ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ዓንቀጽ መጽናዕቲ 32

ኣብ ፈጣሪ ዘሎካ እምነት ኣደልድል

ኣብ ፈጣሪ ዘሎካ እምነት ኣደልድል

“እምነት . . . ናይቲ ዘይርአ ነገር ግሁድ መርኣያ እያ።”—እብ. 11:1

መዝሙር 11 ፍጥረት ንኣምላኽ ይውድሶ

መላለዪ *

1. ክሳዕ ሕጂ ብዛዕባ ፈጣሪና እንታይ ተማሂርካ፧

ናይ የሆዋ ምስክር ኴንካ እንተ ዓቢኻ፡ ካብ ሕጻንነትካ ኣትሒዝካ ብዛዕባ የሆዋ ትፈልጥ ኢኻ። ንሱ ፈጣሪ ምዃኑ፡ ማራኺ ባህርያት ከም ዘለዎ፡ ንደቂ ሰብ እውን ጽቡቕ ዕላማ ኸም ዘለዎ ተማሂርካ ኢኻ።—ዘፍ. 1:1፣ ግብ. 17:24-27

2. ገሊኦም ሰባት ነቶም ኣብ ፈጣሪ ዚኣምኑ ብኸመይ ይርእይዎም፧

2 ብዙሓት ሰባት ግና፡ ኣምላኽ ከም ዘሎን ፈጣሪ ምዃኑን ኣይኣምኑን እዮም። የግዳስ፡ ህይወት ብኣጋጣሚ ኸም ዝጀመረ፡ ካብ ቀሊል ዓይነት ህይወት ከኣ ናብ እተሓላለኸ ዓይነት ህይወት በብቝሩብ ከም ዝማዕበለ እዮም ዚኣምኑ። ገለ ኻብዞም ሰባት እዚኦም ብዙሕ እተማህሩ እዮም። መጽሓፍ ቅዱስ ጌጋ ምዃኑ ብስነ ፍልጠት ከም እተረጋገጸ፡ ኣብ ፈጣሪ ምእማን ከኣ ናይ ደናቝር፡ ናይ ድኹማት፡ ወይ ናይ የዋሃት ከም ዝዀነ እዮም ዚኣምኑ።

3. እምነትና ኽንሃንጽ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

3 ገሊኦም ጸለውቲ ሰባት ዘለዎም ኣረኣእያ፡ ነቲ የሆዋ ፈቃር ፈጣሪና ምዃኑ ዘሎና እምነት ይንቕንቖ ድዩ፧ እዚ ብዓብይኡ ነዛ እትስዕብ ሕቶ ኣብ እንህባ ምላሽ እዩ ዚምርኰስ፦ ስለምንታይ ኢና የሆዋ ፈጣሪ ኸም ዝዀነ እንኣምን፧ ከምኡ ኢልና ኽንኣምን ስለ እተነግረና ድዩ፡ ወይስ ግዜ ወሲድና ነቲ መርትዖ ባዕልና ስለ ዝመርመርናዮ እዩ፧ (1 ቈረ. 3:12-15) ናይ የሆዋ መሰኻኽር ካብ እንኸውን ዘሕለፍናዮ ግዜ ብዘየገድስ፡ እምነትና ብቐጻሊ ኽንሃንጽ ኣሎና። ከምኡ እንተ ጌርና፡ ሰባት ዚምህርዎ ምስ ቃል ኣምላኽ ዚጻረር “ፍልስፍናን ከንቱ ጥበራን” ኣይኬታልለናን እዩ። (ቈሎ. 2:8፣ እብ. 11:6) ኣብዚ መዳይ እዚ ሓገዝ ንምርካብ፡ ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ (1) ብዙሓት ኣብ ፈጣሪ ስለምንታይ ከም ዘይኣምኑ፡ (2) ኣብ ፈጣሪኻ የሆዋ ዘሎካ እምነት ብኸመይ ከም እትሃንጽ፡ (3) ንእምነትካ ብኸመይ ወትሩ ድልድልቲ ጌርካ ኸም እትዕቅብ ክንርኢ ኢና።

