ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ዓንቀጽ መጽናዕቲ 43

ኣይትሰልኪ!

ኣይትሰልኪ!

“ሰናይ ንምግባር ኣይንሰልኪ።”—ገላ. 6:9

መዝሙር 68 ዘርኢ መንግስቲ ኣምላኽ ዝራእ

መላለዪ *

1. እንታይ ሓጐስን ክብርን እዩ ዚስምዓና፧

ናይ የሆዋ መሰኻኽር ምዃንና ብዙሕ ሓጐስን ክብርን እዩ ዚስምዓና! ብስም ኣምላኽ ንጽዋዕ፡ ኣብ ምስባኽን ደቀ መዛሙርቲ ኣብ ምግባርን ብምስታፍ ከኣ ምስቲ ስም ተሰማሚዕና ንነብር ኢና። ንሓደ ‘ናብ ናይ ዘለኣለም ህይወት ዘንቀደ’ ሰብ ኣማኒ ኪኸውን እንተ ሓጊዝና ንሕጐስ ኢና። (ግብ. 13:48) ከምቲ ደቀ መዛሙርቱ ኻብ ዕዉት ወፈራ ስብከት ምስ ተመልሱ ‘ብመንፈስ ቅዱስ ባህ ዝበሎ’ የሱስ ይስምዓና እዩ።—ሉቃ. 10:1, 17, 21

2. ንኣገልግሎትና ኣርዚንና ኸም እንርእዮ ብኸመይ ከነርኢ ንኽእል፧

2 ንኣገልግሎትና ኣርዚንና ኢና እንርእዮ። ሃዋርያ ጳውሎስ ንጢሞቴዎስ፡ “ኣብ ርእስኻን ኣብቲ እትምህሮ ትምህርትን ኣተኵር” ኢሉ ተማሕጺንዎ እዩ። ኣስዕብ ኣቢሉ ድማ፡ “እዚ እንተ ጌርካስ፡ ንርእስኻን ነቶም ዚሰምዑኻን ከተድሕን ኢኻ” ኢልዎ እዩ። (1 ጢሞ. 4:16) ስለዚ፡ ህይወት ከነድሕን ንኽእል ኢና። ተገዛእቲ መንግስቲ ኣምላኽ ስለ ዝዀንና ኣብ ርእስና ነተኵር ኢና። ንየሆዋ ውዳሰ ብዜምጽእ፡ ምስቲ እንሰብኮ ብስራት ከኣ ብዚሰማማዕ መገዲ ኢና ኽንመላለስ እንደሊ። (ፊል. 1:27) ንኣገልግሎት ብግቡእ ብምድላውን ቅድሚ ምምስካርና በረኸት የሆዋ ብምልማንን ድማ፡ ‘ኣብቲ እንምህሮ ትምህርቲ ነተኵር’ ኢና።

3. ንመልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ እንታይ ምላሽ እዩ ኺውሃብ ዚኽእል፧ ኣብነት ሃብ።

3 ዚከኣለና እናገበርና ኽነስና ግና፡ ኣብ ክልና ንመልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ዚቕበሉ ብዙሓት ሰባት ኣይንረክብን ንኸውን። ተመክሮ ሓውና ጌኦርግ ሊንዳል እስከ ንርአ። ንሱ በይኑ ኻብ 1929 ክሳዕ 1947 ኣብ ብዘላ ኣይስላንድ ሰበኸ። ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዚቝጸር ጽሑፋት ድማ ኣበርከተ፣ ኰይኑ ግና፡ ዋላ ሓደ ሰብ፡ ሓቂ ኣይተቐበለን። ብዛዕባ እዚ ድማ ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ፦ “ገሊኦም ኣንጻር ሓቂ ቘይሞም ዘለዉ እዩ ዚመስል፣ መብዛሕትኦም ግና ፈጺሞም ተገዳስነት የብሎምን።” ኣብ ጊልዓድ ዝሰልጠኑ ሚስዮናውያን ናብታ ዓዲ ምስ ከዱ እሞ ነቲ ዕዮ ምስ ኣስፍሕዎ እውን እንተ ዀነ፡ ገሊኦም ደቂ ኣይስላንድ ርእሶም ንየሆዋ ወፍዮም ክሳዕ ዚጥመቑ ተወሳኺ ትሽዓተ ዓመት እዩ ሓሊፉ። *

