ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ዓንቀጽ መጽናዕቲ 33

በቲ ዘሎካ ፍሉይ መሰላት ተሓጐስ

በቲ ዘሎካ ፍሉይ መሰላት ተሓጐስ

“ብትምኒት ካብ ምቕብዝባዝሲ፡ ኣዒንቲ ብዝርእያኦ ምሕጓስ ይሓይሽ።”—መክ. 6:9

መዝሙር 111 መሐጐሲና

መላለዪ *

1. ብዙሓት ሰባት ኣብ ኣገልግሎት የሆዋ ብዝያዳ ንምዕያይ እንታይ ኪገብሩ ይጽዕሩ ኣለዉ፧

 እዚ ስርዓት ናብ መወዳእታኡ እናቐረበ ኪኸይድ ከሎ፡ ብዙሕ ስራሕ ኣሎና። (ማቴ. 24:14፣ ሉቃ. 10:2፣ 1 ጴጥ. 5:2) ኵላትና ንየሆዋ ብእተኻእለና መጠን ከነገልግሎ ንደሊ ኢና። ብዙሓት ኣገልግሎቶም የስፍሑ ኣለዉ። ገሊኦም ፈለምቲ ዀይኖም ኬገልግሉ ይደልዩ እዮም። ገሊኦም ከኣ ኣብ ቤት-ኤል ኬገልግሉ ወይ ኣብ ቲኦክራስያዊ ህንጸት ኪሳተፉ ይደልዩ እዮም። ብዙሓት ኣሕዋት ድማ ኣገልገልቲ ጉባኤ ወይ ሽማግለታት ንምዃን ብቕዓት ኬጥርዩ ይመጣጠሩ እዮም። (1 ጢሞ. 3:1, 8) የሆዋ ኣብ ህዝቡ ነዚ ናይ ፍታው መንፈስ ኪርኢ ኸሎ፡ ብዙሕ ባህ ይብሎ ኪኸውን ኣለዎ።—መዝ. 110:3፣ ኢሳ. 6:8

2. ናብ ገሊኡ መንፈሳዊ ሸቶታትና እንተ ዘይበጺሕና እንታይ ኪስምዓና ይኽእል፧

2 ይኹን እምበር፡ ንውሕ ዝበለ ግዜ ድሕሪ ምሕላፉ ናብ ገለ ኻብቲ መንፈሳዊ ሸቶታትና እንተ ዘይበጺሕና፡ ሕማቕ ኪስምዓና ይኽእል እዩ። ወይ ከኣ ብሰንኪ እርጋን ወይ ካልእ ኵነታት፡ ገሊኡ ፍሉይ መሰላት ክንረክብ ከም ዘይንኽእል ምስ ፈለጥና፡ ተስፋ ኽንቈርጽ ንኽእል ኢና። (ምሳ. 13:12) መሊሳ ኸምኡ እዩ ተሰሚዕዋ። * ንሳ ኣብ ቤት-ኤል ከተገልግል ወይ ኣብ ቤት ትምህርቲ ወንጌላውያን መንግስቲ ኣምላኽ ክትኣቱ ትደሊ ነይራ እያ፣ እንተዀነ ግና፡ ዘጋጠማ ዕንቅፋት ክትገልጽ ከላ፡ “ዕድመይ ካብቲ ደረት ንላዕሊ እዩ። ሕጂ እዚ ፍሉይ መሰላት ንዓይ ሕልሚ ጥራይ እዩ። ሓድሓደ ግዜ፡ ተስፋ እቘርጽ እየ” ትብል።

