ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ዓንቀጽ መጽናዕቲ 48

“ቅዱሳት ኩኑ”

“ቅዱሳት ኩኑ”

“ንስኻትኩም እውን ብዅሉ ኣካይዳኹም ቅዱሳት ኩኑ።”—1 ጴጥ. 1:15

መዝሙር 34 ብንጽህና ኽመላለስ እየ

መላለዪ *

1. እንታይ ምኽሪ እዩ ሃዋርያ ጴጥሮስ ንክርስትያናት ብጾቱ ሂብዎም፧ ምኽሩ ንምትግባሩ ዘይከኣል ኪመስል ዚኽእልከ ስለምንታይ እዩ፧

 ተስፋና ሰማያዊ ይኹን ምድራዊ፡ ካብቲ ሃዋርያ ጴጥሮስ ነቶም ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ቕቡኣት ክርስትያናት ዝሃቦም ምኽሪ ኽንጥቀም ንኽእል ኢና። ጴጥሮስ ከምዚ ኢሉ ጽሒፉ ኣሎ፦ “ከምቲ እቲ ዝጸውዓኩም ቅዱስ ዝዀነ፡ ንስኻትኩም እውን ብዅሉ ኣካይዳኹም ቅዱሳት ኩኑ፣ ከመይሲ፡ ‘ኣነ ቕዱስ እየ እሞ፡ ቅዱሳት ኩኑ’ ተባሂሉ ተጻሒፉ ኣሎ።” (1 ጴጥ. 1:15, 16) ካብዚ ቓላት እዚ፡ ነቲ ብቕድስና ብሉጽ ኣብነት ዝዀነ የሆዋ ኽንመስሎ ኸም እንኽእል ንምሃር ኢና። ኣብ ኣካይዳና ቕዱሳት ክንከውን ንኽእል ኢና፣ ቅዱሳት ክንከውን እውን ኣሎና። ዘይፍጹማት ስለ ዝዀንና፡ እዚ ዘይከኣል ይመስለና ይኸውን። ጴጥሮስ ንባዕሉ ብዙሕ ጌጋታት ገይሩ ነይሩ እዩ፣ ‘ቅዱሳት ክንከውን’ ከም እንኽእል ግና ኣብነት ሓዲጉልና እዩ።

2. ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ እንታይ ሕቶታት ኢና ኽንርኢ፧

2 ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት ክንርኢ ኢና፦ ቅድስና እንታይ እዩ፧ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ቕድስና የሆዋ እንታይ ይምህረና፧ ከመይ ጌርና ኢና ኣብ ኣካይዳና ቕዱሳት ክንከውን እንኽእል፧ ኣብ መንጎ ቕድስናን ምስ የሆዋ ዘሎና ርክብን እንታይ ምትሕሓዝ ኣሎ፧

ቅድስና እንታይ እዩ፧

3. ብዙሓት ሰባት ብዛዕባ ቕድስና እንታይ ኣረኣእያ እዩ ዘለዎም፧ ግናኸ ኣበይ ኢና ልክዕ ሓበሬታ ኽንረክብ እንኽእል፧

3 ብዙሓት ሰባት፡ ቅዱስ ኪብሃል ከሎ፡ ሃይማኖታዊ ኣልባሳት ዚኽደንን ሃይማኖተኛ ምዃኑ ወትሩ ኣብ ገጹ ዚንበብን ሓጐስ ዘይብሉ ሰብ እዩ ዚመስሎም። እዚ ግና ልክዕ ኣይኰነን። እቲ ቕዱስ የሆዋ፡ “ሕጉስ ኣምላኽ” ተባሂሉ እዩ ተገሊጹ ዘሎ። (1 ጢሞ. 1:11) ንዕኡ ዜምልኽ ህዝቢ ኸኣ “ሕጉስ” ተባሂሉ ኣሎ። (መዝ. 144:15) የሱስ ነቶም ፍሉይ ክዳውንቲ ዚኽደኑን ብሰብ ጻድቃን መሲሎም ኪርኣዩ ዚደልዩን ሰባት ኰኒንዎም እዩ። (ማቴ. 6:1፣ ማር. 12:38) ንሕና ክርስትያናት፡ ብዛዕባ ቕድስና ዘሎና ኣረኣእያ፡ በቲ ኻብ መጽሓፍ ቅዱስ እንምሃሮ እዩ ዚቕረጽ። እቲ ቕዱስን ፈቃርን ኣምላኽና፡ ክንሕልዎ ዘይንኽእል ትእዛዝ ከም ዘይህበና ንፈልጥ ኢና። ስለዚ፡ የሆዋ፡ “ቅዱሳት ኩኑ” ኻብ በለና፡ እዚ ኸም ዚከኣል ጥርጣረ ዚብሃል የብልናን። እንተዀነ ግና፡ ኣብ ኣካይዳና ቕዱሳት ቅድሚ ምዃንና፡ ቅድስና እንታይ ምዃኑ ኽንርዳእ ኣሎና።

