ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ዓንቀጽ መጽናዕቲ 34

ሕያውነት የሆዋ “ጥዓሙ”—ብኸመይ፧

ሕያውነት የሆዋ “ጥዓሙ”—ብኸመይ፧

“የሆዋ ሕያዋይ ምዃኑ ጥዓሙን ርኣዩን፣ ኣብኡ ዚምዕቈብ ሰብ ሕጉስ እዩ።”—መዝ. 34:8

መዝሙር 117 ሕያውነትን ሰናይን

መላለዪ *

1-2. ብመሰረት መዝሙር 34:8፡ ብዛዕባ ሕያውነት የሆዋ ብኸመይ ክንፈልጥ ንኽእል፧

በሊዕካዮ ዘይትፈልጥ ምግቢ ኽትበልዕ ከም እተዋህበካ ጌርካ እሞ ሕሰብ። ነቲ ምግቢ ብምርኣይ፡ ብምሽታት፡ ኣሰራርሓኡ ብምፍላጥ፡ ወይ ንኻልኦት ብዛዕባኡ ብምሕታት፡ ብዛዕባኡ ኽትፈልጥ ትኽእል ኢኻ። ኰይኑ ግና፡ ነቲ ምግቢ ብሓቂ ኸም እትፈትዎ ብርግጽ ክትፈልጠሉ እትኽእል እንኮ መገዲ፡ ብምጥዓም እዩ።

2 ንሕና ድማ መጽሓፍ ቅዱስን ጽሑፋትናን ብምንባብ፡ ከምኡ እውን ካልኦት ብዛዕባ እቲ ኻብ የሆዋ ዝረኸብዎ በረኸት ኪዛረቡ ብምስማዕ፡ ብዛዕባ ሕያውነት የሆዋ እተወሰነ ኽንፈልጥ ንኽእል ኢና። የሆዋ ኽሳዕ ክንደይ ሕያዋይ ምዃኑ ኣጸቢቕና ኽንፈልጥ እንኽእል ግና፡ ባዕልና ንሕያውነቱ ምስ ‘እንጥዕሞ’ እዩ። (መዝሙር 34:8 ኣንብብ።) ሓደ ኻብቲ ኸምኡ ኽንገብረሉ እንኽእል መገድታት እስከ ንርአ። ንኣብነት፡ ኣብ ሓደ ዓይነት ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ክንኣቱ ደሊና ንበል፣ ግናኸ ነቲ ሸቶና ንምብጻሕ ህይወትና ኸነቕልል የድልየና። ምናልባት ነቲ የሱስ ዝኣተዎ ቓል ኣንቢብናዮ ንኸውን፣ ቅድም መንግስቲ ኣምላኽ እንተ ደሊና፡ የሆዋ ዜድልየና ዘበለ ኸም ዜማልኣልና ቓል ኣትዩልና እዩ። እቲ ቓል እቲ ኺፍጸም ግና ባዕልና ኣይረኣናን። (ማቴ. 6:33) እንተዀነ ግና፡ ነቲ የሱስ ዝኣተዎ ቓል ኣሚንና ወጻኢታትና ንንኪ፡ ኣብ ዓለማዊ ስራሕና እነሕልፎ ሰዓታት ነጕድል፡ ኣብ ኣገልግሎት ድማ ነተኵር። ከምኡ ኽንገብር ከለና ኸኣ፡ የሆዋ ብሓቂ ዜድልየና ዘበለ ኸም ዜማልኣልና ብተመክሮ ንርእዮ። እወ፡ ሕያውነት የሆዋ ባዕልና ‘ንጥዕሞ።’

3. ብመሰረት መዝሙር 16:1, 2፡ የሆዋ ንመን እዩ ሕያዋይ ዚኸውን፧

3 የሆዋ “ንዅሉ ሕያዋይ” እዩ፣ ዋላ እውን ነቶም ዘይፈልጥዎ ሰባት ሕያዋይ እዩ። (መዝ. 145:9፣ ማቴ. 5:45) ምናዳ ግና እቶም ንየሆዋ ብምሉእ ነፍሶም ዜፍቅርዎን ዜገልግልዎን ካብኡ ብዙሕ በረኸት ይረኽቡ እዮም። (መዝሙር 16:1, 2 ኣንብብ።) ገለ ኻብቲ ኻብ ሕያውነት የሆዋ እንጥቀመሉ መገድታት እስከ ንርአ።

