ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ዓንቀጽ መጽናዕቲ 2

ካብቲ ንእሽቶ ሓዉ ንየሱስ ተምሃር

ካብቲ ንእሽቶ ሓዉ ንየሱስ ተምሃር

“ናይ ኣምላኽን ናይ ጐይታና የሱስ ክርስቶስን ባርያ ዝዀነ ያእቆብ።”—ያእ. 1:1

መዝሙር 88 ጐደናታትካ ኣፍልጠኒ

መላለዪ *

1. ነታ ያእቆብ ዝዓበየላ ስድራ ቤት ብኸመይ ትገልጻ፧

 ያእቆብ፡ ሓው የሱስ፡ ብመንፈሳዊ መዳይ ድልድልቲ ኣብ ዝዀነት ስድራ ቤት እዩ ዓብዩ። ወለዱ ዮሴፍን ማርያምን ንየሆዋ ብዙሕ የፍቅርዎ ነይሮም እዮም፣ ንምግልጋሉ እውን ዚከኣሎም ይገብሩ ነይሮም እዮም። ብዘይካዚ፡ ያእቆብ ተወሳኺ በረኸት ነይርዎ እዩ፣ እቲ ዓብዪ ሓዉ ምስ ዓበየ፡ እቲ ተተስፈወ መሲሕ ኰይኑ እዩ። ያእቆብ ኣባል እታ ስድራ ቤት ብምዃኑስ ከመይ ዝበለ ፍሉይ ክብሪ ዀን እዩ ረኺቡ!

ያእቆብ ምስ የሱስ ኪዓቢ ኸሎ፡ ነቲ ዓብዪ ሓዉ ኣጸቢቑ ኺፈልጦ ኽኢሉ እዩ (ሕጡብ ጽሑፍ 2 ርአ)

2. ያእቆብ ነቲ ዓብዪ ሓዉ ዜድንቐሉ እንታይ ምኽንያታት ነይርዎ፧

2 ያእቆብ ነቲ ዓብዪ ሓዉ ዜድንቐሉ ብዙሕ ምኽንያታት ነይርዎ እዩ። (ማቴ. 13:55) ንኣብነት፡ የሱስ ብዛዕባ ቕዱሳት ጽሑፋት ጽቡቕ ፍልጠት ስለ ዝነበሮ፡ ወዲ 12 ዓመት ኣብ ዝነበረሉ እዋን ኣብ የሩሳሌም ዝረኸብዎ ብዕድመ ዝደፍኡ ምሁራት እኳ ብእኡ ኣስተንኪሮም እዮም። (ሉቃ. 2:46, 47) ያእቆብ ምስ የሱስ ጸራቢ ዀይኑ ሰሪሑ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ከምኡ እንተ ገይሩ፡ ንሓዉ ኣጸቢቑ ኺፈልጦ ይኽእል ነይሩ እዩ። ናታን ኖር ብዙሕ ግዜ፡ “ምስ ሓደ ሰብ ትሰርሕ እንተ ዄንካ፡ ብዛዕባኡ ብዙሕ ትፈልጥ ኢኻ” ይብል ነይሩ እዩ። * ብዘይካዚ፡ “የሱስ . . . ኣብ ቅድሚ ኣምላኽን ሰብን ብጥበብን ብኣካልን ብሞገስን ይዓቢ” ኸም ዝነበረ፡ ያእቆብ ርእዩ ኪኸውን ኣለዎ። (ሉቃ. 2:52) ስለዚ፡ ያእቆብ ካብቶም ቀዳሞት ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ኪኸውን ትጽቢት ንገብር ንኸውን። ከምኡ ግና ኣይኰነን።

