ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ዓንቀጽ መጽናዕቲ 29

ብናይ ርእስኻ ዕቤት ተሓጐስ!

ብናይ ርእስኻ ዕቤት ተሓጐስ!

ነፍሲ ወከፍ . . . ምስ ካልእ ከይተነጻጸረ፡ ብርእሱ ዜሐጕሶ ነገር ኪህልዎ እዩ።”—ገላ. 6:4

መዝሙር 34 ብንጽህና ኽመላለስ እየ

መላለዪ *

1. የሆዋ ንዓና ምስ ካልኦት ዘየወዳድረና ስለምንታይ እዩ፧

የሆዋ፡ በበይኑ ዝዓይነቱ ነገራት ኪህሉ ይፈቱ እዩ። እዚ ኸኣ ኣብቲ ዜደንቕ ፍጥረቱ፡ እንተላይ ኣብ ደቂ ሰብ ይርአ እዩ። ነፍሲ ወከፍና በይንና ዝዓይነትና ኢና። ስለዚ፡ የሆዋ ንዓኻ ፈጺሙ ምስ ካልኦት ኣየወዳድረካን እዩ። ንልብኻ፡ ማለት ንውሽጣዊ መንነትካ ይምርምሮ እዩ። (1 ሳሙ. 16:7) ብርታዐኻን ድኽመትካን ድሕረ ባይታኻን እውን ኣብ ግምት የእቱ እዩ። ካብቲ ኽትህቦ እትኽእል ንላዕሊ ድማ ኣይሓትተካን እዩ። ንርእስና ኸምቲ የሆዋ ዚርእየና ጌርና ኽንርኢ ኣሎና። ከምኡ እንተ ጌርና፡ ካብቲ ግቡእ ኣዕዚዝና ወይ ኣውሒድና ኣይንሓስብን ኢና፣ የግዳስ፡ “ብልብምና” ኢና እንሓስብ።—ሮሜ 12:3

2. ንርእስና ምስ ካልኦት ምውድዳር ግቡእ ዘይኰነ ስለምንታይ እዩ፧

2 ልክዕ እዩ፡ ኣብ ኣገልግሎት ኣፍራዪ ንዝዀነ ንፉዕ ሓው ወይ ሓብቲ ብምዕዛብ ክንጥቀም ንኽእል ኢና። (እብ. 13:7) በዚ ኸምዚ፡ ኣብ ኣገልግሎትና ብዝያዳ ውጽኢታውያን እንዀነሉ መገድታት ክንርኢ ንኽእል ኢና። (ፊል. 3:17) ኰይኑ ግና፡ ኣብ መንጎ ንሓደ ጽቡቕ ኣብነት ክትመስሎ ምጽዓርን ገዛእ ርእስኻ ብእኡ ጌርካ ምልካዕን ዓብዪ ፍልልይ ኣሎ። እዚ ንጽጽር እዚ ኸም እትቐንእ፡ ተስፋ ኸም እትቘርጽ፡ ወይ ዘይትረብሕ ኰይኑ ኸም ዚስምዓካ ኺገብር ይኽእል እዩ። በቲ ኻልእ ሸነኽ ከኣ፡ ኣብ ዝሓለፈት ዓንቀጽ ከም እተምሃርናዮ፡ ኣብታ ጉባኤ ምስ ዘለዉ ኻልኦት ምውድዳር ብመንፈሳዊ መዳይ ጐዳኢ እዩ። ስለዚ፡ የሆዋ ብፍቕሪ ተላዒሉ ነዚ ምሕጽንታ እዚ ሂቡና ኣሎ፦ “ነፍሲ ወከፍ ገግብሩ ይመርምር እሞ፡ ምስ ካልእ ከይተነጻጸረ፡ ብርእሱ ዜሐጕሶ ነገር ኪህልዎ እዩ።”—ገላ. 6:4

