ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ዓንቀጽ መጽናዕቲ 30

ኣብ ስድራ ቤት የሆዋ ንዘሎካ ቦታ ኣኽቢርካ ርአ

ኣብ ስድራ ቤት የሆዋ ንዘሎካ ቦታ ኣኽቢርካ ርአ

“ካብ መላእኽቲ ቝሩብ ኣንኢስካዮ፣ ኣኽሊል ክብርን ግርማን ደፊእካሉ።”—መዝ. 8:5፡ እ.ጽ.።

መዝሙር 123 ንቲኦክራስያዊ ስርዓት ብተኣማንነት ንገዛእ

መላለዪ *

1. ብዛዕባ ዅሉ እቲ የሆዋ ዝፈጠሮ ነገራት ክንሓስብ ከለና፡ እንታይ ሕቶታት እዩ ኺመጸና ዚኽእል፧

ብዛዕባ እቲ የሆዋ ዝፈጠሮ ሰፊሕ ዩኒቨርስ ክንሓስብ ከለና፡ ከምቲ ዳዊት እቲ ዘማሪ ኣብ ጸሎቱ ኸምዚ ኢሉ ዝሓተተ ኺስምዓና ይኽእል እዩ፦ “ሰማያትካ፡ እቲ ግብሪ ኣጻብዕካ፡ እቲ ዘዳሎኻዮ ወርሕን ከዋኽብትን ክርኢ ኸለኹ፡ ንስኻ እትዝክሮስ፡ መዋቲ ሰብ እንታይ እዩ፧ ወይስ እትሓልየሉ፡ ወዲ ሰብ እንታይ እዩ፧” (መዝ. 8:3, 4) ከም ዳዊት፡ ኣብ ዩኒቨርስ ኣብ ሓንቲ ንእሽቶ ቦታ ኸም እንነብር ክንዕዘብ እሞ የሆዋ ንዓና ዚዝክረና ምዃኑ ኸነስተንክር ንኽእል ኢና። ኰይኑ ግና፡ ቀጺልና ኸም እንርእዮ፡ የሆዋ ነቶም ቀዳሞት ሰባት ዝዀኑ ኣዳምን ሄዋንን የስተብህለሎም ጥራይ ኣይኰነን ነይሩ፣ የግዳስ፡ ክፍሊ ስድራ ቤቱ እውን ገይርዎም ነይሩ እዩ።

2. የሆዋ ነቶም ቀዳሞት ምድራውያን ደቁ እንታይ ዕላማ እዩ ነይርዎ፧

2 ኣዳምን ሄዋንን ቀዳሞት ምድራውያን ደቂ የሆዋ እዮም ነይሮም፣ የሆዋ እውን ፈቃር ሰማያዊ ኣቦኦም እዩ ነይሩ። እዞም ሰብ ሓዳር እዚኦም፡ ፈረይቲ ኣባላት ስድራ ቤቱ ኪዀኑ ተጸብይዎም ነይሩ እዩ። ኣምላኽ ንዓታቶም፡ “ፍረዩን ተባዝሑን፡ ንምድሪ ኸኣ ምልእዋን ግዝእዋን” ኢልዎም እዩ። (ዘፍ. 1:28) ውሉዳት ኪወልዱን ንምድራዊት መንበሪቶም ኪከናኸንዋን እዩ ደልይዎም ነይሩ። ምስቲ የሆዋ ንዓታቶም ዝነበሮ ዕላማ ብተኣዛዝነት እንተ ዚተሓባበሩ ነይሮም፡ ንሳቶምን ዘርኦምን ንዘለኣለም ኣባላት ስድራ ቤት ኣምላኽ ኰይኖም ምቐጸሉ ነይሮም።

