ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ዓንቀጽ መጽናዕቲ 49

ካብ ዘሌዋውያን ብዛዕባ ኣተሓሕዛ ሰብ እንረኽቦ ትምህርቲ

ካብ ዘሌዋውያን ብዛዕባ ኣተሓሕዛ ሰብ እንረኽቦ ትምህርቲ

“ንብጻይካ ኸኣ ከም ነፍስኻ ኣፍቅሮ።”—ዘሌ. 19:18

መዝሙር 109 ኣጸቢቕኩም ተፋቐሩ

መላለዪ *

1-2. ኣብ ዝሓለፈት ዓንቀጽ፡ እንታይ ኢና ርኢና፧ ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣኸ እንታይ ኢና ኽንርኢ፧

 ኣብ ዝሓለፈት ዓንቀጽ፡ ኣብ ዘሌዋውያን ምዕራፍ 19 ዚርከብ ግብራዊ ምኽሪ ርኢና ኢና። ንኣብነት፡ ኣብ ፍቕዲ 3፡ የሆዋ ንእስራኤላውያን፡ ንወለዶም ኬኽብሩ ምዒድዎም እዩ። ንወለድና ብኣካላውን ብስምዒታውን ብስነ ምግባራውን መገዲ ብምክንኻን፡ ሎሚ ኸመይ ጌርና ነዚ ምኽሪ እዚ ኸም እንትግብሮ ርኢና ኢና። ኣብታ ፍቕዲ እቲኣ፡ ህዝቢ ኣምላኽ ንሰንበት ኪሕልዉ እውን መዘኻኸሪ ተዋሂብዎም እዩ። ሎሚ ብሕጊ ሰንበት ዘይንቕየድ እኳ እንተ ዀንና፡ ምስ ኣምልኾና ንእተተሓሓዘ ነገራት ስሩዕ ግዜ ብምምዳብ ነቲ ስርዓት እቲ ኽንትግብሮ ንኽእል ኢና። ከምኡ ምስ እንገብር፡ ከምቲ ኣብ ዘሌዋውያን 19:2ን 1 ጴጥሮስ 1:15ን ዘሎ ምሕጽንታ፡ ቅዱሳት ንምዃን ንጽዕር ከም ዘለና ነርኢ ኢና።

2 ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ካብ ዘሌዋውያን ምዕራፍ 19 ዚርከብ ተወሳኺ ትምህርቲ ኽንርኢ ኢና። እዛ ምዕራፍ እዚኣ፡ ንስንኩላን ብዛዕባ ምሕላይን ኣብ ስራሕና ብቕንዕና ብዛዕባ ምምልላስን ንሰብ ፍቕሪ ብዛዕባ ምርኣይን እንታይ ትምህረና፧ ከምቲ ኣምላኽ ቅዱስ ዝዀነ፡ ንሕና እውን ቅዱሳት ክንከውን ንደሊ ኢና፣ ስለዚ፡ እንታይ ትምህርቲ ኸም እንረክብ እስከ ንርአ።

ንስንኩላን ምሕላይ

ዘሌዋውያን 19:14 ንጸማም ወይ ንዕዉር ብኸመይ ክንሕዝ ከም ዘሎና እያ እተተባብዕ፧ (ሕጡብ ጽሑፍ 3-5 ርአ) *

3-4. ብመሰረት ዘሌዋውያን 19:14፡ ጸማማትን ዕዉራትን ብኸመይ እዮም ኪተሓዙ ዚግባእ፧

3 ዘሌዋውያን 19:14 ኣንብብ። የሆዋ ንህዝቡ፡ ንስንኩላን ኪሓልዩሎም ትጽቢት ይገብረሎም እዩ። ንኣብነት፡ እስራኤላውያን ንጸማም ከይረግሙ ትእዛዝ ተዋሂብዎም ነይሩ እዩ። ኣብዚ መርገም ኪብሃል ከሎ፡ ንሓደ ሰብ ዜስግኦ ነገር ምዝራብ ወይ ሕማቕ ኪወርዶ ምዝራብ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ንጸማም ከምኡ ምግባር ኣመና ሕማቕ ነገር እዩ! ብዛዕባኡ እንታይ ይብሃል ከም ዘሎ ኺሰምዕ ኣይክእልን እዩ፣ ስለዚ፡ ንርእሱ ኺከላኸል ኣይክእልን እዩ።