4. የሆዋ ነቶም ዚቐርብዎ ብኸመይ እዩ ሕያውነቱ ዜርእዮም፧

4 ካብ የሆዋ እተምሃርናዮ ብዝተግበርና መጠን፡ እዚ ኣብ ህይወትና ጽቡቕ ጽልዋ ኸም ዘለዎ ንርኢ ኢና። ብዛዕባኡ ብዝፈለጥናን ንዕኡ ብዘፍቀርናዮን መጠን ከኣ፡ ንሱ እውን ካብኡ ዚፈልየና ዝነበረ ኣተሓሳስባን ተግባራትን ከነርሕቕ ሓጊዙና እዩ። (ቈሎ. 1:21) ርእስና ንየሆዋ ወፊና ምስ ተጠመቕና ድማ፡ ሰናይ ሕልና ብምሃብን ምስኡ ጥብቂ ዕርክነት ኪህልወና ብምስሓብን ሕያውነቱ ኣርእዩና እዩ።—1 ጴጥ. 3:21

5. ኣብ ኣገልግሎትና ብኸመይ ኢና ሕያውነት የሆዋ እንርኢ፧

5 ኣብ ኣገልግሎት ክንጽመድ ከለና፡ ሕያውነት የሆዋ ብቐጻሊ ንርኢ ኢና። ሓፋር ሰብ ዲኻ፧ ብዙሓት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ከምኡ እዮም። ምናልባት ኣገልጋሊ የሆዋ ቕድሚ ምዃንካ ማዕጾ ናይ ዘይትፈልጦ ሰብ ክትኵሕኵሕን ብብዙሓት ዘይፍቶ መልእኽቲ ኽትነግርን ኢልካ ሓሲብካ ኣይትፈልጥን ኔርካ ትኸውን። ሎሚ ግና ኣዘውቲርካ ኸምኡ ትገብር ኣለኻ። ብዘይካዚ፡ ብሓገዝ የሆዋ፡ ንዕዮ ስብከት ክትፈትዎ ኽኢልካ ኣለኻ። ደገፍ የሆዋ ብእተፈላለየ መገድታት ርኢኻ ኣለኻ። ተጻራሪ ምስ ኣጓነፈካ፡ ክትሃድእ ሓጊዙካ እዩ። ግዱስ ምስ ኣጓነፈካ፡ ንዕኡ እትኸውን ጥቕሲ መጽሓፍ ቅዱስ ክትዝክር ሓጊዙካ እዩ። ኣብ ክልኻ ዘይተገዳስነት ምስ ኣጋጠመካ ኸኣ፡ ኣገልግሎትካ ኽትቅጽል ብርታዐ ሂቡካ እዩ።—ኤር. 20:7-9

6. የሆዋ ዚህበና ስልጠና፡ መርኣያ ሕያውነቱ ዝዀነ ብኸመይ እዩ፧

6 የሆዋ ንኣገልግሎቱ ብምስልጣን እውን ሕያውነቱ ኣርእዩና እዩ። (ዮሃ. 6:45) ኣብ ኣኼባ መንጎ ሰሙን፡ ጽቡቕ እተሓስበሉ ንመርኣዪ ዚኸውን ዝርርባት ንሰምዕ ኢና፣ ኣብ ኣገልግሎት ክንጥቀመሉ እውን ንተባባዕ ኢና። ኣብ ፈለማ፡ ሓድሽ ነገር ምፍታን ቍሩብ የሰክፈና ይኸውን፣ ምስ ፈተንናዮ ግና፡ እቲ ሓድሽ ኣቀራርባ ነቶም ኣብ ክልና ዘለዉ ኸም ዚስሕቦም ንርኢ ንኸውን። ብዘይካዚ፡ ኣብ ሰሙናዊ ኣኼባታትን ኣብ ዓበይቲ ኣኼባታትን፡ ፈቲንናዮ ኣብ ዘይንፈልጥ ዓይነት ኣገልግሎት ክንሳተፍ ምትብባዕ ይውሃበና እዩ። ኣብዚ እውን፡ ካብቲ ጥዒሙና ዝነበረ ዓይነት ኣገልግሎት ወጻኢ ኽንከይድ የድልየና ይኸውን፣ ኰይኑ ግና፡ ከምኡ ምስ ገበርና፡ የሆዋ ይባርኸና እዩ። ሕጂ እምበኣር፡ ኵነታትና ብዘየገድስ ንየሆዋ ብሉጽና እንህበሉ ሓድሽ መገድታት ከነናዲ ኸለና እንታይ በረኸት ከም እንረክብ እስከ ንርአ። ድሕሪኡ፡ ኣገልግሎትና ኸነስፍሓሉ እንኽእል መገድታት ክንርኢ ኢና።