3. ሓጐስ ዜምጽኣልካ እንታይ መንፈሳዊ ዕቤት ጌርካ፧

3 የሆዋ ብመንፈሳዊ ዕቤትካ ኽትሕጐስ እዩ ዚደልየካ። ንኣብነት፡ ጥሙቕ እንተ ዄንካ፡ ኣብቲ ሸቶኻ ብምብጻሕካ ኽትሕጐስ ኣሎካ። ነዚ ውሳነ እዚ ባዕልኻ ኢኻ ጌርካዮ። ኣብቲ ንኣምላኽ ዘሎካ ፍቕሪ ተመርኲስካ ኢኻ ወሲንካ። ካብ ሽዑ ንነጀው ብዛዕባ ዝገበርካዮ ዕቤት እሞ ሕሰብ። ንኣብነት፡ ንብሕታዊ ንባብን መጽናዕትን መጽሓፍ ቅዱስ ዝነበረካ ፍቕሪ ዓሚቑዶ፧ ጸሎትካ ብዝያዳ ትርጉም ዘለዎን ልባውን ኰይኑዶ፧ (መዝ. 141:2) ኣብ ዕዮ ስብከት ዝሓሸ ናይ ዝርርብ ክእለት፡ ኣብ ኣጠቓቕማ ናውቲ ኣገልግሎት ድማ ብዝያዳ ውጽኢታዊ ዄንካዶ፧ ናትካ ስድራ ቤት እንተ ኣልዩካ ኸኣ፡ የሆዋ ንዓኻ ዝሓሽካ ሰብኣይ፡ ሰበይቲ፡ ወይ ወላዲ ኽትከውን ሓጊዙካዶ፧ በቲ ኣብዚ መዳይ እዚ ዝገበርካዮ ዕቤት ክትሕጐስን ዕግበት ኪስምዓካን ኣለዎ።

4. ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ እንታይ ክንርኢ ኢና፧

4 ንኻልኦት ክርስትያናት፡ ብመንፈሳዊ ዕቤቶም ኪሕጐሱ ኽንሕግዞ ንኽእል ኢና። ንርእሶም ምስ ካልኦት ከየነጻጽሩ እውን ክንሕግዞም ንኽእል ኢና። ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ወለዲ ንደቆም ብኸመይ ኪሕግዙ ኸም ዚኽእሉ፡ ሰብ ሓዳር ንሓድሕዶም ብኸመይ ኪተሓጋገዙ ኸም ዚኽእሉ፡ ከምኡ እውን ሽማግለታትን ካልኦትን ንኣሕዋቶምን ንኣሓቶምን ብኸመይ ኪሕግዙ ኸም ዚኽእሉ ኽንርኢ ኢና። ኣብ መወዳእታ፡ ከከም ክእለትናን ኵነታትናን ሚዛናዊ ሸቶታት ከነውጽእ ዚሕግዝና ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ክንርኢ ኢና።

ወለድን ሰብ ሓዳርን እንታይ ኪገብሩ ይኽእሉ፧

ኣቱም ወለዲ፡ ንነፍሲ ወከፍ ውሉድኩም ስለቲ ጽቡቕ ጻዕርታቱ ንኣድዎ (ሕጡብ ጽሑፍ 5-6 ርአ) *

5. ብመሰረት ኤፌሶን 6:4፡ ወለዲ እንታይ ኪገብሩ የብሎምን፧

5 ወለዲ ንውሉዶም ምስ ካልእ ከየወዳድሩ፡ ወይ ካብ ዓቕሙ ንላዕሊ ትጽቢት ከይገብሩሉ ኺጥንቀቑ ኣለዎም። ሕማቕ ንጽጽርን ዘይሚዛናዊ ትጽቢትን ንውሉድ ኬሕርቖ ይኽእል እዩ። (ኤፌሶን 6:4 ኣንብብ።) ሳቺኮ * ዝስማ ሓብቲ ኸምዚ ትብል፦ “መምህራነይ ኣብ ትምህርቲ ኻብ ደቂ ኽፍለይ ንላዕሊ ኽገብር ይጽበዩኒ። ኣደይ ከኣ ንመምህረይን ንዘይኣምን ኣቦይን ጽቡቕ ምስክርነት ምእንቲ ኽህብ፡ ኣብ ትምህርቲ ኽነፍዕ ትደልየኒ። ኣብ መርመራ 100 ኻብ 100 ኸምጽእ እያ እትደልየኒ፣ እዚ ግና ዘይከኣል እዩ። ቅድሚ ዓመታት ትምህርቲ እኳ እንተ ወዳእኩ፡ ሓድሓደ ግዜ የሆዋ በቲ ብሉጸይ ዚሕጐስ እንተ ዀይኑ እጠራጠር እየ።”