4 ብተወሳኺ፡ ኣብ ፍቕዲ 14 ንኣገልገልቲ ኣምላኽ፡ “ኣብ ቅድሚ ዕዉር መዐንቀፊ ኣይተንብር” ዚብል ትእዛዝ ተዋሂብዎም ኣሎ። ሓደ መወከሲ ጽሑፍ ብዛዕባ እቲ ንስንኩላን ዜጋጥሞም ዝነበረ ጸገማት ኪገልጽ ከሎ፡ “ጥንቲ ኣብ ቀረባ ምብራቕ፡ ይምዝመዙን ይህሰዩን ነይሮም እዮም” ይብል። ምናልባት ገሊኦም ሕሱማት ሰባት ብቕርሕንቲ ተለዓዒሎም ወይ ኪስሕቁ ኢሎም ኣብ ቅድሚ ዕዉር መዐንቀፊ የንብሩ ነይርዎም ይዀኑ። ክንደይ ይሓስሙ! የሆዋ በዚ ትእዛዝ እዚ ኣቢሉ፡ ህዝቡ ንውጹዓት ኪርሕርሑሎም ከም ዚግባእ መምርሒ ሂብዎም ኣሎ።

5. ከመይ ጌርና ኢና ንስንኩላን ክንርሕርሓሎም እንኽእል፧

5 የሱስ ንስንኩላን ይርሕርሓሎም ነይሩ እዩ። ነቲ ናብ ዮሃንስ መጥምቕ ዝሰደዶ ምላሽ ንዝክሮ ንኸውን፣ “ዕዉራት ይርእዩ፡ ሓንካሳት ይኸዱ፡ ድዉያት ይነጽሁ፡ ጸማማት ይሰምዑ፡ ምዉታት ይትንስኡ . . . ኣለዉ” ኢሉ እዩ ልኢኹሉ። ሳላ እቲ የሱስ ዝገበሮ ተኣምራት ከኣ፡ “ኵሎም እቶም ህዝቢ . . . ንኣምላኽ ኣሞገስዎ” ዚብል ኢና እነንብብ። (ሉቃ. 7:20-22፣ 18:43) ክርስትያናት ኣብነት የሱስ ብምስዓብ፡ ንስንኩላን ተሓጒሶም ኪርሕርሑሎም ይደልዩ እዮም። ስለዚ፡ ንስንኩላን ንልውሃሎምን ንሓልየሎምን ንዕገሶምን ኢና። ልክዕ እዩ፡ ተኣምራት ንምግባር ዜኽእል ሓይሊ ኻብ የሆዋ ኣይተዋህበናን። ይኹን እምበር፡ ነቶም ብኣካላዊ ዀነ ብመንፈሳዊ መዳይ ዝዓወሩ ዕዉራት ብዛዕባ እታ ደቂ ሰብ ምሉእ ኣካላዊ ዀነ መንፈሳዊ ጥዕና ዚረኽቡሉ ገነት ከነበስሮም ንኽእል ኢና። (ሉቃ. 4:18) ሳላ እዚ ብስራት እዚ ብዙሓት ሰባት ንኣምላኽ ይውድስዎ ኣለዉ።