4. ሰባት ነቲ ብስራት እንተ ዘይተቐቢሎምዎ እንታይ እዩ ኺስምዓና ዚኽእል፧

4 ሰባት ንመልእኽትና ምስ ዘይቅበልዎ፡ ንጕሂ ኢና። ከምቲ ኣይሁድ ብሓፈሻ ንየሱስ ከም መሲሕ ምቕባል ምስ ኣበይዎ ንጳውሎስ እተሰምዖ “ብዙሕ ጓህን ዘየቋርጽ ስቓይን” ይስምዓና ይኸውን። (ሮሜ 9:1-3) እሞ ደኣ ንሓደ ተምሃራይ መጽሓፍ ቅዱስ ዚከኣለካ እናጸዓርካሉን እናጸለኻሉን ክነስኻ፡ ዕቤት እንተ ዘይገይሩን እቲ መጽናዕቲ እንተ ተቛሪጹንከ፧ ወይ ድማ ንሓደ ሰብ ናብ ጥምቀት ኪበጽሕ ብቐጥታ ሓጊዝካ ዘይትፈልጥ እንተ ዄንካኸ፧ ናትካ ጕድለት ከም ዝዀነ፡ የሆዋ እውን ንኣገልግሎትካ ኸም ዘይባረኾ ኺስምዓካዶ ይግባእ፧ ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ክልተ ሕቶታት ክንምልስ ኢና፦ (1) ንኣገልግሎት ዕዉት ዚገብሮ እንታይ እዩ፧ (2) እንታይ ሚዛናዊ ትጽቢታት እዩ ኺህልወና ዘለዎ፧

ንኣገልግሎት ዕዉት ዚገብሮ እንታይ እዩ፧

5. ንየሆዋ ኢልና እንዓይዮ ዕዮ ወትሩ ኸምቲ እንምነዮ ፍረ ዘይንረኽበሉ ስለምንታይ ኪኸውን ይኽእል፧

5 መጽሓፍ ቅዱስ፡ ፍቓድ ኣምላኽ ብዛዕባ ዚገብር ሰብ፡ “ዚገብሮ ዅሉ እውን ይሰልጦ” ይብል እዩ። (መዝ. 1:3) ኰይኑ ግና፡ ኵሉ እቲ ንየሆዋ ኢልና እንገብሮ ኸምቲ እንምነዮ ፍረ ንረኽበሉ ማለት ኣይኰነን። ህይወት ሰብ ብሰንኪ ናትና ዀነ ብሰንኪ ናይ ካልኦት ዘይፍጽምና “ሽግር ዝመልኦ” እዩ። (እዮ. 14:1) ብተወሳኺ፡ ተጻረርቲ ነቲ ኣገልግሎትና ብንቡር ንምፍጻም እንገብሮ ጻዕርታት ንግዜኡ ኼጐናድብዎ ይኽእሉ እዮም። (1 ቈረ. 16:9፣ 1 ተሰ. 2:18) እሞ ደኣ የሆዋ ንኣሳልጦና ብኸመይ እዩ ዚልክዖ፧ ነዛ ሕቶ እዚኣ ንምምላስ ዚሕግዝ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ እስከ ንርአ።

እንሰብከሉ መገዲ ብኣካል፡ ብደብዳበ፡ ወይ ብተሌፎን ይኹን ብዘየገድስ፡ የሆዋ ንጻዕርና ኣኽቢሩ ይርእዮ (ሕጡብ ጽሑፍ 6 ርአ)