3. ኣዳምን ሄዋንን ኣብ ስድራ ቤት የሆዋ ኽቡር ቦታ ተዋሂብዎም ነይሩ ኽንብል እንኽእል ስለምንታይ ኢና፧

3 ኣዳምን ሄዋንን ኣብ ስድራ ቤት የሆዋ ኽቡር ቦታ እዩ ነይርዎም። ኣብ መዝሙር 8:5ን እግረ ጽሑፍን ተመዝጊቡ ኸም ዘሎ፡ ዳዊት ብዛዕባ እቲ ፍጥረት የሆዋ ዝዀነ ወዲ ሰብ፡ “ካብ መላእኽቲ ቝሩብ ኣንኢስካዮ፣ ኣኽሊል ክብርን ግርማን ደፊእካሉ” ኢሉ ተዛሪቡ ኣሎ። ልክዕ እዩ፡ ሰባት ማዕረ መላእኽቲ ሓይልን ምስትውዓልን ክእለትን ኣይተዋህቦምን። (መዝ. 103:20) ይኹን እምበር፡ ደቂ ሰብ ካብቶም ሓያላት መንፈሳውያን ፍጡራት ‘ቍሩብ እዮም ዚንእሱ።’ ሕስብ እሞ ኣብሎ! የሆዋ ብሓቂ ነቶም ቀዳሞት ወለድና ዜደንቕ ህይወት እዩ ሂብዎም።

4. ኣዳምን ሄዋንን እዙዛት ዘይምዃኖም እንታይ ኣስዒቡሎም፧ ኣብዛ ዓንቀጽ እንታይ ክንርኢ ኢና፧

 4 እቲ ዜሕዝን ግና፡ ኣዳምን ሄዋንን ነቲ ኣብ ስድራ ቤት የሆዋ ዝነበሮም ቦታ ሰኣኑ። እዚ ድማ ኣብዛ ዓንቀጽ ጸኒሕና ኸም እንርእዮ፡ ንዘርኦም ሕማቕ ሳዕቤን እዩ ኣስዒቡሎም። ዕላማ የሆዋ ግና ኣይተለወጠን። እዙዛት ደቂ ሰብ ንዘለኣለም ደቁ ኪዀኑ ይደሊ እዩ። ፈለማ፡ የሆዋ ኸመይ ገይሩ ኣኽቢሩና ኸም ዘሎ ንርአ። ድሕሪኡ፡ ክፍሊ ስድራ ቤት ኣምላኽ ክንከውን ከም እንደሊ ምእንቲ ኸነርኢ፡ እንታይ ክንገብር ከም እንኽእል ክንምርምር ኢና። ኣብ መወዳእታ፡ እቲ ምድራውያን ደቂ የሆዋ ዚረኽብዎ ዘለኣለማዊ በረኸት ክንርኢ ኢና።

የሆዋ ንደቂ ሰብ ዘኽበረሉ መገድታት

ብምንታይ መገድታት እዩ የሆዋ ዘኽበረና፧ (ሕጡብ ጽሑፍ 5-11 ርአ) *

5. ኣምላኽ ብመልክዑ ኻብ ፈጠረና፡ ንሕና ንዕኡ ብኸመይ ነኽብሮ፧

5 የሆዋ ብመልክዑ ብምፍጣር ኣኽቢሩና። (ዘፍ. 1:26, 27) ብመልክዕ ኣምላኽ ስለ እተፈጠርና፡ ሓያሎ ኻብቲ ዜደንቕ ባህርያቱ፡ ማለት ከም እኒ ፍቕሪ፡ ርሕራሐ፡ ተኣማንነት፡ ጽድቂ ኸነርኢ ንኽእል ኢና። (መዝ. 86:15፣ 145:17) ነዚ ባህርያት እዚ ኸነማዕብል ከለና፡ ንየሆዋ ነኽብሮ፡ ከም እነመስግኖ እውን ነርኢ ኢና። (1 ጴጥ. 1:14-16) ንሰማያዊ ኣቦና ባህ ብዜብሎ መገዲ እንተ ተመላሊስና፡ ሕጉሳትን ዕጉባትን ንኸውን ኢና። ብመልክዑ ስለ ዝፈጠረና ኸኣ፡ ኣብ ስድራ ቤቱ ዚደልዮም ዓይነት ሰባት ናይ ምዃን ክእለት ሂቡና ኣሎ።

