ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ታሪኽ ህይወት

ዕላማ ዘለዎ ህይወት ንምርካብ ዝገበርክዎ ጻዕሪ

ዕላማ ዘለዎ ህይወት ንምርካብ ዝገበርክዎ ጻዕሪ

ኣብ ማእከል ባሕሪ መዲተራነያን ብጃልባ እናተጐዓዝኩ፡ እታ ኣረጊት ጃልባይ ብዙሕ ማይ ተእቱ ኸም ዝነበረት ፈለጥኩ። ሽዑ ድማ፡ ህቦብላ መጸ። ስለ ዝፈራህኩ፡ ድሕሪ ብዙሕ ዓመታት ንፈለማ ግዜ ጸለኹ። ከመይ ኢለ እየ ናብዚ ዅነታት እዚ ኣትየ፧ ካብ መጀመርታ ኽጅምር።

ወዲ ሸውዓተ ዓመት ከለኹ፡ ኣነን ስድራ ቤተይን ኣብ ብራዚል ንነብር ነበርና

ብ1948 እየ ኣብ ነዘርላንድስ ተወሊደ። ንዓመታኡ፡ ወለደይ ናብ ሳኦ ፓውሎ፡ ብራዚል ገዓዙ። ወለደይ ኣብ ቤተ ክርስትያን ንጡፋት እዮም ነይሮም፣ ብስድራ ቤት ከኣ ድሕሪ ድራር ኣዘውቲርና መጽሓፍ ቅዱስ ነንብብ ኔርና ኢና። ብ1959 ናብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ገዓዝና፣ ኣብኡ ድማ ኣብ ማሳቹሰትስ ንነብር ነበርና።

ኣቦይ ነታ ሸሞንተ ዝኣባላታ ስድራና ንምክንኻን፡ ኣበርቲዑ ይዓዪ ነበረ። ገያሺ ሸያጣይ፡ ሰራሕተኛ ህንጸት መገዲ፡ ከምኡ እውን ንኣህጉራዊ መገዲ ኣየር ዚዓዪ ሸያጣይ ኰይኑ እተፈላለየ ስራሓት ይሰርሕ ነይሩ እዩ። ኣብ መገዲ ኣየር ስራሕ ምስ ረኸበ፡ ንስድራ ቤትና ናብ እተፈላለየ ዓድታት ክንገይሽ ስለ ዘኽኣለና፡ በዚ ብዙሕ ተሓጒስና ኢና።

ኣብ ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ ኣብ ዝነበርኩሉ እዋን፡ ‘ምስ ዓበኹ እንታይ ክገብር እየ፧’ ኢለ እሓስብ ነይረ። ገሊኦም ኣዕሩኸይ ናብ ዩኒቨርሲቲ ኺኣትዉ ኸለዉ፡ ገሊኦም ከኣ ናብ ወተሃደራዊ ኣገልግሎት ከዱ። ኣነ ድማ ይትረፍዶ ውግእሲ፡ ባእሲ እኳ ስለ ዘይፈቱ፡ ውትህድርና ንሕቶ እውን ኣየቕረብክዎን። ስለዚ፡ ካብ ወተሃደራዊ ኣገልግሎት ንምምላጥ፡ ናብ ዩኒቨርሲቲ ኣቶኹ። ብውሽጠይ ግና፡ ንሰብ ክሕግዝ እየ ዝደሊ ነይረ፣ ስለምንታይሲ፡ ዕላማ ህይወት እዚ ኸም ዝዀነ እየ ዝኣምን ነይረ።

ህይወት ካምፓስ

ንሓያሎ ዓመታት፡ ዕላማ ህይወት ክረክብ እጽዕር ነበርኩ

ብዛዕባ መበቈል ህይወት ክፈልጥ ድሌት ስለ ዝነበረኒ፡ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ትምህርቲ ስነ ሰብ ክምሃር ተገዳስነት ኣሕደርኩ። ኣብኡ ፍልቀት ኢና እንምሃር ኔርና፡ ከም ጭቡጥ ሓቂ ጌርና ኽንቅበሎ ድማ እዩ ትጽቢት ዚግበረልና ነይሩ። ገሊኡ መግለጺታቱ ግና ኣይተዋሕጠለይን፡ ብዕሙትካ ኽትኣምኖ እዩ ትጽቢት ዚግበረልካ፣ እዚ ድማ ኣንጻር ስነ ፍልጠታዊ ሜላታት እዩ።