ኣብ ስራሕ ብቕንዕና ምምልላስ

6. እቲ ኣብ ዘሌዋውያን ምዕራፍ 19 ዚርከብ ሓሳብ ኣብተን ዓሰርተ ትእዛዛት ንእተጠቕሰ ሓሳብ ዜስፍሕ ብኸመይ እዩ፧

6 ኣብ ዘሌዋውያን ምዕራፍ 19 ዚርከብ ገሊኡ ፍቕድታት፡ ኣብተን ዓሰርተ ትእዛዛት ንእተጠቕሰ ሓሳብ ዜስፍሕ እዩ። ንኣብነት፡ እታ ሻምነይቲ ትእዛዝ፡ “ኣይትስረቕ” ጥራይ እያ እትብል። (ዘጸ. 20:15) ሓደ ሰብ ዘይናቱ ዘይወስድ እንተ ዀይኑ፡ ነዛ ትእዛዝ እዚኣ ይሕልዋ ኸም ዘሎ ይሓስብ ይኸውን። ኰይኑ ግና፡ ብኻልእ መገዲ ይሰርቕ ይህሉ ይኸውን።

7. ሓደ ነጋዳይ ነታ ሻምነይቲ ትእዛዝ ብኸመይ ኪጥሕሳ ይኽእል፧

7 ሓደ ነጋዳይ ዘይናቱ ፈጺሙ ወሲዱ ኸም ዘይፈልጥ ብሓበን ይዛረብ ይኸውን። ኰይኑ ግና፡ ኣብ ስራሑ ኸመይ እዩ፧ ብመሰረት ዘሌዋውያን 19:35, 36፡ የሆዋ፡ “ንውሓት፡ ክብደት፡ ወይ ስፍሪ ኽትዕቅኑ ኸለኹም፡ ዘይቅኑዕ መዐቀኒ ኣይትጠቐሙ። ልክዕ ሚዛንን ልክዕ መምዘንን ልክዕ መስፈር እኽልን ልክዕ መስፈር ፈሳስን ተጠቐሙ” ዚብል ትእዛዝ ሂቡ ኣሎ። ስለዚ፡ ንዓዳጊኡ ኼታልል ኢሉ ዘይቅኑዕ መዐቀኒ ወይ መስፈሪ ዚጥቀም ነጋዳይ ይሰርቕ እዩ ዘሎ። ኣብ ዘሌዋውያን ምዕራፍ 19 ዚርከብ ካልእ ፍቕድታት እውን ነዚ የነጽሮ እዩ።

ሓደ ክርስትያን ነቲ ኣብ ዘሌዋውያን 19:11-13 ዘሎ ሓሳብ ኣብ ግምት ብምእታው፡ ብዛዕባ ኣተሓሕዛ ስራሑ እንታይ እዩ ኺምርምር ዜድልዮ፧ (ሕጡብ ጽሑፍ 8-10 ርአ) *

8. ኣብ ዘሌዋውያን 19:11-13 ዘሎ ዝርዝር ሓሳባት፡ ኣይሁድ ንመንፈስ እታ ሻምነይቲ ሕጊ ኺርድእዋ ዚሕግዞም ዝነበረ ስለምንታይ እዩ፧ ንሕናኸ ብኸመይ ክንጥቀም ንኽእል፧

8 ዘሌዋውያን 19:11-13 ኣንብብ። ኣብ ዘሌዋውያን 19:11 ዘላ ናይ መጀመርታ ቓል፡ “ኣይትስረቑ” ትብል። ፍቕዲ 13፡ “ንብጻይካ ኣይትዓምጾ” ብምባል ንስርቂ ምስ ምትላል ተተሓሕዞ። ስለዚ፡ ኣብ ስራሕ ዚግበር ምትላል፡ ምስ ስርቅን ዝምታን ይተሓሓዝ እዩ። እምበኣር፡ እታ ሻምነይቲ ትእዛዝ ብዛዕባ ስርቂ ሕጊ ኽትሕግግ ከላ፡ እቲ ኣብ ዘሌዋውያን ዘሎ ዝርዝር ሓሳባት ከኣ ኣይሁድ ንመንፈስ እቲ ሕጊ ብኸመይ ኪትግብርዎ ኸም ዚኽእሉ ይገልጽ። ነቲ የሆዋ ብዛዕባ ሸፈጥን ስርቅን ዘለዎ ኣረኣእያ እንተ ሓሲብናሉ፡ ክንጥቀም ንኽእል ኢና። እምበኣር፡ ከምዚ ኢልና ገዛእ ርእስና ኽንሓትት ንኽእል ኢና፦ ‘ኣብ ዘሌዋውያን 19:11-13 ዘሎ ሓሳብ ኣብ ግምት ብምእታው፡ ኣብ ህይወተይ ቈላሕታ ኽገብረሉ ዚግባእ ነገርዶ ኣሎ፧ ኣብ ንግዳዊ ጕዳያተይ ወይ ስራሐይ ምትዕርራይ ክገብር ኣሎኒዶ፧’