6. ወለዲ ኻብ መዝሙር 131:1, 2 እንታይ ይምሃሩ፧

6 ኣብ መዝሙር 131:1, 2 ንወለዲ ዚኸውን ኣገዳሲ ትምህርቲ ተጠቒሱ ኣሎ። (ኣንብብ።) ኣብታ ጥቕሲ፡ ንጉስ ዳዊት “እምብዛ ዓብዪ ነገር ወይ ልዕሊ ዓቕመይ ኣይተመነኹን” ኢሉ ኣሎ። ትሕትናኡ ‘ኣህዲእዎ ወይ ስቕ ኣቢልዎ’ እዩ። ወለዲ ኻብ ቃላት ዳዊት እንታይ ይምሃሩ፧ ወለዲ ኣብቲ ኻብ ርእሶም ዚጽበይዎ ነገር ጥራይ ዘይኰነስ፡ ኣብቲ ኻብ ውሉዶም ዚጽበይዎ እውን ትሑታት ኪዀኑ ኣለዎም። ንውሉዶም ግቡእ ሸቶታት ንምውጻእ ኪሕግዝዎ ኸለዉ፡ ብርታዐኡን ድኽመቱን ከም ዚፈልጡ ብምግላጽ ኬተባብዕዎ ይኽእሉ እዮም። ማሪና ዝስማ ሓብቲ ኸምዚ ብምባል ተዘክሮኣ ትገልጽ፦ “ኣደይ ምስ ኣሕዋተይ ወይ ምስ ካልኦት ቈልዑ ኣወዳዲራትኒ ኣይትፈልጥን እያ። ነፍሲ ወከፍ ነናቱ ተውህቦ ኸም ዘለዎ፡ ነፍሲ ወከፍና ኸኣ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ኽቡራት ከም ዝዀንና ምሂራትኒ እያ። ሳላኣ ድማ ንርእሰይ ምስ ካልኦት ዳርጋ ኣየወዳድርን እየ።”

7-8. ሰብኣይ ንሰበይቱ ብኸመይ ኬኽብራ ይኽእል፧

7 ሓደ ክርስትያን ሰብኣይ ንሰበይቱ ኣኽብሮት ኬርእያ ኣለዎ። (1 ጴጥ. 3:7) ኣኽብሮት ኪብሃል ከሎ፡ ፍሉይ ቈላሕታ ምሃብ የጠቓልል። ንኣብነት፡ ሰብኣይ ንሰበይቱ ዘለዎ ኣኽብሮት፡ ኣብ ኣተሓሕዛኡ ኺርአ ይከኣል እዩ። ካብ ዓቕማ ንላዕሊ ኽትገብረሉ ኣይሓትታን እዩ። ምስ ካልኦት ኣንስቲ እውን ፈጺሙ ኣየወዳድራን እዩ። ከምኡ እንተ ገይሩ፡ እዚ ንጽጽር እዚ ኣብኣ እንታይ ጽልዋ ኺህልዎ ይኽእል፧ ናይ የሆዋ ምስክር ዘይኰነ ሰብኣያ ንሓንቲ ሮዛ ዝስማ ሓብቲ፡ ብዙሕ ሳዕ ንዓኣ ምስ ካልኦት ኣንስቲ የወዳድራ ነይሩ እዩ። እቲ ኽፉእ ቃላቱ ኸኣ ንርእሰ ምትእምማና ብዙሕ ሃስይዎ ነይሩ እዩ። ንሳ ብዛዕባ እዚ ኽትገልጽ ከላ፡ “የሆዋ ኣኽቢሩ ኸም ዚርእየኒ ቐጻሊ መረጋገጺ የድልየኒ እዩ” ትብል። ብኣንጻሩ ግና፡ ሓደ ክርስትያን ሰብኣይ ንሰበይቱ የኽብራ እዩ። ከምኡ ምግባሩ፡ ነቲ ምስኣ ዀነ ምስ የሆዋ ዘለዎ ርክብ ከም ዚጸሉ ይፈልጥ እዩ። *

