ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ዓንቀጽ መጽናዕቲ 51

ወትሩ “ንዕኡ ስምዕዎ”

ወትሩ “ንዕኡ ስምዕዎ”

“ዝሰምሮ ፍቑር ወደይ እዚ እዩ። ንዕኡ ስምዕዎ።”—ማቴ. 17:5

መዝሙር 54 “እታ መገዲ እዚኣ እያ”

መላለዪ *

1-2. (ሀ) እቶም ሰለስተ ሃዋርያት የሱስ እንታይ ተባሂሉ እዩ ትእዛዝ ተዋሂብዎም፧ ንሳቶምከ እንታይ ገይሮም፧ (ለ) ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ እንታይ ኢና ኽንርኢ፧

 ድሕሪ ፋስጋ 32 ድ.ክ.፡ ሃዋርያ ጴጥሮስን ሃዋርያ ያእቆብን ሃዋርያ ዮሃንስ ዜደንቕ ራእይ ረኣዩ። ኣብ ሓደ ነዊሕ ከረን፡ ምናልባት ኣብ ከረን ሄርሞን እዩ ዚኸውን፡ የሱስ ኣብ ቅድሚኦም ብተኣምራዊ መገዲ ተለወጠ። “ገጹ ኸም ጸሓይ በርሀ፡ ክዳኑ እውን ከም ብርሃን ጻዕደወ።” (ማቴ. 17:1-4) ኣብ ኣጋ መወዳእታ እቲ ራእይ ድማ፡ ካብ ኣምላኽ፡ “ዝሰምሮ ፍቑር ወደይ እዚ እዩ። ንዕኡ ስምዕዎ” ዚብል ድምጺ ሰምዑ። (ማቴ. 17:5) እዞም ሰለስተ ሃዋርያት፡ ኣብ ህይወቶም ንየሱስ ከም ዝሰምዕዎ ኣርእዮም እዮም። ንሕና እውን ኣብነቶም ክንስዕብ ንደሊ ኢና።

2 ኣብ ዝሓለፈት ዓንቀጽ፡ ድምጺ የሱስ ምስማዕ ኪብሃል ከሎ፡ ገሊኡ ነገራት ደጊም ዘይምግባር ከም ዜመልክት ርኢና ኔርና። ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ ድማ፡ የሱስ ክንገብሮ ኸም ዚግባእ ዝነገረና ኽልተ ነገራት ክንርኢ ኢና።

“በታ ጸባብ ኣፍ ደገ እተዉ”

3. ብመሰረት ማቴዎስ 7:13, 14፡ እንታይ ኢና ኽንገብር ዘሎና፧

3 ማቴዎስ 7:13, 14 ኣንብብ። የሱስ ናብ ክልተ መገድታት ዚወስዳ ኽልተ እተፈላለያ ኣፍ ደገታት ከም ዝጠቐሰ ነስተብህል። እተን መገድታት ከኣ እታ “ርሕብቲ” መገድን እታ “ቐጣን” መገድን እየን። ሳልሰይቲ መገዲ የላን። በየነይቲ መገዲ ኸም እንጐዓዝ ክንሓሪ ኣሎና። እዚ ውሳነ እዚ ልዕሊ ዅሉ ኣገዳሲ ውሳነ እዩ፣ ናይ ዘለኣለም ህይወትና ኣብኡ እዩ ዚምርኰስ።

4. ነታ “ርሕብቲ” መገዲ ብኸመይ ትገልጻ፧

4 ኣብ መንጎ እዘን ክልተ መገድታት ዘሎ ፍልልይ ክንርስዕ የብልናን። እታ “ርሕብቲ” መገዲ ምሾት ስለ ዘለዋ፡ ህብብቲ እያ። እቲ ዜሕዝን ከኣ፡ ብዙሓት ብእኣ ኺመላለሱን ነቶም ብእኣ ዚጕዓዙ ህዝቢ ኺስዕቡን ሓርዮም ኣለዉ። እቲ ናብዛ መገዲ እዚኣ ኺኣትዉ ዜዋዓውዕ፡ ሰይጣን ድያብሎስ ምዃኑ፡ እዛ መገዱ ድማ ኣብ መወዳእታ ናብ ሞት ከም እትመርሕ ኣየስተውዕሉን እዮም።—1 ቈረ. 6:9, 10፣ 1 ዮሃ. 5:19

