ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ትዝክሮዶ፧

ትዝክሮዶ፧

ነቲ ኣብዛ ዓመት ዝወጸ ሕታማት ግምቢ ዘብዐኛ ብጥንቃቐ ኣንቢብካዮዶ፧ እስከ ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት ክትምልሶ ትኽእል እንተ ዄንካ ርአ፦

ያእቆብ 5:11 ንየሆዋ “ኣዝዩ ፈቃርን መሓርን” ብምባል እንታይ መረጋገጺ እያ እትህበና፧

የሆዋ ብምሕረቱ ተደሪኹ ስሕተትና ይቕረ ይብለልና እዩ። ያእቆብ 5:11 ከኣ ብፍቕሪ ተደሪኹ ሓገዝ ከም ዜቕርበልና ትገልጽ። ንሕና እውን ንዕኡ ኽንመስሎ ኣሎና።—w21.01፡ ገጽ 21

የሆዋ፡ ስርዓት ርእስነት ዘቘመ ስለምንታይ እዩ፧

ካብ ፍቕሪ ተላዒሉ እዩ ኸምኡ ገይሩ። እዚ ስርዓት እዚ ንእሙናት ስድራ ቤቱ፡ ብሰላምን ብስርዓትን ኪመላለሱ የኽእሎም እዩ። ምስዚ ስርዓት እዚ ተሰማሚዑ ዚመላለስ ነፍሲ ወከፍ ኣባል ስድራ ቤት፡ መን ናይ መወዳእታ ውሳነታት ከም ዚገብርን ነቲ ውሳነታት መን ከም ዜፈጽሞን ይፈልጥ እዩ።—w21.02፡ ገጽ 3

ክርስትያናት ኣብ ኣጠቓቕማ ኤለክትሮኒካዊ መልእኽቲ ዚልእኽ ኣፕሊኬሽናት ኪጥንቀቑ ዘለዎም ስለምንታይ እዮም፧

ነዚ ኣፕሊኬሽናት ዚጥቀም ሰብ ምስ መን ይሓብር ከም ዘሎ መራጺ ኪኸውን ኣለዎ። መልእኽቲ ዚልኣኣኽ ዓብዪ ጕጅለ ኺፍጠር ከሎ፡ እዚ ኣጸጋሚ እዩ። (1 ጢሞ. 5:13) ዘይተረጋገጸ ወረ ናይ ምዝርጋሕን ቲኦክራስያዊ ርክባትና ንንግዳዊ ጕዳይ ናይ ምጥቃምን ሓደጋታት እውን ኣለዎ።—w21.03፡ ገጽ 31

ኣምላኽ ንወዱ ኺስቀን ኪመውትን ዝፈቐደሉ ገለ ምኽንያታት እንታይ እዩ፧

ቀዳማይ ምኽንያት፡ የሱስ ንኣይሁድ ካብ መርገም ሓራ ንምግባር፡ ኣብ ጕንዲ ኺስቀል ነይርዎ እዩ። (ገላ. 3:10, 13) ካልኣይ፡ የሆዋ ንየሱስ ነቲ ኣብ መጻኢ ኸም ሊቀ ኻህናት ዝነበሮ ግደ እዩ ዜሰልጥኖ ነይሩ። ሳልሳይ፡ የሱስ ክሳዕ ሞት እሙን ምዃኑ፡ ሰባት ኣብ ትሕቲ ኸቢድ ፈተና እኳ ንኣምላኽ እሙናት ኪዀኑ ኸም ዚኽእሉ ኣረጋጊጹ እዩ። (እዮ. 1:9-11)—w21.04፡ ገጽ 16-17

ሰባት ኣብ ኣገልግሎት ብቐሊሉ ዘይርከቡ እንተ ዀይኖም፡ እንታይ ክትገብር ትኽእል፧

ኣብቲ መብዛሕትኡ ግዜ ሰባት ኣብ ኣባይቶም ዚርከቡሉ ሰዓታት ክትሰብኽ ትኽእል ኢኻ። ቦታ እውን ክትለዋውጥ ትኽእል ኢኻ። ብተወሳኺ፡ መገዲ ኽትለዋውጥ ትኽእል ኢኻ፣ ንኣብነት፡ ደብዳበ ኽትጽሕፍ ትኽእል ኢኻ።—w21.05፡ ገጽ 15-16