ኣብቲ እተምሃርኩሉ ኽፍልታት፡ ልዑል ስነ ምግባር ኣይንምሃርን ኢና ኔርና። ኣብ ክንዳኡስ፡ ዝኸፈልካ ኸፊልካ ዕዉት ኣብ ምዃን ዘተኰረ እዩ ነይሩ። ኣብ ፍቐዶ ፓርቲ ምስ ኣዕሩኸይ ግዜ ምሕላፍን ሓሽሽ ምፍታንን፡ ሓጐስ ከም ዚስምዓኒ ገይሩ ነይሩ፣ እዚ ግና ሓላፊ እዩ ነይሩ። ‘ዕላማ ህይወትሲ እዚ ድዩ፧’ ኢለ እሓስብ ነይረ እየ።

ኣብቲ እዋን እቲ፡ ናብ ከተማ ቦስተን ገዓዝኩ፡ ኣብኡ ኣብ ዚርከብ ዩኒቨርሲቲ እውን ተመዝገብኩ። ንትምህርቲ ዚኽፈል ገንዘብ ንምርካብ ከኣ፡ ኣብ እዋን ዕረፍቲ ስራሕ ጀመርኩ፣ ኣብቲ ስራሕ ድማ፡ ምስ ሓደ ኻብ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንፈለማ ግዜ ተራኸብኩ። ሓደ መሳርሕተይ ብዛዕባ እቲ ኣብ ዳንኤል ምዕራፍ 4 ዚርከብ ናይ “ሸውዓተ ግዜያት” ትንቢት ነገረኒ፣ ኣብ ግዜ መወዳእታ ንነብር ከም ዘለና እውን ገለጸለይ። (ዳን. 4:13-17) ነዚ ምይይጥ እዚ እንተ ቐጺለዮን ብቑም ነገር እንተ ሒዘዮን፡ ኣነባብራይ ክቕይር ከም ዘሎኒ ቐልጢፉ ተረድኣኒ። ስለዚ፡ ነቲ መሳርሕተይ ዝገበርኩ ገይረ ኸርሕቖ ፈተንኩ።

ኣብ ዩኒቨርሲቲ፡ ኣብ ደቡብ ኣመሪካ ወለንተኛ ዀይነ ኽዓዪ ዜኽእል ትምህርትታት ተምሃርኩ። ስለምንታይሲ፡ ንሰባት ብግብረ ሰናያዊ መገዲ ምድጋፍ፡ ዕላማ ዘለዎ ህይወት ኪህልወኒ ኸም ዜኽእለኒ እየ ዝሓስብ ነይረ። እዚ እናገበርኩ ግና፡ ዕላማ ዘለዎ ህይወት ብዛዕባ ምርካብ ዝነበረኒ ጥርጣረታት እናሓየለ ኸደ። ዝገብሮ ስለ ዝጠፍኣኒ፡ ኣብ መወዳእታ ሰሚስተር ካብ ዩኒቨርስቲ ኣቋረጽኩ።

ዕላማ ዘለዎ ህይወት ንምርካብ ዝገበርክዎ ጻዕሪ ኣብ ርሑቕ ሃገራት ቀጸለ

ኣብ ግንቦት 1970፡ ኣብቲ ኣቦይ ዚሰርሓሉ ዝነበረ መገዲ ኣየር ተቘጺረ ንምስራሕ፡ ናብ ኣምስተርዳም፡ ነዘርላንድስ ገዓዝኩ። ሳላ እዚ ስራሕ ከኣ ናብ ሃገራት ኣፍሪቃን ኣመሪካን ኤውሮጳን ርሑቕ ምብራቕን ክገይሽ ከኣልኩ። ነዊሕ ከይጸናሕኩ፡ ኵለን እተን ዝኸድኩወን ሃገራት ዓበይቲ ጸገማት ከም ዘለወን፡ ዋላ ሓደ እውን ግብራዊ ፍታሕ ከም ዘይብሉ ኸስተውዕል ከኣልኩ። ኣብ ህይወተይ ዚረብሕ ነገር ክገብር ከም ብሓድሽ ድሌት ስለ ዝሓደረኒ፡ ናብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ተመሊሰ ኣብቲ ኣብ ቦስተን ዚርከብ ዩኒቨርሲቲ ዳግም ተመዝገብኩ።

