ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ዓንቀጽ መጽናዕቲ 36

ንሓይሊ መንእሰያት ኣኽቢርና ንርኣዮ

ንሓይሊ መንእሰያት ኣኽቢርና ንርኣዮ

“ንኣጕባዝሲ ሓይሎም ክብሮም እዩ።”—ምሳ. 20:29

መዝሙር 88 ጐደናታትካ ኣፍልጠኒ

መላለዪ *

1. ብዕድመ እናደፋእና ኽንከይድ ከለና፡ እንታይ ግብራዊ ሸቶ ኢና ኸነውጽእ እንኽእል፧

ብዕድመ እናደፋእና ምስ ከድና፡ ከምቲ ብንእስነትና ዝነበርናዮ ንየሆዋ ብዙሕ ዘይንጠቅም ከይንኸውን ንፈርህ ንኸውን። ጕልበትና እናነከየ እኳ እንተ ኸደ፡ በቲ ዘጥረናዮ ጥበብን ተመክሮን ጌርና ንመንእሰያት ምሉእ ዓቕሞም ኪጥቀሙን ሓድሽ ሓላፍነታት ኪስከሙን ክንሕግዞም ንኽእል ኢና። ከምቲ ሓደ ምኩር ሽማግለ ዝበሎ እዩ፣ ንሱ፡ “እርጋን ኪስምዓኒ ምስ ጀመረ፡ ነቲ ዕዮ ዚስከምዎ ብዕድመ ዝነኣሱ ብቑዓት ኣሕዋት ምህላዎም ኣመስጊነ እየ” ይብል።

2. ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ እንታይ ክንርኢ ኢና፧

2 ኣብ ዝሓለፈት ዓንቀጽ፡ ብዕድመ ዝነኣሱ ክርስትያናት ምስቶም ብዕድመ ዝደፍኡ ምስ ዚቀራረቡ ብኸመይ ከም ዚጥቀሙ ተገሊጹ ነይሩ። ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ብዕድመ ዝደፍኡ ክርስትያናት ምስቶም ብዕድመ ዝነኣሱ ክርስትያናት ሓቢሮም ንምዕያይ ከም ትሕትናን ዓቕምኻ ምፍላጥን ምስጋናን ልግስን ዝኣመሰለ ባህርያት ብኸመይ ከም ዚጠቕሞም፡ እዚ ድማ ንብዘላ ጉባኤ እንታይ በረኸት ከም ዜምጽእ ክንርኢ ኢና።

ትሑት ኩን

3. ብመሰረት ፊልጲ 2:3, 4፡ ትሕትና እንታይ እያ፧ ንክርስትያናትከ ብኸመይ ክትሕግዞም ትኽእል፧

3 ብዕድመ ዝደፍኡ ክርስትያናት ነቶም ብዕድመ ዝነኣሱ ኺሕግዝዎም እንተ ዀይኖም፡ ትሑታት ኪዀኑ ኣለዎም። ትሑት ሰብ ንኻልኦት ካብ ርእሱ ኣብሊጹ ይርኢ እዩ። (ፊልጲ 2:3, 4 ኣንብብ።) ነዛ ባህርይ እዚኣ ዜርእዩ ብዕድመ ዝደፍኡ ክርስትያናት፡ ንሓደ ዕዮ እትፍጽመሉ እተፈላለየ ቕዱስ ጽሑፋውን ውጽኢታውን መገዲ ኸም ዘሎ የስተውዕሉ እዮም። ስለዚ፡ ብዛዕባ እቲ ኣብ ሕሉፍ ዚዓይዩሉ ዝነበሩ መገዲ ሚዛናዊ ኣረኣእያ ኣለዎም። (መክ. 7:10) ንመንእሰይ ወለዶ ዜካፍልዎ ኣገዳሲ ተመክሮ እኳ እንተ ኣለዎም፡ “ትርኢት እዛ ዓለም እዚኣ ይልወጥ” ከም ዘሎ፡ ንሳቶም እውን ምስቲ ሓድሽ ኵነታት ኪዋሃሃዱ ኸም ዘለዎም ይፈልጡ እዮም።—1 ቈረ. 7:31