ሃዋርያ ጳውሎስ፡ “ነቲ ሕጊ ምዉት ኰይነ እየ” ኺብል ከሎ እንታይ ማለቱ እዩ ነይሩ፧ (ገላ. 2:19)

ሕጊ ሙሴ ንሰብኣዊ ዘይፍጽምና ኣግሂዱ፡ ንእስራኤል እውን ናብ ክርስቶስ መሪሕዎ እዩ። (ገላ. 3:19, 24) እዚ ድማ ንጳውሎስ፡ ንክርስቶስ ኪቕበሎ ኣኽኢልዎ እዩ። በዚ ኸምዚ ድማ፡ “ነቲ ሕጊ ምዉት” ኰይኑ፡ ብኻልእ ኣበሃህላ፡ እቲ ሕጊ ኣብኡ ጽልዋ ዘይብሉ ዀይኑ።—w21.06፡ ገጽ 31

የሆዋ ብተጻዋርነቱ ብኸመይ እዩ ኣብነት ዚዀነና፧

የሆዋ ነቲ ኣብ ስሙ እተላዕለ ጸርፊ፡ ንልዑላውነቱ ዘጋጠሞ ተቓውሞ፡ ዕልወት ገሊኦም ደቁ፡ ቀጻሊ ሓሶት ድያብሎስ፡ መከራ እቶም ዚፈትዎም ኣገልገልቱ፡ ሞይቶም ምስ ዘለዉ ፈተውቱ ምፍልላዩ፡ እኩያት ዚገብርዎ ጭቈና፡ ኣብ ልዕሊ ፍጥረታቱ ዚወርድ ዘሎ ጥፍኣት ተጻዊሩ ኣሎ።—w21.07፡ ገጽ 9-12

ዮሴፍ ጽቡቕ ኣብነት ትዕግስቲ ዚኸውን ብኸመይ እዩ፧

ካብ ኣሕዋቱ ዝወረዶ ግፍዒ ተጻዊሩ እዩ። ብሰንኪ እዚ ድማ ብሓሶት ተኸሲሱን ኣብ ግብጺ ንዓመታት ተኣሲሩን እዩ።—w21.08፡ ገጽ 12

ኣብ ሃጌ 2:6-9, 20-22 ዘሎ ትንቢት ብዛዕባ እንታይ ምሳልያዊ ነውጺ እዩ ዚንበ፧

ኣህዛብ ንስብከት መንግስቲ ኣምላኽ ኣሉታዊ ምላሽ እኳ እንተ ሃቡ፡ ብዙሓት ሰባት ናብ ሓቂ ይስሓቡ ኣለዉ። ኣብ ቀረባ ግዜ፡ ኣህዛብ ኪጠፍኡ ኸለዉ ንመወዳእታ ግዜ ኺናወጹ እዮም።—w21.09፡ ገጽ 15-19

ኣገልግሎትና ንምፍጻም ክንስልኪ ዘይብልና ስለምንታይ ኢና፧

የሆዋ ንጻዕርታትና ይርኢ፡ በዚ እውን ባህ ይብሎ እዩ። እንተ ዘይሰልኪና ወይ እንተ ዘይተሓሊልና፡ ናይ ዘለኣለም ህይወት ክንረክብ ኢና።—w21.10፡ ገጽ 25-26

ዘሌዋውያን ምዕራፍ 19 ነቲ “ብዅሉ ኣካይዳኹም ቅዱሳት ኩኑ” ዚብል ምኽሪ ኽንትግብር እትሕግዘና ብኸመይ እያ፧ (1 ጴጥ. 1:15)

እታ ፍቕዲ እቲኣ ኻብ ዘሌዋውያን 19:2 እተጠቕሰት እያ ኽትከውን እትኽእል። ኣብ ምዕራፍ 19 ኸኣ፡ ን1 ጴጥሮስ 1:15 ኣብ መዓልታዊ ህይወትና ብኸመይ ከም እንትግብራ ዚሕብር ብዙሕ ኣብነታት ኣሎ።—w21.12፡ ገጽ 3-4