ናብ ትምህርቲ ምስ ተመለስኩ ግና፡ ነቲ ብዛዕባ ህይወት ዝነበረኒ ሕቶታት መልሲ እረኽበሉ ኸም ዘየለኹ ተረድኣኒ። ዝገብሮ ስለ ዝጠፍኣኒ፡ ነቲ ስነ ሰብ ዚምህረና ፕሮፌሰር ምኽሪ ሓተትክዎ። ንሱ ድማ፡ “ስለምንታይ ትቕጽል፧ ንምንታይ ሕጂ ዘይተቋርጽ፧” ኢሉ ዘይተጸበኽዎ ምላሽ ሃበኒ። ካልኣይ ዘረባ እኳ ኣየድገምክዎን። ድሕሪኡ፡ ዩኒቨርሲቲ ጠሪሰ ሓደግክዎ።

ዕላማ ህይወት ግና ኣይረኸብኩን ነይረ፣ ስለዚ፡ ንማሕበራዊ ልምዲ ሓዲጎም ሰላምን ፍቕርን ምስ ዚሰብኩ ጕጅለ ኽነጥፍ ጀመርኩ። ኣነን ገሊኦም ኣዕሩኸይን ካብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ኽሳዕ ኣካፑልኮ፡ መክሲኮ ተጓዓዝና። ምስቶም ጭንቀት ኣልቦ ህይወት ዝነበሮም ዚመስሉ ሂፒ ኢና እንነብር ኔርና። ምሳታቶም ክነብር ከለኹ ግና፡ ኣነባብራኦም ትርጉም ከም ዘይብሉን ነባሪ ሓጐስ ከም ዘየምጽእን ፈለጥኩ። ኣብ ክንዳኡስ፡ ምትላልን ጥልመትን ዝመልኦ እዩ ነይሩ።

ዕላማ ህይወት ንምርካብ ዝገበርክዎ ጻዕሪ ኣብ ጃልባ እውን ቀጸለ

ምስ ሓደ ዓርከይ ኰይነ፡ ገነታዊት ደሴት ክረክብ ደለኹ

ኣብቲ እዋን እቲ፡ ብዛዕባ እቲ ኻብ ቍልዕነተይ ዝምነዮ ዝነበርኩ ነገር ክሓስብ ጀመርኩ። ባሕረኛ ዀይነ ዘይኰነስ፡ ኣዛዚ ዀይነ ብባሕሪ ኽጐዓዝ እምነ ነይረ እየ። ከምኡ ኽገብረሉ ዝኽእል እንኮ መገዲ ድማ፡ ጃልባ ምዕዳግ እዩ ነይሩ። ቶም ዝስሙ ዓርከይ ተመሳሳሊ ትምኒት ስለ ዝነበሮ፡ ብሓባር ንዓለም ክንዞራ ወሰንና። ካብ ሕግታት ማሕበረ ሰብ ርሒቐ ዝነብረላ ገነታዊት ደሴት ክረክብ እደሊ ነይረ እየ።

ኣነን ቶምን ናብታ ጥቓ ባርሴሎና፡ ስጳኛ እትርከብ ኣረንይስ ደ ማር ተጓዓዝና። ኣብኣ ድማ 9.4 ሜተር ዝንውሓታ ሊግራ ዝስማ ጃልባ ዓደግና። ንጕዕዞ ባሕሪ እትበቅዕ ምእንቲ ኽትከውን፡ ክንሕድሳ ጀመርና። ናብ መዓልቦና ንምብጻሕ እንህወኸሉ ምኽንያት ስለ ዘይነበረና፡ ነቲ ሞተራ ኣውጺእና ኣብ ክንዳኡ ተወሳኺ መቐመጢ ዚስተ ማይ ገበርናላ። ነታ ጃልባ ኣብ ንኣሽቱ መርሳታት ከም ልብና ምእንቲ ኽንኣልያ፡ 5 ሜተር ዝንውሓቱ ኽልተ መቕዘፊ ገጠምናላ። ኣብ መወዳእታ፡ ናብታ ኣብ ህንዳዊ ውቅያኖስ እትርከብ ሰይሸልስ ነቐልና። መደብና ብገማግም ምዕራብ ኣፍሪቃ ኣቢልና ብትሕቲ እቲ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዘሎ ጽንፊ ጽቡቕ ተስፋ ተጠዊና ኽንከይድ እዩ ነይሩ። ብኸዋኽብትን ብካርታታትን ብመጻሕፍትን ብቐሊል መሳርሕን ተጠቒምና ኢና ኣብ ባሕሪ እንሰፍፍ ኔርና። ልክዕ ቦታና ኸመይ ጌርና ኽንረክብ ከም እንኽእል የገርመኒ እዩ ነይሩ።