ብዙሓት ኣብ ፈጣሪ ዘይኣምኑ ስለምንታይ እዮም፧

4. ብመሰረት እብራውያን 11:1ን እግረ ጽሑፍን፡ ናይ ሓቂ እምነት ኣብ ምንታይ እያ እትምርኰስ፧

4 ገሊኦም ሰባት፡ እምነት ኪብሃል ከሎ፡ ብዘይ መርትዖ ንሓደ ነገር ብዕሙትካ ኸም እትኣምን ይመስሎም እዩ። ብመሰረት መጽሓፍ ቅዱስ ግና፡ ናይ ሓቂ እምነት ከምኡ ኣይኰነትን። (እብራውያን 11:1ን እግረ ጽሑፍን ኣንብብ።) እታ ኣብ ከም የሆዋን የሱስን መንግስቲ ኣምላኽን ዝኣመሰለ ዘይርአ ነገራት ዘላትና እምነት፡ ኣብ ዜእምን መርትዖ እተመርኰሰት እያ። (እብ. 11:3) ሓደ ናይ የሆዋ ምስክር ዝዀነ ባዮከሚከኛ ነዚ ነገር እዚ፡ “እምነትና ኣብቲ ንሓቅታት ስነ ፍልጠት ዕሽሽ ዚብሎ ብዓይኒ ዕሙተይ ዚእመነሉ ነገራት እተመርኰሰት ኣይኰነትን” ብዚብል ቃላት ገሊጽዎ ኣሎ።

5. ብዙሓት ሰባት፡ ህይወት ብዘይ ፈጣሪ ኸም ዝጀመረት ገይሮም ዚሓስቡ ስለምንታይ እዮም፧

5 እንተዀነ ግና፡ ‘ብዛዕባ ፈጣሪ ዜእምን መርትዖ እንተ ኣልዩ፡ ስለምንታይ ደኣ እዮም ብዙሓት ሰባት፡ ህይወት ብኣምላኽ ከም እተፈጥረት ዘይኣምኑ፧’ ኢልና ንሓትት ንኸውን። ገሊኦም ነቲ መርትዖ መርሚሮምዎ ኣይፈልጡን እዮም። ሕጂ ናይ የሆዋ ምስክር ዝዀነ ሮበርት ከምዚ ይብል፦ “ብዛዕባ ፍጥረት ኣብ ቤት ትምህርቲ ፈጺሙ ስለ ዘይጥቀስ፡ ሓቂ ኸም ዘይኰነ እየ ዝሓስብ ነይረ። ኣብ 20ታት ዕድመይ ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ምስ ተዛራረብኩ እየ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ንፍጥረት ዚድግፍ ዚውሓጠልካን ዜእምንን መጐተ ሰሚዐ።” *—“ ንወለዲ ዝቐረበ ምሕጽንታ” ዘርእስታ ሳጹን ርአ።

6. ገሊኦም ኣብ ፈጣሪ ዘይኣምኑ ስለምንታይ እዮም፧

6 ገሊኦም፡ ‘ኣብቲ ኽንርእዮ እንኽእል ጥራይ ኢና እንኣምን’ ስለ ዚብሉ፡ ኣብ ፈጣሪ ኣይኣምኑን እዮም። ከም ሓቂ ግና፡ ኣብ ከም ስሕበት ዝኣመሰለ ዘይርአ ነገራት ይኣምኑ እዮም። ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተጠቒሳ ዘላ ዓይነት እምነት እውን፡ ነቲ “ዘይርአ ነገር” መርትዖ ምርካብ ተጠቓልል እያ። (እብ. 11:1) ነቲ መርትዖ ባዕልና ኸነጽንዖ እንተ ዄንና፡ ግዜን ጻዕርን የድልየና እዩ፣ ብዙሓት ሰባት ነቲ ዕዮ እቲ ንምዕያይ ኣይለዓዓሉን እዮም። ነቲ መርትዖ ባዕሉ ዘይምርምር ሰብ፡ ኣምላኽ ከም ዘየልቦ ገይሩ ኺድምድም ይኽእል እዩ።