4. “ቅዱስ” ወይ “ቅድስና” ዚብል ቃላት እንታይ ማለት እዩ፧

4 ቅድስና እንታይ እዩ፧ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ቅዱስ” ወይ “ቅድስና” ዚብል ቃላት፡ ብመሰረቱ ንስነ ምግባራውን ንሃይማኖታውን ንጽህና እዩ ዜመልክት። ብዘይካዚ፡ ንኣምላኽ ንምግልጋል እተፈልየ ምዃን እውን ኬመልክት ይኽእል እዩ። ብኻልእ ኣበሃህላ፡ ብስነ ምግባር ንጹሃት እንተ ዄንና፡ ንየሆዋ ብቕቡል መገዲ እንተ ኣምሊኽናዮ፡ ምስኡ እውን ናይ ቀረባ ብሕታዊ ርክብ እንተ ኣልዩና፡ ቅዱሳት ክንብሃል ንኽእል ኢና። ምናዳ ነቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ቕድስና የሆዋ ዚምህሮ ኣብ ግምት ከነእቱ ኸለና፡ ምስቲ ቕዱስ ኣምላኽና ብሕታዊ ርክብ ክንምስርት ንኽእል ምዃንና ኣመና ይድንጽወና ይኸውን።

“ቅዱስ፡ ቅዱስ፡ ቅዱስ እዩ የሆዋ”

5. ብዛዕባ የሆዋ ኻብ እሙናት መላእኽቲ እንታይ ንምሃር፧

5 የሆዋ ብዅሉ መዳይ ንጹህ እዩ። እቶም ሱራፌል ዚብሃሉ ኣብ ጥቓ ዝፋኑ ዚቘሙ መላእኽቲ እተዛረብዎ ነገር ነዚ ይሕብረና እዩ። ገሊኣቶም፡ “ቅዱስ፡ ቅዱስ፡ ቅዱስ እዩ የሆዋ ጐይታ ሰራዊት” ኢሎም ኣድህዮም እዮም። (ኢሳ. 6:3) እቶም መላእኽቲ ምስቲ ቕዱስ ኣምላኾም ናይ ቀረባ ርክብ ምእንቲ ኺህልዎም፡ ቅዱሳት ኪዀኑ ነይርዎም እዩ፣ ብሓቂ እውን ቅዱሳት እዮም። ሓደ መልኣኽ የሆዋ ደው ዝበለላ ቦታ እኳ ቕድስቲ ኽትከውን ትኽእል እያ። ሙሴ ናብ ጥቓ እታ እትነድድ ኣሻዅ ቈጥቋጥ ኣብ ዝቐረበሉ እዋን፡ ከምኡ እዩ ኣጋጢሙ።—ዘጸ. 3:2-5፣ እያ. 5:15

ኣብ መጠምጠምያ እቲ ሊቀ ኻህናት ኣብ ቀጸላ ወርቂ እተቐርጸ፡ “ቅድስና ናይ የሆዋ” ዚብል ጽሑፍ ይርአ (ሕጡብ ጽሑፍ 6-7 ርአ)

6-7. (ሀ) ብመሰረት ዘጸኣት 15:1, 11፡ ሙሴ ንቕድስና ኣምላኽ ዘጕልሐ ብኸመይ እዩ፧ (ለ) እስራኤላውያን ብዛዕባ ቕድስና ኣምላኽ ዚዘኻኸሩ ዝነበሩ ብኸመይ እዮም፧ (ኣብ ገበር ዘላ ስእሊ ርአ።)