የሆዋ ነቶም ኣብኡ ዚውከሉ ይባርኾም

7. ኣገልግሎትና ኸነስፍሕ እንተ ጽዒርና፡ እንታይ በረኸት ኢና እንረክብ፧

7 ንየሆዋ ብዝያዳ ንቐርቦ። ሳሙኤል * ዝስሙ ምስ ሰበይቱ ኣብ ኮሎምብያ ዜገልግል ሓው እሞ ኸም ኣብነት ንውሰድ። እዞም ሰብ ሓዳር እዚኦም ኣብ ጉባኤኦም ፈለምቲ ዀይኖም የገልግሉ ነበሩ፣ ኰይኑ ግና፡ ዝያዳ ዓየይቲ ናብ ዜድልይዋ ጉባኤ ብምኻድ ኣገልግሎቶም ኬስፍሑ ደለዩ። ነቲ ሸቶኦም ንምውቃዕ፡ መስዋእትታት ኪገብሩ ነበሮም። ሳሙኤል ብዛዕባ እዚ ኺገልጽ ከሎ፡ “ንማቴዎስ 6:33 ክንዓይየላ ጀሚርና፡ ዘየድሊ ነገራት ምትዕድዳግ እውን ሓዲግናዮ” ድሕሪ ምባል፡ “እቲ ዝኸበደ ስጕምቲ ግና ኣፓርታማና ምሕዳግ እዩ ነይሩ። ከምታ እንደልያ ዀይና እያ ተነዲፋ፣ ዕዳና እውን ከፊልና ወዲእና ኔርና ኢና” ይብል። ኣብቲ ሓድሽ ምድቦም፡ ብሻድሻይ ኣፍ እቲ ዝቐደመ ኣታዊኦም ኪነብሩ ኸም ዚኽእሉ ፈለጡ። ሳሙኤል ኣስዕብ ኣቢሉ፡ “የሆዋ ንስጕምትታትና ብኸመይ ከም ዚመርሖን ጸሎትና ብኸመይ ከም ዚምልሶን ርኢና ኢና። ቅድሚ ሕጂ ርኢናዮ ብዘይንፈልጥ ደረጃ፡ ስምረቱን ፍቕሩን ርኢና ኢና” ይብል። ንስኻኸ ኣገልግሎትካ ኸተስፍሕ ትኽእልዶ፧ ትኽእል እንተ ዄንካ፡ ንየሆዋ ብዝያዳ ኸም እትቐርቦን ንሱ እውን ከም ዚሓልየልካን ርግጸኛ ኽትከውን ትኽእል ኢኻ።—መዝ. 18:25

8. ካብቲ ኢቫንን ቪክቶርያን ዝሃብዎ ሓሳባት እንታይ ተማሂርካ፧

8 ብኣገልግሎትና ንሕጐስ። ኣብ ኪርጊዝስታን ዜገልግሉ ኢቫንን ቪክቶርያን ዚብሃሉ ፈለምቲ ዝዀኑ ሰብ ሓዳር ዝሃብዎ ሓሳባት እስከ ንርአ። ንሳቶም ኣብ ዝዀነ ዕዮ፡ እንተላይ ኣብ ፕሮጀክትታት ህንጸት ኬገልግሉ ኢሎም ናብራኦም ኣቕሊሎም እዮም። ኢቫን ከምዚ ይብል፦ “ንዅሉ እቲ ፕሮጀክት ኵለንተናና ንውፊ ኔርና ኢና። መዓልቲ ኽትዓርብ ከላ፡ ድኻም እኳ እንተ ነበረና፡ ጕልበትና ኣብ ዕዮ መንግስቲ ኣምላኽ ከም ዘውዓልናዮ ስለ እንፈልጥ፡ ሰላምን ዕግበትን ይስምዓና ነይሩ እዩ። ካብቲ ዝረኸብናዮ ዕርክነታትን ጽቡቕ ተዘክሮታትን እውን ዓብዪ ሓጐስ ረኺብና ኢና።”—ማር. 10:29, 30