5. ገሊኦም ሰባት ነታ “ቐጣን” መገዲ ንምርካብን ብእኣ ንምምልላስን እንታይ ጻዕሪ እዮም ገይሮም፧

5 እታ ሓንቲ መገዲ ግና “ቀጣን” እያ፣ የሱስ ከኣ እቶም ዚረኽብዋ ሒደት ከም ዝዀኑ ገሊጹ እዩ። ስለምንታይ፧ እቲ ዜገርም፡ ኣብታ እትቕጽል ፍቕዲ፡ ንሰዓብቱ ኻብ ናይ ሓሶት ነብያት ኣጠንቂቕዎም ኣሎ። (ማቴ. 7:15) ኣሽሓት ሃይማኖታት ከም ዘለዋ ይንገር እዩ፣ መብዛሕትአን ከኣ ሓቂ ኸም ዚምሃራ እየን ዚዛረባ። ሚልዮናት ሰባት በዚ ሃይማኖታዊ ሕንፍሽፍሽ ተስፋ ቘሪጾም ወይ ዓዊሮም ኣለዉ፣ በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ፡ ነታ ናብ ህይወት እትወስድ መገዲ ኼናድይዋ እኳ ኣይፍትኑን እዮም። ነታ መገዲ ግና ክንረኽባ ንኽእል ኢና። የሱስ፡ “ኣብ ቃለይ እንተ ጸኒዕኩም፡ ብሓቂ ደቀ መዛሙርተይ ኢኹም፣ ንሓቂ ኽትፈልጥዋ ኢኹም፣ እታ ሓቂ ድማ ሓራ ኸተውጽኣኩም እያ” ኢሉ እዩ። (ዮሃ. 8:31, 32) ንስኻ ደድሕሪ ብዙሓት ኣብ ክንዲ እትስዕብ፡ ንሓቂ ብምድላይካ ኽትንኣድ ይግብኣካ እዩ። ኣምላኽ ካባኻ እንታይ ከም ዚጽበ ንምፍላጥ ሰፊሕ መጽናዕቲ ቓል ኣምላኽ ጌርካ፡ ንትምህርትታት የሱስ እውን ሰሚዕካ ኢኻ። ገለ ኻብቲ እተምሃርካዮ ነገራት፡ የሆዋ ንትምህርትታት ናይ ሓሶት ሃይማኖት ክንነጽጎ ኸም ዚጽበየና፡ ኣረማዊ መበቈል ዘለዎ ወይ ኣብ ኣረማዊ ልምድታት እተመርኰሰ በዓላት ምብዓል ክንሓድጎ ኸም ዘሎና ኺጥቀስ ይከኣል። የሆዋ ዚደልዮ ምግባርን ንሱ ኻብ ዘይሰምሮ ምርሓቕን እውን በዳሂ ኪኸውን ከም ዚኽእል ርኢኻ ኢኻ። (ማቴ. 10:34-36) ዜድሊ ለውጥታት ምግባር ቀሊል ከይከውን ይኽእል እዩ። ኰይኑ ግና፡ ነቲ ሰማያዊ ኣቦኻ ስለ እተፍቅሮን ሞገሱ ስለ ዝደለኻን፡ ጸኒዕካ ኽትመላለስ ጸኒሕካ ኢኻ። ንሱ መሸም በዚ ባህ ኢልዎ ኪኸውን ኣለዎ!—ምሳ. 27:11