3. የሱስ ኣገልግሎቱ ኣብ ዝጀመረሉ እዋን፡ ያእቆብ ነዚ ነገር እዚ እንታይ ምላሽ እዩ ሂቡ፧

3 የሱስ ኣብ ምድሪ ኣብ ዜገልግለሉ ዝነበረ እዋን፡ ያእቆብ ወደ መዝሙሩ ኣይኰነን ነይሩ። (ዮሃ. 7:3-5) መሕልፎ እኳ ደኣስ፡ ያእቆብ ሓደ ኻብቶም ንየሱስ ከም ‘እተጸለለ’ ገይሮም ዝረኣይዎ ኣዝማድ ነይሩ ኪኸውን ይኽእል እዩ። (ማር. 3:21) የሱስ ኣብ ጕንዲ ስቅያት ተሰቒሉ ኣብ ዝሞተሉ እዋን፡ ያእቆብ ምስ ኣዲኡ ማርያም ከም ዝነበረ ዚሕብር ነገር የሎን።—ዮሃ. 19:25-27

4. እንታይ ትምህርትታት ኢና ኽንርኢ፧

4 ጸኒሑ ግና፡ ያእቆብ ብየሱስ ኣመነ፡ ኣኽቢርካ ዚርአ ኣባል ክርስትያናዊት ጉባኤ እውን ኰነ። ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ካብ ያእቆብ ክንምሃሮ እንኽእል እዚ ዚስዕብ ክልተ ትምህርቲ ኽንርኢ ኢና፦ (1) ስለምንታይ ትሑታት ክንከውን ከም ዘሎና፡ (2) ብኸመይ ንፉዓት መምህራን ከም እንኸውን።

ከም ያእቆብ ትሑት ኩን

የሱስ ንያእቆብ ምስ ተራእዮ፡ ያእቆብ ርእሱ ኣትሓተ፣ ካብቲ ግዜ እቲ ንደሓር ከኣ እሙን ወደ መዝሙር ክርስቶስ ኰነ (ሕጡብ ጽሑፍ 5-7 ርአ)

5. ያእቆብ ንየሱስ ካብ ምዉታት ድሕሪ ምትንሳኡ ምስ ረኣዮ እንታይ እዩ ገይሩ፧

5 ያእቆብ እሙን ሰዓቢ የሱስ ዝዀነ መዓስ እዩ፧ የሱስ ካብ ምዉታት ምስ ተንስአ፡ “ንያእቆብ፡ ድሕሪኡ ኸኣ ንዅሎም ሃዋርያት ተራእይዎም” እዩ። (1 ቈረ. 15:7) እታ ያእቆብ ምስ የሱስ እተራኸበላ ህሞት፡ ኣብ ህይወቱ ነጥበ መቐይሮ እያ ነይራ። ሃዋርያት ኣብታ ኣብ የሩሳሌም እትርከብ ደርቢ ዀይኖም ነቲ ቓል እተኣትወሎም መንፈስ ቅዱስ ኪጽበዩ ኸለዉ እውን፡ ንሱ ኣብኡ ነይሩ እዩ። (ግብ. 1:13, 14) ድሕርዚ፡ ኣባል እቲ ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበረ ኣመሓዳሪ ኣካል ኰይኑ ናይ ምዕያይ ፍሉይ ኣጋጣሚ ረኺቡ እዩ። (ግብ. 15:6, 13-22፣ ገላ. 2:9) ቅድሚ 62 ድ.ክ. ከኣ፡ ብመንፈስ ተደሪኹ ንቕቡኣት ክርስትያናት ደብዳበ ጽሒፉሎም እዩ። ተስፋና ሰማያዊ ይኹን ምድራዊ፡ እታ መልእኽቲ ሎሚ ንዓና ትጠቕመና እያ። (ያእ. 1:1) ብመሰረት ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበረ ጆሰፈስ ዚብሃል ጸሓፍ ታሪኽ፡ ያእቆብ ብትእዛዝ እቲ ንእሽቶ ሃናንያ ዚብሃል ሊቀ ኻህናት ኣይሁድ እዩ ተቐቲሉ። ያእቆብ ክሳዕ እቲ ምድራዊ ህይወቱ ዝዛዘመሉ እዋን፡ ንየሆዋ እሙን ኰይኑ ተመላሊሱ እዩ።