9. ኣብ ዘሌዋውያን 19:13 ዚርከብ ሕጊ፡ ንወዓላይ እንታይ ዕቝባ እዩ ዚገብረሉ ነይሩ፧

9 ኣብ ናይ ስራሕ ዓለም ዘሎ ክርስትያን፡ ካልእ ኣብ ግምት ኬእትዎ ዘለዎ መዳይ ቅንዕና እውን ኣሎ። ዘሌዋውያን 19:13፡ “ውዕለት ወዓላይ ድማ ክሳዕ ንግሆ ምሳኻ ኣይሕደር” ኢላ እያ እትዛዝም። ብሕርሻ ኣብ ዚናበሩ ማሕበረ ሰብ እስራኤል፡ ወዓላይ መዓልቲ መዓልቲ ምስ መሰየ እዩ ውዕለቱ ዚኽፈሎ ነይሩ። ውዕለቱ ዘይምኽፋል፡ ንስድራ ቤቱ ነታ መዓልቲ ዜድሊ ገንዘብ ከም ዚስእን እዩ ዚገብሮ ነይሩ። ስለዚ፡ የሆዋ ነቲ ትእዛዝ ኪህቦም ከሎ፡ “ሽጉር ስለ ዝዀነን ህይወቱ ኣብኡ ስለ ዚምርኰስን” ኢሉ ምኽንያቱ ገሊጹሎም ኣሎ።—ዘዳ. 24:14, 15፣ ማቴ. 20:8

10. ካብ ዘሌዋውያን 19:13 እንታይ ክንምሃር ንኽእል፧

10 ሎሚ፡ ብዙሓት ሰራሕተኛታት በብመዓልቲ ዘይኰነስ፡ ኣብ ወርሒ ሓንሳእ ወይ ክልተ ሳዕ እዩ ዚኽፈሎም። ኰይኑ ግና፡ እቲ ኣብ ዘሌዋውያን 19:13 ዚርከብ ስርዓት፡ ሕጂ እውን ይዓዪ እዩ። ገሊኦም ኣስራሕቲ ንሰራሕተኛታቶም ካብቲ ግቡእ ኣመና ዝወሓደ ደሞዝ ይኸፍልዎም እዮም። ሰራሕተኛታቶም ነታ ትኳቦ ደሞዝ ንምርካብ ካብ ምስራሕ ወጻኢ ኻልእ ኣማራጺ ኸም ዘይብሎም ይፈልጡ እዮም። ብኻልእ ኣበሃህላ፡ እዞም ኣስራሕቲ እዚኦም፡ ‘ውዕለት ወዓላይ የሕድሩ’ እዮም ዘለዉ። ሓደ ኣስራሒ ዝዀነ ክርስትያን ነዚ ኣብ ልቡ ኼሕድሮ ኣለዎ። ቀጺልና፡ ካብ ዘሌዋውያን ምዕራፍ 19 እንታይ ተወሳኺ ነገር ከም እንምሃር እስከ ንርአ።

