ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

እቲ ኣብ ዘሌዋውያን 19:16 ዘሎ፡ “ኣብ ልዕሊ ህይወት ብጻይካ ኣይትለዓል” ዚብል ትእዛዝ እንታይ መልእኽቲ ኣለዎ፧ ካብኡኸ እንታይ ክንምሃር ንኽእል፧

የሆዋ ንእስራኤላውያን ቅዱሳት ኪዀኑ ተማሕጺንዎም እዩ። ቅዱሳት ምእንቲ ኪዀኑ ድማ፡ “ሕሜት ክትነዝሕ ኢልካ ኣብ መንጎ ህዝብኻ ኣይትዙር። ኣብ ልዕሊ ህይወት ብጻይካ ኣይትለዓል። ኣነ የሆዋ እየ” ዚብል ትእዛዝ ሂብዎም እዩ።—ዘሌ. 19:2, 16

እታ “ኣብ ልዕሊ . . . ኣይትለዓል” እትብል ሓረግ፡ ነቲ ኣብ እብራይስጢ ዘሎ ጽሑፍ ጽቡቕ ገይራ ትገልጾ እያ፣ ግናኸ፡ እንታይ ማለት እያ፧ ብዛዕባ መጽሓፍ ዘሌዋውያን ዚገልጽ መወከሲ ኸምዚ ይብል፦ “እዚ ኽፋል እዛ ፍቕዲ . . . ንምትርጓሙ ኣጸጋሚ እዩ፣ ምኽንያቱ፡ ቃል ብቓሉ ‘ኣብ ልዕሊ፡ ኣብ ጥቓ ኣይትለዓል’ ዚብል ብምዃኑ፡ ሓሳብ እቲ [ኣብዚ ዘሎ] ቝንቍኛ እብራይስጢ ምርግጋጹ ኣጸጋሚ እዩ።”

ገሊኦም ምሁራት ነታ ሓረግ እቲኣ ምስታ ኣብ ቅድሚኣ ዘላ፡ “ብፍርድኹም ኣይትዓምጹ። ንድኻ ኣይተዳሉ፡ ወይ ንሃብታም ኣብሊጽካ ኣይትርአ። ንብጻይካ ብፍትሒ ፍረዶ” እትብል ፍቕዲ የተሓሕዝዋ እዮም። (ዘሌ. 19:15) ከምኡ እንተ ዀይኑ፡ ‘ኣብ ልዕሊ ሰብ ኣይትለዓል’ ኪብሃል ከሎ፡ ህዝቢ ኣምላኽ ነገር መዓይይቶም ንጥቕሞም ብምጥዋይ ኣብ ቤት ፍርዲ፡ ኣብ ጕዳያት ንግዲ፡ ወይ ኣብ ጕዳያት ስድራ ቤት ንብጻዮም ከይጐድእዎ እዩ ዚንገሮም ነይሩ። ልክዕ እዩ፡ ነዚ ነገራት እዚ ኽንገብር የብልናን፣ ኰይኑ ግና፡ ነዛ ኣብ ፍቕዲ 16 እትርከብ ሓረግ ብዝሓሸ ኽንርድኣሉ እንኽእል መገዲ ኣሎ።

ኣብ መእተዊ እታ ፍቕዲ ዘሎ እሞ ንሕሰብ። ኣምላኽ ንህዝቡ፡ ሕሜት ከይነዝሑ ኣዚዝዎም እዩ። ወረ ጸገማት ኪፈጥር ዚኽእል እኳ እንተ ዀነ፡ ሕሜት ኪብሃል ከሎ፡ ካብ ዘይረብሕ ወረ ንላዕሊ ምዃኑ ኣይንረስዕ። (ምሳ. 10:19፣ መክ. 10:12-14፣ 1 ጢሞ. 5:11-15፣ ያእ. 3:6) ሕሜት መብዛሕትኡ ግዜ ብቓላት ዚግለጽ ኰይኑ፡ ስም ሰብ ኬጸልም ተባሂሉ እዩ ዚዝረብ። እቲ ሓማዪ ብሓሶት ይምስክር ይኸውን፣ ዋላ እውን ንህይወት እቲ ተሓማዪ ኣብ ሓደጋ እንተ ኣእተዎ፡ ኣይግድሶን እዩ። ንኣብነት፡ ገሊኦም ሰባት ኣብ ልዕሊ ናቦት ብሓሶት ብምምስካር ኣጸሊሞምዎ እዮም፣ ብሰንኪ እዚ ድማ ንሱ ብዘይፍትሓዊ መገዲ ብዳርባ እምኒ ተቐቲሉ እዩ። (1 ነገ. 21:8-13) እወ፡ ኣብ ካልኣይ ክፋል ዘሌዋውያን 19:16 ተገሊጹ ኸም ዘሎ፡ ሓማዪ ኣብ ልዕሊ ህይወት ሰብ ኪለዓል ይኽእል እዩ።

ብተወሳኺ፡ ብተንኰል ዚውረ ሕሜት፡ ጽልኢ የንጸባርቕ እዩ። ኣብ 1 ዮሃንስ 3:15፡ “ንሓዉ ዚጸልእ ዘበለ ዅሉ፡ ቀታል ነፍሲ እዩ፣ ቀታል ነፍሲ ዘበለ ድማ፡ ናይ ዘለኣለም ህይወት ኣብኡ ኸም ዘይትነብር ትፈልጡ ኢኹም” ዚብል ነንብብ ኢና። ብተወሳኺ፡ ኣምላኽ ነቲ ኣብ ፍቕዲ 16 ዘሎ ቓላት ድሕሪ ምዝራቡ፡ “ንሓውካ ብልብኻ ኣይትጽልኣዮ” ኸም ዝበለ ነስተብህል።—ዘሌ. 19:17

ስለዚ፡ እታ ኣብ ዘሌዋውያን 19:16 እትርከብ ፍልይ ዝበለት ሓረግ፡ ንክርስትያናት ሓያል ምዕዶ እያ እትኸውን። ሕማቕ ሓሳባት ከይነሕድርን ሕሜት ከይንነዝሕን ክንጥንቀቕ ኣሎና። ንሓደ ሰብ ስለ ዘይንፈትዎ ወይ ስለ እንቐንኣሉ ‘ኣብ ልዕሊኡ እንተ ተላዒልና፡’ እዚ ብሰንኪ ጽልኢ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ክርስትያናት ከኣ ካብ ጽልኢ ኺርሕቁ ኣለዎም።—ማቴ. 12:36, 37