8 ንሰበይቱ ዜኽብር ሰብኣይ፡ ይውድሳን ፍቕሩ የረጋግጸላን ይንእዳን እዩ። (ምሳ. 31:28) ሰብኣይ እታ ኣብታ ኣቐዲማ ዘላ ዓንቀጽ እተጠቕሰት ካተሪና፡ ከምኡ ብምግባር እዩ ነቲ ኸም ዘይትረብሕ ኰይኑ ዚስምዓ ዝነበረ ስምዒት ክትሰግር ሓጊዝዋ። ብቝልዕነታ ኣዲኣ ተቈናጽባ፡ ምስ መሓዙታን ካልኦት ኣዋልድን ድማ ተወዳድራ ነይራ እያ። ከም ሳዕቤኑ ኸኣ፡ ካተሪና ዋላ እውን ናብ ሓቂ ምስ መጸት፡ ንርእሳ ምስ ካልኦት እናኣነጻጸረት እያ እትልክዕ ነይራ። ሰብኣያ ግና ነዚ ዝንባለ እዚ ኽትቃለሶን ብዛዕባ ርእሳ ሚዛናዊ ኣረኣእያ ኸተማዕብልን ሓገዛ። ሕጂ ንሳ ኸምዚ ትብል፦ “ንሱ የፍቅረኒ፡ ስለቲ ዝገበርክዎ ጽቡቕ ይንእደኒ፡ ምእንታይ እውን ይጽሊ እዩ። ብተወሳኺ ድማ፡ ብዛዕባ ዜደንቕ ባህርያት የሆዋ የዘኻኽረኒ፡ ኣሉታዊ ኣተሓሳስባይ ክእርም እውን ይሕግዘኒ እዩ።”

ፈቃራት ሽማግለታትን ካልኦትን እንታይ ኪገብሩ ይኽእሉ፧

9-10. ሓለይቲ ሽማግለታት ንሓንቲ ሓብቲ፡ ነቲ ንርእሳ ምስ ካልኦት ናይ ምንጽጻር ዝንባለ ኸተሰንፍ ብኸመይ ሓጊዞምዋ፧

9 ሽማግለታት ነቶም ንርእሶም ምስ ካልኦት ናይ ምንጽጻር ዝንባለ ዘለዎም ብኸመይ ኪሕግዝዎም ይኽእሉ፧ ተመክሮ ሓንቲ ብቝልዕነታ ብዙሕ ናእዳ ዘይረኸበት ሃኑኒ ዝስማ ሓብቲ እስከ ንርአ። ንሳ ድማ፡ “ሓፋር እየ ነይረ፣ ካልኦት ቈልዑ ኸም ዚበልጹኒ ዀይኑ ድማ ይስምዓኒ ነይሩ። ንዓይ ከም ዚዝከረኒ፡ ወትሩ ንርእሰይ ምስ ካልኦት አነጻጽር ነይረ እየ” ብምባል ተዘክሮኣ ትገልጽ። ናብ ሓቂ ድሕሪ ምምጻኣ እኳ፡ ንርእሳ ምስ ካልኦት ተነጻጽር ነይራ እያ። ከም ውጽኢቱ ኸኣ፡ ኣብ ጉባኤ ብዙሕ ዋጋ ኸም ዘይብላ ዀይኑ ተሰምዓ። ሕጂ ግና ሕጕስቲ ፈላሚት ኰይና ተገልግል ኣላ። እሞ ደኣ ንኣመለኻኽታኣ ኽትልውጥ እንታይ ሓጊዝዋ፧

10 ሃኑኒ ኻብ ሓለይቲ ሽማግለታት ሓገዝ ከም ዝረኸበት ትገልጽ። ንሳቶም ብእኣ ኸም ዚተኣማመኑ ገለጹላ፡ ስለቲ ተኣማንነታ ኸኣ ነኣድዋ። ብዛዕባ እዚ ኸምዚ ኢላ ጽሒፋ ኣላ፦ “ኣብ ገሊኡ ኣጋጣሚ፡ ሓገዝ ንዜድልየን ገሊአን ኣሓት ከተባብዕ፡ ሽማግለታት ሓቲቶምኒ እዮም። በዚ ምኽንያት እዚ ድማ ተደላዪት ከም ዝዀንኩ ዀይኑ ተሰሚዑኒ እዩ። ሓደ ግዜ፡ ሓለይቲ ሽማግለታት፡ ብዕድመ ንዝነኣሳ ኣሓት መተባብዒ ብምሃበይ ኣመስጊኖምኒ። ድሕሪኡ ኸኣ 1 ተሰሎንቄ 1:2, 3 ኣንቢቦምለይ። እዛ ጥቕሲ ንልበይ ኣጸቢቓ ተንክያቶ! ሳላ እዞም ሕያዎት ጓሶት፡ ሕጂ ነቲ ኣብ ውድብ የሆዋ ዘሎኒ ቦታ ኣኽቢረ እየ ዝርእዮ።”