ብዕድመ ዝደፍኡ ክርስትያናት ተመክሮኦም ብልግሲ የካፍሉ (ሕጡብ ጽሑፍ 4-5 ርአ) *

4. ሓለውቲ ወረዳ ምስ ናይ ሌዋውያን ዚመሳስል ኣረኣእያ ዘለዎም ብኸመይ እዩ፧

4 ትሑታት ኣረጋውያን ብዕድመ እናደፍኡ ምስ ከዱ፡ ከም ቀደሞም ኪዓይዩ ኸም ዘይክእሉ ይፈልጡ እዮም። ንኣብነት፡ ብዛዕባ ሓለውቲ ወረዳ እሞ ንሕሰብ። ዕድሚኦም 70 ምስ ኰነ፡ ካልእ ዕዮ ይውሃቦም እዩ። እዚ በዳሂ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ስለምንታይሲ፡ ንኣሕዋት ምግልጋል የሐጕሶም እዩ። ነቲ ምድቦም ይፈትውዎ እዮም፣ በቲ መገዲ እቲ ንምግልጋል ዘለዎም ድሌት እውን ገና ኣይሃሰሰን። እቲ ዕዮ ግና በቶም ብዕድመ ዝነኣሱ ኣሕዋት ብዝሓሸ ኺዕየ ኸም ዚኽእል ይፈልጡ እዮም። ስለዚ፡ ኣረኣእያኦም ምስቲ ኣብ ጥንታዊት እስራኤል ዝነበሩ ሌዋውያን ተመሳሳሊ እዩ፣ ንሳቶም ኣብ 50 ዓመት ዕድሚኦም ካብ ኣገልግሎት እቲ ማሕደር የቋርጹ ነይሮም እዮም። ሓጐሶም ኣብ ሓደ ዕዮ እተመርኰሰ ኣይነበረን። የግዳስ፡ ነቲ ንዝነኣሱ ኣሕዋቶም ንምስልጣን ዚውሃቦም ዕዮ እዮም ተዓጢቖም ዚዓይዩ ነይሮም። (ዘሁ. 8:25, 26) ሎሚ፡ ኣቐዲሞም ሓለውቲ ወረዳ ዝነበሩ ኣሕዋት ንሓያሎ ጉባኤታት ዘየገልግሉ እኳ እንተ ዀኑ፡ ነተን እተመደቡለን ጉባኤታት ግና ብሓቂ በረኸት ኰይኖምወን ኣለዉ።

5. ካብ ኣብነት ዳንን ኬቲን እንታይ ተማሂርካ፧

5 ን23 ዓመት ሓላው ወረዳ ዀይኑ ንዘገልገለ ዳን እሞ ኸም ኣብነት ንርአ። ዳን ወዲ 70 ዓመት ምስ ኰነ፡ ንሱን ሰበይቱ ኬቲን ፍሉያት ፈለምቲ ኪዀኑ ተመደቡ። እሞ ደኣ ምስቲ ሓድሽ ኵነታቶም ብኸመይ ኪዋሃሃዱ ኽኢሎም፧ ዳን ከም ሎሚ ብስራሕ ትሑዝ ኰይኑ ኸም ዘይፈልጥ እዩ ዚገልጽ! ንናይ ጉባኤ ሓላፍነታቱ ይስከም፡ ንኣሕዋት ከኣ ኣገልገልቲ ጉባኤ ንምዃን ዜድሊ ብቕዓት ኬማልኡ ይሕግዝ፡ ንኻልኦት ድማ ኣብ ማእከል ከተማን ኣብ ቤት ማእሰርትን ኪሰብኩ የሰልጥን ኣሎ። ኣቱም ኣረጋውያን፡ ኣብ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ሃልዉ ኣይትሃልዉ፡ ንኻልኦት ንምድጋፍ ብዙሕ ክትዓዩ ትኽእሉ ኢኹም። ብኸመይ፧ ምስቲ ሓድሽ ኵነታትኩም ተዋሃሃዱ፡ ሓድሽ ሸቶታት ኣውጽኡ፡ ኣብቲ ኽትገብርዎ ዘይትኽእሉ ዘይኰነስ ኣብቲ ኽትገብርዎ እትኽእሉ ኣተኵሩ።

ዓቕምኻ ፍለጥ

6. ዓቕምኻ ምፍላጥ ጥበብ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧ ብምሳሌ ኣረድእ።