ንብጻይካ ኸም ነፍስኻ ምፍቃር

11-12. የሱስ ካብ ዘሌዋውያን 19:17, 18 ብምጥቃስ፡ እንታይ እዩ ዘጕልሐ፧

11 ኣምላኽ ንዓና፡ ንሰባት ካብ ዘይምጕዳእ ንላዕሊ እውን ክንገብር ይደልየና እዩ። ነዚ ኣብ ዘሌዋውያን 19:17, 18 ክንርእዮ ንኽእል ኢና። (ኣንብብ።) ነቲ “ንብጻይካ . . . ከም ነፍስኻ ኣፍቅሮ” ዚብል ንጹር ትእዛዝ እሞ ኣስተብህለሉ። ሓደ ክርስትያን ንኣምላኽ ባህ ኬብሎ ዚደሊ እንተ ዀይኑ፡ ከምኡ ኺገብር ኣለዎ።

12 የሱስ ንኣገዳስነት እቲ ኣብ ዘሌዋውያን 19:18 ዚርከብ ትእዛዝ ብኸመይ ከም ዘጕልሐ ንርአ። ሓደ እዋን፡ ሓደ ፈሪሳዊ ንየሱስ፡ “ኣብ ሕጊ ኣየነይቲ ትእዛዝ እያ ዝዓበየት፧” ኢሉ ሓተቶ። የሱስ ከኣ፡ “እታ ዓባይን ቀዳመይትን ትእዛዝ፡” ንየሆዋ ኣምላኽ ብምሉእ ልብናን ብምሉእ ነፍስናን ብምሉእ ኣእምሮናን ምፍቃር ምዃና መለሰሉ። ኣስዒቡ ድማ፡ ካብ ዘሌዋውያን 19:18 ጠቒሱ፡ “እታ እትመስላ ኻልአይታ እዚኣ እያ፦ ‘ንብጻይካ ኸም ነፍስኻ ኣፍቅሮ’” በሎ። (ማቴ. 22:35-40) ፍቕሪ ንብጻይና ኸነርእየሉ እንኽእል ብዙሕ መገድታት ኣሎ። ይኹን እምበር፡ ካብቲ ኣብ ዘሌዋውያን ምዕራፍ 19 ዚርከብ ሓሳባት እተወሰነ ትምህርቲ ኽንወስድ ንኽእል ኢና።

13. ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ዛንታ ዮሴፍ ነቲ ኣብ ዘሌዋውያን 19:18 ዘሎ ምኽሪ ኽንርድኦ ዚሕግዘና ብኸመይ እዩ፧

13 ሓደ ኻብቲ ንብጻይና ፍቕሪ እነርእየሉ መገዲ ኣብ ዘሌዋውያን 19:18 ዘሎ ምኽሪ ብምትግባር እዩ። እታ ፍቕዲ፡ “ሕነ ኣይትፍደን ኣይትቀየምን” ትብል። መብዛሕትና፡ ንመሳርሕቱ፡ ንመማህርቱ፡ ወይ ንቤተ ሰቡ ኽሳዕ ዓመታት ዚበጽሕ ቂም ዝሓዘ ሰብ ንፈልጥ ኢና። እቶም ዓሰርተ ኣሕዋት ዮሴፍ ንሓዎም ቂም ከም ዝሓዙሉ፡ ኣብ መወዳእታኡ ድማ ናይ ጽልኢ ተግባር ከም ዝገበሩ ንፈልጥ ኢና። (ዘፍ. 37:2-8, 25-28) ዮሴፍ ግና ክፉእ ኣይገበሮምን! ዋላ እውን ስልጣን ምስ ረኸበን ንኣሕዋቱ ሕነኡ ዚፈድየሉ ኣጋጣሚ ምስ ረኸበን፡ ምሕረት እዩ ኣርእይዎም። ዮሴፍ ቂም ኣይሓዘን። ኣብ ክንዳኡስ፡ ከምቲ ኣብ ዘሌዋውያን 19:18 ዘሎ እዩ ገይሩ።—ዘፍ. 50:19-21