ካብታ ቐጣን መገዲ ኸይወጻእካ፡ ብኸመይ ብእኣ ትመላለስ፧

ምኽርን መለክዒታትን ኣምላኽ፡ ካብታ “ቐጣን” መገዲ ኸይንወጽእ ይሕልወና (ሕጡብ ጽሑፍ 6-8 ርአ) *

6. ብመሰረት መዝሙር 119:9, 10, 45, 133፡ እንታይ እዩ ኻብታ ቐጣን መገዲ ኸይንወጽእ ዚሕልወና፧

6 በታ ቐጣን መገዲ ኽትጕዓዝ ድሕሪ ምጅማርካ፡ ካብኣ ኸይትወጽእ ዚሕግዘካ እንታይ እዩ፧ ነዛ እትስዕብ ምሳሌ እስከ ርአ። ኣብ ሓደ ጎቦ፡ ሓንቲ ቐጣን መገዲ ኣላ ንበል። እቲ ኣብ ደረት እታ መገዲ ዚግበር መጋረዲ ኸኣ፡ ንመራሒ ማኪናን ንማኪናኡን ናብ ጸድፊ ኸይኣትዉ ይከላኸለሎም እዩ። እቲ መጋረዲ ንመራሕቲ ማካይን ናብ ደረት እቲ መገዲ ኸይጽግዑ ወይ ናብ ጸድፊ ኸይኣትዉ ተሓሲቡ እዩ ዚስራሕ። እቲ መጋረዲ እምብዛ ቐያዲ ዀይኑ ኢሎም ዜማርሩ ብዙሓት መራሕቲ ማካይን ኣይርከቡን እዮም። ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ የሆዋ ዝሰርዖ መለክዒታት ከምቲ መጋረዲ እዩ። እቲ መለክዒታቱ ኻብታ ቐጣን መገዲ ኸይንወጽእ ይሕልወና እዩ።—መዝሙር 119:9, 10, 45, 133 ኣንብብ።

7. መንእሰያት ነታ ቐጣን መገዲ ብኸመይ ኪርእይዋ ይግባእ፧

7 ኣቱም መንእሰያት፡ ሓድሓደ ግዜ መለክዒታት የሆዋ እምብዛ ቐያዲ ዀይኑ ይስምዓኩም ድዩ፧ ሰይጣን ከምኡ ኢልኩም ክትሓስቡ እዩ ዚደልየኩም። እቶም ኣብታ ርሕብቲ መገዲ ዚጕዓዙ ሰባት ጽቡቕ ግዜ የሕልፉ ዘለዉ ጌርኩም ከም እትሓስቡ እዩ ኺገብር ዚደሊ። በቲ መማህርትኹም ዚገብርዎ ዘለዉ ነገር ወይ ኣብ ኢንተርነት እትርእይዎ ነገር ተጠቒሙ፡ ብዙሕ ባህ ዜብል ነገር የምልጠኩም ከም ዘሎ ኼምስል ይጽዕር እዩ። ብሰንኪ መለክዒታት የሆዋ ንህይወት ምሉእ ብምሉእ ተስተማቕርዋ ኸም ዘየለኹም ጌርኩም ክትሓስቡ እዩ ዚደልየኩም። * ሓደ ነገር ግና ኣይትረስዑ፦ ሰይጣን ነቶም በታ መገዱ ዚጕዓዙ ኣብ መወዳእታ ጕዕዞኦም እንታይ ከም ዚጽበዮም ኪርእዩ ኣይደልዮምን እዩ። በቲ ሓደ ሸነኽ ግና የሆዋ ነቶም ብመገዲ ህይወት ዚጕዓዙ እንታይ ከም ዚጽበዮም ንጹር ስእሊ ሂቡኩም ኣሎ።—መዝ. 37:29፣ ኢሳ. 35:5, 6፣ 65:21-23

8. መንእሰያት ካብ ኦላፍ እንታይ ይምሃሩ፧

8 ኦላፍ ካብ ዝስሙ መንእሰይ እንታይ ከም እትምሃሩ ንርአ። * ደቂ ኽፍሉ ኣብ ብዕሉግ ተግባር ኪሳተፍ ጸቕጢ ገበሩሉ። ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብልዑል ስነ ምግባራዊ መለክዒታት መጽሓፍ ቅዱስ ከም ዚመላለሱ ምስ ገለጸሎም፡ ገሊአን ደቂ ኽፍሉ ምሳታተን ጾታዊ ርክብ ንምግባር ኬስሕታኦ ዝያዳ ጻዕሪ ገበራ። ኦላፍ ግና ኣብ ቅኑዕ ተግባሩ ጸንዐ። ኰይኑ ግና፡ እዚ ጸቕጢ እዚ ጥራይ ኣይኰነን ኣጋጢምዎ። ብዛዕባ እዚ ኦላፍ ከምዚ ይብል፦ “መምህራነይ ዝያዳ ኽብሪ ንምርካብ፡ ናብ ዝለዓለ ትምህርቲ ኽኣቱ ኼእምኑኒ ፈቲኖም እዮም። ብዘይ ብእኡ፡ ኣብ ህይወተይ ዕዉት ከም ዘይከውን እውን ነጊሮምኒ እዮም።” እሞ ደኣ ኦላፍ ነቲ ጸቕጢ ንምጽዋር እንታይ ሓጊዝዎ፧ ንሱ ኸምዚ ይብል፦ “ምስቶም ኣብ ጉባኤይ ዘለዉ ናይ ቀረባ ርክብ ኣማዕቢለ እየ። ከም ስድራ ቤተይ እዮም ኰይኖምለይ። መጽሓፍ ቅዱስ እውን ብቑም ነገር ከጽንዕ ጀሚረ። ብዝያዳ ዕምቈት ብዘጽናዕኩ መጠን፡ ሓቂ ኸም ዝሓዝኩ ብዝያዳ ኽኣምን ክኢለ። ከም ውጽኢቱ ድማ፡ ንየሆዋ ኸገልግሎ ቘሪጸ።”