3. ገሊኦም ክርስትያናት ንገሊኡ ፍሉይ መሰላት ንምብቃዕ እንታይ ስጕምትታት ኪወስዱ እዩ ዜድልዮም፧

3 ገሊኦም ጥዕና ዘለዎም መንእሰያት ንተወሳኺ ፍሉይ መሰላት ቅድሚ ምብቃዖም፡ ኪበስሉን ገሊኡ ባህርያት ኬማዕብሉን የድልዮም እዩ። በቲ ሓደ ሸነኽ፡ ኣስተውዓልትን ቈራጻትን ህንጡያትን ክነሶም፡ በቲ ኻልእ ሸነኽ ግና፡ ዕጉሳትን ጥቁዋትን ኣኽበርቲ ሰብን ምዃን ኪምሃሩ የድልዮም ይኸውን። ኣብቲ ዜድልየካ ባህርያት እንተ ኣተኲርካ፡ ከይተጸበኻዮ ሓደ ፍሉይ መሰል ኣገልግሎት ይቐርበልካ ይኸውን። ኒክ ዘሕለፎ ተመክሮ እሞ ርአ። ወዲ 20 ዓመት ከሎ፡ ኣገልጋሊ ጉባኤ ብዘይምዃኑ ብዙሕ ጕህዩ ነይሩ እዩ። “ገለ ጸገም ዘሎኒ ዀይኑ ተሰሚዑኒ ነይሩ” ይብል። ኰይኑ ግና፡ ተስፋ ኣይቈረጸን። የግዳስ፡ ነቲ ዝረኸቦ ፍሉይ መሰላት ምሉእ ብምሉእ ተጠቕመሉ። ሎሚ፡ ኣባል ኮሚተ ጨንፈር ኰይኑ የገልግል ኣሎ።

4. ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ እንታይ ክንርኢ ኢና፧

4 ኣብ ገሊኡ መንፈሳዊ ሸቶኻ ኽትበጽሕ ብዘይምኽኣልካ ተስፋ ዝቘረጽካ ዲኻ፧ ከምኡ እንተ ዄንካ፡ እቲ ዘተሓሳሰበካ ነገር ንየሆዋ ኣካፍሎ። (መዝ. 37:5-7) ብተወሳኺ ድማ፡ ንኣምላኽ እተቕርቦ ኣገልግሎት ብኸመይ ከተመሓይሽ ከም እትኽእል ንብሱላት ኣሕዋት ሕተት፣ ድሕሪኡ፡ ነቲ ምኽሮም ንምትግባር ዚከኣለካ ጽዓር። ከምኡ እንተ ጌርካ፡ ነቲ ፍሉይ መሰል ክትረኽቦ ወይ ኣብቲ ሸቶኻ ኽትበጽሕ ትኽእል ትኸውን። እንተዀነ ግና፡ ከምቲ ኣቐዲማ ንእተጠቕሰት መሊሳ ዘጋጠማ፡ እቲ እትምነዮ ፍሉይ መሰል ሕጂ ኽትበጽሖ ዘይትኽእል ኪኸውን ይኽእል እዩ። እሞ ደኣ እንታይ ኢኻ እትገብር፧ ከመይ ጌርካ ኢኻ ሓጐስካ ኽትዕቅብ ትኽእል፧ ነዛ ሕቶ ንምምላስ፡ ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ (1) ሓጐስ ኣበይ ከም እትረክብ፡ (2) ንሓጐስካ ብኸመይ ከም እትውስኸሉ፡ (3) ንሓጐስካ ንምውሳኽ እንታይ ዓይነት ሸቶታት ከም እተውጽእ ክንርኢ ኢና።

ሓጐስ ኣበይ ትረክብ፧

5. ሕጉሳት ንምዃን፡ ኣብ ምንታይ ከነተኵር ኣሎና፧ (መክብብ 6:9)

5 ኣብ መክብብ 6:9 ተመዝጊቡ ኸም ዘሎ፡ ሓጐስ ኣበይ ከም ዚርከብ እንተ ፈሊጥና፡ ሓጐስ ክንረክብ ንኽእል ኢና። (ኣንብብ።) “ኣዒንቲ ብዝርእያኦ” ዚሕጐስ ሰብ ነቲ ዘለዎ፡ ማለት ነቲ ህሉው ኵነታቱ የማስወሉ እዩ። ብኣንጻሩ ግና፡ ብትምኒት ዚቕብዝበዝ ሰብ፡ ኪረኽቦ ንዘይክእል ነገር እዩ ዚምነ። እሞ ደኣ ኻብዚ እንታይ ንምሃር፧ ሓጐስ ንምርካብ፡ ኣብቲ ዘሎናን ኣብቲ ኽንረኽቦ እንኽእልን ነገራት ከነተኵር ይግባእ።