6. ያእቆብ ካብቶም ብግዜኡ ዝነበሩ መራሕቲ ሃይማኖት ብኸመይ እዩ እተፈልየ ዝነበረ፧

6 ያእቆብ ትሑት እዩ ነይሩ። ስለምንታይ ኢና ኸምኡ ኽንብል እንኽእል፧ ያእቆብ ጸኒሑ ንየሱስ እተቐበለሉ መገዲ ምስቲ ብዙሓት መራሕቲ ሃይማኖት ዝገበርዎ ተግባር እሞ ነነጻጽሮ። ያእቆብ፡ የሱስ ወዲ ኣምላኽ ምዃኑ ንጹር መርትዖ ምስ ረኸበ፡ ብትሕትና ነዚ ሓቂ ተቐቢልዎ እዩ። እቶም ኣብ የሩሳሌም ዝነበሩ ሊቃውንቲ ኻህናት ግና ከምኡ ኣይኰኑን ገይሮም። ንኣብነት፡ የሱስ ንኣልኣዛር ካብ ምዉታት ከም ዘተንስኦ ኪኽሕድዎ ኣይከኣሉን። የሱስ ወኪል የሆዋ ኸም ዝዀነ ኣብ ክንዲ ዚኣምኑ ግና፡ ንየሱስን ንኣልኣዛርን ኪቐትልዎም ፈተኑ። (ዮሃ. 11:53፣ 12:9-11) ድሕርዚ፡ የሱስ ካብ ምዉታት ምስ ተንስአ፡ ነቲ ሓቂ እቲ ኻብ ህዝቢ ኺሓብእዎ ውዲት ኣለሙ። (ማቴ. 28:11-15) እቶም መራሕቲ ሃይማኖት ብትዕቢቶም ተደሪኾም ነቲ መሲሕ ኣይተቐበልዎን።

7. ካብ ትዕቢት ክንርሕቕ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

7 ትምህርቲ፦ ካብ ትዕቢት ርሓቕ፡ ወትሩ ንትምህርቲ ድሉው ኩን። ከምቲ ሕማም ንሰራውር ደምና ዜትርሮን ንልብና ብግቡእ ከይትወቅዕ ዜድክማን፡ ትዕቢት ከኣ ንምሳልያዊ ልብና ኼትርሮ፡ ንመምርሒ የሆዋ ኸይንቕበል እውን ዕንቅፋት ኪዀነና ይኽእል እዩ። እቶም ፈሪሳውያን ንልቦም ኣመና ኺተርር ስለ ዝፈቐዱ፡ ነቲ ብመንፈስ ኣምላኽ ዚቐርበሎም ዝነበረ ንጹር መርትዖ ኼለልይዎ ፍቓደኛታት ኣይነበሩን። (ዮሃ. 12:37-40) እዚ ንዘለኣለማዊ መጻኢኦም ስለ ዝጸለዎ፡ ሓደገኛ እዩ ነይሩ። (ማቴ. 23:13, 33) እምበኣር፡ ቃል ኣምላኽን መንፈስ ኣምላኽን ንስብእናና ኪቐርጾ፡ ንኣተሓሳስባናን ንውሳነታትናን እውን ኪጸልዎ ኸነፍቅድ ኣሎና። (ያእ. 3:17) ያእቆብ ትሑት ስለ ዝነበረ፡ ብየሆዋ ኺምሃር ፍቓደኛ ዀይኑ እዩ። ቀጺልና ኸም እንርእዮ ኸኣ፡ ሳላ ትሕትና እዩ ንፉዕ መምህር ኪኸውን ክኢሉ።