6 ትሑት ሰብ ዓቕሙ ይፈልጥ እዩ። (ምሳ. 11:2) ዓቕሙ ስለ ዚፈልጥ ከኣ፡ ብዛዕባ እቲ ኺገብሮ ዚኽእል ነገራት ዘለዎ ትጽቢታት የዐሪ እዩ። በዚ ኸምዚ፡ ሕጉስን ኣፍራይን ኰይኑ ይቕጽል። ንሓደ ዓቕሙ ዚፈልጥ ሰብ ምስ ሓደ ማኪናኡ ናብ ዓቐበት ዚዝውር ሰብ ከነመሳስሎ ንኽእል ኢና። እቲ መራሕ ማኪና ናብ ዓቐበት ምእንቲ ኺድይብ፡ ማርሻኡ ናብ ካልኣይ ወይ ቀዳማይ ኪቕይሮ ኣለዎ። ልክዕ እዩ፡ ፍጥነቱ ይንኪ እዩ፣ ኰይኑ ግና፡ ንቕድሚት ካብ ምኻድ ደው ኣይብልን እዩ። ብተመሳሳሊ፡ ዓቕሙ ዚፈልጥ ሰብ ኣብ ኣገልግሎት የሆዋ ንጡፍን ኣፍራይን ኰይኑ ምእንቲ ኪቕጽል፡ መዓስ “ማርሻኡ ኪቕይር” ከም ዘለዎ ይፈልጥ እዩ።—ፊል. 4:5፡ እ.ጽ.።

7. ባርዚላይ ዓቕሙ ኸም ዚፈልጥ ብኸመይ ኣርእዩ፧

7 ባርዚላይ ዝገበሮ እስከ ንርአ። ንሱ ኣባል ቤተ መንግስቲ ኪኸውን ካብ ንጉስ ዳዊት ዕድመ ኣብ ዝቐረበሉ እዋን፡ ወዲ 80 ዓመት እዩ ነይሩ። ዓቕሙ ይፈልጥ ብምንባሩ ግና፡ ነቲ ኻብ ንጉስ ዝቐረበሉ ዕድመ ኣይተቐበሎን። ብሰንኪ ዕድሚኡ ዓቕሙ ኸም ዚድረት ብምፍላጡ ኸኣ፡ እቲ ብዕድመ ኻብኡ ዚንእስ ኪምሃም ኣብ ክንዳኡ ኪኸይድ ሓሳብ ኣቕረበ። (2 ሳሙ. 19:35-37) ብዕድመ ዝደፍኡ ኣሕዋት፡ ከም ባርዚላይ፡ ነቶም ብዕድመ ዝነኣሱ ኣሕዋት ኣብ ኣገልግሎት ኪሳተፉ ተሓጒሶም ኣጋጣሚ ይኸፍቱሎም እዮም።

ንጉስ ዳዊት ነቲ እታ ቤተ መቕደስ ብወዱ ኽትህነጽ ኣምላኽ ዝገበሮ ውሳነ ተቐቢልዎ (ሕጡብ ጽሑፍ 8 ርአ)

8. ዳዊት ምስ ህንጸት እታ ቤተ መቕደስ ብእተተሓሓዘ፡ ብኸመይ እዩ ዓቕሙ ኸም ዚፈልጥ ኣርእዩ፧

8 ንጉስ ዳዊት እውን ዓቕሙ ኸም ዚፈልጥ ኣርእዩ እዩ። ንሱ ንየሆዋ ቤት ኪሃንጸሉ ኻብ ልቡ ደልዩ ነይሩ እዩ። እዚ ዕዮ እዚ ነቲ መንእሰይ ዝነበረ ሰሎሞን ከም ዚውሃብ የሆዋ ምስ ነገሮ ግና፡ ነቲ ውሳነ ተቐቢልዎ፡ ብምሉእ ልቡ እውን ነቲ ዕዮ ደጊፉ እዩ። (1 ዜና 17:4፣ 22:5) ሰሎሞን “ንእሽቶን ዘይምኩርን” ብምንባሩ፡ ዳዊት ንሱ ኸም ዚሓይሽ ኰይኑ ኣይተሰምዖን። (1 ዜና 29:1) ኣብቲ ህንጸት እቲ ዚርከብ ኣሳልጦ፡ ኣብ ዕድመ ወይ ኣብ ተመክሮ እቶም ዚመርሑ ሰባት ዘይኰነስ፡ ኣብ በረኸት የሆዋ ኸም ዚምርኰስ ይፈልጥ ነይሩ እዩ። ሎሚ ዘለዉ ብዕድመ ዝደፍኡ ክርስትያናት፡ ዋላ እኳ ዕዮኦም እንተ ተቐየረ፡ ከም ዳዊት ንጡፋት ኰይኖም ይቕጽሉ እዮም። የሆዋ ነቶም ንዓታቶም ተኪኦም ዚዓይዩ መንእሰያት ከም ዚባርኾም እውን ይፈልጡ እዮም።

