ውዳሰ ኢልኩም ሓንቲ እኳ ኣይትግበሩ፣ ብትሕትና ግና ንኻልኦት ካብ ርእስኹም ኣብሊጽኩም ርኣዩ” ኢሉ መኺርዎም እዩ። (ፊል. 2:3) ንኻልኦት ካብ ርእስና ኣብሊጽና ንርኢ እንተ ዄንና፡ ምስቶም ዝበለጸ ተውህቦን ክእለትን ዘለዎም ኣይንወዳደርን ኢና። ኣብ ክንዳኡስ፡ ብኣታቶም ንሕጐስ ኢና። ምናዳ ነቲ ኽእለቶም ንውዳሰ የሆዋ ኪኸውን ኣብ ኣገልግሎቱ ዜውዕልዎ እንተ ዀይኖም፡ ከምኡ እዩ ኺስምዓና ዚግባእ። በቲ ኻልእ ሸነኽ ከኣ፡ እቶም ተውህቦ ዘለዎም ኣሕዋትናን ኣሓትናን ምኽሪ ጳውሎስ ዚስዕቡ እንተ ዀይኖም፡ ኣብቲ ዚንኣድ ባህርያትና እዮም ዜተኵሩ። ከም ውጽኢቱ ድማ፡ ኵላትና ኣብ ጉባኤና ሰላምን ሓድነትን ነስፍን።

9. ንቕንኢ ኽንቈጻጸሮ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

9 ንቕንኢ እውን ብትሕትና ጌርና፡ ማለት ዓቕምና ድሩት ምዃኑ ብምግንዛብ ክንቃለሶ ንኽእል ኢና። ትሑታት እንተ ዄንና፡ ካብ ናይ ኵሉ ዚበልጽ ተውህቦ ወይ ክእለት ከም ዘሎና ኸነርኢ ኣይንጽዕርን ኢና። ኣብ ክንዳኡስ፡ ካብቶም ካባና ንላዕሊ ኽኢላታት ዝዀኑ ሰባት ክንምሃር ንጽዕር ኢና። ንኣብነት፡ ሓደ ኣብ ጉባኤና ዘሎ ሓው ብሉጽ መደረታት የቕርብ ንበል። መደረታቱ ብኸመይ ከም ዚዳለወሉ ኽንሓትቶ ንኽእል ኢና። ሓንቲ ሓብቲ ጥዑም ምግቢ ምስራሕ እትኽእል እንተ ዀይና ኸኣ፡ ኣብቲ መዳይ እቲ ኸመይ ጌርና ኽንመሓየሽ ከም እንኽእል ሓሳባት ክትህበና ኽንሓትታ ንኽእል ኢና። ሓደ መንእሰይ ብቐሊሉ ኣዕሩኽ ኬጥሪ ዘይክእል እንተ ዀይኑ ድማ፡ ነቲ ብቐሊሉ ኣዕሩኽ ዚገብር ክርስትያን ምኽሪ ኺሓትቶ ይኽእል እዩ። በዚ ኸምዚ፡ ካብ ቅንኢ እናተሓሎና፡ ክእለትና ኸነመሓይሽ ንኽእል ኢና።

ካብ ኣብነታት መጽሓፍ ቅዱስ ተምሃር

ጊዴዎን ትሑት ስለ ዝነበረ፡ ምስ ኤፍሬማውያን ዝነበሮ ሰላም ኪሕሉ ኸኣለ (ሕጡብ ጽሑፍ 10-12 ርአ)

10. ጊዴዎን እንታይ ጸገም እዩ ኣጋጢምዎ፧

10 ኣብ መንጎ እቲ ኻብ ነገድ ምናሴ ዝነበረ ጊዴዎንን ሰብ ኤፍሬምን ዘጋጠመ እስከ ንርአ። ጊዴዎንን 300 ሰቡን ብሓገዝ የሆዋ ኺምክሑሉ ዚኽእሉ መስተንክር ዓወት ረኸቡ። ድሕርዚ፡ ሰብ ኤፍሬም ናብ ጊዴዎን መጹ፣ ኰይኑ ግና፡ ኪቋየቝዎ ደኣ እምበር፡ ኪንእድዎ ኣይኰኑን መጺኦም። ጊዴዎን ኣብቲ ምስ ጸላእቲ ኣምላኽ እተገብረ ውግእ ካብ ፈለማ ስለ ዘይጸውዖም፡ ክብሮም እተተንከየ ዀይኑ እዩ ተሰሚዕዎም። ክብሪ ነገዶም ኣብ ምሕላው እምብዛ ኻብ ምትኳሮም እተላዕለ፡ ነቲ ዝዓበየ ጕዳይ ኣይረኣይዎን። ጊዴዎን ንስም የሆዋ ኣብ ዜኽብርን ንህዝቡ ኣብ ዜዕቍብን ተግባር ከም እተሳተፈ ረሲዖምዎ ነይሮም እዮም።—መሳ. 8:1

