ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ንፉዕ መዓይይቲ ዲኻ፧

ንፉዕ መዓይይቲ ዲኻ፧

“ክኢላ ሰራሕተኛ ዀይነ ምስኡ ነበርኩ። . . . ኵሉ ግዜ ኸኣ ኣብ ቅድሚኡ እሕጐስ ነበርኩ።” (ምሳ. 8:30) መጽሓፍ ቅዱስ ነቲ ወዲ ኣምላኽ ናብ ምድሪ ቕድሚ ምምጻኡ ምስ ኣቦኡ እናሰርሐ ዚነብረሉ ዝነበረ ማእለያ ዘይብሉ መዋእላት በዚ ኸምዚ እዩ ገሊጽዎ። እዛ ፍቕዲ እዚኣ፡ የሱስ ከም መዓይይቲ ኣምላኽ መጠን ከመይ ከም እተሰምዖ እውን ገሊጻትላና ኣላ። ኣብ ቅድሚኡ “እሕጐስ ነበርኩ” እዩ ኢሉ።

የሱስ ነቲ ደሓር ኣብ ምድሪ ኣብ ዙርያኡ ምስ ዝነበሩ ሰባት ብሉጽ መዓይይቲ ኪኸውን ዘኽኣሎ ባህርያት ተማሂሩ እዩ። እሞ ደኣ ኻብቲ የሱስ ዝሓደጎ ኣብነት ብኸመይ ክንጥቀም ንኽእል፧ ነቲ ንሱ ዝሓደጎ ኣብነት ብምምርማር፡ ንፉዓት መዓይይቲ ኽንከውን ዜኽእለና ሰለስተ ስርዓታት ክንረክብ ንኽእል ኢና። እዚ ስርዓታት እዚ ኸኣ፡ መንፈስ ሓድነትን ምትሕብባርን ኬሕድረልና ይኽእል እዩ።

የሆዋን የሱስን ዝሓደግዎ ኣብነታት ብምስዓብ፡ ተመክሮኻን ፍልጠትካን ንመዓይይትኻ ኣካፍል

ስርዓት 1፦ ‘ንሓድሕድኩም ተኻባበሩ’

ንፉዕ መዓይይቲ ትሕትና ስለ ዘለዎ ንብጾቱ ኣኽቢሩ ይርእዮም እዩ፣ ርኣዩለይ እውን ኣይብልን እዩ። እዚ ትሕትና እዚ፡ የሱስ ካብ ኣቦኡ እተማህሮ እዩ። የሆዋ በይኑ ፈጣሪ ተባሂሉ ኺጽዋዕ ዚበቅዕ እኳ እንተ ዀነ፡ ነቲ ወዱን መዓይይቱን ዘበርከቶ ግደ ኣተኲሩሉ እዩ። እዚ ኸኣ ኣብቲ፡ “ብመልክዕና . . . ሰብ ንግበር” ኢሉ እተዛረቦ ቓላት ተንጸባሪቑ ኣሎ። (ዘፍ. 1:26) የሱስ ነቲ የሆዋ ምስዚ ብዚተሓሓዝ ዘርኣዮ ትሕትና ኣማስዩሉ ኪኸውን ኣለዎ።—መዝ. 18:35

የሱስ ኣብ ምድሪ ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ ተመሳሳሊ ትሕትና ኣርእዩ እዩ። ስለቲ ዕማማቱ ምስ ተናእደ፡ ነቲ ዚግብኦ እዩ ናእዳ ሂቡ። (ማር. 10:17, 18፣ ዮሃ. 7:15, 16) ምስ ደቀ መዛሙርቱ ጽቡቕ ሃዋህው ከም ዚሰፍን ገይሩ እዩ፣ ከም ኣዕሩኹ ደኣ እምበር፡ ከም ባሮት ኣይርእዮምን እዩ ነይሩ። (ዮሃ. 15:15) ብዛዕባ ትሕትና ንምምሃር ከኣ፡ ኣእጋሮም ሓጺቡ እዩ። (ዮሃ. 13:5, 12-14) ንሕና እውን ንመዓይይትና ኣኽቢርና ኽንሕዝ ኣሎና፣ ብሕታዊ ጥቕምና ኻብ ናይ ካልኦት ከነቐድም የብልናን። ‘ንሓድሕድና ንካባበር’ እንተ ዄንና፡ መንና ኸም ዚውደስ ድማ ዘይንጭነቕ እንተ ዄንና፡ ብዙሕ ክንዓምም ንኽእል ኢና።—ሮሜ 12:10