14. እቲ ኣብ ዘሌዋውያን 19:18 ዘሎ ስርዓት ሎሚ እውን ከም ዚዓዪ ዚሕብር እንታይ እዩ፧

14 ዮሴፍ ቂም ኣብ ክንዲ ዚሕዝ ወይ ሕነ ኣብ ክንዲ ዚፈዲ፡ ይቕረ ኺብል ምውሳኑ፡ ንኣምላኽ ባህ ኬብሉ ንዚደልዩ ክርስትያናት ኣብነት ይዀኖም እዩ። ምስታ ኣብነት እትዀነና ጸሎት እውን ዚሳነ እዩ፣ ስለምንታይሲ፡ የሱስ ነቶም ዝበደሉና ኽንሓድገሎም ተማሕጺኑና ኣሎ። (ማቴ. 6:9, 12) ብተመሳሳሊ፡ ሃዋርያ ጳውሎስ ንክርስትያናት ብጾቱ፡ “ፍቑራተየ፡ . . . ባዕላትኩም ሕነ ኣይትፍደዩ” ኢሉ ምዒድዎም እዩ። (ሮሜ 12:19) ብተወሳኺ እውን፡ “ሓደ ኣብቲ ሓደ ቕር ዜብል ነገር እንተ ኣልይዎ፡ ንሓድሕድኩም ተዓጋገሱን ብናጻ ይቕረ ተባሃሃሉን” ኢሉ ኣተባቢዕዎም እዩ። (ቈሎ. 3:13) ስርዓታት የሆዋ ኣይቅየርን እዩ። እቲ ኣብ ዘሌዋውያን 19:18 ንዘሎ ሕጊ መሰረት ዝዀነ ስርዓት ሎሚ እውን ይዓዪ እዩ።

ከምቲ ንቝስሊ ምትዅታዅ ጽቡቕ ዘይኰነ፡ ብዛዕባ በደል ብቐጻሊ ምሕሳብ እውን ጽቡቕ ኣይኰነን። ንምርሳዑ ኽንቃለስ ኣሎና (ሕጡብ ጽሑፍ 15 ርአ) *

15. በደል ምሕዳግ ዘለዎ ኣገዳስነት ከመይ ጌርና ብምሳሌ ኽንገልጾ ንኽእል፧

15 ምሳሌ እስከ ንርአ። እተጐድአ ስምዒት ምስ ኣካላዊ ቝስሊ ኺመሳሰል ይኽእል እዩ። ገሊኡ ቝስሊ ንእሽቶ እዩ፣ ገሊኡ ግና ከቢድ እዩ። ንኣብነት፡ ጶስጣ ኽንከፍት ከለና፡ ኣጻብዕና ንሓርድ ንኸውን። እዚ የሕምመና እዩ፣ ነባሪ ጕድኣት ግና ኣየብጽሓልናን እዩ። ድሕሪ ሓደ ወይ ክልተ መዓልቲ፡ ምናልባት ኣበይ ከም እተሓረድና እውን ንርስዖ ንኸውን። ብተመሳሳሊ፡ ገሊኡ በደል ንእሽቶ እዩ። ንኣብነት፡ ሓደ ሰብ ሕማቕ ዘረባ ይዛረበና ወይ ሕማቕ ተግባር ይገብረና ይኸውን፣ ነዚ ግና ብቐሊሉ ይቕረ ኽንብለሉ ንኽእል ኢና። እንተዀነ ግና፡ እቲ ቝስሊ ኸቢድ እንተ ዀይኑ፡ ሓኪም ኪሰፍዮን ኪዝንኖን የድሊ ይኸውን። ንቝስልና መመሊስና ንትዅትኾ እንተ ዄንና፡ ገዛእ ርእስና ጥራይ ኢና እንጐድእ። ሓደ ሰብ ኣመና ቕር ኪብሎ ኸሎ፡ ከምኡ እዩ ዚገብር ዘሎ። ብዛዕባ እቲ ዘጋጠሞ ስምዒታዊ ቝስልን እተጐድኦ ጕድኣትን ብቐጻሊ እዩ ዚሓስብ። ኰይኑ ግና፡ እቶም ቂም ዚሕዙ፡ ገዛእ ርእሶም ጥራይ እዮም ዚጐድኡ። ካብዝስ ነቲ ኣብ ዘሌዋውያን 19:18 ዘሎ ምኽሪ ኣብ ግብሪ ምውዓል ኣጸቢቑ ይሓይሽ!