6. የሆዋ ንምድሪ ኼዳልዋ ኸሎ፡ ንደቂ ሰብ ዘኽበሮም ብኸመይ እዩ፧

6 የሆዋ ፍልይቲ መንበሪት ኣዳልዩልና። የሆዋ ነቶም ቀዳሞት ሰባት ቅድሚ ምፍጣሩ ነዊሕ ግዜ ኣቐዲሙ፡ ምድሪ ንደቂ ሰብ ኣዳልይዋ እዩ። (እዮ. 38:4-6፣ ኤር. 10:12) ሓላይን ለጋስን ስለ ዝዀነ፡ ንልብና ዜሐጕስ ብዙሕ ጽቡቕ ነገራት ሂቡና እዩ። (መዝ. 104:14, 15, 24) ብዛዕባ እቲ ዝፈጠሮ ምስ ሓሰበ ኸኣ፡ “ጽቡቕ ከም ዝዀነ ረኣየ” ተባሂሉ ተገሊጹልና ኣሎ። (ዘፍ. 1:10, 12, 31) ንደቂ ሰብ ድማ ኣብ ልዕሊ ዅሉ እቲ ኣብ ምድሪ ዘሎ ዜደንቕ ግብርታቱ ‘ኣግዚእዎም’ እዩ፣ በዚ ኸምዚ እውን ኣኽቢርዎም እዩ። (መዝ. 8:6) ዕላማ ኣምላኽ፡ ፍጹማት ደቂ ሰብ ነቲ መስተንክር ግብርታቱ ንዘለኣለም ተሓጒሶም ኪከናኸኑ እዩ። እሞ ደኣ ነቲ ዜደንቕ ተስፋ እቲ ስለ ዝሃበናስ፡ ንየሆዋ ኣዘውቲርካ ተመስግኖ ዲኻ፧

7. ሰብ ናይ ምምራጽ ናጽነት ከም ዘለዎ ኣብ እያሱ 24:15 ብኸመይ ተሓቢሩ ኣሎ፧

7 የሆዋ ናይ ምምራጽ ናጽነት ሂቡና። ኣብ ህይወትና እንታይ መገዲ ኸም እንስዕብ ክንሓሪ ንኽእል ኢና። (እያሱ 24:15 ኣንብብ።) ናይ ምሕራይ ክእለት ከኣ፡ ናይ ምምራጽ ናጽነት ተባሂሉ ይጽዋዕ። እቲ ፈቃር ኣቦና ንዕኡ ኸነገልግሎ ኽንሓሪ ኸለና ይሕጐስ እዩ። (መዝ. 84:11፣ ምሳ. 27:11) ናይ ምምራጽ ናጽነትና ኣብ ብዙሕ መገድታት ብግቡእ ክንጥቀመሉ ንኽእል ኢና። የሱስ ዝሓደጎ ኣብነት እስከ ንርአ።

8. የሱስ ነቲ ናይ ምምራጽ ናጽነቱ እተጠቕመሉ ሓደ መገዲ እንታይ እዩ ነይሩ፧

8 ኣብነት የሱስ ብምስዓብ፡ ጥቕሚ ኻልኦት ካብ ጥቕምና ኸነቐድም ንኽእል ኢና። ኣብ ሓደ እዋን፡ የሱስን ሃዋርያቱን ኣመና ምስ ደኸሙ፡ ምእንቲ ኼዕርፉ ናብ ጽምዊ ቦታ ኸዱ። ኬዕርፉ ግና ኣይከኣሉን። ብዙሓት ሰባት ረኸብዎም፣ ትምህርቲ የሱስ ኪሰምዑ እውን ደልዮም ነበሩ። እንተዀነ ግና፡ የሱስ በዚ ኣይተቘጥዐን። ኣብ ክንዳኡስ፡ ነቶም ህዝቢ ደንገጸሎም። እሞ ደኣ እንታይ ገበረ፧ “ብዙሕ ከኣ ኪምህሮም ጀመረ።” (ማር. 6:30-34) ንኻልኦት ንምሕጋዝ ግዜናን ጕልበትናን ብምስዋእ ንየሱስ ምስ እንመስሎ፡ ንሰማያዊ ኣቦና ኽብሪ ነምጽኣሉ ኢና። (ማቴ. 5:14-16) ክፍሊ ስድራ ቤቱ ኽንከውን ከም እንደሊ እውን ነርእዮ ኢና።