7. ኵሎም ምሁራት ሰባት፡ ኣምላኽ ንዩኒቨርስ ከም ዝፈጠረ ይኽሕዱ ድዮም፧ ግለጽ።

7 ገሊኦም ተመራመርቲ ስነ ፍልጠት ነቲ መርትዖ ድሕሪ ምጽናዖም፡ ኣምላኽ ንዩኒቨርስ ከም ዝፈጠሮ ኣሚኖም እዮም። * ገሊኦም ከምቲ ኣቐዲሙ እተጠቕሰ ሮበርት፡ ብዛዕባ ፍጥረት ኣብ ዩኒቨርሲቲ ትምህርቲ ስለ ዘይውሃብ፡ ፈጣሪ ኸም ዘየልቦ ይሓስቡ ነይሮም ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም። ኰይኑ ግና፡ ብዙሓት ተመራመርቲ ስነ ፍልጠት ንየሆዋ ኺፈልጥዎን ኬፍቅርዎምን ክኢሎም እዮም። ኵላትና እውን ደረጃ ትምህርትና ብዘየገድስ፡ ከማታቶም ኣብ ኣምላኽ ዘሎና እምነት ክንሃንጽ ኣሎና። ዋላ ሓደ ነዚ ኺገብረልና ኣይክእልን እዩ።

ኣብ ፈጣሪ ዘሎካ እምነት ብኸመይ ትሃንጽ፧

8-9. (ሀ) ሕጂ እንታይ ሕቶ ኢና ኽንምርምር፧ (ለ) ኣብ ፍጥረት መጽናዕቲ ምግባር ብኸመይ ይጠቕመካ፧

8 ኣብ ፈጣሪ ዘሎካ እምነት ብኸመይ ትሃንጽ፧ ኣርባዕተ መገድታት እስከ ንርአ።

9 ኣብ ፍጥረት መጽናዕቲ ግበር። እንስሳታትን ኣትክልትን ከዋኽብትን ብምዕዛብ፡ ኣብ ፈጣሪ ዘሎካ እምነት ክትሃንጽ ትኽእል ኢኻ። (መዝ. 19:1፣ ኢሳ. 40:26) ኣብዚ ነገራት እዚ ዝያዳ መጽናዕቲ ብዝገበርካ መጠን፡ የሆዋ ፈጣሪ ምዃኑ ብዝያዳ ኽትኣምን ኢኻ። ኣብ ጽሑፋትና ብዙሕ ግዜ ብዛዕባ እተፈላለየ መዳያት ፍጥረት ዚገልጽ ዓንቀጻት ይወጽእ እዩ። ነዚ ዓንቀጻት እዚ ምሉእ ብምሉእ ክትርድኦ ስለ ዘይከኣልካ፡ ሓሊፍካዮ ኣይትኺድ። ብዛዕባኡ ዚከኣለካ ኽትፈልጥ ጽዓር። ነቲ ኣብ jw.org ዚብሃል ወብሳይትና ዚርከብ ኣብ ቀረባ ዓመታት ኣብ ኣኼባታት ዞባ ዝወጸ ብዛዕባ ፍጥረት ዚገልጽ ጽቡቕ ቪድዮታት እውን ደጊምካ ርኣዮ።

10. ፍጥረት ነቲ ኣብ ህልውና ፈጣሪ ዘሎና እምነት ብኸመይ ከም ዚምስክር ኣብነት ሃብ። (ሮሜ 1:20)

10 ኣብ ፍጥረት መጽናዕቲ ኽትገብር ከለኻ፡ እቲ ሓቅታት ብዛዕባ ፈጣሪና እንታይ ከም ዚገልጽ ኣስተብህለሉ። (ሮሜ 1:20 ኣንብብ።) ንኣብነት፡ ጸሓይ ኣብ ርእሲ እቲ እተመንጭዎ ህይወት ዚህብ ሙቐት፡ ጐዳኢ ጸዓት ዝዀነ ኣልትራቫዮለት ብርሃን እውን ተመንጭው እያ። ንሕና ኸኣ ካብኡ ዕቝባ የድልየና እዩ። ዕቝባ እውን ተገይሩልና ኣሎ! ብኸመይ፧ ምድርና መከላኸሊ ጽላል ኣለዋ፣ እዚ ድማ ነቲ ጐዳኢ ጸርጊ ዜጻሪ ኦዞን ጋዝ እዩ። ካብ ጸሓይና ዚምንጩ ኣልትራቫዮለት ብርሃን እናሓየለ ኪኸይድ ከሎ፡ እቲ ኦዞን እውን መጠኑ ይውስኽ እዩ። እሞ ደኣ ነዚ ዝመሃዞ ኸም ዘሎ፡ ንሱ እውን ፈቃርን ኣስተውዓልን ፈጣሪ ምዃኑስ ኣይትሰማምዓሉንዶ፧