6 ሙሴ ንእስራኤላውያን ቀይሕ ባሕሪ ምስ ኣሳገሮም፡ ኣምላኾም የሆዋ ቕዱስ ከም ዝዀነ እዩ ኣጕሊሑሎም። (ዘጸኣት 15:1, 11 ኣንብብ።) ተግባር ኣማልኽቲ ግብጺ ኻብ ቅድስና ዝረሓቐ እዩ ነይሩ። ኣማልኽቲ ከነኣን እውን ቅዱሳት ኣይነበሩን። ኣብ ኣምልኾኦም፡ መስዋእቲ ሕጻናትን ጽዩፍ ጾታዊ ተግባራትን ይግበር ነይሩ እዩ። (ዘሌ. 18:3, 4, 21-24፣ ዘዳ. 18:9, 10) ብኣንጻሩ ግና፡ የሆዋ ንኣምለኽቱ ዜዋርዶም ነገር ኪገብሩ ፈጺሙ ኣይሓትቶምን እዩ። ንሱ ምሉእ ብምሉእ ቅዱስ እዩ። እዚ ኸኣ በቲ ኣብ መጠምጠምያ ሊቀ ኻህናት ኣብ ቀጸላ ወርቂ እተቐርጸ ጽሑፍ ንጹር ኰይኑ እዩ። ኣብቲ ቐጸላ፡ “ቅድስና ናይ የሆዋ” ዚብል ጽሑፍ ነይሩ እዩ።—ዘጸ. 28:36-38

7 እቲ ኣብቲ ቐጸላ ዚርከብ መልእኽቲ፡ ንዚርእዮ ዘበለ ዅሉ፡ የሆዋ ብሓቂ ቕዱስ ምዃኑ ዜዘኻኽር እዩ ነይሩ። ጥቓ ሊቀ ኻህናት ኪቐርብ ብዘይምኽኣሉ ነቲ ጽሑፍ እቲ ዘይርእዮ እስራኤላዊ ደኣኸ፧ እቲ ኣገዳሲ መልእኽትስ የምልጦ ድዩ፧ ኣይፋልን! ሕጊ ሙሴ ኣብ ቅድሚ ሰብኡትን ኣንስትን ቈልዑን ኪንበብ ከሎ፡ ኵሉ እስራኤላዊ ነቲ መልእኽቲ እቲ ይሰምዕ ነይሩ እዩ። (ዘዳ. 31:9-12) ኣብኡ እንተ ትነብር ኔርካ፡ ነዚ ዚስዕብ ቃላት ምሰማዕካ፦ “ኣነስ የሆዋ ኣምላኽኩም እየ፣ ኣነ ቕዱስ እየ እሞ፡ . . . ቅዱሳት ኩኑ።” “ኣነ የሆዋ ቕዱስ እየ እሞ፡ ቅዱሳት ኩኑለይ።”—ዘሌ. 11:44, 45፣ 20:7, 26

8. ብዛዕባ ዘሌዋውያን 19:2ን 1 ጴጥሮስ 1:14-16ን ክንግደስ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

8 ሕጂ፡ ኣብ ዘሌዋውያን 19:2 ኣብ እተመዝገበ ንዅሉ እስራኤላዊ ዚንበብ ዝነበረ ቓላት እስከ ነተኵር። ኣብታ ጥቕሲ፡ የሆዋ ንሙሴ፡ “ንብዘለዉ ኣኼባ እስራኤላውያን ከምዚ ኢልካ ተዛረቦም፦ ‘ኣነ የሆዋ ኣምላኽኩም ቅዱስ እየ እሞ፡ ቅዱሳት ኩኑ’” ኢልዎ ኣሎ። ጴጥሮስ ንክርስትያናት፡ “ቅዱሳት ኩኑ” ኢሉ ኺምሕጸኖም ከሎ፡ ካብታ ጥቕሲ እቲኣ እዩ ወሲዱ ኪኸውን ዚኽእል። (1 ጴጥሮስ 1:14-16 ኣንብብ።) ልክዕ እዩ፡ ኣብ ትሕቲ ሕጊ ሙሴ ኣይኰንናን ዘለና። እንተዀነ ግና፡ እቲ ጴጥሮስ ዝጸሓፎ ነገር ካብ ዘሌዋውያን 19:2 እንምሃሮ ትምህርቲ ኸም ዘሎ፡ ማለት የሆዋ ቕዱስ ስለ ዝዀነ፡ እቶም ዜፍቅርዎ ቕዱሳት ንምዃን ኪጽዕሩ ኸም ዘለዎም የረጋግጸልና እዩ። ተስፋና ኣብ ሰማይ ንምንባር ይኹን ኣብ ገነታዊት ምድሪ፡ እዚ ንዅላትና ይምልከተና እዩ።—1 ጴጥ. 1:4፣ 2 ጴጥ. 3:13

“ብዅሉ ኣካይዳኹም ቅዱሳት ኩኑ”