6. የሆዋ ንኣሳልጦ እቲ ንዕኡ ኢልካ እትዓይዮ ዕዮ ብምንታይ ይልክዖ፧

6 የሆዋ ንጻዕርታትናን ንተጻዋርነትናን ይርኢ። የሆዋ ነቲ ንዕኡ ኢልና እንዓይዮ ዕዮ ብትግሃትን ብፍቕርን ክሳዕ ዝዓየና፡ ካልኦት ዚህብዎ ምላሽ ብዘየገድስ፡ ዕዉት ገይሩ እዩ ዚርእዮ። ጳውሎስ ከምዚ ኢሉ ጽሒፉ ኣሎ፦ “ኣምላኽሲ ግብርኹም ኰነ ንስሙ ዘርኣኹምዎ ፍቕሪ፡ ማለት ነቲ ነቶም ቅዱሳት ዘገልገልኩምዎምን እተገልግልዎም ዘለኹምን ዚርስዕ ዓማጺ ኣይኰነን።” (እብ. 6:10) ጻዕርና ኣወንታዊ ፍረ እኳ እንተ ዘየፍረየ፡ የሆዋ ንግብርናን ንፍቕርናን ይዝክሮ እዩ። ስለዚ፡ ጻዕርኻ ዘፍረዮ ፍረ ብዘየገድስ፡ እቲ ጳውሎስ ንሰብ ቈረንቶስ፡ “ጻዕርኹም ብጐይታ ኸንቱ [ኣይኰነን]” ኢሉ እተዛረቦም ቃላት ንዓኻ እውን ይምልከተካ እዩ።—1 ቈረ. 15:58

7. ካብቲ ሃዋርያ ጳውሎስ ንኣገልግሎቱ ዝገለጸሉ መገዲ እንታይ ንምሃር፧

7 ሃዋርያ ጳውሎስ ኣብ ሓያሎ ኸተማታት ሓደስቲ ጉባኤታት ዘቘመ ብሉጽ ሚስዮናዊ እዩ ነይሩ። እንተዀነ ግና፡ ነቲ ኸም ኣገልጋሊ ክርስቶስ መጠን ዘለዎ ብቕዓታት ኪጣበቕ ምስ ኣድለዮ፡ ብዝሒ እቶም ኣመንቲ ኪዀኑ ዝሓገዞም ሰባት ኣይኰነን ጠቒሱ። ኣብ ክንዳኡስ፡ ምስቶም ንርእሶም ካብኡ ልዕል ዜብሉ ኺማጐት ከሎ፡ “ሕልፊ ጽዒረ” ኢሉ እዩ ተዛሪቡ። (2 ቈረ. 11:23) ከም ጳውሎስ፡ የሆዋ ንጻዕርታትናን ንተጻዋርነትናን ኣኽቢሩ ኸም ዚርእዮ ኽንዝክር ኣሎና።

8. ብዛዕባ ኣገልግሎትና እንታይ ኢና ኽንዝክር ዘሎና፧

8 ኣገልግሎትና ንየሆዋ ባህ የብሎ። ሓደ እዋን፡ የሱስ ን70 ደቀ መዛሙርቱ፡ መልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ኪሰብኩ ለኣኾም፣ ንሳቶም ከኣ ኣብ መወዳእታ እቲ ወፈራ ስብከቶም፡ “ብሓጐስ ተመልሱ።” እሞ ደኣ ምንጪ ሓጐሶም እንታይ እዩ ነይሩ፧ “ኣጋንንቲ እኳ ብስምካ ተገዚኦምልና” ኢሎም እዮም ገሊጾም። የሱስ ግና፡ “ስምኩም ኣብ ሰማያት ስለ እተጻሕፈ ደኣ ተሓጐሱ እምበር፡ መናፍስቲ ስለ እተገዝኡልኩም፡ በዚ ኣይትተሓጐሱ” ብምባል ንኣተሓሳስባኦም ኣረሞ። (ሉቃ. 10:17-20) ኣብ ኣገልግሎት ከምዚ ዝበለ ፍሉይ ተመክሮታት ወትሩ ኸም ዘይረኽቡ የሱስ ይፈልጥ ነይሩ እዩ። ከም ሓቂ፡ ካብቶም ኣብ ፈለማ ነቶም ደቀ መዛሙርቲ ዝሰምዕዎም ሰባት ክንደይ ኣመንቲ ኸም ዝዀኑ ኣይንፈልጥን ኢና። እቶም ደቀ መዛሙርቲ በቲ ዝረኸብዎ ፍረ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ልዕሊ ዅሉ የሆዋ በቲ ብትግሃት ዝገበርዎ ጻዕሪ ባህ ከም ዝበሎ ብምፍላጦም እዮም ኪሕጐሱ ነይርዎም።