9. ወለዲ እንታይ እዮም ወትሩ ኺዝክሩ ዘለዎም፧

9 የሆዋ ንሰባት ውሉዳት ናይ ምውላድ ክእለትን ንዕኡ ኸም ዜፍቅርዎን ከም ዜገልግልዎን ገይሮም ንውሉዳቶም ናይ ምምሃር ሓላፍነትን ሂብዎም። ወላዲ እንተ ዄንካ፡ ነዚ ፍሉይ ውህበት እዝስ ተማስወሉዶ፧ የሆዋ ንመላእኽቲ ብዙሕ በረኸት እኳ እንተ ሃቦም፡ እዚ ኽእለት እዚ ግና ኣይሃቦምን። ስለዚ፡ እቶም ውሉዳት ዜዕብዩ ዘለዉ ወለዲ፡ ነቲ ሓላፍነቶም ኣኽቢሮም ኪርእይዎ ይግባእ። ወለዲ ንውሉዳቶም “ብተግሳጽን ብምዕዶን የሆዋ” ናይ ምዕባይ ሕድሪ፡ ወይ ቅዱስ ሓላፍነት ተዋሂብዎም ኣሎ። (ኤፌ. 6:4፣ ዘዳ. 6:5-7፣ መዝ. 127:3) ውድብ ኣምላኽ ንወለዲ ንምሕጋዝ፡ ከም ጽሑፋትን ቪድዮታትን ሙዚቃን ዓንቀጻት ወብን ዝኣመሰለ ሓያሎ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ናውቲ ኣዳልያ ኣላ። ሰማያዊ ኣቦናን ወዱን ንደቅና ኸም ዚፈትውዎም ንጹር እዩ። (ሉቃ. 18:15-17) ወለዲ ንኽቡራት ደቆም ኣብ ዚገብርዎ ኽንክን ናብ የሆዋ ዚጽግዑን ዚከኣሎም ዘበለ ዚገብሩን እንተ ዀይኖም፡ የሆዋ ባህ ይብሎ እዩ። ከምኡ ዚገብሩ ወለዲ ድማ ንውሉዳቶም፡ ንዘለኣለም ክፍሊ ስድራ ቤት የሆዋ ናይ ምዃን ኣጋጣሚ ይህብዎም እዮም።

10-11. የሆዋ በቲ የሱስ ዝኸፈሎ በጃ ኣቢሉ እንታይ ኣጋጣሚ እዩ ኸፊቱልና ዘሎ፧

10 የሆዋ፡ ዳግም ኣባላት ስድራ ቤቱ ኽንከውን ኢሉ ነቲ ኽቡር ወዱ ሂቡና። ኣብ  ሕጡብ ጽሑፍ 4 ተጠቒሱ ኸም ዘሎ፡ ኣዳምን ሄዋንን ነቲ ኣብ ስድራ ቤት የሆዋ ዘለዎም ቦታ ስኢኖም እዮም፣ ዘርኦም እውን ነቲ ቦታ እቲ ስኢኖምዎ እዮም። (ሮሜ 5:12) ኣዳምን ሄዋንን ደይ መደይ ኢሎም ንኣምላኽ ስለ ዘይተኣዘዝዎ፡ ናይ ውርሲ መሰሎም ኪሕደጉ ይግብኦም እዩ። ዘርኦም ግና እንታይ እዮም ኪዀኑ፧ የሆዋ ብፍቕሪ ተደሪኹ ነቶም ካብ ዘርኦም ዚግብኦም ዘበሉ ኣባል ስድራ ቤቱ ኪዀኑ ዜኽእል መሰናድዎ ገይሩ ኣሎ። ነዚ ኸኣ ነቲ ሓደ ወዱ የሱስ ክርስቶስ መስዋእቲ ኪኸውን ብምሃብ እዩ ገይርዎ። (ዮሃ. 3:16፣ ሮሜ 5:19) ሳላ እቲ የሱስ ዝኸፈሎ መስዋእቲ፡ ንጽህናኦም ዝሓለዉ 144,000 ሰባት ደቂ ኣምላኽ ኪዀኑ ውልድነት ረኺቦም እዮም።—ሮሜ 8:15-17፣ ራእ. 14:1