9. ዘሌዋውያን ምዕራፍ 19 ምስ እንምርምር፡ ብኸመይ ኢና እንጥቀም፧

9 ነቲ ቕዱስ ኣምላኽና ኸነሐጕሶ ስለ እንደሊ፡ ከመይ ጌርና ቕዱሳት ከም እንኸውን ክንፈልጥ ንደሊ ኢና። ከመይ ጌርና ኸምኡ ኸም እንገብር የሆዋ ግብራዊ ምኽሪ ሂቡና ኣሎ። ሓደ ብሉጽ ምኽሪ፡ ኣብ ዘሌዋውያን ምዕራፍ 19 ዚርከብ እዩ። ማርከስ ካሊሽ ዚብሃል ምሁር እብራይስጢ ኸምዚ ኢሉ ጽሒፉ ኣሎ፦ “እዛ እተደንቕ ምዕራፍ እዚኣ፡ ካብ ዘሌዋውያን፡ ምናልባት እውን ካብ ጰንጠጤቝ [ኦሪት]፡ ልዕሊ ዅሉ ዝሰፍሐ ሓሳባት ዝሓዘት፡ ልዕሊ ዅሉ በበይኑ ዓይነት ሓሳባት ዝሓዘት፡ ኣብ ገሊኡ መዳያት እውን ልዕሊ ዅሉ ኣገዳሲ ሓሳባት ዝሓዘት ክፋል ክትከውን ትኽእል እያ።” እምበኣር፡ ካብዛ ምዕራፍ እዚኣ ንመዓልታዊ ህይወትና ዚጠቅም ትምህርትታት ዝሓዘ ገለ ፍቕድታት ንመርምር። ነዚ ትምህርትታት እዚ ኽንምርምር ከለና ኸኣ፡ ኣብ መጀመርታ እታ ምዕራፍ፡ “ቅዱሳት ኩኑ” ዚብል ምሕጽንታ ኸም ዘሎ ኣይንረስዕ።

ሓደ ክርስትያን በቲ ኣብ ዘሌዋውያን 19:3 ዚርከብ ሓሳብ ተደሪኹ እንታይ ኪገብር ይግባእ፧ (ሕጡብ ጽሑፍ 10-12 ርአ) *

10-11. ኣብ መኽፈቲ ቓላት ዘሌዋውያን ምዕራፍ 19፡ እንታይ መዳይ ቅዱስ ኣካይዳ እዩ ጐሊሑ ዘሎ፧ ነዚ ትእዛዝ እዚኸ ብኸመይ ክንርእዮ ኣሎና፧

10 የሆዋ ንእስራኤላውያን ቅዱሳት ኪዀኑ ኸም ዚግባእ ድሕሪ ምንጋሩ፡ ኣስዕብ ኣቢሉ፡ “ነፍሲ ወከፍኩም ኣዲኡን ኣቦኡን የኽብር፣ . . . ኣነ የሆዋ ኣምላኽኩም እየ” ኢልዎም እዩ።—ዘሌ. 19:2, 3

11 እምበኣር፡ እቲ ኣምላኽ ንወለድና ኸነኽብር ዝሃበና ትእዛዝ ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ። ሓደ ሰብኣይ ንየሱስ፡ “ናይ ዘለኣለም ህይወት ምእንቲ ኽረክብ፡ እንታይ ሕያውነት ክገብር ኣሎኒ፧” ኢሉ ዝሓተቶ ኣጋጣሚ ንዝክሮ ንኸውን። ሓደ ኽፋል እቲ የሱስ ዝሃቦ ምላሽ፡ ኣቦኡን ኣዲኡን ኬኽብር እዩ ነይሩ። (ማቴ. 19:16-19) ፈሪሳውያንን ጸሓፍትን ንወለዶም ዘየኽብሩሉ መገዲ ምስ መሃዙ፡ የሱስ ኰኒንዎም እዩ። በዚ ኸምዚ፡ “ንቓል ኣምላኽ ከንቱ” ገይሮምዎ እዮም። (ማቴ. 15:3-6) “ቃል ኣምላኽ” ነቲ ኣብተን ዓሰርተ ትእዛዛት እትርከብ ሓምሸይቲ ትእዛዝን ነቲ ኣብ ዘሌዋውያን 19:3 ዚርከብ ቃላትን የጠቓልል ነይሩ እዩ። (ዘጸ. 20:12) ብተወሳኺ እውን፡ እቲ ኣብ ዘሌዋውያን 19:3 ዚርከብ ትእዛዝ፡ ማለት ኣዴኻን ኣቦኻን ከተኽብር ዚእዝዝ ትእዛዝ፡ ደድሕሪ እቲ “ኣነ የሆዋ ኣምላኽኩም ቅዱስ እየ እሞ፡ ቅዱሳት ኩኑ” ዚብል ቃላት ከም ዝመጸ ኣይንረስዕ።