9. እቶም በታ ቐጣን መገዲ ዚመላለሱ እንታይ እዮም ኪገብሩ ዘለዎም፧

9 ሰይጣን ካብታ ናብ ህይወት እትወስድ መገዲ ኽትወጽእ እዩ ዚደልየካ። ምስ መብዛሕትኦም ደቂ ሰብ በታ “ናብ ጥፍኣት እትወስድ” ርሕብቲ መገዲ ኽትጐዓዝ እዩ ዚደልየካ። (ማቴ. 7:13) እንተዀነ ግና፡ ብቐጻሊ ንየሱስ ንሰምዖ፡ ነታ ቐጣን መገዲ እውን ንጥቕምና ኸም ዝዀነት ጌርና ንርእያ እንተ ዄንና፡ ካብታ መገዲ ኣይንወጽእን ኢና። ሕጂ፡ የሱስ ክንገብሮ ዝነገረና ኻልእ ነገር እስከ ንርአ።

ምስ ሓውካ ተዓረቕ

10. ብመሰረት ማቴዎስ 5:23, 24፡ እንታይ ክንገብር ከም ዘሎና እዩ የሱስ ተዛሪቡ፧

10 ማቴዎስ 5:23, 24 ኣንብብ። የሱስ ነቶም ዚሰምዕዎ ዝነበሩ ኣይሁድ ኣዝዩ ኣገዳሲ ህሞት እዩ ዚስእለሎም ነይሩ። ሓደ ሰብ፡ መስዋእቲ እንስሳ ንኻህን ንምሃብ ኣብ ቤተ መቕደስ እናተጸበየ ኸሎ እሞ ብኣእምሮና ንስኣል። ኣብቲ ህሞት እቲ፡ ሓዉ ጕህዩሉ ኸም ዘሎ እንተ ዘኪሩ፡ ነቲ መስዋእቲ ሓዲጉ ‘ኪኸይድ’ እዩ ዚንገሮ ነይሩ። ስለምንታይ፧ ንየሆዋ መስዋእቲ ኻብ ምስዋእ ዚዓቢ እንታይ ኣሎ፧ የሱስ ብንጹር፡ “ቅድም፡ ምስ ሓውካ ተዓረቕ” ኢሉ ሓቢሩ ኣሎ።

