ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ዓንቀጽ መጽናዕቲ 38

ንመንፈሳውያን ስድራ ቤትካ ቕረቦም

ንመንፈሳውያን ስድራ ቤትካ ቕረቦም

“ናብ ኣቦይን ኣቦኹምን . . . እዓርግ ኣለኹ።”—ዮሃ. 20:17

መዝሙር 3 ሓይልና፡ ተስፋና፡ እምንቶና

መላለዪ *

1. እሙናት ሰባት ምስ የሆዋ እንታይ ርክብ እዮም ኪምስርቱ ዚኽእሉ፧

ስድራ ቤት የሆዋ ነቲ “በዅሪ ዅሉ ፍጥረት” ዝዀነ የሱስን ንብዙሓት መላእኽትን የጠቓልል። (ቈሎ. 1:15፣ መዝ. 103:20) የሱስ ኣብ ምድሪ ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ እሙናት ሰባት ንየሆዋ ኸም ኣቦኦም ገይሮም ኪርእይዎ ኸም ዚኽእሉ ሓቢሩ ነይሩ እዩ። ንደቀ መዛሙርቱ ኣብ እተዛረቦም ዘረባ፡ ንየሆዋ፡ “ኣቦይን ኣቦኹምን” ኢልዎ ኣሎ። (ዮሃ. 20:17) ንሕና ርእስና ወፊና ምስ ተጠመቕና ድማ፡ ክፍሊ እቲ ፍቕሪ ዝዓሰሎ ስድራ ቤት ኣሕዋትን ኣሓትን ንኸውን ኢና።—ማር. 10:29, 30

2. ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ እንታይ ክንርኢ ኢና፧

2 ገሊኦም ንየሆዋ ኸም ፈቃር ኣቦ ጌርካ ምርኣይ የጸግሞም እዩ። ገሊኦም ከኣ ንኣሕዋቶምን ንኣሓቶምን ብኸመይ ፍቕሪ ኸም ዚገልጹ ኣይፈልጡን ይዀኑ። ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ንየሆዋ ኽንቀርቦ ኸም እንኽእል ፈቃር ኣቦና ጌርና ምእንቲ ኽንርእዮ፡ የሱስ ብኸመይ ከም ዚሕግዝና ኽንርኢ ኢና። ኣብቲ ንኣሕዋትናን ንኣሓትናን ዘሎና ኣተሓሕዛ፡ ንየሆዋ ኽንመስሎ ብዛዕባ እንኽእለሉ መገድታት እውን ክንምሃር ኢና።

የሆዋ ኽትቀርቦ ይደልየካ

3. እቲ ኣብነት ዚዀነና ጸሎት ንየሆዋ ኽንቀርቦ ዜተባብዓና ብኸመይ እዩ፧

3 የሆዋ ፈቃር ኣቦ እዩ። የሱስ ንየሆዋ ኸም ሓደ ስምዒት ዘይብሉ ብዓል ስልጣን ዘይኰነስ፡ ከም ለዋህን ፈቃርን ተቐራብን ወላዲ ጌርና ኽንርእዮ እዩ ዚደልየና። እዚ ድማ ኣብቲ የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ብዛዕባ እንታይ ከም ዚጽልዩ ዝመሃረሉ መገዲ ነጺሩ ኣሎ። ኣብ መጀመርታ እቲ ኣብነት ዚዀነና ጸሎቱ “ኣቦና” እትብል ቃል ጠቒሱ እዩ። (ማቴ. 6:9) “ኵሉ ዚኽእል፡” “ፈጣሪ፡” ወይ “ናይ ዘለኣለም ንጉስ” ኢልና ኽንጽውዖ መምርሒ ኺህበና ምኸኣለ ነይሩ፣ እዚ ዅሉ ኸኣ ግቡእ ቅዱስ ጽሑፋዊ መዓርጋት እዩ። (ዘፍ. 49:25፣ ኢሳ. 40:28፣ 1 ጢሞ. 1:17) ኰይኑ ግና፡ የሱስ ነታ “ኣቦና” እትብል ቅርርብ እትገልጽ ቃል እዩ ተጠቒሙ።