16. ብመሰረት ዘሌዋውያን 19:33, 34፡ ኣብ እስራኤል ዚነብሩ ጓኖት ብኸመይ እዮም ኪትሓዙ ነይርዎም፧ ካብኡኸ እንታይ ክንምሃር ንኽእል፧

16 የሆዋ ንእስራኤላውያን፡ ንብጻዮም ኬፍቅሩ ኺእዝዞም ከሎ፡ ነቶም ደቂ ዓሌቶም ወይ ደቂ ዓዶም ጥራይ ፍቕሪ ኼርእዩ ማለቱ ኣይነበረን። ኣብ መንጎኦም ንዝነበሩ ጓኖት እውን ኬፍቅሩ ኣዚዝዎም እዩ። ኣብ ዘሌዋውያን 19:33, 34 እዚ ንጹር መልእኽቲ ሰፊሩ ኣሎ። (ኣንብብ።) ጓና “ኸም ወዲ ዓዲ” ጌርካ እዩ ኺትሓዝ ነይርዎ፣ ንእስራኤላውያን እውን ከም ነፍሶም ‘ኬፍቅርዎ’ እዩ ትእዛዝ ተዋሂብዎ። ንኣብነት፡ እስራኤላውያን ንጓኖትን ንድኻታትን፡ ቀሪም ኪቕርሙ ኺፈቕዱሎም ከም ዚግባእ ኣብ ሓጊ ሰፊሩ ነይሩ እዩ። (ዘሌ. 19:9, 10) ንጓኖት ብዛዕባ ምፍቃር እተዋህበ ስርዓት፡ ሎሚ እውን ኪዓዪ ይግባእ እዩ። (ሉቃ. 10:30-37) ብኸመይ፧ ሎሚ ሚልዮናት ስደተኛታት ኣለዉ፣ ገሊኦም ድማ ኣብ ከባቢና ይነብሩ ይዀኑ። ነዞም ሰብኡትን ኣንስትን ቈልዑን እዚኦም ብኣኽብሮት ክንሕዞም ይግባእ።

ስግር ዘሌዋውያን ምዕራፍ 19 ምጥማት

17-18. (ሀ) ኣብ ዘሌዋውያን 19:2ን 1 ጴጥሮስ 1:15ን ዘሎ ሓሳባት ብኸመይ ኪጸልወና ይግባእ፧ (ለ) ሃዋርያ ጴጥሮስ እንታይ ኣገዳሲ ዕዮ ኽንዓዪ እዩ ኣተባቢዑና፧

17 ኣብ ዘሌዋውያን 19:2ን 1 ጴጥሮስ 1:15ን፡ ህዝቢ ኣምላኽ ቅዱሳት ኪዀኑ ምሕጽንታ ተዋሂብዎም ኣሎ። ኣብ ዘሌዋውያን ምዕራፍ 19 ዘሎ ብዙሕ ካልእ ፍቕድታት፡ ስምረት የሆዋ ንምርካብ እንታይ ክንገብር ከም ዘሎና ይገልጽ እዩ። ክንገብሮ ዚግባእ ኣወንታዊ ነገራትን ክንገብሮ ዘይግባእ ኣሉታዊ ነገራትን ዚገልጽ ገሊኡ ፍቕድታት ጥራይ ኢና ርኢና። * ክርስትያናዊ ቕዱሳት ጽሑፋት ግሪኽኛ ተመሳሳሊ ኣካይዳ ኽንስዕብ እዩ ዚነግረና። ሃዋርያ ጴጥሮስ ግና ተወሳኺ ነገር እውን ኢሉ እዩ።