ነቲ ያእቆብ ምስ ሓዉ ብትሕትና ብምትዕራቕ ዝሓደጎ ኣብነትሲ ኣብ ልብኻ ኸተሕድሮ ዲኻ፧ (ሕጡብ ጽሑፍ 11-12 ርአ) *

11. ያእቆብ ምስ ኤሳው ኪዕረቕ ኢሉ ዝገበሮ ጻዕሪ ግለጽ።

11 ኣብ ህይወት እቲ ሓደ ኻብ ኣበው ዝነበረ ያእቆብ ዘጋጠመ ነገር ብምምርማር፡ ብዛዕባ ዕርቂ ኣገዳሲ ነገር ክንምሃር ንኽእል ኢና። ያእቆብ ካብቲ እተወልደሉ ዓዲ ንኣስታት 20 ዓመት ርሒቑ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ኣምላኽ ብመልኣኽ ኣቢሉ ናብ ዓዱ ኺምለስ ነገሮ። (ዘፍ. 31:11, 13, 38) ሓደ ጸገም ግና ነይሩ። እቲ ዓብዪ ሓዉ ኤሳው፡ ኪቐትሎ ይደሊ እዩ ነይሩ። (ዘፍ. 27:41) ስለዚ፡ ያእቆብ ሓዉ ቒም ሒዙሉ ኸይህሉ ስለ ዘተሓሳሰቦ፡ “ኣዝዩ ፈርሀ፡ ተጨነቐ እውን።” (ዘፍ. 32:7) እሞ ደኣ ምስ ሓዉ ንምትዕራቕ እንታይ ገበረ፧ ፈለማ፡ ብዛዕባ እቲ ጕዳይ ናብ የሆዋ ኻብ ልቡ ጸለየ። ድሕሪኡ፡ ንሓዉ ብዙሕ ህያባት ለኣኸሉ። (ዘፍ. 32:9-15) ኣብ መወዳእታ፡ ምስ ሓዉ ኺራኸብ ከሎ፡ ከም ዜኽብሮ ኣርኣዮ። ንኤሳው ሓንሳእ ወይ ክልተ ሳዕ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ሸውዓተ ሳዕ ሰገደሉ! ያእቆብ በዚ ትሕትናን ኣኽብሮትን ዜርኢ ተግባር ኣቢሉ፡ ምስ ሓዉ ተዓርቀ።—ዘፍ. 33:3, 4

12. ካብቲ ያእቆብ ዝሓደጎ ኣብነት እንታይ ንምሃር፧

12 ካብቲ ያእቆብ ምስ ሓዉ ኤሳው ንምርኻብ ዝገበሮ ምድላውን ናብኡ ኪቐርብ ከሎ ዝገበሮ ነገርን ክንምሃር ንኽእል ኢና። ያእቆብ ብትሕትና ኻብ የሆዋ ሓገዝ ለሚኑ እዩ። ድሕሪኡ፡ ኣብቲ ምስ ሓዉ ዚራኸበሉ ኣጋጣሚ ጽቡቕ ሃዋህው ብምፍጣር፡ ምስ ጸሎቱ ተሰማሚዑ ኺዓዪ ጽዒሩ እዩ። ምስ ሓዉ ኤሳው ምስ ተራኸበ ድማ፡ መን ቅኑዕ፡ መን ከኣ ጌጋ ኸም ዝዀነ ኣይተማጐተን። ሸቶኡ ምስ ሓዉ ኺዕረቕ እዩ ነይሩ። እሞ ደኣ ኣብነት ያእቆብ ብኸመይ ክንስዕብ ንኽእል፧

ብኸመይ ንዕረቕ፧

13-14. ንክርስትያን ብጻይና እንተ ኣጕሂናዮ፡ እንታይ ኢና ኽንገብር ዘሎና፧

13 እቶም ናብ ህይወት ኣብ እትወስድ መገዲ ንጐዓዝ ዘለና፡ ምስ ኣሕዋትና ብሰላም ኢና ኽንነብር እንደሊ። (ሮሜ 12:18) ንክርስትያን ብጻይና ኸም ዘጕሃናዮ እንተ ፈሊጥና እንታይ ኢና ኽንገብር ዘሎና፧ ከም ያእቆብ፡ ብልባዊ ጸሎት ናብ የሆዋ ኽንቀርብ ኣሎና። ኣብቲ ንሓውና ኽንረብሖ እንገብሮ ጻዕሪ፡ በረኸቱ ኽንልምኖ ንኽእል ኢና።

14 ግዜ ወሲድና እውን ገዛእ ርእስና ኽንምርምር ኣሎና። ከምዚ ዚስዕብ ኢልና ገዛእ ርእስና ኽንሓትት ንኽእል ኢና፦ ‘ክብረተይ ክሓድግን ብትሕትና ይቕረታ ኽሓትትን ሰላም ክገብርን ፍቓደኛ ድየ፧ ምስ ሓወይ ወይ ሓብተይ ንምትዕራቕ ተበግሶ እንተ ወሲደ፡ የሆዋን የሱስን እንታይ ይስምዖም፧’ መልሲ እዚ ሕቶታት እዚ፡ ነቲ የሱስ ዝበሎ ኽንሰምዕ እሞ ንክርስትያን ብጻይና ብናይ ዕርቂ መንፈስ ብትሕትና ኽንቀርቦ ይድርኸና ይኸውን። ኣብዚ መዳይ እዚ፡ ኣብነት ያእቆብ ክንስዕብ ንኽእል ኢና።