4. የሆዋ ኽንቀርቦ ኸም ዚደልየና ኸመይ ጌርና ንፈልጥ፧

4 ንየሆዋ ኸም ፈቃር ኣቦ ጌርካ ምርኣይ የጸግመካ ድዩ፧ ገሊኦም የጸግሞም እዩ። ኣተዓባብያና ሕማቕ እንተ ነይሩ፡ ፈቃር ወላዲ ዚብልዎ ሓሳብ ንምስኣሉ ይኸብደና ይኸውን። የሆዋ ንስምዒታትና ምሉእ ብምሉእ ከም ዚርድኦ ምፍላጥና ግና ክሳዕ ክንደይ ዜጸናንዕ ኰን እዩ! ኪቐርበና ይደሊ እዩ። ስለዚ ድማ እዩ ቓሉ፡ “ንኣምላኽ ቅረብዎ፡ ንሱ እውን ኪቐርበኩም እዩ” ኢሉ ዚምሕጸነና። (ያእ. 4:8) የሆዋ የፍቅረና እዩ፡ ብሉጽ ኣቦ ኪዀነና እውን ይደሊ እዩ።

5. ብመሰረት ሉቃስ 10:22፡ የሱስ ንየሆዋ ኽንቀርቦ ዚሕግዘና ብኸመይ እዩ፧

5 የሱስ፡ ንየሆዋ ኽንቀርቦ ይሕግዘና እዩ። ንየሆዋ ኣጸቢቑ ስለ ዚፈልጦን ባህርያቱ ምሉእ ብምሉእ ስለ ዜንጸባርቕን፡ “እቲ ንዓይ ዝረኣየ፡ ንኣቦ እውን ርእይዎ እዩ” ኢሉ እዩ። (ዮሃ. 14:9) ከም ዓብዪ ሓው ከኣ፡ ንኣቦና ብኸመይ ከም እነኽብሮን እንእዘዞን፡ ዜጕህዮ ኻብ ምግባር ብኸመይ ከም እንቝጠብ፡ ከምኡ እውን ብኸመይ ስምረቱ ኸም እንረክብ ይምህረና እዩ። ምናዳ ግና ብምድራዊ ህይወቱ ኣቢሉ የሆዋ ኽሳዕ ክንደይ ለዋህን ፈቃርን ምዃኑ ገሊጹልና እዩ። (ሉቃስ 10:22 ኣንብብ።) ገለ ኻብዚ ኣብነታት እስከ ንርአ።

የሆዋ ፈቃር ኣቦ ብምዃኑ ንወዱ ብመልኣኽ ገይሩ ኣበርትዖ (ሕጡብ ጽሑፍ 6 ርአ) *

6. የሆዋ ንየሱስ ብኸመይ ከም ዝሰምዖ ዜርኢ ኣብነታት ሃብ።

6 የሆዋ ንደቁ ይሰምዖም እዩ። ንኣብነት፡ የሆዋ ነቲ በዅሪ ወዱ ዝሰምዓሉ ኣጋጣሚታት እስከ ንርአ። የሆዋ ነቲ ወዱ ኣብ ምድሪ ኸሎ ዘቕረቦ ብዙሕ ጸሎት ብርግጽ ሰሚዕዎ እዩ። (ሉቃ. 5:16) ብዛዕባ ኸቢድ ውሳነታት ኪጽሊ ኸሎ ሰሚዕዎ እዩ፣ ንኣብነት፡ ነቶም 12 ሃዋርያት ኪሓርዮም ከሎ ጸልዩ እዩ። (ሉቃ. 6:12, 13) የሱስ ኣብ ጭንቂ ዀይኑ ኣብ ዚጽልየሉ ዝነበረ ኣጋጣሚ እውን፡ የሆዋ ሰሚዕዎ እዩ። ቀቅድሚ እታ የሱስ ኣሕሊፍካ ዚውሃበላ ሰዓት ምእካላ፡ ብዛዕባ እቲ ዜጋጥሞ ኣጸጋሚ ፈተና ኣጽኒዑ ጸልዩ እዩ። ሽዑ፡ የሆዋ ነቲ ጸሎቱ ሰሚዕዎ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ነቲ ፍቑር ወዱ ዜበርትዖ መልኣኽ እውን ልኢኹሉ እዩ።—ሉቃ. 22:41-44