9. ብመሰረት ገላትያ 6:7-9፡ ኣብ ኣገልግሎትና እንተ ጸኒዕና እንታይ ፍረ ኢና እንረክብ፧

9 ኣብ ኣገልግሎትና እንተ ጸኒዕና፡ ናይ ዘለኣለም ህይወት ክንረክብ ኢና። ዘርኢ ሓቂ መንግስቲ ኣምላኽ ብምሉእ ልብና እንተ ዘሪእናን እንተ ዀስኲስናን፡ ናይ ኣምላኽ መንፈስ ቅዱስ ኣብ ህይወትና ብናጻ ኺዓዪ ብምፍቃድ ‘ንመንፈስ ኢልና ኢና ንዘርእ’ ዘለና። ንሓደ ሰብ ርእሱ ንኣምላኽ ኪውፊ ንሓግዝ ኣይንሓግዝ ብዘየገድስ፡ ክሳዕ ‘ዘይተሓለልና’ ወይ ክሳዕ ‘ዘይሰልከና፡’ ናይ ዘለኣለም ህይወት ከም እንዓጽድ የሆዋ ውሕስነት ኣትዩልና ኣሎ።—ገላትያ 6:7-9 ኣንብብ።

እንታይ ሚዛናዊ ትጽቢታት እዩ ኺህልወና ዘለዎ፧

10. እቲ ሰባት ንኣገልግሎትና ዚህብዎ ምላሽ ኣብ ምንታይ እዩ ዚምርኰስ፧

10 እቲ ምላሽ ብቐዳምነት ኣብ ልቢ ሰማዕትና ይምርኰስ። የሱስ ነዚ ሓቂ እዚ ኣብ ምሳሌ እቲ ዘራኢ ገሊጽዎ ኣሎ። ኣብታ ምሳሌ፡ እቲ ዘርኢ ኣብ በበይኑ ዓይነት ሓመድ ከም ዚወድቕ፡ ሓዲኡ ጥራይ ድማ ከም ዚፈሪ ተገሊጹ ኣሎ። (ሉቃ. 8:5-8) እቲ በበይኑ ዓይነት ሓመድ ነቲ ልቢ እተፈላለዩ ሰባት ን“ቓል ኣምላኽ” ዚህብዎ ምላሽ የመልክት። (ሉቃ. 8:11-15) ከምቲ ዘራኢ ነቲ ዚረኽቦ ፍረ ኺቈጻጸሮ ዘይክእል፡ ንሕና እውን ነቲ ዕዮና ዜፍርዮ ፍረ ኽንቈጻጸሮ ኣይንኽእልን ኢና፣ ስለምንታይሲ፡ እቲ ምላሽ ኣብ ልቢ ሰማዕትና እዩ ዚምርኰስ። ናትና ሓላፍነት፡ ጽቡቕ ዘርኢ መልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ብቐጻሊ ምዝራእ እዩ። ከምቲ ሃዋርያ ጳውሎስ ዝበሎ፡ ነፍሲ ወከፍ ከከም ፍረ ዕዮኡ ዘይኰነስ፡ “ከከም ጻዕሩ ዓስቡ ኪቕበል እዩ።”—1 ቈረ. 3:8

ኖህ ንሓያሎ ዓመታት እኳ ብእምነት እንተ ሰበኸ፡ ብዘይካ ናይ ቀረባ ስድራ ቤቱ ኻልኦት ናብታ መርከብ ኣይኣተዉን። ይኹን እምበር፡ ኖህ ንኣምላኽ ስለ እተኣዘዘ ዕዉት እዩ ነይሩ! (ሕጡብ ጽሑፍ 11 ርአ)

11. ኖህ ዕዉት “ሰባኽ ጽድቂ” ዝነበረ ስለምንታይ እዩ፧ (ኣብ ገበር ዘላ ስእሊ ርአ።)