11. ብዛዕባ ፍጥረት ዚገልጽ እምነት ዚሃንጽ ሓቅታት ኣበይ ክትረክብ ትኽእል፧ (“ እምነት ዚሃንጽ ናውቲ” ዘርእስታ ሳጹን ርአ።)

11 ኣብ መሐበሪ ምርምር ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብምውካስን ኣብ jw.org ምርምር ብምግባርን፡ ካብ ፍጥረት እተረኽበ እምነት ዜደልድል ብዙሕ ሓቅታት ክትረክብ ትኽእል ኢኻ። በቲ “ተነዲፉ ድዩ፧” ኣብ ዘርእስቱ ዓምዲ ዚርከብ ዓንቀጻትን ቪድዮታትን ክትጅምር ትኽእል ኢኻ። እዚ ዓምዲ እዚ ሓጺር ሓበሬታ ዝሓዘ ዀይኑ፡ ብዛዕባ እንስሳታትን ካልእ ፍጥረታትን ዚገልጽ ዜደንቕ ሓቅታት ይርከቦ እዩ። ተመራመርቲ ስነ ፍልጠት ካብ ተፈጥሮ ብኸመይ ኪቐድሑ ኸም ዚጽዕሩ እውን ገለ ኣብነታት ሒዙ ኣሎ።

12. ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ መጽናዕቲ ኽንገብር ከለና፡ እንታይ ነገራት ኢና ኸነስተብህል ዘሎና፧

12 ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ መጽናዕቲ ግበር። እቲ ኣቐዲሙ እተጠቕሰ ባዮከሚከኛ፡ ንህልውና ፈጣሪ ብኡብኡ ኣይኰነን ተቐቢልዎ። እናሓደረ ግና፡ እምነት ኬሕድር ክኢሉ። ብዛዕባ እዚ ኺገልጽ ከሎ፡ “እምነተይ ግና ኣብቲ ኣብ ስነ ፍልጠት ዝገብሮ መጽናዕቲ ጥራይ እተመርኰሰት ኣይኰነትን ነይራ። ኣብቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝገበርክዎ ዓሚቝ መጽናዕቲ እውን እተመርኰሰት እያ ነይራ” ኢሉ ኣሎ። ምናልባት ንስኻ ብዛዕባ ትምህርትታት መጽሓፍ ቅዱስ ድሮ ልክዕ ፍልጠት ዝረኸብካ ትኸውን። ይኹን እምበር፡ ኣብ ፈጣሪኻ እምነት ንምህናጽ፡ ቃል ኣምላኽ ብቐጻሊ ኸተጽንዕ ኣሎካ። (እያ. 1:8፣ መዝ. 119:97) ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ብዝርዝር ተገሊጹ ዘሎ ታሪኻዊ ፍጻመታት ኣስተብህለሉ። ነቲ ትንቢታትን ንውሽጣዊ ስኒቱን ኣቕልበሉ። ከምኡ እንተ ጌርካ፡ ሓደ ፈቃርን ጥበበኛን ፈጣሪ ኸም ዝፈጠረና፡ ብድራኸ መንፈሱ እውን መጽሓፍ ቅዱስ ከም እተጻሕፈ ዘሎካ እምነት ኪድልድል እዩ።  *2 ጢሞ. 3:14፣ 2 ጴጥ. 1:21

13. ሓደ ኻብቲ ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ ጥበብ እንታይ ክትጠቅስ ትኽእል፧