11. ነቶም ኣብ ኢሳይያስ 57:15 ተገሊጾም ዘለዉ “እተደቝሱን ትሑት ዝመንፈሶምን” ሰባት ብኸመይ ክንሕግዞም ንኽእል፧

11 ኢሳይያስ 57:15 ኣንብብ። የሆዋ ነቶም “እተደቝሱን ትሑት ዝመንፈሶምን” ኣጸቢቑ ይሓልየሎም እዩ። ሽማግለታት ጥራይ ዘይኰኑስ፡ ኵላትና ነዞም ፍቑራት ኣሕዋትና ኣሓትናን ክንሕግዞም ንኽእል ኢና። ሓደ ኻብቲ ኸነተባብዓሉ እንኽእል መገድታት፡ ልባዊ ተገዳስነት ብምርኣይ እዩ። የሆዋ፡ ነቲ ንሱ ንኽቡራት ኣባጊዑ ዘለዎ ፍቕሪ ኸነርእዮም ይደልየና እዩ። (ምሳ. 19:17) ትሑታትን ዘይተጃሃርትን ብምዃን እውን ንኣሕዋትናን ንኣሓትናን ክንሕግዞም ንኽእል ኢና። ናብ ርእስና ኣትኵሮ ብምስሓብ ከም ዚተሃላለኹና ኽንገብር ኣይንደልን ኢና። ኣብ ክንዳኡስ፡ ክእለትናን ፍልጠትናን ንሓድሕድና ንምትብባዕ ኢና እንጥቀመሉ።—1 ጴጥ. 4:10, 11

የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ፈጺሙ ስለ ዘይንየተሎም፡ ፈዂስዎም ይቐርብዎ። ንሱ ድማ ምስ ፈተውቱ ጽቡቕ ግዜ የሕልፍ (ሕጡብ ጽሑፍ 12 ርአ)

12. ትሑታት ሰባት ናብ የሱስ ዚስሓቡ ዝነበሩ ስለምንታይ እዮም፧ (ኣብ ገበር ዘላ ስእሊ ርአ።)

12 ነቲ የሱስ ንሰዓብቱ ዝነበሮ ኣተሓሕዛ ብምምርማር፡ ንኻልኦት ብኸመይ ከም እንሕዞም ብዙሕ ክንምሃር ንኽእል ኢና። የሱስ ኣብ ምድሪ ይነብሩ ኻብ ዝነበሩ ዝዓበየ ሰብኣይ እዩ። እንተዀነ ግና፡ “ልኡምን ትሑት ዝልቡን” እዩ ነይሩ። (ማቴ. 11:28-30) በቲ ልዑል ምስትውዓሉን ሰፊሕ ፍልጠቱን ኣይተነየተን። ልቢ ትሑታት ብዚትንኪ ቐሊል ቋንቛን ማራኺ ምሳሌታትን እዩ ምሂሩ። (ሉቃ. 10:21) ዘይከምቶም ዕቡያት መራሕቲ ሃይማኖት ከኣ፡ ንኻልኦት ሰባት ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ዋጋ ዘይብሎም ኰይኑ ኸም ዚስምዖም ኣይገበረን። (ዮሃ. 6:37) ኣብ ክንዳኡስ፡ ንተራ ሰባት ኣኽቢሩ እዩ ሒዝዎም።