11 ቀዳሞት መሰኻኽር የሆዋ፡ ንመልእኽቶም ዘይቅበሉ ሰማዕቲ የጓንፍዎም ነይሮም እዮም። ንኣብነት፡ ኖህ “ሰባኽ ጽድቂ” እዩ ነይሩ፣ ን40 ወይ ን50 ዓመት እውን ሰቢኹ ኪኸውን ይኽእል እዩ። (2 ጴጥ. 2:5) ሰባት ንስብከቱ ኪቕበሉ እውን ተስፋ ገይሩ ነይሩ ይኸውን፣ የሆዋ ግና ኪቕበልዎ ምዃኖም ከም ዝሓበሮ ዚገልጽ ነገር ኣይንረክብን ኢና። የግዳስ፡ መርከብ ኪሰርሕ ኪእዝዞ ኸሎ፡ “ንስኻ ድማ ምስ ደቅኻን ሰበይትኻን ኣንስቲ ደቅኻን ናብታ መርከብ እቶ” እዩ ኢልዎ። (ዘፍ. 6:18) ንዕቤትን ንዓቕምን እታ ኣምላኽ ኪሰርሓ ዝኣዘዞ መርከብ ኣብ ግምት ብምእታው ከኣ፡ ስብከቱ ዚቕበሉ ሰባት እንተ ኣልዮም ሒደት ኪዀኑ ኸም ዚኽእሉ ተገንዚቡ ኪኸውን ኣለዎ። (ዘፍ. 6:15) ዝዀነ ዀይኑ፡ ካብታ ዓመጻ ዝመልኣ ዓለም ዋላ ሓደ ሰብ እኳ ንስብከት ኖህ ኣይተቐበሎን። (ዘፍ. 7:7) እሞ ደኣ የሆዋ ንኖህ ከም ዘይሰለጦ ገይሩ ርእይዎዶ፧ ኣይፋልን! ኖህ ብተኣማንነት ከምቲ የሆዋ ዝበሎ ስለ ዝገበረ፡ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ ኣምላኽ ዕዉት ሰባኺ እዩ ነይሩ።—ዘፍ. 6:22

12. ነብዪ ኤርምያስ ተገዳስነት ንዘይብሎምን ንተጻረርትን እናሰበኸ ኽነሱ፡ ካብ ኣገልግሎቱ ሓጐስ ዝረኸበ ብኸመይ እዩ፧

12 ነብዪ ኤርምያስ እውን ብተመሳሳሊ ተገዳስነት ንዘይብሎምን ንዚጻረርዎን ህዝቢ ንልዕሊ 40 ዓመት ሰቢኹ እዩ። ኣደዳ ‘ጸርፍን ባጫን’ ምዃኑ ኣመና ስለ ዘጕሃዮ፡ ዕዮኡ ኺሓድግ ሓሲቡ ነይሩ እዩ። (ኤር. 20:8, 9) ኰይኑ ግና፡ ኣይተሓለለን! ነቲ ኣሉታዊ ሓሳባቱ ኼሰንፍን ካብ ኣገልግሎቱ ሓጐስ ኪረክብን ዝሓገዞ ደኣ እንታይ እዩ፧ ኣብ ክልተ ኣገዳሲ ሓቅታት እዩ ኣተኲሩ። ቀዳማይ፡ እቲ ኤርምያስ ናብቲ ህዝቢ ዜብጽሖ ዝነበረ መልእኽቲ ኣምላኽ፡ “ብሩህ መጻእን ተስፋን” ዝሓዘ እዩ ነይሩ። (ኤር. 29:11) ካልኣይ፡ ኤርምያስ ብስም የሆዋ እዩ ዚጽዋዕ ነይሩ። (ኤር. 15:16) ንሕና እውን ኣብዛ ጽልምትቲ ዓለም መልእኽቲ ተስፋ ነብጽሕ ኢና፣ ከም መሰኻኽር የሆዋ መጠን ከኣ ብስም የሆዋ ንጽዋዕ ኢና። ኣብዚ ኣገዳሲ ኽልተ ሓቅታት እንተ ኣተኲርና፡ ምላሽ ሰባት ብዘየገድስ ሓጐስ ንረክብ ኢና።

13. ካብታ ኣብ ማርቆስ 4:26-29 ተመዝጊባ ዘላ የሱስ ዝመሰላ ምሳሌ እንታይ ንምሃር፧

13 መንፈሳዊ ዕቤት በብቝሩብ እዩ ዚመጽእ። የሱስ ኣብታ ብዛዕባ ዚድቅስ ዘራኢ ዝመሰላ ምሳሌ፡ ብዛዕባ እዚ ሓቂ እዚ ምሂሩ እዩ። (ማርቆስ 4:26-29 ኣንብብ።) እቲ ዘራኢ ዘሪኡ ምስ ከደ፡ እቲ ዘራእቲ በብቝሩብ እዩ በቚሉ፡ ንዕቤቱ እውን ኪቈጻጸሮ ኣይክእልን እዩ ነይሩ። ንስኻ እውን ደቀ መዛሙርቲ ኣብ ናይ ምግባር ዕዮ ንግዜኡ ፍረ ኣይትርእን ትኸውን፣ ከመይሲ፡ እቲ ዕቤት በብቝሩብን በብደረጃን እዩ ዚኸውን። ከምቲ ሓረስታይ ንእኽሉ በቲ ዚደልዮ ፍጥነት ከም ዚበቍል ኪገብሮ ዘይክእል፡ ንሕና እውን ንተምሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ በቲ እንደልዮ ፍጥነት ከም ዚዓብዩ ኽንገብሮም ኣይንኽእልን ኢና። ስለዚ፡ ዕቤቶም ካብቲ እተጸበናዮ ንላዕሊ ግዜ እንተ ወሲዱ፡ በዚ ተስፋ ኣይትቝረጽ ወይ ኣይትተሓለል። ደቀ መዛሙርቲ ምግባር፡ ከም ሕርሻ፡ ትዕግስቲ ይሓትት እዩ።—ያእ. 5:7, 8