15. እቲ ኣብ ኤፌሶን 4:2, 3 ዚርከብ ስርዓት ምስ ሓውና ንምትዕራቕ ዚሕግዘና ብኸመይ እዩ፧

15 ያእቆብ ንሓዉ ኪቐርቦ ኸሎ፡ ትዕንን እንተ ዚብል እሞ ብኣእምሮና ንስኣሎ! መወዳእታኦም ኣመና እተፈልየ ምዀነ ነይሩ። ኣብ መንጎና ዘሎ ፍልልይ ንምፍታሕ ናብ ሓውና ኽንቀርብ ከለና፡ ብትሑት መንፈስ ክንቀርቦ ኣሎና። (ኤፌሶን 4:2, 3 ኣንብብ።) ምሳሌ 18:19፡ “እተበደለ ሓው ካብ እተዓርደት ከተማ ብዝያዳ ይቃወም፣ ከም ተገዳማት ዕርዲ ዝበለ ባእሲ ኸኣ ኣሎ” ትብል። ብትሕትና ይቕረታ ምሕታት፡ ናብቲ “ዕርዲ” ኽንኣቱ የኽእለና እዩ።

16. እንታይ ኢና ኽንሓስበሉ ዚግባእ፧ ስለምንታይከ፧

16 ነቲ ንሓውና እንዛረቦ ዘረባን ንኣዘራርባናን እውን ተጠንቂቕና ኽንሓስበሉ ኣሎና። ድሉዋት ምስ ኰንና፡ ነቲ ቕር ዝበሎ ሓውና ቕሬታኡ ኻብ ልቡ ንምውጋድ ሸቶ ጌርና ኢና ኽንቀርቦ ዚግባእ። ኣብ ፈለማ፡ ንምስማዕ ባህ ዘየብል ነገር ይዛረበና ይኸውን። ሽዑ፡ ክንቍጣዕ ወይ መመኽነይታ ኸነቕርብ ይቐልለና ይኸውን። እቲ መገዲ እቲ ግና ናብ ሰላማዊ ፍታሕ ይመርሓና ድዩ፧ ብርግጽ ኣይመርሓናን እዩ። ምስ ሓውና ዕርቂ ምግባር፡ መንና ቕኑዕ፡ መንና ኸኣ ጌጋ ምዃኑ ኻብ ምፍላጥ ዝያዳ ኣገዳስነት ኣለዎ።—1 ቈረ. 6:7

17. ካብ ኣብነት ዢልበር እንታይ ተማሂርካ፧

17 ዢልበር ዝስሙ ሓው ገባር ሰላም ንምዃን ብዙሕ ጽዒሩ እዩ። ንሱ ኸምዚ ኢሉ የዘንቱ፦ “ምስ ሓንቲ ኣባል ስድራ ቤተይ ብዙሕ ጸገማት ነይሩኒ። ንልዕሊ ኽልተ ዓመት፡ ጽቡቕ ርክብ ንምምስራት፡ ብቕንዕናን ብህድኣትን ከዛራርባ ጻዕርታት ገይረ እየ።” ብተወሳኺኸ እንታይ ገይሩ፧ ኣስዕብ ኣቢሉ ኸምዚ ይብል፦ “ምስዛ ኣባል ስድራ ቤተይ ቅድሚ ምዝርራበይ፡ እጽሊ፡ ክትዛረቦ ንእትኽእል ሕማቕ ዘረባ እውን ኣእምሮይ አዳሉ ነይረ። ንይቕረታ ድሉው ኪኸውን ነይሩኒ። ብዛዕባ መሰለይ ክቃለስ ከም ዘይብለይ ተማሂረ እየ፣ ሰላም ከስፍን ከም ዘሎኒ እውን ተረዲኡኒ እዩ።” እሞኸ እንታይ ፍረ ረኺቡ፧ ዢልበር ከምዚ ይብል፦ “ሎሚ ምስ ኵሎም ኣባላት ስድራ ቤተይ ጽቡቕ ርክብ ስለ ዘሎኒ፡ ናይ ኣእምሮ ሰላም ኣሎኒ።”