ትሑት ሰብ፡ “ብብዙሓት ኣማኸርቲ . . . ዕማም ይዕመም” ዚብል ሓሳብ ቅኑዕ ምዃኑ ይርድኦ እዩ። (ምሳ. 15:22) ተመክሮና ወይ ክእለትና ብዘየገድስ፡ ኵሉ ነገር ዚፈልጥ ሰብ የሎን። የሱስ እኳ ኸይተረፈ፡ ዘይፈልጦ ነገራት ከም ዝነበሮ ተኣሚኑ እዩ። (ማቴ. 24:36) ብዘይካዚ፡ ዘይፍጹማት ደቀ መዛሙርቱ እንታይ ከም ዚፈልጡ ወይ ከም ዚሓስቡ ኺፈልጥ ድሌት ነይርዎ እዩ። (ማቴ. 16:13-16) ስለዚ ድማ እዮም መዓይይቱ ምስኡ ግዜ ምሕላፍ ደስ ዚብሎም ዝነበረ! ብተመሳሳሊ፡ ብትሕትና ተደሪኽና ዓቕምና ድሩት ምዃኑ ንዝክር፡ ካልኦት ኣበርክቶ ኺገብሩ ድማ ንፈቅድ እንተ ዄንና፡ ምሳታቶም ሰላማዊ ርክብ ነስፍን፡ ብሓባር እውን ‘ዕማም ንዓምም’ ኢና።

ምናዳ ሽማግለታት ብሓባር ኪዓይዩ ኸለዉ ንየሱስ ኪመስልዎ ኣለዎም። መንፈስ ቅዱስ ንዝዀነ ሽማግለ ኺጸልዎ ኸም ዚኽእል ኪዝክሩ ኣለዎም። ኣብ ኣኼባታቶም፡ ኵሉ ብናጻ ኣበርክቶ ኺገብር ዚኽእለሉ ሃዋህው እንተ ፈጢሮም፡ ብሓባር ኰይኖም ንብዘላ እታ ጉባኤ ዚጠቅም ውሳነታት ይገብሩ እዮም።

ስርዓት 2፦ “ሚዛናውያን ምዃንኩም ኣብ ኵሉ ሰብ ይፈለጥ”

ንፉዕ መዓይይቲ ምስ ብጾቱ ኣብ ዘለዎ ርክብ ሚዛናዊ እዩ። ተዓጻጻፍን ልዙብን እዩ። የሱስ ነቲ ኣቦኡ ዘለዎ ሚዛናውነት ንምዕዛብ ጽቡቕ ኣጋጣሚታት ረኺቡ እዩ። ንኣብነት፡ የሆዋ ንዕኡ ናብ ምድሪ ዝለኣኸሉ ምኽንያት፡ ንደቂ ሰብ ካብቲ ዚግብኦም ኵነኔ ሞት ኪብጀዎም ኢሉ እዩ።—ዮሃ. 3:16