9. ኣጸጋሚ ዅነታት ዘለዋ ሓብቲ ኣገልግሎታ ንምስፋሕ እንታይ ገይራ፧ እንታይ ፍረኸ ረኺባ፧

9 ኣጸጋሚ ዅነታት ኬጋጥመና ኸሎ እኳ፡ ካብ ኣገልግሎት የሆዋ ሓጐስ ንረክብ ኢና። ንኣብነት፡ ኣብ ምዕራብ ኣፍሪቃ እትነብር ብዕድመ ዝደፍአት ሚሬ እትብሃል መበለት፡ ካብቲ ኣብ ሕክምና እትዓይየሉ ዝነበረት ዓውዲ ጡረታ ድሕሪ ምውጻኣ ፈላሚት ኰይና ኸተገልግል ጀመረት። ሚሬ ኣመና ዜቐንዙ ሕማም ሪሕ ኣለዋ፣ ኣብ በቤት ኣብ ዚግበር ኣገልግሎት ከኣ ኣብ ሓደ እዋን ልዕሊ ሰዓት ክትጸንሕ ኣይትኽእልን እያ። ብግህዶ ኣብ ዚግበር ምስክርነት ግና ዝያዳ ግዜ ኸተሕልፍ ትኽእል እያ። ብዙሓት ተመላሊስካ ምብጻሓትን መጽናዕትታት መጽሓፍ ቅዱስን እውን ኣለውዋ፡ ንገሊኦም ከኣ ብተሌፎን እያ ረኺባቶም። እሞ ደኣ ንሚሬ ብዝያዳ ኸተገልግል ዝደረኻ እንታይ እዩ፧ ንሳ ኸምዚ ትብል፦ “ልበይ በቲ ንየሆዋን ንክርስቶስ የሱስን ዘሎኒ ፍቕሪ ይጅርብብ ኣሎ። የሆዋ ኣብ ኣገልግሎቱ ዚከኣለኒ ኽገብር ኪሕግዘኒ እውን ብዙሕ ሳዕ እጽሊ እየ።”—ማቴ. 22:36, 37

10. ኣብ 1 ጴጥሮስ 5:10 ተገሊጹ ኸም ዘሎ፡ እቶም ኣብ ኣገልግሎት ዚመጣጠሩ ዘበሉ ኻብ የሆዋ እንታይ እዮም ዚረኽቡ፧

10 ካብ የሆዋ ተወሳኺ ስልጠና ንረክብ። ኣብ ማውሪሽየስ ፈላሚ ዀይኑ ዜገልግል ከኒ፡ ነዚ ኣብ ህይወቱ ርእይዎ እዩ። ሓቂ ምስ ፈለጠ፡ ካብ ዩኒቨርሲቲ ወጸ፡ ተጠምቀ፡ ኣብ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት እውን ኣተወ። ከምዚ ድማ ይብል፦ “በቲ ነብዪ ኢሳይያስ፡ ‘እነኹ፡ ልኣኸኒ!’ ኢሉ እተዛረቦ ቓላት እየ ኽመላለስ ዝጽዕር።” (ኢሳ. 6:8) ከኒ ኣብ ሓያሎ ፕሮጀክትታት ህንጸት ዓይዩ እዩ፣ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ጽሑፋት ናብ ቋንቋኡ ኣብ ምትርጓም እውን ሓጊዙ እዩ። ብዛዕባ እዚ ኸኣ፡ “ዚውሃበኒ ዕዮ ንምፍጻም ዜድሊ ስልጠና ተዋሂቡኒ እዩ” ይብል። ኰይኑ ግና፡ ካብ ተክኒካዊ ሓበሬታ ንላዕሊ እውን ተማሂሩ እዩ። ኣስዕብ ኣቢሉ፡ “ብዛዕባ እቲ ዓቕመይ ድሩት ዝዀነሉ መዳያትን ዝሓሽኩ ኣገልጋሊ የሆዋ ንምዃን ከማዕብሎ ዜድልየኒ ባህርያትን ፈሊጠ እየ” ይብል። (1 ጴጥሮስ 5:10 ኣንብብ።) እሞ ደኣ ኵነታትካ መርሚርካ ኻብ የሆዋ ተወሳኺ ስልጠና ንምርካብ ገዛእ ርእስኻ ኸተቕርብ ትኽእል እንተ ዄንካ ስለምንታይ ዘይትርኢ፧

ሰብ ሓዳር ዝያዳ ኣስፋሕቲ መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ዜድልዩሉ ቦታ ይሰብኩ፣ ሓንቲ መንእሰይ ሓብቲ ኣብ ህንጸት ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ትሕግዝ፣ ብዕድመ ዝደፍኡ ሰብ ሓዳር ብተሌፎን ይምስክሩ። ኵላቶም ብኣገልግሎቶም ብዙሕ ይሕጐሱ (ሕጡብ ጽሑፍ 11 ርአ)