11 ብተወሳኺ፡ ሚልዮናት እሙናት ሰባት ብተኣዛዝነት ፍቓድ የሆዋ ይገብሩ ኣለዉ። ንሳቶም ድማ ድሕሪ እቲ ኣብ መወዳእታ 1,000 ዓመት ዚህሉ ናይ መወዳእታ ፈተና፡ ኣባላት ስድራ ቤት ኣምላኽ ናይ ምዃን ተስፋ ኣለዎም። (መዝ. 25:14፣ ሮሜ 8:20, 21) ነዚ ተስፋ እዚ ኣብ ኣእምሮኦም ሒዞም ከኣ፡ ዋላ እውን ሕጂ ንፈጣሪኦም የሆዋ፡ “ኣቦ” ኢሎም ይጽውዕዎ እዮም። (ማቴ. 6:9) ብዘይካዚ፡ ካብ ምዉታት ዚትንስኡ ሰባት፡ የሆዋ ኻባታቶም እንታይ ከም ዚጽበ ኺምሃሩ እዮም። እቶም ንመምርሒኡ ዚቕበሉ ድማ፡ ኣብ መወዳእታኡ ኣባላት ስድራ ቤቱ ኪዀኑ እዮም።

12. ሕጂ እንታይ ንእትብል ሕቶ ኢና መልሲ ኽንህበላ፧

12 ክሳዕ ሕጂ ኸም ዝረኣናዮ፡ የሆዋ ንደቂ ሰብ ብብዙሕ መገድታት ኣኽቢርዎም ኣሎ። ንቕቡኣት ዘበሉ ደቁ ኪዀኑ ውልድነት ሂብዎም ኣሎ፣ ነቶም “ብዙሓት ህዝቢ” ኸኣ ኣብ ሓዳስ ዓለም ደቁ ኪዀኑ ተስፋ ሂብዎም ኣሎ። (ራእ. 7:9) እሞ ደኣ ንዘለኣለም ክፍሊ ስድራ ቤቱ ኽንከውን ከም እንደሊ ምእንቲ ኸነርእዮ፡ ሕጂ እንታይ ክንገብር ንኽእል፧

ንየሆዋ፡ ክፍሊ ስድራ ቤቱ ኽትከውን ከም እትደሊ ኣርእዮ

13. ክፍሊ ስድራ ቤት ኣምላኽ ንምዃን እንታይ ክንገብር ንኽእል፧ (ማርቆስ 12:30)

13 ብምሉእ ልብኻ ንየሆዋ ብምግልጋል፡ ፍቕርኻ ኣርእዮ። (ማርቆስ 12:30 ኣንብብ።) ካብ ኵሉ እቲ ኣምላኽ ብለውሃቱ ዝሃበና ውህበታት፡ እቲ ንዕኡ ኸነምልኾ ዝሃበና ኽእለት ሓደ ኻብቲ ዓበይቲ ውህበታቱ እዩ። ንየሆዋ ኸም እነፍቅሮ ‘ትእዛዛቱ ብምሕላው’ ከነርእዮ ንኽእል ኢና። (1 ዮሃ. 5:3) ሓደ ኻብቲ የሆዋ ኽንስዕቦ ዚደልየና ትእዛዛት ከኣ፡ እቲ የሱስ እናኣጥመቕና ደቀ መዛሙርቲ ኽንገብር ዝሃበና ትእዛዝ እዩ። (ማቴ. 28:19) ብዘይካዚ ድማ፡ የሱስ ንሓድሕድና ኽንፋቐር ትእዛዝ ሂቡና እዩ። (ዮሃ. 13:35) የሆዋ ንእዙዛት ሰባት ክፍሊ እቲ ዓለምለኻዊ ስድራ ኣምለኽቱ ኺገብሮም እዩ።—መዝ. 15:1, 2

14. ከመይ ጌርና ኢና ንሰባት ፍቕሪ ኸነርኢ እንኽእል፧ (ማቴዎስ 9:36-38፣ ሮሜ 12:10)