7. የሆዋ ንጸሎትና ኸም ዚሰምዕ ምፍላጥና እንታይ ስምዒት ይፈጥረልና፧

7 ሎሚ የሆዋ፡ ንጸሎት ኣገልገልቱ ይሰምዕ እዩ፣ ኣብ ግዜኡን ብብሉጽ መገድን ከኣ ይምልስ እዩ። (መዝ. 116:1, 2) ኣብ ህንዲ እትነብር ሓብቲ ነዚ ብኸመይ ከም እተመከረቶ እስከ ንርአ። ንሳ ኸቢድ ስምዒታዊ ጸገማት ኣጋጢምዋ ስለ ዝነበረ፡ ብዛዕባ እቲ ጕዳይ ናብ የሆዋ ልባዊ ጸሎት ኣቕረበት። ከምዚ ኢላ ድማ ጽሒፋ ኣላ፦ “እቲ ንጭንቀትን ንሻቕሎትን ብኸመይ ከም እትዋጽኣሉ ዚገልጽ ናይ ግንቦት 2019 ፈነወ JW ብልክዕ ንዓይ ዚኸውን እዩ። መልሲ ጸሎተይ እዩ ነይሩ።”

8. የሆዋ ንየሱስ ፍቕሪ ዘርኣዮ ብኸመይ እዩ፧

8 የሆዋ ኸምቲ ንየሱስ ኣብቲ ኣጸጋሚ ምድራዊ ህይወቱ ዜፍቅሮን ዚሓልየሉን ዝነበረ፡ ንዓና እውን የፍቅረናን ይሓልየልናን እዩ። (ዮሃ. 5:20) ንየሱስ ኵሉ እቲ ብመንፈሳውን ብስምዒታውን ብኣካላውን መዳይ ዜድልዮ ዘበለ ኣማሊኡሉ እዩ። ብዘይካዚ ድማ፡ ንወዱ ዘለዎ ፍቕርን ስምረትን ካብ ምግላጽ ኣይተቘጠበን። (ማቴ. 3:16, 17) የሱስ፡ እቲ ሰማያዊ ኣቦኡ ወትሩ ምስኡ ኸም ዝዀነ ስለ ዝፈለጠ፡ በይኑ እተሓድገ ዀይኑ ኸቶ ኣይተሰምዖን።—ዮሃ. 8:16

9. የሆዋ ኸም ዜፍቅረና እንታይ መረጋገጺ ኣሎና፧

9 ንሕና እውን ከም የሱስ፡ ፍቕሪ የሆዋ ብብዙሕ መገዲ ርኢና ኢና። ሕስብ እሞ ነብሎ፦ የሆዋ ናብኡ ስሒቡና እዩ፣ ሓጐስ ክንረክብን ብስምዒታዊ መዳይ ዜድልየና ኺማልኣልናን ኢሉ ድማ ፍቕርን ሓድነትን ዘለዎ መንፈሳዊ ስድራ ቤት ሂቡና እዩ። (ዮሃ. 6:44) ብዘይካዚ፡ ብቐጻሊ ሃናጺ መንፈሳዊ ምግቢ የዳልወልና ኣሎ። ኣብ መዓልታዊ ህይወትና ዜድልየና ስጋዊ ነገራት ክንረክብ እውን ይሕግዘና እዩ። (ማቴ. 6:31, 32) ብዛዕባ ፍቕሪ የሆዋ ኸነስተንትን ከለና፡ ንዕኡ ዘላትና ፍቕሪ ትዓቢ እያ።