13 ኣብ ቃል ኣምላኽ መጽናዕቲ ኽትገብር ከለኻ፡ ምኽሩ ኽሳዕ ክንደይ ጠቓሚ ኸም ዝዀነ ኣስተብህል። ንኣብነት፡ ፍቕሪ ገንዘብ ጐዳኢ ምዃኑን “ብዙሕ ስቓይ” ከም ዜምጽእን መጽሓፍ ቅዱስ ነዊሕ ይገብር ኣጠንቂቑ እዩ። (1 ጢሞ. 6:9, 10፣ ምሳ. 28:20፣ ማቴ. 6:24) እቲ መጠንቀቕታ እትስ ኣብዚ ግዜና እውን ይዓዪ ድዩ፧ ዘ ናርሲሲዝም ኢፒደሚክ ዘርእስታ መጽሓፍ፡ “ብገምጋም ኪርአ ኸሎ፡ ፍቕረ ንዋይ ዘለዎም ሰባት፡ ሓጐሶም ሒደት፡ ጭንቀቶም ከኣ ብዙሕ እዩ። እቶም ዝያዳ ገንዘብ እንተ ዚረኽቡ ዚምነዩ እውን እንተ ዀኑ፡ ኣእምሮኣዊ ጥዕና ይስእኑ እዮም፣ . . . ኣካላዊ ጸገማት እውን የጋጥሞም እዩ” ትብል። እምበኣር፡ እቲ መጽሓፍ ቅዱስ ፍቕሪ ገንዘብ ከይነሕድር ዚህቦ መጠንቀቕታ ብሓቂ ጠቓሚ እዩ! እሞ ደኣ ጠቓሚ ምዃኑ ዘመስከረ ተወሳኺ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ትዝክርዶ፧ ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ምኽሪ ብዝያዳ ብዘማሰናሉ መጠን፡ በቲ ፈቃር ፈጣሪና ናብ ዚውሃበና ግዜ ዘይሓልፎ ጥበብ ብዝያዳ ኽንጽጋዕ ኢና። (ያእ. 1:5) ከም ውጽኢቱ ድማ፡ ኣብ ህይወትና ዝያዳ ሓጐስ ኪህልወና እዩ።—ኢሳ. 48:17, 18

14. ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እንገብሮ መጽናዕቲ ብዛዕባ የሆዋ እንታይ እዩ ዚገልጸልና፧

14 ቅኑዕ ዕላማ ሒዝካ፡ ማለት ንየሆዋ ኽትፈልጦ ሓሊንካ ኣጽንዕ። (ዮሃ. 17:3) ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት መጽናዕቲ ኽትገብር ከለኻ፡ ኣብ ፍጥረት ዚንጸባርቕ ንጹር ባህርያት ጐሊሑ ይወጽእ እዩ። እዚ ባህርያት እዚ ሰብ ብኣእምሮኡ ዝመሃዞ ዘይኰነስ፡ የሆዋ ብሓቂ ኸም ዘሎ ዜርኢ እዩ። (ዘጸ. 34:6, 7፣ መዝ. 145:8, 9) ንየሆዋ ብዝያዳ እናፈለጥካዮ ብዝኸድካ መጠን ከኣ፡ እምነትካ ኽትዓቢ፡ ፍቕርኻ ኽትዓምቝ፡ ምስኡ ዘሎካ ዕርክነት እውን ኪድልድል እዩ።

15. እምነትካ ንኻልኦት እንተ ኣካፊልካ ብኸመይ ኢኻ እትጥቀም፧

15 ኣብ ኣምላኽ ዘሎካ እምነት ንኻልኦት ኣካፍል። ከምኡ ኽትገብር ከለኻ፡ እምነትካ ኽትድልድል እያ። ኰይኑ ግና፡ ሓደ ዝመስከርካሉ ሰብ ብዛዕባ ህልውና ኣምላኽ ሕቶ እንተ ኣበጊሱ እሞ ብኸመይ ከም እትምልሰሉ እንተ ዘይፈሊጥካ እንታይ ኢኻ ኽትገብር እትኽእል፧ ኣብ ሓደ ኻብ ጽሑፋትና ነቲ ሕቶ ዚኸውን ቅዱስ ጽሑፋዊ መልሲ ርኸብ እሞ ነቲ ሰብ ኣካፍሎ። (1 ጴጥ. 3:15) ካብ ምኩራት ናይ የሆዋ መሰኻኽር እውን ሓገዝ ክትሓትት ትኽእል ኢኻ። እቲ ዘይኣማኒ ነቲ ኻብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝረኸብካዮ ምላሽ ይቀበሎ ኣይቀበሎ ብዘየገድስ፡ ምርምር ብምግባርካ ኽትጥቀም ኢኻ። እምነትካ ብዝያዳ ኽትድልድል እያ። ከም ውጽኢቱ ድማ፡ በቲ ‘ፈጣሪ የልቦን’ ዚብሉ ጥበበኛታትን ኣስተውዓልትን ዚመስሉ ሰባት ዚነዝሕዎ ሓሶት ኣይክትታለልን ኢኻ።

እምነትካ ዓቅብ!