6. ሕጂ እንታይ ምሳሌ ኢና ኽንምርምር፧ ኣብ ምንታይከ ኢና ኸነተኵር፧

6 ግዜ እናሓለፈ ብዝኸደ መጠን ብተፈጥሮና ሓድሽ ነገራት ስለ እንደሊ፡ ብሓቂዶ በቲ ዘሎና ኽንዓግብ ንኽእል ኢና፧ እወ፡ ንኽእል ኢና። “ኣዒንቲ ብዚርእያኦ” ብሓቂ ኽንሕጐስ ንኽእል ኢና። ከመይ ጌርና ኸምኡ ንገብር፧ ነዚ ንምፍላጥ፡ ኣብ ማቴዎስ 25:14-30 ተመዝጊባ ዘላ የሱስ ዝመሰላ ምሳሌ እተን ታለንት ንርአ። ኣብዛ ምሳሌ እዚኣ ኸኣ፡ በቲ ዘሎና በረኸት ብኸመይ ሓጐስ ከም እንረክብን ንሓጐስና ብኸመይ ከም እንውስኸሉን ከነተኵረሉ ኢና።

ንሓጐስካ ብኸመይ ትውስኸሉ፧

7. የሱስ ዝመሰላ ምሳሌ እተን ታለንት ኣሕጽር ኣቢልካ ግለጽ።

7 ኣብታ ምሳሌ፡ ሓደ ሰብኣይ ኪገይሽ ሓሰበ። ቅድሚ ምንቃሉ ግና፡ ነቶም ባሮቱ ጸዊዑ፡ ንነፍሲ ወከፎም ኪዓይዩሉ ኢሉ ታለንት ሃቦም። * ንዓቕሞም ኣብ ግምት ብምእታው ከኣ፡ ነቲ ሓደ ባርያ ሓሙሽተ ታለንት፡ ነቲ ኻልኣይ ክልተ ታለንት፡ ነቲ ሳልሳይ ከኣ ሓደ ታለንት ሃቦም። እቶም ቀዳሞት ክልተ ባሮት ነቲ ገንዘብ ወሲዶም ብትግሃት ዓየዩ። እቲ ሳልሳይ ባርያ ግና፡ በቲ እተዋህቦ ገንዘብ ዋላ ሓንቲ ኣይገበረን፣ ስለዚ ኸኣ፡ ጐይታኡ ሰጐጎ።

8. እቲ ኣብታ ምሳሌ እተጠቕሰ ቐዳማይ ባርያ ስለምንታይ እዩ ተሓጒሱ ኪኸውን ዚኽእል፧

8 እቲ ቐዳማይ ባርያ፡ ጐይታኡ ሓሙሽተ ታለንት ስለ ዝሃቦ ብዙሕ ተሓጒሱ ኪኸውን ኣለዎ። ብዙሕ ገንዘብ እዩ ተዋሂብዎ፣ ጐይታኡ ኽሳዕ ክንደይ ከም ዝኣመኖ እውን ዜርኢ እዩ ነይሩ። ግናኸ፡ እቲ ኻልኣይ ባርያ ኸመይ ተሰሚዕዎ፧ ማዕረ እቲ ቐዳማይ ባርያ ስለ ዘይተዋህቦ፡ ኪጕሂ ምኸኣለ ነይሩ። እንተዀነ ግና፡ እንታይ እዩ ገይሩ፧

ካብቲ የሱስ ኣብ ዝመሰላ ምሳሌ ዘሎ ኻልኣይ ባርያ እንታይ ትምሃር፧ (1) ጐይታኡ ኽልተ ታለንት ሂብዎ (2) ንጐይታኡ ንምርባሕ ብዙሕ ጽዒሩ (3) ንገንዘብ ጐይታኡ ዕጽፊ ገይርዎ (ሕጡብ ጽሑፍ 9-11 ርአ)