11. ኣብ ደቡብ ኮሪያ ዚነብራ ኣሓት ኣብ ኣገልግሎት ንምስታፍ እንታይ ጻዕርታት እየን ገይረን፧ እዚኸ እንታይ ኣፍርዩ፧ (ኣብ ገበር ዘላ ስእሊ ርአ።)

11 ምኩራት ናይ የሆዋ መሰኻኽር እውን እንተ ዀኑ፡ ሓድሽ ዓይነት ኣገልግሎት ምስ ፈተኑ፡ ካብ ስልጠና ይጥቀሙ እዮም። ንኣብነት፡ ኣብ እዋን ለበዳ ኮቪድ-19፡ ኣብ ሓንቲ ኣብ ደቡብ ኮሪያ እትርከብ ጉባኤ ዘለዉ ሽማግለታት ከምዚ ኢሎም ጸሓፉ፦ “ገሊኦም ብሰንኪ ጥዕናኦም ኣብ ኣገልግሎት ወፍሪ ኺሳተፉ ዘይክእሉ ዚመስሎም ዝነበሩ ኣስፋሕቲ፡ ሕጂ ብቪድዮ ኮንፈረንስ ይሳተፉ ኣለዉ። ኣብ 80ታት ዕድሚአን ዚርከባ ሰለስተ ኣሓት ነቲ ሓድሽ ተክኖሎጂ ምስ ተማህራ፡ ዳርጋ መዓልቲ መዓልቲ ኣብቲ መሰናድዎ ይሳተፋ ኣለዋ።” (መዝ. 92:14, 15) እሞ ደኣ ኣገልግሎትካ ኸተስፍሕን ሕያውነት የሆዋ ብዝያዳ ኽትጥዕምን ትደሊዶ፧ ነቲ ሸቶ እቲ ኽትበጽሖ ዚሕግዘካ ገሊኡ ስጕምትታት እስከ ንርአ።

ከመይ ጌርካ ኽትመጣጠር ትኽእል፧

12. የሆዋ ነቶም ኣብኡ ዚውከሉ እንታይ ቃል እዩ ኣትዩሎም፧

12 ኣብ የሆዋ ተወከል። የሆዋ ኣብኡ እንተ ተወኪልናን ብሉጽና እንተ ሂብናዮን፡ በረኸቱ ኸም ዜፍስሰልና ቓል ኣትዩልና ኣሎ። (ሚል. 3:10) ኣብ ኮሎምብያ እትነብር ፋቢዮላ ዝስማ ሓብቲ፡ የሆዋ ነቲ ዝኣተዎ ቓል ኪፍጽመላ ርእያ እያ። ምስ ተጠምቀት ነዊሕ ከይጸንሐት፡ ስርዕቲ ፈላሚት ኰይና ኸተገልግል ደለየት። ሰብኣያን ሰለስተ ደቃን ግና ብኣታዊኣ እዮም ዚመሓደሩ ነይሮም። ስለዚ፡ ጡረታ ኽትወጸሉ እትኽእል ግዜ ምስ ኣኸለ፡ ሓገዝ የሆዋ ንምርካብ ብጽኑዕ ጸለየት። ከምዚ ድማ ትብል፦ “ጡረታ ንምውጻእ ነዊሕ መስርሕ እዩ ዚወስድ፣ ኣነ ግና ካብቲ ዘመልከትኩሉ ኣብ ውሽጢ ሓደ ወርሒ እዩ ተፈቒዱለይ። ከም ተኣምር እዩ ነይሩ!” ድሕሪ ኽልተ ወርሒ፡ ፈላሚት ኰይና ኸተገልግል ጀመረት። ሕጂ ኣብ 70ታት ዕድሚኣ እያ እትርከብ፣ ንልዕሊ 20 ዓመት ድማ ፈላሚት ኰይና ኣገልጊላ እያ። ኣብቲ እዋን እቲ ኸኣ፡ ንሸሞንተ ሰባት ናብ ጥምቀት ኪበጽሓ ሓጊዛ እያ። ሕጂ ድማ፡ “ሓድሓደ ግዜ፡ ድኻም ዚስምዓኒ እኳ እንተ ዀነ፡ መደበይ ሓልየ ኽመላለስ ግና የሆዋ መዓልቲ መዓልቲ ይሕግዘኒ እዩ” ትብል።

ኣብርሃምን ሳራን ያእቆብን እቶም ንፈለግ ዮርዳኖስ ዝሰገሩ ኻህናትን ኣብ የሆዋ እተወከሉ ብኸመይ እዮም፧ (ሕጡብ ጽሑፍ 13 ርአ)