9. ሓደ ኣባል ኮሚተ ጨንፈር ዓቕሙ ኸም ዚፈልጥ ዘርኣየ ብኸመይ እዩ፧

9 ኣብዚ ግዜና እውን፡ ሺገዮ ዚብሃል ሓው ዓቕሙ ኸም ዚፈልጥ ኣርእዩ እዩ። ብ1976 ወዲ 30 ዓመት ከሎ፡ ኣብ ኮሚተ ጨንፈር ኬገልግል ተሸመ። ብ2004 ከኣ፡ ኣተሓባባሪ ኮሚተ ጨንፈር ኰነ። ጸኒሑ ግና ጕልበቱ እናደኸመ ኸም ዝኸደ፡ ከም ቀደሙ ድማ ዕዮኡ ብፍጥነት ኪፍጽም ከም ዘይክእል ተገንዘበ። ነቲ ሓላፍነታት እቲ ብዕድመ ዝነኣሰ ሓው ምስ ዚስከሞ ዝያዳ ውጽኢታዊ ኸም ዚኸውን ብጸሎት ሓሰበሉ። ሕጂ ኣተሓባባሪ እኳ እንተ ዘይኰነ፡ ኣባል ኮሚተ ጨንፈር ኰይኑ ግና የገልግል ኣሎ። ኣብ ባርዚላይን ንጉስ ዳዊትን ሺገዮን ከም ዝረኣናዮ፡ ሓደ ትሑትን ዓቕሙ ዚፈልጥን ሰብ፡ ኣብቲ መንእሰያት ዚጐድሎም ተመክሮ ዘይኰነስ፡ ኣብቲ ዘለዎም ሓይሊ እዩ ዜተኵር። ከም መቐናቕንቱ ዘይኰነስ፡ ከም መዓይይቱ ገይሩ እዩ ዚርእዮም።—ምሳ. 20:29

ኣመስጋኒ ኹን

10. ብዕድመ ዝደፍኡ ክርስትያናት ብዛዕባ እቶም ኣብ ጉባኤኦም ዘለዉ ብዕድመ ዝነኣሱ እንታይ ኣረኣእያ ኣለዎም፧

10 ብዕድመ ዝደፍኡ ክርስትያናት ነቶም ብዕድመ ዝነኣሱ ዘበሉ፡ ካብ የሆዋ ኸም እተዋህቡ ውህበት ስለ ዚርእይዎም፡ ስሊኦም የመስግኑ እዮም። ጕልበቶም እናደኸመ ምስ ከደ፡ እቶም ምስ ሓይሎም ዘለዉ መንእሰያት ነቲ ሃጓፍ ዚደፍኑን ንጉባኤታት ዜገልግሉን ምዃኖም የመስግኑሉ እዮም።

11. ኣብ ሩት 4:13-16 ተጠቒሱ ዘሎ ዛንታ፡ ብዕድመ ኻብ ዝነኣሱ ዘበሉ ሓገዝ ምቕባል በረኸት ከም ዜምጽእ ዜርኢ ብኸመይ እዩ፧