12. ምስቲ ኣብ ዘሌዋውያን 19:3 ዘሎ ምኽሪ ብምስምማዕ፡ እንታይ ኢልና ኢና ገዛእ ርእስና ኽንሓትት እንኽእል፧

12 ምስቲ የሆዋ ንወለድና ኸነኽብር ዝሃበና ምኽሪ ብምስምማዕ፡ ‘ኣብዚ መዳይ እዚ ኸመይ እየ፧’ ኢልና ገዛእ ርእስና ኽንሓትት ኣሎና። ኣብ ሕሉፍ ብዝያዳ ኽትገብር ከም ዝነበረካ እንተ ተሰሚዑካ፡ ሕጂ ምምሕያሻት ንምግባር ክትውስን ትኽእል ኢኻ። ንሕሉፍ ክትቅይሮ ኣይትኽእልን ኢኻ፣ ካብ ሕጂ ንደሓር ንወለድኻ ብዝያዳ ንምግባር ግና ክትውስን ትኽእል ኢኻ። ምናልባት ምሳታቶም ዝያዳ ግዜ ኸተሕልፍ ትኽእል ትኸውን። ወይ ድማ ብስጋዊ፡ ብመንፈሳዊ፡ ወይ ብስምዒታዊ መዳይ ንምንታይ ብዝያዳ ዘይትድግፎም፧ ከምኡ ምግባር ምስ ዘሌዋውያን 19:3 ይሳነ እዩ።

13. (ሀ) እንታይ ተወሳኺ ምኽሪ ኢና ኣብ ዘሌዋውያን 19:3 እንረክብ፧ (ለ) ሎሚ ነቲ ኣብ ሉቃስ 4:16-18 ተመዝጊቡ ዘሎ የሱስ ዝሓደጎ ኣብነት ብኸመይ ክንቀድሖ ንኽእል፧

13 ዘሌዋውያን 19:3 ብዛዕባ ቕድስና ተወሳኺ ነገር ትምህረና እያ። ሰንበት ኪሕሎ ኸም ዘለዎ ትገልጽ እያ። ክርስትያናት ኣብ ትሕቲ ሕጊ ሙሴ ኣይኰንናን፣ ስለዚ፡ ሰሙናዊ ሰንበት ክንሕሉን ግዴታ የብልናን። ኰይኑ ግና፡ ካብቲ እስራኤላውያን ንሰንበት ዚሕልዉሉን ካብቲ ኻብ ሕጊ ሙሴ ዚጥቀሙሉን ዝነበሩ መገዲ ብዙሕ ክንምሃር ንኽእል ኢና። ሰንበት ካብ ንቡር ዕዮኦም ዜዕርፉሉን ንመንፈሳዊ ነገራት ቈላሕታ ዚህቡሉን እዋን እዩ ነይሩ። * ስለዚ ድማ እዩ የሱስ ብመዓልቲ ሰንበት ኣብ ዓዱ ናብ እትርከብ ምኵራብ ከይዱ ቓል ኣምላኽ ዜንብብ ዝነበረ። (ዘጸ. 31:12-15፣ ሉቃስ 4:16-18 ኣንብብ።) እቲ ኣብ ዘሌዋውያን 19:3 ዚርከብ ‘ሰናብተይ ሓልዉ’ ዚብል ኣምላኽ ዝሃቦ ምሕጽንታ፡ ካብ መዓልታዊ ንጥፈታትና ግዜ ዓዲግና ንመንፈሳዊ ነገራት ቈላሕታ ንምሃብ ኪድርኸና ኣለዎ። እሞ ደኣ ኣብዚ መዳይ እዚ ገለ ምትዕርራያት ክትገብር ዘሎካዶ ይመስለካ፧ ብስሩዕ ግዜ መዲብካ ኣብ መንፈሳዊ ነገራት ተተኵር እንተ ዄንካ፡ ምስ የሆዋ ጽቡቕ ብሕታዊ ርክብ ከተማዕብል ኢኻ፣ እዚ ድማ ንቕድስና ኣድላዪ እዩ።