ንመንፈሳውያን ስድራ ቤትካ፡ ከምቲ የሆዋ ዚሕዞም ጌርካ ሓዞም

10. ካብቲ የሆዋ ንኣሕዋትናን ንኣሓትናን ዚሕዘሉ መገዲ እንታይ ክንምሃር ንኽእል፧

10 የሆዋ ንኣሕዋትናን ንኣሓትናን የፍቅሮም እዩ። ንሕና ግና፡ ሓድሓደ ግዜ ንኣባላት መንፈሳውያን ስድራ ቤትና ፍቕሪ ኸነሕድር ኰነ ፍቕርና ኽንገልጽ ይኸብደና ይኸውን። ከመይሲ፡ ካብ ሓያሎ ባህልን ድሕረ ባይታን ዝመጻእና ኢና። ኵላትና ድማ ንኻልኦት ኬሕርቕን ኬጕህን ዚኽእል ጌጋታት ንገብር ኢና። ኰይኑ ግና፡ ንፍቕሪ መንፈሳውያን ስድራ ቤትና ኣበርክቶ ኽንገብር ንኽእል ኢና። ብኸመይ፧ ንኣሕዋትናን ንኣሓትናን ፍቕርና ኣብ ምግላጽ ዝመጸ ንኣቦና ብምምሳል ኢና ኸምኡ እንገብር። (ኤፌ. 5:1, 2፣ 1 ዮሃ. 4:19) ካብ የሆዋ እንታይ ክንምሃር ከም እንኽእል እስከ ንርአ።

11. የሱስ፡ “ርሕራሐ” የሆዋ ዘንጸባረቐ ብኸመይ እዩ፧

11 የሆዋ “ርሕራሐ” የርኢ እዩ። (ሉቃ. 1:78) ርሕሩሕ ሰብ፡ መከራ ሰባት ኪርኢ ኸሎ፡ እዚ የተሓሳስቦ እዩ፣ ሓገዝን መጸናንዕን ዚህበሉ መገድታት እውን የናዲ እዩ። የሱስ በቲ ንሰባት ዝሓዘሉ መገዲ ኣቢሉ፡ የሆዋ ንዓና ኸም ዚሓልየልና ኣንጸባሪቑ እዩ። (ዮሃ. 5:19) ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ፡ ህዝቢ ምስ ረኣየ፡ “ጓሳ ኸም ዘይብለን ኣባጊዕ ግፉዓትን ድርቡያትን ስለ ዝነበሩ፡ ደንገጸሎም።” (ማቴ. 9:36) ርሕራሐ የሱስ ግና ኣብ ስምዒት ጥራይ ኣይኰነን ተሓጺሩ ተሪፉ። የግዳስ፡ ንሕሙማት ኣሕውዩ፡ ነቶም ‘ዚጽዕሩን ጾር ዝኸበዶምን’ እውን ዕረፍቲ ኺረኽቡ ጻውዒት ኣቕሪቡሎም እዩ።—ማቴ. 11:28-30፣ 14:14

ንኣሕዋትካን ንኣሓትካን ርሕራሐን ልግስን ብምርኣይ፡ ንየሆዋ ምሰሎ (ሕጡብ ጽሑፍ 12-14 ርአ) *

12. ብኸመይ ርሕራሐ ኸነርኢ ኸም እንኽእል ኣብነት ሃብ።

12 ንኣሕዋትናን ንኣሓትናን ርሕራሐ ኸነርኢ እንተ ዄንና፡ እንታይ ጸገማት የሕልፉ ኸም ዘለዉ ኽንፈልጥ ኣሎና። ንኣብነት፡ ሓንቲ ሓብቲ ኸቢድ ናይ ጥዕና ጸገም ኣለዋ ንበል። ብዛዕባኡ ፈጺማ ኣይተማርርን ትኸውን፣ እተወሰነ ግብራዊ ሓገዝ እንተ ትረክብ ግና ምተሓጐሰት። ንስድራኣ ዜድልዮም ስጋዊ ነገራት ብኸመይ እያ እተማልእ ዘላ፧ ምግቢ ኣብ ምድላው ወይ ቤታ ኣብ ምጽራይ ቍሩብ ሓገዝ ክንገብረላዶ ንኽእል፧ ሓደ ሓው ከኣ ካብ ስራሕ ወጺኡ ንበል። ምናልባት ስምና ኸይገለጽና ገንዘብ እንተ ልኢኽናሉ፡ ካልእ ስራሕ ክሳዕ ዚረክብ ይሕግዞ ደዀን ይኸውን፧

13-14. ከም የሆዋ ለጋሳት ክንከውን እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

13 የሆዋ ለጋስ እዩ። (ማቴ. 5:45) ርሕራሐና ንምርኣይ፡ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ክንሕግዞም ክሳዕ ዚሓትቱና ኽንጽበ የብልናን። ከም የሆዋ፡ ንሕና ተበግሶ ኽንወስድ ንኽእል ኢና። ንሱ መዓልቲ መዓልቲ ኸይሓተትናዮ ጸሓይ የብርቕ እዩ። ናይ ጸሓይ ሙቐት ከኣ፡ ነቶም ኣመስገንቲ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ንዅሎም ሰባት ይጠቅም እዩ። እሞ ደኣ የሆዋ ዜድልየና ዘበለ ብምሃብ፡ ፍቕሩ ኸም ዝገለጸልናስ ኣይትሰማምዓሉንዶ፧ የሆዋ ለዋህን ለጋስን ብምዃኑ፡ ኣዚና ነፍቅሮ ኢና!