13-14. እንታይ ኣብነታት እዩ ኣብ የሆዋ ኽንውከልን ኣብ ኣገልግሎትና ኽንመጣጠርን ዚሕግዘና፧

13 ካብ ኣብነታት እቶም ኣብ የሆዋ እተወከሉ ሰባት ተጠቐም። ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ኣብ ኣገልግሎት የሆዋ እተጋደሉ ብዙሓት ኣብነታት ተጠቒሶም ኣለዉ። ኣብ ብዙሕ ኣጋጣሚታት፡ እቶም ኣገልገልቲ የሆዋ ኻብ የሆዋ ፍሉይ በረኸት ቅድሚ ምርካቦም፡ እቲ ቐዳማይ ስጕምቲ ኺስጕሙ ነይርዎም እዩ። ንኣብነት፡ ኣብርሃም “ናበይ ከም ዚኸይድ እኳ እንተ ዘይፈለጠ፡” ካብ ዓዱ ድሕሪ ምውጻኡ እዩ የሆዋ ባሪኽዎ። (እብ. 11:8) ያእቆብ ከኣ ምስ መልኣኽ ድሕሪ ምቅላሱ እዩ ፍሉይ በረኸት ረኺቡ። (ዘፍ. 32:24-30) ህዝቢ እስራኤል ናብ ምድሪ ተስፋ ኺኣትዉ ምስ ቀረቡ፡ እቶም ካህናት ኣእጋሮም ኣብቲ ዚውሕዝ ዝነበረ ፈለግ ዮርዳኖስ ድሕሪ ምጥላቖም እዮም እቶም ህዝቢ ኺሰግሩ ኽኢሎም።—እያ. 3:14-16

14 ኣብ የሆዋ ተወኪሎም ንተወሳኺ ኣገልግሎት ካብ እተመጣጠሩ ዘመናውያን ኣብነታት እውን ክትጥቀም ትኽእል ኢኻ። ንኣብነት፡ ፓይተን ዝስሙ ሓውን ሰበይቱ ዲያናን፡ “ፈትዮም ይመጹ” ኣብ ዘርእስቱ ዓምድን ኣብ ካልእ ሕታማትናን ዚወጽእ ኣገልግሎቶም ብዛዕባ ዘስፍሑ ኣሕዋትን ኣሓትን ዚገልጽ ዓንቀጻት ምንባብ ይፈትዉ ነይሮም እዮም። * ፓይተን ከምዚ ይብል፦ “ነዚ ተመክሮታት እዚ ኸነንብቦ ኸለና፡ ካልእ ሰብ ጥዑም ምግቢ ኼስተማቕር ንርኢ ኸም ዘለና ዀይኑ እዩ ዚስምዓና ነይሩ። ብዝያዳ ብዝረኣና መጠን ከኣ፡ ‘የሆዋ ሰናይ ምዃኑ ኽንጥዕምን ክንርእን’ ደሊና።” ኣብ መወዳእታኡ፡ ፓይተንን ዲያናን ኬገልግሉ ኢሎም ዝያዳ ዓየይቲ ናብ ዜድልዩሉ ቦታ ገዓዙ። ንስኻኸ ነዚ ዓምዲ እዚ ኣንቢብካዮዶ፧ ነተን ኣብ jw.org ዝወጻ ዊትነሲንግ ኢን ኣይዞሌተድ ተሪተሪ—ኣውስትራልያ ኸምኡ ድማ ዊትነሲንግ ኢን ኣይዞሌተድ ተሪተሪ—ኣይርላንድ ዘርእስተን ቪድዮታት ርኢኻየንዶ፧ እዘን ቪድዮታት እዚአን፡ ኣገልግሎትካ ኸተስፍሓሉ እትኽእል መገድታት ኪሕብራኻ ይኽእላ ይዀና።