ነዊሕ ከይጸናሕና፡ እታ ብዕንጨይቲ እተሰርሐት ጃልባና ንጕዕዞ ባሕሪ ኸም ዘይትበቅዕ ፈለጥና። ኣብ ሰዓት 22 ሊትሮ ማይ እያ ኸተእቱ ጀሚራ። ኣብ መእተዊ ኸም ዝገለጽክዎ፡ ህቦብላ ምስ መጸ ፈሪሀ ነይረ እየ፡ ድሕሪ ብዙሕ ዓመታት ከኣ ንመጀመርታ ግዜ እየ ጸልየ። ኣብቲ ጸሎተይ ድማ ብህይወት እንተ ወጺእና፡ ንኣምላኽ ክፈልጦ ኸም ዝጽዕር ተመባጻዕኩ። እቲ ህቦብላ ሃድአ፣ ሽዑ ድማ መብጽዓይ ሓሎኹ።

ኣብ ባሕሪ ኸለና፡ መጽሓፍ ቅዱስ ከንብብ ጀመርኩ። ኣብ ማእከል ባሕሪ መዲተራነያን ኮፍ ኢልካ ዘሊሎም ጦምቦላሕ ብዚብሉ ዓሳታትን ኣቡ ሰላማን ተኸቢብካ፡ መወዳእታ ዘይብሉ ትርኢት ኣርሒቕካ እተማዕድወሉ እሞ ሕሰብዎ። ምሸት ንጋላክሲ ሊሐ ኽርእዮ ኸለኹ ይድንጽወኒ እዩ ነይሩ፣ እዚ ድማ ብደቂ ሰብ ዚግደስ ኣምላኽ ከም ዘሎ ብዝያዳ ኣእሚኑኒ እዩ።

ኣብ ባሕሪ እተወሰነ ሰሙናት ድሕሪ ምጽናሕ፡ ኣብ ስጳኛ ናብ እትርከብ መርሳ ኣሊካንቲ በጻሕና፣ ኣብኡ ድማ ዝሓሸት ጃልባ ንምዕዳግ፡ ነታ ጃልባና ንመሸጣ ኣቕረብናያ። ነታ ኣረጊትን ሞተር ዘይብላን ማይ እተእቱ ጃልባ ግና ብቐሊሉ ዓዳጊ ኽንረኽበላ ኣይከኣልናን። በቲ ሓደ ሸነኽ ግና፡ ንንባብ መጽሓፍ ቅዱስ ጽቡቕ ግዜ እየ ረኺበ።

ንመጽሓፍ ቅዱስ ብዝያዳ ብዘንበብክዎ መጠን፡ ኣብ ህይወትና ዕዉታት ክንከውን ዜኽእል መምርሒ ኸም ዘለዎ እናተራእየኒ ኸደ። ንጹህን ስነ ምግባራውን ህይወት ኪህልወና ንጹር መልእኽቲ ዜመሓላልፍ ምዃኑ መሰጠኒ፣ ብዙሓት ሰባት ክርስትያናት ኢና እናበልና ስለምንታይ ነቲ ዚብሎ ዕሽሽ ከም እንብሎ እውን ክሓስብ ጀመርኩ።