11. እንታይ ኢሉ እዩ ጊዴዎን ንሰብ ኤፍሬም ዝመለሰሎም፧

11 ሽዑ፡ ጊዴዎን ንሰብ ኤፍሬም ብትሕትና፡ “ምስ ናታትኩም ኪነጻጸር ከሎስ፡ እንታይዶ ገይረ እየ፧” ኢሉ መለሰሎም። የሆዋ ብኸመይ ከም ዝባረኾም ከኣ፡ ሓደ ኣብነት ጠቐሰሎም። በዚ ኸምዚ ድማ፡ “ሃድኡ።” (መሳ. 8:2, 3) ጊዴዎን ኣብ መንጎ ህዝቢ ኣምላኽ ሰላም ምእንቲ ኺሕሉ ኢሉ ሓበኑ ዕሽሽ ኪብል ፍቓደኛ ዀይኑ እዩ።

12. ካብ ኤፍሬማውያንን ካብ ጊዴዎንን እንታይ ንምሃር፧

12 ካብዚ ዛንታ እንታይ ንምሃር፧ ካብ ኤፍሬማውያን፡ ኣብ ክብርና እምብዛ ኻብ ምትኳርና እተላዕለ፡ ንየሆዋ ኽብሪ ምሃብ ክንርስዕ ከም ዘይግባእ ንምሃር። ርእስታት ስድራ ቤትን ሽማግለታትን ዘበልና ኸኣ፡ ካብ ጊዴዎን ክንምሃር ንኽእል ኢና። ሓደ ሰብ ብተግባርና እንተ ተቘጢዑ፡ ነቲ ነገር ብኣረኣእያኡ ንምርኣይ ጻዕሪ ኽንገብር ኣሎና። ነቲ ሰብ እቲ ድማ ስለቲ ዝገበሮ ኽንንእዶ ንኽእል ኢና። ከምኡ ንምግባር ትሕትና የድልየና እዩ፣ ምናዳ እቲ ሰብ እቲ ጌጋ ኸም ዝገበረ ንጹር እንተ ዀይኑ ኸኣ ብዝያዳ ትሕትና የድልየና እዩ። እንተዀነ ግና፡ ሰላም ካብ ናይ ውልቅና ሓበን ንላዕሊ ዋጋ ኣለዋ።

ሃና፡ የሆዋ ነቲ ነገር ከም ዜቕንዖ ስለ ዝኣመነት፡ ውሽጣዊ ሰላም ረኸበት (ሕጡብ ጽሑፍ 13-14 ርአ)

13. ንሃና እንታይ ብድሆ እዩ ኣጋጢምዋ፧ ነዚኸ ብኸመይ ሰጊራቶ፧

13 ብዛዕባ ሃና እውን ንሕሰብ። ሃና ሰበይቲ ኤልቃና ዚብሃል ሌዋዊ እያ ነይራ፣ ንሱ እውን ኣዝዩ ይፈትዋ ነበረ። ይኹን እምበር፡ ኤልቃና፡ ጵኒና ዝስማ ኻልአይቲ ሰበይቲ ነበረቶ። ንሃና ኸኣ ሓለፋ ጵኒና ይፈትዋ ነበረ፣ እንተዀነ ግና፡ “ጵኒና . . . ውሉዳት ነበርዋ፣ ሃና ግና ውሉዳት ኣይነበርዋን።” በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ፡ ጵኒና ንሃና “ኸተጕህያ ኢላ መመሊሳ ተባጭወላ ነበረት።” ሃናኸ እንታይ ተሰምዓ፧ በዚ ኣመና ትጕሂ ነበረት! ብዛዕባኣ፡ “ትበኪ ነበረት፡ ኣይትበልዕን እውን ነበረት” ዚብል ነንብብ። (1 ሳሙ. 1:2, 6, 7) ኰይኑ ግና፡ ሕኒኣ ኽትፈዲ ኸም ዝፈተነት ዚሕብር ነገር ኣይንረክብን ኢና። ኣብ ክንዳኡስ፡ ልባ ናብ የሆዋ ኣፍሰሰት፣ ንሱ ነቲ ነገር ከም ዜቕንዖ እውን ኣመነት። ጵኒና ብዛዕባ ሃና ዝነበራ ኣረኣእያኸ ተቐዪሩዶ፧ መጽሓፍ ቅዱስ ነዚ ኣይገልጸልናን እዩ። ሃና ውሽጣዊ ሰላማ ኸም ዝረኸበትን ከም ዝዓቀበትን ግና ንፈልጥ ኢና። ብዛዕባኣ ኸኣ፡ “ደጊም እውን ጓሂ ኣብ ገጻ ኣይተራእየን” ዚብል ነንብብ።—1 ሳሙ. 1:10, 18