9. የሱስ ብዛዕባ እቲ ኻልኣይ ባርያ እንታይ እዩ ዘይበለ፧ (ማቴዎስ 25:22, 23)

9 ማቴዎስ 25:22, 23 ኣንብብ። እቲ ኻልኣይ ባርያ፡ ክልተ ታለንት ጥራይ ስለ እተዋህቦ ኸም ዝጐሃየን ቅር ከም ዝበሎን ዚሕብር ነገር የሱስ ኣይተዛረበን። ‘እዚ ጥራይ ድዩ ዚውሃበኒ፧ ማዕረ እቲ ሓሙሽተ ታለንት እተዋህቦ ኽዓዪ እኽእል እየ! ጐይታይ ኣኽቢሩ ዘይርእየኒ ኻብ ኰነ፡ ነዘን ክልተ ታለንት ሓቢአ ጕዳየይ ክገብር ይሕሸኒ’ ኢሉ ኸም ዘማረረ ጌርካ ኣይተገልጸን።

10. እቲ ኻልኣይ ባርያ በቲ እተዋህቦ ታለንት እንታይ እዩ ገይሩ፧

10 እቲ ኻልኣይ ባርያ ኸምቲ ቐዳማይ ባርያ ነቲ እተዋህቦ ሓላፍነት ብቑም ነገር እዩ ርእይዎ፡ ንጐይታኡ ንምግልጋል እውን ጽዒሩ እዩ። ከም ውጽኢቱ ኸኣ፡ ንገንዘብ ጐይታኡ ዕጽፊ ገይርዎ እዩ። ሳላ ትግሃቱን ክእለቱን ብዙሕ ዓስቢ ረኺቡ እዩ። ጐይታኡ ተሓጒሱ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ዝያዳ ሓላፍነት እውን ሂብዎ እዩ።

11. ከመይ ጌርና ኢና ንሓጐስና ኽንውስኸሉ እንኽእል፧

11 ብተመሳሳሊ፡ ንሕና እውን ነቲ ኣብ ኣገልግሎት የሆዋ ዚውሃበና ዘበለ ዅለንተናና ንውፊ እንተ ዄንና፡ ንሓጐስና ኽንውስኸሉ ንኽእል ኢና። እምበኣር፡ ኣብ ዕዮ ስብከት ‘ኣጸቢቕካ ተጸመድ፡’ ኣብ ንጥፈታት ጉባኤ እውን ምሉእ ብምሉእ ተሳተፍ። (ግብ. 18:5፣ እብ. 10:24, 25) ሃናጺ ሓሳባት ንምሃብ ተዳሊኻ ናብ ኣኼባታት ኪድ። ነቲ ኣብ ኣኼባ መንጎ ሰሙን ዚውሃበካ ዝዀነ ኽፍሊ ኣርዚንካ ርኣዮ። ኣብ ጉባኤ ኽትሕግዝ እንተ ተሓቲትካ፡ ሰዓትካ ሓሉ፡ ፍቱን ዓያዪ እውን ኩን። ንዚውሃበካ ዝዀነ ዕዮ፡ ኣገዳስነት ከም ዘይብሉ ጌርካ ኣይትሓዞ። ክእለታትካ ኸተመሓይሽ ጽዓር። (ምሳ. 22:29) ንመንፈሳዊ ንጥፈታትካን ዕዮታትካን ኵለንትናኻ ብዝወፈኻ መጠን፡ ብዝያዳ ዕቤት ክትገብር፡ ሓጐስካ እውን ብዝያዳ ኺውስኽ እዩ። (ገላ. 6:4) እትምነዮ ፍሉይ መሰል ንኻልኦት ኪውሃቦም ከሎ ድማ፡ ብቐሊሉ ምሳታቶም ክትሕጐስ ኢኻ።—ሮሜ 12:15፣ ገላ. 5:26

12. እዞም ክልተ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንሓጐሶም ንምውሳኽ እንታይ ስጕምትታት እዮም ወሲዶም፧