13. ለውሃትን ፍቕርን የሱስ ኣብቲ ንደቀ መዛሙርቱ ዝሓዘሉ መገዲ ብኸመይ ተንጸባሪቑ፧

13 ለውሃትን ፍቕርን የሱስ ኣብቲ ንደቀ መዛሙርቱ ዝሓዘሉ መገዲ ተንጸባሪቑ እዩ። በበይኑ ኽእለታትን ኵነታትን ከም ዝነበሮም ይፈልጥ ነይሩ እዩ። ስለዚ፡ ኵላቶም ሕደ ሓላፍነታት ኪስከሙ ኣይክእሉን እዮም ነይሮም፣ ኣብ ኣገልግሎት እውን ብማዕረ ኼፍርዩ ኣይክእሉን እዮም ነይሮም። ይኹን እምበር፡ ነቲ ነፍሲ ወከፎም ብምሉእ ነፍሶም ዚገብርዎ ጻዕሪ ኣማስዩሉ እዩ። የሱስ ነዚ ኸም ዚርድኦ፡ ኣብ ምሳሌ እተን ታለንት ተንጸባሪቑ ኣሎ። ኣብታ ምሳሌ እቲኣ፡ እቲ ጐይታ ነቶም ባሮቱ ንነፍሲ ወከፎም “ከከም ዓቕሞም” እዩ ሂብዎም። ካብቶም ክልተ ትጉሃት ባሮት ድማ፡ እቲ ሓደ ኻብቲ ሓደ ዚዛይድ እዩ ረቢሑ። እቲ ጐይታ ግና፡ “ንፉዕ፡ ኣታ ሕያዋይን እሙንን ባርያ!” ብምባል ንኽልቲኦም ብሕደ ቓላት እዩ ንኢድዎም።—ማቴ. 25:14-23

14. ነቲ የሱስ ንኻልኦት ዝሓዘሉ መገዲ ኽንቀድሖ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

14 የሱስ ንዓና እውን ብለውሃትን ብፍቕርን እዩ ዚሕዘና። ክእለታትናን ኵነታትናን ከም ዚፈላለ ይፈልጥ እዩ፣ ዚከኣለና ኽንገብር ከለና እውን ባህ ይብሎ እዩ። ንሕና እውን ንኻልኦት ከምቲ የሱስ ገይሩ ዚሕዞም ጌርና ኽንሕዞም ኣሎና። ክርስትያን ብጻይና ማዕረ ኻልኦት ኪገብር ብዘይምኽኣሉ፡ ዘይረብሕ ኰይኑ ኸም ዚስምዖ ወይ ከም ዚሓፍር ክንገብሮ ኣይንደልን ኢና። ኣብ ክንዳኡስ፡ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ንየሆዋ ንምግልጋል ዚከኣሎም ብምግባሮም ንንኣዶም።

ሚዛናዊ ሸቶታት ኣውጽእ

ሚዛናዊ ሸቶታት ብምውጻእን ነዚ ብምውቃዕን ተሓጐስ (ሕጡብ ጽሑፍ 15-16 ርአ) *

15-16. ሓንቲ ሓብቲ ሚዛናዊ ሸቶታት ብምውጻኣ ብኸመይ ተጠቒማ፧

15 መንፈሳዊ ሸቶታት ንህይወትና ኣንፈትን ዕላማን የትሕዞ እዩ። እቲ ወሳኒ ነገር ግና፡ እቲ እነውጽኦ ሸቶታት ከከም ክእለታትናን ከከም ኵነታትናን ደኣ እምበር፡ ከም ክእለታትን ኵነታትን ካልኦት ኪኸውን ኣይግባእን። ከምኡ እንተ ጌርና፡ ጓህን ተስፋ ምቝራጽን ኢና እንዕድም ዘለና። (ሉቃ. 14:28) ኣብነት ሓንቲ ሚዶሪ ዝስማ ፈላሚት ሓብቲ እስከ ንርአ።

16 ሚዶሪ ቘልዓ ኣብ ዝነበረትሉ እዋን፡ ናይ የሆዋ ምስክር ዘይኰነ ኣቦኣ ምስ ኣሕዋታን ደቂ ኽፍላን እናኣነጻጸረ የዋርዳ ነበረ። ንሳ ብዛዕባ እዚ ኽትገልጽ ከላ፡ “ዘይረብሕ ዝዀንኩ ዀይኑ ተሰሚዑኒ” ትብል። እናዓበየት ምስ ከደት ግና፡ ብርእሳ እናተኣማመነት ከደት። ብዛዕባ እዚ ድማ፡ “ኣብ ልበይ ሰላም ምእንቲ ኽረክብን የሆዋ ኸም ዜፍቅረኒ ምእንቲ ኺፍለጠንን፡ መዓልቲ መዓልቲ መጽሓፍ ቅዱስ አንብብ ነይረ” ትብል። ብተወሳኺ ኸኣ፡ ንርእሳ ሚዛናዊ ሸቶታት ኣውጽአት፣ ነዚ ሸቶታት እዚ ምእንቲ ኽትወቅዖ ድማ ፈልያ ብምጥቃስ ጸለየት። ከም ውጽኢቱ፡ ብመንፈሳዊ ዕቤታ ኽትሕጐስ ክኢላ እያ።