14 ብዙሓት ኣሕዋትን ኣሓትን ኣብነት እቲ ሰማያዊ ኣቦኦም ብምስዓብ፡ ብተበግሶኦም ንኻልኦት ለጊሶምሎም እዮም። ንኣብነት፡ ብ2013 ህቦብላ ሃያን ኣብ ፊሊፒንስ ዓብዪ ዕንወት ኣስዓበ። ብዙሓት ኣሕዋትን ኣሓትን ድማ ኣባይቶምን ንብረቶምን ሰኣኑ። ኣብ ብዘላ ዓለም ዘለዉ መንፈሳውያን ስድራ ቤቶም ግና፡ ተቐላጢፎም ረድእዎም። ብዙሓት ክርስትያናት፡ ገንዘብ ወፈዩ፡ ወይ ኣብ ሰፊሕ ዕዮ ህንጸት ተሳተፉ፣ በዚ ኸምዚ ኸኣ ኣብ ውሽጢ ዓመት ዘይመልእ እዋን ዳርጋ 750 ኣባይቲ ተጸገነን ተሃንጸን! ኣብ እዋን ለበዳ ኮቪድ-19 ድማ፡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንኣሕዋቶምን ንኣሓቶምን ንምድጋፍ ኣበርቲዖም ዓይዮም እዮም። ንመንፈሳውያን ስድራ ቤትና ብቕልጡፍ ንድግፍ እንተ ዄንና፡ ከም እነፍቅሮም ነርእዮም ኢና።

15-16. ብመሰረት ሉቃስ 6:36፡ ንሰማያዊ ኣቦና ኽንመስለሉ እንኽእል ኣገዳሲ መገዲ እንታይ እዩ፧

15 የሆዋ መሓርን ይቕረ በሃልን እዩ። (ሉቃስ 6:36 ኣንብብ።) ምሕረት እቲ ሰማያዊ ኣቦና፡ መዓልታዊ ንርእዮ ኢና። (መዝ. 103:10-14) ሰዓብቲ የሱስ ዘይፍጹማት እዮም ነይሮም፣ የሱስ ግና ምሒርዎምን ይቕረ ኢሉሎምን እዩ። ሓጢኣትና ምእንቲ ኺሕደግልና ኢሉ ህይወቱ ኺስውእ እውን ፍቓደኛ ዀይኑ እዩ። (1 ዮሃ. 2:1, 2) የሆዋን የሱስን መሓርትን ይቕረ በሃልትን ምዃኖምሲ ብዝያዳ ኽትቀርቦምዶ ኣይድርኸካን፧

16 “ብናጻ ይቕረ” ንብል እንተ ዄንና፡ ኣብ መንፈሳዊ ስድራ ቤትና ዘሎ ፍቕሪ ነደልድሎ ኢና። (ኤፌ. 4:32) ልክዕ እዩ፡ ይቕረ ምባል ሓድሓደ ግዜ ኣመና ኸቢድ ኪኸውን ይኽእል እዩ፣ ስለዚ፡ ጻዕሪ ኽንገብር ኣሎና። ሓንቲ ሓብቲ፡ እታ ኣብ ግምቢ ዘብዐኛ ዝወጸት፡ “ንሓድሕድኩም ይቕረ ተባሃሃሉ” ዘርእስታ ዓንቀጽ ከምኡ ኽትገብር ከም ዝሓገዘታ ትኣምን እያ። * እታ ሓብቲ ኸምዚ ኢላ ጽሒፋ ኣላ፦ “ነዛ ዓንቀጽ ምስ ኣጽናዕኩ፡ ኣብቲ ጕዳይ እተፈልየ ሓድሽ ኣረኣእያ ረኺበ። ንኻልኦት ይቕረ ንምባል ፍቓደኛታት ምዃንና፡ ንጌጋኦም ከም ዝሰመርናዮ ወይ ነቲ ጌጋኦም ዘስዓቦ ጕድኣት ኣትሒትና ኸም ዝረኣናዮ ዚሕብር ከም ዘይኰነ ገሊጻ እያ። ኣብ ክንዳኡስ፡ ይቕረ ምባል፡ በቲ እተገብረ ጌጋ ዘይምቕያምን ሰላምካ ምዕቃብን ማለት እዩ።” ንኣሕዋትናን ንኣሓትናን ብናጻ ይቕረ ኽንብለሎም ከለና፡ ከም እነፍቅሮምን ንኣቦና የሆዋ ከም እንመስሎን ነርኢ ኢና።