12 እታ ኣብ ቤት-ኤል ከተገልግል ወይ ኣብ ቤት ትምህርቲ ወንጌላውያን መንግስቲ ኣምላኽ ክትኣቱ እትደሊ ዝነበረት መሊሳ እትብሃል ሓብቲዶ ትዝክራ፧ ነዚ ትምኒታ እዚ ኽትፍጽም እኳ እንተ ዘይከኣለት፡ “ኣብ ኣገልግሎት ፈላምነተይ ምሉእ ብምሉእ እነጥፍ፡ ኣብ ኵሉ እተፈላለየ መዳያት ስብከት እውን እሳተፍ እየ። እዚ ዓብዪ ሓጐስ እዩ ኣምጺኡለይ” ትብል። ኒክ ኣብ ሓደ እዋን ኣገልጋሊ ጉባኤ ዀይኑ ኸይተሸመ ምስ ተረፈኸ ንጓሂኡ ብኸመይ እዩ ኺጾሮ ኽኢሉ፧ ንሱ እውን፡ “ኣብቲ ዘሎኒ ፍሉይ መሰላት፡ ማለት ኣብ ኣገልግሎት ወፍሪ ኣብ ምስታፍን ኣብ ኣኼባታት ትርጉም ዘለዎ ሓሳባት ኣብ ምሃብን ኣተኲረ። ኣብ ቤት-ኤል ከገልግል እውን ኣመልኪተ፣ ንዓመታኡ ድማ ተቐቢሎምኒ” ይብል።

13. ነቲ ዘሎካ ዕዮ ዅለንትናኻ ትውፊ እንተ ዄንካ እንታይ ኢኻ እትረክብ፧ (መክብብ 2:24)

13 እሞ ደኣ ነቲ ዘሎካ ዕዮ ዅለንትናኻ እንተ ወፊኻ፡ ኣብ መጻኢ ዝዓበየ ሓላፍነታት ኪውሃበካ ድዩ፧ ምናልባት ከም ኒክ ይሰልጠካ ይኸውን። ኰይኑ ግና፡ ዋላ እውን ከም መሊሳ እንተ ዘይሰለጠካ፡ ሓጐስካ ኺውስኽ፡ ዝዓበየ ዕግበት እውን ኪህልወካ ይኽእል እዩ። (መክብብ 2:24 ኣንብብ።) ብዘይካዚ፡ ጻዕርታትካ ንጐይታና የሱስ ክርስቶስ ባህ የብሎ ኸም ዘሎ ምፍላጥካ ብዙሕ ከም ዜሐጕሰካ ኣየጠራጥርን እዩ።

ሓጐስ ዚውስኸልና ሸቶታት

14. ምስ መንፈሳዊ ሸቶታትና ብእተተሓሓዘ፡ እንታይ ኢና ወትሩ ኽንዝክር ዘሎና፧

14 ኣብቲ ዘሎና ዕዮታት ነተኵር ኪብሃል ከሎ፡ ንየሆዋ እነቕርቦ ኣገልግሎት ንምስፋሕ መገድታት ኣይነናድን ማለት ድዩ፧ ኣይፋልን! ኣብ ኣገልግሎትና ኣፍረይቲ ንምዃን፡ ንኣሕዋትናን ንኣሓትናን ከኣ ንምድጋፍ ክንመጣጠር ዜኽእለና መንፈሳዊ ሸቶታት ከነውጽእ ንኽእል ኢና፣ ከነውጽእ እውን ኣሎና። ኣብ ርእስና ኣብ ክንዲ እነተኵር፡ ብጥበብን ብትሕትናን ንኻልኦት ኣብ ምግልጋል እንተ ኣተኲርና፡ ዕውታት ንኸውን ኢና።—ምሳ. 11:2፣ ግብ. 20:35