ንየሆዋ ወትሩ ብሉጽካ ሃቦ

17. ከመይ ጌርና ኢና ‘ብኣተሓሳስባና ብቐጻሊ ኽንሕደስ’ እንኽእል፧ እዚኸ እንታይ ፍረ ኣለዎ፧

17 ኣሉታዊ ስምዒታትን ሓሳባትን ብቕጽበት ኣይጠፍእን እዩ። ስለዚ፡ የሆዋ፡ “ብኣተሓሳስባኹም ከኣ ብቐጻሊ ተሓደሱ” ኢሉ ተማሕጺኑና ኣሎ። (ኤፌ. 4:23, 24) ከምኡ ንምግባር፡ ክንጽልን ቃል ኣምላኽ ከነጽንዕን ብዛዕባኡ ኸነስተንትንን ኣሎና። ኣብዚ ነገራት እዚ ትጋህ፣ ብርታዐ ንምርካብ እውን ንየሆዋ ለምኖ። መንፈስ ቅዱሱ ኸኣ፡ ነቲ ንርእስኻ ምስ ካልኦት ናይ ምንጽጻር ዝንባለ ኸተሰንፍ ኪሕግዘካ እዩ። ኣብ ልብኻ ቕንኢ ወይ ዘየድሊ ሓበን እንተ ኣልዩ ድማ፡ ነዚ ብቕልጡፍ ኣለሊኻ ምእንቲ ኽትምሕዎ፡ የሆዋ ኺሕግዘካ እዩ።

18. በቲ ኣብ 2 ዜና መዋእል 6:29, 30 ዚርከብ ቃላት ጌርና ብኸመይ ክንጸናናዕ ንኽእል፧

18 ካልኣይ ዜና መዋእል 6:29, 30 ኣንብብ። የሆዋ ንልብና ይፍለጦ እዩ። ንቓልስታትና እውን ይፈልጦ እዩ፣ ነቲ ምስ መንፈስ ዓለም እንገብሮ ቓልሲ ዀነ ነቲ ምስ ዘይፍጽምናና እንገብሮ ቓልሲ ይፈልጦ እዩ። የሆዋ ምስዚ ኣሉታዊ ጽልዋታት ክሳዕ ክንደይ ተጊህና ንቃለስ ከም ዘለና ምስ ረኣየ፡ ንዓና ዘላቶ ፍቕሪ ትዓቢ እያ።

19. የሆዋ ነቲ ብዛዕባና ዘለዎ ስምዒት ብምንታይ ምሳሌ ገይሩ እዩ ኣረዲኡና፧

19 የሆዋ ብዛዕባና እንታይ ከም ዚስምዖ ብምሳሌ ምእንቲ ኼረድኣና ኢሉ፡ ነቲ ኣብ መንጎ ኣደን ውላዳን ዘሎ ፍቕሪ እዩ ተጠቒሙ። (ኢሳ. 49:15) ንሓንቲ ሬቸል ዝስማ ኣደ እስከ ኸም ኣብነት ንውሰድ። ንሳ ኸምዚ ኢላ ጽሒፋ ኣላ፦ “ጓለይ ስተፋኒ ወርሓ ኸይኣኸለ እያ ተወሊዳ። ኣብ ፈለማ ምስ ረኣኽዋ፡ ደቃቕን መስኪንን ኰይና እያ ተራእያትኒ። ኣብታ መሕቈፊት ማሽን ኣብ ዝነበረትሉ ቐዳማይ ወርሒ ግና፡ እቶም ሆስፒታል መዓልቲ መዓልቲ ኽሓቝፋ ፈቒዶምለይ ነይሮም እዮም። እቲ ግዜ እቲ፡ ጥብቂ ርክብ ክንምስርት ሓጊዙና እዩ። ሕጂ ጓል ሽዱሽተ ዓመት እያ፣ ካብ ካልኦት መሳቱኣ ኸኣ ትደቅቕ እያ። ኰይኑ ግና፡ ሓለፋ እየ ዝፈትዋ፣ ምኽንያቱ፡ ብህይወት ንምንባር ብዙሕ ተቓሊሳ እያ፣ ኣብ ህይወተይ እውን ብዙሕ ሓጐስ ኣምጺኣትለይ እያ።” የሆዋ እውን ንዕኡ ብምሉእ ነፍስና ንምግልጋል ክንቃለስ ኪርእየና ኸሎ፡ ብዛዕባና ኸምዚኣ ዓይነት ዓማቝ ፍቕሪ ኸም ዘላቶ ምፍላጥናስ ብዙሕ ዜጸናንዕ ደይኰነን፧