ነቲ ኣብ ስድራ ቤት የሆዋ ዘሎካ ቦታ ኣኽቢርካ ርኣዮ

ንኣሽቱን ዓበይትን ንኣሕዋቶም ፍቕራዊ ተገዳስነት ኣርእዮም እዮም (ሕጡብ ጽሑፍ 17 ርአ) *

17. ብመሰረት ማቴዎስ 5:16፡ ንሰማያዊ ኣቦና ኽብሪ ኽንህቦ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

17 ኣባል ፈቃር ዓለምለኻዊ ስድራ ቤት ምዃን ዓብዪ መሰል እዩ። ንኣምላኽና ኣብ እነቕርቦ ኣምልኾ ብእተኻእለ መጠን ብዙሓት ሰባት ኪሓብሩና ንደሊ ኢና። ነዚ ኣብ ግምት ብምእታው፡ ንህዝቢ የሆዋ ዀነ ንሰማያዊ ኣቦና ሕማቕ ስም ዜውህብ ነገር ከይንገብር ክንጥንቀቕ ኣሎና። ንሰባት ናብቲ ብስራት ዚስሕብ ኣካይዳ ኺህልወና ኢና እንጽዕር።—ማቴዎስ 5:16 ኣንብብ።

18. ከይፈራህና ኽንምስክር ዚሕግዘና እንታይ እዩ፧

18 ንሰማያዊ ኣቦና ስለ እንእዘዝ፡ ሓድሓደ ግዜ ገሊኦም የቈናጽቡና፡ ሕሉፍ ሓሊፎም እውን ይሰጕጉና ይዀኑ። ኰይኑ ግና፡ ንኻልኦት ብዛዕባ እምነትና ምዝራብ እንተ ፈሪህና እንታይ ክንገብር ንኽእል፧ የሆዋን ወዱን ከም ዚድግፉና ኽንተኣማመን ንኽእል ኢና። የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ፡ ከመይ ወይ እንታይ ከም ዚዛረቡ ኺጭነቑ ኸም ዘይብሎም ኣረጋጊጹሎም ነይሩ። ስለምንታይ፧ “እንታይ ከም እትዛረቡ በታ ሰዓት እቲኣ ኺውሃበኩም እዩ” ድሕሪ ምባል፡ “መንፈስ ኣቦኹም ደኣ እዩ ብኣኻትኩም ኣቢሉ ዚዛረብ እምበር፡ ንስኻትኩም ኣይኰንኩምን እትዛረቡ” ኢሉ ገሊጹሎም እዩ።—ማቴ. 10:19, 20