15. ገለ ኻብቲ ሓጐስካ ንምውሳኽ ዚሕግዝ እንታይ ሸቶታት ኪጥቀስ ይከኣል፧

15 እሞ ደኣ ንርእስኻ እንታይ ሸቶታት ከተውጽእ ትኽእል፧ እንታይ ክትዓምም ከም እትኽእል ንምስትውዓል፡ ካብ የሆዋ ሓገዝ ለምን። (ምሳ. 16:3፣ ያእ. 1:5) ገለ ኻብቲ ኣብ  ቀዳመይቲ ሕጡብ ጽሑፍ እዛ ዓንቀጽ ዘሎ ሸቶታት ክትስዕብ፡ ማለት ሓጋዚ ወይ ስሩዕ ፈላሚ ኽትከውን፡ ኣብ ቤት-ኤል ከተገልግል፡ ወይ ኣብ ቲኦክራስያዊ ህንጸት ክትሳተፍ ትኽእልዶ፧ ምናልባት ከኣ ሓድሽ ቋንቋ ተማሂርካ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ክትሰብኽ ወይ ኣብ ወጻኢ ሃገር ናብ ዚርከብ ክሊ ኽትከይድ ትኽእል ትኸውን። እዚ እንታይ ከም ዜጠቓልል ንምፍላጥ፡ ምዕራፍ 10 እታ ፍቓድ የሆዋ ንምግባር እተወደበ ዘርእስታ መጽሓፍ ከተንብብን ኣብ ጉባኤኻ ንዘለዉ ሽማግለታት ከተዛራርቦምን ትኽእል ኢኻ። * ናብዚ ሸቶታት ንምብጻሕ ክትዓዪ ኸለኻ፡ ዕቤትካ ርኡይ ኪኸውን፡ ሓጐስካ እውን ኪውስኽ እዩ።

16. ሕጂ ንሓደ ሸቶ ኽትበጽሖ እንተ ዘይክኢልካ፡ እንታይ ኢኻ ኽትገብር እትኽእል፧

16 ሕጂ ንሓደ ኻብዚ ኣቐዲሙ እተጠቕሰ ሸቶታት ክትበጽሖ እንተ ዘይክኢልካ ግና እንታይ ኢኻ ኽትገብር እትኽእል፧ ክትበጽሖ እትኽእል ኻልእ ሸቶ ኣውጽእ። ነዚ ዚስዕብ ኣጋጣሚታት ሕሰበሉ።

ሓደ ኽትበጽሖ እትኽእል ሸቶ እንታይ እዩ፧ (ሕጡብ ጽሑፍ 17 ርአ) *

17. ብመሰረት 1 ጢሞቴዎስ 4:13, 15፡ ሓደ ሓው ዝሓሸ መምህር ንምዃን ብኸመይ ኪዓዪ ይኽእል፧

17 ቀዳማይ ጢሞቴዎስ 4:13, 15 ኣንብብ። ጥሙቕ ሓው እንተ ዄንካ፡ ናይ ምዝራብን ናይ ምምሃርን ክእለትካ ኸተመሓይሽ የድልየካ ይኸውን። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ፡ ንምንባብን ንምዝራብን ንምምሃርን ‘ኵለንትናኻ እንተ ወፊኻ፡’ ሰማዕትኻ ኺባረኹ እዮም። ኣብታ ኣብ ምንባብን ኣብ ምምሃርን ትጋህ ዘርእስታ ብሮሹር ንዚርከብ ኵሉ ባህርያት ዘረባ በብሓደ ኸተጽንዕን ክትትግብርን ሸቶ ኣውጽእ። ሓደ ባህርይ ዘረባ ድሕሪ ምጽናዕካ፡ ኣብ ገዛኻ ብትግሃት ተለማመደሉ፡ ነቲ ባህርይ እቲ ኸኣ ኣብቲ ዚውሃበካ ኽፍሊ ኸተርኢ ጽዓር። ካብ ሓጋዚ መኻሪ ወይ ካብቶም “ብቓልን ብትምህርትን ዚጽዕሩ” ኻልኦት ሽማግለታት ምኽሪ ሕተት። * (1 ጢሞ. 5:17) ነቲ ተክኒክ ኣብ ምርዳእ ጥራይ ኣይተተኵር፣ የግዳስ፡ ንሰማዕቲ እምነቶም ኣብ ምድልዳል ወይ ሓደ ስጕምቲ ኺወስዱ ኣብ ምልዕዓል እውን ኣተኵር። ከምኡ ምስ ትገብር፡ ንሓጐስካን ንሓጐስ ካልኦትን ክትውስኸሉ ኢኻ።