ከም ያእቆብ ንፉዕ መምህር ኩን

8. ንፉዓት መምህራን ክንከውን ዚሕግዘና እንታይ እዩ፧

8 ያእቆብ ክብ ዝበለ ዓለማዊ ትምህርቲ ኣይነበሮን። ብግዜኡ ዝነበሩ መራሕቲ ሃይማኖት ከምቲ ንሃዋርያ ጴጥሮስን ንሃዋርያ ዮሃንስን “ዘይተማህሩ ተራ ሰባት” ገይሮም ዝረኣይዎም፡ ንዕኡ እውን ከምኡ ገይሮም ርእዮምዎ ኪዀኑ ኣለዎም። (ግብ. 4:13) ኰይኑ ግና፡ ንፉዕ መምህር ኪኸውን ክኢሉ እዩ፣ እዚ ኸኣ ኣብታ ብስሙ እትጽዋዕ መጽሓፍ ይርአ እዩ። ንሕና እውን ከም ያእቆብ ብዙሕ ዓለማዊ ትምህርቲ ኣይህልወናን ይኸውን። ይኹን እምበር፡ ብሓገዝ መንፈስ የሆዋን ካብ ውድቡ ዚውሃበና ግብራዊ ስልጠናን፡ ንፉዓት መምህራን ክንከውን ንኽእል ኢና። ያእቆብ ከም መምህር ዝሓደጎ ኣብነት እሞ ንመርምር፣ ካብኡ እንረኽቦ ትምህርትታት እውን ንርአ።

9. ንኣመሃህራ ያእቆብ ብኸመይ ትገልጾ፧

9 ያእቆብ ኣጸጋሚ ቓላት ወይ እተሓላለኸ ሓሳባት ኣይተጠቕመን። በዚ ምኽንያት እዚ ድማ፡ ሰማዕቱ እንታይ ኪገብሩ ኸም ዘለዎምን ብኸመይ ኪገብርዎ ኸም ዘለዎምን ኪፈልጡ ኽኢሎም እዮም። ንኣብነት፡ ነቲ ክርስትያናት ቅሬታ ኸይሓዙ ግፍዒ ኺጻወሩ ኸም ዚግባእ ዝመሃረሉ ቐሊል መገዲ እሞ ንርአ። ብዛዕባ እዚ ኸምዚ ኢሉ እዩ ጽሒፉ፦ “‘እቶም እተጻወሩ ሕጉሳት እዮም’ ንብል ኣለና። ብዛዕባ ተጻዋርነት እዮብ ሰሚዕኩም ኣለኹም፣ የሆዋ ኣዝዩ ፈቃርን መሓርን እዩ እሞ፡ ነቲ የሆዋ ኣብ መወዳእታ ዝገበረሉ ርኢኹም ኣለኹም።” (ያእ. 5:11) ያእቆብ ንትምህርቱ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ከም ዝመስረቶ ነስተብህል። ንሰማዕቱ፡ የሆዋ ወትሩ ነቶም ከም እዮብ እሙናት ዝዀኑ ዓስቦም ከም ዚህቦም ኬረድእ ከሎ፡ ቃል ኣምላኽ እዩ ተጠቒሙ። መልእኽቱ ንምምሕልላፍ፡ ቀሊል ቃላትን ዚውሓጥ መረዳእታን እዩ ተጠቒሙ። በዚ ኸምዚ፡ ናብ ርእሱ ዘይኰነስ፡ ናብ የሆዋ እዩ ኸም ዚትኰር ገይሩ።