14 ንሰባት ፍቕሪ ኣርኢ። ፍቕሪ ቐንዲ ባህርይ የሆዋ እያ። (1 ዮሃ. 4:8) የሆዋ ገና ኸይፈለጥናዮ ፍቕሩ ኣርእዩና እዩ። (1 ዮሃ. 4:9, 10) ንሕና እውን ንሰባት ፍቕሪ ብምርኣይ ንዕኡ ንመስሎ ኢና። (ኤፌ. 5:1) ሓደ ኻብቲ ንሰባት ፍቕሪ እነርእየሉ ብሉጽ መገድታት፡ ገና ግዜ ኸሎ ብዛዕባ የሆዋ ኺምሃሩ ምሕጋዝ እዩ። (ማቴዎስ 9:36-38 ኣንብብ።) ከምኡ ኽንገብር ከለና፡ ኣባላት ስድራ ቤት ኣምላኽ ኪዀኑ ኣጋጣሚ ንኸፍተሎም ኢና። ሓደ ሰብ ምስ ተጠምቀ እውን፡ ፍቕርናን ኣኽብሮትናን ከነቋርጸሉ የብልናን። (1 ዮሃ. 4:20, 21) ከመይ ጌርና ኸምኡ ንገብር፧ ብቐዳምነት፡ ብእተኻእለ መጠን ንኣምኖ ኢና። ንኣብነት፡ ሕማቕ ድራኸ ኸም ዘለዎ ወይ ንጥቕሙ ኸም ዚሓስብ ጌርና ኣይንርእዮን ኢና። ኣብ ክንዳኡስ፡ ንሓውና ኻባና ኣብሊጽና ብምርኣይ ነኽብሮ ኢና።—ሮሜ 12:10 ኣንብብ፣ ፊል. 2:3

15. ንመን ኢና ምሕረትን ለውሃትን ከነርኢ ዘሎና፧

15 ንዅሎም ሰባት ምሕረትን ለውሃትን ኣርኢ። ካብቶም ንየሆዋ ንዘለኣለም ‘ኣቦይ’ ኢሎም ኪጽውዕዎ ዚበቕዑ ኽንከውን እንተ ደሊና፡ ንቓል ኣምላኽ ኣብ ህይወትና ኽንዓይየሉ ኣሎና። ንኣብነት፡ የሱስ ንዅሎም ሰባት፡ እንተላይ ንጸላእትና ምሕረትን ለውሃትን ከነርኢ ምሂሩና እዩ። (ሉቃ. 6:32-36) ሓድሓደ ግዜ፡ እዚ ኣጸጋሚ ኪዀነና ይኽእል እዩ። ከምኡ እንተ ተሰሚዑና፡ ብኣተሓሳስባናን ብተግባርናን ንየሱስ ክንመስሎ ኣሎና። ንየሆዋ ኽንእዘዞ፡ ንየሱስ ድማ ክንመስሎ ዚከኣለና እንተ ጌርና፡ ንሰማያዊ ኣቦና ንዘለኣለም ክፍሊ ስድራ ቤቱ ኽንከውን ከም እንደሊ ነርእዮ ኢና።

16. ከመይ ጌርና ኢና ስም ስድራ ቤት የሆዋ ኸይነበላሹ ኽንጥቀቕ እንኽእል፧

16 ስም ስድራ ቤት የሆዋ ኸይተበላሹ ተጠንቀቕ። ኣብ ስድራ ቤት፡ ንእሽቶ ቘልዓ ኣሰር ዓብዪ ሓዉ እዩ ዚስዕብ። እቲ ዓብዪ ወዲ ብስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ዚመላለስ እንተ ዀይኑ፡ ነቲ ንእሽቶ ሓዉ ሰናይ ኣብነት እዩ ዚዀኖ። እቲ ዓብዪ ሕማቕ ዚገብር እንተ ዀይኑ ግና፡ እቲ ንእሽቶ ሓዉ እውን ነቲ ሕማቕ ኣብነቱ ኺስዕብ ይኽእል እዩ። ኣብ ስድራ ቤት የሆዋ እውን ከምኡ እዩ። ሓደ እሙን ዝነበረ ክርስትያን ጸኒሑ ናይ ከሓድቲ ኣተሓሳስባ እንተ ኣሒዲሩ፡ ወይ ብዕሉግን ብልሹውን መገዲ ህይወት እንተ ሓርዩ፡ ካልኦት እውን ሕማቕ ንምግባር ኪፍተኑ ይኽእሉ እዮም። እቶም ከምኡ ዚገብሩ ድማ፡ ንስም ስድራ ቤት ኣምለኽቲ የሆዋ የበላሽውዎ እዮም። (1 ተሰ. 4:3-8) ስለዚ፡ ሕማቕ ኣብነታት ክንስዕብ የብልናን፡ ዝዀነ ነገር ካብቲ ፈቃር ሰማያዊ ኣቦና ኼርሕቐና እውን ክንፈቅድ የብልናን።