16. ንእምነትና ብቐጻሊ እንተ ዘይሃኒጽናያን እንተ ዘይዓቂብናያን፡ እንታይ ክትከውን ትኽእል፧

16 ኣብ ኣገልግሎት የሆዋ ዝጸናሕናሉ ንውሓት ግዜ ብዘየገድስ፡ ኣብኡ ዘሎና እምነት ብቐጻሊ ኽንሃንጽን ክንዕቅብን ኣሎና። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ፡ እንተ ዘይተጠንቂቕና፡ እምነትና ኽትደክም ትኽእል እያ። እምነት ኣብቲ ናይቲ ዘይርአ ነገር መርትዖ ኸም እትምርኰስ ኣይንረስዕ። ዘይንርእዮ ነገር ከኣ፡ ብቐሊሉ ኺርሳዕ ይከኣል እዩ። ስለዚ ድማ፡ ጳውሎስ ንጕድለት እምነት “ብቐሊሉ ዚሓላልኸና ሓጢኣት” ኢሉ ጸዊዕዎ ኣሎ። (እብ. 12:1) እሞ ደኣ ኻብቲ መፈንጠራ እቲ ኸመይ ጌርና ኸነምልጥ ንኽእል፧—2 ተሰ. 1:3

17. እምነትና ንምዕቃብ እንታይ ሓገዝ የድልየና፧

17 ቀዳማይ፡ ንየሆዋ መንፈስ ቅዱሱ ኺህበካ ለምኖ፡ ብተደጋጋሚ እውን ከምኡ ግበር። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ፡ እምነት ሓደ መዳይ ፍረ መንፈስ እያ። (ገላ. 5:​22, 23) ኣብ ፈጣሪና ዘሎና እምነት ብዘይ እቲ ኻብ መንፈስ ቅዱስ ዚርከብ ሓገዝ ክንሃንጾን ክንዕቅቦን ኣይንኽእልን ኢና። ንየሆዋ መንፈሱ ኺህበና ብቐጻሊ እንተ ለሚንናዮ፡ ንሱ ይህበና እዩ። (ሉቃ. 11:​13) “እምነት ወስኸና” ኢልና ኣብ ጸሎትና ፈሊና ኽንጠቅስ ንኽእል ኢና።—ሉቃ. 17:5

18. ብመሰረት መዝሙር 1:2, 3፡ እንታይ ክቡር ውህበት እዩ ዘሎና፧

18 ብተወሳኺ፡ ስሩዕ ብሕታዊ መጽናዕቲ ቓል ኣምላኽ ግበር። (መዝሙር 1:2, 3 ኣንብብ።) እዛ መዝሙር ኣብ እተጻሕፈትሉ እዋን፡ መብዛሕትኦም እስራኤላውያን ምሉእ ቅዳሕ እቲ ኣብ ጽሑፍ ዝሰፈረ ቓል ኣምላኽ ኣይነበሮምን። እንተዀነ ግና፡ ነገስታትን ካህናትን ነቲ ቕዳሓት ኪረኽብዎ ይኽእሉ ነይሮም እዮም፣ ኣብ ሸሸውዓት ዓመት ከኣ “ሰብኡትን ኣንስትን ቈልዑን” ኣብ እስራኤል ዝነበሩ ጓኖትን ተኣኪቦም ቃል ኣምላኽ ኪንበብ ከሎ ይሰምዑ ነይሮም እዮም። (ዘዳ. 31:10-12) ብግዜ የሱስ፡ ጥቕላላት መጻሕፍቲ ኣብ ኢድ ሒደት ሰባትን ኣብ ምኵራባትን ጥራይ እዩ ዚርከብ ነይሩ። ሎሚ ግና መብዛሕትኦም ሰባት እንተ ወሓደ ገሊኡ ኽፋል ቃል ኣምላኽ ኪረኽቡ ይኽእሉ እዮም። እዚ ብሓቂ ዓብዪ ውህበት እዩ። እሞ ደኣ ነዚ ዘሎና ሞሳ ብኸመይ ከነርኢ ንኽእል፧

19. እምነትና ንምዕቃብ እንታይ ክንገብር ኣሎና፧

19 ንቓል ኣምላኽ ኣዘውቲርና ብምንባብ፡ ሞሳና ኸነርኢ ንኽእል ኢና። ብሕታዊ መጽናዕቲ ኺጥዕመና ኸሎ ጥራይ ወይ ግዜ ምስ ረኸብናሉ ጥራይ እንገብሮ ኪኸውን ኣይግባእን። ንዘውጻእናዮ ስሩዕ መደብ መጽናዕቲ ብምሕላው፡ ንእምነትና ወትሩ ድልድልቲ ጌርና ኽንዕቅብ ንኽእል ኢና።