10. ሓደ ኻብቲ ንኣመሃህራ ያእቆብ እንስዕበሉ መገዲ እንታይ እዩ፧

10 ትምህርቲ፦ ንመልእኽትኻ ቐሊል ግበሮ፣ ካብ ቃል ኣምላኽ እውን ምሃር። ሸቶና ብፍልጠትና ንሰባት ከነስደምም ዘይኰነስ፡ የሆዋ ኽሳዕ ክንደይ ከም ዚፈልጥን ከም ዚሓልየሎምን ከነስደምሞም እዩ ኪኸውን ዘለዎ። (ሮሜ 11:33) ነዚ ሸቶና እዚ ንምውቃዕ፡ ወትሩ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ተመርኲስና ኽንምህር ኣሎና። ንኣብነት፡ ንተምሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ንሕና ኣብ ቦታኦም እንተ ንኸውን እንታይ ከም እንገብር ኣብ ክንዲ እንነግሮም፡ ንሳቶም ብዛዕባ እቶም ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከቡ ኣብነታት ኪሓስቡን ሓሳባትን ስምዒታትን የሆዋ ኼስተውዕሉን ክንሕግዞም ኣሎና። ድሕሪኡ፡ ንዓና ዘይኰነስ፡ ንየሆዋ ባህ ኬብሉ ብዜሕድርዎ ድሌት ኪለዓዓሉ እዮም።

11. ገሊኦም ብግዜ ያእቆብ ዝነበሩ ክርስትያናት እንታይ ጸገማት እዩ ነይርዎም፧ (ያእቆብ 5:13-15)

11 ያእቆብ ክዉንነት ዚቕበል እዩ ነይሩ። ኣብ መልእኽቱ ኸም እንዕዘቦ፡ ክርስትያናት ብጾቱ እንታይ ጸገማት ከም ዝነበሮም ይፈልጥ ነይሩ እዩ፣ ነዚ ብኸመይ ከም ዚሰግርዎ ኸኣ ንጹር መምርሒ ሂብዎም ኣሎ። ንኣብነት፡ ገሊኦም ክርስትያናት ንዚውሃቦም ምኽሪ ቐልጢፎም ኣይትግብሩን እዮም ነይሮም። (ያእ. 1:22) ገሊኦም ከኣ ኣድልዎ ብምግባር፡ ንሃብታማት ሓለፋ ይገብሩሎም ነይሮም እዮም። (ያእ. 2:1-3) ገሊኦም ድማ ንልሳኖም ምቍጽጻር የሸግሮም ነይሩ እዩ። (ያእ. 3:8-10) እዞም ክርስትያናት እዚኦም ከቢድ ጸገማት እዩ ነይርዎም፣ ያእቆብ ግና ብኣታቶም ተስፋ ኣይቈረጸን። ምኽሩ ብለውሃት ግናኸ ብቐጥታ እዩ ሂብዎም፣ ነቶም ብመንፈሳዊ መዳይ ዚቃለሱ ኸኣ ካብ ሽማግለታቶም ተወሳኺ ሓገዝ ኪሓትቱ ኣተባቢዕዎም እዩ።—ያእቆብ 5:13-15 ኣንብብ።

12. መጽሓፍ ቅዱስ ንእንምህሮም ሰባት ክንሕግዞም ከለና፡ ከመይ ጌርና ኢና ኣወንታዊ ኣረኣእያ ኽንሕዝ እንኽእል፧

12 ትምህርቲ፦ ክውንነታዊ ትጽቢት ይሃሉኻ፣ ግናኸ ብዛዕባ ኻልኦት ኣወንታዊ ኣረኣእያ ሓዝ። መጽሓፍ ቅዱስ እንምህሮም ብዙሓት ሰባት ነቲ ኣብኡ ዚርከብ ምኽሪ ምትግባር ይኸብዶም ይኸውን። (ያእ. 4:1-4) ነቲ ሕማቕ ባህርያቶም ምሕዮም ከም ናይ ክርስቶስ ብዝኣመሰለ ባህርያት ንምትካእ ግዜ ይወስደሎም ይኸውን። እምበኣር፡ ኣብነት ያእቆብ ብምስዓብ፡ ኣበይ ምምሕያሽ ኪገብሩ ኸም ዘለዎም፡ ተቢዕና ኽንነግሮም ኣሎና። ብተወሳኺ፡ ኣወንታዊ ኣረኣእያ ኽንሕዝ፡ ማለት የሆዋ ንትሑታት ናብኡ ኸም ዚስሕቦምን ኣብ ህይወቶም ለውጢ ኺገብሩ ብርታዐ ኸም ዚህቦምን ክንኣምን ኣሎና።—ያእ. 4:10