15. ዚዀኑና ኣዕሩኽ ብኸመይ ኪሕግዙና ይኽእሉ፧

15 ዚዀኑኻ ኣዕሩኽ ሕረ። ንሓደ ምግቢ ምስ ዚፈትዉ ሰባት ግዜ ነሕልፍ እንተ ዄንና፡ ነቲ ሓድሽ ምግቢ ኽንፍትኖ ንለዓዓል ኢና። ብተመሳሳሊ፡ ምስቶም ህይወቶም ንየሆዋ ኣብ ምግልጋል ዘተኰረት ሰባት ንቀራረብ እንተ ዄንና፡ ኣገልግሎትና ንምስፋሕ መገድታት ነናዲ ኢና። ከንትን ቨሮኒካን ዚብሃሉ ሰብ ሓዳር ነዚ ሓቂ ዀይኑ ረኺቦምዎ እዮም። ከንት ከምዚ ይብል፦ “ፈተውትናን ስድራ ቤትናን ሓድሽ መዳያት ኣገልግሎት ክንፍትን ኣተባቢዖምና። ምስቶም ንመንግስቲ ኣምላኽ ዜቐድሙ ብምቅርራብ፡ ሓድሽ ነገር ንምፍታን ዜኽእል ምትእምማን ኣጥሪና።” ሕጂ፡ ከንትን ቨሮኒካን ኣብ ሰርብያ ፍሉያት ፈለምቲ ዀይኖም የገልግሉ ኣለዉ።

16. ኣብታ ኣብ ሉቃስ 12:16-21 እትርከብ የሱስ ዝመሰላ ምሳሌ ኸም እተገልጸ፡ መስዋእቲ ንምግባር ፍቓደኛታት ክንከውን ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

16 ንየሆዋ ንምሕጓስ መስዋእቲ ግበር። ንየሆዋ ባህ ንምባል፡ ኵሉ እንፈትዎ ነገራት ክንሓድግ ኣየድልየናን እዩ። (መክ. 5:19, 20) ብሕታዊ መስዋእቲ ኸይንገብር ኢልና ኣብ ኣገልግሎት ኣምላኽ ብዝያዳ ኻብ ምግባር ድሕር ምሕር ንብል እንተ ዄንና ግና፡ ከምቲ ኣብታ የሱስ ዝመሰላ ምሳሌ ዘሎ ንኣምላኽ ዕሽሽ ኢሉ ኣብ ጥዑም ናብራኡ ዘተኰረ ሰብኣይ ክንከውን ንኽእል ኢና። (ሉቃስ 12:16-21 ኣንብብ።) ኣብ ፈረንሳ ዚነብር ክሪስትያን ዝስሙ ሓው፡ “ብሉጽ ግዜይን ጕልበተይን ንየሆዋን ንስድራ ቤተይን ኣይህብን እየ ነይረ” ይብል። ድሕርዚ፡ ንሱን ሰበይቱን ፈለምቲ ኪዀኑ ወሰኑ። ነቲ ሸቶ እቲ ንምብጻሕ ግና፡ ስራሖም ኪሓድጉ ነበሮም። ዜድልዮም ንምምእራር፡ ኣብ ጽሬት ተዋፈሩ፣ ብሒደት ምዕጋብ እውን ተማህሩ። እሞኸ እቲ መስዋእቶምሲ ኽሒስዎምዶ፧ ክሪስትያን ከምዚ ይብል፦ “ሕጂ ብዝያዳ ትርጉም ዘለዎ ኣገልግሎት ኣሎና፣ ተምሃሮ መጽሓፍ ቅዱስን ተመላሊስካ ምብጻሓትን ብዛዕባ የሆዋ ኺምሃሩ ብምርኣይና እውን ንሕጐስ ኢና።”

17. ኣብ ኣገልግሎትና ሓድሽ ነገር ከይንፍትን እንታይ ዕንቅፋት ኪዀነና ይኽእል፧

17 ሓድሽ ዓይነት ኣገልግሎት ንምፍታን ፍቓደኛ ኹን። (ግብ. 17:16, 17፣ 20:20, 21) ኣብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ እትነብር ሺርሊ ዝስማ ፈላሚት፡ ኣብ እዋን ለበዳ ኮቪድ-19 ኣገልግሎታ ኸተተዓራሪ ነበራ። ኣብ ፈለማ፡ ንምስክርነት ተሌፎን ክትፍትኖ ሰጋእ መጋእ ኢላ ነይራ እያ። ኣብ እዋን ምብጻሕ ሓላው ወረዳ ስልጠና ምስ ረኸበት ግና፡ ኣብቲ ዓይነት ኣገልግሎት ብስሩዕ ክትሳተፍ ጀመረት። ንሳ ኸምዚ ትብል፦ “ኣብ መጀመርታ፡ ኣፍሪሁኒ ነይሩ፣ ሕጂ ግና እፈትዎ እየ። ካብቲ ኣብ በቤት ኬድና እነገልግሎ ዚበዝሑ ሰባት ንረክብ ኣለና!”