11 ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተጠቒሳ እትርከብ ናእሚ ብዕድመ ምስ ደፍአት፡ ብዕድመ ኻብ ዝነኣሰት ሰብ ኣመስጊና ሓገዝ ብምቕባላ፡ ጽቡቕ ኣብነት ትኸውን እያ። ኣብ ፈለማ፡ ናእሚ ነታ መበለት ዝዀነት ሰበይቲ ወዳ ናብ ህዝባ ኽትምለስ ተማሕጺናታ ነይራ እያ። ኰይኑ ግና፡ ሩት ምስ ናእሚ ናብ ቤት-ልሄም ክትከይድ ግዲ ምስ በለት፡ ነቲ ብተኣማንነት ዝሃበታ ደገፍ ተቐበለቶ። (ሩት 1:7, 8, 18) እዚ ድማ ንኽልቲአን ኣንስቲ ዓብዪ በረኸት እዩ ዀይኑለን! (ሩት 4:13-16 ኣንብብ።) ብዕድመ ዝደፍኡ ክርስትያናት ብትሕትና ተደሪኾም ኣብነት ናእሚ ይስዕቡ እዮም።

12. ሃዋርያ ጳውሎስ ምስጋናኡ ዝገለጸ ብኸመይ እዩ፧

12 ሃዋርያ ጳውሎስ ስለቲ እተዋህቦ ሓገዝ የመስግን ነይሩ እዩ። ንኣብነት፡ ኣብ ፊልጲ ንዝነበሩ ክርስትያናት ስለቲ ዝሰደዱሉ ስጋዊ ህያባት ኣመስጊንዎም እዩ። (ፊል. 4:16) ንጢሞቴዎስ እውን ስለቲ ሓገዙ ኣመስጊንዎ እዩ። (ፊል. 2:19-22) እሱር ኰይኑ ናብ ሮሜ ኺውሰድ ከሎ ድማ፡ ስለ እቶም ኬተባብዕዎ ዝመጹ ሰባት ንኣምላኽ ኣመስጊኑ እዩ። (ግብ. 28:15) ጳውሎስ ኪሰብኽን ንጉባኤታት ኬበርትዕን ኢሉ ኣሽሓት ኪሎ ሜተር ዚጓዓዝ ብርቱዕ ሰብ እዩ ነይሩ። ኰይኑ ግና፡ ትሑት ብምንባሩ፡ ካብ ኣሕዋቱን ኣሓቱን ደገፍ ይቕበል ነይሩ እዩ።

13. ብዕድመ ዝደፍኡ ክርስትያናት ብዕድመ ንዝነኣሱ ምስጋናኦም ዜርእይዎም ብኸመይ እዮም፧

13 ኣቱም ብዕድመ ዝደፋእኩም፡ ነቶም ኣብ ጉባኤኹም ዘለዉ ብዕድመ ዝነኣሱ ክርስትያናት ብብዙሕ መገድታት ምስጋናኹም ክትገልጹሎም ትኽእሉ ኢኹም። ኣብ ምጕዕዓዝ፡ ኣብ ምትዕድዳግ፡ ወይ ኣብ ካልእ ዜድልየኩም ነገራት ኪሕግዙኹም እንተ ደልዮም፡ ሓገዞም ብምስጋና ተቐበሉ። ነዚ ሓገዝ እዚ ኸም መግለጺ ፍቕሪ የሆዋ ጌርኩም ርኣይዎ። በቲ ኣብ መንጎኹም ዚምዕብል ዕርክነት ከኣ ትግረሙ ትዀኑ። ብዘይካዚ፡ ብመንፈሳዊ ዕቤት እቶም መንእሰያት ዝዀኑ ፈተውትኹም ተገደሱ፣ ኣብ ጉባኤ ብዝያዳ ንምግልጋል ኪመጣጠሩ ኸለዉ ኸኣ በዚ ኸም እትሕጐሱ ንገርዎም። ተመክሮታት ህይወትኩም እናኣካፈልኩም ምሳታቶም ግዜ ንምሕላፍ እውን ፍቓደኛታት ኩኑ። ከምኡ ምስ እትገብሩ፡ የሆዋ ንመንእሰያት ናብ ጉባኤኡ ምስሓቡ፡ ንዕኡ ‘ኣመስገንቲ ምዃንኩም’ ከተርእዩ ኢኹም።—ቈሎ. 3:15፣ ዮሃ. 6:44፣ 1 ተሰ. 5:18