18-19. ንሓደ ሰብ እንተ ኣጕሂናዮ፡ እንታይ ንምግባር ኢና ኽንቈርጽ ዘሎና፧ ስለምንታይከ፧

18 እሞ ደኣ ንክርስትያን ብጻይካ ኸም ዘጕሃኻዮ እንተ ፈሊጥካ፡ እንታይ ቈራጽነት እዩ ኺህልወካ ዚግባእ፧ ነቲ የሱስ ምስ ሓውካ ኽትዕረቕ ዝሃቦ መምርሒ ስዓብ። ብዛዕባ እቲ ጕዳይ ንየሆዋ ንገሮ፡ ገባር ሰላም ክትከውን ምእንቲ ኺሕግዘካ ድማ ኣብ መንፈስ ቅዱሱ ተወከል። ከምኡ እንተ ጌርካ፡ ሕጉስ ክትከውን ኢኻ፣ ንየሱስ ትሰምዖ ኸም ዘለኻ እውን ተወሳኺ መርትዖ ኸተቕርብ ኢኻ።—ማቴ. 5:9

19 የሆዋ በቲ “ርእሲ ጉባኤኡ” ዝዀነ የሱስ ክርስቶስ ኣቢሉ ፍቕራዊ መምርሒ ዚህበና ምዃኑ ነመስግኖ ኢና። (ኤፌ. 5:23) ከም ሃዋርያ ጴጥሮስን ሃዋርያ ያእቆብን ሃዋርያ ዮሃንስን፡ ‘ንዕኡ ንምስማዕ’ ቈራጽነት ንግበር። (ማቴ. 17:5) ኣብዛ ዓንቀጽ፡ ምስ ሓደ ዘጕሃናዮ ክርስትያን ብጻይና ብምትዕራቕ ከመይ ጌርና ኸምኡ ኽንገብር ከም እንኽእል መርሚርና ኢና። ከምኡ ብምግባርን ካብታ ናብ ህይወት እትወስድ ቀጣን መገዲ ብዘይምውጻእን፡ ሕጂ ብዙሕ በረኸት፡ ኣብ መጻኢ ድማ መወዳእታ ዘይብሉ ሓጐስ ክንረክብ ኢና።

መዝሙር 130 ይቕረ በሃልቲ ንኹን

^ ሕ.ጽ. 5 የሱስ በታ ናብ ህይወት እትወስድ ጸባብ ኣፍ ደገ ኽንኣቱ ይምሕጸነና እዩ። ምስ ክርስትያናት ብጾትና ኽንዕረቕ እውን መምርሒ ሂቡና ኣሎ። ነዚ ምኽሩ እዚ ኽንትግብሮ ኸለና እንታይ ብድሆታት ኬጋጥመና ይኽእል፧ ነዚኸ ብኸመይ ክንሰግሮ ንኽእል፧

^ ሕ.ጽ. 7 ኣብታ መንእሰያት ዚሓትዎ ሕቶታትን ተግባራዊ መልስታቱን—2ይ ጥራዝ ዘርእስታ መጽሓፍ ዘላ፡ “ንጸቕጢ መዛኑ ብኸመይ ክዋጽኣሉ እኽእል፧” ዘርእስታ ምዕራፍ 15፡ ከምኡ ድማ ኣብ www.pr418.com ንጸቕጢ መዛኑ ተዋጽኣሉ! ዘርእስታ ስእሊ ሰሌዳ ርአ። (ኣብ ትሕቲ ትምህርትታት መጽሓፍ ቅዱስ > መንእሰያት ርአ።)

^ ሕ.ጽ. 8 ገሊኡ ስማት ተቐዪሩ እዩ።

^ ሕ.ጽ. 56 መግለጺ ስእሊ፦ ካብታ ኣምላኽ ዘዳለዋ መጋረዲ ዘለዋ “ቐጣን” መገዲ ብዘይምውጻእ፡ ካብ ስእለ ጽዩፍን ካብ ብዕሉግ ተግባራትን ንዝለዓለ ትምህርቲ ቐዳምነት ካብ ምሃብን ክንሕሎ ንኽእል።

^ ሕ.ጽ. 58 መግለጺ ስእሊ፦ ያእቆብ ምስ ሓዉ ኤሳው ምእንቲ ኺዕረቕ ኢሉ፡ ብተደጋጋሚ ሰጊዱሉ እዩ።