ምስ የሆዋ ዘሎካ ርክብ ኣደልድል

14. ኣብ ብምልእታ ዘሌዋውያን ምዕራፍ 19 እንታይ መሰረታዊ ሓቂ እዩ ጐሊሑ ዘሎ፧

14 ዘሌዋውያን ምዕራፍ 19፡ ቅዱሳት ክንኰነሉ ዚግባእ መሰረታዊ ሓቂ ብተደጋጋሚ ትጠቅስ እያ። ፍቕዲ 4፡ “ኣነ የሆዋ ኣምላኽኩም እየ” ብዚብል ቃላት ዛዚማ ኣላ። እዛ ሓረግ እዚኣ ወይ ንዓኣ ዚመስል መግለጺ፡ ኣብዛ ምዕራፍ እዚኣ 16 ሳዕ ተጠቒሱ ኣሎ። እዚ ድማ ነታ፡ “ኣነ . . . የሆዋ ኣምላኽካ እየ። ብዘይካይ ካልኦት ኣማልኽቲ ኣይሃልዉኻ” እትብል ቐዳመይቲ ትእዛዝ እያ እተዘኻኽረና። (ዘጸ. 20:2, 3) ቅዱስ ኪኸውን ዚደሊ ዘበለ ክርስትያን፡ ኣብቲ ኣብ መንጎኡን ኣብ መንጎ ኣምላኹን ዘሎ ርክብ ዋላ ሓደ ኺኣቱ ኣይፈቅድን እዩ። ናይ የሆዋ መሰኻኽር ተባሂልና ስለ እንጽዋዕ ከኣ፡ ነቲ ቕዱስ ስሙ ዜዋርድ ወይ ዜርክስ ዝዀነ ይኹን ነገር ክንገብር ኣይንደልን ኢና።—ዘሌ. 19:12፣ ኢሳ. 57:15

15. ኣብ ዘሌዋውያን ምዕራፍ 19 ዚርከብ ብዛዕባ መስዋእቲ ዚገልጽ ፍቕድታት እንታይ ድሌት እዩ ኼሕድረልና ዘለዎ፧

15 እስራኤላውያን ብዙሕ ሕግታት ብምሕላው እዮም ንየሆዋ ኸም ኣምላኾም ገይሮም ከም እተቐበልዎ ዜርእዩ ነይሮም። ዘሌዋውያን 18:4፡ “ፍርድታተይ ግበሩ፡ ሕግታተይ ከኣ ሓልዉ፡ ብእኡ እውን ተመላለሱ። ኣነ የሆዋ ኣምላኽኩም እየ” ትብል። ኣብ ምዕራፍ 19 ገለ ኻብቲ ንእስራኤል እተዋህበ “ሕግታት” ተዘርዚሩ ኣሎ። ንኣብነት፡ ኣብ ፍቕዲ 5-8, 21, 22 ንመስዋእቲ እንስሳታት ዚምልከት ሕግታት ኣሎ። እቲ መስዋእቲ ኸኣ፡ ‘ነቲ ናይ የሆዋ ቕዱስ ብዘየርክስ’ መገዲ እዩ ኪቐርብ ነይርዎ። ነዚ ፍቕድታት እዚ ኸነንብብ ከለና፡ ንየሆዋ ባህ ከነብሎን ኣብ እብራውያን 13:15 ተጠቒሱ ዘሎ መስዋእቲ ውዳሰ ኸነቕርበሉን ድሌት ኬሕድረልና ኣለዎ።