14. ካብ ሃና እንታይ ንምሃር፧

14 ካብ ሃና እንታይ ንምሃር፧ ሓደ ሰብ ምሳኻ ኺወዳደር እንተ ፈቲኑ፡ ንስኻ ንዅነታትካ ኽትቈጻጸሮ ኸም እትኽእል ኣይትረስዕ። ናብቲ ውድድር ክትኣቱ የብልካን። ክፉእ ኣብ ክንዲ ኽፉእ ኣብ ክንዲ እትፈዲ፡ ምስቲ ሰብ እቲ ሰላም ግበር። (ሮሜ 12:17-21) ዋላ እውን ንሱ እንተ ዘይተቐየረ፡ ውሽጣዊ ሰላምካ ኽትሕሉ ኢኻ።

ኣጵሎስን ጳውሎስን፡ የሆዋ ነቲ ዕዮ ይባርኾ ኸም ዘሎ ስለ ዝፈለጡ፡ ንሓድሕዶም ከም መቐናቕንቲ ጌርካ ኣይተረኣኣዩን (ሕጡብ ጽሑፍ 15-18 ርአ)

15. ኣጵሎስን ጳውሎስን እንታይ ዜመሳስሎም ነገር ነይርዎም፧

15 ኣብ መወዳእታ፡ ካብ ኣጵሎስ እቲ ወደ መዝሙር ኰነ ካብ ሃዋርያ ጳውሎስ እንታይ ከም እንምሃር እስከ ንርአ። ክልቲኦም ብሉጽ ፍልጠት ቅዱሳት ጽሑፋት ነይርዎም እዩ። ክልቲኦም ፍሉጣትን ብሉጻትን መምህራን እዮም ነይሮም። ክልቲኦም እውን ንብዙሓት ሰባት፡ ደቀ መዛሙርቲ ኪዀኑ ሓጊዞም እዮም። ኰይኑ ግና፡ ሓደ ነቲ ሓደ ኸም መቀናቕንቲ ገይሩ ኣይረኣዮን።

16. ንኣጵሎስ ብኸመይ ምገለጽካዮ፧

16 ኣጵሎስ “ወዲ እስክንድርያ” እዩ ነይሩ፣ እታ ኸተማ እቲኣ ኣብ ቀዳማይ ዘመን ማእከል ትምህርቲ እያ ነይራ። ብዘይካዚ፡ ክኢላ ተዛራባይ እዩ ነይሩ፣ “ቅዱሳት ጽሑፋት [እውን] ኣጸቢቑ ይፈልጥ” ነይሩ እዩ። (ግብ. 18:24) ኣጵሎስ ኣብ ቈረንቶስ እተወሰነ ግዜ ምስ ኣሕለፈ፡ ገሊኦም ኣብታ ጉባኤ ዝነበሩ ክርስትያናት ካብቶም ካልኦት ኣሕዋት፡ እንተላይ ካብ ጳውሎስ ንላዕሊ ኸም ዚፈትውዎ ብግሁድ ገሊጾም እዮም። (1 ቈረ. 1:12, 13) እሞ ደኣ ኣጵሎስ፡ ከፋፋሊ ኣረኣእያ ኺሰፍን ኣተባቢዑዶ፧ ከምኡ ኸም ዘይገበረ ኽንግምት ንኽእል ኢና። ስለዚ ድማ እዩ ኣጵሎስ ካብ ቈረንቶስ ናብ ካልእ ምስ ከደ ድሕሪ እተወሰነ እዋን፡ ናባታቶም ኪምለስ ጳውሎስ እተማሕጸኖ። (1 ቈረ. 16:12) ኣጵሎስ ነታ ጉባኤ ዚኸፋፍላ እንተ ዚኸውን ነይሩ፡ ጳውሎስ ከምኡ ኢሉ ኣይምተማሕጸኖን። እምበኣር፡ ኣጵሎስ ንተውህቦኡ ብጽቡቕ እዩ ተጠቒሙሉ፣ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ንምስባኽን ንኣሕዋቱ ንምትብባዕን እዩ ተጠቒሙሉ። ኣጵሎስ ትሑት ከም ዝነበረ ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና። ንኣብነት፡ ኣኪላስን ጵርስኪላን “መገዲ ኣምላኽ ኣጸቢቖም ብልክዕ [ምስ] ገለጹሉ” ኸም ዝዀረየ ዚሕብር ነገር የልቦን።—ግብ. 18:24-28