ሓደ ኽትበጽሖ እትኽእል ሸቶ እንታይ እዩ፧ (ሕጡብ ጽሑፍ 18 ርአ) *

18. ኣብ ኣገልግሎት ወፍሪ ንእነውጽኦ ሸቶታት ንምብጻሕ እንታይ ኪሕግዘና ይኽእል፧

18 ኵላትና ኽንሰብኽን ደቀ መዛሙርቲ ኽንገብርን ዕዮ ተዋሂቡና ኣሎ። (ማቴ. 28:19, 20፣ ሮሜ 10:14) ኣብዚ ኻብ ኵሉ ንላዕሊ ኣገዳሲ ዕዮ እዚ ኽእለትካ ኸተመሓይሽ ትደሊዶ፧ ነታ ምምሃር እትብሃል ብሮሹር ከተጽንዓን ክትትግብራን ከለኻ፡ ንጹር ሸቶታት ኣውጽእ። ካብ ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ ኰነ ካብቲ ኣብ ኣኼባታት መንጎ ሰሙን ዚርአ ንመርኣዪ ዚኸውን ዝርርብ ዚብሃል ቪድዮታት ተወሳኺ ሓሳባት ክትረክብ ትኽእል ኢኻ። ኣየናይ ዝሓሸ ኸም ዝዀነ ንምፍላጥ፡ በበይኑ ሓሳባት ፈትን። ነዚ ሓሳባት እዚ እንተ ፈቲንካዮ፡ ክኢላ ክርስትያን ኣገልጋሊ ብምዃንካ ብርግጽ መወዳድርቲ ዘይብሉ ሓጐስ ክትረክብ ኢኻ።—2 ጢሞ. 4:5

ሓደ ኽትበጽሖ እትኽእል ሸቶ እንታይ እዩ፧ (ሕጡብ ጽሑፍ 19 ርአ) *

19. ከመይ ጌርካ ክርስትያናዊ ባህርያት ከተማዕብል ትኽእል፧

19 ሸቶታት ከተውጽእ ከለኻ፡ እቲ ልዕሊ ዅሉ ኣገዳሲ ነገር፡ ማለት ክርስትያናዊ ባህርያት ምምዕባል ኣይትረስዕ። (ገላ. 5:22, 23፣ ቈሎ. 3:12፣ 2 ጴጥ. 1:5-8) ከመይ ጌርካ ነዚ ሸቶ ኽትወቕዖ ትኽእል፧ ንኣብነት፡ ድልድልቲ እምነት ከተማዕብል ደሊኻ ንበል። ከምኡ ንምግባር፡ ኣብ ጽሑፋትና ዝወጸ ንእምነትካ ዜደልድል ዓንቀጻት ከተንብብ ትኽእል ኢኻ። ኣሕዋትን ኣሓትን በበይኑ ፈተናታት እናተጻወሩ ኸመይ ገይሮም እተደንቕ እምነት ከም ዘርኣዩ ዚሕብር ኣብ ፈነወ JW ዚርከብ ሓበሬታ እውን ኪጠቕመካ ይኽእል እዩ። ድሕሪኡ፡ ብዛዕባ እቲ ኣስኣሰር እምነቶም ክትስዕበሉ እትኽእል መገድታት ክትሓስብ ትኽእል ኢኻ።