13. ኣብ ያእቆብ 3:2 ተገሊጹ ኸም ዘሎ፡ ያእቆብ እንታይ እዩ ተኣሚኑ ዘሎ፧

13 ያእቆብ ብዛዕባ ርእሱ ቕኑዕ ኣረኣእያ እዩ ነይርዎ። ሓው የሱስ ብምዃኑ ወይ ብምኽንያት እቲ እተዋህቦ ፍሉይ ሓላፍነታት ካብ ኣሕዋቱን ኣሓቱን ፍልይ ዝበለ ወይ ጸብለል ዝበለ ዀይኑ ኣይተሰምዖን። ንክርስትያናት ብጾቱ፡ “ፍቑራት ኣሕዋተየ” ኢሉ እዩ ጸዊዕዎም። (ያእ. 1:16, 19፣ 2:5) ፍጹም ከም ዝዀነ ኼምስል ኣይፈተነን። “ኵላትናስ ብዙሕ ሳዕ ንስሕት ኢና” ኺብል ከሎ፡ ንርእሱ እውን ሓዊሱ እዩ ተዛሪቡ።—ያእቆብ 3:2 ኣንብብ።

14. ስለምንታይ ኢና ጌጋታትና ኽንእመን ዘሎና፧

14 ትምህርቲ፦ ኵላትና ሓጥኣን ምዃንና ኣይንረስዕ። ካብቶም እንምህሮም ሰባት ከም እንበልጽ ጌርና ኽንሓስብ የብልናን። ስለምንታይ፧ ንተምሃራይና ኣበር ከም ዘይብልና መሲልና እንተ ቐሪብናዮ፡ ነቲ ኣምላኽ ዚሓትቶ ብቕዓታት ኬማልእ ከም ዘይክእል ገይሩ ኺድምድም ይኽእል እዩ። ኰይኑ ግና፡ ቅዱስ ጽሑፋዊ ስርዓታት ምስዓብ ወትሩ ቐሊል ከም ዘይኰነልና ብቕንዕና እንተ ተኣሚንና፡ የሆዋ ነዚ ብድሆታት እዚ ኽንሰግር ብኸመይ ከም ዝሓገዘና እውን እንተ ገሊጽናሉ፡ ንሱ እውን ንየሆዋ ኼገልግሎ ኸም ዚኽእል ኪርኣዮ ይኽእል እዩ።

ምሳሌታት ያእቆብ ቀሊልን ንጹርን ውጽኢታውን እዩ ነይሩ (ሕጡብ ጽሑፍ 15-16 ርአ) *

15. ነቲ ያእቆብ እተጠቕመሉ ምሳሌታት ብኸመይ ትገልጾ፧ (ያእቆብ 3:2-6, 10-12)

15 ያእቆብ ልቢ ዚትንኪ ምሳሌታት እዩ ተጠቒሙ። ልክዕ እዩ፡ ብመንፈስ ቅዱስ ተሓጊዙ ኪኸውን ኣለዎ፣ ኰይኑ ግና፡ እቲ ዓብዪ ሓዉ የሱስ ንእተጠቕመሉ ምሳሌታት ብምጽናዕ እውን፡ ብዙሕ ተማሂሩ ኪኸውን ኣለዎ። እቲ ያእቆብ ኣብ መልእኽቱ ዝጠቐሶ ምሳሌታት ቀሊል፡ ትምህርቱ እውን ንጹር እዩ ነይሩ።—ያእቆብ 3:2-6, 10-12 ኣንብብ።