17. እንታይ ዓይነት ኣተሓሳስባ ኢና ኸነወግድ ዘሎና፧ ስለምንታይከ፧

17 ኣብ ስጋዊ ነገራት ዘይኰነስ፡ ኣብ የሆዋ ተወከል። የሆዋ፡ ቅድም መንግስቱ እንተ ደሊናን ብጽድቃዊ ስርዓታቱ እንተ ተመላሊስናን፡ ምግብን ክዳንን መጽለልን ከም ዚህበና ቓል ኣትዩልና እዩ። (መዝ. 55:22፣ ማቴ. 6:33) ነዚ ኣብ ልብና እንተ ኣሕዲርናዮ፡ ስጋዊ ጥሪት እዛ ዓለም ናይ ሓቂ ውሕስነትን ነባሪ ሓጐስን ከም ዜምጽእ ጌርና ኣይንሓስብን ኢና። ናይ ሓቂ ኣእምሮኣዊ ሰላም ክንረኽበሉ እንኽእል ሓደ በይኑ መገዲ፡ ፍቓድ የሆዋ ምግባር ምዃኑ ንፈልጥ ኢና። (ፊል. 4:6, 7) ዋላ እውን ብዙሕ ንብረት ንምዕዳግ ዜኽእል ዓቕሚ እንተ ኣሎና፡ ነቲ ንብረት ክንጥቀመሉን ክንከናኸኖን ዜኽእል ግዜን ጕልበትን እንተ ኣልዩና ኽንሓስበሉ ኣሎና። ብዘይካዚ፡ ንጥሪትና ፍቕሪ ነሕድር ደዀን ንኸውን፧ ኣምላኽ ኣፍረይቲ ኣባላት ስድራ ቤቱ ኽንከውን ከም ዚጽበየና ኽንርስዕ የብልናን። ስለዚ፡ ናብ ካልእ ነገራት ከነስግል የብልናን። ከምቲ ንምድራዊ ጥሪቱ ኻብ ዝነበሮ ፍቕሪ ተላዒሉ ንየሆዋ ንምግልጋልን ውልድነት ንምቕባልን እተኸፍተሉ ኣጋጣሚ ዘይተጠቕመ ጐበዝ ክንከውን መሸም ኣይንደልን ኢና።—ማር. 10:17-22