ለጋስ ኩን

14. ብኸመይ እዩ ንጉስ ዳዊት ልግሱ ኣርእዩ፧

14 ንጉስ ዳዊት ኣብ ዝሓደጎ ኣብነት፡ ንዓበይቲ እተድሊ ኻልእ ባህርይ ንረክብ ኢና፣ ንሳ ድማ ልግሲ እያ። ንሱ ንህንጸት እታ ቤተ መቕደስ ንምድጋፍ ካብ ብሕታዊ ሃብቱ ብዙሕ ወፈያ ገይሩ እዩ። (1 ዜና 22:11-16፣ 29:3, 4) እታ ቤተ መቕደስ ብስም ወዱ ሰሎሞን እኳ እንተ ተጸውዐት፡ ከምኡ ገይሩ እዩ። ኣብ ቲኦክራስያዊ ህንጸታት ንምስታፍ ዜኽእል ብርታዐ ምስ ዘይህልወና፡ ብዘሎና ዓቕሚ፡ ብወፈያታት ኣቢልና ኽንድግፍ ንኽእል ኢና። ብዕድመ ንዝነኣሱ ኸኣ ካብቲ ንዓመታት ዘዋህለልናዮ ተመክሮ ኺጥቀሙ ኽንሕግዞም ንኽእል ኢና።

15. እንታይ ኣገዳሲ ውህበት እዩ ሃዋርያ ጳውሎስ ንጢሞቴዎስ ሂብዎ፧

15 ምስ ልግሲ ብእተተሓሓዘ፡ ነቲ ሃዋርያ ጳውሎስ ዝሓደጎ ኣብነት እስከ ንርአ። ንሱ ንጢሞቴዎስ ኣብ ሚስዮናዊ ዕዮኡ ኺጽምበሮ ዓዲምዎ እዩ፣ ሜላታት ስብከቱን ትምህርቱን ድማ ነቲ መንእሰይ ብልግሲ ኣካፊልዎ እዩ። (ግብ. 16:1-3) እዚ ስልጠናኡ ኸኣ ንጢሞቴዎስ ንፉዕ ሰባኽን መምህርን እቲ ብስራት ኪኸውን ሓጊዝዎ እዩ። (1 ቈረ. 4:17) ጢሞቴዎስ እውን ብተራኡ፡ በቲ ናይ ጳውሎስ ሜላታት ገይሩ ንኻልኦት ኣሰልጢኑ እዩ።

16. ሺገዮ ንኻልኦት ዘሰልጠነ ስለምንታይ እዩ፧

16 ሎሚ ዘለዉ ብዕድመ ዝደፍኡ ክርስትያናት፡ ‘ብዕድመ ንዝነኣሱ ኣሕዋት ነቲ ኣብ ጉባኤ ዝገብሮ ዕዮ ኺዓይዩ እንተ ኣሰልጢነዮም፡ ዋጋ ዘይብለይ ከይከውን’ ኢሎም ኣይሰግኡን እዮም። ንኣብነት፡ እቲ ኣቐዲሙ እተጠቕሰ ሺገዮ፡ ብዕድመ ንዝነኣሱ ኣባላት ኮሚተ ጨንፈር ንዓመታት ግብራዊ ስልጠና ሂብዎም እዩ። ኣብታ ሃገር ዚዕየ ዕዮ መንግስቲ ኣምላኽ ምእንቲ ኺድንፍዕ ኢሉ እዩ ኸምኡ ገይሩ። ከም ውጽኢቱ ድማ፡ ግዜኡ ምስ ኣኸለ፡ ኣተሓባባሪ ዀይኑ ዚትክኦ ብግቡእ ዝሰልጠነ ሓው ድሉው ኰይኑ ጸኒሑ እዩ። ሕጂ እውን፡ ሺገዮ ነቲ ኣብ ኮሚተ ጨንፈር ንልዕሊ 45 ዓመት ዘዋህለሎ ተመክሮ፡ ብዕድመ ንዝነኣሱ ኣሕዋት የካፍሎም ኣሎ። ከምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ኣሕዋት ንህዝቢ የሆዋ ዓብዪ በረኸት እዮም ዚዀኑ።