20. ከመይ ጌርና ኢና ሓጐስና ኽንውስኽ፡ ጓሂና ኸኣ ኽንንኪ እንኽእል፧

20 ኵላትና ኻብቲ ሕጂ እንገብሮ ንላዕሊ ንየሆዋ ኽንገብረሉ ኸም እንደሊ መሸም ኣየጠራጥርን እዩ። ኣብታ ኣምላኽ ዜዳልዋ ሓዳስ ዓለም፡ ምሉእ ብምሉእ ከነገልግሎ ኢና። ክሳዕ ሽዑ ግና፡ በቲ ዚቐርበልና ዘበለ ኣጋጣሚታት ብምጥቃም፡ ሓጐስና ኽንውስኽ፡ ጓሂና ኸኣ ኽንንኪ ንኽእል ኢና። ልዕሊ ዅሉ ድማ፡ ነቲ “ሕጉስ ኣምላኽ” ዝዀነ የሆዋ ኽብርን ውዳሰን ከነምጽኣሉ ኢና። (1 ጢሞ. 1:11) እምበኣር፡ በቲ ዘሎና ፍሉይ መሰላት ንተሓጐስ!

መዝሙር 82 ‘ብርሃንኩም ይብራህ’

^ ሕ.ጽ. 5 ንየሆዋ ኣዚና ነፍቅሮ ኢና፣ ኣብ ኣገልግሎቱ እውን ዚከኣለና ኽንገብር ንደሊ ኢና። ነዚ ኣብ ኣእምሮና ሒዝና፡ ኣገልግሎትና ንምስፋሕ ንድረኽ ወይ ኣብ ጉባኤ ተወሳኺ ዕዮታት ንምዕያይ ንመጣጠር ንኸውን። ኰይኑ ግና፡ ዚከኣለና እናጸዓርና ኽነስና፡ ንገሊኡ ሸቶታትና ኽንወቕዖ እንተ ዘይከኣልናኸ፧ ከመይ ጌርና ኢና ኣፍረይትን ሕጉሳትን ኴንና ኽንቅጽል እንኽእል፧ ኣብታ የሱስ ዝመሰላ ምሳሌ እተን ታለንት፡ መልሲ ንረክብ ኢና።

^ ሕ.ጽ. 2 ገሊኡ ስማት ተቐዪሩ እዩ።

^ ሕ.ጽ. 7 መግለጺ ቓላት፦ ሓደ ታለንት፡ ማእከላይ መነባብሮ ንዝነበሮ ሰራሕተኛ፡ ደሞዝ ኣስታት 20 ዓመት ዚኸውን እዩ ነይሩ።

^ ሕ.ጽ. 15 ጥሙቓት ኣሕዋት፡ ኣገልገልቲ ጉባኤን ሽማግለታትን ንምዃን ዜድሊ ብቕዓት ኬማልኡ ይተባብዑ እዮም። ብዛዕባ እቲ ብቕዓታት ሓበሬታ እንተ ደሊኻ፡ ኣብታ ፍቓድ የሆዋ ንምግባር እተወደበ ዘርእስታ መጽሓፍ፡ ኣብ ምዕራፍ 5ን 6ን ርአ።

^ ሕ.ጽ. 17 መግለጺ ቓላት፦ ሓጋዚ መኻሪ ንሽማግለታትን ንኣገልገልቲ ጉባኤን ብዛዕባ እቲ ኣብ ጉባኤ ዚውሃቦም ክፍሊ ብውልቂ ምኽሪ ዚህብ ሽማግለ እዩ።

^ ሕ.ጽ. 64 መግለጺ ስእሊ፦ ሓደ ሓው ዝሓሸ መምህር ኪኸውን ዘውጽኦ ሸቶ ንምብጻሕ፡ ብጽሑፋትና ምርምር ይገብር።

^ ሕ.ጽ. 66 መግለጺ ስእሊ፦ ሓንቲ ሓብቲ ኣብ ዘይወግዓዊ ምስክርነት ክትሳተፍ ሸቶ ድሕሪ ምውጻኣ፡ ንሓንቲ ኣሳሳዪት ካርድ ኣድራሻ ትህባ።

^ ሕ.ጽ. 68 መግለጺ ስእሊ፦ ሓንቲ ሓብቲ ክርስትያናዊ ባህርያት ከተርኢ ድሌት ስለ ዘሕደረት፡ ንክርስትያን ብጸይታ ህያብ ትህባ።