ህይወተይ ንምጽራይ ስጕምትታት ክወስድ ቈረጽኩ፣ በዚ ምኽንያት እዚ፡ ሓሽሽ ሓደግክዎ። በቲ ልዑል ስነ ምግባራዊ መለክዒታት መጽሓፍ ቅዱስ ዚመላለሱ ሰባት ኪህልዉ ኸም ዘለዎም ሓሰብኩ፡ ክረኽቦም እውን ደለኹ። ንዓታቶም ንምርካብ ምእንቲ ኺሕግዘኒ ኸኣ፡ ካልኣይ ሳዕ ናብ ኣምላኽ ጸለኹ።

ናይ ሓቂ ሃይማኖት ንምርካብ ዝገበርክዎ ጻዕሪ

ናይ ሓቂ ሃይማኖት ክሳዕ ዝረክብ፡ ንሃይማኖታት እናመርመርኩ ነተን ዘይበቕዓ እናገለፍኩ ኸናዲ ዝሓሸ ሜላ ኸም ዝዀነ እየ ሓሲበ ነይረ። ኣብ ጐደናታት ኣሊካንቲ እናተዛወርኩ፡ ብዙሕ ሃይማኖታዊ ህንጻታት እረክብ ነይረ እየ። መብዛሕትኡ ግና ምስልታት ስለ ዝነበሮ፡ ነተን ሃይማኖታት ካብቲ ዝርዝረይ ብቐሊሉ እየ ሓኺኸየን።

ሓደ ሰንበት ድሕሪ ቐትሪ፡ ኣብ መንጽር እቲ መርሳ ኣብ ብርኽ ዝበለ ቦታ ዀይነ ነታ ንሃብታማት ሓለፋ ኽንገብረሎም ከም ዘይብልና እትገልጽ ያእቆብ 2:1-5 ኣንበብክዋ። ናብታ ጃልባ ኽምለስ ከለኹ፡ ብሓደ ሃይማኖታዊ መአከቢ ዚመስል ህንጻ ሓለፍኩ፣ ኣብ መእተዊኡ፡ “ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ናይ የሆዋ መሰኻኽር” ዚብል ጽሑፍ ነበሮ።

ሽዑ፡ ‘ነዞም ሰባት እዚኦም ዘይፍትኖም። ብኸመይ ከም ዚቕበሉኒ እስከ ኽርኢ’ ኢለ ሓሰብኩ። ስለዚ፡ ጥራይ እግረይ፡ ምስ ጭሕመይ፡ እተቐዳደደ ጂንስ ተኸዲነ ናብቲ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ኣቶኹ። እቲ ኣአንጋዲ ኣብ ጥቓ ሓንቲ ብዕድመ ዝደፍአት ሰበይቲ ኾፍ ኣበለኒ፣ ንሳ እውን ነቲ እቲ ተዛራባይ ዚጠቕሶ ዝነበረ ጥቕስታት ክከታተል ሓገዘትኒ። ድሕሪ እቲ ኣኼባ፡ ኵሎም እቶም ሰላም ኪብሉኒ ዝመጹ ዘርኣዩኒ ለውሃት ዘይተጸበኽዎ እዩ ዀይኑኒ። ሓደ ሰብኣይ ንምይይጥ ናብ ገዛኡ ክኸይድ ዓደመኒ፣ መጽሓፍ ቅዱስ ኣንቢበ ስለ ዘይወዳእኩ ግና፡ “ድሉው ምስ ኰንኩ፡ ክነግረካ እየ” በልክዎ። ድሕርዚ፡ ኣብ ኵሉ ኣኼባታት ክእከብ ጀመርኩ።

ድሕሪ ገለ ሰሙናት፡ ናብ ገዛ እቲ ሰብኣይ ከድኩ፣ ንሱ እውን መጽሓፍ ቅዱሳዊ ሕቶታተይ መለሰለይ። ድሕሪ ሰሙን ከኣ፡ ሳንጣ ምሉእ ጽቡቕ ክዳውንቲ ሃበኒ። ኪህበኒ ኸሎ ድማ፡ ዋና እቲ ኽዳውንቲ ነቲ ንሓድሕድና ኽንፋቐርን ውግእ ከይንምሃርን ዚእዝዝ ትእዛዝ መጽሓፍ ቅዱስ ብምሕላዉ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኸም ዘሎ ነገረኒ። (ኢሳ. 2:4፣ ዮሃ. 13:34, 35) ሽዑ፡ ዝደልዮ ዝነበርኩ ኸም ዝረኸብኩ ርግጸኛ ዀንኩ፣ ነቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ስነ ምግባር ብንጹር ዚዛረቦ መምርሒ ዚትግብሩ ሰባት እየ ረኺበ! ድሕርዚ፡ ሸቶይ ገነታዊት ደሴት ምርካብ ዘይኰነስ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ብዕምቈት ምጽናዕ ኰነ። ስለዚ፡ ናብ ነዘርላንድስ ተመለስኩ።