20. እንታይ ንምግባር ኢና ኽንቈርጽ ዘሎና፧

20 ከምቶም ናይዛ ዓለም “ጥበበኛታትን ኣስተውዓልትን” ዘይኰነስ፡ ኣብ ቃል ኣምላኽ ድልዱል እምነት ኣሎና። (ማቴ. 11:25, 26) ነቲ ቕዱስ መጽሓፍ ስለ እነጽንዖ ኸኣ፡ ኵነታት ምድሪ ስለምንታይ ይበላሾ ኸም ዘሎ፡ የሆዋ እውን ነዚ ንምዕራይ እንታይ ከም ዚገብር ንፈልጥ ኢና። እምበኣር፡ እምነትና ንምድልዳልን ብእተኻእለና መጠን ንብዙሓት ሰባት ኣብ ፈጣሪ ኺኣምኑ ንምሕጋዝን ቈራጽነት ንግበር። (1 ጢሞ. 2:3, 4) ኣብ ምድሪ ብህይወት ዚነብሩ ዅላቶም ነቲ ኣብ ራእይ 4:11 ዚርከብ፡ “ኦ የሆዋ ኣምላኽና፡ ንዅሉ ንስኻ ፈጢርካዮ፡ . . . ንስኻ ግርማ . . . ንምውሳድ ብቑዕ ኢኻ” ዚብል ቃላት ዜቃልሑሉ እዋን ከኣ ተሃንጢና ንጸበ።

መዝሙር 2 የሆዋ እዩ ስምካ

^ ሕ.ጽ. 5 የሆዋ ኣምላኽ ፈጣሪ ኸም ዝዀነ፡ ቅዱሳት ጽሑፋት ብንጹር ይምህር እዩ። ብዙሓት ሰባት ግና ነዚ ኣይኣምኑሉን እዮም። ህይወት ባዕሉ ኸም ዝፈለቐ እዮም ዚኣምኑ። ንሕና ኣብ ኣምላኽን ኣብ መጽሓፍ ቅዱስን ዘሎና እምነት ንምድልዳል ኣበርቲዕና እንተ ዓዪና፡ እዚ ኣተሓሳስባኦም ንእምነትና ኣይንቕንቖን እዩ። እዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ከመይ ጌርና ኸምኡ ኸም እንገብር ትገልጸልና።

^ ሕ.ጽ. 5 ኣብ ሓያሎ ኣብያተ ትምህርቲ፡ ህይወት ብፍጥረት መጺኡ ኪኸውን ከም ዚኽእል እኳ ኣይጥቀስን እዩ። ገሊኦም መምህራን፡ ከምኡ ምግባር ኣብ ናይ ተምሃሮኦም ናይ ሃይማኖት ናጽነት ጣልቃ ኸም ምእታው ኰይኑ ይስምዖም እዩ።

^ ሕ.ጽ. 7 ብፍጥረት ዚኣምኑ ተመራመርቲ ስነ ፍልጠት ዚርከብዎም ልዕሊ 60 ሰብ ሞያ ዝሃብዎ ሓሳባት ኣብ ዎች ታወር ፓብሊኬሽንስ ኢንደክስ ኪርከብ ይከኣል። ኣብ ትሕቲ “Science” ዚብል ርእሰ ነገር፡ “scientists expressing belief in creation” ኣብ ትሕቲ ዚብል ኣርእስቲ ርአ። ገሊኡ ኻብዚ ሓሳባት እዚ ኣብ መሐበሪ ምርምር ናይ የሆዋ መሰኻኽር ይርከብ። ኣብ ትሕቲ “ስነ ፍልጠትን ተክኖሎጅን” ዚብል ርእሰ ነገር፡ “ቃለ መጠይቕ” (ዓምዲ ንቕሑ!) ኣብ ትሕቲ ዚብል ኣርእስቲ ርአ።

^ ሕ.ጽ. 12 ንኣብነት፡ ኣብ jw.org ዝወጸት፡ “ስነ ፍልጠት ምስ መጽሓፍ ቅዱስ ይሰማማዕ ድዩ፧” ዘርእስታ ዓንቀጽን ኣብ ናይ 1 ጥሪ 2008 ሕታም ግምቢ ዘብዐኛ ዝወጸት፡ “እቲ የሆዋ እተነበዮ ይፍጸም” ዘርእስታ ዓንቀጽን ርአ።