20. ርእስኻ ዝወፈኻ ኣገልጋሊ የሆዋ ኸም ምዃንካ መጠን፡ እንታይ ዜሐጕሰካ ነገር ኣሎካ፧

20 ኣገልጋሊ የሆዋ ስለ ዝዀንካ፡ በይንኻ ዝዓይነትካ ኽቡር ኣባል ስድራ ቤቱ ኢኻ። የሆዋ ናብኡ ዝሰሓበካ፡ ካብ ብጾትካ ስለ እትበልጽ ኣይኰነን። የግዳስ፡ ንልብኻ ምስ ተዓዘቦ፡ ኪቕረጽን ኪምሃርን ዚኽእል ትሑት ሰብ ስለ ዝረኣየ እዩ ስሒቡካ። (መዝ. 25:9፡ እ.ጽ.) ዚከኣለካ ኽትገብር ከለኻ ብኣኻ ኸም ዚሕጐስ ኣይትጠራጠር። ተጻዋርነትካን ተኣማንነትካን፡ ‘ቅኑዕን ጽቡቕን ልቢ’ ኸም ዘሎካ ዜርኢ መርትዖ እዩ። (ሉቃ. 8:15) እምበኣር፡ ንየሆዋ ወትሩ ብሉጽካ ሃቦ። ሽዑ፡ ‘ብርእስኻ’ ዜሐጕሰካ ነገር ኪህልወካ እዩ።

መዝሙር 38 ኬበርትዓካ እዩ

^ ሕ.ጽ. 5 የሆዋ ንዓና ምስ ካልኦት ኣየነጻጽረናን እዩ። ኰይኑ ግና፡ ገሌና ኸምኡ ንገብር ንኸውን፡ ንርእስና እውን ብኣሉታዊ ንፈርዳ ንኸውን። ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ንርእስና ምስ ካልኦት ምንጽጻር ስለምንታይ ጐዳኢ ኸም ዝዀነ ኽንርኢ ኢና። ንኣባላት ስድራ ቤትናን ነቶም ኣብ ጉባኤ ዘለዉን ድማ ከምቲ የሆዋ ዚርእዮም ገይሮም ገዛእ ርእሶም ምእንቲ ኺርእዩ ብኸመይ ከም እንሕግዞም ክንርኢ ኢና።

^ ሕ.ጽ. 5 ገሊኡ ስማት ተቐዪሩ እዩ።

^ ሕ.ጽ. 7 እዚ ነጥብታት እዚ ኣብ ሰብኣይ የተኵር እኳ እንተሎ፡ ሓያሎ ኻብቲ ስርዓታት ግና ንኣንስቲ እውን ይምልከት እዩ።

^ ሕ.ጽ. 58 መግለጺ ስእሊ፦ ኣብ ኣምልኾ ስድራ ቤት፡ እቶም ወለዲ በቲ ነፍሲ ወከፍ ውሉድ ንመርከብ ኖህ ዘበርከቶ ነገር ከም እተሓጐሱ የርእዩ።

^ ሕ.ጽ. 62 መግለጺ ስእሊ፦ ንእሽቶ ቘልዓ ዘለዋ ንጽል ኣደ፡ ሓጋዚት ፈላሚት ንምዃን መደብ ተውጽእ፣ ነቲ ሸቶኣ ኽትወቕዖ ብምኽኣላ ድማ ትሕጐስ።