ስራሕ ንምርካብ ዝገበርክዎ ጻዕሪ

ናብ ከተማ ግሮኒንገን፡ ነዘርላንድስ ዝገበርክዎ ጕዕዞ ኣርባዕተ መዓልቲ ወሰደለይ። ኣብታ ኸተማ ኸኣ ንመነባብሮይ ዜድሊ ንምምላእ ስራሕ ክረክብ ነበረኒ። ኣብ ሓደ እንዳ ጽርበት ዕንጨይቲ ስራሕ ከመልክት ከለኹ፡ ኣብቲ ፎርም፡ ሃይማኖት ዚብል ሕቶ ነበረ። ኣነ ድማ “ናይ የሆዋ ምስክር” ኢለ መላእኩ። እቲ ዋና ነዚ ምስ ኣንበቦ፡ ገጹ ኪቕየር ኣስተብሃልኩሉ። “ክድውለልካ እየ” ኢሉ ኣፋነወኒ። ፈጺሙ ግና ኣይደወለን።

ኣብ ካልእ እንዳ ጽርበት ዕንጨይቲ ኸይደ፡ ነቲ ዋና፡ ሓጋዚ ዚደሊ እንተ ዀይኑ ሓተትክዎ። ዲፕሎማን ናይ ስንብታ ደብዳበታትን እንተ ኣሎኒ ሓተተኒ። ኣነ ኸኣ ብዕንጨይቲ ንእተሰርሐት ጃልባ ኸም ዝጸገንኩ ነገርክዎ። እቲ ዜገርም ከኣ፡ “ሎሚ ድሕሪ ቐትሪ ኽትጅምር ትኽእል ኢኻ፣ ሓደ ነገር ጥራይ እየ ዝብለካ። ኣነ ናይ የሆዋ ምስክር ስለ ዝዀንኩን ብስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ስለ ዝመላለስን ኣብዚ ስራሐይ ዝዀነ ጸገም ኣይደልን እየ” በለኒ። ብምግራም እናጠመትክዎ፡ “ኣነ እውን እየ!” ኢለ መለስኩሉ። ጸጕረይን ጭሕመይን ነዊሕ ስለ ዝነበረ፡ “ደሓን፡ ምሳይ መጽሓፍ ቅዱስ ከተጽንዕ ኢኻ!” በለኒ። ተሓጒሰ ነቲ ዕድመኡ ተቐበልክዎ። ሽዑ፡ እቲ ኣቐዲመ ዝረኸብክዎ ዋና ስለምንታይ ከም ዘይደወለ ነጸረለይ። የሆዋ ነቲ ትምኒት ልበይ እዩ ዚህበኒ ነይሩ። (መዝ. 37:4) ምስቲ ሓውና ንሓደ ዓመት ዓየኹ። ኣብኡ ኸለኹ ኸኣ ምስኡ መጽሓፍ ቅዱስ ኣጽናዕኩ፣ ድሕሪኡ ኣብ ጥሪ 1974 ተጠመቕኩ።

ኣብ መወዳእታ፡ ዕላማ ዘለዎ ህይወት ረኸብኩ!