16. እንታይ ስርዓት እዩ ነቲ ኣብ መንጎ እቶም ንኣምላኽ ዜገልግልዎን ዘየገልግልዎን ዘሎ ፍልልይ ዜዘኻኽረና፧

16 ቅዱሳት ንምዃን፡ ካብ ካልኦት እተፈለና ንምዃን ፍቓደኛታት ክንከውን ኣሎና። እዚ ኸቢድ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ሓድሓደ ግዜ፡ መማህርትናን መሳርሕትናን ኣዝማድናን ካልኦት ሰባትን ንኣምልኾና ኣብ ዚዕንቅፍ ጕዳይ ክንኣቱ ጸቕጢ ይገብሩልና እዮም። ከምኡ ኺገብሩ ኸለዉ፡ ኣገዳሲ ውሳነ እዩ ኣብ ቅድሜና ዚንበር። እሞ ደኣ እንታይ እዩ ቕኑዕ ውሳነ ንምግባር ኪሕግዘና ዚኽእል፧ ኣብ ዘሌዋውያን 19:19 ዚርከብ ኣገዳሲ ስርዓት እስከ ንርአ፣ እታ ጥቕሲ ብኸፊል፡ “ብኽልተ ዓይነት ፈትሊ ተሓዋዊሱ እተሰርሐ ኽዳን . . . ኣይትከደን” ትብል። እዚ ሕጊ እዚ፡ ንእስራኤላውያን ካብቶም ኣብ ከባቢኦም ዝነበሩ ኣህዛብ ከም ዚፍለዩ ገይርዎም እዩ። ሎሚ፡ ብእተፈላለየ ዓይነት ፈትሊ ተሓዋዊሱ እተሰርሐ ኽዳን ከይንኽደን ዚኽልክል ሕጊ የብልናን፣ ንኣብነት፡ ጡጥ ምስ ፖሊስተር፡ ጸምሪ ምስ ራዮን ይተሓዋወስ እዩ። ኰይኑ ግና፡ ከምቶም እምነታቶምን ተግባራቶምን ምስ ትምህርትታት መጽሓፍ ቅዱስ ዚጋጮ ሰባት ምዃን ንኣቢ ኢና፣ ዋላ እውን እቶም ሰባት መማህርትና፡ መሳርሕትና፡ ወይ ኣዝማድና እንተ ዀኑ፡ ከማታቶም ኣይንኸውንን ኢና። ልክዕ እዩ፡ ንኣዝማድና ንፈትዎም ኢና፣ ንሰባት እውን ፍቕሪ ኣሎና። ኣብ ኣገዳሲ መዳያት ህይወት ግና፡ ህዝቢ የሆዋ እተፈለና ኽንከውን ፍቓደኛታት ኢና። ንኣምላኽ እተፈለኻ ምዃን፡ ክፍሊ ቕድስና እዩ። ቅዱሳት ንምዃን ንጽዕር እንተ ኣሊና፡ እዚ ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ።—2 ቈረ. 6:14-16፣ 1 ጴጥ. 4:3, 4

ህዝቢ ኣምላኽ ካብ ዘሌዋውያን 19:23-25 እንታይ ኪምሃሩ ነይርዎም፧ ንስኻኸ ኻብዘን ፍቕድታት እንታይ ተማሂርካ፧ (ሕጡብ ጽሑፍ 17-18 ርአ) *

17-18. ካብ ዘሌዋውያን 19:23-25 እንታይ ጠቓሚ ትምህርቲ ኽንረክብ ንኽእል፧

17 እታ “ኣነ የሆዋ ኣምላኽኩም እየ” እትብል ሓረግ ንእስራኤላውያን፡ ነቲ ምስ የሆዋ ዘለዎም ርክብ ብቐዳምነት ኪሰርዑ ኽትሕግዞም ተባሂላ እያ ተዋሂባ። ብኸመይ፧ ዘሌዋውያን 19:23-25 ሓደ መገዲ ትገልጽ። (ኣንብብ።) እስራኤላውያን ናብ ምድሪ ተስፋ ምስ ኣተዉ እዚ ቓላት እዚ እንታይ ትርጉም ከም ዚህልዎ እሞ ንሕሰቦ። ሓደ ሰብ ዚብላዕ ኣእዋም ምስ ተኸለ፡ ንሰለስተ ዓመት ካብኡ ኺበልዕ ኣይፍቀደሉን እዩ ነይሩ። ኣብ ራብዐይቲ ዓመት ከኣ፡ ፍሪኡ ንመቕደስ ኣምላኽ እተፈልየ እዩ ነይሩ። ኣብ ሓምሸይቲ ዓመት እዩ እቲ ዋና ፍሪኡ ኺበልዕ ዚኽእል ነይሩ። እዚ ሕጊ እዚ ንእስራኤላውያን፡ ድሌቶም ብቐዳምነት ከም ዘይስራዕ ኪርድኡ እዩ ዚሕግዞም ነይሩ። የሆዋ ዜድልዮም ከም ዚህቦም ኪኣምኑ፡ ብቐዳምነት ከኣ ንኣምልኾኡ ኺድግፉ ነይርዎም። ንሱ እውን እኹል ዚብላዕ ከም ዚረኽቡ ይገብር ነይሩ እዩ። ብዘይካዚ፡ ነታ ማእከል ኣምልኾኡ ዝዀነት መቕደሱ ብልግሲ ኺህቡ የተባብዖም ነይሩ እዩ።