19. ብትብዓት ምስክርነት ናይ ዝሃበ ሰብ ኣብነት ጥቐስ።

19 ንኣብነት፡ ንሮበርት ዘጋጠሞ እስከ ንርአ። ቅድሚ ገለ እዋን ውሱን ፍልጠት መጽሓፍ ቅዱስ ዘለዎ ሓድሽ ተምሃራይ መጽሓፍ ቅዱስ ከሎ፡ ኣብ ቅድሚ ሓደ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዚርከብ ወተሃደራዊ ቤት ፍርዲ ቐሪቡ ነይሩ። ብምኽንያት እቲ ንክርስትያን ኣሕዋቱ ዘለዎ ፍቕሪ፡ ገለልተኛ ዀይኑ ኺነብር ከም ዚደሊ ኸኣ ነቲ ቤት ፍርዲ ብትብዓት ገሊጹ ነይሩ። ነቲ ኣብ መንፈሳውያን ስድራ ቤትና ዘለዎ ቦታ ኣኽቢሩ እዩ ርእይዎ። እቲ ዳኛ ግና ብሃንደበት፡ “መን እዮም ኣሕዋትካ፧” ኢሉ ሓተቶ። ሮበርት እታ ሕቶ ዘይተጸበያ እያ ዀይናቶ፣ ብኡብኡ ግና ጥቕሲ ዕለት እታ መዓልቲ ዘከረ። ማቴዎስ 12:50 እያ ነይራ፦ “ፍቓድ እቲ ኣብ ሰማይ ዘሎ ኣቦይ ዚገብር ዘበለስ፡ ንሱ ሓወይን ሓብተይን ኣደይን እዩ።” ሮበርት ሓድሽ ተምሃራይ መጽሓፍ ቅዱስ እኳ እንተ ነበረ፡ መንፈስ የሆዋ ግና ነታ ሕቶ እቲኣን ንኻልእ ዘይተጸበዮ ሕቶታትን ኪምልስ ኣኽኢልዎ እዩ። የሆዋ ብሮበርት ተሓቢኑ ኪኸውን ኣለዎ። ኣብ ኣጸጋሚ ዅነታት ብትብዓት ንምምስካር ኣብኡ ኽንውከል ከለና እውን፡ ብኣና ይሕበን እዩ።

20. እንታይ ንምግባር ኢና ቘራጽነት ክንገብር ዘሎና፧ (ዮሃንስ 17:11, 15)

20 እምበኣር፡ ክፍሊ እቲ ፍቕሪ ዝዓሰሎ መንፈሳዊ ስድራ ቤት ምዃንና፡ ወትሩ ኣኽቢርና ንርኣዮ። ብሉጽ ኣቦን ውፉያት ኣሕዋትን ኣሓትን ኣለዉና። ነዚ ኣቕሊልና ኣይንርኣዮ። ሰይጣንን እኩያት ሰዓብቱን ንፍቕሪ እቲ ሰማያዊ ኣቦና ኸም እንጠራጠር ኪገብሩና፡ ንሓድነትና እውን ኪዘርጉ እዮም ዚጽዕሩ። የሱስ ግና ኣብ ስድራ ቤትና ሓድነትና ተሓልዩ ምእንቲ ኺነብር፡ ኣቦና ኺሕልወና ጸልዩልና እዩ። (ዮሃንስ 17:11, 15 ኣንብብ።) የሆዋ ነቲ ጸሎት እቲ ምላሽ ይህበሉ ኣሎ። ከም የሱስ፡ ንፍቕርን ንደገፍን እቲ ሰማያዊ ኣቦና ፈጺምና ኣይንጠራጠር። ንመንፈሳውያን ስድራ ቤትና ብዝያዳ ኽንቀርቦም ከኣ ቈራጽነት ንግበር።

መዝሙር 99 ኣእላፋት ኣሕዋት

^ ሕ.ጽ. 5 ክፍሊ እቲ ፈቃር ስድራ ቤት ኣሕዋትን ኣሓትን ብምዃንና፡ ፍሉይ መሰል ኣሎና። ኵላትና ነቲ ኣብ መንጎና ዘሎ ፍቕሪ ኸነደልድሎ ንደሊ ኢና። እሞ ደኣ ኸመይ ጌርና ኸምኡ ንገብር፧ ንኣተሓሕዛ እቲ ፈቃር ኣቦና ብምቕዳሕ፡ ኣብነት የሱስን ኣሕዋትናን ኣሓትናን ከኣ ብምስዓብ ኢና ኸምኡ እንገብር።

^ ሕ.ጽ. 57 መግለጺ ስእሊ፦ የሆዋ ንየሱስ፡ ዜበርትዖ መልኣኽ ናብ ስፍራ ኣታኽልቲ ጌተሴማኔ ለኣኸሉ።

^ ሕ.ጽ. 59 መግለጺ ስእሊ፦ ኣብ እዋን ለበዳ ኮቪድ-19፡ ብዙሓት ክርስትያናት ምግቢ ኣብ ምድላውን ኣብ ምብጽጻሕን ዓይዮም እዮም።

^ ሕ.ጽ. 61 መግለጺ ስእሊ፦ ሓንቲ ኣደ ንጓላ፡ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ንዘሎ ሓው ዜተባብዕ ደብዳበ ኽትልእኽ ትሕግዛ።