ኣድላዪ ወይ ግቡእ ኣብ ዚዀነሉ መዳይ፡ የሱስ ይተዓጻጸፍ ነይሩ እዩ። ንኣብነት፡ ናብ ቤት እስራኤል እኳ እንተ ተላእከ፡ ነታ ፊንቄኣዊት ሰበይቲ ብኸመይ ከም ዝሓገዛ ንዝክሮ ኢና። (ማቴ. 15:22-28) ካብ ደቀ መዛሙርቱ ኣብ ዘለዎ ትጽቢት እውን ሚዛናዊ እዩ ነይሩ። እቲ ናይ ቀረባ ብጻዩ ዝነበረ ጴጥሮስ ምስ ከሓዶ፡ ይቕረ ኺብለሉ ድሉው እዩ ነይሩ። ድሕርዚ ድማ፡ ንጴጥሮስ ከበድቲ ሓላፍነታት ሂብዎ እዩ። (ሉቃ. 22:32፣ ዮሃ. 21:17፣ ግብ. 2:14፣ 8:14-17፣ 10:44, 45) እዚ የሱስ ዝሓደጎ ኣብነት፡ “ልዙባት [ወይ “ሚዛናውያን፡” እ.ጽ.] ምዃን[ና] ኣብ ኵሉ ሰብ” ኪፍለጥ ከም ዚግባእ ብንጹር ይሕብረና እዩ።—ፊል. 4:5

ሚዛናውያን ምዃንና ምስ ኵሉ ዓይነት ሰብ ተሳኒና ንምዕያይ ክንዋሃሃድ ይሕግዘና እዩ። የሱስ ምስቶም ኣብ ከባቢኡ ዝነበሩ ሰባት ጽቡቕ ስኒት ስለ ዝነበሮ፡ ብቕንኢ ዝሓረሩ ጸላእቱ፡ “ዓርኪ [እቶም ንመልእኽቱ እተቐበሉ] ኣከብቲ ቐረጽን ሓጥኣንን” ኢሎም ከሲሶምዎ እዮም። (ማቴ. 11:19) እሞ ደኣ ንሕና ኸም የሱስ ምስ ሰባት ክንተሓባበር ንኽእል ዲና፧ ኣብ ዕዮ መገሻን ኣብ ቤት-ኤልን ምስ እተፈላለዩ ሰባት ዘገልገለ ሉዊስ ከምዚ ይብል፦ “ንነፍሲ ወከፍ እቲ ምስኡ ኽዓዪ እተመደብኩሉ ጕጅለ፡ ዘይስሩዕ ቅርጽታት ብዘለዎ ኣእማን ምስ እተሃንጸ መንደቕ እየ ዘመሳስሎ። ነቲ ኣእማን እትድርድረሉ መገዲ ብምቅይያር፡ ትኽ ዝበለ መንደቕ ክትሃንጽ ትኽእል ኢኻ። እቲ መንደቕ ትኽ ዝበለ ምእንቲ ኪኸውን ከኣ፡ ኣነ እውን ብሕታዊ ምትዕርራይ እገብር እየ።” ከመይ ዝበለ ጽቡቕ መንፈስ ኰን እዩ!

ሓደ ንፉዕ መዓይይቲ፡ ንሰባት ኪቈጻጸር ኢሉ ኣድላዪ ወይ ጠቓሚ ሓበሬታ ብምስጢር ኣይሕዝን እዩ

ኣብ ጉባኤና መዓስ ኢና ናይ ምትሕብባር መንፈስ ከነርኢ እንኽእል፧ ምስ ጕጅለ ኣገልግሎት ወፍሪ ኽንከውን ከለና ኸምኡ ኽንገብር ኣጋጣሚ ኣሎና። ካብ ናትና እተፈልየ ሓላፍነታት ስድራ ቤት ወይ ዕድመ ምስ ዘለዎም ኣስፋሕቲ ነገልግል ንኸውን። ተሓጒሶም ጽቡቕ ምእንቲ ኼገልግሉ ኣብ ኣሰጓጕማና ወይ ሜላና ምትዕርራይ ክንገብር ንኽእልዶ፧