14. ፍረ ኣገልግሎትና በብቝሩብ ከም ዚመጽእ ዚሕብር እንታይ ኣብነት ኣሎ፧

14 ኣብ ገሊኡ ኽልታት፡ ፍረ ኣገልግሎትና ንዓመታት ኣይርአን ይኸውን። ተመክሮ እተን ግላዲስ ኣለንን ሩቢ ኣለንን ዚብሃላ ብስጋ ኣሓት እስከ ንርአ፣ እዘን ኣሓት እዚአን ብ1959 ኣብ ኲበክ፡ ካናዳ ኣብ እትርከብ ንእሽቶ ኸተማ ስሩዓት ፈለምቲ ዀይነን ኬገልግላ ተመደባ። * ብሰንኪ ጸቕጢ ማሕበረ ሰብን ጽልዋ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያንን፡ ሰባት ንመልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ኪሰምዑ ፍቓደኛታት ኣይነበሩን። ግላዲስ ከምዚ ኢላ ተዘክሮኣ ገሊጻ ኣላ፦ “ንኽልተ ዓመት ዝኣክል ኣብ መዓልቲ ንሸሞንተ ሰዓታት እናኣገልገልና ካብ ቤት ናብ ቤት ንኸይድ ነበርና። እቲ ዘገርም ግን ሰባት ማዕጾ ኸይከፈቱ ብጩራ ርእይ ኣቢሎምና ይምለሱ ነበሩ። ይኹን እምበር ኣይተሓለልናን።” ጸኒሑ ግና፡ ኣረኣእያ ሰባት እናለስለሰ ኸደ፣ እቲ ኽሊ እውን ብዝያዳ ፍረ ኣፍረየ። ሕጂ ኣብታ ኸተማ ሰለስተ ጉባኤታት ኣለዋ።—ኢሳ. 60:22

15. ደቀ መዛሙርቲ ብዛዕባ ምግባር፡ 1 ቈረንቶስ 3:6, 7 እንታይ ትምህረና፧

15 ደቀ መዛሙርቲ ምግባር ሓባራዊ ጻዕሪ እዩ። ንሓደ ሰብ ናብ ጥምቀት ንምብጻሕ ምሉእ ጉባኤ የድሊ እዩ። (1 ቈረንቶስ 3:6, 7 ኣንብብ።) ንኣብነት፡ ሓደ ኣስፋሒ ንሓደ ግዱስ ትራክት ወይ መጽሔት የበርክተሉ። ድሕሪኡ፡ እቲ ሓው ብሰንኪ ብሕታዊ መደባቱ ነቲ ግዱስ ተመሊሱ ኺበጽሖ ኣይክእልን፣ ስለዚ፡ ንኻልእ ኣስፋሒ ተመሊሱ ኺበጽሖ ይሓትቶ። እቲ ኣስፋሒ ኸኣ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ የጀምሮ። ኣብቲ መጽናዕቲ ኺሳተፉ እውን ብዙሓት ኣሕዋትን ኣሓትን ይዕድም፣ ነፍሲ ወከፎም ከኣ ነቲ ተምሃራይ ብእተፈላለየ መገዲ የተባብዕዎ። ነፍሲ ወከፍ ናብቲ ተምሃራይ ዝኸደ ሓው ወይ ሓብቲ፡ ነቲ ዘርኢ ሓቂ ማይ ኣብ ምስታይ እጃም ኣለዎ። በዚ ኸምዚ፡ ከምቲ የሱስ ዝበሎ፡ እቲ ዘራእን እቲ ዓጻድን በቲ መንፈሳዊ ቐውዒ ብሓንሳእ ይሕጐሱ እዮም።—ዮሃ. 4:35-38