ድሕሪ ወርሒ፡ ሓድሽ ዕዮ፡ ማለት ኣገልግሎት ፈላምነት ጀመርኩ፣ እዚ ድማ ዓብዪ ዕግበት ኣምጽኣለይ። ኣብታ እትቕጽል ወርሒ፡ ሓዳስ ንዝቘመት ጕጅለ ቛንቋ ስጳንኛ ንምሕጋዝ፡ ናብ ኣምስተርዳም ገዓዝኩ። ብስጳንኛን ብፖርቱጋልኛን መጽናዕትታት መጽሓፍ ቅዱስ ምምራሕ፡ ብዙሕ እዩ ኣሐጒሱኒ! ኣብ ግንቦት 1975፡ ፍሉይ ፈላሚ ዀይነ ኸገልግል ኣጋጣሚ ተኸፍተለይ።

ሓደ መዓልቲ፡ ኢንከ ዝስማ ፍልይቲ ፈላሚት ንሓንቲ ቦሊቭያዊት ተምሃሪታ ኸተፋልጠና ኢላ ናብ ናይ ስጳንኛ ኣኼባ መጸት። ኣነን ኢንከን ብደብዳበ እናተጻሓሓፍና ኣጸቢቕና ኽንፋለጥ ወሰንና፣ ነዊሕ ከይጸናሕና እውን ሕደ ሸቶታት ከም ዘሎና ፈለጥና። ብ1976 ተመራዓውና፡ ክሳዕ 1982 ድማ ፍሉያት ፈለምቲ ዄንና ኣገልገልና። ኣብታ ዓመት ከኣ፡ ናብ መበል 73 ክፍሊ ጊልዓድ ተጸዋዕና። ካብኡ ድማ ናብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ኸም እተመደብና ምስ ፈለጥና፡ ደስ እዩ ኢሉና፣ ኣብ ሞምባሳ፡ ኬንያ ኸኣ ሓሙሽተ ዓመት ኣገልገልና። ብ1987፡ ናብታ ኣብ ዕዮ ስብከትና ዝነበረ እገዳ እተላዕለላ ታንዛንያ ተመደብና። ኣብታ ሃገር 26 ዓመት ድሕሪ ምጽናሕ ከኣ፡ ናብ ኬንያ ተመለስና።

ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ንዚነብሩ ሰባት ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ሓቂ ምምሃር፡ ንዓይን ንሰበይተይን ብዙሕ ኣሐጒሱና እዩ

ንመማሰውቲ ሰባት ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ሓቂ ምምሃር፡ ንህይወትና ናይ ሓቂ ትርጉም ሂቡና እዩ። ንኣብነት፡ ኣብ ሞምባሳ ንፈለማ ግዜ መጽሓፍ ቅዱስ ዝመሃርክዎ ሰብ፡ ኣብ ስብከት እየ ረኺበዮ። ክልተ መጽሔት ምስ ኣበርከትኩሉ፡ “ነዚኣተን ምስ ወዳእክወን፡ ድሕሪኡ እንታይ እየ ዝገብር፧” ኢሉ ሓተተኒ። ኣብታ እትቕጽል ሰሙን በታ ሽዑ ብስዋሂሊ ዝወጸት ኣብ ገነት ኣብ ምድሪ ንዘለኣለም ምንባር ትኽእል ኢኻ ዘርእስታ መጽሓፍ ጌርና መጽናዕቲ ጀመርና። ድሕሪ ዓመት ኣቢሉ ተጠምቀ፣ ስሩዕ ፈላሚ እውን ኰነ። ካብ ሽዑ ንነጀው፡ ንሱን ሰበይቱን ዳርጋ 100 ንዚዀኑ ሰባት ርእሶም ወፍዮም ኪጥመቑ ሓጊዞም ኣለዉ።

ኣነን ኢንከን፡ የሆዋ ንኣገልገልቱ፡ ዕላማ ብዘለዎ ህይወት ከም ዚባርኾም ርኢና ኢና

ዕላማ ህይወት ኣብ እተረዳእኩሉ እዋን፡ ከምቲ ፍልይቲ ሉል ዝረኸበ እሞ ኺሓድጋ ዘይደለየ ተጓዓዚ ነጋዳይ ዝዀንኩ ዀይኑ እዩ ተሰሚዑኒ። (ማቴ. 13:45, 46) ሰባት ናይ ሓቂ ትርጉም ህይወት ምእንቲ ኺረኽቡ፡ ህይወተይ ንዓታቶም ኣብ ምሕጋዝ ክውፍያ እየ ዝደሊ። ኣነን ሰበይተይን፡ የሆዋ ንህዝቡ ዕላማ ዘለዎ ህይወት ብምሃብ ብኸመይ ከም ዚባርኾም ርኢና ኢና።