16. ስለምንታይ ኢና ውጽኢታዊ ምሳሌታት ክንጥቀም ዘሎና፧

16 ትምህርቲ፦ ውጽኢታዊ ምሳሌታት ተጠቐም። ግቡእ ምሳሌታት ክትጥቀም ከለኻ፡ ንኣእዛን ናብ ኣዒንቲ ኢኻ እትቕይረን። ኣብ ኣእምሮ ሰባት፡ ስእልታት ኢኻ እትስእል። እዚ ስእልታት እዚ ኸኣ፡ ንሰማዕትኻ ቐንዲ ሓቅታት መጽሓፍ ቅዱስ ኪዝክሩ ይሕግዞም እዩ። የሱስ ውጽኢታዊ ምሳሌታት ብምጥቃም ዝመጸ፡ ክኢላ እዩ ነይሩ፣ ሓዉ ያእቆብ እውን ኣብነቱ ስዒቡ እዩ። ሓደ ኻብቲ ያእቆብ እተጠቕመሉ ምሳሌታት እሞ ንመርምር፡ ውጽኢታዊ ዝዀነሉ ምኽንያታት እውን ንርአ።

17. እቲ ኣብ ያእቆብ 1:22-25 ዚርከብ ምሳሌ ኣዝዩ ውጽኢታዊ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

17 ያእቆብ 1:22-25 ኣንብብ። ያእቆብ ንመስትያት ከም ምሳሌ ገይሩ እተጠቕመሉ መገዲ፡ ብብዙሕ መገድታት ውጽኢታዊ እዩ ነይሩ። ኣብ ኣእምሮኡ ንጹር ትምህርቲ ሒዙ ነይሩ እዩ፦ ካብ ቃል ኣምላኽ ክንጥቀም እንተ ዄንና፡ ነቲ ቓል ካብ ምንባብ ንላዕሊ ኽንገብር ኣሎና፣ ነቲ ዘንበብናዮ ኽንትግብሮ ኣሎና። ስለዚ፡ ያእቆብ፡ ሰማዕቱ ብቕልጡፍ ዚርድኦም ምሳሌ፡ ማለት ንሓደ ብመስትያት ዚርኢ ሰብ እዩ ሓርዩ። ኬመሓላልፎ ዝደለየ ነጥቢ እንታይ እዩ ነይሩ፧ ሓደ ሰብ ብመስትያት ገጹ ምስ ረኣየ እሞ መንቅብ ርእዩ ኼብቅዕ፡ ንምእራሙ ዋላ ሓንቲ ዘይገብር እንተ ዀይኑ፡ እዚ ዕሽነት እዩ። ብተመሳሳሊ፡ ቃል ኣምላኽ ምስ ኣንበብና እሞ ኣብ ባህርያትና ኸነዐርዮ ዚግባእ ነገር ርኢና ኸነብቅዕ፡ ንምዕራዩ ዋላ ሓንቲ ዘይንገብር እንተ ዄንና፡ እዚ ዕሽነት እዩ።