16. ጥዕና ወይ ጕልበት ስለ ዘይብልካ ተሳትፎኻ ድሩት እኳ እንተ ዀነ፡ ብኣገልግሎትካ ኽትሕጐስ እትኽእል ስለምንታይ ኢኻ፧

16 ጥዕና ወይ ጕልበት ስለ ዘይብልካ፡ ኣብቲ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ምስባኽን ኣብ ምምሃርን እትገብሮ ተሳትፎ እንተ ነክዩኸ፧ ኣብቲ ዓጺድ ብእተበርክቶ እጃም ክትሕጐስ ትኽእል ኢኻ። ንንጉስ ዳዊት ዘጋጠሞ እሞ ንርአ፣ ኣብ ሓደ እዋን፡ ንሱን ሰቡን ንስድራ ቤቶምን ንንብረቶምን ካብቶም ዝዘመትዎም ኣማሌቃውያን ኣናገፉ። ኣብቲ ግዜ እቲ፡ 200 ሰብኡት ኣመና ስለ ዝደኸሙ፡ ኣቕሑ ንምሕላው ተረፉ። ድሕሪ እቲ ውግእ፡ ዳዊት ነቲ ምርኮ ዅላቶም ብማዕረ ኺማቐልዎ ኣዘዘ። (1 ሳሙ. 30:21-25) ዓለምለኻዊ ደቀ መዛሙርቲ ናይ ምግባር ዕዮና እውን ምስዚ ይመሳሰል እዩ። ዚከኣሎ ዝገበረ ዅሉ፡ በቲ ድሒኑ መገዲ ህይወት ዝጀመረ ነፍሲ ወከፍ ሓድሽ ሰብ ብማዕረ ኺሕጐስ ይኽእል እዩ።

17. ስለምንታይ ኢና ንየሆዋ ኸነመስግኖ ዚግባእ፧

17 የሆዋ ንኣገልግሎትና ብዓይኒ ፍቕሪ ስለ ዚርእዮ፡ ነመስግኖ ኢና። ነቲ ጻዕርና ዜፍርዮ ፍረ ኽንቈጻጸሮ ኸም ዘይንኽእል ይፈልጥ እዩ። ይኹን እምበር፡ ንትግሃትናን ነቲ ጽቡቕ ውሽጣዊ ድራኸናን የስተብህለሉ፡ ዓስብና እውን ይህበና እዩ። ኣብቲ ዓብዪ ዓጺድ እጃምና ብምብርካት ብኸመይ ሓጐስ ከም እንረክብ እውን ይምህረና እዩ። (ዮሃ. 14:12) ክሳዕ ዘይሰልከና፡ ስምረት ኣምላኽ ከም እንረክብ ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና።

መዝሙር 67 “ነቲ ቓል ስበኽ”

^ ሕ.ጽ. 5 ሰባት ንብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ኪቕበሉ ኸለዉ ንሕጐስ ኢና፣ ምቕባል ኪኣብዩ ኸለዉ ድማ ንጕሂ ኢና። እሞ ደኣ ሓደ እትሕግዞ ዘለኻ ተምሃራይ መጽሓፍ ቅዱስ ዕቤት እንተ ዘይገይሩኸ፧ ወይ ድማ ንሓደ ሰብ ናብ ጥምቀት ኪበጽሕ ብቐጥታ ሓጊዝካ ዘይትፈልጥ እንተ ዄንካኸ፧ ደቀ መዛሙርቲ ኣብ ምግባር ከም ዘይተዓወትካ ድዩ ኺስምዓካ ዘለዎ፧ ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ሰባት ንጻዕርታትና ዚህብዎ ምላሽ ብዘየገድስ፡ ኣብ ኣገልግሎትና ብኸመይ ክንዕወትን ሓጐስ ክንረክብን ከም እንኽእል ክንርኢ ኢና።

^ ሕ.ጽ. 14 ታሪኽ ህይወት ግላዲስ ኣለን፡ ኣብ ናይ 1 መስከረም 2002 ሕታም ግምቢ ዘብዐኛ፡ ኣየጣዕሰንን ኢዩ” ኣብ ዘርእስታ ዓንቀጽ ርአ።