17. ጳውሎስ ሰላም ዘስፈነ ብኸመይ እዩ፧

17 ሃዋርያ ጳውሎስ ብዛዕባ እቲ ኣጵሎስ ኣብ ስብከት እቲ ብስራት ዚገብሮ ዝነበረ ይፈልጥ ነይሩ እዩ። ኰይኑ ግና፡ ከይበልጸኒ ኢሉ ኣይሰግአን። ትሕትናኡን ሚዛናውነቱን ኣብቲ ንጉባኤ ቈረንቶስ ዝሃቦ ምኽሪ ተራእዩ እዩ። በቶም “ኣነ ናይ ጳውሎስ እየ” ዚብሉ ኣብ ክንዲ ዚምካሕ፡ ኵሉ ኽብሪ ንየሆዋ ኣምላኽን ንየሱስ ክርስቶስን ከም ዚውሃብ እዩ ገይሩ።—1 ቈረ. 3:3-6

18. ብመሰረት 1 ቈረንቶስ 4:6, 7፡ ካብ ኣጵሎስን ካብ ጳውሎስን እንታይ ንምሃር፧

18 ካብ ኣጵሎስን ካብ ጳውሎስን እንታይ ንምሃር፧ ምእንቲ የሆዋ ብትግሃት ንዓዪ፡ ንብዙሓት እውን ናብ ጥምቀት ኪዓብዩ ንሕግዝ ንኸውን። እቲ እንረኽቦ ኣሳልጦ ግና፡ ሳላ በረኸት የሆዋ ምዃኑ ንፈልጥ ኢና። ብዘይካዚ፡ ካብ ኣጵሎስን ካብ ጳውሎስን ካልእ ትምህርቲ ንምሃር ኢና። ብዝያዳ ምርኡያት ብዝዀንና መጠን፡ ሰላም ንምስፋን ዘሎና ኣጋጣሚ እናዓበየ እዩ ዚኸይድ። እተሸሙ ሰብኡት ኣብ ቃል ኣምላኽ እተመስረተ ምኽሪ ብምሃብ፡ ከምኡ ድማ ኣብ ገዛእ ርእሶም ዘይኰነስ ኣብቲ ኣርኣያና ዝዀነ ክርስቶስ የሱስ ከም ዚትኰር ብምግባር ሰላምን ሓድነትን ዜስፍኑ ምዃኖም ብዙሕ ኢና እነመስግኖም።—1 ቈረንቶስ 4:6, 7 ኣንብብ።

19. ነፍሲ ወከፍና እንታይ ኢና ኽንገብር እንኽእል፧ (“ ኣይተተሃላልኮም” ዘርእስታ ሳጹን ርአ።)

19 ነፍሲ ወከፍና ኣምላኽ ዝሃበና ተውህቦ ወይ ክእለት ኣሎና። ነዚ ውህበት እዚ ‘ንሓድሕድና ንምግልጋል’ ክንጥቀመሉ ንኽእል ኢና። (1 ጴጥ. 4:10) እጃምና ንእሽቶ ኸም ዝዀነ ይስምዕና ይኸውን። ሰላም ንምስፋን እንገብሮ ንኣሽቱ ተግባራት ግና፡ ከምቲ ንሓደ ኽዳን ኣላጊቡ ዚሕዞ ንኣሽቱ ስፌት እዩ። እምበኣር፡ ኣሰር ናይ ህልኽ መንፈስ ካብ ውሽጥና ንምውጋድ ንጽዓር። ኣብ ጉባኤና ሰላምን ሓድነትን ንምስፋን ከኣ ዚከኣለና ንግበር።—ኤፌ. 4:3

መዝሙር 80 “የሆዋ ሕያዋይ ምዃኑ ጥዓሙን ርኣዩን”

^ ሕ.ጽ. 5 ከምቲ ንኣሽቱ ነቓዓት ንኣቕሓ ኻይላ ዜዳኽማ፡ ምትህልላኽ እውን ንጉባኤ የዳኽማ እዩ። ሓንቲ ጉባኤ ኸኣ ድልድልትን ስምርትን እንተ ዘይኰይና፡ ንኣምላኽ ኣምልኾ ዚቐርበላ ሰላም ዝሰፈና ቦታ ኣይትኸውንን እያ። እዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ናይ ምትህልላኽ መንፈስ ከይነማዕብል ስለምንታይ ክንጥንቀቕ ከም ዘሎና፡ ኣብ ጉባኤና ሰላም ንምስፋን ከኣ እንታይ ክንገብር ከም እንኽእል ትገልጽ።

^ ሕ.ጽ. 4 ስማት ተቐዪሩ እዩ።