18. ኣገልግሎትና ንምስፋሕ ክንጽዕር ከለና፡ ንጸገማት ክንሰግር ዚሕግዘና እንታይ እዩ፧

18 መደብ ኣውጽእ፡ ድሕሪኡ ተግብሮ። ጸገማት ኬጋጥመና ኸሎ፡ ብጸሎትን በቲ ናይ ምምዝዛን ክእለትናን ተጠቒምና ጽቡቕ መደብ ንምውጻእ ዚከኣለና ንጽዕር ኢና። (ምሳ. 3:21) ሓንቲ ሶንያ እትብሃል ኣብ ኤውሮጳ ቛንቋ ሮማኒ ኣብ ዚጥቀሙ ጕጅለ ስርዕቲ ፈላሚት ኰይና እተገልግል ሓብቲ ኸምዚ ትብል፦ “መደባተይ ኣብ ወረቐት ምጽሓፍን ነቲ ወረቐት ኣብ ዚርአ ቦታ ምግባርን እፈቱ እየ። ኣብ ሰደቓይ፡ ቀራና መገዲ ዜርኢ ስእሊ ኣሎኒ። ውሳነ ኽገብር ከለኹ፡ ኣብቲ ቐራና መገዲ እርኢ እሞ ውሳነይ ናበየናይ ኣንፈት ከም ዚወስደኒ እሓስብ።” ሶንያ ብዛዕባ እቲ ዜጋጥማ ጸገማት ኣወንታዊ ኣረኣእያ ኽትሕዝ ትጽዕር እያ። ብዛዕባ እዚ ኸምዚ ትብል፦ “ኵሉ እቲ ዚፍጠር ሓድሽ ኵነታት፡ ከም ዚዓግተኒ መንደቕ ወይ ከም ዚሕግዘኒ ድልድል ኪኸውን ይኽእል እዩ። ኣብ ኣረኣእያይ እዩ ዚምርኰስ።”

19. እንታይ ንምግባር ኢና ኽንቈርጽ ዘሎና፧

19 የሆዋ ብብዙሕ መገድታት ይባርኸና እዩ። ንዕኡ ውዳሰ ንምምጻእ ዚከኣለና ብምግባር፡ ነቲ በረኸት እቲ ኽሳዕ ክንደይ ከም እነማስወሉ ኸነርእዮ ንኽእል ኢና። (እብ. 13:15) ሓደ ኻብቲ ኸምኡ እንገብረሉ መዳይ ከኣ፡ ኣገልግሎትና እነስፍሓሉ ሓድሽ መገድታት ምንዳይ እዩ፣ እዚ እውን መሊሱ ተወሳኺ በረኸት የምጽኣልና እዩ። እምበኣር፡ መዓልቲ መዓልቲ፡ ‘የሆዋ ሰናይ ምዃኑ እንጥዕመሉን እንርእየሉን’ መገድታት ነናዲ። ሽዑ፡ ከምቲ “ብልዐይሲ ፍቓድ እቲ ዝለኣኸኒ ኽገብር፡ ዕዮኡ እውን ክፍጽም እዩ” ዝበለ የሱስ ክንከውን ኢና።—ዮሃ. 4:34

መዝሙር 80 “የሆዋ ሕያዋይ ምዃኑ ጥዓሙን ርኣዩን”

^ ሕ.ጽ. 5 የሆዋ ምንጪ ሕያውነት እዩ። ንዅሉ ሰብ፡ እንተላይ ንእኩያት፡ ሰናይ ይገብር እዩ። ምናዳ ግና ንእሙናት ኣምለኽቱ ደስ ኢልዎ ሰናይ ይገብረሎም እዩ። ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ የሆዋ ንኣገልገልቱ ብኸመይ ሕያውነቱ ኸም ዝገለጸሎም ክንርኢ ኢና። እቶም ኣገልግሎቶም ዜስፍሑ ዘበሉ፡ ሕያውነት የሆዋ ብፍሉይ መገዲ ብኸመይ ከም ዚርእዩ እውን ክንምርምር ኢና።

^ ሕ.ጽ. 7 ገሊኡ ስማት ተቐዪሩ እዩ።

^ ሕ.ጽ. 14 እዚ ዓምዲ እዚ፡ ኣቐዲሙ ኣብ ግምቢ ዘብዐኛ ይወጽእ ነይሩ፣ ሕጂ ኸኣ ኣብ jw.org ይርከብ። ኣብ ትሕቲ ብዛዕባና > ተመክሮታት > መንፈሳዊ ሸቶታት ምውቃዕ ርአ።