18. ምሳሌ ኽንጥቀም ከለና፡ እንታይ ሰለስተ ነገራት ኢና ኽንገብር ዘሎና፧

18 ምሳሌ ኽትጥቀም ከለኻ፡ ነዚ ዚስዕብ ሰለስተ ነገራት ብምግባር ኣብነት ያእቆብ ክትስዕብ ትኽእል ኢኻ፦ (1) እቲ ምሳሌ ነቲ ኸተመሓላልፎ እትደሊ ነጥቢ ዚበቅዕ ምዃኑ ኣረጋግጽ። (2) ሰማዕትኻ ብቐሊሉ ኺርድእዎ ዚኽእሉ ምሳሌ ተጠቐም። (3) ነቲ በቲ ምሳሌ ኣቢልካ ኸተመሓላልፎ እትደሊ ነጥቢ ንጹር ግበሮ። ግቡእ ምሳሌታት ምርካብ ዜጸግመካ እንተ ዀይኑ፡ ኣብ ዎች ታወር ፓብሊኬሽንስ ኢንደክስ ተወከስ። “ምሳሌታት” (Illustrations) ኣብ ትሕቲ ዚብል ኣርእስቲ፡ ክትጥቀመሉ እትኽእል ብዙሕ ኣብነታት ክትረክብ ትኽእል ኢኻ። ኰይኑ ግና፡ ምሳሌታት ከም ማይክሮፎን ምዃኑ ኣይትረስዕ፣ ነቲ እተመሓላልፎ ነጥቢ እዩ ዜጕልሕ። ስለዚ፡ ነቲ ኽትምህሮ እትደሊ ቐንዲ ነጥብታት ጥራይ ብምሳሌ ኣጕልሕ። ልክዕ እዩ፡ ክእለት ኣመሃህራና ኸነማዕብለሉ እንደሊ ቐንዲ ምኽንያት፡ ናብ ርእስና ኣትኵሮ ንምስሓብ ዘይኰነስ፡ ብእተኻእለ መጠን ንብዙሓት ሰባት ክፍሊ እቲ ሓጐስ ዝመልኦ ስድራ ቤት የሆዋ ኪዀኑ ንምሕጋዝ እዩ።

19. ንመንፈሳዊ ስድራ ቤትና ኣኽቢርና ኸም እንርእዮም ብኸመይ ከነርኢ ንኽእል፧

19 ፍጹም ዝዀነ ዓብዪ ሓው መሸም የብልናን፣ ኣብቲ ብክርስትያናት ኣሕዋትናን ኣሓትናን ዝቘመ ዓብዪ ስድራ ቤት ንየሆዋ ናይ ምግልጋል ክብሪ ግና ኣሎና። ምሳታቶም ብምቅርራብ፡ ካባታቶም ትምህርቲ ብምውሳድ፡ ኣብ ጐድኖም ኴንና ኸኣ ኣብ ናይ ምስባኽን ናይ ምምሃርን ዕዮ ብተኣማንነት ብምግልጋል፡ ንዓታቶም ዘሎና ፍቕሪ ኸነርኢ ንኽእል ኢና። ነቲ ያእቆብ ብኣረኣእያኡን ብኣካይዳኡን ብኣመሃህራኡን ዝሓደጎ ኣብነት ክንስዕብ እንተ ጽዒርና፡ ንየሆዋ ኽብሪ ነምጽኣሉ፡ ቅኑዕ ንዝልቦም ሰባት ከኣ ናብቲ ፈቃር ሰማያዊ ኣቦና ኺስሓቡ ንሕግዞም ኢና።

መዝሙር 114 “ተዓገሱ”

^ ያእቆብ ምስ የሱስ ኣብ ሓደ ቤተ ሰብ እዩ ዓብዩ። ነቲ ፍጹም ወዲ ኣምላኽ፡ ካብቶም ኣብቲ ግዜ እቲ ዝነበሩ መብዛሕትኦም ሰባት ንላዕሊ ይፈልጦ ነይሩ እዩ። ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ካብ ህይወትን ትምህርትታትን እዚ ኣብ ቀዳማይ ዘመን ኣብ ዝነበረት ጉባኤ ዓንዲ ዝዀነ ንእሽቶ ሓዉ ንየሱስ ክንምሃር ኢና።

^ ናታን ኖር ኣባል ኣመሓዳሪ ኣካል እዩ ነይሩ። ብ1977 ከኣ ምድራዊ ህይወቱ ዛዚሙ እዩ።

^ መግለጺ ስእሊ፦ ያእቆብ ንልሳንና ብዘይግቡእ ምጥቃም ኬስዕቦ ዚኽእል ሓደጋ ንምብራህ፡ ንእሽቶ ሓዊ ኸም ምሳሌ ተጠቒሙ እዩ። እዚ ድማ ሰባት ብቐሊሉ ኺርድእዎ ዚኽእሉ ምሳሌ እዩ።