17. ምስ ሉቃስ 6:38 ብምስምማዕ፡ ብዕድመ ዝደፍኡ ክርስትያናት ንኻልኦት እንታይ ኪህቡ ይኽእሉ፧

17 ኣቱም ብዕድመ ዝደፋእኩም ኣሕዋትን ኣሓትን፡ ንየሆዋ ብእምነትን ብንጽህናን ምግልጋል ብሉጽ መገዲ ህይወት ምዃኑ፡ ንስኻትኩም ህያው መርትዖ ኢኹም። ብኣብነትኩም ከኣ፡ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ምፍላጥን ኣብ ህይወትና ምትግባርን ንዓና ጽቡቕ ምዃኑ ተርእዩ ኢኹም። ቀደም ከመይ ይዕየ ምንባሩ ኻብ ተመክሮ ትፈልጡ ኢኹም፣ ምስቲ ዚለዋወጥ ኵነታት ክትዋሃሃዱ ኸም ዜድሊ እውን ትርድኡ ኢኹም። ኣቱም ኣብ ቀረባ ግዜ እተጠመቕኩም ብዕድመ ዝደፋእኩም ኣሕዋትን ኣሓትን እውን፡ ብዙሕ ከተበርክቱ ትኽእሉ ኢኹም፣ ዕድመ ምስ ደፋእካ ንየሆዋ ምፍላጥ ከመይ ከም ዜሐጕስ ከተካፍሉ ትኽእሉ ኢኹም። ብዕድመ ዝነኣሱ ክርስትያናት ብዛዕባ ተመክሮታትኩምን እተምሃርኩምዎ ትምህርትታትን ኪሰምዑ ይደልዩ እዮም። ካብቲ ዕቑር ተመክሮኹም ‘ትህቡ’ እንተ ዄንኩም፡ የሆዋ ኣብዚሑ ኺባርኸኩም እዩ።—ሉቃስ 6:38 ኣንብብ።

18. ዓበይትን መንእሰያትን እንታይ ሓባራዊ ጥቕሚ እዮም ኪረኽቡ ዚኽእሉ፧

18 ኣቱም ብዕድመ ዝደፋእኩም ክርስትያናት፡ ነቶም ብዕድመ ዝነኣሱ እናቐረብኩምዎም ብዝኸድኩም መጠን፡ ንሓድሕድኩም ክትደጋገፉ ኢኹም። (ሮሜ 1:12) ነፍሲ ወከፍኩም፡ እቲ ኻልእ ዘይብሉ ኽቡር ነገር ኣሎኩም። ብዕድመ ዝደፍኡ ክርስትያናት ብግዜ ዘዋህለልዎ ጥበብን ተመክሮን ኣለዎም። ብዕድመ ዝነኣሱ ኸኣ፡ ጕልበትን ሓይልን ኣለዎም። መንእሰያትን ዓበይትን ከም ኣዕሩኽ ኰይኖም ብሓባር ኪዓይዩ ኸለዉ፡ ነቲ ፈቃር ሰማያዊ ኣቦና ውዳሰ የምጽኡሉ፡ ኣብ ጉባኤ ንዘለዉ ዅሎም እውን በረኸት ይዀንዎም እዮም።

መዝሙር 90 ንሓድሕድና ንተባባዕ

^ ሕ.ጽ. 5 ጉባኤታትና ንውድብ የሆዋ ብዚድግፉ መንእሰያት ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ተባሪኸን እየን። ኣብ ጉባኤና ዘለዉ ብዕድመ ዝደፍኡ ክርስትያናት፡ ባህሎም ወይ ድሕረ ባይታኦም ብዘየገድስ፡ ብዕድመ ንዝነኣሱ ክርስትያናት ሓይሎም ኣብ ኣገልግሎት የሆዋ ምሉእ ብምሉእ ምእንቲ ኺጥቀሙሉ ኺሕግዝዎም ይኽእሉ እዮም።

^ ሕ.ጽ. 55 መግለጺ ስእሊ፦ ሓደ ሓላው ወረዳ ወዲ 70 ዓመት ምስ ኰነ፡ ንሱን ሰበይቱን ሓድሽ ምድብ ይውሃቦም። በቲ ንዓመታት ዘዋህለልዎ ተመክሮ ኸኣ፡ ኣብታ ዜገልግሉላ ጉባኤ ንዚርከቡ ኻልኦት ክርስትያናት የሰልጥንዎም።