ስርዓት 3፦ “መማቐልቲ” ኹኑ

ንፉዓት መዓይይቲ፡ “መማቐልቲ” እዮም። (1 ጢሞ. 6:18) የሱስ ኣብ ጐድኒ ኣቦኡ ዀይኑ ኺዓዪ ኸሎ፡ የሆዋ ብምስጢር ሓቢኡ ናይ ምሓዝ ባህርይ ከም ዘይብሉ ኣስተብሂሉ ኪኸውን ኣለዎ። የሆዋ “ንሰማያት ኬዳልዎ ኸሎ፡” የሱስ “ኣብኡ ነበርኩ” ስለ ዝበለ፡ ካብኡ ተማሂሩ እዩ። (ምሳ. 8:27) ደሓር፡ የሱስ ነቲ ኻብ ኣቦኡ ‘ዝሰምዖ ንደቀ መዛሙርቱ ኣፍሊጥዎም እዩ።’ (ዮሃ. 15:15) ነዚ ኣርኣያ እዚ ኣብ ኣእምሮና ሒዝና፡ ፍልጠትናን ተመክሮናን ንመዓይይትና ኸነማቕል ኣሎና። ሓደ ንፉዕ መዓይይቲ፡ ንሰባት ኪቈጻጸር ኢሉ ኣድላዪ ወይ ጠቓሚ ሓበሬታ ብምስጢር ኣይሕዝን እዩ። ነቲ ዚፈልጦ ጽቡቕ ንኻልኦት ብምምቓል ወይ ብምክፋል ይሕጐስ እዩ።

ብዘይካዚ፡ ንመዓይይትና ዜተባብዕ ቃል ከነካፍሎም ንኽእል ኢና። ሓደ ሰብ ጻዕርታትና ኣለልዩ ልባዊ ምስጋና ኺህበና ኸሎ፡ ልብና ባህ ደይኰነን ዚብሎ፧ የሱስ ግዜ ወሲዱ ንመዓይይቱ ነቲ ኣባታቶም ዝረኣዮ ጽቡቕ ነጊርዎም እዩ። (ምስ ማቴዎስ 25:19-23፣ ሉቃስ 10:17-20 ኣረኣኢ።) ካብ ናቱ “ዚዓቢ ግብርታት” ከም ዚገብሩ እውን ነጊርዎም እዩ። (ዮሃ. 14:12) ኣብታ ድሮ ሞቱ ዝነበረት ምሸት፡ ንእሙናት ሃዋርያቱ፡ “ንስኻትኩም ግና ብፈተናይ ምሳይ ዝጸናዕኩም ኢኹም” ኢልዎም እዩ። (ሉቃ. 22:28) ቃላቱ ንልቦም ክሳዕ ክንደይ ከም ዝተንከዮን ንተግባር ከም ዘለዓዓሎምን እሞ ስኣሎ! ንሕና እውን ግዜ ወሲድና ንመዓይይትና ንንእድ እንተ ዄንና፡ ብዝያዳ ኺሕጐሱን ብዝያዳ ኣፍረይቲ ኪዀኑን እዮም።

ንፉዕ መዓይይቲ ኽትከውን ትኽእል ኢኻ

ካዮደ ዝስሙ ሓው፡ “ንፉዕ መዓይይቲ ፍጹም ኪኸውን ኣየድልዮን እዩ። የግዳስ፡ ኣብ ከባቢኡ ሓጐስ የስፍን፡ ነቶም ምስኡ ዚሰርሑ እውን ስራሕ ከም ዘይከብዶም ይገብር እዩ” ኢሉ ትዕዝብቱ ገሊጹ ኣሎ። እሞኸ ንስኻ ኸምዚ ኣብዚ እተገልጸ ዓይነት መዓይይቲ ዲኻ፧ ክርስትያናት መዓይይትኻ ብዛዕባኻ እንታይ ከም ዚሓስቡ ንምፍላጥ፡ ንምንታይ ብሜላ ሓሳቦም ከም ዚገልጹ ዘይትገብር፧ ከምቲ ደቀ መዛሙርቲ ምስ የሱስ ምዕያይ ዚፈትዉ ዝነበሩ፡ እቶም መዓይይትኻ እውን ምሳኻ ምዕያይ ዚፈትዉ እንተ ዀይኖም፡ ከም ሃዋርያ ጳውሎስ፡ “ምእንቲ ኽትሕጐሱ መዓይይትኹም ኢና” ኽትብል ትኽእል ኢኻ።—2 ቈረ. 1:24