18 እቲ ኣብ ዘሌዋውያን 19:23-25 ዚርከብ ሕጊ፡ ነቲ የሱስ ኣብ ከረን ዝሃቦ ስብከት እዩ ዜዘኻኽረና። ንሱ፡ “ብእትበልዕዎን ብእትሰትይዎን . . . ደጊም ኣይትጨነቑ” ኢሉ እዩ። ኣስዕብ ኣቢሉ እውን፡ “እዚ ዅሉ ኸም ዜድልየኩም ሰማያዊ ኣቦኹም ይፈልጥ እዩ” ኢሉ ኣሎ። ኣምላኽ ከምቲ ንኣዕዋፍ ዚሓልየለን፡ ንዓና እውን ዜድልየና የማልኣልና እዩ። (ማቴ. 6:25, 26, 32) የሆዋ ዜድልየና ኸም ዚህበና ንኣምን ኢና። ነቶም እተሸገሩ ብሕቡእ “ምጽዋት” ንህብ ኢና። ንወጻኢታት ጉባኤ እውን ነበርክት ኢና። የሆዋ ነዚ ልግሲ እዚ የስተብህለሉ እዩ፣ ውሬታና እውን ኪኸፍለና እዩ። (ማቴ. 6:2-4) በዚ ኸምዚ፡ ነቲ ኣብ ዘሌዋውያን 19:23-25 ዚርከብ ትምህርቲ ኸም እተረድኣና ነርኢ ኢና።

19. ገለ ኽፋል ዘሌዋውያን ብምምርማርካ ብኸመይ ተጠቒምካ፧

19 ክሳዕ ሕጂ፡ ካብ ዘሌዋውያን ምዕራፍ 19 ሒደት ክፋል ጥራይ ኢና መርሚርና፣ ከምቲ ቕዱስ ኣምላኽና እንዀነሉ መገዲ ድማ ርኢና ኢና። ንኣምላኽና ብምምሳል፡ ‘ብዅሉ ኣካይዳና ቕዱሳት ንምዃን’ ንጽዕር ኢና። (1 ጴጥ. 1:15) ንየሆዋ ዘየገልግሉ ብዙሓት ሰባት ነቲ ሰናይ ኣካይዳና ይርእይዎ እዮም። ገሊኦም ከኣ በዚ ተላዒሎም ንኣምላኽ የሞግስዎ እዮም። (1 ጴጥ. 2:12) ካብ ዘሌዋውያን ምዕራፍ 19 ግና ብዙሕ ተወሳኺ ነገራት ክንምሃር ንኽእል ኢና። ኣብ እትስዕብ ዓንቀጽ፡ ኣብታ ምዕራፍ ዚርከብ ካልእ ፍቕድታት ክንምርምር ኢና፣ ነቲ ጴጥሮስ “ቅዱሳት ኩኑ” ኢሉ ዝሃቦ ምሕጽንታ እንትግብረሉ ኻልእ መዳያት ህይወትና እውን ክንርኢ ኢና።

መዝሙር 80 “የሆዋ ሕያዋይ ምዃኑ ጥዓሙን ርኣዩን”

^ ሕ.ጽ. 5 ንየሆዋ ብዙሕ ነፍቅሮ ኢና፣ ባህ ከነብሎ እውን ንደሊ ኢና። የሆዋ ቕዱስ እዩ፣ ኣምለኽቱ እውን ቅዱሳት ኪዀኑ ይደልዮም እዩ። ግናኸ፡ ዘይፍጹማት ሰባት ብሓቂዶ ባህ ኬብልዎ ይኽእሉ እዮም፧ እወ፡ ይኽእሉ እዮም። ነቲ ሃዋርያ ጴጥሮስ ንክርስትያናት ብጾቱ ዝሃቦም ምኽርን ነቲ የሆዋ ንጥንታውያን እስራኤላውያን ዝሃቦም መምርሕን ተጠንቂቕና ብምምርማር፡ ኣብ ኣካይዳና ብኸመይ ቅዱሳት ከም እንኸውን ክንምሃር ንኽእል ኢና።

^ ሕ.ጽ. 13 ብዛዕባ ሰንበትን ካብኡ ብዛዕባ ዚርከብ ትምህርትን ሓበሬታ እንተ ደሊኻ፡ ኣብ ናይ ታሕሳስ 2019 ግምቢ ዘብዐኛ ዝወጸት፡ “ንዕዮን ንዕረፍትን ‘ገግዜኡ ኣለዎ’” ዘርእስታ ዓንቀጽ ርአ።

^ ሕ.ጽ. 57 መግለጺ ስእሊ፦ ሓደ ዓብዪ ውሉድ ምስ ወለዱ ግዜ የሕልፍ፡ ንሰበይቱን ንጓሉን ሒዙ ይበጽሖም፡ ብኻልእ መገድታት እውን ኣዘውቲሩ ደሃዮም ይገብር።

^ ሕ.ጽ. 59 መግለጺ ስእሊ፦ ሓደ እስራኤላዊ ሓረስታይ ኣብቲ ዝተኸሎ ኣእዋም ንዝፈረየ ፍረ ይርእዮ።