18 ኣብ እተፈላለየ መንፈሳዊ ንጥፈታት ንጽመድ፡ ብዙሕ ሰናይ ተግባር እውን ንገብር እኳ እንተ ዀንና፡ ጴጥሮስ ብፍላይ ሓደ ነገር ክንገብር ኣጕሊሑ ኣሎ። ብዅሉ ኣካይዳና ቕዱሳት ክንከውን መተባብዒ ቕድሚ ምሃቡ፡ “ብኣእምሮኹም ንተግባር ተዓጠቑ” ኢሉ ተማሕጺኑና ኣሎ። (1 ጴጥ. 1:13, 15) እቲ ተግባር እቲ እንታይ የጠቓልል፧ ጴጥሮስ ነቶም ቅቡኣት ኣሕዋት ክርስቶስ፡ “ናይቲ . . . ዝጸውዓኩም ‘ብሉጽነት ምእንቲ ኽትእውጁ’” ኢልዎም ኣሎ። (1 ጴጥ. 2:9) ከም ሓቂ፡ ሎሚ ዘለዉ ዅሎም ክርስትያናት ነቲ ልዕሊ ዅሉ ኣገዳሲ ዝዀነን ካብ ኵሉ ንላዕሊ ንሰባት ዚጠቅምን ዕዮ ናይ ምዕያይ ክብሪ ተዋሂብዎም ኣሎ። ከም ቅዱሳት ህዝቢ መጠን፡ ኣዘውቲርና ብቕንኣት ኣብ ናይ ምስባኽን ናይ ምምሃርን ዕዮ ምስታፍሲ ኸመይ ዝበለ ፍሉይ መሰል ኰን እዩ! (ማር. 13:10) ነቲ ኣብ ዘሌዋውያን ምዕራፍ 19 ዚርከብ ስርዓታት ብትግሃት እንተ ተግቢርናዮ፡ ንኣምላኽን ንብጻይናን ከም እነፍቅር ነርኢ ኢና። ብዅሉ ኣካይዳና ‘ቕዱሳት ክንከውን’ ከም እንደሊ ኸኣ ነርኢ ኢና።

መዝሙር 111 መሐጐሲና

^ ሕ.ጽ. 5 ክርስትያናት ኣብ ትሕቲ ሕጊ ሙሴ ኣይኰኑን፣ እቲ ሕጊ እቲ ግና ንሕና ኽንገብሮ ዚግባእን ክንገብሮ ዘይግባእን ብዙሕ ነገራት ይጠቅስ እዩ። ብዛዕባኡ ምፍላጥና፡ ንሰባት ፍቕሪ ኸነርእን ንኣምላኽ ባህ ከነብሎን ይሕግዘና እዩ። እዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ገለ ኻብቲ ኣብ ዘሌዋውያን ምዕራፍ 19 ዚርከብ ትምህርትታት ንዓና ዘለዎ ጥቕሚ ትገልጽ።

^ ሕ.ጽ. 17 ኣብዘን ዓንቀጻት ዘይተላዕለ ብዛዕባ ኣድልዎ፡ ሕሜት፡ ምብላዕ ደም፡ መናፍስትነት፡ ጥንቈላ፡ ምንዝርና ዚገልጽ ፍቕድታት ኣሎ።—ዘሌ. 19:15, 16, 26-29, 31።—ኣብዛ ሕታም እዚኣ ዘላ፡ “ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ” ዘርእስታ ዓንቀጽ ርአ።

^ ሕ.ጽ. 52 መግለጺ ስእሊ፦ ሓደ ናይ የሆዋ ምስክር ንሓደ ጽሙም ሓው፡ ንሓኪሙ ኼመሓላልፎ ዝደለየ መልእኽቲ ይትርጕመሉ።

^ ሕ.ጽ. 54 መግለጺ ስእሊ፦ ቀለም ዚልቕልቕ ትካል ዘለዎ ሓው ንሰራሕተኛኡ ደሞዙ ይህቦ።

^ ሕ.ጽ. 56 መግለጺ ስእሊ፦ ሓንቲ ሓብቲ ንእሽቶ እተሓርደቶ ብቐሊሉ ትርስዖ ትኸውን። ዝኸበደ ምስ ኣጋጠማ ግና ብቐሊሉ ኽትርስዖ ድያ፧