ደቂ የሆዋ ዚረኽብዎ ዘለኣለማዊ በረኸት

18. እዙዛት ደቂ ሰብ ንዘለኣለም እንታይ ዓብዪ ኽብርን በረኸትን እዮም ኪረኽቡ፧

18 እዙዛት ደቂ ሰብ ካብ ኵሉ ዝዓበየ ኽብሪ ኺረኽቡ እዮም። እዚ ድማ ንየሆዋ ንዘለኣለም ናይ ምፍቃርን ናይ ምምላኽን ፍሉይ ክብሪ እዩ። እቶም ምድራዊ ተስፋ ዘለዎም ነዛ የሆዋ መንበሪቶም ክትከውን ፍጽምቲ ገይሩ ዝነደፋ ጽብቕቲ ፕላነት ብምክንኻን ሓጐስ ኪረኽቡ እዮም። ኣብ ቀረባ ግዜ፡ ምድርን ኣብኣ ዘሎ ዅሉ ህይወትን ኣብ ትሕቲ ግዝኣት መንግስቲ ኣምላኽ ኪሕደስ እዩ። የሱስ ነቲ ኣዳምን ሄዋንን ካብ ስድራ ቤት ኣምላኽ ኪወጹ ምስ ወሰኑ ዘስዓብዎ ጕድኣት ኬዐርዮ እዩ። የሆዋ ንሚልዮናት ኬተንስእ እዩ፣ ፍጹም ጥዕናን ኣብታ ናብ ገነት እትቕየር ምድሪ ንዘለኣለም ናይ ምንባር ኣጋጣምን እውን ኪህቦም እዩ። (ሉቃ. 23:42, 43) ምድራዊ ኽፋል ስድራ ቤት የሆዋ ናብ ፍጽምና እናዓበየ ምስ ከደ፡ ነፍሲ ወከፍ ነቲ ዳዊት ኣብ መዝሙሩ ዝጠቐሶ “ኽብርን ግርማን” ኬንጸባርቕ እዩ።—መዝ. 8:5

19. እንታይ ኢና ኽንርስዕ ዘይብልና፧

19 ካብቶም “ብዙሓት ህዝቢ” እንተ ዄንካ፡ ዜደንቕ ተስፋ እዩ ዘሎካ። ኣምላኽ የፍቅረካ እዩ፣ ኣባል ስድራ ቤቱ ኽትከውን እውን ይደልየካ እዩ። ስለዚ፡ ባህ ከተብሎ ዚከኣለካ ግበር። ኵሉ መዓልቲ ነቲ ዘተስፈዎ ተስፋታት ኣብ ኣእምሮኻን ኣብ ልብኻን ሒዝካ ተመላለስ። ነቲ ንሰማያዊ ኣቦና ናይ ምምላኽ ፍሉይ መሰልካ ኣማስወሉ፣ ነቲ ንዘለኣለም ንዕኡ ንምውዳስ ዘሎካ ኣጋጣሚ እውን ኣኽቢርካ ርኣዮ!

መዝሙር 107 ፍቕሪ ኣምላኽ

^ ሕ.ጽ. 5 ኣብ መንጎ ስድራ ቤት ሓጐስ ኪሰፍን እንተ ዀይኑ፡ ነፍሲ ወከፍ ኣባል ካብኡ እንታይ ትጽቢት ከም ዚግበር ፈሊጡ ምስ ካልኦት ኣባላት ስድራ ቤቱ ኺተሓባበር ኣለዎ። ኣብ ከምዚ ዝበለ ስድራ ቤት፡ ኣቦ ንስድራኡ ብፍቕሪ ይመርሕ፡ ኣደ ንዕኡ ትድግፎ፡ ውሉዳት ከኣ ብተኣዛዝነት ምስ ወለዶም ተሓባቢሮም ይመላለሱ። ኣብ ስድራ ቤት የሆዋ እውን ካብዚ እተፈልየ ኣይኰነን። ኣምላኽና ንዓና ዕላማ ኣለዎ፣ ምስቲ ዕላማኡ እንተ ተሓባቢርና፡ ንዘለኣለም ኣባል ስድራ ቤት የሆዋ ኽንከውን ኢና።

^ ሕ.ጽ. 55 መግለጺ ስእሊ፦ ሰብ ሓዳር ብመልክዕ ኣምላኽ ስለ እተፈጥሩ፡ ንሓድሕዶምን ንደቆምን ፍቕርን ርሕራሐን ኬርእዩ ይኽእሉ። እቶም ሰብ ሓዳር ንየሆዋ ፍቕሪ ኣለዎም። ውሉዳት ናይ ምውላድ ክእለት ስለ እተዋህቦም፡ ንውሉዳቶም፡ ንየሆዋ ኸም ዜፍቅርዎን ከም ዜገልግልዎምን ገይሮም ናይ ምዕባይ ኣጋጣሚ ኣለዎም። ብቪድዮ ገይሮም ከኣ፡ የሆዋ ንየሱስ በጃ ገይሩ ስለምንታይ ከም ዝሃበና ይገልጹሎም። ኣብታ እትመጽእ ገነት ንምድርን ንእንስሳታትን ንዘለኣለም ከም እንከናኸን እውን ይምህርዎም።